ኣተሃላልዋ ኤርትራውያንን ለበዳ ኮሮናቫይረስን

2020-04-02 08:50:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2457 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክ’ቲ ህግዲፍ ኣብ ሃገርና ዝፈጠሮ ኩርኳሕ ኩነታት፡ ኤርትራውያን ከም ደቂ ዛግራ ፋሕጭንግራሕ ኢሎም ከም ዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ገዛእ  ሃገሮም ኣብ ሕሱም መነባብሮን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርትን ኣብ ዘይውሑስን ዘይክፈሎን ግዱድ ስረሓትን ኣብ ዝቓይ ይነብሩ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ  እቶም ካለኦት ገሊኦም ኣብ ውጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት  ኣብ ዘይውሑስ ህይወት፡ ካለኦት ከኣ ኣብ ፈቐዶም ኣጸጋሚ መደበር ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን ዝኣመሰሉ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኩነታት ይርከቡ። እዚ ኣተሃላልዋ ኤርትራውያን ብፍላይ ናይቶም ስደተኛታት፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ሎሚ ዓለም ለኻዊ ኣዝዩ  ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ከቢድ ጉድኣት ዘውርደሉ ዘሎ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት እውን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ፈቐዶ መደበራት ስደተኛ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብሰንክዚ ናይ ፋሕጭንግራሕ ኣተሃላልዋኦም ሓብሓቢ ስኢኖም ክሳቐዩን ካብዚ መከራ ንክወጹ ክምሕጸኑን ጸኒሖም እዮም። ካብ ሊቢያ፡ ማልታን እስራኤልን  ክንሰምዖ ዝጸናሕና ቀጻሊ ኣውያትን መጸዋዕታን ኤርትራውያን ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብ መደበራት ስደተኛ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ህይወት እውን ካብዚ ብዙሕ ዘይፍለ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሕማም ኮሮናቫይርስ ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ኮንካ እውን ኣዝዩ ኣጨናቒ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ፡ ኣብ ትግራይ መደበር ሕንጻጽ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝደተኛታት፡ ብዘይ ድሌቶም፡ እኹል መሳለጥያን መጽለልን ናብ ዘየብሎም መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ንምብታኖም ዝግበር ዘሎ ገልታዕታ፡ ግዳይ ናይዚ ሕማም ናይ ምዃን ዕድሎም ዘጋድድ እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ግና ሰማዒ እዝኒ ክሳብ ዝረኽቡ ነቲ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዘይተኸተለ ኣስገዳድ ውሳነ ምቅዋሞም ቀጻሊ ኣሎ። ካብዚ ከይወጻእና፡ ነቲ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ልግስን ሰብኣዊ ሓላፍነትን እንዳነኣድናን እንዳተባባዕናን፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካልእስ ይትረፍ እዚ ሕማቕ እዋን ክሳብ ዝሓልፍ፡ ንጉጅለ ህግዲፍ ብዋጋ ስደተኛታት ንምሕጓስ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይጭክንን ኣብ ውሳነኡ ዳግመ-ርኢቶ ክገብርን መጸዋዕታና ነቕርበሉ።

ኣብዚ ሓያላትን ምዕቡላትን ሃገራትኳ ዜጋታተን ንምድሓን ኣዝየን ተጸጊመናሉ ዘለዋ ግዜ፡ ብዛዕባ ኣብ ፈቐዶ መደበራት ስደተኛ ዘለዉ ግዳያት ዝዛረብ ዓለም ለኻዊ ኣካል ዘይምህላዉ ከኣ፡ ስደተኛታት ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ዘመልክት እዩ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ካብቶም ኣብ መደበራት ስደተኛ ተዳጒኖም ዘለዉ ዝሓሸ ናይ ምዝራብን ምልጋስን ዕድል  ስለ ዘለዎም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ስደተኛታት መሰሎም ከይግፈፍ ክምሕጸኑ ጸኒሖም እዮም። እዚ ጉዳይዚ ሎሚ እውን ቆላሕታ ሂቦም ስምዕታኦም ከዛይድሉ ዝግበኦም ወቕቲ እዩ። ብግብሪ ከኣ ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። ዋላኳ ዝያዳ ናብ ስደተኛታት ምትኳር ዘድሊ እንተኾነ፡ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ ህይወት እውን ንምምሕዳር ህግዲፍ ኣሚንካ ዘቕስን ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ።

