ውግእን ወረ ውግእን ናብ ሰላም ኣይወስዱን
2025-01-28 11:09:15 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 463 timesውግእ ዕንወትን ህልቂትን ዘስዕብ ናይ ጥፋኣት ምርጫ ስለዝኾነ፡ ተገዲድካ ዝእቶ እምበር፡ ዝምረጽ ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ንውግእ ከም ከም መናውሒ ዕድመ ስልጣኖም ዝጥቀሉ መለኽቲ ምህላዎም ዝከሓድ ኣይኮነን። ድሕሪ’ቲ ኣብ ጐረቤትና ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኣዕናዊ ውግእ፡ ኤርትራውያን ዝሳተፍሉ ጐንጺ ዓሪፉ ጸኒሑ። እቲ ውግእን ወረ ውግእን ግና፡ ኣብዚ ቀረባና ሱዳን፡ ርሕቕ ኢሉ ከኣ ካብ ሩሲያ ክሳብ ዩኩረይን፡ ካብ እስራኤል ክሳብ ፍልስጥኤምን ሊባኖስን ኢራንን የመንን ደሓር ድማ ክሳብ ሲርያ ዝወናጨፍ ኮይኑ’ሎ። እቲ ወረ ውግእ ካብዚ ህውከት ዘይፍለዮ ዞባና ዘይምውጽኡ ከኣ ዘሻቕል እዩ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝጸንሐ ናይ ሕድሕድ ናይ “መጻእናኩም” ፈኸራታት፡ ናብ ዘተኣማምን’ኳ እንተዘይበጸሐ፡ ናይ ህድኣት ምልክታት ምርኣዩ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ’ሎ።
ከምኡ ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ትጽቢት’ኳ እንተዘይነበረ፡ ዝምድና ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቅን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድን “ካብ ዓሰብ ክሳብ ኡሞሓጀር ፈቓድ ብዘይምጽባይ ክዘዋወሩ ይተዓዳደሙ” ከምዘይነበሩ፡ ናብዚ ንዕዘቦ ዘለና ሓደ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልእ ምክሳስን ፈኸራን ምብጽሑ፡ እቲ ገለ ወገናት ነዚ ዞባና “ህውከት ዘይፍለዮ ዘይህዱእ” ዝብልዎ ይግሃድ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ክልቲኦም መራሕቲ ብልኡኻቶም ኣቢሎም ብኢድ ኣዙራዊ “ክንርእአ ኢና” ምብህሃል ካብ ዝጅምሩ ኣዋርሕ ኣሊፉ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ ቀጥታዊ ፕርፖጋንዳዊ ዳርባታት ኣትዮምስ፡ ኣብ መንግስታዊ መደብ ተለቪዥ ኢትዮጵያ ክሳብ “ቀይ ባሕረኛ” ዝብል ቀዋሚ ሰሙናዊ መደብ ምስራዕ ተበጺሑ’ሎ። ኤርትራ’ውን ብቤት ጽሕፈት ዜንኣን ከም ኣወል ስዕድ ብዝኣመሰሉ ናይ መድያ ነጠፍቲ ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ንመራሕ ኢትዮጵያ ዘይበለቶ ምንእኣስ የለን።
ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ 30 ሕዳር 2024 ቃለ መጠይቕን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሓለፍቱን ኣብ ፓርላማን ተመሳሳሊ መድረኻትን ተደጋጋሚ ምኩምሳዕ “ምውናን ወደብ ዓሰብ” እቲ ምትፍናን ይዓርግ ከም ዘሎ የርኢ። ብዙሓት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለዎም መዲያታትን “ፈላጣት ሕጊ ኢና በሃልቲ” ኢትዮጵያውያን ከኣ ነቲ መንግስታዊ ስስዐ ከዳምቑ ከም “ዓሰብ ናይ መንእያ” እትብል ብዶር ያቆብ ሃይለማርያም ዝተደርሰት መጽሓፍ ዝኣመሰሉ ዝንቡዓት ድርሰታት ክጠቕሱ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ተኹሲ ሓላፍን ፍሉይ ኣማኻሪ ኣዛዚ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ዝኾነ ሌተናል ጀነራል ኣለምሸት ደጊፈ ምስ ናይ ሰራዊት መድያ መድያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ “ዋንነት ወደብ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ናብ ዝነበሮ ክንመልሶ ኢና” ዝበሎ ንኤርትራውያን ዘየቕስን ኮይኑ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣገልግሎት ወደብን ናይ ገምገም ባሕሪ ክራይ መሬትን ዝረኽበሉ ስምምዕ’ ምስ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ኣንካራ ምስተፈራረመን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተራኸቡን ሕቶ ኢትዮጵያ ተመሊስሉ እዩ እሞ ናብ ኤርትራ ምምዕዳዉ የቋረጽ ይኸውን ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። እንተኾነ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣኡ ዝዕገስ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ነቲ ናብ ምውናን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝመጣጠር ህርፋኑ ዝምልከት ካብ ምትኹታኽ ዓዲ ኣይወዓለን። ነዚ ንምርግጋጽ “እንተተኻኢሉ ብሰላም፡ ብኡ እንተዘይሰሊጡ ድማ ብዝኾነ ኣገባብ ዝትግብር’ዩ” ዝብል ሓሳብ’ውን ይንጸባረቕ ኣሎ። እዚ ነቲ ደበና ስግኣት መሊሱ ዘኽብዶ እዩ። “ሎሚ ንሕና እንተዘየዕዊትናዮ ደቅና ዝቕጽልዎ ክኸውን እዩ” ዝብል ብሂል ክውስኾ እንከሎ ድማ፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ዋጢጥ ሱር ክሰድድ ይድልይዎ ከም ዘለዉ የመልክት።
