ግዳማዊ ተጽዕኖ፡ ወሳኒ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ግደ ኣለዎ
2025-01-20 12:25:43 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 403 timesኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ናይ ሃገራት ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ምጽልላው ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሑ ይርከብ። እዚ ተርእዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብደረጃ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ዝሑል ውግእ ንዓለምና ናብ ክልተ ደንበ ከፊልዋ ዝነበረን እዩ። በዚ ምኽንያት እየን ከኣ ሃገራት ንዝምድና ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳአን ክሰርሓሉ ዝግደዳ።
ኣብ ከይዲ ናይቲ ምጽልላው፡ ዝያዳ ግደ ዘለወን ፍሉያት ሃገራት’ኳ እንተለዋ፡ ዝኾነት ሃገር ዓቕማ ይዕበ ይንኣስ ግደ ኣለዋ። ልዑል ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕምን ዝናን ዝደለባ ኣብ ዓለምና “ሓያላት” ዝበሃላ ሃገራትን ትካላትን ዝምድና ኣብ ምቕያስ ወሳኒ ግደ ከም ዘለወን ርኡይ እዩ። ናይ ሃገራት ሓያልነት በብግዜኡ ዝለዋወጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣስማተን ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ከይተላዕለ ዘይውዕል ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሩሲያ……ወዘተ ብዘለወን ልዕልና ኣብ ናይ ምጽላው ውድድር ዘለዋ እየን። እቲ ውድድር ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ብምእታው ጽልዋኻ ብምስፋሕ’ውን ዝግለጽ’ዩ። ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ናይ ህልውና ስግኣትን ዘጋጥመን ሃገራት ምስ ሓንቲ ካብዘን ሓያላት ተጸጊዐን ክዕቆባ ከም ዝግደዳ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ምግልባጣት ህያው ምስክር እዩ። ብሰንክዚ ህልውነአን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ካለኦት ወዲቐን ዝሕመሳ ሃገራት’ውን ውሑዳት ኣይኮናን።
እተን ሓያላት ጽልወአን ንምሕያል ካብ ሃገረን ወጻኢ ዘካይደኦ ወፍሪ፡ መንቀሊኡ ኩለ-መዳያዊ ኮይኑ፡ እቲ ቀዳምነት ዝሰርዐኦ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዓብላልነትን ቁጠባዊ መኽሰብ ንምድላብን እምበር፡ ናይተን ዝጸልወአን ረብሓ ቅድሚት ዝሰርዕ ከምዘይኮነ ዝተፈልጠ እዩ። ኣብ መስርሕ ዝምድና “ምስ መን እንተኮይንካ ኢኻ ትረብሕን ትድሕንን?” ዝማእከሉ ሕቶ ምምላስ ወሳኒ እዩ። ኩነታት ክቕየር እንከሉ ምስቲ ሓደ ጸኒሕካ ናብቲ ካልእ ምጽጋዕ ኣብቲ ጉዕዞ ዝምድና ዝረአ እዩ። ብመንጽር’ዚ እተን ተጽዕኖ ዝፈጥራ ሓያላት ኮና፡ እተን ተጽዕኖ ዝወርደን ናይ ግድን ኣብቲ ሓንሳብ ዝደኮነኦ ዝምድና ይነብራ ማለት ዘይኮነ፡ ምስ ምቅይያራት ረብሓ ዝቕየር እዩ።
ኣብ ናይ ዝምድና ውረድ ደይብ፡ ዝያዳ ቆላሕታ ዝወሃቦም ተሃወስቲ ኩርነዓት ኣለዉ። ኣብቲ ክሊ እቲ ኩርናዕ ዝርከባ ሃገራት ከኣ ንመጥቃዕቲ ኮነ ንመጎስ ዝተቓለዓ እየን። እዚ ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ሓደ ካብቲ ውድድርን ቁርቁስን ናይ ሓያላት ዘይፍለዮ ከባብታት እዩ። ሓደ ከባቢ መቆራቖሲ ዝኸውን ብዘለዎ ተበሃጊ ጀኦ-ፖለቲካዊ ኣቀማምጣን ትሕተን ልዕለን ምድሪ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ዝሓቖፈ ክውንን እንከሎ’ዩ።
