EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝምድና ምስተፈጥረ እቲ ተርኽቦ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ነይሩ። ኣዘራራቢ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ብትሕዝቶኡ ዘይግሉጽ ብኣካይዳኡ ከኣ ዘይትካላዊ ተበግሶ ስለ ዝነበረ እዩ። ሓደ ካብ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ “ሓቢርካ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ምጥፋእ” ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ብሃተፍተፍ ኢሳያስ ካብ መጀመርያኡ ዝተጋህደ እዩ ነይሩ።

እዚ ነቲ በዓል ቤት ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረን ብስሙ ብዙሕ ሸፈጥ ዝተዘመረሉን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይግሉጽ ስምምዕ፡ ንገለ ናይ ግዳም ሓይልታት ግና ስዉር ኣይነበረን። ብመሰረቱ እውን ቀንዲ መንፈስ ናይቲ ስምምዕ ኣብ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘየድሃበ፡ ብናይ ግዳም ድፍኢት ዝተደፍአን  ብሃብታማት ዞባ ምብራቕ ቀይሕ ባሕሪ ዝተቓነየን እዩ፡ ዝብል ርኢቶ እውን ብብዙሓት ተዓዘብቲ ይንጸባረቕ ነይሩ እዩ። ናይቲ ውሽጡ ዘይፍለጥ ስምምዕ ኣብ ሱዕድዓረብያን ሕቡራት ዓረብ ኤምረትን ኬድካ ደጋጊምካ ምፍራሙን ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ ብመራሕቲ ናይዘን ክልተ ሃገራት ዓረብ ወርቂ መዳልታትን ማዕተብን ምስላምን ከኣ ናይዚ መርኣያ እዩ። ናይ ከም በዓል ፕረሲደት ትራምፕ  ዝኣመሰሉ ናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ “ኣጆኻትኩም” በሃልነት እውን ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ።

ነቲ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ዘይተገልጸን ትካላውን  ሕገመንግስታውን መልክዕ ዘይሓዘን ስምምዕ ንምምልኻዕ  ብረብሓን ሓድነትን ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምጉልባቡ እውን ተፈቲኑ እዩ። ወዮ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታታት  ተዓጽዩን ተነጺሉን ዝጸንሐ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪዚ ንዛረበሉ ዘለና ስንኩፍ ስምምዕ ነጢሩ፡ ኣወሃሃዲ መራሕቲ ዞባና ክኸውን፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣኸቲሉ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ሱዳን፡ ሶማሊላንድን ጅቡትን ኣብ ገሊኡ ብኣካል ኣብ ገሊኡ ከኣ ብልኡኻቱ  ክጻፋዕ ፈቲኑ። እንተኾነ በቶም ብዛዕባዚ ተንኮለኛ ምህዞኡ፡ ቅድሚኡ ዝተረድእዎ መራሕቲ ሃገራት “ሓቀኛ እንተኮይካ ኣብ ከም ኢጋድ ዝኣመሰላ ዞባዊ ትካላት ኣበርክትን ንጠፍን፡ ካብዚ ሓሊፉ ኣፍራሲ ኢድካን እግርኻን ኣክበልና” ምስ ተባህለ ጸግዑ ሒዙ፡ ናብታ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ኮለሉ ተመሊሱ።

ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ወያ ካብ ቅድም ኩልና ዝፈለጥናያን ናይቲ ዘይህዝባዊ ስምምዕ ማእከል ምንባራ ዝተረዳእናያን ከነእውየላ ዝጸናሕና ብግብሪ ኣትዮም። ኢሳያስን ኣብይን ብሓባር ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ተዋጊኦም። ኢሳያስ ከምቲ ዝፈከሮ ሕነ ንክፈዲ ኣብቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተኻየደ፡ ካብ ቅድም እውን ኤርትራዊ ጉዳይ ራሕሪሑ፡ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ውግእ ኣትዩ ጽምኡ ኣርውዩ። ናይ ኢሳያስ ወረቓቕቲ እንዳቐያየርካ ብመስዋእትን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ምጥላዕን ክቡር ዋጋ ክኸፍል ምግዳድን፡ ሎሚ እውን ተደጊሙ ዘይኮነ ተደጋጊሙ። ብሰንክዚ ኢሳያስ ዘምጸኦ መዘዝ፡ ኤርትራውያን ከም ዝሞቱ፡ ንብረቶም ከም ዝዓነወ፡ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎ ካልእ ጸገማት ህዝብና ብራዕዲ ከም ዝተዋሕጠ፡ ንርእሱ እንዳጠመየ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክቕልብ ከም ዝተገደደ፡ ኮታ ኤርትራ በቶም ጌና ብጐቦ ዓይኖም ዝርእይዋ ዘለዉ  ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣዕለቕሊቓ ትርገጽ ከም ዘላ ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል፡ ግሁድ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ፡ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ከቢድ ንዋታውን ሰብኣውን ክሳራታት ኣውሪዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ “ሕጂ ውግእ ተወዲኡ” ኣብ ትግራይ ድማ “ሕጂባ ቃልሲ ተጀሚሩ” ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ወገናት እውን ኩነኔኦም ነቲ ውግእ የስምዑ ኣለዉ። ሰዲህኤ እውን ነቲ ብሰንኪ ሽርከነት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ትግራይ ዝወረደ ማህሰይቲ ኮኒኑ፡ “ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ፍልልይ ስለዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።” ዝበሎ ብመንጽርዚ እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝሰጋእናዮ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብሰንክዚ ውግእ  ጉድኣት ከም ዘውረደ፡ ኣብ ርእስቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ፡ ነቲ ኣብ ህዝብን ሰብኣዊ ትካላትን ዓለም ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ ትግራይ ኣብ መደበራት ስደተኛን ካብ መደበራት ወጻእን ዝጸንሑ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝግመቱ ኤርትራውያን መንእሰያት ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ። ወግእ ከምቲ ዝኾኖ እምበር ከምቲ ሃንደስቱ ዝምነይዎ ስለ ዘይከውን ከኣ፡ ብቐጻሊ ሳዕቤን እውን ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጽበዮ ዋጋ ከም ዝህሉ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

እቲ ኣቐዲምና ዝፈለጥናዮን ዝገመትናዮን፡ ንትግራይ ናይ ምንብርካኽ ናይ ኢሳያስን ናይ ኣብይን ኣጀንዳ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ኩነታት ካብ በጸሔ፡ ካብቲ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ኣጀንዳታት ናይዞም ክልተ መራሕቲ ካልእ መስርዑን ግዜኡን ሓልዩ ክገሃድ ግድን ክኸውን እዩ። ካልእ ናይ ሓባር ኣጀንዳ  ዘይነበሮም እንተኾይኑ ከኣ ዋኒኖም ወዲኦም ነናብ ዝነበርዎ ክምለሱ እዮም። እዚ ዘይብሩህ መጻኢ እዩ ከኣ “ኢሳያሰ-ኣብይ፡ ሕጂኸ ናበይ?” ዘብል። ኢሳይስ መንገዲ ዲክታተርነት ዝመረጸን በቲ ዝመርጾ መንገዲ ዝቕጽል ዘሎን እዩ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ከኣ ባዕሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት “ንጉስ ኢትዮጵያ ክትከውን ኢኻ” ዝብል ትንቢት ከም ዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ናይ ኢሳያስን ኣብይን ህርፋን ልዕልናን ፈቓድን ህዝቢ ዘይቅበል፡ ጸረ ዲሞክራሲ እዩ። ምእንቲ ብሓባር ክቕጽሉ፡ ሓዲኦም ሕድገት ክገብሩ ከኣ ባህርያዊ ኣይኮነን። እዚ ካብ ኮነ ነፍሲ ወከፎም “ደሓን ናይ ሓባር ጸላኢናሞ  ነወግድ፡ ናቱስ ደሓር ከርክበሉ እየ” ዝብል ሕቡእ ሕልሚዶ ደኣ ይህልዎ ይኸውን። ስለዚ ናይቲ “ኢሳያሰ-ኣብይ፡ ሕጂኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ መልሲ ኣብ መጻኢ ሃሰስ እንብሎ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣሻቓልነት ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተባሪዑ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዝዓርግ ዘሎ ውግእ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ውግእዚ ኣብዚ ዓለምና ብረብሓን ኣተሓሳስባን ሓደ ካብቲ ካልእ ፈሊኻ ክትርእየሉ ኣብ  ዘይትኽእል ዝተጠናነገ እዋን ይካየድ ስለ ዘሎ፡ እቲ ሻቕሎት ኣብቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ክልተ ወገናት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ኣይኮነን። ከከም ደረጃኦም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን  ሕብረተሰብ ዓለምን ሻቕሎት የሕድር ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ ከኣ፡ ሓያሎ ሃገራትን ዞባውን ዓለምለኻውን ውዳበታትን ናይ “ውግእ ጠጠው ኣቢልኩም ተዛተዩ” ምሕጽንታአን የቕርባ ኣለዋ። እንተኾነ ቅሩብነት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዘይተሓወሶ እቲ ኣዕናዊ ውግእ ቀጻሊ ኣሎ። ብኣንጻሩ ግን  እቲ ውግእ ከይዓርፍ ዘጐሃህሩ ወገናት ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ምጉህሃር ናይዚ ውግእ ግደ ህግዲፍ ላዕለዋይ ቦታ ዝሕዝ እዩ።

ብሰንክቲ ውግእ ክሳብ ሕጂ ክሳብ ሚእቲ ሺሕ ዝበጽሑ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ። እዚ ኣሃዝ ከም ዝዛይድ ከኣ ናይ ብዙሓት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ግምት እዩ። መንግስቲ ሱዳን ነዞም ስደተኛታት መጽለልን ካልእ ማሕበራዊ ቀረብን ምድላው ልዕሊ ዓቕሙ ስለ ዝኾኖ ይጣራዕ ኣሎ። እዚ ኣብ ናይ ሱዳን ምርግጋእ፡ ቁጠባውን ካልእ ማሕበራዊ መዳያትን ዘሕድሮ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኮነን። ሳዕቤን ናይቲ ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ዘሎ ውግእ ካብ ስደት ሓሊፉ፡ ናይ ብዙሓት ወገናት ብህልቂት ብዘሕትት ኣገባብ ህይወት ዝቐዘፈን ብዙሕ ትካላት ዘዕነወን ኮይኑ ኣሎ። እዚ “መጀመርታኡ እምበር መወዳእትኡ ኣይፍለጥን” ዝተባህለሉ ውግእ እንተቐጺሉ፡ እቲ ሳዕቤን ሰማይ ናይ ምዕራጉ ዕድሉ ሰፊሕ ክኸውን እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዚ ኣሻቓሊ ውግእ ብደረጃ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ መዚኑ ብ21 ሕዳር 2020፡  ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “……ኣብ ክሊ’ዚ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ  ምሕጽንታኡ የቕርብ።” ብዝብል ዓሚቕ ሻቕሎቱ ኣስፊሩ ኣሎ።

ናይዚ ውግእዚ ሳዕቤን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ከም ተራ ናይ ጐረቤት ሃገር ተረኽቦ ዝረኣ ዘይኮነ፡ ኪኖኡ ዝኸይድ እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራ ብሰንክቲ ብዘይውግእን ህውከትን ዘይነብር፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ምምዕርራይ፡ ናብ ሻራን ኢድ ኣእታውነትን ዝጐዪ ጉጅለ ኢሳያስ ኣካልቲ ውግእ ኮይና ስለ ዘላ። ናይ ኢሳያስት ጣልቃ ኣእዳውነት ኣብዚ ውግእ፡ ሰራዊትን ኣጽዋርን ብምስላፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ የካይዶ ንዘሎ ውግእ መዋፈሪ ቦታ ብምሃብ’ውን ዝረአ ዘሎ እዩ። ብቀንዱ ከኣ ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምድና ክፈጥር እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንምጥፋእ ብዘለዎ ዓቕሚ ከም ዝዓዪ “ጉዳይ ወያነ ጸወታ ተወዲኡ” ወይ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእዳውና ኣጣሚርና ንርእዮ ዘይኮነ ኢድና እንሕውሰሉ’ዩ፡”፡ ድሕሪ ምባሉ ናይቲ ውግእ ቀንዲ ወጣኒ ከም ዝነበረ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ናይ ህግዲፍ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግእ ትግራይ ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ናይ ቀረባን ርሑቕን ባህሪ ዘለዎ እዩ።

