መግለጺ ሓዘን ብዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጐስ
2025-09-18 10:37:47 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 269 timesመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጐስ ብ15 መስከረም 2025 ኣብ ሃገረ ጀርመን ካስል ብዘሕዝን ኩነታት ሰሚዕናዮ። ነዊሕን ጽንኩርን ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ዝነበሮ ሓርበኛ መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጎስ፡ ኣብ ከተማ መንደፈራ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርግስ ተመሃራይ እንከሎ፡ ንጡፍን ሰላማዊ ሰልፍታት ይመርሑ ካብ ዝነበሩን ተመሃሮ ሓደ ከም ዝነበረ ታሪኽ ቃልሱ ይምስክር። በዚ ተባዕ ተግባሩ ብሓይልታት ጸጥታ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ማእሰርቱ ናይ ተመሃሮ ጠቕላላ ምቁራጽ ትምህርቲ ኣስዒቡ ከም ዝነበረ እውን ሓቢረምዎ ዝነበሩ ገልጹ።
ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ’ውን ኣብኡ ቃልሱ ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ 1974 ድማ ናብ ሜዳ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቱ ተኸታቲሉ፡ ብዝነበሮ ሕብረተሰብኣዊ ኣፍልጦ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ተሓኤ ክፍሊ ናብራ ዕቤት ተመዲቡ።
ኣብቲ ዝተመደበሉ ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ድማ ዝነበሮ ፍልጠትን ተመኩሮን ብምክፋል ምስ ብጾቱ ኮይኑ ሓያሎ ኪላታት ናይቲ ዓውዲ ኣፍርዮም። ኣብ ህዝቢ ዝካየድ ስረሓት ናብራ ዕቤት ንክዓቢ ድማ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ነይሩ። በዚ ሞያኡ ኣብ ከባቢ ጋሽ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1978 ናብ ደንከሊያ ተመዲቡ፡ ኣብኡ ከኣ ኣብ ምምስራት ትካል ተራድኣዊ ስረሓት (cooperative) ግደኡ ኣበርኪቱ።
መሓመድ ሳልሕ፡ ኩነታት ተቐይሩ ተሓኤ ናብ ሱዳን ምስ ኣተወት’ውን ናብ ስደት ኣምሪሑ ካብ ቃልሲ ኣይበኾረን። ክሳብ 2003 ካብ ንጡፋት ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ምንባሩ ከኣ ድሕረ ባይትኡ ይምስክር።
እነሆ ከኣ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ ሓሊፉ’ሞ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽኩ፡ ንስዉእ መንንግስተ-ሰማይ ከዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓት ኣኻእሎን ክህቦም እምነ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