EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሎሚ’ኳ መንቀልን ሸቶን  ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝተነጸረ፡ ኣብ እንታይነቱን ከመይነቱን ዝቐርብ ብዙሕ ሕቶ የለን። ቅድሚ 29 ዓመታት ኣብ እዋን ናጽነት ኤርትራን ውድቀት ደርግን ግና፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ናይ ሽዑ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናይ  ሎሚ ህግዲፍ መሰዋእትን ሕድርን ደቀይ ክሒዱ ክጠልመኒ እዩ”፡ ዝብል ስግኣት ስለ ዘይነበሮ፡ ነቶም ካብ መጀመርታኡ ካብ ተመኩሮ ብዘዋህለልዎ ኣፍልጦ፡ ተወዲቦም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ኤርትራዊ ኣካላት፡ “ሎሚኸ ቃልሲ ተወዲኡ እንከሎ፡ እንታይ ደልዮም እዮም ደገደገ ዝብሉ ዘለዉ፡ ብመንግስቲ ዝተዋህቦም ምሕረት ተጠቒሞም፡ በብውልቆም  ተማእዚዞም ዓዶም ክኣትዉዶ ይጽውዑ ኣየለዉን?” ዝብል ሕቶ ይቐርቦም ነይሩ እዩ። ቀንዲ ዕማም ናይቶም ካብ  ሸዑ ጀሚሮም ኣንጻር ህግዲፍ ዝተሰለፉ ወገናት ግና “እተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑለኣ እንከላ እፈልጣ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ዝተታሕዘ ኣገባብ ምምሕዳር፡ ንናጻን ሓዳስን ሃገረ-ኤርትራ ዘይምጥንን ንፍረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘየውሕስን ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ ናይ ለውጢ ቃልሶም ቀጺሎም።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ቀንዲ ዕላማ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ መንቀልን ሸቶን  ቃልሶም እንታይ ምንባሩ ምብራህ እዩ ነይሩ። ኣብቲ መስርሕ መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ምንጻር ዝሕግዙ ምዕባለታት ብክልተ ሸነኻት ክገሃዱ ክኢሎም። እቲ ሓደ ሸነኽ፡ እቲ ዘይሕለል ጽዕጹዕ ጐስጓስ ብዛዕባ ጸረ ህዝቢ ባህርያትን ኣተሓሳስባን ጉጅለ ኢሳያስ ናይ ምርዳእ ጻዕሪ ናይቶም ኣንጻር ወጽዓ ዝቃለሱ ዝነበሩን ዘለዉን ኤርትራውያን ውዱባት ኣካላት ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ  ምምሕዳር ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ሓቢእዎ ዝኸይድ ዝነበረ ጸረ ህዝቢ ባርያቱ በብእዋኑ እንዳተቓልዐን እናተጋህደን ክመጽእ ክኢሉ። ብትእዛዝ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማይ ሓባር መሰሎም ዝሓተቱ  ናይ ውግእ ሓርበኛታት ምስተረሸኑ፡ እቲ ተግባር ህዝቢ ዘሰንበደ፡ ዘቖጠዐን ንኣረሜንነት ኢሳይስ ዘቃልዐን ፍጻመ ነይሩ።

እዚ ናይ ክልቲኡ ኣቕጣጫታት ተረኽቦ ተደሚሩ ከኣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ “ክሳብ ተኣምን ኪድ ካብ ዘይትኣምን ተመለስ፡ እዚ ሰብኣይ በዓል ደሓና ኣይኮነን” ዝብል ግንዛበ ሰሪጹን ኣስፋሕፊሑን። መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነትን ልኡላውነትን፡ ወጽዓን ጭቆናን ናይቲ ኣብ ናጽነት ክሕባእ ዝፈተነ ትዕቢተኛ ጉጅለ ምንባሩ ከኣ ብብሩህ ተራእዩ። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ክነሱ፡ ህግዲፍ ነቲ ሓቂ ከይርእዩ ብትዕቢትን ትምክሕትን ዘዕወሮም “ርእዮም ከምዘይረኣዩ” ክኾኑ ዝፈተኑ ኣዝዮም ውሑዳት ኤርትራውያን ኣይነበሩን ሕጂውን የለዉን ማለት ኣይኮነን። እቲ ተመሊሱ ተስፋ ዝህብ ግና ካብዞም ተዓሽዮም “ወሰደየ ወዲ ኣፎም በዓል ስረ” ዝብሉ ዝነብሩ፡ ሎሚ ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ተሰሊፎም ይቃለሱ ምህላዎም እዩ።

ቃልስና ንጹር መንቀሊ ካብ ሃለዎ፡ ዘዕውቶ ሸቶ ወይ መዓርፎ ክህልዎ ከኣ  ባህርያዊ እዩ። በዚ መሰረት ናይዚ መመሊሱ ዝጉህር ዘሎ፡ 2ይ ምዕራፍ ቃልስና ሸቶ፡ ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ምዕቃብ፡ ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ምውጋድ፡ ድሕሪ ውድቀቱ ኣብዘሓ-ሰልፋዊ ስርዓት ምትካልን ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽ፡ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ህዝቢ ምውሓስን ዝኣመሰሉን ዝርከብዎም ምዃኖም ብሩህ  እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ መሰረታዊ ዕላማኡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኤርትራዊ ሽቶ ምውሓስ ምዃኑ ካብ ዘረጋግጹ ሰነዳቱ፡ ኣብ ራኢኡ፡ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ኣካል ሃገራውን ዲሞክራስያውን ፖለቲካዊ ኤርትራዊ ሓይልታት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ፡ ንምልክን ሰረታቱን ካብ ስሩ ኣልጊሱ፡ ኣብ ክንዳኡ፡ ንኹሉ ናጽነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘውሓሰ፡ ንኤርትራዊ ሓድነትን  ልዑላውነትን  ዝከላኸልን ዝዕቅብን፡ ስሙርቲ፡ ብልጽግትን ቅዋማዊትን ሃገረ ኤርትራ ክሃንጽ ዝቃለስ ሰልፊ እዩ” ዝብል ምስፋሩ ከም ኣብነት ምጥቃሱ ይከኣል።

እቲ ኣብ መንጎ መንቀልን ሸቶን ናይ ቃልስና ዘሎ ርሕቀትን ዝበልዖ ግዜን እንተ  ክነውሕ ወይ ክሓጽር ዝውስን እቲ ንሕና ኣንጻር ምምሕዳር ኢሳያስ እነድመዖ እዩ። እዚ መስርሕዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ንሕናን ህዝብናን ነቲ ኣራዊት ጉጅለ ንምንብርካኽ፡ በቲ ካልእ ከኣ እቲ ጉጅለ ንከይሰዓር ሓያል ምትሕንናቕ  ዝረኣየሉ እዩ። ኣብ መወዳእትኡ ግና ናይ ህዝቢ ተዓዋትነት ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ ተሰዓርነት ህግዲፍ ውሁብ እዩ። እዚ ካብ መንቀሊ ቃልስና ክሳብ ምውሓስ ሸቶና ዝኽየድ ጉዕዞ፡ ሕልኽልኻት ዝመልኦ፡ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትት፡ ናይቶም ናይ ሓባር ዕላማ ስለ ዘለዎም ብሓባር ክቃለሱ ዝግበኦም ኣካላት ስጥመት፡ ኮታ መትከል ፍልልያዊ ሓድነት ጐሊሑ ክረኣየሉ ዝግባእ መድረኽ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሓት ተሻረኽቲ ኣካላት ዝፍተንሉ እዩ።

እቲ ንህዝብና ደም እንዳንበዐ፡ ካብ ንቡር ኣተሃላልዋ ወጺኡ፡ ነብሱ ሓቢኡ፡ ጭንጭራዓበደ ዝጻወት ዘሎ መራሒ ናይዚ ኤርትራዊ ጠላም ጉጅለ፡ እዚ ነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ ንቀጻልነቱ ኣብ ስልጣን ዝውስን ስለ ዝኾነ፡ ንምብርዓኑ ኩሉ ዓቕሙን ንብረቱን ዘዋፍረሉ ምዃኑ ካብቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ዓቕሊ ጽበትን ምህዳም ካብ ሓቅን ተግባራቱ ምግንዛብ ይከኣል። ነዚ ድሌቱ ንከዕውት ክኣስር፡ ክስውር፡ ክቐትል፡ ኩሉ መሰላት ክነፍግ፡ ምናልባት እውን ነቲ ዋጋ መስዋእቲ ብዙሓት ዝኾነ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ንድሕሪት ከምዘይበል ካብቲ ክትኣምኖ ዘጸግም መደረታቱ ተረዲእናዮ ኣለና። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘርእዮ ዘሎ ኩለመዳያዊ ንዕቀት ከኣ ኮነ ኢሉ ሃንዲሱ ዝስረሓሉ ዘሎ እዩ።

ድሕሪ ሕጂ እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጸረ ህዝቢ ጉጅለ፡ ብናቱ ብርታዐን ተሰማዕነትን ዝሓሰቦ ከተግብር  ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ዝጸበበ ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ንዓኡ እውን ንጹር እዩ። ኣብ ክንዲ ነዚ ውድቀቱ ተቐቢሉ ሞቱ ዝጽበ፡ መቐጸሊ ዕድመ ንምርካብ ዳምዳም ካብ ምባል ዓዲ ከምዘይዕል ግና ርዱእ እዩ። ካብቲ ኣብ ስልጣን ንከቐጽሎ ተስፋ ኣንቢሩ ዝሰርሓሉ ዘሎ ምርጫታት ሓደ ከኣ፡ ናትና ናይቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ሓይልታት ድኽመትን ብሓብር ክንቃለሶ ዘይምብቃዕን ምምዝማዝን ኣብ ክንዲ ምቅርራብና ምርሕሓቕና ንክሰፍሕ ምጽዓትን እዩ።

ስለዚ ቀንዲ ህልዊ ጸገምና፡ ካበይ ነቒልካ ኣበየናይ ሽቶ ከም እትበጽ ዘይምርዳእ ዘይኮነ፡ በቲ ናብ ዓወት የብጸሓኒ ዝበልካዮ ናይ ለውጢ ጐደና፡ በቲ ዝድለ ፍጥነትን ስጥመትን ብቐጻሊ ክትስጉም ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ድኹም ጐድኒዚ ከኣ ተስፋ ኣቑሪጹ ካብ ቃልሲ ዘብኩረና ወይ ከኣ ካልእ እቲ ወጻዒ ጉጅለ ዝምዝምዞ ኣቋራጭ መንገዲ ክንሕዝ ዘገድደና ዘይኮነ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ከነዕርዮ ዝግበና እዩ። ንቃልስና መሪር ዝገብሮ ከኣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ ካልእ መተካእታ ዘይብሎም ብደሆታት ናይ ምስጋር ህልኽን ጽንዓትን ዘጠቓልል ብምዃኑ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ከም ኤርትራውያ ኣብ ሓንቲ ሃገር  ንክንነብር ዝተፈጠርና ኢና። ሃገርና ኩሉ ተሓጒሱ ዝነብረላ፡ ጥዑይ ህይወት ክህልዋ ድማ ስምምዕን ሓድነትን ናይ ኩሎም ደቃ ግድነታዊ ተደላይ ይገብሮ። ንዓና ኤርትራውያን ሕቶ ሓድነት፡ ግዚያዊ ጸገም ንምስዓር ጥራይ ኢልና እነልዕሎ ኣይኮነን። ሃገርና ብሰላም፡ ብልጽግናን ክብርን ክትህሉ ብተግባር ከነረጋግጾ ዝግብኣና ዕላማ ብምዃኑ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ ቃልሲ ንሓድነት፡ ካብቲ ንሃገራዊ መንነትናን ክብርናን ዝተቓለስናዮ ዘይትሕት ክኸውን ዝኸኣለ።

ኣብ ኤርትራ እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ኣብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ሓድነትና ኮይኑ ዘሎ፡ ህልዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ቀዳማይ ዕንቅፋት'ዚ ኣብ ምልጋስ ሓድነት ናይ ኩሎም ኣብዚ ዝኣምኑ ኤርትራውያን እዋናዊ ጠለብ ኮይኑ ይርከብ። ኣርእስትና ውን ነዚ ጠለብ'ዚ ንምምላስ፡ ጽብብ ብዝበለ፡ ንተደላይነት ሓድነት ዝድህስስ ክኸውን እዩ።

ሓድነት ወትሩ ሓይልን ዓቕምን እዩ። ሓድነት ይዕበ ይንኣስ፡ ናይ ሓባር ሸቶኻ ሓቢርካ እተዕውተሉን ኣብቲ መስርሕ ዝጸንሕ ዕንቅፋታት እትጸርገሉን መሳርሒ እዩ። ኣገዳስነትን ኣድላይነትን ሓድነት ኣብ ኩሉ፡ ግዜ’ ቦታን ኩነታትን ቦትኡ በሪኹ ዝረአ እምበር፡ ሓደ ግዜ እትወስዶ ሓደ ግዜ እትጓስዮ ናይ ምርጫ ጉዳይ ኣይኮነን።

