EPDP News

ኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝነበሩ፡ ስተቨ ዎከር “እቲ ሕሱም ወጻዒ ምሳና ኣሎ”  ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብ5 መስከረም 2022 ዘኣትላንቲክ/THE ATLANTIC ኣብ ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ዘስፈርዎ ሓተታ፡ “ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰላት ብኣሰንባዲ ደረጃ ዝገሃሰላ ሃገር እያ” ዝብል ምስክርነቶም ኣሕዲሶም።

እቶም ኣንበሳድር ኣብ 2019 ናብ ኤርትራ ምስተመደቡ፡ በቲ ብቕዲ ኢጣልያ ዝተቐርጸ ህንጻታትን ኩነታት ኣየርን ኣስመራ ተመሲጦም ከም ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ፖለቲካዊ ኰነታት ኤርትራ ምስ ተረድኡ ዘሰንብድ  ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ኣብቲ ጽሑፎም ኣስፊሮም።

እቶም ኣንበሳደር፡ ኤርትራ ናይ ሓሳብ ፍልልይን ተቓውሞን ዘይፍቀዳ፡ ናይ ፕረስ ናጽነት ዘየብላ፡ ዜጋታታ ደረትን ግሉጽነትን ናብ ዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብቐጻሊ ክኣትዉ ዝግደዱላ፡ ምርጫ ዝበሃል ዘይረኣየት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባ ቀጻሊ ጃምላዊ መእሰርቲ ዝካየዳን ብሰንኪዚ ኣብ ሽቑርርታ ዝነብርን ሃገር እያ ዝብል ዝርዝር ምስክርነቶም  ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ ዘኣትላንቲክ ዝወጸ ጽሑፎም ኣስፊሮም።

እቶም ኣንበሳደር ኣብቲ ሓተታኦም “ብሓደ ሰልፊ ዝምራሕ ሕሱም ምልኪ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ኣሎ” ምስ በሉ፡ ንህዝባ ዘየርብሕ ክነሱ፡ “ስለምንታይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሩሲያ ኣንጻር ዩክረይን ተሰሊፋ?” ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ምዃኑ እውን ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ቤላሩስ፡ ሶርያን ሰሜን ኮርያን  ኣንጻር ዩክረይን ክስለፋ እነለዋ ምናልባት ዝረኽበኦ ረብሓ ይህልወን ምስ በሉ፡ ናይ ኤርትራ ምኽንያት ግና ካብ ምድጋፍ ምልካዊ ምምሕዳር ዝነቅል  እዩ ኢሎም።

ስተቨ ዎከር፡ ናይ ሓደ ሰልፊ በሓቲ ምምሕዳር፡ ብመሰረቱ ኣዕናዊ እዩ ምስ በሉ፡  ብሰንክዚ ፖለቲካዊ በሓትነት ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ኮነ ካብ ሃገሮም ናብ ወጻኢ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት ዘየብሎም ምዃኖም መርኣያ ምልክን ዕብለላን እዩ ኢሎም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ኤርትራ ብድሕረትን ስእነትን ቁጠባ እትሰቐዮ ዘላ ከይኣኽላ፡ ዜጋታታ ብገዛእ ገንዘቦም ካብ ባንክ ካብ 5 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከውኡ ዘይክእሉላ፡ ብኢንተርኔት ዝተሓገዘ ዘመናዊ ናይ ባንክ ኣጠቓቕማ ዘየተኣታተወት፡ ሃገር እያ ኢለሙዋ።

ኣብ ኤርትራ ዝምደቡ ኣንበሳድራት ከካብ ሃገሮም ሒዘምዎ ዝመጹ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕግዝ መደባት ምትግባሩ ከምዘይክእሉ  ጠቒሶም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓታት ንዝኣመሰሉ ምምሕዳራት ብኹሎም ወገናት ክምከቱን ክቃልዑን ከም ዝግባእ ኣብቲ ንህልዊ ኩነታት ዝምልከት ትንተናኦም ኣስፊሮም።

ኣንበሳደር ስተቨን ወከር ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርሉ፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም፡ ናብ ሲንፖዚየም ኤሪሳት 2022፡ ብዘመሓላለፍዊ ሰፊሕ መልእኽቲ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ብምቅላዕ ኣገዳሲ ኣስተዋጸኦ ዘበርከቱ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ብዙሓት ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለዉ። በዚ ምሰረት ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዛዕባ’ ዞም ዝተወሰኑ ዛዕባታት እዚ ዝስዕብ መብርሂ ይህብ።

1) ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት መደባት ፈስትቫላት ምምሕዳር ህግደፍ ብሓያል ተቓውሞ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምፍሻሎም ዘበስሩ ስርሒታት ክንከታተል ቀኒና። እዚ ተረኽቦታት ብዙሕ ፖለቲካዊ ትርጉማት ዘለዎ እዩ። ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ዘይተጸበዮ ግዜ ብዘይተጸብዮ ኣገባብ ብህዝባዊ ናዕቢ ይሰዓር ከምዘሎ ሓደ ካብቲ ትርጉማቱ እዩ። ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ከኣ ወጽዓ ህግደፍ ዝመረሮም መንእሰያት ኤርትራ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ካብ ኤርትራ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝጸንሐ በደላት ከም ዝተቖጥዑ እሞ ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ከምዘይምለሱ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ  እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እተን ነቲ  ጽልኢ ናይ ምንዛሕ፡ ተቓውሞ ኤርትራ ናይ  ምንእኣስን ካብ ህዝቡ ናይ ምንጻልን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድኻምን  መደባት ህግደፍ ዝፈሸለለን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተገንዚበን ደጊም ክቕጽል ከም ዘይግበኦ ከም ዝዓገባን ኣብ ምውጋዱ ከም ዝተሓባበራን ቅሩብነተን ዘርኣያሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ።

ስለዚ ሰዲህኤ፡ ነቶም ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ዘበርኽዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናትን እቶም ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣብ ጐኒ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዝተሰለፉ መንግስታትን የመጉስ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ መንገዲ ሕጋዊ ኣገባቡ ዓቂቡ ክቕጽል ዘተባብዕን ዝኽእሎ ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑን የነጽር። ናይቲ ኩሉ ዘጋጠመ ማህሰይቲ ጠንቅን ተሓታትን ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ንለውጢ፡ ንሕጋውነትን ዲሞክራስን ዝጠልብ ህዝባዊ  ማዕበል ኣብ ወጻኢ ተደሪቱ ዝተርፍ  ዘይኮነ ናብ ኤርትራ ክላባዕ ዘለዎ እምነት ይገልጽን። ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብቲ ኣዝዩ ዘሕሞን ኣብ ውሽጢ ሃገርን  ምምካቱ እዋኑ በጺሑ እዩ’ሞ ኩሉ ክፍልታት ህዝብና እጃሙ ከልዕል ጸዋዒትና ነቕርብ።

2) ምምሕዳር ህግደፍ ኣብቲ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተባርዐ ውግእ ኢድ ብምእታዉ፡ ብብዙሓት ወገናት ክኹነን ከም ዝጸንሐ ይዝከር። እቲ ኩነኔን ካብቲ ዝኣተዎ  ንክወጽእ ዝቐርብ መሕጽንታታትን መጠንቀቕታን ሎሚ እውን ብብዙሓት ወገናት ብቐጻሊ ይቐርቦ ኣሎ። እንተኾነ ህግደፍ መሊሱ የግድዶ ኣሎ እምበር፡ ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ሓዲርዎ ንድሕሪት ኣይበለን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ክንዲ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻሕታሪ ተግባሩ ዝመሃር፡ ሎሚ እውን ዘራይ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ንሃገርና ኣራግጽ ናይቲ ናብ ትግራይ ዝወፍር ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገብራ ኣሎ።

ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ ብ21 ሕዳር 2020፡ ለዎ ራዊት ትዮጵያ ርዓት ኢሳያስ ተፈቒዱሉ ብኣየር፡ ምድርን ርን ሃገርና ትዩ ልዑላውነትና ሓደ እትዩዎ ይርከብ። ለዝኾነ ህዝ ኤርትራ፡ ርዓት ግደፍ ሃገርና ባዕዳውያን ሕሊፉ ብምሃቡ ክኹንኖን መሬትና ርከብ ዝኾ ይኹን ባዕዳዊ ይሊ ቕልጡፍ ኽወጽእ ጸቕጥታቱ ከሐይልን ጽውዕ። …… ርዓት ግደፍ ንባዳውያን ይልታት መሬትና ከምዝኣትዉ ከይኣኽሎ፣ ራዊት ኤርትራውን ይድልየቱን እምነቱን ትግራይ ኢኹ ይምልከቶ ውግእ እትዩ ኸቢድ ቃሊዕዎ ይርከብ። ……  ማእከላይ ይቶ ኤ፡ ብሓ ገን ራዊት ባዕ ካብቲ ትዩዎ ይቅኑዕ ውግእ ከውጽእ ክጽዕር፣ ኻልእ ገን ማ፡ ህዝ ኤርትራ እዞም ይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ለዉ ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከኣሎ ገድታት ክቃለስ ውዒትና ቕርብ።” ዝብሎ መርገጹ፡ ሎሚ እውን ህያው ምዃኑ ብምርግጋጽ የሕድሶ ኣሎ።

3) ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  በደል ካብ ዘውርደሎም መንገድታት ሓደ ብተኸታታሊ   ብዘይ ናይ ዕድመን ጾታን ኣፈላላይ ኣገዲድካ ናብ ውትህድርና ምእታው እዩ። እዚ ብቐጻሊ ዝካየድ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ተግባር ሎሚ ድማ ኣዝዩ ብዝኸፈአ ደረጃ ይቕጽሎ ከም ዘሎ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ ይሕበር ኣሎ። ኣብ ገለ ከባቢታት እውን ዝመረሮ ህዝቢ መኸታኡ የልዕል ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ናይዚ እዋንዚ ግፋ ዝኸፈአ ዝገብሮ ከኣ ኣብ ልዕሊ ነፍሰ-ጾራት፡ ኣደ ቆልዑን ኣካለ ጐደሎን ከይተረፈ፡ ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ ሓደ መርኣያኡ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ስድራቤት ናይቶም  ሃዲኑ ዘይረኸቦም ንዓቕመ ሄዋንን ኣዳምን ዝበጽሑ፡ ዝወስዶ ዘሎ ጭካነ  እዩ።

ስለዚ ሰዲህኤ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጨካን ተግባራት ህግደፍ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መርገጻቱ የወግዞ። ህዝቢ ኤርትራ  በዚ ዝወርዶ ዘሎ መዘና ዘየብሉ  በደላት፡ መሊሱ ክሓንን እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ቃልሱ ከምዘይበኩር ዘለዎ እምነት ጽኑዕ ምዃኑ የረጋግጽ። ህግደፍ ካብዚ ዘገብሮ ዘሎ ክቑጠብ፡ ኩሎም ፖለቲካውን ሰብኣውን ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ተጽዕነኦም ከሕይሉ ይጽውዕ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!

ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንስዉኣት ኤርትራ!

ፈጻሚ ሽማግለ

5 መስከረም 2022

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝመጹን ካብ 4 ክሳብ 15 መስከረም 2022 ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝጸንሑን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓቢሩ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ጂን ፒየሪ ብወገነን ኣሜሪካ ንናይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ከም እትኹንን ምግላጸን መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ኣፍሊጣ።  

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ  ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተራኺቦም እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብህጹጽ ጠጠው ኢሉ ናይ ሰላም ዘተ ንክጅመር ዝጽውዕ መልእኽቲ ኣሜሪካ ከም ዘቕርቡ ተፈሊጡ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ኢትዮጵያ  ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መግስትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካዚ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ባእታታትን ተራኺቦም ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ክመጸሉ ብዛዕባ ዝኽእል መንግዲ ከም ዝዛራረቡ ተሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ልኡላውነትን ክሕለው ከም እትደሊ ተመልኪቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እተን ወሃቢት ቃል ኣተሓሒዘን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠው ከብልን ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልሎም ወጻኢ ዘካይድዎ ውግእ ከቋርጹን ጸዊዐን።

ብኻልእ ወገን ድማ ሚኒስተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪታንያ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ክትወጽእ ሓይልታት ትግራይ ድማ ካብ ትግራይ ወጻኢ ካብ ዘሎ ቦታታት  ክስሕብን ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰብኣዊ ረዲኤት ክቕጽልን ተማሕጺነን።

 

ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ብ1 መስከረም 2022 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ካብ ዝባራዕ ሰሙን ገይሩ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ንክኣትዉ ጸዊዑ። እቲ ማሕበር ብተወሳኺ ከምዚ ዝኣመሰለ ህውከት ብዘይካ ድኽነት፡ ምርሕሓቕን ታሪኻዊ ተሓታትነትን ካልእ ፋይዳ ከምዘይህልዎ በቲ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝለኣኾ መግለጺ ኣፍሊጡ ።

.ናይ ኢትዮጵያ ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ብተመሳሳሊ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ከም ሓድሽ ዝጀመረ  ሓደገኛ ውግእ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ገሊጹ። እቲ ጥምረት እቲ ውግእ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ማሕበረሰብ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ኣካለ ስንኩላን፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ደቂ ኣንስትዮን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘኸትል በቲ መገልጺ ሓቢሩ።

ክልቲኡ ማሕበራት  ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ረዲአትን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ብዘይዕንቅፋት ዝቕጽለሉ ኩነታት ክፍጠር ተማሕጺኖም። ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ብቐጻሊ ንምፍታሕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዓለምለኻዊ ውድባትን ማሕበራትን ጻዕሪ ከካይዱ ብፍላይ ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ  ጸዊዑ። ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ እውን ነዚ ናይ ማሕበር መምሃራን ናይ ሰላም መጸዋዕታ ደጊምዎ።

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቱርክ፡  ዓባይ ብሪታንያን ካለኦት ወገናትን እውን በብዝምልከቶም ኣካላቶም ኣቢሎም ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክእተው ተደጋጋሚ መጸዋዕታ የቕርቡ ኣለዉ።

ነዚ ብ24 ነሃሰ 2022 ከም እንደጋና ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ “መን ጀመሮ?” ኣብ ዝብል፡ ዝካሰስሉ ዘለዉ እዩ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ንመጀመርያ ግዜ ብናጽነት  27 ነሃሰ 2022 መሪሕነቱ ከም ዝመረጸ ዝተፈላለያ መዲያታት ናይታ ሃገር ሓቢረን። ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ትሕቲ ካለኦት በርገሳዊ ማሕበራት ተጸጊዑ ዝሰርሕ ብኣባልነት ደገፍቲ መንግስቲ ጥራይ ዝሓቁፍ ማሕበር ከም ዝነበረ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እቲ ተመስሪቱ መሪሕነቱ ዝመረጸ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ መሰል ኣባላቱ ኣብ ምሕላው ጥራይ ከይተወሰነ፡ ኣብታ ብተደጋጋሚ ብወተሃደራት ክትምራሕ ዝጸንሐት ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረስ ንዝፍጠር ተጽዕኖን ጸቕጥን እውን ክቃለሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ 1164 ኣባላት ዘለዉዎ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ኣብ ሮይተርስ ንዝሰርሕ ኣቡ እድሪስ ንዝተባህለ ጋዜጠኛ ኣቦመንበሩ ንክኸውን ከም ዝመረጾ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ጌና ምስ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ዝደናገጹ ዝተባህሉ ነባራት ጋዜጠኛታት፡ እቲ ናይ ቅድም ማሕበር ከይፈረሰ ኣብ ልዕሊኡ ካልእ ማሕበር ክምስረት የብሉን ብዝብል ንመስርሕ እቲ ምርጫ ጠጠው ከብልዎ ፈቲኖም ነይሮም። እንተኾነ ተጣበቕቲ ማሕበራዊ መሰላትን ናይቲ ምርጫ ተዓዘብትን እቲ መስርሕ ምርጫ ናጻን ርትዓውን ብምንባሩ ስለ ዝደገፍዎ ከም ዘይተዓናቐፈ ተፈሊጡ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣይኮነንዶ ኣብ ብሕታዊ መድያ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ዝሳተፍዎ ማሕበር ክምስረት  እቲ ማሕበር ኮነ እቲ ናይ ግሊመድያ ከም ዘየለዉ ዝዝከር እዩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ27 ነሰ 2022 መበል 11 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ፈጻሚ ሽማግለ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብሰፊሑ ዝዳህሰሶም እሞ ብፈጻሚ ሽማግለ ንክትግበሩ መምርሒ ዝሃበሎም እዋናዊ ዛዕባታት ብደቂቕ ተመያይጡ። ኣብዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዛዕባታት ድማ፡ ውሳነታት ወሲኑ፡ ናይ ኣተገባብራ  ዝርዝር ስኢሉ። 