እቲ ናይ ቀረባ ሳዕቤኑ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት መቕዘፍትን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጻ ሃገር ዘኸትሎ ዕንወት ክኸውን እዩ። ብዘይካዚ ናይቶም ኣብ መደበር ስደተኛትት ትግራይ ዝርከቡ ሚእቲ ሺሕ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ብደረጃ ስደተኛ ዘይተመዝገቡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኣማኢት ኣሸሓትት ዕድል እንታይ ከም ዝኸውን እውን ኣይፍለጥን እዩ። እቲ ናይ ርሑቕ ሳዕቤኑ ከኣ ከምቲ ገለገለ ኢትዮጵያውያን “ድሕሪ ሑመራ፡ ጉዕዞ ናብ ኣስመራ” ዝብልዎ ዘለዉ፡ ምስቲ ኢሳያስ ኣቐዲሙ ከርእዮ ዝጸንሐ ጥልመት፡ ንህልውና ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር እውን ሓደገኛ ሳዕቤን ዝጐትት እዩ። እቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ተናዊሑ  ንብዙሓት ሰብ ረብሓ እንተደኣዓዲሙ ከኣ ኤርትራ ዓውዲ ዞባዊ ውግእ ከይትኸውን ዘየስግእ ኣይኮነን። ሰዲህኤ ኣብዚ ጉዳይዚ ዝሓደሮ ስግኣት ንምንጽብራቕን ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራን ክቃለስዎ ንምጽዋዕን ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ መግለጺ ማእከላይ ባይቶኡ፡ “እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሓደ ካብ ዕላማታቱ ነቲ ኣሽሓት ህይወት ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ልዑላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዝህብ ስለዝዀነን ድሮ እውን ተጋሂሱ ስለ ዘሎን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ንምልኪ ስርዓት ኢሳያስ ብዘየዳግም ንምምሓዉ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ እዋኑ ስለዝዀነ ክልዓል ንጽውዕ።” ኢሉ።

ኢድ ኣእታውነት ህግዲፍ ኣብቲ ውግእ ንምዕጻፍ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ከነካይዶ ዝጸናሕናን ክሳብ ዝዕወት እንቕጽለሉን፡ ምእንቲ ሰላም፡ ዕቤት፡ ልዕልና ሕግን ዲሞክራስን እምበር፡ በይኑ ቆንጭልካ ዝረአ ዕማም ኣይኮነን። ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኣእትዩ ክወጽዎ ናብ ዘይክእሉ ሓደገኛ ኣቕጣጫ  ዝሸሞም ዘሎ’ውን፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐ ግፍዕን ክሕደትን እዩ። እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠንቁ ሕገ-መንግስታውን ፖለቲካውን ፍልልያት ዝወለዶ ስለ ዝኾነ፡ መፍትሒኡ እውን ካብ ዘተን ልዝብን ክወጽእ ኣይነበሮን።  ከምቲ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መግለጺ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ “ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።” ተባህሉ ዘሎ፡ ከምዚ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ ክኽተል ኣይመተገበኦን።

ሰዲህኤ፡ ጸረ-ህዝብን ህውከተኛን ተግባራት ህግዲፍ ከውግዝን ህዝብና ኣንጻርዚ ጉጅለ ክቃለስ ክጽውዕን ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን። እንተኾነ ህግዲፍ ተወጊዱ ራህዋን ቅሳነትን ህዝብና ክሳብ ዝረጋገጽ በዚ መንገዲ ክጐዓዝ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ሎሚ እውን ህዝብና ሓደገኛ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ብቃልሱ ክስዕር ንጽውዕ። እዚ በዚ ውግእ ተሓንጊሩ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዘንጠልጥል ዘሎ ናይ ዕንወት ደበና  ምቕንጣጥ፡ ናይ ሓደ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ማሕበር ውሱን ሓላፍነት ስለ ዘይኮነ፡ ከምቲ ካልእ ግዜ ብሓባር መኪትና ሃገርና “ዓውዲ ዞባዊ ውግእ” ካብ ምዃን ነድሕን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ውግእ ምስተጀመረ፡ “እቲ ውግእ ኣብ መንጐ መነመን እዩ?፡ ናብ ውግእ ዘብጸሐ ጠንኪኸ እንታይ እዩ?፡ ብድሕሪቶም ተዋጋእቲኸ መን ኣሎ?” ዝብሉ ሕቶታት ካብቶም ቀልጢፎም ዝለዓሉ እዮም። ናይዞም ሕቶታት ርጉጽ መልሲ ምርካብ ቀሊል ኣይከውንን። ምኽንያቱ ርጉጽ ሓበሬታ ውግእ ብባህሪኡ ሕቡእን ምስጡርን ኮይኑ ብኣዝዩ ረቂቕ ሕሳብ ዝወሃብ ስለ ዝኸውን። ከምዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ንዕዘቦ ዘለና መራኸብታት ዓጺኻ፡  ሓበሬታ ኣብ ዘይረከበሉ ኩንነታ’ውን ስለ ዝካየድ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጐረቤትና ትግራይ ሓያልን መጀመርታኡ እምበር፡ መወዳእታኡን ሳዕቤኑን ምግማቱ ዘጸግም ውግእ ይካየድ ኣሎ። እቶም ሕድሕድ ተዋጋእቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን እዮም። ዋላ’ኳ ልሙድ ኮይኑ፡ እቲ ውግእ ኣብ መንጐ’ቶም ዕጡቓት ሓይልታት ጥራይ ዝካየድ ዘሎ ኣምሲልካ ዝግለጽ እንተኾነ፡ እዚ ግን ንኣሰላልፋ ናይቲ ሓይልታት ዘመልክት እምበር፣ ብኽልቲኡ ወገን ንህዝቢ እውን ዝምልከት እዩ። ምኽንያቱ ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝካየድን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሳዕቤን ዘየኸትልን ውግእ ስለ ዘየለ።

ናብዚ ውግእ ዘብጸሖም ምኽንያት፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ኣብ ኣዝዩ ብዙሓት ጉዳያት ብዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ዝተሰነየን እዩ። ፍልልይ ኣብ ምምዛን ተመኩሮ ናይ 27 ዓመታት ምምሕዳር ኢህወደግ ገዲፍካ፡ ጉዳይ ሕገመንግስቲ፡ ኣብ ግዜኡ ምክያድን ምንዋሕን ምርጫ፡ ጉዳይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፖሊሲን ሕቶ ስልጣንን……ወዘተ ካብቶም ናብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ዝማዕበለ ፍልልያት ዝተራእየሎም ዛዕባታት እዮም። ብፍላይ ጉዳይ ምክያድን ዘይምክያድን ምርጫ ፡ ኣብ ሕድሕዶም ከም ሕጋዊ ኣካል ኣፍልጦ ምክልላእ ስለ ዘስዓበን፡ እቲ ዝበለሓ ናብዚ ውግእ ዝደፈአ ጠንቂ እዩ ኢልካ ምውሳዱ ይከኣል። ነዚ ፍልልያት ኣብ ምብራህን “ኣነ እየ ቅኑዕ ዘለኹ” ንምባልን ብኽልቲኡ ወገናት ክወሃብ ዝጸንሐን ዝወሃብ ዘሎን መርትዖታት ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ እዩ።

ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራን ዝምድና ምስ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን እውን ክንድቲ ኢትዮጵያዊ ዛዕባታት ደኣ ኣይኹን እምበር፡ ሓደ ካብ ዝፈላልዮም ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ልኡላውነትና ከም ገጸበ-በረኸት ኣሕሊፉ ንምሃብ ከዕለብጥ ዝጸንሐ፡ ዲክታተር ኢሳያስ ተዓራሪኹ “እንኳዕከ ከምዚኣ በለትየ ባሕርና መጸት” ክብል ጸኒሑ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግና፡ ዕቃበኡ ኣብቲ ዘይተወገነ ጉዳይ ዶብን ናይ ገለ ተጋሩ ባእታታት ሸታሕታሕን ገዲፍካ፡  “ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ” ኣብ ዝብል ጸኒዑ ኣሎ። እዚ እዩ ከኣ ንህልዊ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ “ጉዳዮም እዩ” ኢልና ጐሲናዮ ዘይንሓልፈሉ ምኽንያት። ቀንዲ ተገዳስነትና ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ማእከሉ ልኡላውነትን ረብሓን ኤርትራ ምዕቃብ እዩ። ኢድ ኣእታውነት ኢሳይስ ግና ልኡላውነት ሃገርና  ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።

እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ኢትዮጵያ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ከም ዘስዕብ ብዙሓት ወገናት ይእምቱን ይሻቐሉን ኣለዉ። ካብቲ ከስዕቦ ዝኽእል ዘይምርግጋእ ንምድሓን ውግእ ጠጠው ኢሉ፣ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝምሕጸኑ ዘለዉ እውን ብዙሓት እዮም። ስምዕታን መጸዋዕታን፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ፡ ጳጳስ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያ ቫቲካንን ዝተፈላለያ ሃገራት በብውልቀንን ከም ኣብነት ይውሰድ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ናይ “ጉዳይኩም ብሰላም ፍትሑ” መጸዋዕታ ምቕባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ባዕሉ እውን ናይ “ጉዳይና ብዘተ ንምፍታሕ ሓግዙና” መጸዋዕታ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት የቕርብ ኣሎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ቅድም ብውግእ ዘዕውቶ ሸቶታት ኣለኒ ብዝብልን “ኣብ ሓጺር ግዜ ንውደኦ ውሽጣዉ ጉዳይና’ዩ” ዝብል መልክዕ ብምትሓዝን “እምቢታ” መሪጹ ኣሎ። እቲ ዝፍራሕ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ሳዕቤኑ ኣብ ኤርትራ ከም ዝገድድ ዘማትእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጀኦግራፍያዊ ቅርበትና ናብ ቦታ ውግእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉጅለ ኢሳያስ ኢዱ ዝሕውሰሉ ዘሎ እውን ስለ ዝኾነ።

ብድሕሪ  እዞም ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት መን ምስ መን ተሰሊፉ? ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልስታት ጌና ግምታዊ እዩ። ጉጅለ ኢሳያስ ምስቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰልፉ ከም ዘሎ ግና ርኡይ እዩ። ኣብ ርእሲቲ ኢሳያስ ቅድሚ ውግእ ዝብሎ ዝነበረ፡ ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወግዒ ቦታታትን ዕለትን ጠቒሱ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ብድሕሪኡ ይወግኦ ከምዘሎ ሓቢሩ እዩ። ኣብቲ ውግእ ዝተማረኹ ኤርትራውያን ከምዘለዉ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።  መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ዘሎ ሰራዊቱ ዘድሊ ሎጂስቲክን ሓይሊ ሰብን ንምቕራብ ብወገን ኤርትራ ይጥቀም ከም ዘሎ ዘመላኽቱ ምንቅስቓሳት ኣለዉ። ስለዚ ኢሳይስ ድሕሪቲ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝምልከት “ጸወታ ተወዲኡ እዩ” ምባሉን፡ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ንሕውሰሉን ነሕይሎን እምበር ስቕ ኢልና ንርእዮ ኣይኮነን” ምድጋሙን ኣብዚ ውግእ ከም ዝሕንብስ ንምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን። ኢሳያስ ኣብዚ ውግእዚ ኢዱ ንከእቱ ዘገድዶ ኢትዮጵያ ንምጥቃም ዘይኮነ፡ ህውከት ዝኣረገሉ መዕንገሊኡን ካብ ቀደሙ ዝሕባኣሉን ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ባህሪኡ ነቒሎም ኢሳያስ ኢድ ዘእቱ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ ዞባዊ ህውከት ንምፍጣር ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ውግእ’ዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

