ንሕና ሰብ ተደራራቢ ዋኒን ኢና

2020-03-28 08:15:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3038 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ሓደ ዝተወሰነ መድረኽ ብሓንሳብ ተደራራቢ ብደሆታት ከጋጥም ዝነበረ እምበር ሎሚ ዝጅምር ዘሎ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ንጉዳያት ከከም ህጹጽነቶምን ክብደቶምን ቀዳምነታት ሰሪዕካ ምሓዞም ግድነት እዩ። ኣብ ዝተወሰነ እዋን ቀንዲ ቆላሕታኻ ኣብቲ ቀዳምነት ዝሃብካዮ መደባት እኳ እንተኾነ፡ ነቶም ጽባሕ ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ ሎሚ ግና ኣብ 2ይ፡ 3ይ ደረጃ ዝስርዑ ዋኒናት እውን ጠቕሊልካ ትርሰዖም ማለት ከም ዘይኮነ ካብ ተመኩሮ እንመሃሮ እዩ።

ሎሚ ንዓለምና “ኮቪድ-19 ኮሮናቫይረስ” ዝተባህለ ትንፋስ ዘይህብን ዘየናሕስን ለበዳ ኣሸቢርዋ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ እውን ኣንበጣ፡ ምንቅጥቃት መሬት፡ እሳተ-ጐመራን ደርቅን ካልእ ዓይነት ተላጋቢ ሕማማትን ተመሳሳሊ ጸገም ዝፈጠርሉ ተመኩሮኳ እንተነበረ፡ ናይ ኮሮናቫይረስ ጉዳይ ግና ፍሉይ ምዃኑ ኩልና ንሓልፎ ዘለና ህይወት እዩ። እዚ ዓለም ብዓለማ ኣሰንቢዱ ዘሎ ወራር ኮሮና፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ጽባሕ ብኹሉ መለክዒ ብቕዕትን ተወዳዳሪትን ኤርትራ ክንርኢ ጌና ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢ፡ ነቶም ኣብ  ኩሉ ጽላታት ዕቤት ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዙ መንግስታትን መራሕተንን እውን ኣዝዩ ብዳሂ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ህልዊ ኩነታት፡ ቻይና፡ ኢጣልያ፡ ኣሜሪካ፡ ፈረንሳ፡ ስፐይን፡ ጀርመንን ካለኦት መሳቱአንን ከኣ ናይዚ ምስክር እዩ።

ብዘይ ወዲ ሰብ ዝሕሰብ ዕቤት ኮነ ህልውና የለን። ወዲ ሰብ የለን ማለት ኩሉ የለን ማለት እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ነዚ ቀዛፊ ለበዳ ምዕጋት ቅድሚ ኩሉ ዝስራዕ ዓለም ለኻዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ። ዓለምና ከኣ ኩለንተነኣ፡ ቀልባን ዓቕማን ኣብኡ ተጸሚዳ እነሀት። እንተኾነ እዚ ኣጸጋሚ ኩነታት ሓሊፉ ናብቲ ዝጸነሓቶ ንቡር ህይወት ከም እትምለስ ትስፉው ተረድኦ ምሕዳር ከኣ ግድነት እዩ። ተስፋ እንተዘየልዩ ነዚ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ “ህይወት ካብ መቕዘፍቲ ናይ ምድሓን” ምርብራብ እውን ከተዕውት ኣይክትክእልን እያ። ነዚ በዳሂ መኸተ ምዕዋት ንውሱናት ሃብታማትን ሓያላትን ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ዓቕሚ ዝሓትት ምዃኑ ክንርዳእ ናይ ግድን እዩ። ካልእ ይትረፍ ነቲ ብክኢላታት “መዋጸኦ ክኸውን” ተባሂሉ በብግዜኡ ዝንገረና መምርሕታትን ምዕዶን ተቐቢልና ህይወትና እንተ ኣድሒንናን፡ ብዘለና ዓቕሚ እቲ ምኽርን መጠንቀቕታን ናብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ እንተኣባጺሕናን  ኣብ ምምካት ክሮና ዝነዓቕ ኣስተዋጸኦ ኣይኮነን።

