EPDP News

ኢጋድ ነቲ ድሕሪ ኣብ መንጎ ፈደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ረፑብሊክ ሶማሊላንድ መረዳድኢ ሰነድ ምኽታሙ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሰማልያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥርን ካብ ወርሒ ማዝያ 2023 ዝጀመረ ውግእ ሱዳንን ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ከም ዝጸውዐ ኣገልግሎት ዜና ጅቡቲ ኣፍሊጡ።

ናይዚ እዋን ኣቦመንበር ኢጋድ ጅቡቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ  ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ኣኼባ ምስ መራሒ ኡጋንዳ ዩወሪ ሞሰቪኒ ብምርድዳእ እቲ ኣኼባ 18 ጥሪ 2024 ኣብ ከተማ ካምፓላ እዩ ክካየድ። ኣብዚ ኣኼባ ኣብ ርእሲ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ  ሕብረት ኣፍሪቃን ዓለም ለኻዊ ተሓባበርቲ ትካልትን እውን ንክሳተፉ ተጸዊዖም ኣለዉ።

ናይዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ ብዛዓባ’ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብሰንኪ ምፍራም መረዳድኢ ሰነድ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዝፍተሓሉ መንገዲ ከናዲ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል ሓምዳን ደጋሎን ዝምርሑ ተቐናቐንቲ ወገናት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ምቁራጽ ተኹሲ ንምብጻሕ ከም ዝጽዕር እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ እንታይ ከም እትብል ብዙሓት ክጽበይዋ ዝጸንሑ ቻይና፡ ብ11 ጥሪ 2024 ማኦ ኒንግ ብዝበሃል ወሃቢ ቃላ ኣቢላ  ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ከም እትድግፍ ኣፍሊጣ’ላ።

ወሃቢ  ቃል ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ፡ ስተፋነ ዱጃሪክ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ብ10 ጥሪ 2024 ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሊሱ ዝድገስ ዘሎ ወጥሪ ምስ ፕረሲደንት ፈደራላዊ ረፐብሊክ ሶማልያ ሓሰን ሸይኽ ማሕሙድ ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡ ወሃቢ ቃሎም ስተፋነ ዱጃሪክ ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ክሊቲኦም ዝተገብረ ናይ ተለፎን ርክብ፡ በቲ ብ1 ጥሪ 2024 ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላድን ዝተኸተመ መሰማምዒ ሰነድ ዝሓደሮም ሻቕሎት ከም ዝገለጹ እቲ ወሃቢ ቃል ናይቶም ዋና ጸሓፊ ጠቒሱ። ኣብቲ ዝርርብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ እውን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ረፐብሊክ ሶማሊያ ንክዕቀብ ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጾም።

ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ኣብ መወዳእታ፡ ፈደራላዊ መግስቲ  ኢትዮጵያን ረፖብሊክ ሶማሊያን ኣብ መንጎኦም ዝባላሕ ዘሎ ፍልልይ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ብሃናጽን ሓላፍነታውን ዘተ ንክፍታሕ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ሳልስቲ፡ ፕረሲደንት ሶማሊያ፡ ደገፍ ንምርካብ ናብ ኤርትራን ግብጽን በጺሖም። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ድሕሪ ሕጂ ብጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ምስ ኢትዮጵያ ከምዘይትዛተ ዝወሰነት ግብጺ ድማ፡ ናብ ኤርትራ በጺሖም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባቲ ምኽታም መረዳድኢ ሰነድ ርኢቶ ዝሃቡ ሃገራትን ንሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ወሲኽካ ኩሎም ኣህጉራዊ ትካላት ንልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ብምድጋፍ፡ “ጸገምኩም ብዘተ ፍትሕዎ” ዝበል እምበር፡  ንምኽታም እቲ ሰነድ ብቐጥታ ዝደገፈ የለን።