ኣገዳስነት ሓድነት ክሳብ ክንድዚ ዘይስገር ዕዙዝ ዝኸውን፡ ኣብ መንጎ እቶም ብመንገዲ ሓድነት ናይ ሓባር ሸቶኦም ከመዝግቡ ዝግበኦም ኣካላት፡ ዝኾነ ፍልልይ ኣብ ዘይሃለወሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ናይ መንነት ብዙሕነትን እንዳሃለወካ እውን፡ ንፍልልያትካ ኣመሓዲርካ ሓድነትካ ኣዕቊብካ፡ ብሓባር ተቓሊስካ ናይ ሓባር ዓወት ንምምዝጋብ መሰረታዊ መሳርሒ እዩ። ሓድነት መንነታትካን ኣተሓሳስባኻን ዓቂብካ ኣብቲ ብሓባር ዘርበሓካ ደረጃ በሪኽካ እትወጸሉ ፍቱን መንገዲ እዩ። ሓድነት ከም መውጽእ ዝኣፍ፡ ጨሪሕካዮ እትሓለፍ ዘይኮነ፡ ዓሚቕ ትርጉምን  ስርጸትን  ሒዙ ኣብ መስርሕ ዝምዕብል ቀጻሊ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት ስራሕ  እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) “ጻዕርና፡ ምስቶም ዝኾነ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘይብልና ክሳብ ፍጹም ሓድነት፡ ምስቶም ንምቅርራቡ ግዜ ዝወስድ ፍልልይ ዘለና ከኣ ክሳብቲ ክንከዶ ዝግበና ብሓባር ንምቅላስ ዘኽእለና ሓድነት ክንበጽሕ ዝነጥፍ ቀጻሊ መስርሕ’ዩ” ዝብል መትከል ሒዙ ይጽዕት ኣሎ።

ሓድነት ወትሩ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትና ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ከምቲ “እስኪ ንተኣከብ ምኽሪ ክርከብ” ዝበሃል፡ ፍቱን ናይ ጸገማት መፍትሒ እዩ። ብዘይካዚ ነቶም ካብ ምርሕሕሓቕና ዝዕንገሉ ኣካላት ዓቕምና ኣስሚርና እንስዕረሉ እዩ። ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ ካብ ምፍልላይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጥን ምትፍናን ህዝቢ ኤርትራን ዝድረር ሓይሊ ከኣ፡ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾኖ፡ ኣንጻር ሓድነትና  ኩሉ መዓጹ ክኩሕኩሕን ህጣራ ንዋት ከፍስስን ድሕር ዝብል ከምዘይኮነ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፣ ሓድነት ስለ ዘድልየካ ወይ ስለ እትብህጎ ጥራይ ዝርከብ ዘይኮነስ፡ ከቢድ ግን ከኣ ኣብ ኢድና ዘሎ ዋጋ ዘኽፍል ብደሆ ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ።

ካብ መምዘንታት ናይዚ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓድነት፡ ብናይ ሓደ ጻዕሪ ካብቶም ኣብ ሓድነት ዝርብሑ ኣካላት ዝዕወት ዘይኮነስ፡ ናይ ኩሎም’ቶም ሰብ ዋኒን ተዋሳእቲ ኣበርክቶ ዝሓትት ምዃኑ እዩ። ኣብ መስርሕ ሓድነት ክንጽዕት እንከለና፡ ንነናይ ገዛእ ርእስናን ነቲ “ናትና” እንብሎ ኣተሓሳስባን ንምዕዋት እምበር፡ ንረብሓ ካልእ ኢልና እንህቦ ኣገልግሎት ከምዘይኮነ ክንግንዘብ እሞ፡ ኣብ ምዕዋቱ ካብ ተጸባይነትን ተዓዛብነትን ወጺእና “ይሕግዝዩ” ዝበልናዮ መዋጸኦ ሓሳብ ኣመንጭና ክንቅረብን ክንጽዕትን ይግብኣና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብቲ ብ2017 ዝነደፎ እማመ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  “ኣብ ዘለናዮ እዋን ንእንገብሮ ሓባራዊ ስራሕ መበገሲ መትከላት ክዀና ዝኽእላ ምዃነን ምግንዛብን ብዕዙዝ ኣገዳስነተን 1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ 2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤ 3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤ 4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፡” ዝብላ ሓሳባት ናይ ምስፋሩ ምስጢር ኮነ፡ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ 2019 “ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድአ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምትታ ይወስድ” ዝብል ፖለቲካዊ ውሳነ  ናይ ምውሳኑን ትርጉም ከኣ መርኣያ ንድሕሪት  ዘይምለስ ዕቱብነቱ ኣብ ኣገዳነት ሓድነት እዩ።

ሓድነት ክንድቲ ናይ ኣገዳስነት ዕዝዙነቱ፡ ምውሓሱ እውን ቀሊል ከም ዘይኮነ ተመኩሮና የረደኣና። መስርሕ ምውሓስ ሓድነት ከቢድ ዝገብርዎ፡ ንሕና እቶም ከነረጋግጾ ዝግበና፡ ቀሊል ክነሱ ከም ከቢድ፡ ዝከኣል ክነሱ ከም ዘይከኣል ጌርና ስለ እንሕዞን እንርደኦን እዩ። ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን፡ ካብ ጸቢብ ሕሳባት ዘይምውጻእ፡ እታ እተዋጽእ ሓቂ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ ምባል፡ ክንድቲ ክትስማዕ እትደልዮ ክትሰምዕ ቅሩብ ዘይምዃን፡ ዝያዳ ዓቕምኻ ኣብ ዝሓለፈ ምጽብጻብ ዘይኮነ ኣብ መጻኢ መዋጽኦ ዘይምጽማድ፡ ንሓላፍነት ብዓይኒ ቃልሲ ዘይኮነ ብዓይኒ ተጠቃምነት ምርዳእ፡ ዘይግሉጽነት ….ወዘተ፡ ካብ ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ክንወጽእ እንተንበቅዕ ምርግጋጽ ሓድነት ቀሊል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ነቲ ካብዞም ዝበልናዮም ሓድነት ዝዕንቅፉ ኣተሓሳስባታት ናይ ምውጻእ ዓቐብ ደይብና ኣብ ሰፊሕ ጐልጐል ክንበጽሕ ዝቐረብና ኢና እንመስል ዘለና'ሞ በቲ ሒዝናዮ ዘለና ናህሪ ንድፋእ።

ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መኻይድኻ ክነሱ ኣብ ክንዲ ደጊፍካ ምሳኻ ተጓዕዞ፡ ሰጊርካዮ ዕዝር ምባል ዘዐውት ኣይኮነን። እዚ ኣብ ሕሉፍ ተመኩሮና ኣብ መስርሕ ሓድነት ዘኽሰረና ምንባሩ፡ ኣብ ሐሕልና ኩልና ዘሎ ዘጣዕስ ዝኽሪ እዩ። ደሓር ግና ካብዚ ክደጋገም ዘይግበኦ ናይ ሰዓራይን ተሰዓራይን ዝኽሪ ክንወጽእ ከም ዝግብኣና ካብ እንርዳእ ነዊሕ ግዜ ጌርና ኢና። እቲ ናይ ርሑቕ ገዲፍና፡ ተበግሶ፡ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ደሓር ዝተራእየ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካለኦት ግንባራት፡ ጽላላትን ምትሕንፋጻትን ከኣ ናይ ሓቢርካ ምዕዋት ኣተሓሳስባ ከም ዘጥረና ዘመልክት እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ዳሕረዋይ ንቕሎታት እውን ክንድቲ ዝድለ ኣየድማዕናን። ኣብዚ ብዘይምድማዕና ከኣ ድኽመትና ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ  ሓድነት ተራእዩ እዩ። እዚ ተመኩሮናዚ ዝያዳ ሃሳዪ ዝኸውን ከኣ፡ ኣብ መጻኢ እውን ጌና ክንመሃረሉ እንተዘይ ክኢልና እዩ። እንተኾነ ሎምስ ምስቲ በብኹርናዑ ዝነፍስ ዘሎ ናይ ሓድነት ጠሊ፡  ዝለበምና ኢና ንመስል ዘለና እሞ ኣጽኒዕና ሒዝና ንቐጽሎ። ናይዚ “ስለምንታይ’ዩ ሓድነት ዘገድሰና?” ዝብል ሕቶ መልሲ፡ ካልእ ዝርዝር ከየብዛሕና፡ “ኣብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ዓወት ክንበጽሕ ካልእ መዋጸኦ ስለ ዘየብልና” እንተበልናዮ ጌጋ ኣይኮነን።

ኢሱ፡ወያካብ ቻይና ዝተሓስማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ባቱስ ግጥም ኣቢልዋ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

