ዲፕሎማሲያዊ ማሕበረሰብ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ከይንቀሳቐሱ ተሓቢሮም
2025-01-09 11:00:30 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 151 timesወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ኤምባስታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኣቐዲሞም ካብ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ፈቓድ ክሓቱ ከም ዝግበኦም ብደብዳበ ምግላጹ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ። እቲ ደብዳበ ብስራሕን ብግልን ንዝግበር ምንቅስቓስ ፈልዩ ከም ዘይጠቐሰ ከኣ ምንጭታት ናይታ ጋዜጣ ሓቢሮም። እቲ ሚኒስትሪ ቅድሚ ሕጂ እውን ተመሳስሊ ደብዳበ ጽሒፉ ከም ዝነበረን ዳግማይ ክጽሕፍ ዝተገደደ ምኽንያት ገለ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ሰለ ዘየኽበርዎ ምዃኑ ኣብቲ ደብዳበ ተጠቒሱ።
ሓደ በዓል መዚ ናይቲ ሚኒስትሪ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ኤምባሲታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ብዘይፈቓድ ናይቲ ሚኒስትሪ ናብ ትግራይ ክጐዓዙ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ብዘይካዚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን እውን ተመሳሳሊ ጉዕዞ ክካየድ ከም ዝጸንሓ እንተኾነ ናይቲ ምስ ሓለፍቲ ክልላት ዝግበር ርክብ ግቡእ ጸብጻብ ናብቲ መንግስቲ ክቐርብ ከምዘይጸንሐ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ካብ ከተማ ክወጹ እንከለዉ ሓለዋ ናይ ምምዳብ ግደታ ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ውግእ ትግራይ ኣብ ዝተጀመረሉ ግዜ’ውን ኣባላት ኤምባሲታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ዘካይድዎ ኣኼባታት ከይተረፈ፡ ኣቐዲሞም ፈቓድ ንክሓቱ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረ እቲ ዜና ሪፖርተር ጠቒሱ።
ተዓዘብቲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሑ ምውጻኡ፡ ነቲ ናብ ክልል ትግራይ ክግበር ዝጸንሐ ዋሕዚ ኣንበሳድራትን ሓለፍቲ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ንምቁጽጻር እዩ ይብሉ።