ህንጻ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ትግራይ መቐለ

ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብሰንክቲ ድርቅን ውግእን ዘስዓቦ ጥሜት ኣብ 625 ኣብያተ ትምህርቲ ይመሃሩ ካብ ዘለዉ ተመሃሮ 223 ሽሕ ትምህርቶም ከየቋርጹ ኣስጊኡ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ጽሕፈት ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብተን ዝያዳ ብጥሜት ዝተጠቕዐ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ብውሕዱ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ንሓደ ተመሃራይ ብሕሳብ 12 ብር፡ መግቢ ናይ ምቕራብ መደብ ንምጅማር 365.1 ሚልዮን ብር ከም ዘድሊ ምግላጹ ቢቢሲ ሓቢራ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ትግራይ፡ ዶር ኪሮስ ጉዑሽ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክህልዉ እንከለዉ፡ እዞም ኣብ ሓደጋ ምቁራጽ ወዲቖም ዘለዉ ካብተን ኣብ ሓደጋ ጥሜት ዘለዋ 36 ወረዳታት ዝርከባ 213 ቀበለታት ዝመሃሩ ዘለዉን ብመጽናዕቲ ዝተለለዩን ምዃኖም  ከም ዝተረጋገጸ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ምስቲ ኣብ ትግራይ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎን ምስቲ ኣብ ትግራይ ብ1985 ኣጋጢሙ ዝነበረ ጥሜት ከም ዝመሳሰልን ብምዝማድ፡  ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ 50 ሚልዮን ብር ልቃሕ ሓቲቶም ከምዘለዉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም። በቲ ካልእ ወገን ድማ ብደረጃ ትግራይ ናይ ህጹጽ ቀረብ ኣካል ኣቚሞም ኣለዉ። ፈደራላዊ መንግስቲ ግና ኣብ ደርጃ እቲ ጥሜት ዝተፈልየ ሚዛን ከም ዘለዎን እቲ ዝተሓተ ዓቐን ገንዘብ ከምዘይተረኽበን ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ወገናት ኣብ ትግራይ ህይወት ንምድሓን ይረባረቡ ኣለዉ።

ናይቲ ክልል መራኸቢ ብዙሓን ክሳብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ክልል፡ ኣዴታትን ህጽናትን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቁጸሩ ሰባት ብጥሜት ይሞቱ ከም ዘለዉ ጸብጻባት የቕርባ ኣለዋ።

ሚኒስተር ኣብዲጋኒ ማሕሙድ ኣቲየ፡

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊላንድ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ብ7 ጥሪ 2024 ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ኣብዲጋኒ ማሕሙድ ኣቲየ፡ ነዚ ዝገለጸ፡ “ሆያል” ምስ እተባህለት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ተለቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ እዩ። ሚኒስተር ኣብዲጋኒ ኣብቲ ቃለ መጠይቑ ካብ ስልጣን መልቀቒኡ ምኽንያት እቲ “”ዘይሕጋዊ” ዝበሎ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ1 ጥሪ 2024 ዝፈረመኦ መረዳድኢ  ሰነድ  ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር  ነቲ ስምምዕ፡ ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ጥራይ ዘይኮነ፡ መሬት እውን ንኢትዮጵያ ዝህብ እዩ” ምስ በለ፡ ፕረሲደንት ሙሰ ኣብዲ ቅድሚ ምኽታሙ ብዛዕባቲ መረዳድኢ ሰነድ  ምስ ሚኒስተራት ከምዘይተመያየጠሉ ጠቒሱ፡ ህዝቢ ሶማሊላንድ እውን ነቲ ስምምዕ ከምዘይተቐበሎ ጠቒሱ።

