ርኢቶ ትካል ሮበርት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን

2026-02-26 10:55:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 140 times

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ሮበርት ላንሲንግ ንኣህጉራዊ ስግኣትን ዲሞክራሲን መጽናዕቲ ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረን ዘሎን ታሪኻዊ ኩነታትን ዘይርጉጽነትን ብምድህሳስ ኣብ ህልዊ ኩነታት ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ። እቲ ትካል ከም መበገሲ ሻቕለቱ ክልቲኦም ወገናት ብሓፈሻ ናብ ዘራኽቦም ዶባት፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ወገን ክልል ትግራይ ሰራዊትን ኣጽዋርን የጸግዑ ከም ዘለዉ ኣብቲ ዳህሳሱ ጠቒሱ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ንተቓወምቶም ተዕጥቕን ተስንቕን’ላ ዝብል ሻዕሎት ክሓድሮም እንከሎ፡ ኤርትራ ግና ነቲ ክሲ ናይ ውግእ ተኹታዂን ምልዕዓልን ብዝብል ከም እትቃወሞ እቲ ትካል መጽናዕቲ  ኣስፊሩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣፍድገ ባሕሪ ዘየብላ ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣኤርትራ ንግዳዊ ንጥፈታት ተካይደሉን መደበር ሓይሊ ባሕሪ እትሃንጸሉን ዕድል ትደሊ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ ኣዲስ ኣበባ ነዚ ድሌታ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ ኢላ ከም እትገልጾ ሓቢሩ። እዚ ስግኣታ ምስቲ ኤርትራ ነቲ ናይ ባሕሪ መስመር ብዋንነት  እትቆጻጸር ምዃና ዝተሓሓዝ እዩ።

ኤርትራ ብወገና ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ህርፋን፡ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብምዝማድ፡  ብዓይኒ ልኡላውነታ ከም እትጥምቶ እቲ ትካል መጽናዕቲ ጠቒሱ፡ ዋላ’ኳ ኢትዮጵያ ጠለባ ብዘተን ሰላማዊ መንግድን ከተረጋግጾ ከም እትደሊ ትጠቅስ እንተኾነት ኤርትራ ግና ንናይ ኢትዮጵያ መግለጺ ብዓይኒ ጥርጣረን ውግእ ምጽሕታርን ከምእትርእዮ ሓቢሩ።

ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ምስ ዞባዊ እስትራተጅያዊ ጽልዋን ንግዳዊ ንጥፈታትን ዝተኣሳሰር እዩ ከኣ ይብል እቲ መጽናዕቲ ሮበርት። ናይ ኢትዮጵያ ድሌት ህንጸት ሓይሊ ባሕሪ ምስ ቁጠባዊ ብዙሕነትን ዕምቆት ጸጥታዊ ጽልዋን ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ኤርትራ ንኹሉ ብዓይኒ ስግኣት ከም እትርእዮ’ውን ደጋጊሙ ኣብቲ መጽናዕቲ ሰፊሩ’ሎ።

መጽናዕቲ ትካል ሮበርት፡ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን በዂሩ ዘሎ፡ ናይ ህንጸትን ጥዑይ ምምሕዳርን  መንግስቲ ኢትዮጵያ  ዝቃወሙ ምንቅስቓሳት ንክፍጠሩ ጥጡሕ ባይታ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኢትዮጵያ ከኣ ኤርትራ ነቲ ኩነታት ተጠቒማ ኣብ ጉዳየይ ኢዳ ተእትው ኣላ ኢላ ከም ትኸሳ ሓቢሩ።

ትካል ሮበርት ኣብ መወዳእታ መጻኢ ምናልባታት ከስፍር እንከሎ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓገዝ ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝኣመሰሉ ዞባዊ ትካላት ኣቢልካ ምዝታይ ክህሉ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ። ኣብ መንጐአን፡ ዶባ ምሕንጻጽ፡ ውሕስነት ብምውህሃብን ቁጠባዊ ምህደት ብምፍጣርን ዝሓሸ ዝምድና ክመጽእ ከም ዝኽእል ዘለዎ ተስፋ ድማ ኣስፊሩ። 

Last modified on Thursday, 26 February 2026 12:02