ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝምድናአን ዝያዳ ከደልድላ ተሰማሚዐን
2025-01-12 12:08:55 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 33 timesመንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናአን ናብ ንቡር ክመልሳ፡ ናይ ሓባር ጸጥታአንን ቁጠባአንን ከሕይላን ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ክሰርሓን ተሰማሚዐን። እዚ ዝተገልጸ መራሕቲ ክልቴን ሃገራት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሸኽ ሓሰን ማሕሙድን ብ11 ጥሪ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ድሕሪ ዘካየድዎ ልዝብ ብዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ እዩ።
በቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ምሰረት፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዋና ከተማ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ትካላቶም ናብ ዝነበሮ ብምምላስ፡ ናይ ሓባር ኣስተዋጸኦ ዘመዝግብሉን ዞባዊ ምርግጋእ ዘረጋግጽሉን ስረሓት ንክዓሙን ከም ዝተሰማምዑ ኣብቲ ርክቦም ኣረጋጊጾም። ኣብ ኣድላይነት ምርግጋእ ዞባዊ ኩነታት ናይ ሓብር ተረድኦ ንምሕዳር ዝያዳ ክጽዕሩ ምስምምዖም እውን ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተመልኪቱ።
እቶም መራሕቲ ኣብ ምሕያል ናይ ሓባር ንግድን ወፍርን፡ ከምኡ ከኣ ናይ ሓባር ጸጥታ ኣብ ምውሓስን ጸረ ሰላም ሓይልታት ኣብ ምምካትን ከም ዝሰርሑ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ንክልቴቲኣን ሃገራት ዘራኽብ ትሕተ-ቅርጻ ኣብ ምዝርጋሕ ከም ዝሰርሑ ከም ዝተረዳድኡ ኣስፊሮም።
ምስ ብዝተተሓሓዘ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ናይ ሓደ ዓመት ወጥሪ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ ዋና ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ክዕቅብዎ ድልዋት ምዃኖም ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ኣብቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺኦም ኣፍሊጦም።
እዚ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ብተበግሶ ኢሳያስ ዝፈጠረ “ኪዳን ኣስመራ” ዝብል ስም ዝተዋህቡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ምንባሩ ብዙሓት ዝኣምንዎ ውዕል ከም ዝገትኦን ሓድሽ ኣሰላልፋ ከስዕብ ከም ዝኽእልን ይግመት።