  1. ኣብዚ እዋንዚ መላእ ዓለምናን ህዝባን፡ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ሻቕሎት ኣለዉ። ኤርትራን ህዝባን እውን ከም ኣካል ናይ ዓልም ኣብዚ ናይ ሻቕሎት ህሞት እዮም ዝርከቡ። እዚ ዘለናዮ ዓለማዊ ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከቢድ ሻቕሎት ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃገራት ዘንብሮ ሓላፍነት ኣዝዩ ከቢድ እዩ። መራሕቲ ሃገራት ኣብዚ እዋንዚ ቀንዲ ዝረባረብሉ ዘለዉ ዕማም ምድሓን ህይወት ዜጋታቶም ኮይኑ፡ እዚ እዋናዊ ሻቕሎት ምስ ሓለፈ ክመጽእ ዝኽእል ቁጠባውን ፖለቲካውን ሃስያታት ንምቅላል ካብ ሕጂ ጀሚሮም ኣብ ምስራሕ ነብሶም ጸሚዶም ኣለዉ። መላእ ዓለም ንጉድኣት ኮረና ቫይረስ ብሓባር ይገጥም ምህላዉ ዘይከሓኳ እንተኾነ፡ ብሰበብ ኣብ ኮረና ቫይረስ ዝተራእየ ኣተሓሕዛ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣሜሪካን ዘሎ ናይ ሓሳባት ትንዕምንዕን ኣብዚ ቀረባና ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሕቶ ግዜ ምርጫ ዘንቀሎ ምፍሕፋሕን ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ተደራራቢ ከቢድ ሓላፍነት፡ ሎሚ ካብ ሃገሩ ዝወጽእ መራሒ ሃገር ዳርጋ የለን።
  2. ኣይኮነዶ ኣብዚ ፍሉይ ኣቓልቦ ዘድልዮ ኩነታት፡ ኣብቲ ንቡር ኩነታት እውን፡ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ምዕባለ ናብ ቁሸት ተቐይራትሉ ዘላ፡ ናይ መራሕቲ ሃገራት ልዝባትን ምትሕግጋዛትን ልዑል ቆላሕታ ኣብ ዝረኸበሉ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ንዘቤታዊ ኣጀንዳ ብዘይሃሲ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብኣካል ዘይኮነ ሓሳብ ኣቀራሪብካ፡ ብዘመናዊ ኣገባብ ኣብ ዝካየደሉ ተነቃፊ ህሞት ኢና ንርከብ። ኣብ መንጎ መንግስታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መንግስቲ እውን፡ ኣብተን ብንቡርን ስሩዕን ትካላዊ ኣገባብ ዝምረሓ ሃገራት፡ ኣኼባታ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ በቤት ጽሕፈትካ ኮይንካ ምክያድ ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ኢና ንርከብ።
  3. ከም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኣመሰሉ ኩሉ ነገር ዝተፈንጠሖም፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን “ዘይንታዮም” መራሕቲ ኢና በሃልቲ ግና፡ ኣብዚ እዋንዚ ዝመርጽዎ ሜላ፡ ወይ ተሓቢእካ ምጽቃጥ፡ ወይ ድማ ዘይእዋናዊ ምኽንያት ፈጢርካ፡ ምህዳም እዩ። እንሆ ከኣ ኢሳያስ ምሕባእ ንክጥዕሞ “ክሕባእ እየ እሞ፡ ሞይቱ ኢልኩም ኣውሩዩለይ” ኢሉ ኣጽቂጡ ምስ ቀነየ፡ እዛ ምህዞ፡ ግዜ በሊዓ ምስራሕ ምስ ኣበየቶ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝቃላዕ፡ ህጹጽ ጉዳይ ከም ዘለዎ ኣምሲሉ፡ ነታ ሓንቲ ምርጫ ወሲዱ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ “ኣሎኹ” ክብል ዝመረጸ ይመስል። ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ዘይንታዩ ምዃኑኳ ብናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ዝተረደአ እንተኾነ፡ እነሆ ሕጂ ከኣ ከምቲ “ንኡሽተይ ውራይ ግበር እሞ ፈታዊኻን ጸላኢኻን ኣለሊ” ዝበሃል፡ ጉዳይ ህዝብና ንኢሳያስ ዘይንታዩ ምዃኑ ተወሳኺ መረጋገጺ ረኺቡ። ኢሳያስ ጥዑይ እንተዝነብር፡ እቲ ዘምሕረሉ፡ “ኣብዚ ዘተዓዛዝብ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ” ዘይኮነስ “ኣብ ሆስፒታል እገለ ከይዱ ሕሙማት ኣተባቢዑ” ዝብል ዜና እዩ  ዝነበረ። እቲ በቲ ቫይረስ ዘይተለኽፈ፡ ብስእነት ማይን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ዝሻቐልን ኣብ ጥራይ ገዛ ተዳጒኑ ዘሎን ህዝብና እውንኮ፡ ኣበይ ደኣ ረኺብዎ እምበር፡ ናይ መራሕቲ “ኣጆኻ” መድለዮ።
  4. እዚ ናይ ኢሳያስ ዘይእዋናዊ መገሻ ንኢትዮጵያውያን እውን ዘገረሞምን ፍጊዕ ዝበሎምን እዩ ዝመስል። “እዚ ሰብኣይ ለካ ሓቂ እዩ ኣብቲ ዓዱ ስራሕ የብሉን፡ መምስ ጸመዎ እንዳመጸ ንመራሕትና ካብ ስራሕ ከየብኩረልና።” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ውሑዳት ከምዘይኮኑ ርዱእ እዩ። እቲ ዘገርም እዚ ቅድሚ ሕጂ “ሚሊንየም ኣዲስ” ኣብ ዝበሃል ሰፊሕ ኣዳራሽ ክሳብ 15 ሺሕ ሰባት ኣብ ዝተዓደምሉ፡ እንግዶት ዝግበረሉ ዝነበረ፡  ከም ኣባ ጉንባሕ ዘይግራቱ ዝኾልል ሰብኣይ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ መገሻኡ ግና ጡረተኛታት ወሲኽካ 7 ሰባት ኮይኖም እዮም ንምሳሕ “ንቐደም በል” ኢለምዎ።
  5. ነቲ መገሻ ንምምልኻዕ፡ ኢስያስ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸደሎም ተባሂሎም ዝተጠቕሱ፡ ዛዕባታት ጉዳይ ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስን ምቁጽጻር ኣንበጣን ምዃኖም ካብ ናይ ሚድያ ጊላታቱ ሰሚዕና። ወዮ ደኣ ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ዝበሃል ኮይኑ እምበር፡ ነዞም ጸገማት እዚኣቶም ንምፍታሕ ደኣ ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዞኽዞኽ፡ ካብ ኤርትራ እንድዩ ክጅመር ዝግበኦ ነይሩ። እዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወጺኡ ህዝቢ ከተባብዕ “ኣጀኹም ኣጆና” ክብል ወይ ኣብ ትካላት ጥዕና ከይዱ “ምሕረት የውርደልኩም” ከይብል ህዝቢ ዝተሓሰመ ጋኔንሲ፡ ነቲ ምክልኻል ኮሮና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ከካይዶ ምሕሳቡ ክሳብ ክንደይ ኩሉ ነብሱ ግርንቢጥ ኮይኑ ከም ዘሎ  ዘረድእ እዩ።
  6. ኢትዮጵያውያን ናብ ዝወስድዎ ምስ ጠፈኦም፡ ናብ ከባቢ እታ ቀደም ዝዋይ ትበሃል ዝነበረት፡ ሎሚ ግና “ባቱ” ተባሂላ ዘላ ከተማን ቦታ ሕርሻ መቅን  ተማሊአምዎ። ኣብኡ ከኣ ኣብ ምምራቕ 200 ሺሕ ሄክታር  ከልምዕ ዝኽእል ዘመናዊ መስኖ ኣሳቲፈምዎ። ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ኣዋሳ፡ ባህርዳርን ጅማን ናይ ልምዓት ትካላት ምምራቕ ኣሳቲፈምዎ ነይሮም እዮም። ምናልባት ናይ ኢትዮጵያውያን ናብ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣምታት ንኢሳያስ ምውሳዶም፡ ኮንደኾን ይቐንእ’ሞ ኣብ ሃገሩ ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ይወስድ ብዝብል ተስፋ ይኸውን። ኢሳያስ ግና፡ ርኹስ ናይ ምጭቋን፡ ምቕታልን ምእሳርን እምበር፡ ቅዱስ ናይ ልምዓት፡ ሰላምን ዲሞክራስን ቅንኢ ዘሕድር ሕልናኡ ንሓዋሩ መኺኑ እዩ። ንጽቡቕ ዝቐንእ ነይሩ እንተዝኸውን ደኣ ኣብ ኤርትራ እውን እኮ ብዙሕ ዘቕንእ ተርእዮ ነይርዎ። ጭቁን ህዝቢ ክርኢ እንከሎ በቲ ኣብ ራህዋ ዝነብር ናይ ካልእ ሃገር ህዝቢ መቐንአ። ድኻ ህዝቢ ክርኢ እነከሎ በቲ ኣብ ካልእ ሃገር ብሳላ ቅኑዕ ምምሕዳር ካብ ድኽነት ዝወጸ ህዝቢ መቐንአ።
  7. ኢሳያስ ኣብቲ ናይ ከባቢ ባቱን መቂን ምምራቕ መስኖ ከይሓነኸ ተዛሪቡ። ኣብቲ ዘረብኡ ከኣ “ኣነን ብጾተይን ካብዚ ፕሮጀክትዚ ብዙሕ ተማሂርና ኣለና” ኢሉ። እንተደኣ ብዛዕባ መስኖ ሎሚ ካብ ፕሮጀክት ባቱ ወይ መቂ ዝመሃር ኣልዩ፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ሃሎ፡ ገርገራ፡ ፋንኮን ካልእ ከባብን ኣዕቚርዎ ዘሎ ማይ “ነጻ ጉልበት ተረኽበ” ኢሉ ዘስርሖ እምበር፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ፋይዳኡ ዘይሓሰበሉ ምንባሩ እዩ ዘረድእ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ መውጽኢ ኣፍ ክኾኖ ዝበሎ እምበር፡ ጸገም ኢሳያስስ ስእነት መምሃሪ፡ ዘይኮነስ ክትመሃር ቅሩብ ዘይምዃን እዩ። እወ! ክመሃር ቅሩብ እንተዝኸውን ደኣ፡ ካብ ሳዕቤናት፡ ቅትለት ማይሓባር፡ ውግእ ምስ ጉረባብቲ፡ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ምእሳር ጉጅለ-15ን ጋዜጠኛታትን፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢድ ምእታውን ምዕጻው ኩሉ ቁጠባዊ ወፍርታትን እንዶ ኣይመተማህረን።
  8. በቲ በለ በዚ፡ እዚ ተግባራት ኢሳያስ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዘመሓላልፎ መልእኽትን ዘሰክሞ ሓላፍነትን ኣለዎ። እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ። ኢሳያስ ኣብ ቀልቢ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ከምዘየብሉ ተረዲኡ ዓቕሉ ምስ ዝጸበቦን ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ተርዲኡን ዝወስዶ ዘሎ ጽሉል ስጉምቲ እዩ። እቲ ንዓና ዘሰክመና ሓላፍነት ከኣ፡ ነቲ መልእኽቱ ተረዲእና፡ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ድሕነቶምን ኣብ ዝባና ዘሎ ምዃኑ ተነግዚብና ብኽንድኡ ደረጃ ናይ ለውጢ ቃልስና ናይ ምዕዝዝ ሓላፍነት ክንወስድ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ 

“ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ፡ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣበው፡ ሰፊሕን ዓሚቕን ትርጉም ዘለዎ እዩ። እቲ ሓሳብ ክጠቓለል እንከሎ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ሸቶ ንምብጻሕ ዝሓዝካዮ ጉዕዞ፡ ዕንቅፋታት እንተጋጠሙኻ እውን ንኹሉ ክኢልካን በዲህካን፡ መንገድኻ  ምቕጻል ወሳኒ ምዃኑ ዘዕጥቕ እዩ። እዚ ረዚን ምሳልያዊ ኣበሃህላ፡ ኤርትራውያን ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኮነ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመኩሮ ቃልሶም ኣመስኪረምዎ እዮም። እዚ ተባዕ ናይ ጽንዓት ኣበሃህላ ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እውን ምስ ኩሉቲ ዘጓንፈና ዘሎ ሕልኽልኻት ህያው እዩ።

ጉዕዞ ኣብ ቃልሲ፡ ከምቲ ስሙ ዘመልክቶ መሪርን ብሕልኽልኻትን መልከዓቶም እንዳቐያየሩ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታትን ዝተመልአ እዩ። ብቐንዱ ናይቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥምን ዕርፊ ኣጽኒዕካ ብምጥዋቕ ክሕለፍ ዝግበኦን መሰናኽላት ሃንዳሲ፡ እቲ ኣንጻሩ እትቃለስ ዘለና ጸላኢ ህዝብናን ጸላኢናን እዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ሓይሊ መግዛእቲ እቲ ቀዳማይ ክእለ ዝነበሮ ዕንቅፋት ነይሩ። ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምእንቲ መሰል፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ከኣ ህግዲፍ እቲ ቀንዲ ክእለ ዘለዎ ሃንዳሲ ሕልኽልኽን ዓንቃፊ ምዕባለን ኢዩ።  መስርሕ ቃልሲ ኩርኳሕ ንክኸውን ኣዕናዊ ግደ ናይቲ ጉልባቡ ዝቐለዐ ጸላኢ ዕዙዝ ኮይኑ፡ ኣባና ኣብቶም ኣንጻር ወጽዓ እንቃለስ ዘጋጥም ድኽመታትን ዝርኣ ሕጽረታትን እውን፡ ነቲ ናይ ጸረ-ህዝቢ ሓይልታት ውዲታት ኣብ ምግዳድ  ዝፈጥሮ ጥጡሕ ባይታ ኣለዎ። ብወገን ሓይልታት ለውጢ ክውገድ ዝኽእል ዕንቅፋታት ከነወግድ ምብቃዕ፡ ውዲታት ጸላኢ ንከይዕወት ወሳኒ ኣስተዋጸኦ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ፡ ሓቢርካ ምስራሕ፡ መሰረታውን እዋናውን ዕማምና ክነሱ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘተኣማምን ደረጃ ከነዕውቶ ዘይምብቃዕና ክሳብ ክንደይ መፍቶ ህግዲፍ ንኸውን ከም ዘለና ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

“ሓድነት ንዓና ሓይልታት ለውጢ ዋሕስ ዓወትና እዩ። ንጸላኢና ህግዲፍን ካብ ድኽመትናን ምፍልላይናን ዝዕንገሉ ኩሎም ጸረ ህዝቢ ወገናትን ከኣ ሕማም ርእሶም እዩ”፡ ክንብል እንከለና መልእኽቱ ንጹር እዩ። ጉጅለ ህግድፍ መስርሕ ቃልስና ኣብቲ ዝዓለሞ ሸቶ ከይበጽሐ ንምኹላፉ ዝጥቀሞም ሜላታት ብዙሓትን ረቀቕትን እዮም። ዘይሩ ዘይሩ ከኣ ሓድነትና ምዝራግ ማእከሉ ዝገበረ ምዃኑ እሙን እዩ። ቃልስና ንምዕዋት ኣብ ክንዲ ብናትና ዝተጸንዐ መደብ ንኸይድ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ብዝከኣሎ ደረጃ ካብ መስረታዊ ጉዳይና ወጺና እንህውትተሉ ሓደስቲ ኣጀንዳታት እንዳፈጠረ ናቱ እሱራት ክንከውን ወትሩ ውራየይ ኢሉ ዝሰርሓሉ መርዛም ምህዞ እዩ። ናይ ሓሶት ሰባት ክኣስርን ክቐትልን እንከሎ፡ ኣንፈትና ኣስሒቱ ብዛዕባኡ ክንዛረብ  ጅሆ ይሕዘና። “እገለ ሞተ፡ እገለባ ሓመመ” ዝብል ኮነ ኢልካ ዝተቓመመ መዳህለሊ ሓሶት ይህንድስ እሞ፡ ብዛዕባኡ ክንዛረብ ከኣ ካብ ግዜና ኮነ ካብ ዓቕምና ከነባኽን ጸኒሕና። ሎሚ ሎሚ ግና ምናልባት ደኣ ሓድሽ ከይምሃዝ እምበር፡ እቶም ናይ ክሳብ ሕጂ ማእለማታት ህግዲፍ መብዛሕተኦም ኣሪጎም ዕዳጋኦም ዝሒሉ እዩ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢሳያስ ሞይቱዶ፡ ብኻልእ ህግዲፋዊ ባእታ ተተኪኡዶ፡ ተባሂሉ ዝተወርየ፡ ህዝቢ ፈጺሙ ኣየቕለበሉንኳ እንተዘይበልና፡ ናይ መብዛሕትኡ ርኢቶ ኣብ ክንዲ ሃንደፍ ኢልካ ምቕባሉ፡ “እዝስ ግደፍዎ ደኣ ህግዲፍ ባዕሉ ንመዳህለልን ኣቕጣጫ ንመቐየርን ዝሰንዖ ድርዕቶ ሓሶት እዩ” ክብሎ እዩ ቀንዩ። ደሓር ከኣ ምናልባት ስነፍጥረታዊ ሞት ተሪፍዎ እንተዘይኮይኑ፡ ኢሳያስን ጉጅለኡን ብደረጃ ኣተሓሳስባ ሞይቶም ካብ ልቦና ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝወጽኡኮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ “እመርሖ ኣለኹ” እትብሎ ህዝቢ፡ ኣባኻ ዝነበሮ እምነት ካብ ምስሓብ ዝዓቢ ሞትከ ኣሎ ድዩ?

