ስለምንታይ’ዩ ሓድነት ዘገድሰና?

2020-05-11 07:59:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3151 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ከም ኤርትራውያ ኣብ ሓንቲ ሃገር  ንክንነብር ዝተፈጠርና ኢና። ሃገርና ኩሉ ተሓጒሱ ዝነብረላ፡ ጥዑይ ህይወት ክህልዋ ድማ ስምምዕን ሓድነትን ናይ ኩሎም ደቃ ግድነታዊ ተደላይ ይገብሮ። ንዓና ኤርትራውያን ሕቶ ሓድነት፡ ግዚያዊ ጸገም ንምስዓር ጥራይ ኢልና እነልዕሎ ኣይኮነን። ሃገርና ብሰላም፡ ብልጽግናን ክብርን ክትህሉ ብተግባር ከነረጋግጾ ዝግብኣና ዕላማ ብምዃኑ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ ቃልሲ ንሓድነት፡ ካብቲ ንሃገራዊ መንነትናን ክብርናን ዝተቓለስናዮ ዘይትሕት ክኸውን ዝኸኣለ።

ኣብ ኤርትራ እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ኣብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ሓድነትና ኮይኑ ዘሎ፡ ህልዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ቀዳማይ ዕንቅፋት'ዚ ኣብ ምልጋስ ሓድነት ናይ ኩሎም ኣብዚ ዝኣምኑ ኤርትራውያን እዋናዊ ጠለብ ኮይኑ ይርከብ። ኣርእስትና ውን ነዚ ጠለብ'ዚ ንምምላስ፡ ጽብብ ብዝበለ፡ ንተደላይነት ሓድነት ዝድህስስ ክኸውን እዩ።

ሓድነት ወትሩ ሓይልን ዓቕምን እዩ። ሓድነት ይዕበ ይንኣስ፡ ናይ ሓባር ሸቶኻ ሓቢርካ እተዕውተሉን ኣብቲ መስርሕ ዝጸንሕ ዕንቅፋታት እትጸርገሉን መሳርሒ እዩ። ኣገዳስነትን ኣድላይነትን ሓድነት ኣብ ኩሉ፡ ግዜ’ ቦታን ኩነታትን ቦትኡ በሪኹ ዝረአ እምበር፡ ሓደ ግዜ እትወስዶ ሓደ ግዜ እትጓስዮ ናይ ምርጫ ጉዳይ ኣይኮነን።

ኣገዳስነት ሓድነት ክሳብ ክንድዚ ዘይስገር ዕዙዝ ዝኸውን፡ ኣብ መንጎ እቶም ብመንገዲ ሓድነት ናይ ሓባር ሸቶኦም ከመዝግቡ ዝግበኦም ኣካላት፡ ዝኾነ ፍልልይ ኣብ ዘይሃለወሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ናይ መንነት ብዙሕነትን እንዳሃለወካ እውን፡ ንፍልልያትካ ኣመሓዲርካ ሓድነትካ ኣዕቊብካ፡ ብሓባር ተቓሊስካ ናይ ሓባር ዓወት ንምምዝጋብ መሰረታዊ መሳርሒ እዩ። ሓድነት መንነታትካን ኣተሓሳስባኻን ዓቂብካ ኣብቲ ብሓባር ዘርበሓካ ደረጃ በሪኽካ እትወጸሉ ፍቱን መንገዲ እዩ። ሓድነት ከም መውጽእ ዝኣፍ፡ ጨሪሕካዮ እትሓለፍ ዘይኮነ፡ ዓሚቕ ትርጉምን  ስርጸትን  ሒዙ ኣብ መስርሕ ዝምዕብል ቀጻሊ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት ስራሕ  እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) “ጻዕርና፡ ምስቶም ዝኾነ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘይብልና ክሳብ ፍጹም ሓድነት፡ ምስቶም ንምቅርራቡ ግዜ ዝወስድ ፍልልይ ዘለና ከኣ ክሳብቲ ክንከዶ ዝግበና ብሓባር ንምቅላስ ዘኽእለና ሓድነት ክንበጽሕ ዝነጥፍ ቀጻሊ መስርሕ’ዩ” ዝብል መትከል ሒዙ ይጽዕት ኣሎ።

ሓድነት ወትሩ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትና ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ከምቲ “እስኪ ንተኣከብ ምኽሪ ክርከብ” ዝበሃል፡ ፍቱን ናይ ጸገማት መፍትሒ እዩ። ብዘይካዚ ነቶም ካብ ምርሕሕሓቕና ዝዕንገሉ ኣካላት ዓቕምና ኣስሚርና እንስዕረሉ እዩ። ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ ካብ ምፍልላይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጥን ምትፍናን ህዝቢ ኤርትራን ዝድረር ሓይሊ ከኣ፡ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾኖ፡ ኣንጻር ሓድነትና  ኩሉ መዓጹ ክኩሕኩሕን ህጣራ ንዋት ከፍስስን ድሕር ዝብል ከምዘይኮነ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፣ ሓድነት ስለ ዘድልየካ ወይ ስለ እትብህጎ ጥራይ ዝርከብ ዘይኮነስ፡ ከቢድ ግን ከኣ ኣብ ኢድና ዘሎ ዋጋ ዘኽፍል ብደሆ ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ።

