ኤርትራውያን ናብ ኬንያ ክሰግሩ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ተታሒዞም

2025-12-29 22:49:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 322 times

ሚእትን ሰለስተን (103)፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን መንእሰያትን 5 መሰጋገርቶምን መራሕ መኪናን ምስታ ዝጐዓዚላ ዝነበሩ ሲኒትራክ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ኦሞ ወረዳ ሓመር ከም ዝተኣስሩ ኮሚሽነር ጌታነህ ወልደሃና ዝባህለ፡ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ብ27 ታሕሳስ 2025 ኣፍሊጡ።

እቶም ኤርትራውያን ግዳያት ዕላመኦም ናብ ኬንያ ምስጋርን ድሕሪኡ ብኡጋንዳ ኣቢልካ ምቕጻልን ምንባሩ እውን እቲ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቶም ኤርትራውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ መርመራ ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ከም ዘለዉን ካብቲ ቦታ ጉዳዮም ድሕሪ ምጽራዩ ናብ ኤርትራ ከይስጐጉ ዝብል ግምት ከም ዘሎ እቲ ዜና ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ካብ ትግራይ ብዝጅምር ኣሸሓት ዶላራት ዘኽፍል መርበብ፡ ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ኬንያ ክሰግሩ እንከለዉ ብተደጋጋሚ ዕንቅፋታትን ማእሰርትን እኳ ዘጋጥሞም እንተኾነ፡ ብስንክቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት፡ በዚ ዘውሑስ ኣቕጣጫ ዘካይድዎ ጉዕዞ ቀጻሊ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።  

Last modified on Tuesday, 30 December 2025 00:02