ንሕና በዚ ኣብ ትግራይ ተኣጒዱ ዘሎ ውግእ ተሻቒልና፡ “ጉዳዮም ኣብ ክንዲ ብውግእ፡ ብዘተ ክፈትሕዎ ይግበኦም” እንብል ዘለና፡ ንረብሓ እቶም ህይወቶምን ንብረቶምን፡ ትርጉምን ሰዓርን ተሰዓርን ኣብ ዘይህልዎ ውግእ ዘህልኹ ዘለዉን ንዞናዊ ርግኣትን ስለ እንሓሊ ጥራይ ኣይኮናን። ብዓብይኡ እዚ ውግእዚ “ድሕሪ ትግራይከ ናበይ?” ዝብል ሕቶ እንተኣስዒቡ፡  መልሱ፡ “ናብ ኤርትራ” ከም ዝኸውን እውን ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ይግበኦ። ነዚ ኣብ ግምት ከነእቱ ካብ ዘገድዱና፡ ብዓብይኡ እቲ ናይ ኢሳያስ ናይ “ሓደ ኢና” ወደኽደኽን ናይ ብልጽግና “እንኳዕ ደሓን መጻእካ” ዳንኬራን ኣሎ። ናብ ኤርትራን ባሕራን እናማዕደዉ “ድሕሪ ሑመራ፡  ናብ ኣስመራ” ዝዝምሩ ኢትዮጵያውያን  እውን።

ኣብዚ እዋንዚ  ናይቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና እሙናት ካብ ዝበሃሉ ሽሞኛታት ሓደ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ትግራይ፡ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ብ12 ሕዳር 2020 ምስ ተለቪዥን ከተማ ኣዲስ ኣበባ  (ኣዲስ ሚድያ ኔትዎርክ) ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ገበናት ህወሓት ክጽብጽብ እንከሎ፡ “ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘስኣነ ገበነኛ ውድብዩ።” ኢሉ። ብዘይካዚ እቲ ከም ስሙ ናግራም፡ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ፡ ኣብዚ ሳልስቲ “ቅድም ምስ ሻዕብያ ኮይንካ ንትግራይ ምድምሳስ፡ ድሕሪኡ ንኤርትራ በይና ምስ ተረፈት ምልኣማ” ዝበሎ እውን ኣብዚ ዝድረብ እዩ። እዚ ኣበሃህላታት እምበኣር መልእኽቱ ናብቶም ንልኡላውነት ሃገርና እንሕለቕ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ረዚን እዩ። እቲ “ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘስኣነ” እናተባህለ ዝኽሰስ ዘሎ ሓይሊ እንተተሳዒሩ፡ “ድሕሪኡኸ ናበይ?” ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ከኣ ግድን እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝኣተዎ ቃል እንዳዓጸፈ ዝመጸን ብኣኡ ዝቕጽል ዘሎን እዩ። በብእዋኑ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘለዎ ትብዓት፡ ሕገመንግስታውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ዘለዎ ቅሩብነት፡ ንኤርትራ ብቁጠባ ንምምዕባላ ዘኽእል ፖሊሲ ከም ዘለዎ ኣምሲሉ ደጋጊሙ ክመባጻዕ ጸኒሑ። በብእዋኑ ናይ ህዝቢ ጸገም ከም ዝፈትሕ ንሓንሳብ ናይ ኣዋርሕ ንሓንሳብ ድማ ናይ ዓመታት ቆጸራ ክሕዝ’ውን ይስማዕ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ንኤርትራ ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ክብል ከም ዝጸንሐ እውን ዘይርሳዕ እዩ። ብግብሪ ግና እዚ ኩሉ ተጠሊሙስ፡ ኤርትራ ከምቲ ዝጸናሓቶ ምቕጻልስ ይትረፍ  መሊሳ እያ ዓንያ።

እዚ ጉጅለ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገር ከይድፈር ብቐዳማይ ደረጃ ከም ዝሰርሕ ብተደጋጋሚ ቃል ኣትዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ብቑዕ ዓቕሚ ሰብ ንምድላብ ብዝብል’ውን፡ ነቲ ደሓር ናብ “ግዱድ ዕስክርናን ባርነትን” ዝማዕበለ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣውጁ፡ ነቲ ሎሚ ናብ ዓብይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይሩ ዘሎ፡ መደበር ታዕሊም ሳዋ መስረቱ። ድሒሩ ከኣ ብምስምስ “ልኡላውነት” ምስ ኢትዮጵያ ውግእ ከፊቱ፡ ዓሰርተታት ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣወዲኡ። እዚ ብዙሕ ናይ ውዲት ኣጀንዳታት ዝነበሮ ክነሱ፡ “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን” ዝተሰየመ ወግእ ምስተወደአ፡ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ክኸዶ ዝነበሮ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ከይዱ። በቲ ቤት ፍርዲ ከኣ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ተዋሂብዎ። ኣብቲ ብይን እታ ውግእ ዝተጀምረላ ባድመ ንኤርትራ ስለ ዝተዋበት፡ ኤርትራ ዝረተዓትሉ መሲሉ ቀሪቡ እምበር፡ ዝኸሰረቶ’ውን ኣለዋ። እንተኾነ ናይ መወዳእታን ቀያድን እንከሎ ኣብቲ እዋኑ ኣይተተግበረን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኢስያስ ኣፈወርቂ ብዘይምትግባር እቲ ብይን ብውሽጡ ሕጉስ ክነሱ፡ ናይ ዘይምትግባሩ ጠንቂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ሓላይ መሲሉ ክረኤ ፈቲኑ። ብዙሓት ውሽጡ ዘይፈለጡ ግሩሃት ኤርትራውያን ከኣ “እዚ ሰብኣይ ብህይወቱ እንከሎ እዛ ዶብ እንተዘይ ተመልኪታ ደሓር ኣይክንረኻብ ኢና” ክብሉ ይስምዑ ነይሮም።

ኢሳያስን ጉጅለኡን ነዚ ብውሽጦም ዘይኣመንሉ ልኡላውነት ኤርትራ ሸፊጦም፡ ንኹሉ ናይ ህዝብና ሕገመንግስታዊ፡ ዲሞክራስያዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ናይ ለውጢ ጠለባት፡ “ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ኣይሰላም ኣይውግእ መድረኽ ስለ ዘለና ቀዳምነትና ኣይኮነን” ክብልዎ ጸኒሖም። ህዝብና ከኣ እዚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንመሸፈንን መህደምን ከይከውንኳ ስግኣት እንተነበሮ፡ ንክብሪ እቲ  ብሓያል ህዝባዊ መኸተ ዝመጸ ልኡላውነት ዕንቅፋት ንዘይምዃን ልቡዝልቡ “ሕራይ ክሳብ ኩነታት ዝቕየር ንጽምም” ብዝብል ተጸብይዎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ መስርሕ ለውጢ ተቐልቂሉ። እቲ ለውጢ ዘምጸአ ሓይሊ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ቃል ኣትዩሉ። እቲ ዝኣተዎ ቃል ኣተግቢርዎዶ ወይስ ከም ኢሳያስ ይጠልሞ ኣሎ፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጸባጸበሉ ዘሎ እዩ። እቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ፡ ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት “ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢለዮ ኣለኹ” ኢሉ። ኣብ መንጎ “ተቐቢለዮ ኣለኹን” “ኣተግቢረዮን” ፍልልይ ስለ ዘሎ’ኳ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ውዱእ ሓቂ እንተዘይወሰድዎ፡ ገለ ወገናትና ግና ንኢስያስን ጉጀለኡን ኣብ ኣጀንዳ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዘየለዉ ክንሶም፡ ጉዳይ ዶብ ናብ ሓድሽ ኢሳያስ “ክቃለሰሉ” ዝጸንሐ መድረኽ ከም ዝሰገረ ገይሮም ክወስድዎ ተራእዮም።

ኢሳያስ ሆየ፡ ኣብ ክንዲ “እምበኣር ነቲ ንዝምድናና ናብ ንቡር ምምላስ መሰረት ዝኾነና ጉዳይ ዶብ ናይ መወዳእታ መልክዕ ነትሕዞ” ኣይበለን። ብኣንጻሩ ነቲ ንህዝብና ጀሆ ሒዘሉ ዝጸንሐ ጠንጢኑ፡ ነቲ ገለ መንግስታት “ምስ ኢትዮጵያ ዝምድናኹም ናብ ንቡር ምለሱ” ክብልዎ እንከለዉ፡  “ዶብ ከይተጠረረ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ይመለስ ምባል ኣሽካዕላል እዩ” ዝብል ዝነበረ ልሳኑ ዓጺፉ፡ “ጉዳይ ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን” ኢሉ። በዚ ኣየብቀዐን፡ ነቲ ልኡላውነት ኤርትራ ቀዳምነትና ኣይኮነን ዝበሎ ዝያዳ ንምድማቕ፡ “ነቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኣብ ትርጉም ዘየብሉ ዝባኸነ ግዜ፡ ነቲ ኣብቲ ምእንቲ ልኡላውነት ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ውግእ ዝተኸፈለ ውጋ ኣይከሰርናን፡ ንኤርትራዊ ሃገርነት ክሒዱ ከኣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገራትን ህዝብታትን ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም” ኢሉ። እዚ ከኣ ናይቶም ብተኸታታሊ ክፍጽሞም ዝጸንሐ ጥልመታት መቐጸልታን ዝለዓለን እዩ።

እዚ ኹሉ ምዕልባጥን ሽንኮለልን ዘብረሃልና ሓቂ፡ ዲክታቶር ኢስያስ ንጉዳይ ልኡላውነት ከም መቃመሚ ንካልእ ውዲታቱ ዝጥቀመሉ ተዘይኮይኑ፡ ከም ነብሱ ዝኸኣለ ናይ ኤርትራን ህዝባን ናይ ህልውና ዓንዲ ዘይወስዶ ምዃኑ እዩ። ኢሳያስ ንጉዳይ ዶብ ዘገድሶ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ምስቲ “ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢለዮ ኣለኹ” ዝበለ መራሒ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ክተሓሳሰብን ኣትሪሩ ሒዙ ከተግብርን መተገብኦ። ኣብቲ መስርሕ ጉዳይ ዶብ ከተግብር ቅሩብ ዘይኮነ ኢትዮጵያዊ ወገን እንተኣጋጢሙ ናይ ምውጋኑ ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ መኾነ። ኢሳያስ ግና ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ጉዳይ ናይ ምትግባሩ ድሌት ስለ ዘይነበሮ ነቲ መስርሕ ናብ ሕንፍሽፍሽ ንምእታዉ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ (game is over ) ብዝብል ዓምጣሪ ኣተሓሳስባ ንጉዳይ ዶብ ምስ ሕዱር ቅርሕቱ ደዋዊሱ ከም ዘይትግበር ገይርዎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እቶም ሰብ ዋኒን ኢትዮጵያውያን’ውን እንታይ ዓይነት ኢሎም ከም  ዝስይምዎ ዘጸገሞም ኣብ መንጎ  ፈደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ሓደገኛ ውግእ ዝተኸፍተሉ ኩነታት ንርከብ ኣለና። ኢሳያስ ምዝራግ ሰላምን ኣብ ውግእን ወረ ውግእ ምንባርን ምርጭኡ ስለ ዝኾነ፡ ናይቲ ውግእ ተዋሳኣይ እዩ። መሰረታዊ መንቀሊ ተሳትፋኡ፡ ልኡላውነት ኤርትራን ረብሓ ህዝባን ኣገዲስዎ ዘይኮነ፡ ምስ መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝጸንሖ ቂምን ቅርሕንትን እዩ።  ሸቶኡ ከኣ ሓንሳብ ምስ እዚ ሓንሳብ ድማ ምስቲ እናሻረወ፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ብምእታው ሕነ ንምፍዳይን ሓዊ ንምእጓድን እዩ። እቲ ካልእ  ጎብለል ናይ ዞናና ናይ ምዃን ዘይሰምረሉ ሕዱር ሕልሙ’ውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።  

