ንተደላይነት ሓድነትና፡ ናህሪ ዝውስኽ ተበግሶ

2020-04-08 07:25:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2916 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ካብዚ  ዓለምና ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ምህላውን ዘይምህላውን ተፋጢጠሙላ ዘለዉ ሓደገኛ ኩነታት፡ ንምውጻእ ኩሎም ወገናት ዝነበሮም ኣጀንዳታት ኣወንዚፎም፡ በብርኩርናዑ ንህልውና ሰባት ይረባረቡ ኣለዉ። እንተኾነ ዋላ እተን ኩሉ ከም ዝኽእላ ዝእመነለን ዝነበራ መንግስታት እውን ክሳብ ሎምስ ብዘተኣማምን መኪተን ውዱእ ውጽኢት ከርእያ ኣይከኣላን። ካብዚ ኣብ ዓለምና ከምቲ ዝሓለፈ ናይ ዓለም ውግኣት ናይ ፖለቲካዊ ሓይልን ምጣነሃብታዊ ዓቕምን ኣሰላልፋ ክቕይር እዩ፡ ተባሂሉ ዝግመት ዘሎ ኩነታት ንምውጻእ ካብ ዘኽእሉ መንገድታት ሓደ ብሓባር ምስራሕ ምዃኑ ተኣሚንሉስ ብግብሪ ክስረሓሉ ጀሚሩ ኣሎ። ሃገራት ኣብ ሕድሕደን ናይ መሳርሕን ክኢላታትን ሓገዝ ክለጋገሳ ምጅማረን ከኣ ናይዚ ኣብነት ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ሓቢርካ ምስራሕን ምቅላስን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንዓና ንኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ  ካብ ካልእ ዝንገረና ዘይኮነ ካብ ተመኩሮ ቃልስና ኣንጻር ህግዲፍ እንርደኦ እዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ ሓቢርካ ዘይምቅላስ ክሳብ ክንደይ እንጽበዮ ውጽኢት ክንረክብ ከምዘይክኣልና ንርዳእ ስለ ዝኾና። ሎሚ እውን እነሆ ጉዳይ ብሓባር ምስራሕን ምቅላስን ኣብ ልዕልቲ ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ግዜ ዘይህብ እዋናዊ ዛዕባ ኮይኑ። ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ከስምዕዎ ዝጸንሑ ድምጽታት ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ክሳብ ክንደይ በሪኹ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ድምጺ ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ምሕዝነታት፡ ግንባራት፡ ሰልፍታትን ውድባትን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እዞም ፖለቲካዊ ሓይልታት ውሁድ ድምጾም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዛዕባ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወረደ በደል፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፡ ኢድ ኣእታውነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊ ዛዕባን ሓደገኛ ወስታ ልኡኻት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኣማኑኤል  እያሱን ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጽታት መስርሕ ሓድነት ኣብ ምጽራግን ሕድሕድ ምትእምማን ኣብ ምዕኳኽን ዝነበሮ እጃም ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።

እነሆ ሎሚ ከኣ እዞም ፖለትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ ዓለምና ኣብ ፍሉይ ኣጨናቒ ኩነታት ኣትያትሉ ዘላ ህሞት ብ31 መጋቢት 2020 “ሓባራዊ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ/ መጸዋዕታ ኤርትራውያን ናብ ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ፡ ካብ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብሓባር ቃሎም ኣስሚዖም ኣለዉ። እዚ መጸዋዕታ በቲ ሓደ ወገን፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ብዛዕባዚ ቀዛፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝወሃብ ዘሎ መከላኸሊ መምርሕታት መሰረት፡ ዘለዎ ዓቕሚኳ ውሱን እንተኾነ፡ ክንዲ ዝከኣሎ ነብሱ ክሕሉ፡ ኣብ ሕድሕዱ ክተሓጋገዝን ምስ ሓይልታት ምክልኻሉ ኩይኑ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ከሕይልን ዝጽውዕ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እዚ ናይ ሓባር መጸዋዕታ፡ ብሓፈሻ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ጉዳይ ሰብኣውነት ዝምልከቶምን ዘገድሶምን ከም ትካል ጥዕና ዓለም ዝኣመሰሉ ትካላትን ኤርትራውያን ኣዕቊቦም ዘለዉ ናይ ርሑቕን ጐረባብትን መንግስታትን፡ ንጉዳይ እቶም “ኣነ ኣለኹልኩም” ዝብል ናይ ህዝቡ  ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ ዘየብሎም ኤርትራውያን፡ ዝያዳ ኩሉ ግዜ ቆላሕታ ክህብዎ ዝምሕጸን እዩ።

