ካብ ውዕል ኣልጀርስ፡ ክሳብ ፕሪቶርያ
2025-01-14 18:14:54 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 265 timesኣልጀርስ: እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ደው ንኽብል፡ ስምምዕ ዝተኸተመላ ዋና ከተማ ኣልጀርያ እያ። በዚ መሰረት ድማ ኤርትራውያን ምስ ኣልጀርስ ፍሉይ ተዘክሮ ኣለዎም። ነቲ ውግእ ጠጠው ዘበለ ስምምዕ ብምቅርራብ ናይ ሽዑ ፕረሲደንት ኣልጀርያ ቡተፉሊቃ 18 ሰነ 2000 ዝኸተሙ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣቶ ሃይለ ወደትንሳኤ (ድሩዕን)ን ኣቶ ስዩም መስፍንን እዮም። ቀጺሎም ናይ ቀዋሚ ሰላም ስምምዕ ብ12 ታሕሳስ 2000 ዝኸተሙ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብረሃን ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣስረስን ምንባሮም መዛግብ እቲ ስምምዓት ይምስክሩ።
ትሕዝቶ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብዙሓት ዓንቀጻትን ዛዕባታትን ዝሓቖፈ፡ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኮሚሽን ካሕሳን ጥርዓንን ከምኡ እውን፡ ውግእ ብመን ከም ዝተጀመረ እተጻሪ ኣካል ምቛም ካብቶም ዝጥቀሱ ትሕዝቶ ነጥበ-ስምምዕ እዮም። መስርሕ ውሳነ ኮሚሽን ዶባ ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ 25 ኪሎ ሜተር ዝዕምቆቱ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ክሊ (buffer zone) ተኸሊሉ ኣብኡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ክሰፍር ተወሲኑ ምትግባሩ ከኣ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘቖጠዐ፡ መርኣያ ስዕረት እቲ ኢሳያስ ንወታሃደራዊ ክኢላታት ኣግሊሉ ዝመረሖ ውግእ ህግደፍ ከም ዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን።
ነቲ “ውግእ ብመን ተጀሚሩ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኣጻርያ ንምምላስ፡ ክትምርምር ዝተመዘት ኣካል፡ ኣብ 2005 ኣብ ዝሃበቶ ውሳነ፡ “ኤርትራ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ጥሒሳ ነቲ ውግእ ንኢትዮጵያ ብምጥቃዕ ጀሚራቶ (Eritrea broke international law and triggered the war by invading Ethi” ዝብል መደምደምታ ከም ዝሃበት ሰነዳታ ይምስክሩ። ንካሕሳን ጥርዓንን ኣጽኒዓ ክትውስን ዝተመዘት ኣካል ከኣ ብ19 ነሃሰ 2009 ብዘውጸኣቶ ደምዳሚ መግለጺ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ 174,036,520.00 ዶላር ክትከፍል፡ ኢትዮጵያ ድማ ንኤርትራ 163,520,865.00 ዶላር ክትከፍ በይና። በዚ መሰረት እቲ ክፍሊት ምስተወራረደ፡ ኤርትራ ናይ 10.515.655,00 ዶላር ዕዳ ንኢትዮጵያ ከፋሊት ምዃና እቲ ሰነዳት የመልክት።
እታ ዝዓበየ ዕማም ዝነበራ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ13 ለካቲት 2002 ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይና ሂባ። ድሕሪ ብይን ክትከዶ ዝነበራ መስርሕ ተጓዒዛ፡ ኣብ ምምልካት ኣብ መሬት ምስ በጸሐት ግና ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ከም ዘለዎ፡ ብመሰረ’ቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ባህሪኡ ናይ ምትግባሩ ቅሩብነት ስለ ዘይተራእየ፡ ደውታ ኣጋጢምዎ። ህግደፍ ከኣ ንኣስታት 20 ዓመታት ብፍላይ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ከምኡ ከኣ ነተን ካለኦት ኣብቲ ምፍርራም ተዓዘብቲ ዝነበራ መንግስታት ምዕራብ፡ ናብ ኢትዮጵያ ወጊነን ብዝብል ኣብ ምርጋምን ምኽሳስን ተጸሚዱ ነይሩ። ምስዚ “ህግደፍከ ነቲ ውሳነ ናይ ምትግባሩ ዕድል እንተዝረክብ ቅሩብዶ መኾነ?” ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት’ኳ እንተነበረ፡ ብተግባር ዕድል ምስተረኽበ’ውን ከምዘይተገደሰሉ ብግብሪ ተራእዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብሰንኪ’ቲ “ናይ ባድመ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ውግእ ዝተፈጥረ ስንብራት፡ ትግባረ ውዕል ኣልጀርስ ኣብ ባይታ ብምምልካት ከይተዛዘመ፡ እዚ ሎሚ “ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት” ዝምለስ ዘሎ፡ ስምምዕ ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ተኸሲቱ። ወዮ ናይቲ ስምምዕ ቀንዲ ምኽንያት፡ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ውሳነ ዶብ ምሉእ ብምሉእ ከተግብር ቅሩብ ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸ” እናተባህለ ተገሊጹስ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግና ንትግባረ ውሳነ ዶብ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ’ውን ኣይሓዞን።
ኢሳያስ ክሳብ “ምስሕሓብ ዶብ ጠንቂ ናይቲ ውግእ ስለ ዘይነበረ፡ ናብ ዝኸደና የብሉን” ኣብ ዝብል ሕጫጨ ከም ዝበጸሐ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ካብቲ ሳላ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘቋረጸ ንኤርትራውያን ኩለ-መዳያዊ ክቡር ዋጋ ዘኽፈለ ኣዕናዊ ውግእ ከይተማህረ ከኣ፡ ምስ ኣብይ ኮይኑ ናይ ውግእ ኮበሮ ብምድሳቕ፡ እቲ 4 ሕዳር 2020 ዝተባርዐ ውግእ ትግራይ ንክጅመር ሓያል ጐስጓስ ኣካይዱ ደሓር ከኣ ኣካሉ ኮይኑ ተዋሲኡ። ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘየንጸባርቕን ውሳነ ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ “ዓገብ ደጊም ውግእ ይኣኽለና፡ እቲ ዝሓለፈ’ውን ኣየርብሓናን” ምባል፡ “ንኺድ ጥራይ” እናበሉ ዘሰነይዎ ኤርትራውያን ምንባሮምን ምህላዎምን ድማ የሕዝን።
በቲ ሓደ ወገን ሓይልታት ኤርትራ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መልሻ ኣምሓራን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተሰሊፎም መሪሕ ኮይኖም ዝተዋስእሉ ውግእ ትግራይ፡ ከምቲ እቲ ቀዳማይ ውግእ ንክልተ ዓመታት ምስ ቀጸለ ብስምምዕ ኣልጀርስ ዘብቀዐ፡ ኣብ ክልተ ዓመቱ ብ2 ሕዳር 2020 ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ፡ ብናይ ውግእ ምቁራጽ ውዕል ተቛሪጹ። ኢሳያስ ኣብ ውግእ ትግራይ “ተለጣፊ እምበር ዝምልከቶ ኣካል ኣይኮንካን” ስለ ዝተባህለ፡ ኣብ መኣዲ ዘተ ፕሪቶርያ ኣይተሳተፈን። በቲ ሓደ ወገን እቲ ውግእ ብዘይምቕጻሉ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣካልቲ ዘተ ኮይኑ ናይ ምዝራግ ዕድል ብዘይምርካቡ ኣዝዩ ከም ዝተቖጠዐን ሕነ ክፈዲ ከም ዝሓንሓነን ኣብቲ ግዜ’ቲ “ተኾሊፍና” ብዝብል ቃሉ ኣግሂድዎ እዩ።
ኢሳያስን ጉጅለኡን ከምቲ ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ውግእ ካብ ምንዳይ ዘይተኣደቡ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ እውን ብዙሓት ናብ ውግእ ከእትዉ ይኽእሉ እዮም ዝበልዎም መዓጹ ይኩሕኩሑ ኣለዉ። ምስ ፈደራል ኮይኑ ኣንጻር ትግራይ ዘካየዶ ውግእ ከየጠዓሶ፡ ምስ ትግራይ ኮይኑ ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክወግእ ድሌት ኣለዎ ዝብል ወረ ምዝርጋሑን ምስቶም ብጉዳዮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ዝኣተዉ፡ ወገናት ኪዳን ፈጢሩ ናብ ውዲት ክኣትው ምድላዩ ድማ የገርም።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኩሉ’ቲ ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ቁማር ንኤርትራን ህዝባን ከም ናይ ግሊ ንብረቱ ኣትሒዙ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። እሞ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታትከ፡ ኤርትራን ህዝባንሲ “ደጊም ናትካን ናይ ጉጅለኻን መቋመሪ ኣይክኾኑን እዮም” ዝብል ድምጽና ኣበሪኽና ብሓባር ናብ ተግባር እንኣትወሉ ደኣ ካብ ሎሚ ሓሊፍ መዓስ’ዩ ክኸውን?