ካብ መምዘንታት ናይዚ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓድነት፡ ብናይ ሓደ ጻዕሪ ካብቶም ኣብ ሓድነት ዝርብሑ ኣካላት ዝዕወት ዘይኮነስ፡ ናይ ኩሎም’ቶም ሰብ ዋኒን ተዋሳእቲ ኣበርክቶ ዝሓትት ምዃኑ እዩ። ኣብ መስርሕ ሓድነት ክንጽዕት እንከለና፡ ንነናይ ገዛእ ርእስናን ነቲ “ናትና” እንብሎ ኣተሓሳስባን ንምዕዋት እምበር፡ ንረብሓ ካልእ ኢልና እንህቦ ኣገልግሎት ከምዘይኮነ ክንግንዘብ እሞ፡ ኣብ ምዕዋቱ ካብ ተጸባይነትን ተዓዛብነትን ወጺእና “ይሕግዝዩ” ዝበልናዮ መዋጸኦ ሓሳብ ኣመንጭና ክንቅረብን ክንጽዕትን ይግብኣና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብቲ ብ2017 ዝነደፎ እማመ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  “ኣብ ዘለናዮ እዋን ንእንገብሮ ሓባራዊ ስራሕ መበገሲ መትከላት ክዀና ዝኽእላ ምዃነን ምግንዛብን ብዕዙዝ ኣገዳስነተን 1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ 2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤ 3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤ 4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፡” ዝብላ ሓሳባት ናይ ምስፋሩ ምስጢር ኮነ፡ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ 2019 “ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድአ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምትታ ይወስድ” ዝብል ፖለቲካዊ ውሳነ  ናይ ምውሳኑን ትርጉም ከኣ መርኣያ ንድሕሪት  ዘይምለስ ዕቱብነቱ ኣብ ኣገዳነት ሓድነት እዩ።

ሓድነት ክንድቲ ናይ ኣገዳስነት ዕዝዙነቱ፡ ምውሓሱ እውን ቀሊል ከም ዘይኮነ ተመኩሮና የረደኣና። መስርሕ ምውሓስ ሓድነት ከቢድ ዝገብርዎ፡ ንሕና እቶም ከነረጋግጾ ዝግበና፡ ቀሊል ክነሱ ከም ከቢድ፡ ዝከኣል ክነሱ ከም ዘይከኣል ጌርና ስለ እንሕዞን እንርደኦን እዩ። ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን፡ ካብ ጸቢብ ሕሳባት ዘይምውጻእ፡ እታ እተዋጽእ ሓቂ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ ምባል፡ ክንድቲ ክትስማዕ እትደልዮ ክትሰምዕ ቅሩብ ዘይምዃን፡ ዝያዳ ዓቕምኻ ኣብ ዝሓለፈ ምጽብጻብ ዘይኮነ ኣብ መጻኢ መዋጽኦ ዘይምጽማድ፡ ንሓላፍነት ብዓይኒ ቃልሲ ዘይኮነ ብዓይኒ ተጠቃምነት ምርዳእ፡ ዘይግሉጽነት ….ወዘተ፡ ካብ ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ክንወጽእ እንተንበቅዕ ምርግጋጽ ሓድነት ቀሊል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ነቲ ካብዞም ዝበልናዮም ሓድነት ዝዕንቅፉ ኣተሓሳስባታት ናይ ምውጻእ ዓቐብ ደይብና ኣብ ሰፊሕ ጐልጐል ክንበጽሕ ዝቐረብና ኢና እንመስል ዘለና'ሞ በቲ ሒዝናዮ ዘለና ናህሪ ንድፋእ።

ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መኻይድኻ ክነሱ ኣብ ክንዲ ደጊፍካ ምሳኻ ተጓዕዞ፡ ሰጊርካዮ ዕዝር ምባል ዘዐውት ኣይኮነን። እዚ ኣብ ሕሉፍ ተመኩሮና ኣብ መስርሕ ሓድነት ዘኽሰረና ምንባሩ፡ ኣብ ሐሕልና ኩልና ዘሎ ዘጣዕስ ዝኽሪ እዩ። ደሓር ግና ካብዚ ክደጋገም ዘይግበኦ ናይ ሰዓራይን ተሰዓራይን ዝኽሪ ክንወጽእ ከም ዝግብኣና ካብ እንርዳእ ነዊሕ ግዜ ጌርና ኢና። እቲ ናይ ርሑቕ ገዲፍና፡ ተበግሶ፡ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ደሓር ዝተራእየ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካለኦት ግንባራት፡ ጽላላትን ምትሕንፋጻትን ከኣ ናይ ሓቢርካ ምዕዋት ኣተሓሳስባ ከም ዘጥረና ዘመልክት እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ዳሕረዋይ ንቕሎታት እውን ክንድቲ ዝድለ ኣየድማዕናን። ኣብዚ ብዘይምድማዕና ከኣ ድኽመትና ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ  ሓድነት ተራእዩ እዩ። እዚ ተመኩሮናዚ ዝያዳ ሃሳዪ ዝኸውን ከኣ፡ ኣብ መጻኢ እውን ጌና ክንመሃረሉ እንተዘይ ክኢልና እዩ። እንተኾነ ሎምስ ምስቲ በብኹርናዑ ዝነፍስ ዘሎ ናይ ሓድነት ጠሊ፡  ዝለበምና ኢና ንመስል ዘለና እሞ ኣጽኒዕና ሒዝና ንቐጽሎ። ናይዚ “ስለምንታይ’ዩ ሓድነት ዘገድሰና?” ዝብል ሕቶ መልሲ፡ ካልእ ዝርዝር ከየብዛሕና፡ “ኣብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ዓወት ክንበጽሕ ካልእ መዋጸኦ ስለ ዘየብልና” እንተበልናዮ ጌጋ ኣይኮነን።

Last modified on Monday, 11 May 2020 10:04