ሃበርለር /HABERLER.COM/ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብወገና ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ዝወሰነ፡ ብ7 ጥሪ 2024 ህዝቢ ቦራማ ኣብ ዝተባህለት ቦታ ትውልዱን ዋና ከተማ ኣውራጃ ኣውዳልን ኣንጻርቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ  ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምስ ኣካየደ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ነቲ ምኽታም መረዳድኢ ሰነድ ብተሪር ተቓዊሙ  ኣዊጁ ከብቅዕ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ዘይሕጋዊ ዝገብሮ ሕጊ ኣጽዲቑ። ፕረሲደንት  ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ድማ ብ8 ጥሪ 2024 ናብ ኤርትራ ኣቕኒዑ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ሓድሽ ዓመት 2024ን ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ከኣ ንኣመንቲ ክርስትና፡ እንቋዕ ኣብጻሕኩም ኣብጽሓና እንዳበለ፣ ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።

በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓለፍናዮ ጽንኩር ኩነታት ይኣክል” ዝብል፡ ንኹልቲ ኣወንታታት ድማ ዝዕቅብን ዘማዕብልን ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢና ተወሊዑ ንዝጸንሐ ኣዕናዊ ውግእ ብዘተኣማምን ደረጃ ዘብቀዓሉ፡ ዝተፈለመ ናይ ሰላም መስርሕን ሓባራዊ ስራሓትን ድማ ብዓወት ዝዛዘመሉ ክኸውን ምንዮትና ንገልጽ።

ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ከኣ ንኹሉ’ቲ ከም ህዝቢ ዝወርደና ዘሎ ጉድኣትን ምክልባትን ተሳዒሩ፡ ምልኣት ጥዕና፣ ሰላምን ማሕበራዊ ምዕባሌን ከስፍን ናይ ወትሩ ምንዮትና እዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

7 ጥሪ 2024

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከ ብ4 ጥሪ 2024 ንናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ዘርጊሖም። ንሶም ከም ዝገለጽዎ ባይቶ ሃገሮም ብ1998 ዓለምለኸ ናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት ቀዋሚ ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ንምሕያሉ ይስረሓሉ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ከም ኣካል ኣይቲ ምእንቲ ናጽነት ሃይማኖት ዘለዎም ተገዳስነት፡ ንኤርትራ፡ በርማ፡ ቻይና፡ ኩባ፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋ፡ ፓኪስታን፡ ሩሲያ፡ ስዑዲያ፡ ታጂክስታንን ቱርከሚስታንን  ከም ኣብነት ሕሱም ሃይማኖታዊ ጥሕሰት ናይ ዝፈጸማ ሃገራት ከም ዝፈልጥወን ሓቢሮም። ብዘይካዚ ንኣልጀርያ፡ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮሞሮስን ቬትናምን ከም ብፍሉይ ምክትታል ዝግበረለን ሃገራት ከም ዝመዝገብወን ሓቢሮም። ጉዳይ ኣልሸባብ፡ ቦኮ ሃራም፡ ኣይሲስን ከምኣቶም ንዝኣመሰሉ ጉጅለታትን እውን ምክትታል ከም ዝገብሩ ጠቒሶም።

ኣብዚ ዝርዝር ብዘይተጠቕሳ ሃገራት እውን ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝፈጸም ዝጠቐሱ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መግስታት፡ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ዓለም ዝፍጸም፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ሰዓብቲ ሃይማኖት ዘለዎም ማሕበረ-ኮማትን ኣብያተ-እምነቶምን ዝፍጸም ጥሕሰታት ንኽከላኸሉ ጸዊዖም። ከምኡ እውን ብሰንኪ ብሰላማዊ ኣገባብ ምግላጽ ሓሳብካ ንዝፍጸም ናይ ነዊሕ ግዜ ማእሰርቲ ከምኡ’ውን ተኸተልቲ ሓደ እምነት ኣንጻር ካልኦት ኣመንቲ ንዝግበር ምልዕዓል ክቆጻጸርዎ ይግባእ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣንጻር ናጽነት ሃይማኖት ዝፍጸም ጥሕሰታት፡ ትካላዊ፡ ሜላውን ኣዕሚቑ ዝሰረጸን እዩ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ምስቶም ዝጸዋወሩን ጽልኢ ዘይድግፉን ወገናት ኮይና፡ ሓደ እዋን ህዝብታት ኩሉ ክብሮም ዝሕለዉላ ዓለም ክንሃንጽ ኢና ኢሎም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ካብ 4 ክሳብ 11 ጥሪ 2024፡ ኣብ ሃገራት፡ ቱርኪ፡ ግሪክ፡ ኣማን፡ ጆርዳን፡ ኳታር፡ ዱባይ፡ ኢማራት፡ ሱዕዲያ፡ እስራኤልን ዌት ባንክን ዑደት የካይዱ  ኣለዉ።