 እዚ ዕሉል ዲክታተር  ከምስል እታ ናይ ቅድም መጻወቲቱ ካርድ “ጉዳይ ዶብ” ሒዙ ናብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣጒዱ ዘሎ ውግእ ክኣቱ ይዳሎ ከም ዘሎ፡ ብዙሓት ወገናት ምልክታት ይህቡ ኣለዉ።  ከምቲ ግቡእ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነብሱ ክኢሉ፡ ብኣፍልጦን ተሳትፎን ናይቲ ዝበየነ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ክትግበር ዝግበኦ እምበር፡ ምስ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ዝደባለቕ ኣይኮነን። ብመንጽርቲ ናይዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት መስርሕ ዝምድናኡ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ፡ ኢስያስ ንኤርትራዊ ሉኡላዊነትን ምምልካት ዶብን  ንመዳህለሊ እምበር፡ ካብ ልቡ ዝግደሰላ’ዩ ምባል መጐታዊ ኣይኮነን። ኢስያስ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ኣእሾኽ ኣንዳዘረአ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ እምበር ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ጉዳዩ ኣይኮነን። ስለዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓድነት ከምቲ “ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ፡ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን” ዝበሃል፡ ኣንጻርዚ ህዝቢ ጠሊሙ መንገዱ ዝመረጸ ጠላም ጉጅለ ህግዲፍ ክትብገስን፡ ኣብ ከባቢና ዝለዓል ውግእ ንረብሓኻ ስለዘይኮነ፡ ንዕርቅን ሰላምን ክትስለፍን ኣበርክቶኻ ከተዛይድን ምሕጽንታና’ዩ። 

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መራሒ ህግዲፍ ኣብ ስልጣን ካብ ዝድይብ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ወጽዓ ኣመና ብዙሕን መሪርን ብምዃኑ  ምዝርዛሩ ዘጸገም እዩ። እቲ ኩሉ ዘውርዶ በደልን ሕሱም ተግባራትን ከኣ፡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  ዘለዎ ክቱር ንዕቀት፡ ቅርሕንትን ብደዐን መግለጺ ኢዩ። ከምቲ “ዝወዓለን ይንገርካ፡ ዝሰሓተን ይምከርካ” ዝብሃል፡ እቲ ቀንዲ ንምረት ወጽዓ ጉጅለ ህግዲፍ ዝፈልጦን ዝርደኦን ባዕሉ እቲ ኣብ እንግድዕኡ ዝወርድ ዘሎ  ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ህግዲፍ “ኣሜን” ኢሉ ኣይተቐበሎን። ኣብዚ እዋንዚ ብውሽጥን ወጻእን ዘስመዖ ዘሎ ናይ “ህግዲፍ ይኺደልና” ድምጺ፡ መመሊሱ ይብርኽ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር በብደረጃኡ ነቲ ጉጅለ ዝኹንን ዘሎ ድምጽታትን  ናይ ሕራነ ተበግሶታትን ብቐሊሉ ዘይግመት እዩ። እዚ ነቲ ጉጅለ ዝብድህ ዘሎ ካብ ነዊሕ  ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ዝተዋህለለ ዓቕሚ እዩ። ህግዲፍ ዝለመዶ ንጉዳያት ናይ ሓቢእካ ምኻድ ግጉይ ጥበብ እንዳተሳዕረ፡ ኣዕናውን ኣጽናትን ተግባራቱ ተቓሊዑ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ ይኸውን ከም ዘሎ ርእዩ፡ ቀርኑ ከም ዝተወቕዐ ብዕራይ የንጸርጽር ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ክብደት ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረድ ዘሎ ተወዳዳሪ ዘየብሉ ዘየናሕሲ ተግባራት ህግዲፍ፡ “ስለምታይ እዩ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ ብዝምጥን ደረጃ ኣንጻሩ ዘይተላዕለ?” ዝብል ሕቶ በብኹርናዑ ካብ ምቅላሕ ዓዲ ኣይወዓለን።

ናይ ህግዲፍ ናይ ጸገም ኣፈታትሓ ንሓደ ጉዳይ ኣብ ምግጣም ዘይኮነ፡ ኣብ ምሕባኡን ካብኡ ምህዳምን እዩ ዝመርጽ። ነቲ “ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ዝብል ኣታሓሳስባ ኣዝዩ ስለ ዝፈርሆ ኣይምረሓሉን እዩ። እቲ ፍርሁ ከኣ ንዘጋጥም ብደሆ ዘበድህ ኣተሓሳስባን ትብዓትን ካብ ዘይምውናን ዝነቅል እዩ። ኤርትራ ሕገመንስቲዶ ኣየድልያን እዩ?፡ ኣብ ኤርትራ ተወዲቡ ኣንጻር ጉጅለኻ ዝቃለስ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣሎዶ?፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ናብ ኤርትራ ኣትዮም ክዕዘቡዶ ይፍቀደሎም’ዩ?፡ ስለምንታይ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀርቡ ወይ ብናጻ ዘይፍትሑ?፡ ትሕዝቶ ናይቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዝገብርካዮ ስምምዕ እንታይ እዩ?…….. ውዘተ ዝብሉ ሕቶታት ካብቶም ድቃስ ዝኸልእዎ ዘለዉ እዮም። እንተኾነ ከምቲ “ሕኑቕ እንታይ የውጽእ ዘይዓፍራ” ዝበሃል፡ መልሲ ስለ ዘየብሉ ምርጫኡ ምጽቃጥን ምሕባእን እዩ። ሓደሓደ ግዜ ከኣ ኣብ ክንዲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሕቶ ምምላስ፡ ተመሊሱ ሓታታይ ኮይኑ ይቐርብ። እዚ ኩሉ እምበኣር  ናይ ምሕያሉ ዘይኮነ ናይ ፍርሑን ስግኣቱን መርኣያ እዩ።

ሎሚ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን ወጽዓ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓደ ኣብ ልዕልቲ ካልእ እንዳተደራረበ ኣዝዩ ስለ ዝኸበደ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ጉጅለ ሓቀኛ መንነቱ ንምሕባእ ከቕርቦ ዝጸንሐ ምስምሳት እንዳተጸንቀቐ ስለ ዝኸደ፡ ኢሳያስን ዘራጊ ኣተሓሳስባኡን ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኖም ኣለዉ። ርግጽዩ ኤርትራ ብሰንኪ ኢሳያስ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ተባሂላ ካብ እትጥመቕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብዚ እዋናትዚ ከኣ፡ ብሓደ ወገን ጠበቓታት ሽወደን ብሜላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ይኸስዎ ምህላዎም፡ በቲ ካልእ  ወገን ከኣ፡ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ኣብታ ሃገር፡ ካብ ዝነብሩ ኤርትራዊ ዝመበቆሎም ጸልማት ተጐልቢቡ ብምስምስ 2%  ገዛገዛ እንዳ ኳሕኮሐ ገንዘብ ብምቕራሙ፡ ብሰበ ስልጣን እታ ሃገር መጠንቀቕታ ተዋሂቡ። እዚ ነቲ ጉጅለ ኣብ ርእስቲ ዝጸንሖ ዓበድበድ ሕማም መርዘን ኮይንዎ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ኮይኑ ንጠቕሶ ኣለና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ግህሰት ጠጠው ከብል፡ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ከቋርጽ ብዝተፈላለያ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ካብ ዝንገሮ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። እዚ ጉጅለ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ባሕሪ ብሓደጋ ንዝሃለቑ ዜጋታትና ኣፍልጦ ዝኸልእን ሬሳታትቶም ዝጽየፍን ምዃኑ ተወሲኽዎ ሎሚ ምስሉ ተደዊኑ’ዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ቅኑዕን ንህዝብን ሃገርን ዝሓልን ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ እንተንዝነብሮ ነዚ ባዕሉ ዝፈጸሞ ገበናት ክንሱ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝንገሮ ዘሎ ቆላሕታ መሃቦ። እንተኾነ ብርታዐኡ ኣብ ህልኽ ስለ ዘኹድድ ኣብ ኤርትራ ዝገብሮ ከይኣኽሎ፡ ናብ ዞባና ከላብዖ ይጽዕት ኣሎ። በይኑ ከይከውን ከኣ ብባህሪ ዝመሳሰልዎ መተኣጉድቲ ሓዊ ካብ ምድላይ ዓዲ ኣይውዓለን። እቲ ብ”ዓራቒ መሲልካ ረቕራቒ” ዝግለጽ መጣቖሲ ባህሪኡ ከኣ ሎሚ’ውን ኮለል ኢሉ ይረአ ኣሎ። ብዙሓት ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ባህሪኡ ዝተረድኡ ወገናት ከኣ በቶም መዛምድቱ መራሕቶም ኣቢሎም “እዚ ሰብዚ ካብ ጉዳይና ዘይቅዱስ ኣእዳዉ ይኣክበልና” ዝትሕዝቶኡ ተሪር መልእኽቲ የመሓላልፉ ኣለዉ። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርዚ ጉጅለ ይካይዶ ኣብ ዘሎ ቃልሲ በይኑ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ።

እዚ ጉጅለ ሓድሽ ተሓናፋጣይ ስለ ዘይኮነ፡ ሎሚ “ዘንጸርጸረ ዓጋዜንሲ ኣብ ምውጋእ በጽሐ” ዝብል ኣበሃህላ ኣይምልከቶን ይኸውን። ግና ከኣ ኣብዚ እዋንዚ እንጽርጽሮቱ መመሊሱ ይዓርግ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ሎሚ ንኣካይዳኡ ባይታ ብዝኸልእ ኣተሓሳስባን ኩነታትን ተኸቢቡ ስለ ዘሎን ካብዚ ተኸቢብዎ ዘሎ ኣውጺኡ ዕደመ  ዘንውሕ ጥዑይ ኣተሓሳስባ ስለ ዘየብሉን ኣብ ቅድሜኡ ዘላ ሓንቲ ምርጫ’ያ ንሳኸኣ ለኪምካ ምጥፋእ እያ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ መፍትሒ ጸገም ብእሂንምሂን ሓቢርካ ምዕዋት እምበር ውግእ ኣብ ዘይኮነሉ ዘበን ውግእ ዝመርጽ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ነዚ ግጉይ ምርጫኡ ዝእምት ምንቅስቓስ የካይድ ከም ዘሎ  ምልክታት ኣሎ። እዚ ምልክታትዚ ናይ ምሕያሉ ዘይኮነ፡ ተስፋ ዝቖረጸ ናይ “ተለኻኺምና ንጥፋእ” ምዃኑ ህዝብና ኣስተብሂሉ ክቃለሶ ዝግበኦ’ዩ። ህዝብና ድሕሪ ሕጂ ናብ ዘይረበሓሉ ህውከት ከምዘይኩብኮብኳ ፍሉጥ እንተኾ፡ ከነዘኻኽሮ ግና ናይ ግድን እዩ።

ሕብረተሰብ ዓለም ንናይ ህዝብና ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ኣብ ግምእት ኣእትዩ፡ ነቲ ንህግዲፍ ንክቐጽዕ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቀላቐል ዘሎ ምልክታት ዝያዳ ከሕይሎ ንጽውዕ። ንሕና ሓይልታት ለውጢ ከኣ፡ ልዕሊ ኩሉ  ኢሳያስን ጉጅለኡን፡ ንሓንሳብ ዓራቓይ ንሓንሳብ ድማ ዘራይ መሲሎም ዘዕለብጥዎ ዘለዉ፡ ናይ እንጽርጹረት እምበር ናይ ብርታዐ መግለጺ ከም ዘይኮነ ተረዲእና ሓቢርና ከይለኻኸሙ ከነፋንዎም ይግበኣና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቱ ህዝብታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዞባ ኮነ ብዓለም ደረጃ እንተዝወዳደር እውን፡ “እምቢ ንመግዛእትን ወጽዓን” ኢሎም መሰሎም ብቃልሶም ካብ ዘረጋገጹ ህዝቢታት ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ኣብቲ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ጉዕዞ ቃልሱ ጽንዓቱ፡ ትብዓቱን ሓድነቱን ምስጢር ዓወቱ ምዃኑ ዝተረድኡ ናይ ግዳም ገዛእቲ ኮኑ ዘቤታውያን ወጻዕቲ ነዚ ምስጢር ናይ ዓወቱ ዝኾነ ባህርያቱ ከዳኽሙ ቅድም ላሕ ኢሎም፡ ሎሚ’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ። ቅድም ናጽነቱ ከም ዘይከልከልዎ፡ ሎሚ’ውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ወሳንነት ህዝባ ዝረጋገጸሉ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ካብ ምህናጽ ኣይክዓግትዎን እዮም።