ቀዳማይ ዕማሙን ተልእኮኡን ፖለቲካዊ ጐስጓስ ኮይኑ ዝጸንሐ ናይ ሓይልታት ለውጢ ናይ መራኸቢ ሜላታት ብዘለዎ ዓቕሚ፡ ኣካል ናይቲ ነዚ ሕማም ንምምካት ዝካየድ ዘሎ ምርብራብ ኮይኑ ክስለፍ ከድልየና እዩ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ክንዝርግሕ እንከለና ከኣ ጥንቃቐ ንግበር። ህዝቢ ኣሰንቢዱ ዘርዕድን ተስፋ ዘቑርጽን ዘይኮነ፡ ጌጋ መንገዲ ከይሕዝ ዝምዕድን ትስፉው መጻኢ ዘመላኽትን ክኸውን ይግበኦ። ከም ኣብነት ናይተን ነቲ ሕማም ናይ ምቁጽጻር ኣወንታዊ ኣንፈት ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት ክንጠቕሰሉ ይምረጽ። ኣጋጣሚ ኮይኑ በዚ ሕማምዚ ተለኺፍካ ማለት ብኡንብኡ ትመውት ማለት ከምዘይኮነ ምርድኡ እውን ጽቡቕ እዩ።

ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል እዚ ሕማም ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንርከበሉ ዘለና ኣሻቓሊ ደረጃ፡ ኣብ ንቡር ግዜኳ ተራ መድሃኒት ኣብ ዘይርከበለን ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝያዳ ከም ዘሻቕል ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ ናይዚ ሕማምዚ ቀንዲ መከላኸሊ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝገብሮ ጥንቃቐ ዝምርኮስ ስለ ዝኾነ፡ ህዝብና እንተደኣ ተጠንቂቑ ማዕረቲ ኣብተን ሓያላትን ዝማዕበላን ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ክምክትን ክድሕንን ተኽእሎ ከም ዘለዎ ክንሕብሮን ከነተስፍዎን ክንበቅዕ ይግበኣና።

እዚ ከም ሰብ ንህልውናና ዘስግእ ዘሎ ሕማም፡ ነቲ ናይ ለውጢ ቃልስና ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃስዮ ንርእዮ ዘለና እዩ። ርሑቕ ከይከድና እቲ ዓብይ ተጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ፡ ኣጋጣምታት፡ ኣኼባ 14 መጋቢት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ርክብ መራሕቲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ለንደን 22-24 መጋቢት 2020ን ኣብ ጀርመን ኮነ ሽወደን ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባታት ዘይምክያዱ ርኡይ ኣበነት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እዚ ሎሚ ኩሉ ቀልብናን ሃምናን ናብኡ ኣቕኒዕናሉ ዘለና ቀዛፊ ለበዳ ሓሊፉ፡ እቲ 2ይ 3ይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ተደራራቢ  ናይ ለውጢ ቃልሲ ዋኒንና ኣብ 1ይ ቦታኡ ከም ዝምለስ ተስፋ ከነሕድር ይግበኣና። እዚ ዘለናሉ ኩነታት ምናልባት ብስፍሓቱ፡ ቅልጣፈኡን ዘኸትሎ ዘሎ መቕዘፍትንኳ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ እንተኾነ፡ ከምቶም ዝሓለፉ ባህርያዊ ጸገማት ዝሓልፍ እምበር ከም ናይ መወዳእታና ህልውናና ጌርና ክንወስዶን ንኹሉ ተስፋና ካብ ኣእምሮና ሓጢጥና ከነውጸኦን ኣይግበኣና።

እዚ ዘለናሉ ኩነታት ተቐይሩ፡ ኣብቲ ስሩዕ ናይ ለውጢ ቃልስና ተመሊስና፡ ነቲ ርህራሀን ተሓታትነት ዝረሓቖ  ምምሕዳር ህግዲፍ ስዒርና፡ እታ ንብህጋ ኤርትራ ከም እነውሕስ እምነት ከነሕድር ይግበኣና። ህዝብና ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብቲ ዘይተርፍ ዓወቱ ክጠራጠርን ተስፋ ክቖርጽን ኣይግበኦን። ሕጂ እውን ናይ ሎሚ ቀዳምነትና ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ዓለምንኳ እንተኾነ፡ ከቶ ሰብ ተደራራቢ ዋኒን ምዃና ግና ንካልኢት እውን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

Last modified on Saturday, 28 March 2020 09:18