ሰላማዊት ዳዊት፡ ዳይረክተር ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ

ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፡  ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ወጽእተኛታን ብዛዕባ ሕጋውነት ክሕዝዎ ዝግበኦም ናይ መንነት ሰነድን መንበሪ ፈቓድን ዝምልከት ተሪር መግለጺ ብ4 ጥሪ 2024   ኣውጺኡ። እቲ ትካል ከምዚ ዓይነት መግለጺ ከውጽእ ዝተገደደ ኣብታ ሃገር ብዘይሰነድ ከምኡውን ሕጋዊ ብዘይኮነ ሰነድ ዝነብሩ  ሰባት ከም ዘለዉ ስለ ዘረጋገጸ ምዃኡ ኣፍሊጡ።

ሰላማዊት ዳዊት ዳይረክተር ኢሚግረሽን ኢትዮጵያ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሓት ወጻእተኛታት፡ ብዘይሕጋዊ ግዝያዊ ይኹን ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ፡ ፓስፖርት፡ ቪዛን ካልእ ሰነዳትን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ናይታ ሃገር ይነብሩ ከምዘለዉ ሓቢራ። ካብቶም ዘይሕጋውያን ዝበለቶም፡ 18 ሺሕ ዘይሕጋዊ ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ፡ ዝያዳ 1,500 ዘይሕጋዊ ቪዛን 1,800 ብዘይሕጋዊ ንትውልደ-ኢትዮጵያ ዝወሃብ ፍሉይ ሰነድን ሒዞም ይነብሩ ከም ዘለዉ ጠቒሳ።

ምስዚ ብተተሓሓዘ ኩሎም ዘይሕጋዊ ሰነድ ሒዞም ዘለዉ ወገናት፡ ካብ 10 ጥሪ ክሳብ 8 ለካቲ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቀሪቦም ሕጋዊ ከልብስዎ፡ ድሕሪኡ ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሕጋውያን ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ኣፍሊጣ፡ እቲ ስጉምቲ እንታይ ከም ዝኸውን ግና ኣይጠቐሰትን።

እዚ መግለጺ ምስቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ዝምዕብል ዘሎ ሕማቕ ዝምድና፡ እቲ መጠንቀቕታ ዝያዳ ናብ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ዘቕነዐ ከይከውን ብዙሓት ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።  ምኽንያቱ ኣብ ርእሲቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይተን ሃገራት ሕማቕ ዝምድና፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ወጽእተኛታት ኤርትራውያንን ሶማሊውያንን ዝበዝሐ ኣሃዝ ዝሕዙ እዮም። ብፍላይ ሶማላውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ንእሽቶ መቃድሽ” ክሳብ ምባል ዝበጸሐ ከባብታት ኣለዎም።

ክልተ ምንቅስቓሳት ሱዳን፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳወብ ከባቢ ውተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላት ከፊተን የሰልጥና ከም ዘለዋ፡ “ዳርፎር-24” ዝተባህለ ትካል ዜና  እሙናት ዝበሎም ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ፡

