ኤርትራ ብሰንኪ ግጉይ ዲፕሎማስያዊ ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዓለም ብተነጽሎ ካብ ዝተዋሕጣ ሃገራት ሓንቲ ኮይና ጸኒሓ። ኣብታ ሃገር ብዘይካተን እቲ ገዛኢ ጉጅለ ብዓይኑ ዝቐጽዐን መንግስታዊ ሚድያታት ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ዘራኽባ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣይጸነሐን። ኣብ ርእሲ’ዚ ንናይ ወጻኢ ናይ ዜና ማዕከናትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን እውን ዕጽዊቲ ኮይና እያ ጸኒሓ። ካብቲ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጽምዋ’ውን ኣይወጸትን። ድሕሪቲ ናይ 2018 ብዘይትካላውን ዘይግሉጽን ኣገባብ ምስ ኣብዪ ኣሕመድን ንሱ ዝመርሖ ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ምዝማዳ ግና ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት መዛረቢት ክትከውን በቒዓ። እቲ ኣዛራብነታ ግና ንህዝባ ናብ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራስን ዘሰጋግር ዘይኮነ፡ ነቲ ተጻዒንዋ ዝጸንሐ ሓጺናዊ ኣርዑት መግዛእቲ ህግደፍ መሊሱ ዘትረረን ዘጋደደን ስለ ዝኾነ እዩ።
እቲ ዝጸንሐ ዘየቕስን ኩነታት ኤርትራ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቅንያት ከኣ ዝያዳ ኣጀንዳ ናይ ብዙሓት ክትከውን ዝድርኹ ተረኽቦታት ተጋሂዶም ኣለዉ። ካብቲ ተረኽቦታት፡ እቲ ሓደ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተወሰና ናብ ትካላትን ላዕለዎት መራሕትን ናይቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጠላም ጉጅለ ዘቕነዐ እገዳ እዩ። እቲ ካለኣይ ከኣ ሕልፈተ-ህይወት ናይ ሓደ ካብቶም ኣእዳዎም ብደም ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተሓጽቡ መራሕቲ ጸሓፊ ህግደፍ ዝነበረ፡ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ እዩ።
ከምቲ “ወቓሲ ምዉት ኣይትግበረኒ” ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ብ1966 ናብ ሰውራ ኤርትራ ተሰሊፉ ኣብ መበል 74 ዓመቱ ዝዓረፈ ናይ ኢሳያስ እሙን ባእታ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። ብዙሕ ዘየዛርበሉ ምኽንያት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸገሙ ምስ ውልቀ-መራሕቲ ከም ሰባት ዘይኮነ፡ እቲ እኩይ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳባኦም ስለ ዝኾነ እዩ። መዋቲ ክምረሓሉን ንህዝቢ ኤርትራ ደም ከንበዓሉን ዝጸንሐ ኣተሓሳባኡ ምስኡ ዝመውት ዘይኮነስ፡ ጌና ፈረስ ቀይሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጋልብ ስለ ዝኾነ፡ ብልሒ ቃልስና ዘጉድምን “ተመስገን እንኳዕ ናይ እገለ ዝበሃል መራሒ ሞት ኣረኣኻና” ዘብልን ኣይኮነን። በዚ ይኹን በቲ ግና ኣብ ካልእ ምጽብጻብ ከይከድና፡ እዚ ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፈ ጸሓፊ ህግደፍ ነበር፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን ብዘመልክት፡ “ኤርትራ ኣብ ዓለምና ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረላን ሰላም ዝሰፈናን እንኮ ሃገር እያ። ቃልስናን ድሌትናን ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ምሕላውን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ናብ ስልጣን ከይትመጽእ ምክልኻልን እዩ” ዝበሎ ከይጠቐስካዮ ዘይሕለፍ፡ ጉዳዩ ገዲፉ ናብ ደገ ዘማዕዱ ህላ እዩ። ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ብዝነበሮ ግደ ኣብ ታሪኽ ክዝከር ኢዩ። ኣብ ድሕሪ ናጽነት ሓደ ካብቶም ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጠቐምዎ፡ ዝበደልዎ ዝበዝሕ ባእታታት ምንባሩ ከኣ ታሪኽ ብዘይ ምሕረት ክምዝግቦ ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ትካላትን ክልተ ላዕለዎት ሓለፍትን ህግደፍ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተወሰነ እገዳ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ብኣብይ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብህግደፍ ይግበረሉ ንዘሎ ናይ ህልውና ውዕለት ንምኽፋል ብዝመልስ ቅድሚ ህግደፍ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሩ ኣቢሉ ነቲ እገዳ ዝቃወም መግለጺ ምቕራቡ ነቲ ኣዛራብነት ዝያዳ ኣንሂርዎ። ጠንቂ ናይቲ እገዳ እቲ ዓመጸኛ ጉጅለ ኣብ ዕግርግር ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ገበናት ምፍጻሙን ጌና ሎሚ እውን ኢደ-እግሩ ዘይኣከበ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ ህውከት ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ዝፈጸሞ በደላት ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ንክውሰን ምኽንያት ኣይከውንን ዝብል እምነት የብልናን። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ከኣ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ መርማሪ ኣካል ተመዚዝሉ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ግህሰታት ብመርትዖታት ዝተሰነየ ክነሱ፡ ብኤርትራዊ ምኽንያት’ውን እገዳ ዘይምውሳዱ ግና ዘተዓዛዝብ እዩ። እገዳ ናይ ምውሳን ጉልበት ዘለዎም ሓያላት ቀዳምነት ዝህብዎ ኣብ ህዝቢ ዝፍጸም ዘቤታዊ ገበናት ዘይኮነ፡ ናታቶም ጠቕምታትን ዞባዊ ልዕልናን ምዃኑ ከኣ የረድእ። እዚ ናባና ናብቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ፡ ጉዳይና ብኣናን ካባናን እንተዘይኮይኑ ንሕና ክንጽበን ክንዕዘብን ካልእ ዝዓመልና ኣካል ዘየለ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ እንግደዓና ዘሎ ካልእ ዘይስከመልና ዕዳ፡ በበይንኻ ኮይንካ ዘይኮነ፡ ዝተበተነ ሓይልኻ ጠርኒፍካ ጥራይ ዝዕመም ምዃኑ ከኣ ዘርእየና እዩ።
ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዋኒንና ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ሰማዒ እዝኒ ዘይምርካቡ፡ እቲ ጠንቂ ናብ ሓያላት መንግስታት ጥራይ ነላግቦ ዘይኮነ፡ እቲ ቀንዲ ናትና ሓቢርካ ዘይምስጓም ድኽመት ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ምእማን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዝደቀስናሉ ክንበራበር እዋኑ እዩ። ናይ ሓባር ጭረሖ ኣልዒልና ክነስና ኣብ ተግብር ግና ግዜ ንበልዕ ከም ዘለና ድማ ኣይንረስዕ። እዚ ሓድሽ እገዳ ኮነ እቲ ናይ ቅድም ኣስናኑ ዝወደአ እገዳታት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ናብ ቁጠባዊ ትካላትን መራሕትን ናይቲ ገዛኢ ጉጅለ ዘቕነዐ ምዃኑ ንጹር እዩ። እቲ ጉጅለ ግና ነቲ ክርህዎ እንከሎ ኣብ ከመይ ኩነታት ይነብር ከም ዘሎ እውን ዘይፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ፡ “እዚ እገዳ ንዓኻ ንምጉዳእ ዝዓለመ እዩ እሞ ክተት” ክብሎ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ ዘይወድዓዊ ገልታዕታዕ ናይዚ ጉጅለ ናይ ገለ ግሩሃት ወገናት ሰማዒ ኣእዛን ኣይሰኣነን። እቲ ጉጅለ በብዝሃንደሶ ግጉይ መንገዲ ዝውሕዙን ነቲ እገዳ “ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዓለመ እዩ” ዝብሉን ኣካላት የለዉን ማለት ኣይኮነን። እዞም ወገናት ብውሕዱ ካብ ክልተ ኩርነዓት እዮም ዝነቕሉ።