1) ሰልፋዊ ዓቕሚ  ንምሕያልን  ተሳትፎ ኣባላት ንምዝያዳን መሰረት ብምግባር ተተሊሙ ኣብ ቀረባ ግዜ ክትግበር ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ሰልፋዊ ሰሚናር ዝዕወተሉ ኣገባብን ዝካየደሉ ግዜን ወሲኑ። ከምኡ ከኣ ኣባላት ዝሳተፍሉ መንገዲን ዘድሊ ቀረባትን ብዝምልከት ዳህሲሱ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ ኣባላት ሰልፊ መጻኢ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ንምዕዋት፡ ከምቲ ዝተለምደ ክሳትፍሉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ   ንኣሰራርሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝምልከት ተወሳኺ መምርሒታት ኣውጺኡ።

2) ብሓፈሻ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ዘገምታዊ ጉዕዞ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ኣብ ዝምልከት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣብ ቀጻሊ ግደ ሰዲህኤ እንታይን ብኸመይን ክኸውን ከም ዝግበኦ፡ ንሚዛን  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ መሰረት ብምግባር፡ ክሳብ ንካእባዊ ርክባት ምስ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት፡ ውድባትን ካልኦት ናይ ለውጢ ባእታታትን ምድህሳስ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣሰራርሓ ሓንጺጹ።

3) መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ንዝተዳህሰሰ ናይ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዓመተ- 2021-2022 ጸብጻባትን ካለኦት እውናዊ ጉዳያትን ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ 2022-2023 ዓመታዊ ትልምታት ተመያይጡ ኣጽዲቑ።

4) ፈጻሚ ሽማግለ ብዛዕባቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝፈሽል ዘሎ ዳንኬራ ፈስቲቫላት ህግደፍ እውን ብሰፊሑ ተመያይጡ ሚዛኑ ኣንቢሩ። ኣብቲ ምይይጡ ህግደፍ ነቲ ፈስቲቫላት ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዝጥምት፡ ናብ ደገ ጥራይ ክርኢ ዝጥቀመሉ መህደሚ ምዃኑ መዚኑ፡ በዚ መሰረት ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ድማ ግዳይ ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንመደባት ህግደፍ ብሕጋዊ ኣገባባት ረቲዖም ከፍሽልዎ ምብቀዖም፡ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ዲያስፖራ ናብ ፍሉይ መድረኽ ከም ዝኣተወ ዘረድእ ምዃኑ ተረዲኡ። ንኹሎም እቶም ነዚ ዓወት ዘመዝገቡ ኣመጒሱ፡ ቃልሶም  ክቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ። ናይተን ቃልሲ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ፍትሓውነት ተገንዚበን ነቲ ፈስቲቫላት ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ዝወሰዳ  ሃገራት ኣካላት ጸጥታን ፍትሕን  ኣመስጊኑ ምትሕብባሮም ቀጻሊ ክኸውን ድማ ጸዊዑ።

5) ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣሻቓሊ ከም ዘሎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ዳግማይ ተረዲኡ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓፋር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፡ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ተወሲኽዎ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተገንዚቡ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሻቓሊ ምዃኑ መዚኑ። ኣብ ሱዳንን ጅቡትን ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ከምኡ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ ተገንዚቡ። በዚ መሰረት ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ፍሉይ ምክትታል ክግበረሉ ወሲኑ። ኩሎም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ብመሰረት  ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።

ብዘይካዚ መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ውሳነታት ወሲኑ። መጽናዕቲ የድልዮም ንዝበሎም ጉዳያት ዝከታተሉ ሽማግለታት‘ውን መዚዙ።

ኣባላት ሰልፊ ናይ ክሳብ ሒጂ ቅሩብነቶም፡ ተወፋይነቶምን ተሳትፎኦምን ንኢዱ ኣብ መጻኢ ድማ ብፍላይ ኣብዚ ካብ ናይ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ ንወጸሉ ዘለና መድረኽ ኣበርክተኦም ኣብ ኩሉ መዳያት ብተዓጻጻፊ ከዛይዱ ጸዊዑ።

“ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!”