እዚ ዝገማዳሕ ዘሎ ምጽልላም፡ ናብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከባቢና ከም ዝምዕብል ምልክታቱ ይረኣ ኣሎ። ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ዝነበረ ኣሰላልፋ፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ መልክዑ ናይ ምቕይር ኣንፊት ሒዙ ምንባሩ ክንዕዘቦ ጸኒሕና። ሎሚ ከኣ ካልእ መልክዕ ናብ ምሓዝ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ቅድሚ ውዕል ፕሪቶርያ ብሓባር ዝነበሩ ወገናት ተፈንጢሖም ሓድሽ መዛምድቲ ንምርካብ የመዓድዉ ኣለወ። ኣብ ትግራይ ዝሕቆን ዘሎ ፖለቲካዊ ምፍንጫል ከኣ፡ ነናትካ ኣሰላልፋ ናብ ምንዳይ ገጹ ይምዕብል ከም ዘሎ ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ። “ምስ ህግደፍን ፋኖንዶ ወይ ምስ ብልጽግና ምዝማድ?” ዝብሉ ሓሳባት ከኣ ዝተፋነኑ ዘለዉ ምርጫታት እዮም። ገለ ተጋሩ ፖለቲከኛታትን መዲያታትን ብግህዶ ምስቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ትማሊ ንህዝቢ ትግራይ ደም ዘንበዐ፡ ጉጅለ ምስላፍ’ዩ ዝሕሸና” ዝቓንኡ ጐስጓስ ከቃልሑ ክስምዑ ከለዉ፡ ብኣንጻሩ “ብስምምዕ ፕሪቶርያ ተቐይድና ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ምስላፍ’ዩ ዝሕሸና” ዝብሉ እውን ኣለዉ። እዚ እቲ ሓድሽ ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጵያ እንታይ መልክዕ ሒዙ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብር ኣንፈት እዩ። ኣብ ሱዳን እውን ካብቶም ጀነራላት ነናትካ ጸግዒ ወሲድካ ምስላፍ ይረአ’ሎ።
ተጋሩ ክግንዘብዎ ዝግበኦም ሓቂ፡ እቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ እሞ “ምሳኻ ኢና” ክብልዎ ዝደልዩ ዘለዉ ጉጅለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ’ኳ ዝገበረሉ ጽቡቕ የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ሕሰሙ፡ ጭቆናኡን ድኽነቱን ጠንቂ ምዃኑ ከስተውዕሉ ይግበኦም። ሓይልታት ትግራይ ኮነ ኢትዮጵያ፡ ግዳይ ናይቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ዝፈሰሰ ጭካነን ዓመጽን ህግደፍ ክኾኑ ከም ዝጸንሑ ባዕላቶም ዝፈልጥዎ እዩ። ስለዚ “ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ጉጅለ”፡ ራህዋን መዋጸኦን ክረኽቡ ዝጽበዩ እንተኾይኖም፡ ኣብ ግጉይ ምርጫን ኣሰላልፋን ከም ዘለዉ ይረድኡ። ካለኦት ምስ ዓመጸኛ ጉጅለ ህግደፍ ክስለፉ ዝሓስቡ እንተልዮም’ውን መኻይዶም ከምዘይከውን ከሎ ጋና ክግንዘቡ ይግበኦም ንብል። ሎሚ ንህዝብታት ኤርትራን፡ ኢትዮጵያን ኮነ ክልል ትግራይ ዘዋጸኦም፡ ኣብ ውግእ ምሳኻ ዝስለፍ ዓቕሚ ምድላይ ዘይኮነ፡ ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮነ ተረዲኡ፡ ኣብ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዝኣምን ክኸውን ይግበኦ።
ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ፡ በዚ ሃገርና ኣብ እትርከቦ ዞባ ኣትዩ ዘሎ ሕምስምስ፡ ዘኸትሎ ሳዕቤን ዝጉዳእ ህዝቢ ምዃኑ ዝርድእዎ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ዕላምኡ ኣገልግሎት ወደብ ምርካብ እንተኾይኑ፡ ነዚ ዝምልከት ሕጋውን ዓለም ለኻውን ኣሰራርሓ ስለ ዘሎ፡ ንዓኡ ክኽተል ከም ወትሩ ኣትሪርና ንመኽሮ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ናይ ታሪኽ መወከሲ ንክኽውን ተዓጽዩ ዝተዓቀበ ፋይላት ብምግንጻል፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ወደባት ኤርትራ ብሓይሊ ንምምንዛዕ ምሕላን፡ ሳዕቤኑ ዳግማይ ጥፍኣትን ዕንወትን ይረዳእ ንብል።