እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነት ብምሃብ ቀዳመይቲ ኮይና
2025-12-26 17:49:56 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 311 timesእስራኤል ብ26 ታሕሳስ 2025፡ ንሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ብምሃበ ቀዳመይቲ ካብ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና። እዚ ኣፍልጦ ዝሃበታ ሶማሊላንድ “ስምምዕ ኣብረሃም” ዝብል ውዕል ተቐቢላ ክትግብር ቅርብቲ ምዃና ምስ ኣረጋገጸት፡ ክልቲአን ሃገራት ብዝኽተመኦ ናይ ሓባር ስምምዕ ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ። በቲ ውዕል መሰረት ሶማሊላንድ ካብ ጋዛ ስደተኛታት ክትቅበል’ያ ዝብል ተረድኦ ኣሎ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብዛዕባቲ ጉዳይ ምስ መሓዝኡ ፕረሲደንት እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ብተለፎን ከም ዝተዛረበ ድማ ተሓቢሩ።
ናታንያሁ ሃገሩ ሶማሊላንድ ን30 ዓመታት ዝኣክል ተንጠልጢሉ ዝጸንሓ ትጽቢታ፡ ነቲ ብተበግሶ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ዝተኸተመ “ስምምዕ ኣብረሃም” ምሉእ ብምሉእ ከም እትትግብሮ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዋህበ ኣፍልጦ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
እቲ ስጉምቲ ነቲ ሶማሊላንድ ብ1991 ካብ ሶማሊያ ተፈልያ “ናጻ ሃገር እየ” ኢላ ክነሳ፡ ክሳብ ሎሚ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ከይረኸበት ዝጸንሓቶ ኣፍደገ ዝኸፍ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ኩነታት ዝተኸታተለ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማሊያ መቃድሾ ከኣ ነቲ ኩነታት ንምምዛንን መርገጹ ንምግላጽን ህጹጽ ኣኼባ ከም ዘካይድ ኣልጀዚራ ሓቢራ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ ድሕሪቲ ውሳነ ናብ ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ዓብደል ራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ደዊሉ፡ “እንኳዕ ኣሕጐሰካ” ድሕሪ ምባል፡ ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንከተስፍን ዘለዎ እምነት ገሊጽሉ። ወጻኢ ጉዳይ እስራኤል ብወገኑ እቲ ስምምዕን ኣፍልጦን ድሕሪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ክካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ ዘተን ክልቲኦም መራሕቲ ምውሳኖምን፡ ኣብ ስምምዕ ምኽፋት ኢምባሲታትን ምልውዋጥ ኣንበሳድራትን ዝተበጽሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብወገኑ ሃገሩ “ስምምዕ ኣብረሃም” ምሉእ ብምሉእ ከተተግብር ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሶማሊያ፡ ግብጺ፡ ቱርክን ጅቡትን ንስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ከም ዝነጸግዎ ጋዜጣ ጀሩሳሌም ፖስት ኣፍሊጣ።
ኢትዮጵያ ብ2024 ምስ ሶማሊላንድ፡ ንሳ ኣፍልጦ ክትሃብ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን ገምገም ባሕሪ ንክትህባ ዝእምት መሰማምዒ እማመ ብምኽታም ቀዳመይቲ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እትህብ ሃገር ክትከውንያ ዝብል ግምት ነይሩ። እንተኾነ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ሓሳቡ ቀይሩ ብመንጎኝነት ቱርኪ ምስ መቃድሾ ስለ ዝተዓርቀ ኣይቀጸሎን።