መግለጺ ሓዘን ብዕረፍቲ ስነ-ጥበባዊ ነጋሽ ተኪኤ
2025-01-09 11:58:44 Written by ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 354 timesስነ-ጥበባዊ ነጋሽ ተኪኤ፡ ኣብ ላጉየን ከበሳ ጭዋ ብ1941 እዩ ተወሊዱ። ኣብ 1959 ድማ ክኢላ ትራምፔት ኮይኑ ኣብ ፖሊስ ኦርኬስትራ ኤርትራ ንስነ-ጥበብ ከም ዝጀመሮ፡ ምስ ተለቪዝዮን ኤሪሳት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ነጋሽ ሓደ ካብቶም ናይ 60ታት ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ኤርትራውያን ኮይኑ፡ ኣብ ምድራፍ፡ ምህርም መሳርሒ ሙዚቃን ዜማታት ኣብ ምውጻእን ክኢላ ምንባሩ ድማ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ተጠቒሱ እኳ እንተሎ እንምስክሮ እውን’ዩ። ነጋሽ ተኪኤ ክሳብ 4ተ ኣልበም ደርፍታት ንህዝቢ ኤርትራ ዘበርኪቱ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንከሎ ድማ፡ “ወይዘሮ ፋና ዘመድ ኩልና፡ ወዮ ትባናስ ሃባና ደንጒኽናና” ከምኡ’ውን “ፍረወይኒ ፍረወይኒ፡ ናፊቐኪ ርኣይኒ” ብዝብሉ ደርፍታቱ ከኣ ዝያዳ ትፈላጥነት ነይርዎ።
ነጋሽ ካብ 1968 ጀሚሩ ኣባል ውሽጣዊ ስርርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 1975 ድማ ከም ኩሎም ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ንሜዳ ወጺኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ድሕሪ ወተሃደራዊ ፖለቲካውን ትምህርቲ ምውሳዱ ኣባል ክፍሊሙዚቃ ተሓኤ ኮይኑ ብሞያኡ ተመዲቡን ተቓሊሱን። ነጋሽ ነቲ ዝጸንሖ ናይ ዜማ ምውዳድ ክእለት ኣብ ሜዳውን ብምቕጻል፣ ነታ ብንጉሰ ሃይለ መንሰዓይ ዝተደርሰት “ኣይትደልን እያ ኤርትራ ናይ ጽባሕ” እትብል ህብብቲ መዝሙር ዜማ ዘውጽኤን ካብ ዝተሳተፉ ዘመርትን ድማ ነጋሽ ሓደ ነይሩ። ኣብ ግዜ ስደቱ ካብ ዝደረፈን ከኣ “ሓምድ ዓዋት፡ ሰምበለይ፡ ዋሕስ ህይወተይ፡ ካባይ ኣይትርሓቒ፡ ወይዘሮ በለጡን ወርሒ ደሚቓን” ዝኣመሰሉ ንታሪኽ ጀጋኑ ዝግልጽ፡ ክብሪ ሃገርን ከባብን ዘመጉስ ንፍቕርን ስኒትን ዋጋ ዝህብ መዛሙር ይርከብዎም።
ብሱዕድዓረብያ ኣቢሉ ናብ ሃገር ጀርመን ምስ ኣተወ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ብተጋድሎ ሓርነት ኢርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝዳሎ ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ካብቶም ንተጽዕኖ ህግሓኤ ነጺጎም ኣብ ዕላማ ተጋድሎኦም ጸኒዕም ዝተቓለሱ ሓደ ድማ ነጋሽ ነይሩ። ኣብ ካስል ኣብዝቐጸለ ፈስቲቫል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ’ውን ምስ ስዉእ ኢዮብ ሃይል ንስነ ጥበባዊ ክእለቶም ልክዕ ከምቶም ካላኦት ኣባላት ኣብ ስርሕ ተመዲቦም ዘካይድዎ ዕማማት ምዃኑ ተገንዚቦም፣ ብናጻን ብወንን ክኢላዊ ኣገልግሎት ካብ ዘበርከቱ እዮም።
እነሆ ድማ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ዕለት 06.2025 ዓሪፉ ዝብል መርድእ ብከቢድ ሓዘንን ስንባደን ሰሚዕና። ነጋሽ ብዝገደፎ ቅርሲ ስነጥበብን ብደቑን እንዳተዘከረ ዝነብር እዃ እንተኮነ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕረፍቱ ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ “ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱ ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም” እናበልኩ፡ ናይ ሓዘንኩም ተሳታፊ ምዃነይ እገልጽ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