እቲ መዳህለሊ ሜላታት ህግዲፍ ብዙሕ እዩ፡ ከምዚ ክውረ ዝቐነየ ናይ ገለ ሕማምን ሞትን ምውራይ፡ ምስ ገለ ሃገራት ህውከት ምፍጣርን ኣብ ዘይምልከተካ ናይ ካለኦት ዋኒን ጠብሎቕ ምባልን፡ ዝኾነ መበገሲ ባይታ ዘየብሉ ቁጠባዊ ውጥን ክንትግብር ኢና ኢልካ ናይ ሓሶት ቃል ምእታው፡…..ወዘተ  ኩሎም፡ መዳህለልቲ እዮም። ዕላመኦም ከኣ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ሓይልታት ለውጥን ህዝቢ ኤርትራን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕድ ሓይልታት ለውጢ ምትእምማን ንምዝራግ እዩ። እቲ ተንኮል ህግዲፍ ምትእምማን ኣብ ምጥፋእ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ እንተኾይንሉ ኣብ ሕድሕድና ምንቛትን ምግድዳዕን ክፍጠር እውን ካብቲ ቀንዲ ዝሰርሓሉ  እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ  “ሓቢርና ንጽናዕ፡ በበይንና ከይንምናዕ” ብዝብል ብዛዕባ ተደላይነት ሓቢርካ ምቅላስ መምስ ነብስና ክንላዘብ ናይ ግድን ዝኸውን።

እቲ ካብ ምግድዳዕ ዘድሕነና ሓድነት፡ ብናይ ኩልና ቅሩብነትን ኣበርክቶን ዝዕመም እምበር፡ ብናይ ውሱናት ኣበርክቶን ሓልዮትን ዝሕፈስ ማና ኣይኮነን። እቲ ሓደ “ነዓ ናባይ” በሃላይ፡ እቲ ካልእ ከኣ ነቲ መንገዲ በይኑ ክኸዶ ዘገድድ ዘይኮነስ፡ ነቲ ተመዓዳዲናዮ ዘለና ርሕቀት ንምቅርራብ፡ ከካብ ዘለናዮ ተጓዒዝና ኣብ ማእከላይ ናይ ኣተሓሳስባ ቦታ ንምርኻብ ቅሩብነት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ናብቲ ናይ ሓድነት ዕዳጋ ክትስጉም እንከለኻ፡ እንታይ ከም እትሸይጥን ከም እትዕድግን ወጢንካ ምውራድኳ ኣድላይ እንተኾነ፡ ኣብቲ ዕዳጋ ንዝጸንሓካ ምሃብን ምቕባልን ቦታ ክትገድፍ ድልዊ ምዃን ከኣ ኣድላይ እዩ። ንኩነታትና ምስቲ ለባማት ወለድና “ኣዴኻ ዝበለትካ ዘይኮነስ፡ ዕዳጋኻ ዝሃበካ ግበር” ዝበልዎ ኣዛሚድና ክንሪኦ ከድልየና ኢዩ።  

ብዘይ ሕድገትን ምክእኣልን ዝብጻሕ ሓድነት የለን። ኣብ ሓድነት ዘይምብጻሕ ከኣ በበይንኻ ኮይንካ ብምግድዳዕ ዘዝባኸነ ግዜ እንዳጸብጸብካ ምቑዛም መፍቶ ጸላኢ ምዃን እዩ። ሓድነት ንስሙ ሓድነት ዘይኮነ፡ ብሓደ ከተዕውቶም ኣብ ዝግበኣካ መሰረታዊ ጉዳያት ዘትከለ እዩ። ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ምውጋድ፡ ናጻ ኤርትራዊ ውሳነ ምውናን፡ ልዕልናን ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ምዕቃብን ብሓባር ከሰልፉና ካብ ዝኽእሉ ኣበር ዘየብሎም ዛዕባታት እዮም። ብቕንዕናን ሓላፍነትን እንተመዚናዮም ኣብዚ ንዋሰኣሉ ዘለና ሜዳ ቃልሲ፡ እቶም ዝፈላልዩና ብብዝሒ ኮነ ብኽብደት ካብቶም ዘሰማምዑና ንታሕቲ እዮም። እቶም ዝፈላልዩና፡ ሎሚ ኣብቶም ዘሰማምዑና እንተ ኣድሚዕና ጽባሕ መሊሶም ዝውሕዱን ዝንእሱን እዮም። ኣብቶም ዘሰማምዑና ንኣነነትን ጽበትን ስዒርና፡ ብሓባር ክንቃለስ እንተዘይበቒዕና ግና፡ እቶም ናይ ሎሚ ናእሽቱ ዝፈላልዩና  እውን፡ ጽባሕ ዝያዳ እዮም ዝፍንትሩ።

ስለዚ ኩነታትና ግዜ ዘይህብ ምዃኑ ተረዲእና፡ ወጽዓ ህዝብና መመሊሱ ይኸብድ ከም ዘሎ ተገንዚብና፡ ህግዲፍ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ኩሉ ዝከኣሎ በታኒ ሴፍ ካብ ምምዛዝ ንድሕሪት ከምዘይብል ኣስተብሂልና፡ “ሓቢርና ንጽናዕ፡ በበይንና ከይንምናዕ”

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እዚ ንርከበሉ ዘለና ቅነ፡ ናይ 2020 በዓል ትንሳኤ ዝኽበረሉን ቅዱስ ሮመዳን ዝጅመረሉን  እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ትንሳኤን ሮመዳንን፡ ዓለምና ብሰንኪዚ ኣጋጢሙና ዘሎ  ተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘይንቡር ኩነታት ኣብ ዝኣተወትሉ ኢና ንዝክሮም ዘለና። ስለዚ ታራ “እንኳዕ ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” ንበሃሃለሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሕረት ክወርደልና እውን ሰናይ ትምኒት እንገልጸሉ እዩ’ሞ፡ ናብ ራህዋ ዘሰጋግር ኣጋጣምታት ይኹነልና።

*****************

“መዓርፎ ሸቶኡ ዘይፈልጥ፡ መበገሲኡ’ውን ኣይፈልጥን” እዩ ዝበሃል’ሞ፡ ክትብገስ እንከለኻ ሸቶኻ ምንጻር ኣብቲ ክትበጽሖ እትደሊ ንምብጻሕ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ብመንጽር’ዚ እቲ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ ጌና እውን ኣብ መስርሕ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መንቀሊኡ መግዛእትን ሒዝዎ ዝመጸ ወጽዓታትን ኣወጊድካ፡ ኣብ ምህናጽ ፍትሒ ዘውሓሰት፡ ሕገመንግስታዊት፡ ህዝባዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ምብጻሕ ነይሩን እዩን።

ብመንጽር’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብነዊሕን መሪርን ቃልሲ ሓሊፉ፡ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ብምውሓስ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ኣዕዊቱ። ካብ መበገሲኻ ነቒልካ ኣብ ሸቶኻ ንምብጻሕ፡ ዝወስዶ ግዜ ክነውሕ ወይ ክሓጽር ይኽእል። እቲ ኣብ መስርሕ ዝኽፈል ዋጋ እውን ከምኡ ክፈኩስን ክኸብድን ከም ዝኽእል ካብ መስርሕ ቃልስና ዝተመኮርናዮ እዩ። ኣብ ምንዋሕን ምሕጻርን ናይ ቃልሲ ግዜን ኣብ ምኽባድን ምፍኳስን ናይቲ ዝኽፈል ዋጋን ዝውስኑ ውሽጣውን ግዳማውን ረቁሕታት ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከካብ ረብሓኦም ዝነቕሉ፡ ኣብ መንጎ እቲ መስርሕ ተወዲኡ ኣብቲ ዝተዓለመሉ ሸቶ ክበጽሕ ዝደልይዎን ብኣንጻሩ ነቲ ቃልሲ ሸቶኡ ከስሕትዎ ዝሃልኩን ኣካላት ዝካየድ ግብግባት ኣሎ። ዘይሩ ዘይሩ ግና ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝበሃል፡ እቲ ፍትሓዊ ቃልሲ ከይዕወት ምናልባት ዘደናጉዮ እንተዘይኮይኑ፡ ዝዓግቶ ሓይሊ የለን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ልኡላዊት ሃገሩ ናብቲ ካብ ቅድም ዝሓዞ ሸቶ ሕገመንግስትዊ፡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ምምሕዳር በጺሓ፡ ሰላማን ልምዓታን ዘውሓሰት ክትከውን፡ ናብ ካለኣይ ምዕራፍ ቃልሱ ካብ ዝሰጋገር፡ እነሆ ናብ 30 ዓመታት ተጸጊዑ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓደ ኣካል ናይዚ ኣብ ካለኣይ ምዕራፍ  ለውጢ ንምርግጋጽ ተሰሊፉ ዘሎ ኤርትራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ብፍላይ ኣብቲ ተልእኮ ዝብል ክፍሊ፡ “ሰልፊ    ዲሞክራሲ    ህዝቢ    ኤርትራ   (ሰዲህኤ)፡    ሓርነት   ህዝባ   ዘውሓሰት፡ ልዑላውነታ   ዘረጋገጸት፡    ሓድነት  ህዝባ   ዝዓቀበት፡    ድኽነትን   ሕማማትን   ዝሰዓረት፡ ክብርታት   ህዝብና   ዝሓለወት፡ ብልጽግቲ፡  ቅዋማዊትን ደሞክራስያዊትን  ሃገር ንምህናጽ  ምቅላስ።”  ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ ኣሎ።

እዚ ካለኣይ ምዕራፍ ቃልስና፡ በቲ ሓደ ወገን በቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ዘንጸፎ ባይታን ዘቕሰሞ ተመኩሮን ክሕገዝ እዩ ዝብል ተስፋ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህግዲፍ ክሳብ ክንድዚ ህዝቢ ክጠልምዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ስለ ዘይነበረ፡ ክንድዚ ዝወስዶ ዘሎ ግዜ ክወስድን ከቢድ ዋጋ ከኽፍልን ትጽቢት ብዙሓት ኣይነበረን። እዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ምዕራፍ፡ ዘይተጸበናዮ ግዜ ክበልዕ ዘገደዱ ምኽንያታት ብዙሓት ምዃኖም ርዱእ ኮይኑ፡ ውልቃዊ ረብሓ ልዕሊ ሓባራዊ ምስራዕ፡ ኣብ ቃልሲ ቀዳማይ ምዕራፍ ተሰጊሮምን ተመሓዲሮምን ዝነበሩ ጸበብቲ ስምዒታት ምድጋስ፡ ፖሊሲ ብዙሕነታዊ ሓድነት ኣስጢምካ ዘይምሓዝን ዘይምትግባርን፡ ኣብ ክንዲ ናብ መጻኢ ናይ ሓባር ረብሓን ዕማምን ናብ ዝሓለፈ ናይ ድሕረ-ባይታ ፍልልይ ምቁማትን ብኣብነት ዝጠቀሱ እዮም። እዚኦም ንድኽመት ደንበ ሓይልታት ለውጢ ዝምልከቱ እዮም።