እወ! ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ሞሳ ናይቲ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ኣይረኸበን፡ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ግዜ መግዛእቲ እንዳወዳደረ፡ “ባዕለይዶ በላዕየይ ጸዊዐ” ብዘብል ምረት ክንዲ ዝያዳ ዝተቓለሰ፡ ዝያዳ ተወጻዕን ተበዳልን ኮይኑ ምህላዉ ይረአ ኣሎ። ንዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ብሰንኪቲ ሕድሩ ዝበለዐ መላኽዒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ጉጅለ ህግዲፍ፡ “ድምጹ ኣብ ዘይስመዓሉ” ሃለዋት  ይደሃኽ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣለና። “ነዚ ኣፉ ዝተለጉመ  ህዝቢ ድምጺ ንኹኖ” እንብል ከኣ ካብዚ ነቒልና ኢና።

ኣብ ትሕቲ ወጽዓ ምንባር ብህዝቢ ኤርትራ ዝተጀመረ ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና፡ ጐረቤቱ ህዝቢ ሱዳን ዳርጋ ንሰላሳ ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ  ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ተመሳሳሊ ወጽዓ ጸኒሑ። ግን ከኣ ምሉእ ዳኣ ይግበሮ እምበር ብቓልሱ ንበሽር ኣልጊስዎ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ምእንቲ ናይ ለውጢ ንፋስ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከይነፍስ፡ ኣብ ሱዳን እውን ሓቀኛ ናይ ለውጢ ድምጺ ንከይስማዕ ኢድ ኣእትዩ ንሓያሎ ዓመታት ክዘርግ ከም ዝጸንሐ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ምዝራግ ናይ ህግዲፍ ሎሚ እውን ኣብ ሱዳን ምልክታቱ ይረአ ኣሎ። ናይቲ ጉጅለ ኢድ ኣብ ምግዳድ ጸገማት ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣዘራራቢ ኮይኑ ምህላዉ ከኣ መረጋገጺ እዩ።

ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ዘይኮነ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሕድሮ ጽልዋታት ነይርዎ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ርኡይ ነይሩ። ኣብ ሱዳን ዘነበረ ወጽዓ ምስ ናይ ኤርትራ ዝመሳሰል እምበር፡ ዝሓሸ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ካልእ ይትረፍ ሱዳናውያን ኣብ ገዛእ ዓዶም ኣብ ፖሊታዊ ኮነ ሲቪላዊ ምልዕዓላት ናይ ምውዳብን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ኣድማታትን ናይ ምክያድን ተኽእሎ ነይርዎም። ሳላዚ ዕድል ምርካቦም ከኣ ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ብማዕዶ ዘይኮነ ብቐረባ ኣብ ኣፍንጫኡ ኮይኖም ክከታትልዎን ድቃስ ክኸልእዎን ኣኽኢልዎም። ሳላዚ ተኽእሎዚ ከኣ  ንምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ብዘይጐነጻዊ ህዝባዊ ማዕበል ኣወጊደምዎ። ህዝቢ ሱዳን ናብዚ ዓወትዚ ካብ ዘብቅዕዎ ቀንዲ ምኽንያታት  ኩሎም ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ምስ ኩሉ ፍልልያቶም ብሓባር ኣንጻር ናይ ሓባር ወጽዓኦም  ክስለፉ ምብቀዖም እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይታ ሃገር ሰራዊት ምስ ህዝቡ ምስላፉ ኣብነታዊ ብጽሒት ነይርዎ።

ብዙሓት ወገናት ነቲ ነዊሕን መሪርን ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ናይ ለውጢ ንፋስ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ኣብ ክንዲ ዝነፍስ ብኣንጻሩ ኮይኑ ክብሉን ከስተንትኑን ይስምዑ እዮም። በዚ ኮነ በቲ  ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ተመኩሮ ህዝቢ ሱዳን ክቐስሞ ዝግበኦ ናይ ቃልሲ መስርሕ  ኣለዎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ቅድም  ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ሱዳን ናይ ለውጢ ድምጽታት ምስተሰምዐ ኣብ ኤርትራ  እውን ጽልዋ ከምዘሕድር ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። ብግብሪ ግና ትሕቲ ግምት ኮይኑ። ከምኡ ዝኾነሉ  ምኽንያት ከኣ፡ ክጽናዕ ዝግበኦ እዩ።

ገለ ካብቲ ጐሊሑ ዝተራእየ፡ እቲ  ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ለውጥታት ንኤርትራ ክንድቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዘይምጽላዉ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ፡  ለውጢ ናብ ኤርትራ ከይልሑኽ፡ ተሓላቒ ልኡላውነት ሃገር ተመሲሉ፡ ንህዝቢ ጅሆ ሒዝሉ ዝነበረ ኣጀንዳታቱ ብተጻራሪ  ቀይሩ፡ ኣብተን  ሃገራት ኢድ ኣእትዩ ዝፈጠሮን ዝፈጥሮ ዘሎን ዕግርግርን ምዝራግን እዩ። በዚ ኣቢሉ ከኣ “ለውጢ ኣብ ሱዳን ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ህውከትዶ እንታይዶ ጠቒሙ እዩ?” ዝብል ስምዒት ኣሕዲሩ፡ ህዝቢ ሰጊኡ ንለውጢ ዝካይዶ ቃልሲ ከም ዘዋድቖ ንምድራኽ ይጽዕር ኣሎ። እቲ ምስዘን ክልተ ጐረባብትና ሃገራት ብመሬት ንዝራኽብ ዶባት ንሓንሳብ ምዕጻዉ ንሓንሳብ ድማ ምኽፋቱ ከኣ ናይዚ ስግኣቱ ምልክት እዩ። እዚ ምዕጻውን ምኽፋትን ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ዶባት፡ ናይ ለውጢ ንፋስን ዲሞክራስያዊ ጽልዋን ንምዕጻው ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ቀጺዕካ፡ ብዛዕባ “ካብዚ ዝኸፈአ ኣይተምጸኣልና”  ምህልላ እምበር፡ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ከም ዘይሓስብ ንምግባሩ እዩ። እንተኾነ ንህግዲፍ ደኣ ይመስሎ ይኸውን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራስ ክሳብ ዝተወጸዐ ኣንጻር ወጽዓ ምቅላስ ከዋድቖ እዩ ኢልካ ምጽባይ  ዘበት እዩ። ማሕለኻታት ህግዲፍ በቲኽካ፡ ካብ ተመኩሮ ህዝቢ ሱዳንን ካለኦት ለውጥታትን ተመኲርካ ቃልስኻ  ምሕያልን ምብርባርን፡ ሕጂ እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ካልእ ዘይዓሞ መሰረታዊ ሓላፍነት እዩ።

ካብዚ ጌና ብዙሕ ጸገማት ዘለዎን ኣብቲ ዝዓለሞ ክበጽሕ ብዙሕ ብደሆታት ዝጽበዮ ዘሎን ተመኩሮ ለውጢ ህዝቢ ሱዳን፡ ክመሃር ዝግበኦ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኣዘይኮነ፡ ዝያዳ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ህዝቡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መሪር ወጽዓ  ከም ዘሎ ንሱ ዝምህርን ዝሕብርን እምበር፡ ኣብ ማእከል እቲ ማዕበል ወጽዓ ስለ ዘሎ “ከምዚ እዩ” ተባሂሉ ኢልካ ዝንገሮ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብና ዝብድሎ ዘሎ ከኣ ንዓኡን ካለኦት ትካላት ጸጥታን ተጐዝጒዙ እዩ እምበር ብኻልእ ተኣምር ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ ሰራዊት ሱዳን ዝገበሮ፡ ምስ ህዝቡ እምበር ምስቲ ወጻዒ ጉጅለን ትካላቱን ክስለፍ እዋናውን ወድዓውን ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ መስመር ኣስሒቱ ዘይሩዘይሩ ንኤርትራዊ ጉዳይና ሓላሊኹ ናብ ዝኸፈአ ዝወስድ ዘይምልከቶ መንገዲ ህውከት ከየእትዎ ክጥንቀቕ ይግበኦ። ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ካብዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ለውጥታት ንኩነታት ሃገርናን ቀጻሊ ረብሓ ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው ዝውሰድን ዘይውሰድን ተመኩሮ መሚኻ ናይ ምቕሳሙ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክዝንግዑ ኣይግበኦምን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ቅድሜና ዘሎ መሰረታዊ ዕማም፡ ህዝብን ሃገርን ምድሓንን ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ኣብ ኤርትራ ብዘተኣማምን ምትካልን እዩ። ናይዚ  ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ካብ ዝውስኑ መሰረታዊ ጉዳያት ምውሓስ ሓድነት ኤርትራውያን መሰረታዊ እዩ። ሓድነት መሰረታዊ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ናይቲ ኩሉ እቲ ዝእመም መደባት ኣብ ምዕዋት ቅድመ ኩነት ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ባዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ኣካላዊ ሓድነት ጥራይ ማለት  ዘይኮነ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት’ውን እዩ። ሓድነት ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ፡ ንተመኩሮና ብመንጽር ህላወን ብኩራትን ሓድነትን ምስ እንግምግሞ ኣውንታውን ኣሉታውን ሳዕቤናቱ ንምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን። “ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ” ዝብል ነባር እምነትና ከኣ ንኹልና ኤርትራውያን ዘሰማምዕ’ዩ።

ሓድነት ደረጃታት ዘለዎ፡ ካብ ንእሽቶ ጀሚሩ ብመስርሕ እናዓበየን እናደልደለን ዝኸይድ፡ ሓደስቲ ተርእዮታት ኣብ ግምት እንዳእተወ፡ ኣብ ቀጻሊ ምዕባለ ዝነብር ኢዩ። ሓድነት ጻዕርን ምሕብሓብን ዘድሊዮ ሓንሳብ ተጀሚሩ ብቐሊል ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ትዂረት ናይ ሓድነት ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ኣብ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን፡ ኮታ ኣብ ኩሉ ውዳበታትን ጽፍሕታትን ዝረጋገጹ ሓድነታት ኣዕኑድ ናይቲ ክረጋገጽ ዘለዎ ድልዱል ሓድነት ህዝቢ  እዮም።  እዚ ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ዝኾነ ሓድነት፡ ከም ዘየቋርጽ ዋሕዚ ተታሒዙ ዝኸይድ'ምበር ብሕዝ ግድፍ ዝእለ ስለዘይከውን መሰረቱ ክጸንዕ ይግበኦ። ምእንቲ እዚ ህያው ክኸውን ከኣ ኣዕሚቕካ ምድኳኑ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መስርሕ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ካብ ዘጋጥሙ ብደሆታት፡ ንሓድነት ምስ ናይ መንነት ብዙሕነት  ብዘሳኒ መንገዲ ክትገጥሞ ምብቃዕ እዩ። ኣብዚ መስርሕዚ ዘጋጥም፡ ሓድነት ከተዕውት ክትብል፡ ነቲ መለልዪ ብዙሕነት ዝኾነ መንነት ግቡእ ኣድህቦ ምሃብን ዘይምሃብን እዩ። ኣብዚ መዳይዚ ዘጋጥም ሓደ ጫፍ ሒዝካ ናይ ምውጣጥ ሕጽረት ቀሊል ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ ተመኩሮታት ተራእዩ እዩ። ሓድነት ህዝብን ሃገርን፡ ነቶም ከም ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ኣውራጃን ካለኦትን ብዙሕነታትን ብዝተጸንዐ መንገዲ ኣብ ግምት ከተእቱ ምኽኣል ንቀጻልነትን ጽንዓትን ሓድነት ዓብይ መተኣማመኒ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ዝድኰን ሓድነት፡  ናይ ምቕጻሉ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

