ክምለሱ ዝፈተኑ ተጋሩ ተመዛበልቲ፡ ብደሆታት የጋጥሞም’ሎ
2024-12-23 11:59:52 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 318 timesብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ዝጸንሑ፡ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ 2024 ናብቲ ናይ ቅድም መረበቶም ከባቢ ጸለምቲ ዝተመልሱ ተጋሩ፡ ብዝተፈላለዩ ብደሆታት ይጽገሙ ከም ዘለዉ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብዕምቆት ዘቕረበቶ ሰፊሕ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እታ መርበብ ሓበሬታ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2024 ኣስታት 56 ሺሕ ብሰንክቲ ን2 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ካብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተመዛቢሎም ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ናብቲ ናይ ቅድም መረበቶም ምምላሶም ዝሕብር ጸብጻብ ከም ዘቕረበ ብተወሳኺ ኣስፊራ። ካብኣቶም እቶም 34,971 ናብ ወረዳታት ጸለምቲ፡ ላዕላይ ጸለምትን ማይጸብርን ዝተመልሱ ምዃኖም’ውን ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እንተኾነ ካብ ዝምለሱ ድሕሪ ኣዋርሕ እውን ነቶም ተመለስቲ ብመንግስትን ሰብኣዊ ትካላትን ቃል ዝተኣትወሎም ደገፍ ክረኽቡ እውን እንተዘይካኣሉ ሓድሽ ህይወት ክሰርዑ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ካብቲ ክቐርበሎም ዝነበሮ ግና ዘይቀረበሎም፡ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ከም ዝርከቦ ይሕበር።
እታ መረበብ ሓበሬታ ካብቶም ተመለስቲ ብዛዕባ ኩነታቶም ዘዘራረበቶም ኣብቲ ከባቢ ናይ መንግስቲ ሰራሕተናታት ዝነበሩ ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥሞም ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብኩራት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ምንቅስቓስ ነጻነትን ካብቶም ዘስግእዎም ዘለዉ ብኩራታት ምዃኖም ገሊጾምላ። እተን ዝተመልሱለን ወረዳታት ብማእከላይ መንግስትን ክልላዊ ምምሕዳርን ስለ ዝተረሰዓ፡ ኣብ ትሕቲ ሓያል ጸቕጢ ከም ዘለዋ ኣፍሊጦም። ካለኦት እታ መርበብ ዝሓተተቶም ተመዛበልቲ ናይቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ብደሆታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝገልጸሉ ከኣ ሓቢራ።
ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣገባብ ኣመላልሳ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝተፈላለየ ኣረዳድኣ ከም ዘሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግለጽ ዘሎ እዩ። ገለ ወገናት ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ክመለስ ይግበኦ ክብሉ እንከለዉ፡ ካለኦት ወገናት ከኣ ተመዛበልቲ ይመለሱ፡ ናይ መሬት ዋንነት ግና ኣብ መጻኢ ብመሰረት ሕገመንግቲ ኢትዮጵያ ክፍታሕ ይግበኦ ዝብል ርኢቶ ኣለዎም። እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ትግራይን ፈደራል መንግስትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተጋሩ እውን ስሙር ኣረኣእያ የለን።