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

27 ነሓሰ 2022

ፈጻሚ ዳይረክተር ዩኒሰፍ፡ ካተሪን ሩሰል፡ እቲ ዝመርሐኦ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ብ26 ነሃሰ 2022 ንዝተፈጸመ; ደብዳብ ነፈርቲ ብትሪ ከም ዝኹንኖ ብዘውጸአኦ መግለጺ ኣፍሊጠን። ኣተሓሒዘን ድማ  ኩሎም ወገናት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣካላት ብህጹጽ ኣብ ሰላማዊ ዘተ ንክኣትዉ ከም ዝጸውዓ፡ እቲ  ኣብ መርበብ ዩኒሰፍ ዝመወጸ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ መውዓሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ሓያሎ ህጽናት ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ኣስፊሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተሉ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና በቲ ደብዳብ 3 ህጻናት ዝርከብዎም 17 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 30 ከም ዝቖሰሉን ዝገልጽ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

 እተን ዳይረክተር በቲ መገለጺአን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መመሊሱ ይዓርግ ብዘሎ ጥሕሰታት ህጻናት ዝለዓለ ዋጋ ከም ዝኸፈሉ ሓቢረን። ኣብ ዝሓለፈ ናይ 2ተ ዓመታት ግዜ ህጻናትን ወለዶምን እቶም ዝኸበደ ዋጋ ዝኸፈሉ ምዃኖም ምስ ጠቐሳ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር እቲ ናዚ ዘብጸሐ ውግኣት ጠጠው ንክብል ጸዊዐን።

ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሚኒስተር መንግስታዊ መራኸቢታት ዶ/ር ለገሰ ትሉ ብወገኖም ነቲ በቲ ኣብ ሲቪላዊ ትካላት ደብዳብ ተኻይዱ፡  ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ጉድኣት ኣውሪዱ ዝብል ዜና ነጺጎም፡  ብኣንጻሩ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከሲሰምዎ።

እዚ ደብዳብ ዝተኻየደ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ትግራይን መን ከም ዝጀመሮ ዘሰሓሓቦም ዘሎ ውግእ፡  ከም ሓድሽ ብ25 ነሃሰ 2022 ድሕሪ ምብርዑ ምዃኑ ይዝከር።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካን ዓባይ ብሪታንያን ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተባርዐ ውግእ ኣዝዩ ከም ዝተሓሳስቦም ምግላጾም “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር/ETHIOPIS INSIDER፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ። ኣቦመንበር ኮሚሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ ማሃማት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ጸሓፊ  ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከንን ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ዓብይ ብሪታንያ ቪኪ ፎርድን ብ25 ነሃሰ 2022 በብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ውግእ ጠጠው ንክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቦም

እቲ ዳርጋ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ጠጠው ኢሉ ዝጸንሐ ውግእ እንደጋና ምስተጀመረ፡ ካብ በበይኑ ኩርነዓት ናይ ስግኣትን ስንባደን ድምጽታት ይስምዑ ከም ዘለዉ እቲ ዜና ጠቒሱ። ኣብ መንጎ ፈደራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዘተ ክጅመር ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ውግእ ምጅማሩ ንብዙሓት ከም ዘተሓሳስቦም እውን እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ መሃማት፡ ትካሎም ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክብል ነቲ ዘተ ዝመርሕ ፍሉይ ልኡኽ መዲቡ  ዝጀመሮ መስርሕ ከም ዝቕጽሎ ክጽውዑ እንከለዉ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን እቲ ውግእ ዳግማይ ብምጅማሩ ዝተሰመዖም ስንባደ ብምጥቃስ፡ መስርሕ ሰላም ክቕጽል ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ንዘድልዮም ዜጋታት ከም ዝበጽሖም ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ ከም ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እቲ ውግእ ዳግማይ ምጅማሩ ከም ዘተሓሳስቦ ገሊጹ። ናይቲ ሕብረት ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ጆሰፐ ቦሬል፡ እቲ ውግእ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላም ክፍጠር ዝነበረ ተስፋ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘሕድር ዝሓደሮም ስግኣት ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጐንጺ ናብ ምሉእ ውግእ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ናብ ሰላማዊ ዘተ ናይ ምምላሱ ዕድሉ ሕጂ እዩ  ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እዚ ኣብዞም ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ትካላትን ሃገራትን ዝሓደረ ስግኣት፡ ኣብ መንግስታት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪታንያን እውን ተንጸባሪቑ። በዚ መሰረት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ክልቲኦም ወገናት ናብ ብዘይቅድመ ኩነታት ተኹሲ ምቁራጽ ክመጹ ኣዘኻኺሮም። ናይ ዓባይ ብሪታንያ ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ ብወገኖም ናይቲ ውግእ ዳግማይ ምጅማር ነቲ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘጋድዶ ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን “ነቲ ውግእ መን እዩ ጀሚርዎ?” ኣብ ዝብል ይካሰሱ ኣለዉ።

 ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ  ስእሊ ቢቢሲ/BBC 

ብካቶካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ እትውነን፡ ብማሕበር ላሳለ ክትመሓደር ዝጸንሐት፡ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝተወርሰት ቢቢሲ/BBC ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃ ሓቢራ። ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ንዝሓለፉ 23 ዓመታት፡ ኣብ ዓውዲታት ኣግሮ-መካኒክ፡ ስነ-እንስሳ፡ ስነ-ኣትክልቲ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ እውን ንልምዓት መስኖ ኣብ ዝምልከት ብክለሰ-ሓሳብን ተግባርን ትምህርትን ኣገልግሎትን ክትህብ ዝጸንሐት ምዃና እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እታ ቤት ትምህርቲ፡ ብሉጽ ፍረ ወይኒ፡  ማልማላታን ነቢትን ብምፍራይ፡ ከምኡ እውን ልዑል ምህርቲ ዝህባ ናይ ጸባ ከብቲ ብምርባሕን ካብቲ ጸባ ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ ርግኦ፡ ሪኮታ፡ ፎርማጆን ጠስምን ብምቕራብ ከተገልግል ዝጸንሐት ትካል ልምዓት እያ። ኣብ ርእሲኡ ካብ ዝተፈለለዩ ዞባታት ኤርትራን  ካብብ’ቲ ከባብን ንዝመጹ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፈተት ምንባራ ም፣ፍላጥ ተኻኢሉ።

ብኻልእ ወገን ድማ  ኣብ ደቀምሓረ እትርከብ፡ ብካቶካዊት ቤተ-ክርስትያን እትውነን ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ደንበስኮ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም 2022 ኣብ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ክትኣቱ ምዃና ዝእምት ሓበሬታ ካብ ምንጭታታ ከም ዝረኸበት እቲ ዜና  ቢቢሲ/BBC ሓቢሩ።  ምምሕዳር ህግደፍ፡ ኣብ 2019 ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ እምነት ሚስዮን፡ ኦርቶዶክስን፡ እስልምናን ኤርትራ፡  ዝመሓደራ ዝነበራ ኣብያተ-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ  ምውራሱ ከም ዝፍለጥ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።

ምምሕዳር ህግደፍ ነቲ ዝወሰዶ ናይ ትካላት ምውራስ ስጉምቱ ሕጋዊ መልኽዕ ከትሕዞኳ ዝፍትን እንተኾነ፡ ሓቀኛ ጠንቁ ‘ብፍላይ ብካቶልካዊት ቤተ-ክርስትያን ንህዝቢ ኤርትራ ይብድል ስለ ዘሎ፡ ኣካይድኡ ንከዕሪ ብተደጋጋሚ ከቕርቦ ዝጸሐ ነቐፈታዊ ምሕጽንታ ዘለዎ ቂም ንምግላጽ ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝረዳድእሉ ምኽንያት እዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ብምምሕዳር ህግደፍ ን27 ነሃሰ 2022 ኣብታ ሃገር ክካየድ ተመዲቡ ብምስጢር ተታሒዙ ዘሎ፡ ኣዕናዊ ፈስቲቫል ንክስረዝ፡ ናብ ናይታ ሃገር ዳይረተር ኮንፈረንስ ንፍትሕን ፖሊስን ብጽሑፍ ምሕጽንታ ከም ዘቕረበ ማእከል  ሓበሬታ ኤርትራ፡  ኣፍሊጣ።  እቲ መልእኽቲ ምሕጽንታ፡ ነቲ ብህግደፍ ብጉልባብ ፈቲቫል ኣብ ስዊዘርላንድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ዝዳሎ መደባት ህግደፍ  ዝምልከቶም ኣካላት ብግቡእ ከቕልብሉ በቲ መልእኽቱ ኣዘኻኺሩ። 

