ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ኣብ ከባቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን
2024-12-24 10:54:32 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 322 timesካብታ ኣስታት 23 ሺሕ ህዝቢ ከም ዝነብረላ ዝንገር ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ 61 ኪሎሜተር ንወገን ደቡብ ብ23 ሕዳር 2024 4.4 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑን 10 ኪሎሜተር ዝዕምቆቱን ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ፡ ቮልካኖ ዲስከቨርይ (volcano discovery) ዝተባህለ ትካል ሓቢራ። ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ነበርቲ በቲ ምንቅጥቃጥ ንኡስ ስምዒት ከም ዝሓደሮም ከኣ እታ መርበብ ሓቢራ። ኣብታ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ቦታ 127 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣስመራ እውን ንኡስ ስምዒት ኣሕዲሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዋ ግምት ቮልካኖ ዲስካቨር ጠቒሳ።
ናይቲ ኣብ መሬት ዝፍጠር ምንቅጥቃጥ ደረጃ ዝዕቀን፡ ብክብደትን ዕምቆትን ናይቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝፍጠር ነውጺ ኮይኑ፡ ናብቲ እዚ ዘጋጠመሉ ቦታ ዘሎ ርሕቀትን ቅርበትን እውን ናቱ ተጽዕኖ ኣለዎ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን ኣብ ዓፋር ኢትዮጵያ ካብታ ኣስታት 37 ሺሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ኣዋሽ 6 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ፡ 4.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅትቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። እዚ እውን ኣብታ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ፍሉይ ቦታ 151 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ ኣዝዩ ንኡስ ስምዒት ከም ዝተፈጥረ ተፈሊጡ።
ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ በቲ ምንቅጥቃጥ ጉድኣት ከም ዝውረደ ዝሕብር ጸብጻብ ዘየለን ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ግና ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባብታት ከቢድ ምንቅጥቃጥ ከየጋጥም ከም ዘስግእ ይጥቀስ።