ሓድነት ክሳብ ክንደይ ኣብ ምዕዋት ቃልስና ወሳንን መተካእታ ዘይብሉን ምዃኑ፡ ቅድም ኣብ ምዕቋብ ናጽነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ኢዩ። ሎሚ’ውን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ፍቱን መሳርሒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብ ብኩራት ሓድነት ዘጋጥም  ዕንክሊል ክሳብ ክንደይ ከም ዘኽስር እውን ብመጽንር ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልስና ፍሉጥ እዩ። ንሕና እዞም ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፡ መጻሕፍቲ ከይገንጸልና ናትና ኤርትራዊ ሃብታም ተመኩሮ ኣለና። በብእዋኑ እቲ ህዝብና ዝጽበዮ ሓድነትና ይሕይል ከም ዘሎ ዝሕብር ዜና ክቃላሕ እንከሎ፡ ተስፋን ትጽቢትን ህዝብና ይልምልምን ይብርኽን። ብኣንጻሩ ወረ ምርሕሓቕና፡ ምብትታንናን ምክፍፋልናን ክስማዕ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ለውጢ ዝሃርፍ ህዝብና ተስፋ ከም ዝቖርጽን ከም ዝሻቐልን ምግንዛብ ጥራይ ሃብታም መምህር እዩ።

እንሕዞ ጉዕዞ ናብ ሓድነት ንድሕሪት ዘይምለስ ምእንቲ ክኸውን፡ “ሓድነት ምስ መንን ኣብ ምንታይ? መዓስን እንታይ ሸቶ ንምዕዋትን?” ዝብሉ ሕቶታት ዝምልስ መባእታዊ መጽናዕቲ ምክያድ ኣድላይ እዩ። ተደላይነቱ ከምዘለዎ ኮይኑ ግን፡ ብጉልባብ መጽናዕቲ ንህጹጽ ኣገዳስነት ሓድነት ጓሲኻ፡ ዘይተደላዪ ግዜ ምብላዕን ምኽንያታት ምኹማርን ኣድላይ ኣይኮነን። ኣብዚ ቅድመ ምብጋስ ናብ ሓድነት ዝግበር መጽናዕቲ ዘይተጠቕሱ፡ ኣብቲ መስርሕ ዘጋጥሙ ጥንቁቕ ኣተኣላልያ ዘድልዮም ብደሆታት ኣየጋጥሙን ማለት ኣይኮነን። ናብ ሓድነት ክትነቅል እንከለኻ ነዚኣቶም’ውን ቅሩብ ምዃን ግድን እዩ። ብመሰረቱ እቶም ኣብ ሓድነት ዝጽመዱ ኣካላት ዝፍተኑ፡ ነቲ ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ዝምዕብል ዕንቅፋታት ብከመይ ይፈትሕዎ ኢዩ? ወይ ብትዕግስቲ ሕድገታትን ህዝባዊ ሓልዮትን እንዳ ወገንካ ክትቅጽል ምብቃዕ፡ ወይ ብክስገር ዝኽእል ንኡስ ጸገም ተሰናቢድካ ንድሕሪት ምምላስ እዩ። እዚ እዩ ከኣ “ኣጽኒዕካ ምሓዝን፡ ሒዝካ ዘይምስዳድን” ዝብለና።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነ፡ ናይ 2019 3ይይ ሓድነታውን ጉባአኡ “ሰዲህኤ……… ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድነት፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲምክራሲ፡ ሃገራዊ ብልጽግናን ልዑላውነትን ንዘለዎ ባህጊ ብግብሪ ንምርግጋጽ ከይተሓለለ ክቃለስ አዩ።…..” ብዝብል ንሓድነት ዘለዎ ድሉውነት ኣስፊሩ ኣሎ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ፡ ግደ ናይቶም ኣንጻር’ቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘባህርሮ ጉጅለ ህግዲፍ ዝተሰለፉ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ውዳበታት ንምዕዛዝን ካብ ዝሐለፈ ተመኩሮና ተማሂርና ሓድነት ንምርግጋጽ ዘሎ ዕዙዝን ተገዳስነትን ንምርኣይ ከኣ ኣብ መእተዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ “ሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንዓወት ቃልስና መሰረታዊ ውሕስነት ምዃኑ ኵላትና እንሰማማዓሉ ጕዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ንብዙሕ ዓመታት ጸጊሙና ምጽናሑ ድማ ዝከሓድ ኣይኰነን። ሎሚ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ካብ ሕሉፍ ተመኵሮታቱ ተማሂሩ፡ ናብ ምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕን ገጹ የድህብ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ጕዳይ ምዃኑ ጕባኤ መዚኑ።“ ይብል።

ሰዲህኤ፡ ኣብ ጉባአኡ ምውሳን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ንደሓር ከም መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጻዕሩ፡ ማዕረ ማዕረ’ቲ ሰልፊ ናይ ምሕያልን ውሽጣዊ ሓድነት ናይ ምድልዳልን ዋኒኑ፡ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ፡ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እዩ። እዚ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ድልዱል መሰረት ናይ ምንባር ጻዕሩ በቲ ኣብ መንጐ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝግበር እሂን-ምሂን ጥራይ ከይተደረተ ኣባላቱ ኣብ ኩሉ ህዝባዊ ምልዕዓላት ከበርክቱ የተባብዕ። ሰዲህኤ፡ ብ2017 እዩ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዳህሲሱ፡ ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛምን ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ”  ዝመሰረቱ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ንድፊ ዘቐረበ።

ሰዲህኤ፡ ኣብዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ተስፋ ዝህብ፡ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጥምረት ንምብጻሕ፡ ኣብ መስርሕ ዝረኣዩ ምዕባለታት ንምውጋን ነቲ ኣብ ንድፉ ኣብ መስርሕ ዝኽሰት ሓድሽ ሓሳባትን ተርእዮታትን ብምጽውዋር፡ ትዕግስቲን፡ ህዝባዊ ሓላፍነትን  እንዳኸለሰ ከመዓራሪ ጸኒሑ። ንመጻኢ እውን ሓድነትና ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ንህግዲፍ ዘወግድ፡ ድሕሪኡ ከኣ ተዛሪቡ ዘስምዕ፡ ወቒዑ ዘድምዕ ሃገር ዘህንጽ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝብጻሕ ጻዕሪ ሰዲህኤ ቀጻሊ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ 12 ክሳብ 14 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ኮለል ክብል ቀንዩ። መገሻኡ “ብዕድመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ” ከም ዝኾነ ተቓሊሑ። ብመሰረት  እቶም ነቲ ጉዳይ ቀሪቦም ብረቂቕ ዝከታተልዎ ወገናት ዝህብዎ ሓበሬታ ግና፡ እዚ ንኢሳያስ ዘይግበኦ ክብሪ ንምሃብ ዝተማህዘ ከም ዝዀነን  ከይተዓደመ ደፊኡ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወን እዩ ዝግለጽ። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ተኸቲሙ ካብ ዝበሃል፡ እቲ ብሕቡእ ዝካየድ ገዲፍካ ኢሳያስ ብወግዒ 5ተ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ተመላሊሱ።

ኢሳያስ ኣብዚ ተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያ መገሻኡ ኣብ ከታማታት፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ናዝሬት፡ ጐንደር፡ ባህርዳር፡ ዝዋይን ጅማን በጺሑ። ናብዘን ከተማታት ኣብ ዝበጸሓሉ ከኣ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ኢንዳስትሪ ፓርክታት፡ ዩኒቨርሲታት፡ ኣብ ደብረዘይቲ ዝርከብ ኢትዮ-ኢንጅነሪንግን መደበር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዝዋይ ዝርከብ ዘመናዊ መስኖ፡ ኣብ ጅማ ዝርከብ ማእከል ፈልሲ ቡን፡ ኣብ ጐቦ እንጠጦ ዝተሃንጸ ሓድሽ መናፈሻ፡ ማእከል ሓይሊ ኤልክትሪክ ግቤን ዓብይ ዲጋ ህዳሴ ኣባይን በጺሑ። ኣወዳድባ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከም ዝተዓዘበ እውን ተነጊሩ። ነዝታት ተዓዚቡ ቅዱስ ቅንኢ ሓዲርዎ ከምዘይትግብሮ’ኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ኣብ ኩሉቲ ዝበጸሖ ቦታታት ብዛዕባቲ ትካላት ብክኢላታት መግለጺ ተዋሂብዎ።  እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ኤርትራ ካብ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ “ኣብዚ ቦታዚ በጺሑ” ዝብል ዜና ነበረያነበረ ኣብ ዝኾነሉ እዩ። ንሱ እዩ ከኣ “ኣባ ጉንባሕሲ ዘይግራቱ ይኾልል” ዘብል።

ምስዚ ኩሉ ቀጻሊ ምምልላሱ ግና፡ ጉዳይ ህዝቢ ዘገድሶ ኣይኮነን። ንማለቱ’ውን ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዘይቀበጽዎ ውሑዳት ኤርትራውያን ክራኸብ ሓሲብዎን ፈቲንዎን ኣይፈልጥን። ነዚ ዘይገብር “መራሒ ኤርትራ እየ” ዝብል ውልቀ መላኺ  ኢሳያስ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውን ዘለዎ ንዕቀትን ዘይተገዳስነትን ክሳብ ክንደይ  ሳዕሪሩ ከም ዘሎ ዘረድእ መረጋገጺ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ካብ ኢሳያስ ተስፋ ዝቖረጹ እዮም። እቶም ውሑዳት ተታሊሎም ዝነበሩ ብዛዕባቲ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኣልሞ ዘሎ ውዲት ዘይተረድኡን ድማ ብምስምስ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሕለብዎ ዘለዉ ገንዘብን ኣብ መዓልኡ ዘይውዕል ከምዘየሎ  ከስተውዕሉ ይግበኦም።

ናይዚ ንነዊሕ ግዜ እንኮ መገሻኡ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ምምልላስ ወይ  ኣብ ዓዲ ሃሎ ተዓኹሊልካ ምውዓል  ዝነበረ ዲክታተር፡ ክልተ መብረ ዘየብሎም ዕዙማት ኣሰነይቲ ኣኸቲሉ፡ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምልላስ ዕላማ “ኪኖ’ቲ ዝርአ እንታይ እዩ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ። ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይግሉጽነት፡ ኣብ ምናልባት ዝተመርኮሰ መልሲ ጥራይ ከም ዝህልወና ፍሉጥ እዩ። እቲ ርኡይ ምኽንያት ካብ ኤርትራዊ ዛዕባ እንዳሃደምካ ናይ ጐረባብትን ከባብን ተገዳሲ መሲልካ ንምቕራብ ዝመሃዝ “ኣተሃድማ ዕቡያት” እዩ። ኣብቲ ብቐጥታ ዝምልከተካ ሓላፍነት ከየድማዕካ ደገደገ ምምዕዳው፡ ኣብቲ እተማዕድዎ እውን ከተድምዕ ከምዘየኽእል ርዱእ እዩ። ብመንጽር’ዚ ንስሙኳ ኤርትራዊ ጉዳይ ክውግን ዘይፈተነን ዘይደለየን ሸፋጢ ዲክታተር ኣብ ጉዳይ ጐረቤት ኮነ ከባቢ ክጽይቕ እንተዘይኮይኑ ከዐሪ ከምዘይክእል  ካብ ዘየስተብህልሉ እቶም መዋዕልቱ’ውን ካብኡ ዝሕሹ ኣይኮኑን።

እቲ ካልእ ተልእኾ ቀጻሊ መገሻታት ናይዚ ዲክታተር ናብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእቲዩ ውሽጣዊ ጉዳዮም ኣባሊሑ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ መዝሚዙ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ በቲ ኢሳያስ ዝሃርፎ በታኒ ዘይሓላፍነታዊ ኣገባብ ድዩ ክተሓዝ፡ ወይስ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወድዓውን በዓል ቤታውን ሓቂ ኣብ መጻኢ ዝረአ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት እዩ። ብዙሓት ከም ዝረዳድእሉ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያዊ ክውንነት እምበር ብኢሳያሳዊ ጠብሎቕሎቕ ክውገን ንቡር ኣይኮነን። ድሮ እውን ብፍላይ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምስ ናይ ኤርትራ ዝመሳሰል ናይ ገንዘብ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን “ኣቶ ኢሳያስ ካብ ጉዳይና ኢድኩምን እግርኹም ኣክቡልና” ዝብል  ድምጺ ኢትዮጵያውያን መመሊሱ ይዛይድ ኣሎ።