እቲ ኣብ ምዝሕታል ሓይልታት ለውጢ “ተረባሒ እየ” ኢሉ ዝሰርሕ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ብወገኑ ንፍልልያትና ኣብ ምብላሕን ሸቶ ቃልስና ኣብ ምጥምዛዝን ዝገብሮ ፍንጭራዕ እውን ኣብ ምድንጓይ ናይ ለውጢ ቃልስና ዘለዎ ኣዕናዊ ግደ ቀሊል ኣይኮነን። ኣይኮነሉን ደኣ እምበር ዕላማ ህግዲፍ ኣብ ምድንጓይና ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ብዝፍጠሩ ዕንቅፋታት ሰንቢድና ኣላሽ ብምባል ካብ መስርሕ ቃልሲ ክሳብ ምውሓስ ሸቶና ክንበኩር ባህጉ እዩ። ከምቲ ኩልና ዘይንስሕቶን ካብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና እንምኮሮን ኣብ ሽቶኻ ንምብጻሕ ኣብ ዝኽየድ ናይ ቃልሲ ጐደና ብብዙሓት ጐድናዊ ጸገማት ዝተመልአ እዩ። ነቲ ቃልሲ፡ ዘምርሮ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥም ጸገማት እንዳፈታሕካን እንዳወገንካን፡ ናብታ ርሕቕቲ መሲላ እትረአ ሸቶ ናይ ምብጻሕ ኩርኳሕ መንገዲ ምዃኑ እዩ። ኣብቲ ጉዕዞ ዘጋጥሙ ጸገማት ውሱናትን ኣብ ሓደ ግዜ ጥራይ ዘጋጥሙን ዘይኮኑ፡ ብዓይነትን ብትሕዝቶን ዝተፈላለዩን በብግዜኡ መልከዖም እንዳቀያየሩ ዘጋጥሙን እዮም።

ኣብዚ እዋንዚኳ፡ ብዓይነቱ፡ ስፍሓቱ ኮነ ሓደገኛነቱ ዘይተጽበናዮ፡ ባዕሉ ኣብ ዝመረጾ ግዜ ዝመጸ ዓማሚ ተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ የሻቕለና ኣሎ። እዚ ናይ ሕጂ ተርኽቦ ካብ ኩሎም’ቶም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ከጋጥሙና ዝጸንሑ ብደሆታት ዝያዳ  ኣሉታዊ ተጽዕኖ ዝፈጥር  እዩ። ብዓይኒ ቃልሲ ክንርእዮ እንከለና እምበር፡ ዘኽፍሎ ዋጋ ደኣ ይኸብድ እምበር፡ ዝስገር እዩ። ንሕና እውን ከምዚ ዝረአ ዘሎ፡  ቀዳምነት ሂብና ምስ ህዝብና ኮይና ምስ ሰዓርናዮ፡ ናብቲ ንቡር ዝተበገስናሉ ሸቶኻ ናይ ምርግጋጽ መስመርና ክንኣቱ ኢና። ድሕሪ ጸልማት ብርሃን ክህሉ ከኣ ውሁብ እዩ። ሕጂ እውን ቀዳማይ ደረጃ ኢና ዘይነትሕዞ እምበር፡ በዚ ግዝያዊ ተረኽቦ ተሰናቢድና ካብቲ ናብ  ሸቶና ዝወስድ መስመር ከይወጻእና እቲ ዝግበኦ ግዜን ዓቕምን ክንህቦ ግድን እዩ።

ዝኾነ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥም ጸገማት ቁጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ሕሳብ ምንጽብራቑ ዘይተርፍ እዩ። ድሮኳ ንተረኽቦ ኮሮናቫይረስ ተጐዝጒዞም፡ ኣብ መንጎ ሓያላት ዝረአ ዘሎ ምትፍናንን ቆይቅን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ምትፍናን ብደረጃኡ ኣባና እውን ክርአ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕልቲ በብእዋኑ ዝጸንሖ ትዕዝብትን ዕቃበን ጉጅለ ህግዲፍ ካብ መራሒኡ ጀሚርካ ክሳብ ክንደይ ናቱ ከም ዘይኮነ ዝግንዘበሉ እዋን እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ከኣ ኩሉ ግዜ ቀልቡ ኣብ ጁባ ካለኦት ኢድካ ምስዳድ ምዃኑ ምልክታቱ ንርእዮ ኣለና። ንሕና እምበር ከምቲ ህግዲፍ ዝምነዮ፡ ንተረኽቦ ኮርኖናቫይረስ ከም ናይ ዓለም መወዳእታ ወሲድና፡ ብስባደ ካብ መስመር ቃልስና ከይወጻእና፡ ከምቲ “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ፥ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝበሃል፡ ኣብቲ ክነብጽሖ ሒዝናዮ ዘለና ሸቶ ናይ ምብጻሕ ጽንዓትና ኣብ ቦኣቱ ክኸውን ግድን እዩ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሓድነት ሓይሊ እዩ፡ ዝሓበራ ኣጻብዕ ኣርቃይ የጸንበዓ፡ ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ “ ዝብሉ ኣበሃህላታት፡ ሓያልነትን ወሳንነትን ሓድነት ዘድምቑ ናይ ኣቦታትና ምሳለታት እዮም። ኣብ ሓደ መስርሕ ተጽዕኖን ግደን ሓድነት ብኣውንታን ብኣሉታን ዝግለጽ እዩ። እቲ ኣውንታ በቲ ሳላ ሓድነት ዝምዝገብ ውጽኢትን ዓቕምን ዝግለጽ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣሉታ ከኣ ብሰንኪ ብኩራቱ  ዘጋጥም ክሳራ ዝግለጽ እዩ።

ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮና ሳላ ሓድነትና ዘመዝገብናዮ ዓወታት ብዙሕ እዩ። ብዓብይኡ፡  ብቁጽሪ ውሑዳት፡ ብዕጥቂ ዝተሓትና እሞ ድማ ናይ ግዳም ደግፍ ዘይብልና ክነስና፡ ብቑጽሪ ንዝበዝሑና፡ ብዕጥቂ ንዝበልጹናን ብሓያላት ንዝድገፉን ገዛእቲ ስዒርና፡ ነጻነትን ልኡላውነትን ሃገርና ከነውሕስ ምብቃዕና ናይቲ ብሳላ ሓድነት ዝረኸብናዮ ኣውንታዊ ውጽኢት ርኡይ መግለጺ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ። “ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ” እንብል ከኣ ካብዚ ነቒልና ኢና። እዚ ኣባና ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ካለኦት እውን ከም ብሓድነት ተቓሊስካ ናይ ምዕዋት መወከሲ ዝተወስደ እዩ።

ሰኣን ሓድነት ዘጥፋእናዮም ዕድላት እውን፡ ወዮ ደኣ በቲ ሳላ ሓድነት ዘመዝገብናዮ ዓወት  ንጸናናዕ ኮይና እምበር፡ ኣሉታዊ ኣሰሮም ቀሊል ኣይኮነን። ብዓብይኡ ነቲ ኣንጻር ናይ ግዳም መግዛእቲ ዓወት ክንጭብጥ ዘብቀዕና ሓድነት ኣብ ቃልሲ ኣንጻርቲ ዘየናሕሲ ዘቤታዊ ጨቋኒ ክንደግሞ ስለ ዘይበቓዕና፡ እነሆ ህዝብና ብህግዲፍ ይደሃኽ ኣሎ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብሓድነት ምቅላስ ኣድላይን መሰረታውን ከም ዝኾነ ኣብ ተመኩሮ ብዙሓት በዚ ናትና መስርሕ ዝሓለፉ ኣብ ውጽኢት ከም ዘብጸሐ እንዳረኣና ብግብሪ ከነረጋግጾ ዘይምብቃዕና፡ ንቃልስና ብቐረባ ንዝዕዘቡ ወገናት’ውን “ዘገርም” ዘብል ዘሎ እዩ።

ስለምንታይ ሓድነትና ከነረጋግጽ ዘይከኣልና፡ ሓደሓደ ግዜስ ንሕና እውን ይገርመና እዩ። እቲ ጠንቂ ግና ኣርሒቕካ ምምርማር ዘድልዮ ዘይኮነ፡ ካባና ናባና ዘሎ እዩ። ክንድቲ ብዛዕባ ሓድነት እትጭረሖ ብግብሪ ዉፉይ ዘይምዃን፡ ዝመጻናሉ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ድርሕረ-ባይታታት ዝፈጠሮ ስንብራት፡ ንመስርሕ ሓድነት ኣብ ክንዲ ብልዑል ህዝባውን ሃገራውን ተደላይነት፡ ብጸቢብ ጉጅላዊ ምናልባት እውን ብውልቃዊ ሕሳብ ምቕናይ፡ ካብቶም ብዙሓት ክስገሩ እናተገበኦም ዘይሰገርናዮም ዝዕንቅጹና ዘለዉ ንኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ እዮም። ኣብዚ ኩልና ንፈልጦ ክንስና፡ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ዝኸውን፡ ሓድነት ዝኾነ ይኹን ፍልልይ ብዘየብሎም ኣካላት ዝድኮን ዘይኮነ፡ ህጹጽነት ጉዳያት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ቅድሚት ከመጽእ ዘይግበኦ ዛዕባታት ኣወንዚፍካ ኣብቲ ተባራዒ መድረኻዊ ኩነታት ኣትኪልካ ዝንደቕ ዓቕሚ እዩ። ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ዕማምና፡ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ ንቕድሚት ኣምጺእካ ኣብ ዙርያኡ ዓሲልካ ሓድነት ክንደቐሉ ዝግበኦ እዩ። ሕጂ ከኣ ከምቲ “ክፉእካ ኣይትጽላእ ዝኸፈአ ከይመጸካ” ዝበሃል፡ ግደ ሓድነት ዝያዳ ዘበርኽ ሓያልን ግዜ ዘይህብን ኮሮናቫይረስ ዝበሃል ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ክሕዝ ዝግበኦ ራዕዲ ዝፈጥር ዛዕባ ኣጋጢሙ እነሆ።

ብዛዕባ ሓድነት ክንሓስብ እንከለና ኣብ ክንዲ ናይ ሃገርን ህዝብን ድሕነትን ቀጻልነትን፡ ነናትና ምስ ናይ ካለኦት እንተዘይተወሃሂዱ፡ ሩባ ዘየሳግር ጸቢብ ሕሳባት ንቕድሚት ምምጻእ ከም ዘየዕወተና ርኢና ኢና። ምርኣይ ከኣ ምእማን እዩ። ከምቲ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ ቅድሚ ሳልስቲ ብምኽንያት ክብሪ ዓርቢ ስቕለት 2020 ኣብ ዘመሓላለፍዎ ኣባታዊ መልእኽቲ “ኣፍላጋት ነቲ ማዮም ኣይሰትይዎ እዮም፡ ኣግራብ ነቲ ዘፍረይዎ ፍረታት ኣይበልዕዎን እዮም፡ ጸሓይ ብርሃና ነዓኣ ኣይኮነን ዘብርህን ዘንጸባርቕን … ወዘተ” ምስ በሉ “ሕጉስ ክትከውን እንከለኻ ህይወት ጽብቕቲ እያ፡ ዝያዳ ጽብቕቲ እትኸውን ግና፡ ካለኦት ብግብርኻ ክሕጐሱ እንከለዉ እያ” ዝበልዎ፡ ቀንዲ ኣድህቦና ብውልቂ ካብቲ ሓድነት  ክንጥቀም ዘይኮነ፡ ሃገርን ህዝብን ምድሓን ክኸውን ይግበኦ። ንኣድላይነት ሓድነት እምበኣር፡ ብፍላይ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ፍሉይ ዓለማዊ ኩነታት ብመንጽርዚ ክንጥምት ይግበኣና።

ክሳብ ሕጂ ቃልስና ኣብ ፖለቲካዊ ህልውና ዝዓለመ እዩ ጸኒሑ። ብዛዕባ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ፡ ልዕልና ሕግን ፍትሕን፡ ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት እምነትን ክንዛረብ እንከለና ብኸመይ ሕገመንግስታዊ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ዝማእከሉ ፖለቲካዊ ህልውናን ቀጻልነትን ይህልወና ኢና እንጥምት። እቲምንታሲ እዚ እቲ ዝበለጸ ኣነባብራ ሃገር ንክመጸልና ዝኽልእ ብደሆታት ዝስዕር ስለ ዝኾነ እዩ።  ሎሚ ግና ብኸመይን ብመንን ይመሓደር ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ከም ሰብኣዊ ፍጡር ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝፍትን ሓደጋ ኣጋጢሙና ኣሎ። እሞ ከኣ  ንኹሉ ወገናት ኣብ ነናቱ ዝጸመደ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ክሕግዝ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ምእታው እዩ። ካብዚ ጸልማት ንምውጻእ  ግደ ሓድነት ኤርትራውያን ወሳኒ ምዃኑ ንምትንባህ ኢና ከኣ ነዚ ናይ ሻቕሎት እዋን “ኣድላይነት ሓድነት፡ ዝያዳ ዘበርኽ ኩነት” ንብል ዘለና። እዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ኣልማማ መቕዘፍቲ ከጋጥምዩ ዝብል ትጽቢትኳ እንተዘይነበሮ፡ ሰዲህኤ ኣብ ጥዕና ህዝብና ዘለዎ ቆላሕታ ንምንጻር፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ “ኣገልግሎት ጥዕና ኤርትራ፡ ኣብ ምክልኻል ሕማማት ብምድሃብ ነቶም ንህዝብና ዘሳቕዩ ሕማማት ቀዳምነት ሂቡ ኣድላዪ መደብ ምክልኻል ክሕንጽጽን ከተግብርን እዩ፡” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንቡር ዝፈልጥ፡ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ዝስመዖን ዝርዳእን መንግስቲ እንተዝህሉ፡ ፖለቲካዊ ስሰዐኡ ኣወንዚፉ፡ ነቶም ንፖለቲካዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ከይተረፈ፡ ኩሉ ድሕሪ ድሕነት ህዝቢ ስለ ዝኾነ “ንዑ ህዝብና ብሓባር ነድሕን” ኢሉ ክጽወዓና መተገበአ። እንተኾነ ከምቲ “ ሓንሳብ ዝጐበጠ ኣይቀንዕን እዩ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ኣብቲ ጸረ-ህዝቢ ተግባሩ ስለ ዝደረቐ፡ ከምኡ ክገብር ኣይንጽበዮን ኢና። ሕሉፍ ሓሊፉ ገሊኦም መራሕቲ ሃገራት፡ ጉዳይ ህዝቦም ኣዝዩ ኣሻቒልዎም፡  “ፖለቲካዊ ስልጣን ድሕሪ ህዝቢ እዩ” ኢሎም ናብቲ ቅድም ዝነበሮም ሕክምናዊ ሞያኦም ኣብ ዝምለስሉ ግዜ፡ ኢሳያስ ግና ድምጹ ኣጥፊፉ ሃጢሙ።