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዎ ናይ ንግድን ትራንስፖርትን ዓለምለኻዊ ተባሃግነት፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ መቆራቖሲ ኮይኑ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ኤርትራ ከኣ ምስቲ ረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ሓላፍነታዊ ምምሕዳር ዘየብላ ምዃና፡ በቲ ቁርቁስ እትሰግን ግዳይ ትኸውንን እምበር እትጥቀም ኣይኮነትን። ህዝባ ናይቲ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ወደባቱ ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ነዚ’ዩ ዘመልክት። ብኣንጻሩ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ዝጥቀመሉን ውዲት ዝኣልመሉን ወተሃደራዊ መደበራት ኣብ ምክራይ እዩ ዝግደስ። ምስዚ ኩሉ ግና ሎሚ’ውን እስትራተጅያዊ ተበሃግነት ኤርትራ ካብ ወተሃደራዊ ተጠማትነትን መወዳዳሪ ሓያላትን ወጻኢ ኣይኮነን። ህግደፍ ብሰንክቲ ዝኽተሎ ዕጽዊ ፖሊሲኡ ንዘጋጥሞ ሕመቕን ድሕረትን፡ ብሓፈሻ ኣንጻር ምዕራባውያን ብፍላይ ከኣ ኣንጻር እታ ስለ ዘዕበየቶ ክባተኻ ዘይደሊ ኣሜሪካ ብቐጻሊ ከማርር እዩ ዝስማዕ።
ኣሜሪካ ጉዳይ ኤርትራ ምስ ረብሓኣን ረብሓ መሓዙታን እናቓነየት ኣጀንደኣ ካብ እትገብሮ መዋእል ኮይኑ እዩ። ካብ ድሮ ናጽነት ኣትሒዝና እንተተዓዘብና፡ ካብ ሄርመን ኮሀን ጀሚርካ ፖለቲከኛታታ ኣመሪካ ጉዳይ ኤርትራ ኣጀንዳኦም ካብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ሚካኤል ሮቢን፡ ቲቦር ናጅን ፒተር ሻምን ዝኣመሰሉ ኣሜሪካውያን ጸሓፍትን ኣንበሳድራትን ኣንጻር’ቲ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎ ህግደፍ፡ ዘቕንዑ ይመስሉ። ህግደፍ ከምስል’ኳ “ነብሰ-ምርኮሳ” እንናበለ ደገፍ ኣሜሪካ ከምዘይደሊ መሲሉ ዘጉባዕብዕ እንተኾነ፡ ድምጹ ሓቢኡ ራሕሶም ካብ ምልማን ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ብፍላይ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ “ኣይሰላም ኣይወግእ” ግዜ ዘስመዖ ዝነበረ ናይ “ዘሪኹሙኒ” ኣውያትን ናይ ደሓር “ኮሊፎምና” ሕርቃኑን መረጋገጺ እዮም።
ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ምስግጋር፡ ኣብ ዞባና ድምጺ ናይቲ ሓድሽ ብትራምፕ ዝምራሕ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንክሰምዑ ዝጸናጸኑ መንግስታት ብዙሓት እዮም። ንኣብነት ሶማሊላንድ ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ክትረክብ ብሃንቀውታ ትጽበ። ህግደፍ’ውን ሓደ ካብ ተጸበይቲ ኮይኑ፡ ብምምራጽ ትራምፕ ሓጐሶም ካብ ዝገለጹ ሓደ’ኳ እንተ ነበረ፡ መጋብሩ ስለ ዝፈልጥን ግና መጻኢ ከምዘየቕስኖ ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ በቲ ክጨንቆ እንከሎ መልእኽቱ ዘመሓላልፈሉ “ማእከል ምምርምርን መጽናዕትን ኤርትራውያን” ዝበሃል መርበብ ኣቢሉ ስንባደኡ ምግሃድ ጀሚሩ’ሎ።
ካብቲ ዘሰንብዶ፡ ባህርያቱ ብደቂቕ ዝርድኡ፡ ከም ቲቦር ነጅን ፒተር ሻምን ዝኣመሰሉ ኣሜሪካውያን ኣንበሳድራት ንጉዳይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከት ናብ ሓላፍነት ምምጸኦም ዕድመኡ ዘሕጽር ከይከውን ምስግኡ እዩ። ካብቲ ስግኣቱ ዘንጸባርቕ ኣውያቱ ድማ “ክልተ ኣንጻር ኤርትራ ሽምጦም ገቲሮም ዝታረኹ ፖለቲኬኛታት'ዮም፥ ዶ/ ፒተር ፋምን ኣምባሳደር ቲቦር ናግን። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ምስ ኢህወደግ ስጥመት ዘለዎ ናይ ስራሕ መሳልል ሃኒጾም ምሉእ ቱኽረቶም ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቢሎም ምጽንሖም ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ'ዩ።” ይብል። “ጉዳይ ቲቦር ናጊ "ቂም ሒዝካ ጸሎት፡ ቁምነገር ሒዝካ ተረት" ከም ዝኸዉን ፍጹም ዘጠራጥር ኣይኮነን።” ዝብል’ውን ይውስኸሉ።
ምስዚ ኩሉ ግና ናይዞም ሓያላት ተጽዕኖን ተግሳጥን ኣድላይ ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግና ናይ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን ቃልስን ግደን እዩ። እቲ ናይ ግዳም ተጽዕኖ ዕድልዩ ዘጣጥሕ። ነቲ ዝተፈጥረ ዕድል ተጠቒምካ ናብ ረብሓ ህዝብኻ ምውዓሉ ከኣ ነዓና ንተቓለስቲ እዩ ዝምልከት። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ተጽዕኖ ሓያላት ብመንጽር ናቶም ድሌት ዝተቓነየ ስለ ዝኸውን፡ ውጽኢቱ ብኸመይ ናብ ኤርትራዊ ረብሓን ባህግን ይቃነ ከሎ ጋና ከነስተውዕለሉ ዘለና እዩ። ስለዚ እዚ ክፍጠር ይኽእል ተባሂሉ ዝግመት፡ ንህግደፍ ዘርዕድ ኣሰላልፋ ንዝያዳ ረቂቕ፡ በሊሕን ሓላፍነታውን ሓባራዊ ቃልሲ እንዳለወሉ ምዃኑ ክንግንዘብ ከድልየና እዩ።