እቲ ትካል ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ እቶም ናይ ሱዳን ምንቅስቓሳት፡ ብሚኒ ኣርኮ ሚናዊ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ናጽነት ሱዳንን ብኣል ኣሚን ዳውድ ዝምራሕ ህዝባዊ ግንባር ንሓርነትን ፍትሕን ምብራቕ ሱዳንን ምዃኖም ተፈሊጡ። እዞም ኣካላት ምስልጣን ዝጀመሩ ብናይ ቅድም ወተሃደራት ዝነበሩ ካብ ኩሉ ከባብታት ሱዳን ዝተጸውዑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ቀንዲ ቆላሕታኦም ግና ናብ ምዕራብ ዳርፎርን ምብራቕ ሱዳንን ዘተኮረ ምዃኑ “ዳርፎር-24” ገሊጹ።

እዚ ምስልጣን ዝተጀመረ ማዕረማዕረ እቲ ብጀነራል ሕሚቲ ዝምራሕ፡ ፍሉይ ተወርዋሪ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ካብቲ ዝነበሮ ውሱን ከባብታት ወጺኡ ብመንግስታዊ ሰራዊት ሱዳን ተታሒዙ ካብ ዝነበረ ከባብታት ማእከላይ ሱዳን ብዘይውግእ ሰፊሕ ከባቢ ክቆጻጸር ምስ ከኣለ እዩ።

በቲ ዜና መሰረት፡ እዞም ክልተ ዝተጠቑሱ ምንቅስቓሳት፡ ኣቐዲሞምኳ ምስቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ከም ዝወገኑ እንተኣወጁ  እንተኾነ ከምቲ ዝድለ ቆላሕታ ስለ ዘይተዋህቦ ናታቶም ሰራዊ ናይ ምስልጣን ተበግሶ  ክወስዱ ዝወሰኑ እዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኢትዮጵያን ኢመራትን ምስኡ ከም ዝወገና ዝንገረሉ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ብዙሓት ምንቅስቓሳት ሱዳንን ቀጻሊ ኣኼባታት ከካይድ ከም ዝቐነየ ተፈሊጡ።

ትካል ንግዳዊ ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ ዓባይ ብሪታንያ፡ ብ3 ጥሪ 2024 ኣብ ጥቓ ኤርትራዊት ውደብ ዓሰብ ኣንጻር ናይ ንግዲ መርከብ ሰለስተ ሚሳይላት ከም ዝተተኮሰ ሓቢሩ። እቲ ተኹሲ ካብቲ እታ መርከብ ጠጠው ኢላትሉ ዝነበረ ካብ 1 ክሳብ 5 ማይልስ ኣብ ዝርሕቀቱ እዩ ተፈጺሙ። እቲ ነታጒ ዝተፈጸመሉ ቦታ ካብ ወደብ ዓሰብ 33 ኪለሜተር ርሒቑ ንወገን ምብራቕ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።

እቲ ፍጻመ ጋና ዝጽናዕ ዘሎ’ኳ እንተኾነ፡ በቲ ዝቐረበ ኣፈናዊ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብን ሰራሕተኛታታን ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ኣይተሓበረን። እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ተወሳኺ ስግኣት ከም ዝፈጠረ  ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ናይቲ ተግባር ፈጸምቲ ናይ የመን ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ምዃኑን መንቀሊኡ ድማ እቲ ኣብ እስራኤል ኣንጻር ፍልስጥኤም ተካይዶ ዘላ ውግእ ኮይኑ፡ ኣካል እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ መራኽብ ንግዲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓፈሻዊ ስግኣት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም፡ ብዙሓት መራክብ ብቀይሕ ባሕሪ ምትሕልላፍ ኣቋሪጸን፡ ነቲ ነዊሕ መንገዲ ብህንዳዊ ውቅያኖስ ክመርጻ ተገዲደን ከም ዘለዋ እቲ ብዓባይ ብሪታንታ ዝተዘርግሐ ዜና ሓቢሩ። ጉጅለ የመናውያን ዕጡቓት መጥቃዕቶም ከም ዝቕጽል ክገልጹ እከለዉ፡ ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ ብወገና ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ዝሳተፍኦ ሓይሊ ዕማም ኣቚማ ክትቆጻጸሮም ትጽዕር ከም ዘላ ገሊጻ። በዚ ኩነታት ብቐጥታ ካብ ዝህሰያ ወደባት ናይ ኤርትራ፡ ሱዳንን ግብጽን ከም ዝኾና ዝፍለጥ እዩ።