ሕጂ ንሕናን ህዝብናን ናትና ንግበር። እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ በዳሂ ዕማም በዳህን ንተደላይነት ሓድነት ዘበርኽን እዩ። እቲ እንብህጎን ምእንታኡ እንቃለሱ ዘለናን ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኣቐዲምና ኣውሒስናዮ እንተንጸንሕ፡ ኣብ መኸተ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዝያዳ መሓገዘና ነይሩ። ብዝኾነ ሕጂ እውን ይኸድብ እምበር፡ ዘይከኣል ኣይኮነን እሞ፡ እቲ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን ህግዲፍ ዝጸንሐ ብምልካዊ ስርዓት ዝተኣልመ ዓለባ ሳሬት ተቐዲዱ ኩልና ኣብ ጉዳይ ምህላውን ዘይምህላውን ከም ህዝቢ ጉጅለ ህግዲፍ ከም ልማዱ ብዘይብለጸሉን መሰረታዊ ናይ ለውጢ ኣንፈትና ብዘየስሕትን ንሰጉም።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ካብዚ  ዓለምና ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ምህላውን ዘይምህላውን ተፋጢጠሙላ ዘለዉ ሓደገኛ ኩነታት፡ ንምውጻእ ኩሎም ወገናት ዝነበሮም ኣጀንዳታት ኣወንዚፎም፡ በብርኩርናዑ ንህልውና ሰባት ይረባረቡ ኣለዉ። እንተኾነ ዋላ እተን ኩሉ ከም ዝኽእላ ዝእመነለን ዝነበራ መንግስታት እውን ክሳብ ሎምስ ብዘተኣማምን መኪተን ውዱእ ውጽኢት ከርእያ ኣይከኣላን። ካብዚ ኣብ ዓለምና ከምቲ ዝሓለፈ ናይ ዓለም ውግኣት ናይ ፖለቲካዊ ሓይልን ምጣነሃብታዊ ዓቕምን ኣሰላልፋ ክቕይር እዩ፡ ተባሂሉ ዝግመት ዘሎ ኩነታት ንምውጻእ ካብ ዘኽእሉ መንገድታት ሓደ ብሓባር ምስራሕ ምዃኑ ተኣሚንሉስ ብግብሪ ክስረሓሉ ጀሚሩ ኣሎ። ሃገራት ኣብ ሕድሕደን ናይ መሳርሕን ክኢላታትን ሓገዝ ክለጋገሳ ምጅማረን ከኣ ናይዚ ኣብነት ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ሓቢርካ ምስራሕን ምቅላስን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንዓና ንኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ  ካብ ካልእ ዝንገረና ዘይኮነ ካብ ተመኩሮ ቃልስና ኣንጻር ህግዲፍ እንርደኦ እዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ ሓቢርካ ዘይምቅላስ ክሳብ ክንደይ እንጽበዮ ውጽኢት ክንረክብ ከምዘይክኣልና ንርዳእ ስለ ዝኾና። ሎሚ እውን እነሆ ጉዳይ ብሓባር ምስራሕን ምቅላስን ኣብ ልዕልቲ ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ግዜ ዘይህብ እዋናዊ ዛዕባ ኮይኑ። ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ከስምዕዎ ዝጸንሑ ድምጽታት ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ክሳብ ክንደይ በሪኹ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ድምጺ ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ምሕዝነታት፡ ግንባራት፡ ሰልፍታትን ውድባትን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እዞም ፖለቲካዊ ሓይልታት ውሁድ ድምጾም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዛዕባ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወረደ በደል፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፡ ኢድ ኣእታውነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊ ዛዕባን ሓደገኛ ወስታ ልኡኻት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኣማኑኤል  እያሱን ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጽታት መስርሕ ሓድነት ኣብ ምጽራግን ሕድሕድ ምትእምማን ኣብ ምዕኳኽን ዝነበሮ እጃም ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።

እነሆ ሎሚ ከኣ እዞም ፖለትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ ዓለምና ኣብ ፍሉይ ኣጨናቒ ኩነታት ኣትያትሉ ዘላ ህሞት ብ31 መጋቢት 2020 “ሓባራዊ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ/ መጸዋዕታ ኤርትራውያን ናብ ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ፡ ካብ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብሓባር ቃሎም ኣስሚዖም ኣለዉ። እዚ መጸዋዕታ በቲ ሓደ ወገን፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ብዛዕባዚ ቀዛፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝወሃብ ዘሎ መከላኸሊ መምርሕታት መሰረት፡ ዘለዎ ዓቕሚኳ ውሱን እንተኾነ፡ ክንዲ ዝከኣሎ ነብሱ ክሕሉ፡ ኣብ ሕድሕዱ ክተሓጋገዝን ምስ ሓይልታት ምክልኻሉ ኩይኑ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ከሕይልን ዝጽውዕ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እዚ ናይ ሓባር መጸዋዕታ፡ ብሓፈሻ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ጉዳይ ሰብኣውነት ዝምልከቶምን ዘገድሶምን ከም ትካል ጥዕና ዓለም ዝኣመሰሉ ትካላትን ኤርትራውያን ኣዕቊቦም ዘለዉ ናይ ርሑቕን ጐረባብትን መንግስታትን፡ ንጉዳይ እቶም “ኣነ ኣለኹልኩም” ዝብል ናይ ህዝቡ  ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ ዘየብሎም ኤርትራውያን፡ ዝያዳ ኩሉ ግዜ ቆላሕታ ክህብዎ ዝምሕጸን እዩ።

እቲ መጸዋዕታ ብዛዕባ ኩሎም ኤርትራውያን ዝግደስ ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስዚ እዋናዊ ኩነታት ኣተሃላልዋኦም ንሓደጋ ተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝተቓለዐ፡ ኣብ መደበራት ስደተኛ፡ ኣብ ከም ሳዋ ዝኣመሰሉ ግዱድ መዳጐንን ኣብ ፈቐዶ ስዉርን ግሁድን ኣብያተ-ማእሰርትን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዝያዳ ቆላሕታ ዝህብ እዩ። እዚ መጸዋዕታ ኣዝዩ እዋናውን ግዜ ዘይህብ ቅልጡፍ ምላሽ ዝሓትትን ብምዃኑ ድሮኳ ብላዕለዎት ጉዳይ ኤርትራ ዝምልከቶም ኣካላት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣቓልቦ ረኺቡስ “እሱራት ፍታሕ” ዝብል መልእኽቲ ናብቲ ማእዝኑ ዝሰሓተ ምምሕዳር ኤርትራ ክመሓላለፍ ጀሚሩ ኣሎ። ምምሕዳር ኤርትራ ግና ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ስለ ዝጨከነ፡ ብዛዕባ እሱራት ምፍታሕን ዘይምፍታሕን ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ንህዝቢ ኤርትራ ዝተለገሰ ሓገዝ መከላኸሊ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣይቅበልን ምባሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ትካላት ጥዕና ምዕጻዉን መራሒኡ ኣብ ክንዲ ተስፋ ዝህብን ዘተባብዕን መግለጽታት  ዝህብ ምሕባኡን ዘመልክቱ ዜናታት ኢና ንሰምዕ፡ ንዕዘብን ነንብብን  ዘለና።

ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዘለዉ ኮነ ኣብ መደበር ስደተኛታት ንዝርከቡ ዜጋታቶም ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስን ዘርእይዎ ዘለዉ ሓልዮትን ዝነኣድን ዘሕብንን ስለ ዝኾነ፡ ኩልና ብተገዳስነት ከነሰንዮ ዝግበኣና እዩ። እዞም ምቕሉላት ሓደ ኣብ ግምት ከእትውዎ ዝግበኦም መሰረታዊ ቁምነገር ግና ኣሎ።  ጉጅለ ህግድፍ ነቲ ምልዕዓሎም ከም ፖለቲካዊ መሕብእን መረሳስዕን፡ ነቲ ልግሶም ተወፋይነቶምን ከኣ፡ ከምቲ ልማዱ መህጠሪ ጉጅላዊ ካዝንኡ ከይጥቀመሎም ምስትብሃል ከድሊ እዩ። እዚ ኣብ ዓለምና ተላቢዑ ዘሎ፡ ጌና መንቀሊኡን መዕረፊኡን ዘይተፈልጠ ሕማም፡ ዓለም ብዓለማ ብማዕረ ዘንቀጥቅጥ ዘሎ እዩ። እንተኾነ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ስርዓታትን ምምሕዳራትን ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጸገም ናቱ ግደ ከም ዘለዎን ንብዙሓት ከም ዝፈተነን  ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ብመንጽርዚ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ምስቲ ዝጸንሐ፡ ህዝቢ ዘየሳትፍ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ግምት እውን ዘየእቱ ቀይዲ በተኽን ኣብ ንቡር ኩነታት እውን ዝተሳዕረ፡  ኣተሓሕዛ ህግዲፍ ኣብ ምግዳድ እቲ ሳዕቤን ዓብይ ግደ ከም ዝህልዎ ኣይንዘንግዕ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ቃልስና፡ ብሰንክዚ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ጸገም ንግዜኡ ደኣ ቀዳምነት ኣይንህቦ እምበር፡ ቀንዲ ውራይና ስለ ዝኾነ፡ በዚ እዋናዊ ጸገም ተሰናቢድና ኣዋዲቕናዮ ህዝብና ንሓዋሩ  መፍቶ ህግዲፍ ክኸውን ኣይንፈቅድን ኢና። ካብ ሓባራዊ ኣዋጃትን መግለጺታትን ክብ ኢልና፡ ምስ ከም ንቕሎ ይኣክልን ብሓፈሻ ተበግሶ ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያተኛታት ጥዕናን ኮይና፡ ናብ ዝያዳ ተግባራዊ ስጉምትታት ከነቕንዕ ከድልየና እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክ’ቲ ህግዲፍ ኣብ ሃገርና ዝፈጠሮ ኩርኳሕ ኩነታት፡ ኤርትራውያን ከም ደቂ ዛግራ ፋሕጭንግራሕ ኢሎም ከም ዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ገዛእ  ሃገሮም ኣብ ሕሱም መነባብሮን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርትን ኣብ ዘይውሑስን ዘይክፈሎን ግዱድ ስረሓትን ኣብ ዝቓይ ይነብሩ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ  እቶም ካለኦት ገሊኦም ኣብ ውጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት  ኣብ ዘይውሑስ ህይወት፡ ካለኦት ከኣ ኣብ ፈቐዶም ኣጸጋሚ መደበር ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን ዝኣመሰሉ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኩነታት ይርከቡ። እዚ ኣተሃላልዋ ኤርትራውያን ብፍላይ ናይቶም ስደተኛታት፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ሎሚ ዓለም ለኻዊ ኣዝዩ  ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ከቢድ ጉድኣት ዘውርደሉ ዘሎ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት እውን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ፈቐዶ መደበራት ስደተኛ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብሰንክዚ ናይ ፋሕጭንግራሕ ኣተሃላልዋኦም ሓብሓቢ ስኢኖም ክሳቐዩን ካብዚ መከራ ንክወጹ ክምሕጸኑን ጸኒሖም እዮም። ካብ ሊቢያ፡ ማልታን እስራኤልን  ክንሰምዖ ዝጸናሕና ቀጻሊ ኣውያትን መጸዋዕታን ኤርትራውያን ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብ መደበራት ስደተኛ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ህይወት እውን ካብዚ ብዙሕ ዘይፍለ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሕማም ኮሮናቫይርስ ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ኮንካ እውን ኣዝዩ ኣጨናቒ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ፡ ኣብ ትግራይ መደበር ሕንጻጽ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝደተኛታት፡ ብዘይ ድሌቶም፡ እኹል መሳለጥያን መጽለልን ናብ ዘየብሎም መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ንምብታኖም ዝግበር ዘሎ ገልታዕታ፡ ግዳይ ናይዚ ሕማም ናይ ምዃን ዕድሎም ዘጋድድ እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ግና ሰማዒ እዝኒ ክሳብ ዝረኽቡ ነቲ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዘይተኸተለ ኣስገዳድ ውሳነ ምቅዋሞም ቀጻሊ ኣሎ። ካብዚ ከይወጻእና፡ ነቲ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ልግስን ሰብኣዊ ሓላፍነትን እንዳነኣድናን እንዳተባባዕናን፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካልእስ ይትረፍ እዚ ሕማቕ እዋን ክሳብ ዝሓልፍ፡ ንጉጅለ ህግዲፍ ብዋጋ ስደተኛታት ንምሕጓስ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይጭክንን ኣብ ውሳነኡ ዳግመ-ርኢቶ ክገብርን መጸዋዕታና ነቕርበሉ።