ዲክታቶር ኢሳያስ፡ ጌና እቲ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መስርሕ እንከሎ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንዘይምፍላይ የዕጠጢ ከም ዝነበረ፡ ብዓይኖም ዝረኣዩን ብእዝኖም ዝሰምዑን ምስክርነቶም ሂቦም እዮም። እዚ ገበነኛ ሰብኣይ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ናጻ ተዓዘብቲ ኣብ ዝነበርሉ፡ ብልዕሊ 99%  “እወ ንናጽነት” ዝበሎ ውሳነ ዘንጊዑ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ “ሎሚ እያ መስዋእትን ውሳነን ህዝቢ ኤርትራ ንምጥላም እትጥዕም” ብዝብል፡ ኣፍ ልቡ ብክልተ ኣእዳዉ እንዳደሰቐ “ክልቴና ህዝቢ ሓደ ኢና” ክብልን፡ ንኤርትራ ኢትዮጵያዊ መራሒ ክመዘላን ተዓዚብናዮ ኢና። ዋላ’ኳ እዚ ከሓድን ጠላምን ጉሒላ፡  ሃንደፍደፉን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኤርትራ ሓያል ቁጠዐ ከም ዘልዓለ እንተዘይሰሓቶ፡ ሓንሳብ ስለ ዝዓበደ ከምቲ “ሓንሳብ ዝጠልቀየ ዝናብ ኣይፈርሕን” ዝበሃል፡ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ሕግብግብ ናይ ምባል ስምዒቱ ኣይወጸን። ኣብዚ ዳሕረዋይ መገሻኡ እውን፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ እትሕወሰሉ ውዲት እንተዘይተዓወተ፡ ንመጻኢ ህይወቱ ኣብቲ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ምብራቕ ኣዲስ ኣበባ ዝገዘኣሉ  ዘመናዊ መንበሪ ገዛ ናይ ምጥጣሕ ዕላማ ከም ዘለዎ ነቲ ጉዳይ ብኹሉ መልከዓቱ ብደቂቕ ዝከታተልዎ ኣካላት ይእምቱ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ፡ በቲ ሓደ ወገን “ሕጋውነቱ ዘብቀዐ እዩ” በቲ ካልእ ወገን ከኣ “የለን ሕጂ እውን ሕገመንግስታዊ እዩ” ዝብል ሓያል ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣሎ። ኣብዚ ህሞትዚ ናይ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ እምበኣር፡ ናይቲ  መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ  ሕጋዊ ህያውነት ንምድማቕ እዩ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ።

በዚ ኮነ በቲ፡ እዚ ናይ ኢሳያስ ቀጻሊ ወዛሕዛሕ ናብ ፈቐዶ ከተማታትን ትካላትን ኢትዮጵያ፡ ብርግጽ ማእከሉ ረብሓን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ኣይኮነን። ነዚ መዕገቲ እንተ ዘይገርናሉ፡ ንመጻኢ ዕድል ሃገርናን ህዝባን ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝገደደ ዝወስድ ሓደገኛ መንገዲ ከይከውን ዘተሓሳስብ እዩ። ነዚ ስግኣትዚ ቀንጢጥና ናብ ኩለመዳያዊ ኤርትራዊ ራህዋ ንምቕያሩ ከኣ፡  ነቲ ኣንጻር ገበናት ኢሳያስ፡ ዝምረሓሉ ኣተሓሳስባን መተግበሪ ትካላቱን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሓድነትና ኣደልዲልና ካብ ምቕጻሉ ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልና ዝያዳ’ቲ ዝሓለፈ ግዜ ከነስተውዕል ንጥለብ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኢሳያስን ጉጅለኡን ንስሙ ከም መራሕቲ ኤርትራ ይጸውዑ እምበር ብኣተሓሳስባን ተግባርንሲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘይህልዉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብሓደ ዘይምህላዎም ንምርዳእ ድማ ድሌት፡ ባህግን ትጽቢትን ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ተረሲዑ፡ መላኺ ስርዓት ናይ ጭቆና ስልጣኑ ከናውሕ ብዝገብሮ ዘሎ ወስታታት ሃገራዊ ክድዓት ዝሓዘ ውዲታት ዝግለጽ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ልኡላውነት ሃገሩን ክብሩን ክዕቀብ፡ ኣብታ ኣዝዩ ክቡር ዝዋጋኣ ሃገሩ፡ ኩሉ መሰላቱ ክሕለወሉ፡ ብሕገመንግስታዊ ስርዓት ክመሓደር፡ ዝመርሕዎ ሰባት ዘደይበሉን ዘውርደሉን ዲሞክራስያዊ፡  ትካላትን ኣሰራርሓን ክህልዎ ድሌቱ እዩ። ነብሱ ክኢሉ ሃገሩ ዘዕብየሉን ጸጋ ሃገሩ ብማዕረ ንኹሎም ዜጋታት ዝመቓረሓሉን ቁጠባዊ ፖሊሲ ክትልም  ይደሊ። ዘይተገደበ መሰል እምነት፡ ሓሳባካ ምግላጽን ምውዳብን ከረጋገጸሉ ይደልን ይብህግን። ባህግን ድሌትን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ቃልሱ እውን ምእንቲ እዚ እዩ ነይሩ። እቲ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እውን ምእንቲ እዚ እዩ። ብኣንጻሩ ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ኣንጻር እዚ ዝተዘርዘረ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን። ኢሳያስ ጸረ ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ግሁድ ብቕትለት ዝተሰነየ ኣእዳዉ ብደም ዝተሓጽበ ዕሉል ገበነኛ እዩ። እዚ ተግባሩ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ክሳብ ክንደይ “ሕቖን ከብድን” ብዝበሃል ደረጃ ርሕቀት ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ።

ምስዚ ኩሉ ውረድ ደይብ፡ እቲ  ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወጽዓ ዘስምዖ ዘሎ ጥርዓንን ዘካይዶ ዘሎ ቃልስን፡ ዋላውን በቶም ኣብ ሃሃገሮም ብዲሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኢና ንመርሕ ዝብሉን ንመሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ክሕለቑ ዝስምዑን ወገናት ክንድቲ ዝድለ ኣይተሰምዐን። እቲ ዝገደደ ከኣ ዋላውን ኣብ ሕገመንግስታቶም “ስልጣን ብዘይ ናይ ህዝቢ ናጻን ዲሞክራስያውን ምርጫ ኣይተሓዝን” ዝብል ዓንቀጻት ዘለዎም ነቲ ን30 ዓመታት ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ብዘይሕገመንግስቲ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተኾደጨ ዲክታቶር ኢሳያስ ተዓሚቶም ከም መራሒ ኤርትራ ክፈልጥዎ እንከለዉ እዩ። እዚ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት  ብድሕሪ መጋረጃ’ውን ሃሰስ ክንብሎ ዘገድደና እዩ። እዚ ክፍንፈን ዝግበኦ ዲክታተር መኻይዲ ክረክብ እንከሎ ከኣ “ንመን ኣለዎስ፡ መን ኣለዋ ኣላቶ” ዘብል እዩ።

ኢሳያስ ኣጋጣሚ ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ግዕዘይ ምስሉ ንምዕራይን ኣብ ሃገሩ ዝሰኣኖ ደገፍ ካብ ግዳም ንምቕራም ሃንደፍደፍ ካብ ምባልን ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን። “ቀጽል” ዝብል ናይ ርሑቕ ደፋኢ ሓይሊ ዘለዎ ብዝመስል ኣገባብ፡ ንብዙሓት ብዘገረመ ሃንደበት ብ9 ሓምለ 2018 ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ረቂቕን ሕቡእን ርክብ ነይርዎም ዝበሃል ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ “ሰላም” ስምምዕ ከቲምና ኢሉ። ጌና እዚ ስምምዕ ቁሩብ ፍሑሕ ከይበለ ከኣ ካብ ብዙሓት ኣድብዮም ክከታተልዎ ዝጸንሑ ዝመስሉ ወገናት ዘይግበኦ ክነሱ “ናይ ሰላምን ልምዓትን ባእታ” ክበሃል ሰሚዕና። በዚ መጸ ዘይበሃል ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት መዳልያታት ተዋሂብዎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ “መጺእካለይዶ፡ ክጽበየካ” ተባሂሉ። ብህያብ እውን ዝተረፈ የለን። ካብ እንስሳ ዘቤት ክሳብ ባህላዊ ክዳውንትን ናይ ሓርበኝነት መለልይ ዋልታን ኩናትን ተዋሂብዎ። ናይ ቃል ኪዳን ካትም እውን ወድየምሉ። ኢሳያስ በዚ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን ዝተዋህቦ ገጸ በረከትን ምስ ሰኸረ፡ ዘስምዖ ቃል ከኣ ካብ ሓደ ጥዑይ ተራ ሰብ እውን ዘይትጽበዮ ኮይኑ ንብዙሓት ኣደንጽዩ። እቲ ዘሕዝንን ኢሳያስ ናይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ዘይኮነ ዘረድአን ከኣ መደርኡ ደረት ሓሊፉስ ንኤርትራዊ ሃግርነትን ልኡላውነትን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምንባሩ እዩ። ኢሳያስ ምስዚ ኩሉ ጉያኡን ምልፍላፉን  ኣብቲ ዝተኻየደ ቁማር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተበሊዑ፡ ወያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ትርጉም ዝሰኣነትን ተዛርብ ዘላን ናይ 2019  ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዳ።

ዝተፈላለዩ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ጸብለል ክብሉ ዝወጠኑ ሓይልታት፡ ንኢሳያስ ኣብ ናይ የመንን ሊቢያን ውግኣት ተለኣኣኺ ቆጺረምዎ። መልእኽቱ ከዕውት ከኣ ላዕልን ታሕትን ኢሉ። ኣብ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበራት ንዝኸፈቱ መንግስታት መሬት ንከካሪ ንኤርትራውያን ኣመዛቢሉ። ኣብቲ መስርሕ ኣደዳ ስደት፡ ሞትን ድኽነትን ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ዓስቢ ናይዚ ከኣ ዶላራት ሓቒፉ። እዞም ንኢሳያስ “እፍእፍ” ዝበልዎ ወግናት፡ ጉዳዮም ምስ  ኣብ ቀይሕ ባሕሪ  ጸላዊ ክሳዳዊ ኣቀማምጣ ዘለዋ ኤርትራ እምበር ምስ ህዝባ ከምዘይኮነ በሪሁ እዩ። ነቲ ቀደም ገዛእቲ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብልዎ ዝነበሩ ዘኪርካ ከኣ ታሪኽ መልክዑን ተዋሳእቱን ቀይሩ ንገዛእ ርእሱ ይደግም  ኣሎ ዘየብል ኣይኮነን።

እዚ ተረኽቦ ህዝቢ ኤርትራ ህልውናኡ ብቀንዱ ኣብ ኢዱ እምበር፡ ካብ ካልኦት ዝጽበዮ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ። እዞም  ንኤርትራ ኣብ ረብሓኦም ከውዕልዋ ዝሓልሙ፡ እቲ ዋኒን ህዝቢ ዘይዋኒኑ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ስለ ዝደልይዎ፡ “ኣንታ ንበረልና” ክብልዎ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ፡ ኤርትራ ኣብ ኢድ ንጉዳይ ህዝባ ኣብ ቅድሚት ዝሰርዕ ኣካል ከም እትኣቱ ምግባር እዩ።  እቲ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ልኡላውነት ኣውሒስና ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ናይ ምስራጽ ቃልሲ ኣንጻር ጉጅለ ኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ኣንጻርቶም ብመንገዲ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ከባብያዊ ረብሓኦም ከረጋግጹ ህርድግ ዝብሉ ብድሕሪ መጋረጃ ዘለዉ መወልቱ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ምናልባት እውን መን ይፈልጥ ረብሓኦም ንክሕልዉ እቲ ዲክታተር ብዝኸፍቶ ኣፍደገ ብግሉጽ ክጐብጡና ይሓልሙ ይኾኑ።

