ኣሜሪካዊ ጸሓፊ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ጸዊዑ

2025-01-08 22:12:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 236 times

ሚካኤል ሩቢን ዝተባህለ ጸሓፍን ተመራማርን፡ ኣብታ ሃብታምን ብብዝሒ ህዝቢ 2ይ ደረጃ  እትሕዝን ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ እትርከብ ኤርትራ ለውጢ ንክመጽ “መንግስቲ ኣሜሪካ ክትሕግዝ ኣለዋ” ክብል ኣብዚ ቀረባ ብዘውጸኦ ሰፊሕ ጽሑፍ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።  ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ማዕረ ናይ ኤውሮጳን ኤስያን ክትርእዮ ከምዘይጸንሐት እውን ኣስፊሩ።

ሩቢን ኤርትራ ብመንጽርቲ ኣብ 1993 ዝዓተረቶ ነጻነት፡ ብዕቤት ኣዝያ ክትስጉም ነይሩዋ ምስ በለ፡ ንታሪኻውነት ከተማ ኣስመራ ንኡዱ፡  ብሰንክቲ ኣብ ግዜ ነጻነት ተቓባልነት ዝነበሮ፡ ደሓር ግና ዝተጸልአ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዙሕነት ኤርትራ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ከም ዝኾነ ዝምልከት ዝርዝር ኣስፊሩ።  ኢሳያስ መላኺ መንገዲ ተመኩሮ ግብጺ ወይ ኣዘርባጃንን ከም ዝመረጽ ከኣ ጠቒሱ። ናይቲ ዙምባበ ሃብታምን ብልጽግትን ክትከውን ዝምነ ዝነበረ፡ ብግብሪ ግና ኣብ ናይ 37 ዓመት ግዝኣቱ ናብ ውድቀት ዘምረሓ ሮበርት ሙጋበ ተመኩሮ’ ዝተኸተለ ከም ዝመስል’ውን ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ብምቕጻል ድማ ኢሳያስ ዘለዎ ናይ ምምሕዳር ዘይምብቕዓት ንምሽፋን፡ ናይ መራሒ ዒራቕ ነበር ሳዳም ሑሴን ተመኩሮ ተኸቲሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ምውኣት ብምእታው ንኤርትራ ኣማሲኑ ንመንእሰያታ ናብ ባርነት ኣእትይዎም ኢሉ። በዚ መሰረት “ፍሪደም ሃውስ” ዝተባህለ ትካል ኣብ 2024 እውን ንኤርትራ ከም ሰሜን ኮርያ ከም ዝሰየማ  ድማ ሓቢሩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ጨካን ምምሕዳር ኢሳያስ ካብ ባርነት ንምድሓን ናብ ስደት ኣምሪሖም ምድረ-በዳታትን ባሕርን ሓሊፎም ናብ ኤሮጳን ኣሜሪካን ከም ዝኣትዉ ብምሕባር ድማ፡  ምምሕዳር ኢሳያስ ዋላውን ኤርትራዊ ዜግነቶም ንዝገደፉ ብኢምባሲታቱ ኣቢሉ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዘገድዶም ኣቃሊዑ። ከምቲ ልሙድ ኢምባሲታት ኣብ ምፍጣር ዝምድናን ባህሊ ሃገረን ኣብ ምልላይን እየን ክሰርሓ ዝግበአን ምስ በለ ከኣ፡ ናይ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዲፕሎማት ግና ገበናት ኣብ ምፍጻም እዮም ዝጽመዱ ክብል ኣብቲ ጽሑፉ ኣመልኪቱ። ብፍላይ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሓላፍነቶም ተጠቒሞም፡  ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታቶም እንተላይ ኣብ ሃገር ንዘለዉ ቤተሰቦም ተጽዕኖ ዝፈጥር ገበን ይፍጽሙ ክብል  ኣስፊሩ።

ምካኤል ሩቢን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ብዛዕባ ራብዓይ ግንብባር ህግደፍ ኣብ ወጻእን መራሒ ኢትዮጵያን ዝበሎ ዘይሓላፍነታዊ ኣገላልጻ  ዳህሲሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከብ ኤምባሲን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝዋስኡን ኤርትራውያን ካብቲ ዝተመደብዎ ቦታ ኣብ ዙርያ 25 ማይልስ  ጥራይ  ክንቀሳቐሱ ከም ዝፍቀደሎም ጠቒሱ፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ እቲ ኤምባሲ ከም ሰራሕተኛታቱ ብዘይተመዝገቡ ንዝገብሮ ጥሕሰት ሕጊ ምንቅስቓስ ንክቆጻጸር ጸዊዑ።

ክፍሊ ገንዘብ ኣሜርካ ድማ ኣብ ልዕሊ ከም ሂንቦል ዝኣመሰሉ ገንዘባዊ ትካላት ኤርትራ  ምቑጽጻሩ ከሕይል ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኤርትራ ክፍጠር ዝኽእል ሰለ ዘይፍለጥ መንግስቲ ሮናልድ ትራምፕ ነዚ እውን ክቕርበሉ ኣተሓሳሲቡ።

Last modified on Wednesday, 08 January 2025 23:16