ወደብ በርበራ (ሶማሊላንድ)

ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ፈደራላዊ ረፓብሊክ ሶማሊያ፡ ብ2 ጥሪ 2024 ኣብ መቃድሾ ህጹጽ ኣኼባ  ኣካይዶም። ኣብቲ ኣኼባ፡ ነቲ ብ1 ታሕሳስ  2023 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ “ወራር ኣብ ልዕሊ ሃገርና እዩ” ብዝብል ብትሪ ዝቃወም፡ 9 ነጥብታት ዝሓዘ  መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ሶማላውያን ልኡላውነትን ሓድነትን ሃገሮም ከውሕሱ ቅሩባት ንክኾኑ ጸዊዑ። ኣብ ርእሲዚ ሶማሊያ  ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣንበሳድራ ናብ መቃድሾ ጸዊዓ’ላ። ኣብ ሞቃድሾ ንዘሎ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ክትሰጉግ እያ ዝብል ግምት እውን ኣሎ። ሶማላውያን ኣልሸባብ ከይተረፈ፡ ናይ ቅድም መራሕትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታትን ተቓውመኦም የስምዑን ኣንጻር ኢትዮጵያ የለዓዕሉን ኣለዉ።

እቲ መግለጺ ብምንጽር ሕገ-መንግስቲ ሶማልያን ኣህጉራዊ ሕግታትን  ልኡላውነት ሶማሊያ ዝግህስ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ዓረብ ሊግን ካለኦት ዞባውን ኣህጉራውን ትካላትን ህጹጽ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ኣብ ጐኒ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ክስለፉ  ጸዊዑ። መራሒ ሶማሊያ ብዛዕብዚ ተረኽቦ  ብቐዳምነት ምስ መራሕቲ ቱርኪ፡ ቀጠር፡ ኤርትራን ግብጽን ናይ ምርኻብ መደብ ከም ዘለዎም ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪቲ ምፍርራም ሓሓሊፎም ሓጐሶም ዝገለጹ ከባቢታት ኣለዉ። እንተኾነ  ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ምድንጋራት ይረአ ኣሎ። ገለ ወገናት ሃገሮም ብናጻ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝረኸበት ገይሮም ይርድእዎ። መንግስቲ እውን እቲ ተበጺሑ ዘሎ  ምርድዳእ ብሓፈሻ እምበር ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከምዘይኮነ ከነጽሮ ዝደለየ ኣይመስልን። ብሰንኪዚ ከምቲ “ባድመ ብፍርዲ ንዓና ተዋሂባ” ኢሎም ዘዕሸዉና ከይከውን ኢሎም ዝሰግኡ ኣካላት ይስምዑ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ክራይ (lease) ምኽፋል ጥራይ ዘይኮነ በቲ ዝተበጽሐ ምርድዳእ መሰረት ናይ ሶማሊላንድ ሃገርነት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ግድነት ከም ዝጽበዮ  ክገልጽ ዝደሊ ኣይመስልን። እቲ ዝካረዮ ቦታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይኮነስ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ምዃኑ’ውን ክፍለጥ  ኣይደለየን።