ኣብዚ ሓያላትን ምዕቡላትን ሃገራትኳ ዜጋታተን ንምድሓን ኣዝየን ተጸጊመናሉ ዘለዋ ግዜ፡ ብዛዕባ ኣብ ፈቐዶ መደበራት ስደተኛ ዘለዉ ግዳያት ዝዛረብ ዓለም ለኻዊ ኣካል ዘይምህላዉ ከኣ፡ ስደተኛታት ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ዘመልክት እዩ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ካብቶም ኣብ መደበራት ስደተኛ ተዳጒኖም ዘለዉ ዝሓሸ ናይ ምዝራብን ምልጋስን ዕድል  ስለ ዘለዎም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ስደተኛታት መሰሎም ከይግፈፍ ክምሕጸኑ ጸኒሖም እዮም። እዚ ጉዳይዚ ሎሚ እውን ቆላሕታ ሂቦም ስምዕታኦም ከዛይድሉ ዝግበኦም ወቕቲ እዩ። ብግብሪ ከኣ ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። ዋላኳ ዝያዳ ናብ ስደተኛታት ምትኳር ዘድሊ እንተኾነ፡ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ ህይወት እውን ንምምሕዳር ህግዲፍ ኣሚንካ ዘቕስን ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ።

ቅድሚ ናብቲ ክግበረሎም ዝግባእ ደገፍ ምሕላፍና፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዘዘለዉዎ ከም ዝኾነ ሰብ ክንድቲ ኩነታት ዝፈቅደሎም፡ ነቲ ንምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይርስ ብዝምልከት ዝመሓላለፍ ምዕዶን ምኽርን ተስፋ ከይቆረጹ ክተግብሩ ይግበኦም። ምኽንያቱ ናይዚ ሕማምዚ መከላኸሊ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢድ ሓካይም ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድ ጥንቃቐ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ብምዃኑ። ኣብዚ ዕዉታት ንክኾኑ ከኣ፡ ብዝኾነ ይኹን ንኡሳን ስምዒታትን ዝንባለታትን ከይተፈላለዩ ሓድነቶም ኣደልዲሎም ኩሉ ዓቕሞም ህይወት ናብ ምድሓን ከውዕልዎ ንጽወዖም።

ብዛዕባቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ህግዲፍ ዝነብር ህዝብና፡ ህግዲፍ ኣብ ሎሚ በጺሑ ርህሩህ ልቢ ከሕድር እትጽበዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  ዝጨከነ ስለ ዝኾነ። ዋላ ከምኡ ይኹን እምበር ህግዲፍ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንህዝብና ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ክቕጽዖ ዝጸንሓ፡ ኣብዚ ኣዝዩ ሕማቕ እዋን ከይደግሞ ነዚ ጉጅለ ከይነገርናዮ ኣይንሓልፍን። ህዝብና እምነቱ ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ስለ ዘጉደለ፡ ኢድን ድምጽን ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ወገኑ ክጽበ እዩ። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና እውን ነዚ ዝስሕቶ ኣይኮነን። በብኩርንዑ “እንታይን ብኸመይን ኢና እሞ ንህዝብና ክንሕግዞ?” ዝብል ሕቶ ይለዓልን ግብራዊ ምንቅስቓስ ይረኣይን ምህላዉ ከኣ፡ ናይዚ ምስክር እዩ።

ኣብዚ  እቲ ዝግበር ሓገዝ ናብቲ ህዝቢ ከም ዝበጽሕ ምርግጋጽ ከድሊ እዩ። እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ብዓይነት ኣብ ምክልኻል እዚ ሕማም ዝሕግዙ ጥዕናዊ መሳርሕታት እምበር፡ ብጥረ ገንዘብ ከይከውን ምስትብሃል ኣድላይ እዩ። ምኽንያቱ ህግዲፍ ዝኾነ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ቀዳምነቱ ምምላእ ካዝና ስለ ዝኾነ፡ “ጥረ ገንዘብ ሃቡኒ እሞ ባዕለይ መሳርሒ ክዕድግ እየ” ዝብል ብሂል ከም ዘምጽእ ፍሉጥ እዩ። እቲ “ህግዲፍ ናይ ገንዘብ እምበር፡ ናይ ዓይነት ሓገዝ ኣይኮነን ዘድልየና” ኢሉ ብዝብል ዝናፈስ ዘሎ ወረ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ።

ኣብዚ ኣስጋኢ እዋን ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንከለና፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ “ብኸመይ ንሕግዝ?” ጥራይ  ኣይኮነን። ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ፈቐዶ ምስጢራዊ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዳጒንዎም ዘሎን በዚ ሕማም እዚ ዝያዳ ክጥቅዑ ዝኽእሉን እሱራት ክፈትሕ እውን ክንምሕጸኖን ነዚ መልእኽቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተጽዕኖ ናይ ምግባር ዓቕምን ሓላፍነትን ናብ ዘለዎም ኣካላት  ከነብጸሖን ከኣ እዋኑ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ሓደ ዝተወሰነ መድረኽ ብሓንሳብ ተደራራቢ ብደሆታት ከጋጥም ዝነበረ እምበር ሎሚ ዝጅምር ዘሎ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ንጉዳያት ከከም ህጹጽነቶምን ክብደቶምን ቀዳምነታት ሰሪዕካ ምሓዞም ግድነት እዩ። ኣብ ዝተወሰነ እዋን ቀንዲ ቆላሕታኻ ኣብቲ ቀዳምነት ዝሃብካዮ መደባት እኳ እንተኾነ፡ ነቶም ጽባሕ ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ ሎሚ ግና ኣብ 2ይ፡ 3ይ ደረጃ ዝስርዑ ዋኒናት እውን ጠቕሊልካ ትርሰዖም ማለት ከም ዘይኮነ ካብ ተመኩሮ እንመሃሮ እዩ።

ሎሚ ንዓለምና “ኮቪድ-19 ኮሮናቫይረስ” ዝተባህለ ትንፋስ ዘይህብን ዘየናሕስን ለበዳ ኣሸቢርዋ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ እውን ኣንበጣ፡ ምንቅጥቃት መሬት፡ እሳተ-ጐመራን ደርቅን ካልእ ዓይነት ተላጋቢ ሕማማትን ተመሳሳሊ ጸገም ዝፈጠርሉ ተመኩሮኳ እንተነበረ፡ ናይ ኮሮናቫይረስ ጉዳይ ግና ፍሉይ ምዃኑ ኩልና ንሓልፎ ዘለና ህይወት እዩ። እዚ ዓለም ብዓለማ ኣሰንቢዱ ዘሎ ወራር ኮሮና፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ጽባሕ ብኹሉ መለክዒ ብቕዕትን ተወዳዳሪትን ኤርትራ ክንርኢ ጌና ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢ፡ ነቶም ኣብ  ኩሉ ጽላታት ዕቤት ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዙ መንግስታትን መራሕተንን እውን ኣዝዩ ብዳሂ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ህልዊ ኩነታት፡ ቻይና፡ ኢጣልያ፡ ኣሜሪካ፡ ፈረንሳ፡ ስፐይን፡ ጀርመንን ካለኦት መሳቱአንን ከኣ ናይዚ ምስክር እዩ።

ብዘይ ወዲ ሰብ ዝሕሰብ ዕቤት ኮነ ህልውና የለን። ወዲ ሰብ የለን ማለት ኩሉ የለን ማለት እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ነዚ ቀዛፊ ለበዳ ምዕጋት ቅድሚ ኩሉ ዝስራዕ ዓለም ለኻዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ። ዓለምና ከኣ ኩለንተነኣ፡ ቀልባን ዓቕማን ኣብኡ ተጸሚዳ እነሀት። እንተኾነ እዚ ኣጸጋሚ ኩነታት ሓሊፉ ናብቲ ዝጸነሓቶ ንቡር ህይወት ከም እትምለስ ትስፉው ተረድኦ ምሕዳር ከኣ ግድነት እዩ። ተስፋ እንተዘየልዩ ነዚ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ “ህይወት ካብ መቕዘፍቲ ናይ ምድሓን” ምርብራብ እውን ከተዕውት ኣይክትክእልን እያ። ነዚ በዳሂ መኸተ ምዕዋት ንውሱናት ሃብታማትን ሓያላትን ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ዓቕሚ ዝሓትት ምዃኑ ክንርዳእ ናይ ግድን እዩ። ካልእ ይትረፍ ነቲ ብክኢላታት “መዋጸኦ ክኸውን” ተባሂሉ በብግዜኡ ዝንገረና መምርሕታትን ምዕዶን ተቐቢልና ህይወትና እንተ ኣድሒንናን፡ ብዘለና ዓቕሚ እቲ ምኽርን መጠንቀቕታን ናብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ እንተኣባጺሕናን  ኣብ ምምካት ክሮና ዝነዓቕ ኣስተዋጸኦ ኣይኮነን።

ቀዳማይ ዕማሙን ተልእኮኡን ፖለቲካዊ ጐስጓስ ኮይኑ ዝጸንሐ ናይ ሓይልታት ለውጢ ናይ መራኸቢ ሜላታት ብዘለዎ ዓቕሚ፡ ኣካል ናይቲ ነዚ ሕማም ንምምካት ዝካየድ ዘሎ ምርብራብ ኮይኑ ክስለፍ ከድልየና እዩ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ክንዝርግሕ እንከለና ከኣ ጥንቃቐ ንግበር። ህዝቢ ኣሰንቢዱ ዘርዕድን ተስፋ ዘቑርጽን ዘይኮነ፡ ጌጋ መንገዲ ከይሕዝ ዝምዕድን ትስፉው መጻኢ ዘመላኽትን ክኸውን ይግበኦ። ከም ኣብነት ናይተን ነቲ ሕማም ናይ ምቁጽጻር ኣወንታዊ ኣንፈት ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት ክንጠቕሰሉ ይምረጽ። ኣጋጣሚ ኮይኑ በዚ ሕማምዚ ተለኺፍካ ማለት ብኡንብኡ ትመውት ማለት ከምዘይኮነ ምርድኡ እውን ጽቡቕ እዩ።

ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል እዚ ሕማም ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንርከበሉ ዘለና ኣሻቓሊ ደረጃ፡ ኣብ ንቡር ግዜኳ ተራ መድሃኒት ኣብ ዘይርከበለን ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝያዳ ከም ዘሻቕል ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ ናይዚ ሕማምዚ ቀንዲ መከላኸሊ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝገብሮ ጥንቃቐ ዝምርኮስ ስለ ዝኾነ፡ ህዝብና እንተደኣ ተጠንቂቑ ማዕረቲ ኣብተን ሓያላትን ዝማዕበላን ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ክምክትን ክድሕንን ተኽእሎ ከም ዘለዎ ክንሕብሮን ከነተስፍዎን ክንበቅዕ ይግበኣና።

እዚ ከም ሰብ ንህልውናና ዘስግእ ዘሎ ሕማም፡ ነቲ ናይ ለውጢ ቃልስና ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃስዮ ንርእዮ ዘለና እዩ። ርሑቕ ከይከድና እቲ ዓብይ ተጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ፡ ኣጋጣምታት፡ ኣኼባ 14 መጋቢት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ርክብ መራሕቲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ለንደን 22-24 መጋቢት 2020ን ኣብ ጀርመን ኮነ ሽወደን ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባታት ዘይምክያዱ ርኡይ ኣበነት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እዚ ሎሚ ኩሉ ቀልብናን ሃምናን ናብኡ ኣቕኒዕናሉ ዘለና ቀዛፊ ለበዳ ሓሊፉ፡ እቲ 2ይ 3ይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ተደራራቢ  ናይ ለውጢ ቃልሲ ዋኒንና ኣብ 1ይ ቦታኡ ከም ዝምለስ ተስፋ ከነሕድር ይግበኣና። እዚ ዘለናሉ ኩነታት ምናልባት ብስፍሓቱ፡ ቅልጣፈኡን ዘኸትሎ ዘሎ መቕዘፍትንኳ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ እንተኾነ፡ ከምቶም ዝሓለፉ ባህርያዊ ጸገማት ዝሓልፍ እምበር ከም ናይ መወዳእታና ህልውናና ጌርና ክንወስዶን ንኹሉ ተስፋና ካብ ኣእምሮና ሓጢጥና ከነውጸኦን ኣይግበኣና።