 ኢሳያስ ቀጻልነቱ ኣብ ኤርትራ ውሑስ ንክኸውን ከባቢና በቲ ናቱ ዘይጥዑይ ንፋስ  ክእዕብለኽ ካብ ምጽዓር ንድሕሪት ከምዘይብል ምግንዛብ የድሊ። ናብ ሶማል፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ መገሻታት ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ዝረብሓሉ ተልእኾ የብሉን። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኣትዩ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ዝኣጉዶ ዘሎ ሓዊ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣትዮጵያ ኣትዩ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝወሰዶ ዘይሓላፍነታዊ መርገጽ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። 

ስለዚ ንሕና ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕንቅፋታት ንምጽራግ፡ ኢሳያስን ውሑዳት ኤርትራውያን ደቂ መዛምርቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንተላይ ነቶም ብድሕሪ መጋረጃ “ኣንታ ንበረልና” ዝብልዎ ዘለዉ ናይ ቀረባን ርሑቕን መንደልሓቕቲ’ውን ኣርሒቕና ብምጥማት ኣብ ግምት ከነእትዎም ይግበኣና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራን ህዝባን፡ መሰልካ ኣሕሊፍካ  ብዘይምሃብ፡ ከፋፊሎም ከዳኽሙኻ ንዝህቅኑ ገዛእትን ወጻዕትን  ብዘይምንብርካኽ፡ ኣብ መስርሕ መሪር ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ከጋጥሙ ብዝኽእሉ ውረድ ደይብን ብደሆታትን ንድሕሪት  ብዘይምምላስ እዮም ክሳብ ሕጂ ከም ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝግለጹ። እዚ ሎሚ ኣብ ልኡላዊ ሃገርነትና ዝወላወልን ህዝባዊ ክብርና ከህስስ ዝህቅንን ዘሎ ስሱዕ ጉጅለ ህግዲፍ ግና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ዘይጸውር፡ ንናይ ርኢቶ ፍልልይ ንምጽባብ ዘይኮነ፡ ንምርሕሓቕ ኣጋዲዱ ውልቃውነት ከዕቢ ዝሕልን እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ  ኣብ ኩሉ ዝወዓሎን ከም ኣጀንዳ ሒዙ ዝዓሞን ቅልውላው ክፈጥር እንተዘይኮይኑ: ካብ ናቱ ንዝተፈልየ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቀም ኣተሓሳስባ ኣፍልጦ ዝህብ ባህሪ የብሉን። ኣፍልጦ ዘይምሃብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍኦ ከይደቀሰ ዝሓድር ብዛዕባ ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ከነወግዶ  ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘለና፡ ንኻለኦት ብማዕዶ ዝርእይዎ’ውን ከም ሓድሽ ተረኽቦ ተወሲዱ ዝዝረበሉ ኣይኮነን። ህግዲፍ ዘይክእሎ ክነሱ፡ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባን ሓሰብቱን ንምጥፋእ፡ ከንቱ ፈተነ ካብ ምክያድ ዓዲ ኣይውዕልን። እቲ ነዚ ከንቱ ህርፋኑ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝጥቀሞ ሜላታት ከኣ፡ ነቶም ነቲ ዘፍርሖ ኣተሓሳስባ የንቅዱን የስርጹን እዮም ንዝብሎም ወገናት፡ ብእኩብን ብውልቅን፡ ብጋህድን ብስዉርን ምእሳር፡ ምስዋርን ምቕታልን እዮም። ኩሎም እዞም ጨካናት ናይ ህግዲፍ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕታል ስጉምትታት፡ ድሑራት፡ ግዜ ዝሓለፎምን ብዙሓት ዲክታቶራት ፈቲነምዎም ካብ ዘይተርፍ ውድቀት ዘየድሓንዎምን እዮም።

ጉጅለ ህግዲፍ “ኣለኹ” ንምባልን ናቱ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባ ብዘይውድድር ንምስራጽን ዘካይዶ ምንቅስቓስ ኣብ ናይ ብዙሓት ፍሹላት ተመኩሮ ዝተራእየ እዩ።  ናይ ኣተሓሳስባ ልዕልና ንምድላብ ዝግበር ቃልሲ፡ ሃናጽን ናብ ዝለዓለ ብቕዓት ዝድይብን ንክኸውን፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓልዮት፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን መስርሕ ዘጽልል፡ ሕጋውን ሰላማውን ውድድር ዝተሰረተ ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ። ነዚ ኣብ ዝጸውር ናይ ውድድር  ሜዳ ክትጻወት ምኽኣልን ዘይምኽእል ከኣ ኣገዳሲ ናይ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ህዝባዊ ተቐባልነትን መምዘኒ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓላፍነታዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ምውሳእ ዘኽእል ብቕዓት ኮነ ባህሪ ከም ዘየብሉ ባዕሉ ብብዙሓት ግብራዊ ኣብነታት ኣመስኪሩ እዩ። እቲ ሎሚ ዝኸዶ ዘሎ ጸቢብን ኣግላልን ናይ ጥልመት ጉዕዞ ከኣ፡ ካብ ሓዲዳ ብዝወጸት ባብሩ ዝምሰል፡ ናይ ሓጐጽጐጽን “ዝወለደት ትውለድን” መንገዲ ኮይኑ፡ መንግዲ ጠፊእዎ ነቲ ሓደ እንዳልዓለ መሊሱ ዝሓዞ እንዳደርበየ  ብዘዕገርግር ውልቀሰብ ዝዝወር ዘሎ  እዩ።

እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጉጅለ ግብሩ ስለ ዝፈልጥ እሞ ካብ ናቱ ብዝተፈልየ ዝሓስብ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ኣዝዩ ስለ ዘስገኦን፡ “ጸቢብ ጉጅላወነትን ጸረ ህዝቢ ምምሕዳርን ይተኣረም፡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ንቡር ሕገመንግስታዊ መልክዑ ይሓዝ፡ ብናይ ክሳብ ሕጂ ተሓሳሲብና ንቕድሚት ነማዕዱ” ንዝበሉ ኣባላት ጉጅለ 15ን ሕያሎ ደገፍቶምን ኣሲሩ። ካብቲ ኢሳያስ ዝደልዮ ኣተሓሳስባ ብዝተፈልየ ስለ ዝሓሰቡ ጥራይ ምእሳር ብዞም ናይ 18 መስከረም 2001 ግዳያት ከም ዘይተጀመረ ከኣ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ።  

“ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሃገሩ፡ መነባብሮኡ፡ መጻኢ ዕድሉ፡ ከባቢኡን ዓለምን ካብቲ ናይ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽን ዝተፈልየ መማረጺ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ክህልዎ ይግበእ” ካብ ዝብል ሓልዮት ሙያዊ ግቡኣቶም ክፍጽሙ ንዝተበገሱ መንእሰያት ናይ ብሕቲ ሚድያ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣሲሩ፡ ነተን ህዝቢ ክሃርፈን ጀሚሩ  ዘነበረ ዘይመንግስታዊ  ጋዜጣታት ከኣ ኣጊድወን። ናይዚ ኩሉ ስጉምትታት መንቀሊ ከኣ ፍርሒ ዝፈጠሮ  ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ናይ ንምድቋስ ሕማም እዩ።

መዓስ እዚ ጥራይ፡ ብናቶም ውሳነ፡ “እዚ እዩ እቲ ክንስዕቦ ዝግበኣና መንገዲ እምነት” ንዝበሉ ወገናት ሃይማኖታዊ ናጽነቶም ግሂሱ ኣሲርዎም። “ኣብዚአን ጥራይ እመኑ” ብዝብል ከኣ ውሱናት እምነታት ሰሊዑ። እቲ ኣዝዩ ዝገረም ከኣ መራሕቲ  ናይተን ዘፍቀደለን እምነታት እውን ግዳይ ማእስርትን ሞትን ካብ ምዃን ኣይደሓኑን። ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ፡ ብሓባርን በብውልቅን “ኣብዚ መዳያትዚ እንተ ኣውፊርና ንዓና ተጠቒምና ህዝብናን ሃገርናን እውን ከነርብሕ ንኽእል ኢና” ካብ ዝብል ሃገር ናይ ምህናጽ ክቱር ፍቕርን ሓልዮትን “ብገንዘብና ከነልምዕ” ስለ ዝበሉ፡ ነታ ንህዝብና ካልእስ ይትረፍ ካብ ንሕብስቲ ኣብ መስርዕ ምሕዳር ዘየድሓነት፡ 09 እትበሃል ንግዳዊ ትካል ህግዲፍ ብዘይውድድር ንከህብትም  ዝእሰር ኣሲሩ ዝውረስ ወሪሱ በቲንዎም። ንሳቶም ከኣ ደም እንዳጠዓሞም ሎሚ ኣብ ናይሮቢ፡ ጁባ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ካምፕላ፡ ሉዋንዳን ካለኦት ጐረባብቲ ከትማታትን ገንዘቦም ኣፍሲሶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ቁጠባ ዓዲ ጓና የልምዑ ኣለዉ። እዚ ከኣ ካልእ ናይ ህግዲፍ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕታል ቀናእ ወስታ እዩ።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ካብ ፖለቲካ ክሳብ ቁጠባ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራና ካብ ናይዚ ጉጅለ ብዝተፈልየ ዝሓሰቡ ብዙሓት ኤርትራውያን  ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ይሓቁ ኣለዉ። እንተኾነ ንሳቶም እምበር ኣተሓሳስባኦምስ ኣይተኣስረን።  ተመኩሮና ከም ዝምስክሮ፡ መስርሕ ቃልስና ካብ መግዛእቲ ናብ ናጽነትን ልኡላውነትን ዕንቅፋታት ተጻዊርካ፡ ንተጽዕኖ ልዕለ-ሓያላን ከይተረፈ በዲህካን ኣርሒቕካ ብምጥማትን እዩ ተዓዊቱ። ኣብቲ መስርሕ ጅግና ክሓልፍ እንከሎ፡ እቲ ጅግንነቱ ግና ሓቢሩ ዝመውት ዘይኮነ፡ በቲ “ቅሰን ኣነ ኣለኹ ተቐባሊ ሕድሪ” ዝብል ተካኢ ጅግና እዩ ዝውረስ ነይሩ።

እቲ ሰንሰለታዊ መስርሕ ምውርራስ ጽንዓትን ኣተሓሳስባን ሎሚ’ውን ቀጺሉ፡ ልኡላዊት ኤርትራ ምስ ኩሉ ጸገማታ “ኣለኹ” ትብለና ኣላ። እቲ በዚ ተጣላዒ ጉጅለ ሰባት ኣሲርካን ቀቲልካን ነቲ ህዝቢ ዝማእከሉ ኣተሓሳስባኦም ንምብራስ ዝህቀን ዘሎ ከኣ በቲ ኣብ ተመኩሮና ብግብሪ ዝተመስከረ ናይ ሕድሪ ምቅብባል ህያው እዩ። እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንከታተሎ ዘለና ድምጺ ደቂቶም ግዳያት ማእሰትን ሞትን ከኣ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። እቲ “ኤርትራና ሕገመንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊት፡ ዲሞክራስያዊት፡ ሰላማዊትን ልምዕትን ክትከውያን” ዝበል ንድሕሪት ዘይምለስ ኣተሓሳስባ፡ ሰባት ብምእሳር ዝቕህም ዘይኮነ፡ እቲ ሓደ እንተ ወደቐ እቲ ካልእ እንዳተንሰአ ክሳብ ዓወት ክቕጽል እዩ። ምኽንያቱ “ሓሳባይ እንተሓለፈ፡ ኣተሓሳስባኡ ግና  ህያው”  ስለ ዝኾነ።