ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብጉዳይ ኣፍልጦ እስራኤል ንሶማሊላንድ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ

2025-12-30 15:02:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 323 times

ካብ ማሕበራዊ መዲያ ዝተወስደ ስእሊ

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ29 ታሕሳስ 2025 ብጉዳይቲ እስራኤል b26 ታሕሳስ 2025 ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊትን ናጻን ሃገር ዝሃበታ ኣፍልጦ ንምዝርራብ ህጹጽ ኣኼባ ኣክይዱ። ዝለዓለ ኣብዘሓ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ክቃወምዎ እንከለዉ፡ ኣሚሪካ ግና ነቲ ስጉምቲ ተኸላኺላትሉ።

ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣልጀሪያ፡ ሰራሊዮን፡ ሶማሊያ፡ ጊኒያ ከምኡ እውን ፓኪስታን ንተግባራ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ሶማሊላንድ ዝምልከት ዘቕረብዎ እማመ መግለጺ፡ነቲ ስጉምቲ ብትሪ  ኮኒንዎ። ኣብቲ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ መግለጺ ሶማሊላንድ ብዝኾነ መለክዒ ምስ ካልእ ሃገር ክትራኸብ ከምዘይትኽእልን ብምጥቃ ዝበጸሓቶ ስምምዕ ድማ ስሩዝ ምዃኑ ተገሊጹ።

ስጉምቲ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ሶማሊላንድ፡ ቀጥታዊ ጥሕሰት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ግህሰት መሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃን ዓለም ለኻዊ ሕግን ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ኩለን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሓባር ኣንጻርቲ መሰረታዊ ሕግታት ዓለም ዝኾነ ስጉምቲ እስራኤል ስጉምቲ ንክወስዳ ድማ ጸዊዑን።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ብመሰረት ስምምዕ እስራኤልን ሶማሊላንድን ህዝቢ ፍልስጥኤም ካብ ጋዛ ንምምዝባል ዝውሰድ ስጉምቲ ዘይሕጋዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሞራላዊ እውን ከምዘይኮነ ከኣ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ። መጻኢ ዕድል ህዝቢ ፍልስጥኤምን ልኡላውነት ሶማሊላንድን ፖለቲካዊ መጣልዒ ክኾኑ ኣይግበኦምን ድማ ኢሉ።

ምክትል ተወካሊት ኣሜሪካ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ታሚ ብሩስ ብወገና ንውሳነ እስራኤል ብምድጋፍ “ከም ዝኾነት ሃገር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትፈጥር መሰል ኣለዋ፡ ንፍልስጥኤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት እውን እኮ ኣለዋ ኢላ። ኣተሓሒዛ ድማ ብጉዳይ  ስጉምቲ ናይ ካለኦት ሃገራት ግና ህጹጽ ኣኼባ ኣይተጸውዐን፡” ኢላ። ግብጺ ብወገና ኣብቲ ተግባር ብዘለዋ ልዑል ተቓውሞ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ   ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዓ።

 ቤት ምኽሪ ጸጥታ ፍሉይ ኣኼባ ቅድሚ ምጽውዑ፡ ዝተፈላለያ፡ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ዞባዊ ውዳበታት፡ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላትን ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብዘይካ ኣሜሪካን ብወገነን ንተግባር እስራኤል ክቃወማ ጸኒሐን እየን።

ኤርትራ ኣብዚ ኣብዚ ተረኽቦ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ብዙሓት ወገናት ዘይብሱልን ዘይንጹርን” ዝበልዎ ኮይኑ፡ እቲ ጸወታ ሓድሽ ምስጢርተዘይብሉ፡ ንሓደገኛ ዞባውን ዓለማውን ቅልውላውን ዕንወትን ኪጥጃእ ዝጸንሐ ስለዝዀነ፡ ኪኖ ተበግሶታት ኩነኔን ምንጻግን፡ ብደረጃ ባይቶ ጸጥታን ኣባላቱን ዘየወላውል ንጹር መልሲ ኪወሃቦ ይግባእ። ኣውራ እታ ብተመሳሳሊ ጉዳይታይዋንትጣበቕ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ እጃማ ክትዋስኣሉ ሕልናዊ ሓላፍነት ኣለዋ።ይብል።

እዚ ምዕባለ ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን፡ እናሓደረ ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ  ንዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ክጸልዎ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

Last modified on Tuesday, 30 December 2025 16:08