እዚ ዘለናሉ ኩነታት ተቐይሩ፡ ኣብቲ ስሩዕ ናይ ለውጢ ቃልስና ተመሊስና፡ ነቲ ርህራሀን ተሓታትነት ዝረሓቖ  ምምሕዳር ህግዲፍ ስዒርና፡ እታ ንብህጋ ኤርትራ ከም እነውሕስ እምነት ከነሕድር ይግበኣና። ህዝብና ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብቲ ዘይተርፍ ዓወቱ ክጠራጠርን ተስፋ ክቖርጽን ኣይግበኦን። ሕጂ እውን ናይ ሎሚ ቀዳምነትና ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ዓለምንኳ እንተኾነ፡ ከቶ ሰብ ተደራራቢ ዋኒን ምዃና ግና ንካልኢት እውን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞከራስን ፍትሕን ብሓፈሻ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ ብፍላይ፡ ተበዲልና እምበር በዲልና ዘይወጾም መራሕቲ ኢዮም። ስለዝዀኑ ድማ፡ ይቕሬታ ክሓቱ ወይ ሕድገታት ክገብሩ ባህርያቶም ኣየፍቅደሎምን ኢዩ። ጌጋኻ ከይኣረምካ፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ዝተበገሰ ተጻይ መልሲ እንዳሃብካ ሃገር ምምራሕ ስለዘይከኣል ከኣ፡ እንሆ ኤርትራን ህዝባን ብስእነት ሰላምን ሰናይ ምሕደራን ንእልቢ ዘይብሉ ጸገማት ተቓሊዖም ይርከቡ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ዕጫ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ድንቍርና፡ ህውከትን ስደትን ኰይኑ ኣሎ።

ነዚ ሓቂ’ዚ ንምሽፋንን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኢዩ እምበኣር ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብድሆታትን ዕድላትን ዝብል ቃላት ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት እናደጋገመ ንህዝቢ ከደናግር ክፍትን ዝጸንሐን ዘሎን።  ብዓይኒ ሓቂ እንተርኢናዮ ግን፡ እዚ ስርዓት’ዚ ብብድሆታት ዝቝዝም ንዝተፈጥሩ ዕድላት ድማ ብኸንቱ ዘባኽን ስርዓት ኢዩ።

ናጽነት ኤርትራ ብ1991 ምስ ተረጋገጸ፡ ንብድሆታት  ህንጻ ሃገር ንምስዓር ዘኽእሉ ብዙሓት ዕድላት ኢዮም ተኸሲቶም ነይሮም። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ንግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ተቐቢሎም፡ ከም ተቓወምቲ ብናጽነት ክዋስኡ ዘኽእሎም ዘተ ንምግባር ቅሩብነቶም ዝገለጽሉ እዋን’ዩ ነይሩ። መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ናይ ሓድሽ ወለዶ መራሕቲ ተባሂሎም ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ከኣ ብፍላይ ክድግፎም ድልዊ ነይሩ። ዓለም ብዓለማ ብኢትዮጵይ ጀሚርካ፡ ናጽንትን ልዑላውነትን ናይ ኤርትራ ተቐቢላ፡ ምስ ኤርትራ ሓቢራ ክትሰርሕ ኤምባሲታት ኣብ ኤርትራ ከፊታ። ጣልያን፡ መገዲ ባቡር ኤርትራ ባዕለይ ክሰርሖ ኢላ ተመባጺዓ። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ንኽጣየሱ ዘድሊ ሓገዛት ክገብር ወሲኑ። ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን ከኣ፡ ነታ ዘላቶም ዓቕሚ ኣብ ህንጸት ሃገሮም ከውዕሉ፡ ብሓብር ድዮም ወይስ በብውልቆም ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ገንዘቦም ከዋፍሩ ክጓየዩ ዝተራእይሉ ወቕቲ’ዩ ነይሩ።

ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ግን፡ ነዚ ዕድላት’ዚ ብምሉኡ ኣባኺኑ’ዩ ናብ ብድሆታት ቀይርዎ። ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ዲፕሎማስያዊ ዕዮ ዘይሳነ፡ ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ንዅሎም መራሕቲ ኣፍሪቃን  ብምቍንጻብን ብምጽራፍን ኢዩ ፈሊምዎ። ንጣልያን ውን ከምኡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድና እንተዘይሃብኩምና ይትረፈና ዝብል መልሲ ሂቡ፡ ብጕልበት ኤርትራውያን ነቲ መገዲ ባቡር ዘመናዊ ንምግባር ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝነበረ ንምጽጋን ክንደይ ግዜን ገንዘብን ከጥፍኣሉ መሪጹ። ንወኪል ኤምባሲታት ሕብረት ኣውሮጳ ኣባሪሩ፤ ስደተኛታት ከይምለሱ፡ ምስኦም ተሓኤን ዕላማታቱን ክምለሱ ኢዮም ካብ ዝብል ስግኣት ናይ መምለሲኦም ገንዘብ ደኣ ሃቡኒ እምበር፡ ከመይ ከምዝምለሱስ ባዕለይ ኢየ ዝፈልጦ ብምባል ነቲ ተበግሶ ኣምከኖ። ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ድማ፡ ንገሊኦም ፕሮጀክትታቶም ሰሪቑ፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘየኽእል ምስምስ፡ ንኣብነት ፋብሪካ ክገብር እንተበሉ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ዘይርከቦ ቦታ ክተኽልዎ ወይ ድማ እዚ ፕሮጀክት’ዚ ድሮ ብኻልኦት ቀሪቡ ኣሎ ኢሉ ከምክኖን ቦንድ’ዶ ናይ ገዛውቲ ፕርጀክት’ዶ እናበለ ሃብቶም፡ ገንዘቦምን ጕልበቶምን ክዝርፍ ኢዩ ተራእዩ። እትረፍ’ዶ ኣውፈርቲ ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ። እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ውሕዳት ሰብ ርእሰ-ማል ሃገሮም ራሕሪሖም ክወጹን፡ ሃብቶም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከዋፍርዎን ተራእዮም።

እቲ ጸይቂ ስራሕ ኣብ’ዚ ጥራሕ ተደሪቱ’ውን ኣይተረፈን። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት የመን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ውግእ ብምብራዕ ንዞናና ናብ ዘይርጉእን ናይ ውግእን ወረ ውግእን ዞና ቀይርዎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብምልዮናት ዝቝጸሩ ነበርቲ ናይ’ዘን ሃገራት ኣደዳ ሞት፡ ስንክልና፡ ምፍንቓልን ስደትን ኰይኖም። እታ እንኮ ዝነበረትና ዩኒቨርሲቲ ተዓጽያ፡ ብወተሃደራት ዝካየድ ኣብያተ-ትምህርትን ኮለጃትን ተተኪኣ። በዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኤርትራ፡ ዝነበራ ዕድላት ኵሉ ባኺኑ፡ ስማን መልክዓን ተደዊኑ፡ ዜጋታታ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲ ቅንጸላን ስደትን ኰይኖም። ዋላ እቶም ነቲ ውልቀ-መላኺ ናብ ስልጣን ዘምጽእዎ ተጋደልትን መራሕቲ ብጾቱን ከይተረፉ ካብ’ዚ ዕጫ’ዚ ኣይደሓኑን። ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኢያ ተቐይራ። ነዚ ናይ ቤት ማእሰርቲ መነባብሮ ድማ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላም ኣሎ፡ ከም ድላይካ ከይሰጋእካ ክትዛወር ትኽእል እናበለ ክንየተሉ ይስማዕ ኢዩ። እወ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘረባ የለ፡ ተቓውሞ የለ፡ መሰል የለ፡ ባእሲ የለ፡ በቶም ዝሕልውኻ ወተሃደራት ዝወሃበካ ትእዛዛት እናፈጸምካ ኢኻ ትነብር። ነዚ’ዩ ሰላም ሰፊኑ ኢሉ ክምክሓሉ ዝስማዕ።

ሕጂ ብዛዕባ ኣየናይ ዕድል ኢዩ ስርዓት ኢሳያስ ክዛረብ ዝፍትን ዘሎ ብዙሕ ብሩህ ኣይኰነን። እንታይ ከይረገጣ ዝተረፈቶ ጩራ ብርሃን ኣልያ ኰይና ኢያ ዕድላት ኣሎ ክብለና ዝፍትን ዘሎ። እዛ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ምስ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንትን ገይረያ ኢሉ ዝዛረበላ ዘሎ ምሕዝነት እንተዀይና፡ ሰላምን ልምዓትን ንምምጻእ ዘይኰነስ ንህውሓት ንምቕርቃርን ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ጐብለልን ናይ’ቲ ከባቢ ንምዃን እንተዘይኰይኑ ካልእ ዝርአ ወይ ዝጭበጥ ዕላማ ኣይርኣናላን። ቅድሚ ሕጂ እውን ንኤርትራ ዝሓወሰት ኢትዮጵያ ክመርሕ ስለዝደለየ ኢዩ ንክልቲኡ ኣህዛብ ኣብ ውግእ ዝነቖተን ፍልልይ ምስ ወያነ ዝተኸስተን።

ኣብ ህልው ኵነታት ኤርትራን ኣብ ምዕባለታት ከባቢናን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ዕድላትን ብድሆታትን መደባት ስራሕ 2020 ብዝብል ኣርእስቲ፡ ሓጐስ ገብረሂወት (ክሻ)፡ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኣብርሃ ክሳን ወለንኪኤል ኣብርሃን ዝርከብዎ ዝለዓለ  ተላኣኣኺ ጕጅለ ኢሳያስ፡ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ላዕለዎት መራሕቲ ማሕበራትን ትካላትን ዘካድዎ ዘለዉ ሰሚናራት፡ ነቲ ምስ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተበጽሐ ዘይንጹር ውዕላትን ስዒቡ ኣብ ዝተገብረ ብጽሖታት ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ክልቲአን ሃገራት፡ ካብ መራሕ ሃገር ዘይትጽበዮ ኢሳያስ ዘስምዖ ናይ ጥልመት መደረ ንምክሕሓስን ንሱ ዘስዓቦ ህዝባዊ ቁጠዐን ንምዝሓልን ዝዓለመ ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም ንመንእሰያትና ብሓድሽ ተክኖሎጂ ኣዕጢቕና ኣንጻር እዞም ኣዕነውቲ ሶሽያል ሚድያ ከነዋፍሮም ኣሎና ክብሉ ዝተሰምዑ።

እቲ ተወሲኹ ተባሂሉ ዝተዘርበሉ ደሞዝ ከኣ፡ ብመሰረት ኣብ 2016 ዝተገብረ ናይ ደሞዝ ምምሕያሽ እሞ ኣብ 2018 ኣብ ግብሪ ዝውዓለ ዝብሃል፡ እቲ ዝተሓተ ደሞዝ 1800 ናቕፋ ክኸውን ተወሲኑ ክነሱስ፡ ገለ ግን 500 ናቕፋ ይውሃቦም ምንባሩ’ዩ ኢሳያስ ጠቒሱ። ነዚ ድማ ንሱ ከምዘይፈልጦ ዝነበረ ኰይኑ ቀሪቡ። እቶም ነዚ ዝገበሩ ታሕተዎት ሰበ-ስልጣን ምንባሮም ኣሚቱ ወይ ምስ ናይ ቀረባ መራሕቶም ኣባኢሱ፡ ሕጂ ናይ ክልተ ዓመት በብ1300 ንወርሒ ተሓሲቡ ክኽፈሎም ከምዝወሰነ ገሊጹ። እዚ’ዩ ተወሲኹ ተባሂሉ ክግለጽ ዝሰማዕናዮ። ካልእ ዝሰማዕናዮ ወሰኽ ኣይነበረን። ነቶም ኣብ 2020 ክጅመር ተባሂሉ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ስራሕ ኢሎም ሕቶኦም ከቕርብሉ ዝፈተኑ ጋዜጠኛታት ክግስጽ ከሎ ድማ፡ ኣብ 2020 ዘይኰነስ ኣብ 2021 ኢዩ ዝጅምር ክብል ተሰሚዑ። ብሓጺሩ ኣብ 2020 ዝዀነ ይኹን ክግበር ዝተመደበ ምምሕያሽ የለን። ን2021 እንተዀይኑ ድኣ ሽዑ እታ ርሕቕቲ ትመስል ዓመት ምስ መጸት  ዘይመርከብናሉ። ካብ ንዓመታ ደርሆስ፡ ሎምዘበን እንቋቍሖ’ዶ ኣይምሓሸን።