ፖሊሲ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ኣብ ዞባና
2025-02-11 10:12:57 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 752 timesኣብ ዞባና፡ ፖሊሲ “ጸላኢ ጸላእየይ፡ ፈታውየይ” ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። እዚ ብሰፊሑ ናይቲ እትጸልኦ ምምሕዳር ተቓወምቲ ኣብ ሃገርካ ኣዕቊብካን ኣዕጢቕካን ከም መፈራርሒ ብምውፋር ኣብ መንጎ መንግስታት ክረአ ዝጸንሐ ክብ ለጠቕ ዝብል ቁርቁስ እዩ። ኣብ ኣተገባብራ’ዚ ፖሊሲ መንግስታት ዞባና ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ነናተን ተመኩሮታት ኣለወን።
ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ድሕሪ ነጻነት ዓመታት፡ ኣብ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ጉዳይ ኢድ ብምእታው፡ ናይ ዝተጻልአን መንግስታት ተቓወምቲ ብምሕጋዝን ምዕጣቕን ሰፊሕ ኢድ ዝጸንሖን ዘለዎን እዩ። በብግዜኡ ናይ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን የመንን ተቓወምቲ፡ ከስንቕን ከዕጥቕን ዝጸንሐ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብዚ መዳይዚ ካብ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ጀሚሩ ክሳብ ምምሕዳር ብልጽግና፡ ጸላእተይ ናይ ዝብሎም መንግስታት ተቓወምቲ ብምዕቋብ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። ተቓወምቲ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን የመንን ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም፡ ካብ ምምሕዳር ኢህወደግ ንደሓር ከኣ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሳ ጸኒሀን እየን። ሱዳንን ሶማሊያን ብወገነን ብተመሳሳሊ ናይ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ምናልባት እውን ናይ ካለኦት ሃገራት ተቓወምቲ ከጽልላ ከም ዝጸንሓ ፍሉጥ እዩ።
ሃገራት ንተቓወምቲ ተቐናቐንተን መንግስታት ዝህበኦ ዕቑባ ከከም ኩነታቱ፡ ንሓንሳብ ብግሁድ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር የካይደኦ። ካብ ናይ ጣልቃ ኣእታውነት ክስን ውግዘትን ንምህዳም፡ እዚ ጉዳይ ክለዓል እንከሎ፡ “ኣሉ ቀጣን” ምባል ከኣ ልሙድ እዩ። መንግስታት ተቓወምቲ ዘዕቁባሉ ምኽንያታት ዝተፈላለየ እዩ። ነተን ተቓወምቲ ኣዕዊትካ ኣብ ሃገረን ስልጣን ከም ዝሕዛ ጌርካ ኣብቲ ዝምስርትኦ ሓድሽ መንግስቲ ብማዕዶ ናይ “ገባርን ሓዳግን” ግደ ከም ዝህልወካ ክትገብር ምፍታን ሓደ ካብቲ ምኽንያታት እዩ። ገለ መንግስታት ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተጻላእከዮ መንግስቲ ከም መፈራርሕን መፍጠሪ ተጽዕኖን ንምጥቃም’ውን ይረአ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ፍልልያተን ብዘተ ክፈትሓ ክሕተታ እንከለዋ፡ ነተን ዘዕቆበአን ተቓወምቲ ከም መፍጠሪ ተጽዕኖን መንበርከኽን ምጥቃም ልሙድ ተመኩሮ እዩ። እንተኾነ ካልእ ሕሳብን ሕቡእ ኣጀንዳን ብዘየብሉ ካብ ፍትሓውነትን ህዝባውነትን ናይቶም ዝቃወሙ ኣካላት ነቒልካ ዝግበር ፍትሓዊ ደግፍን ዑቕባን ፈጺሙ የለን ማለት ኣይኮነን።
ተቓወምቲ ውድባት ካብ ሃገረን ወጻኢ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብቲ ክንቀሳቐሳ ዝግደዳሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ሃገረን ተወዲበን ኣተሓሳስበአን ዘንጸባርቓሉን ህዝበን ዘለዓዒለን ዝውድባሉን ነጻ ባይታ ክስእና እንከላዋ እየን። እዚ ኣብ ኤርትራ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ ዝምስክሮ እዩ። ምኽንያቱ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ጐረባብትን መላእ ኩርነዓት ዓለምን ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን መሰረታዊ መሰላትን ክንቀሳቐሳ ተገዲደን ዝጸንሓን ዘለዋን ኣብ ሃገረን ምስ ህዝበን ዝንቀሳቐሳሉ፡ ካብ ናይ ህግደፍ በሓቲ ኣተሓሳስባ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዝጸውር ባይታ ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈልየ ሓሳብ ከንጸባርቑ ዝፈተኑ ዜጋታት ዝውሰድ ጭካነ ቀጻሊ ምዃኑ እዩ።