ምስቲ ኢትዮጵያ ዘላቶ ወጥሪ፡ ክራይ ብኽራዩ ደኣ በቲ ዘለናዮ ምስ ጅቡቲ ዘይንቕጽል።  እዚ ተሃዋስን ሓደገኛን ኣጀንዳ ኣብዚ  ግዜዚ ንቕድሚት ምምጽኡ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት’ውን  ይስምዑ ኣለዉ። ብዙሓት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ቀዋሚ ዋንነት  ኣፍደገ ዝጽበዩ ዝነበሩ እውን ኣብ ምድንጋር ኣትዮም ኣለዉ። እቶም ምስ ኤርትራ ውግእ ከይጅመር ዝሰግኡ ዝነበሩ ከኣ፡ “ኤርትራስ ትንፋስ ረኺባ” ይብሉ ኣለዉ። ኢትዮጵያ እቲ ናይ ምኽታም ዕለት ሓደ ጥሪ 2024 ዝመረጸትሉ፡ ኣባልነታ ኣብ ብሪክስ ዝጸደቐሉ ብምዃኑ ከም ዝኾነ ተዓዘብቲ ይግምቱ።

መራሒ ሶማሊላንድ ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እቲ ስምምዕ ን50 ዓመታት ዝጸንሕ ክራይ ምዃኑን ብወገኖም ንኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ገምገም ባሕሮም ንወተሃደራዊ መደበርን ወደባዊ ኣገልግሎትን ዝኸውን 20 ብ90 ኪ/ሜ ዝዓቐኑ መሬት ከዳልዉላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር እትፈልጥ ቀዳመይቲ ሃገር ክትከውንን ካብ መንገዲ ኣየራ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ብርኪ ክትረክብን ዘጠቓልል ስምምዕ ከም ዝኾነ ኣፍሊጦም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ሶማሊላንድ፡ “መሬትና ንኢትዮጵያ ካብ ምሃብ ናብ ሶማሊያ ምምላስ ይሕሸ”  ዝብል ስምዒት ዘለዎም ወገናት ኣለዉ ይበሃል።

ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተል ተመራማርን ጋዜጠኛን ማርቲን ፕላውት ብወገኑ ነቲ  ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ፡ “መፈጸምታ ቅልውላውዶ ወይስ መጀመርታ ሓድሽ ቅልውላው” ዝብል ኣርእስቲ ሂቡ፡  ዝሓደሮ ስግኣት ድሕሪ ምግላጽ፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ክህነጸሉ ተሓሲቡ ዘሎ ፍሉይ ቦታ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ሶማሊላንድ ሉግሃያ ኣዋድ ኣብ ዝበሃል  ከም ዝኾነ ጠቒሱ።

ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ድሕሪ መግለጺ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ዘውጽእዎ መርሂ፡ “ነቲ ኩነታት ብጽሞና እከታተሎ ኣለኹ። ኣብ ህድኣት ዞባና ዓብይ ጽልዋን ተጽዕኖን ከም ዝህልዎ ርዱእ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ ግና ቀጥታዊ ርኢቶ ኣይሃቡን። ኣስዒቦም ድማ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፡ ናብ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት፡ እቲ ኩነታት ብሰላማውን ሕውነታውን መንገዲ ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኣገባብ ንክምሕጸኑ ጸዊዖም።

ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምኽታም እቲ መረዳድኢ ሰነድ፡ “ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ፈደራላዊ ረፑብሊክ ሶማሊያ፡ ብመንጽር ሕገ-መንግስታ፡ ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን  ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምዕቃብ ንሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ እዩ” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።

ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ብቕሉዕ ዝበለቶ የለን። ናብቲ መንግስቲ ዝቐርባ ማሕበራዊ መድያታት ግና ንሲማሊያ ደጊፈን ኣንጻር ኢትዮጵያ የለዓዕላ ኣለዋ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ “ግብጽን ኤርትራን ቀዳሞት ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ዝስለፋ እየን”፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ “ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ንኢትዮጵያ ተኸቲላ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ክትፈልጣ እያ” ዝብሉ ብብዙሓት ዝቐርቡ  ግምታት ኣለዉ።