እቲ መልእኽቲ ምምሕዳር ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነዚ ናይ ፈስቲቫል መድረኻት ብደርፍታት እናሸፈነ ከም መለዓዓሊ ናብ ውግእን መዝርኢ ጽልእን ከም ዝጥቀመሉ ኣስፊሩ። ብፍላይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ናይቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣባላት ካቢነ እውን ዝተሳተፍሉ እሞ ንምዕራባውያን ዝጻረርን ንሩሲያ ዝድግፍን ምልዕዓላት ክካየደሉ ዝተሓስበ መድረኻት ምዃኑ ሓቢሩ። ከም ኣብነት ኣብ ናይ 2018 ፈስቲቫል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ተሳቲፉ ንተጋባእቲ ኣንጻር ምዕራባውያን  ከም  ዘለዓዓለ  ጠቒሱ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ጥርዓን ኣብዚ እዋንዚ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይሳተፍ ምህላዉ ብምሕባር፡ ዕላማ ናይዚ ፈስቲቫላት ድማ ነቲ ኢድ ኣእታውነቱ ቅኑዕ ኣምሲሉ ንምቕራብን መካየዲ ውግእ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብን ክጥቀመሉ ከም ዝመደበ ኣቃሊዑ። ካብቲ ቀንዲ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣጀንዳኡ፡ ኣንጻር ትግራይ ናይ ጽልኢ መደረታትን ብናይ ሓይልታት ምክልኻል ጉጅለ ባህሊ ዝቐርብ ፋሽስታዊ ደርፍታትን ከም ዝርከቦ ኣብቲ መልእኽቲ ምሕጽንታ ሰፊሩ። ብዘይካዚ እቲ  መድረኻት ፈስቲቫል፡ ንህግደፍ ዝቃወሙ ሓይልታት ኤርትራ ከም ዝጽልኡ ንምግባር መርዚ ዝንዝሓሉ ምዃኑ ተጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ፈስቲቫላት፡ ብኤርትራውያን ተቐወምትን ኣብ ስዊዘርላንድ ብዝርከቡ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ፖለቲከኛታትን ተቐውሞ ክገጥሞ ከም ዝጸንሐ እቲ መልእኽቲ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ዓመትዚ ድማ ንሆላንድን ጀርመንን ከም ኣብነት ወሲዱ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ይስረዝ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ከም መጠቓለሊ ናይቲ መልእኽቲ ድማ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ኣስፊሮም።

1ይ፡ እዚ ናይ 27 ነሃሰ 2022 ፈስቲቫል ስዊዘርላንድ ክስረዝ፡ ኣብዚ እዋንዚ እገዳ ተበይንዎም ዘሎ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነይኹን ኩነታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክኽልከሉ።

2ይ፡ ሰበ መዚ ሃገር ስዊዘርላን ሓንሳብ ንሓዋሩን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓሳት ኣካላት ጉጅለ ህግደፍ እገዳ ክውስኑ።

3ይ፡  ንኹሉቲ ናይ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ግብሪ ብዝብል ጉልባብ ዝኸፍልዎ  2%ን ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ መሊእካ ምኽታምን ኣብቲ ቀጥዒ መላእ ቤተሰብካ ኣበይ ከም ዝርከቡ ክትነግር ዘገድድን፡ በቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዝካየድ ተግባራት ጠጠው ክብል። 

እዚ ብስም “ኤርትራዊ መርበብ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝዊዘርላንድ”  ዝተዳለወ መልእኽቲ፡ ቅዳሑ ናብ ናይታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽንን ሚኒስትሪ ፍትሕን እውን ከም ዝተላእከ ካብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ምርዳእ ተኻኢሉ።

ፈስቲቫል ህግደፍ  ጀርመን ሰን፡ ብ20 ነሃሰ 2022 እውን ብሓያል ተቓውሞ ኤርትራውያን መንእሰያት  ከም ዝፈሸለ ዝዝከር እዩ።