ተቓወምቲ ዘዕቁባ ሃገራት ኣተሓሕዘአንን ሓገዝ ዝገብራሉ ኣገባብን ዝተፈላለየ እዩ። ገሊአን ናይተን ዘዕቁበአን ውድባት መጻኢ ናይ ምውሳን ነጻነት ዘኽብራ ክኾና እንከለዋ፡ ገሊአን ብኣንጻሩ ደረቱ ዝሓለፈ ኢድ ኣእታውነት የርእያ። ክሳብ ተቓወምቲ ድሕሪ ዓወተን ናይ ዝምስርተኦ መንግስታት መጻኢ መደባት ክትልማን መራሕቲ ተቓወምቲ ክመርጻን ክቕይራን ይደናደና። ክብሪ ሃገሮምን ረብሓ ህዝቦን መእከል ንዝገብሩ መራሕቲ ተቓውሞ ክሳብ ምእሳርን ካብ ሃገር ምስጓጉን እውን ይበጽሓ። ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ብዛዕባ ምስ ህግደፍ ዘሕለፍዎ ኣተሃላልዋ ከዘንትዉ እንከለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ይእሰሩ፡ ይፍትሑን ዘይኣመንሉ ተግባራት ክፍጽሙን ይግደዱን ከም ዝነበሩ ዝገልጹ ብዙሓት እዮም። ፍቓድ ህግደፍ ዝመልኡ ዝነበሩ ግና ኣብ ዓመት ክሳብ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ይወሃቦም ከም ዝነበረ እዮም ዘዘንትዉ።
ተቓወምቲ ውድባት ብወገነን፡ ካብ ተጽዕኖን ኢድ ኣእታውነትን ናይቲ ዘዕቁበን መንግስቲ ነጻ ክኾና፡ ድሕሪ ዓወተን ናይ ዝምስርትኦ ስርዓት መዕቀኒ ከኣ ናይ ህዝበን ድሌትን ኣብ ሃገረን ዘሎ ኩነታት እምበር፡ ናይ ዘዕቆበአን ሃገራት ድሌት መፈጸሚ ከይከውን ይቃለሳ። ኣብዚ በቲ ሓደ ወገን ዑቕባን ሓገዝን እናሓተትካ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነጻነት ውድብካን ውሳነታቱን ከም ዝዕቀበልካ ክትገብር ዝካየድ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ በዳሂ ምዃኑ፡ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝሓሸ መስካሪ የለን።
እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ተቓወምቲ ብምሕጋዝን ዕቑባ ብምሃብን ዝተሃላልኹ መንግስታት፡ ንሓዋሩ ኣብ ጽልኢ ክነብሩ ስለ ዘይክእሉ፡ እንተ ብናታቶም ተበግሶ ወይ ብናይ መተዓረቕቲ ተጽዕኖ፡ ናብ መኣዲ ዘተ ይኣትዉ እዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ ወጥሪ ዝኣትዋ እተን ኣብ ዘይሃገረን ክንቀሳቐሳ ዝጸንሓ ተቓወምቲ እየን። ገለ ሃገራት ኣብቲ ዝግበር ዘተን ዕርቅን ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ናይተን ሓላፍነት ወሲደን መብጸዓ ክኣትዉለን ዝጸንሕ ተቓወምቲ መጻኢ ዕድል ኣብ ግምት የእትዋ እየን። ገሊኦም ግና በምቲ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታውን ጸላእን የለን” ዝብል ፖሊሲ ተሻቢቦም ጉዳዮም ጥራይ ዝገብርሉ ኣሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ሓደጋ ከም ዘጋጥም’እውን ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ዘጋጠመ ተመኩሮ ብምጥቃስ ይከኣል።
ኣብ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን “ዝምድናና ኣሕዲስና” ምስበሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ፡ ዳሕረዋይ ውጽኢቱ’ኳ ከምቲ ትጽቢት ዝተገረሉ እንተዘይኮነ፡ ጉዳዮም ኣብ ግምት ኣትዩ እዩ። ብግብሪ ከኣ ውድባት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ፡ ጉንበት 7ን ዲምሒትን ብስምምዕ ናብ ሃገረን ክኣትዉ እንከለዋ፡ ኣብ ኣደባባያት መንግስታዊ ኣቀባብላ’ውን ተገይሩለን። ኣብ መንግስቲ ብልጽግና ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተር ዝተመዘዙ መራሕቲ ተቓወምቲ ነበር’ውን ኣለዉ። ብኣንጻሩ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ ህግደፍ’ኳ ካብ ቀደሙ ኣፍልጦ ክህበን ትብዓት እንተዘይነበሮ፡ ብልጽግና ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ሓላፍነት ወሲዱ ኣጀንዳ ክገብሮም ብቕዓት ሰለ ዘይነበሮ ግዳይ ከም ዝኾና ናይ ቀረባ ግዜ ኣሉታዊ ተዘክሮ እዩ።
ስለዚ ጠንቂ ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ክትቃለስ ምግዳድ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ፍልልይ ኣተሓሳስባ ዝጸውር መቃለሲ ባይታ ዘይምህላዉ እዩ እሞ፡ “ነቲ ኣብ ሃገርና በዂሩ ዘሎ ሰፊሕ መቃለሲ ባይታ ንምፍጣር ክንቃለስ እምበር ካልእ መዋጽኦ ከምዘየብልና ንረዳእ” ዝብል መጸዋዕታና እዩ።