ቅድሚ ናብቲ ክግበረሎም ዝግባእ ደገፍ ምሕላፍና፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዘዘለዉዎ ከም ዝኾነ ሰብ ክንድቲ ኩነታት ዝፈቅደሎም፡ ነቲ ንምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይርስ ብዝምልከት ዝመሓላለፍ ምዕዶን ምኽርን ተስፋ ከይቆረጹ ክተግብሩ ይግበኦም። ምኽንያቱ ናይዚ ሕማምዚ መከላኸሊ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢድ ሓካይም ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድ ጥንቃቐ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ብምዃኑ። ኣብዚ ዕዉታት ንክኾኑ ከኣ፡ ብዝኾነ ይኹን ንኡሳን ስምዒታትን ዝንባለታትን ከይተፈላለዩ ሓድነቶም ኣደልዲሎም ኩሉ ዓቕሞም ህይወት ናብ ምድሓን ከውዕልዎ ንጽወዖም።

ብዛዕባቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ህግዲፍ ዝነብር ህዝብና፡ ህግዲፍ ኣብ ሎሚ በጺሑ ርህሩህ ልቢ ከሕድር እትጽበዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  ዝጨከነ ስለ ዝኾነ። ዋላ ከምኡ ይኹን እምበር ህግዲፍ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንህዝብና ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ክቕጽዖ ዝጸንሓ፡ ኣብዚ ኣዝዩ ሕማቕ እዋን ከይደግሞ ነዚ ጉጅለ ከይነገርናዮ ኣይንሓልፍን። ህዝብና እምነቱ ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ስለ ዘጉደለ፡ ኢድን ድምጽን ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ወገኑ ክጽበ እዩ። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና እውን ነዚ ዝስሕቶ ኣይኮነን። በብኩርንዑ “እንታይን ብኸመይን ኢና እሞ ንህዝብና ክንሕግዞ?” ዝብል ሕቶ ይለዓልን ግብራዊ ምንቅስቓስ ይረኣይን ምህላዉ ከኣ፡ ናይዚ ምስክር እዩ።

ኣብዚ  እቲ ዝግበር ሓገዝ ናብቲ ህዝቢ ከም ዝበጽሕ ምርግጋጽ ከድሊ እዩ። እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ብዓይነት ኣብ ምክልኻል እዚ ሕማም ዝሕግዙ ጥዕናዊ መሳርሕታት እምበር፡ ብጥረ ገንዘብ ከይከውን ምስትብሃል ኣድላይ እዩ። ምኽንያቱ ህግዲፍ ዝኾነ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ቀዳምነቱ ምምላእ ካዝና ስለ ዝኾነ፡ “ጥረ ገንዘብ ሃቡኒ እሞ ባዕለይ መሳርሒ ክዕድግ እየ” ዝብል ብሂል ከም ዘምጽእ ፍሉጥ እዩ። እቲ “ህግዲፍ ናይ ገንዘብ እምበር፡ ናይ ዓይነት ሓገዝ ኣይኮነን ዘድልየና” ኢሉ ብዝብል ዝናፈስ ዘሎ ወረ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ።

ኣብዚ ኣስጋኢ እዋን ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንከለና፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ “ብኸመይ ንሕግዝ?” ጥራይ  ኣይኮነን። ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ፈቐዶ ምስጢራዊ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዳጒንዎም ዘሎን በዚ ሕማም እዚ ዝያዳ ክጥቅዑ ዝኽእሉን እሱራት ክፈትሕ እውን ክንምሕጸኖን ነዚ መልእኽቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተጽዕኖ ናይ ምግባር ዓቕምን ሓላፍነትን ናብ ዘለዎም ኣካላት  ከነብጸሖን ከኣ እዋኑ እዩ።

Last modified on Thursday, 02 April 2020 10:56