እቲ መጸዋዕታ ብዛዕባ ኩሎም ኤርትራውያን ዝግደስ ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስዚ እዋናዊ ኩነታት ኣተሃላልዋኦም ንሓደጋ ተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝተቓለዐ፡ ኣብ መደበራት ስደተኛ፡ ኣብ ከም ሳዋ ዝኣመሰሉ ግዱድ መዳጐንን ኣብ ፈቐዶ ስዉርን ግሁድን ኣብያተ-ማእሰርትን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዝያዳ ቆላሕታ ዝህብ እዩ። እዚ መጸዋዕታ ኣዝዩ እዋናውን ግዜ ዘይህብ ቅልጡፍ ምላሽ ዝሓትትን ብምዃኑ ድሮኳ ብላዕለዎት ጉዳይ ኤርትራ ዝምልከቶም ኣካላት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣቓልቦ ረኺቡስ “እሱራት ፍታሕ” ዝብል መልእኽቲ ናብቲ ማእዝኑ ዝሰሓተ ምምሕዳር ኤርትራ ክመሓላለፍ ጀሚሩ ኣሎ። ምምሕዳር ኤርትራ ግና ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ስለ ዝጨከነ፡ ብዛዕባ እሱራት ምፍታሕን ዘይምፍታሕን ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ንህዝቢ ኤርትራ ዝተለገሰ ሓገዝ መከላኸሊ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣይቅበልን ምባሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ትካላት ጥዕና ምዕጻዉን መራሒኡ ኣብ ክንዲ ተስፋ ዝህብን ዘተባብዕን መግለጽታት  ዝህብ ምሕባኡን ዘመልክቱ ዜናታት ኢና ንሰምዕ፡ ንዕዘብን ነንብብን  ዘለና።

ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዘለዉ ኮነ ኣብ መደበር ስደተኛታት ንዝርከቡ ዜጋታቶም ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስን ዘርእይዎ ዘለዉ ሓልዮትን ዝነኣድን ዘሕብንን ስለ ዝኾነ፡ ኩልና ብተገዳስነት ከነሰንዮ ዝግበኣና እዩ። እዞም ምቕሉላት ሓደ ኣብ ግምት ከእትውዎ ዝግበኦም መሰረታዊ ቁምነገር ግና ኣሎ።  ጉጅለ ህግድፍ ነቲ ምልዕዓሎም ከም ፖለቲካዊ መሕብእን መረሳስዕን፡ ነቲ ልግሶም ተወፋይነቶምን ከኣ፡ ከምቲ ልማዱ መህጠሪ ጉጅላዊ ካዝንኡ ከይጥቀመሎም ምስትብሃል ከድሊ እዩ። እዚ ኣብ ዓለምና ተላቢዑ ዘሎ፡ ጌና መንቀሊኡን መዕረፊኡን ዘይተፈልጠ ሕማም፡ ዓለም ብዓለማ ብማዕረ ዘንቀጥቅጥ ዘሎ እዩ። እንተኾነ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ስርዓታትን ምምሕዳራትን ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጸገም ናቱ ግደ ከም ዘለዎን ንብዙሓት ከም ዝፈተነን  ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ብመንጽርዚ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ምስቲ ዝጸንሐ፡ ህዝቢ ዘየሳትፍ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ግምት እውን ዘየእቱ ቀይዲ በተኽን ኣብ ንቡር ኩነታት እውን ዝተሳዕረ፡  ኣተሓሕዛ ህግዲፍ ኣብ ምግዳድ እቲ ሳዕቤን ዓብይ ግደ ከም ዝህልዎ ኣይንዘንግዕ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ቃልስና፡ ብሰንክዚ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ጸገም ንግዜኡ ደኣ ቀዳምነት ኣይንህቦ እምበር፡ ቀንዲ ውራይና ስለ ዝኾነ፡ በዚ እዋናዊ ጸገም ተሰናቢድና ኣዋዲቕናዮ ህዝብና ንሓዋሩ  መፍቶ ህግዲፍ ክኸውን ኣይንፈቅድን ኢና። ካብ ሓባራዊ ኣዋጃትን መግለጺታትን ክብ ኢልና፡ ምስ ከም ንቕሎ ይኣክልን ብሓፈሻ ተበግሶ ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያተኛታት ጥዕናን ኮይና፡ ናብ ዝያዳ ተግባራዊ ስጉምትታት ከነቕንዕ ከድልየና እዩ።

Last modified on Wednesday, 08 April 2020 09:29