እቲ ሓደ ህግደፍን ህዝብን ዝተፈላለዩ ኣካላት ክነሶም “ሓደ እዮም” ዝብል ዝንቡዕ እምነት ከም ሓቂ ዝወሰዱ እዮም። እዚኣቶም ህዝብን ህግደፍን ከወዳድሩ እንከለዉ፡ ናይቲ ሓደ ጉድኣት ናይቲ ካልእ እውን ጉድኣትዩ ካብ ዝብል ግጉይ ሓሳብ ዝነቕሉ ግዳያት ናይቲ ጉጅለ እዮም። እቶም ካለኦት ከኣ ጠመተ ናይቲ እገዳ ናብ ህዝቢ ዘይኮነስ ናብ ህግደፍ ዝዐለመ ምዃኑ ዝርድኡን ኣብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ፍልልይ እንዳፈለጡን ኮነ ኢሎም ነቲ ጉጅለ ከድሕኑ ዝተዓጥቁ፡ ጽባሕ ምስ ወገሐ ህዝቢ ከም ዝሓቶም ዝዘንግዑ ናይቲ ጉጅለ መሳርሒ ክኾኑ ዝመረጹ እዮም። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብህግደፍ ኩለ-መዳያዊ እገዳ ዝተወሰኖ ኣብ ሕሰም ዝነብር ዘሎ እዩ። ካብዚ ዘየናሕሲ ኢደ-እግሩ ኣሲርዎ ዘሎ ህግደፋዊ ዘቤታዊ እገዳ ንምንጋፍ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ መሪሕ ውድባቱ፡ ሰልፍታቱን ህዝባዊ ምንቅስቓሳቱን ኮይኑ ቃልሱ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ካብ ምግንዛብን ግንዛበኡ ኣብ ተግባር ካብ ምውዓልን ካልእ ናይ ራህዋ መንገዲ ከምዘየብሉ ነዘኻኽሮ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እቲ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ግጉይ ዞናዊ ሕሳብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣቐዲሙ ዝጀመረ እምበር፡ ሃንደበት ዝመጸ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ግጉይ ሕሳብ ናይቲ ጉጅለ ብብዙሕ መልክዓት ስለ ዝግለጽ ብዙሓት ወገናት ገበናቱ ካብ ምጽብጻብ “እንታይከ ቅኑዕ ኣለዎ” ብዝብል ክገልጽዎ እዩ ዝቐሎም። ሳዕቤናት ናይዚ ግጉይ ሕሳብ ኣብ እንዳ ኹሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘሎን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝተዘርበሉን ስለ ዝኾነ ኣብዚ ንምዝርዛሩ ግዜን ጉልበትን ምውሳድ ኣድላይ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ኤርትራ ደሓን ኣላ” ዝብሉ እንተልዮም ንደሕንነትን ሰላምን ሃገር ኣብ ውሽጢ ብዝስማዕ ድምጺ ጥይት’ምበር ዶብ ሰጊሩ ዝሕምሶ ዘሎ ኩነታት ክርእዩ ዘይክእሉ ኢዮም።
ኣብ ታራ ማሕበራዊ ህይወት ሰላምን ርግኣትን ካብ ቤትካ እዩ ዝጅምር። ፖለቲካዊ ርግኣትን ቅኑዕ ምምሕዳርን ከኣ ካብ ሃገርካ ይጅምር። ከምዚ እናበለ ድማ ምስ ጐረቤት ሃገር ኮነ ዞባ ዝህልውካ ዝምድናታት ይስራዕ። ካብ ኣተሓሕዛ ስድራቤት ጀሚሩ ክሳብ ምምሕዳር ሃገር ደሓን ዘይኮነ፡ ኣብ ዞባን ካብኡ ንላዕልን ቅኑዕ ተዋሰኣይ ክኸውን ዘለዎ ዕድል ወይ ዕጽው እዩ ወይ ከኣ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ብዛዕባ ብሓደራ ዝተረከቦ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝሓንገደ ኣካል ኣብ ዞባዊ ምውሳእ’ውን ኣፍራሲ ከም ዝኸውን ውሁብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ድማ እዚ እዩ። ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብቲ “ይጸልዎን ይጸልወንን” ዝብሎ ዞባ ካብኡ ዝሓሸ ምምሕዳር ከይረአ እሞ በሪኽካ ኣብ ምውጻእ ተወዳዲሩ ከይብለጽ ኩሉ ከምኡ ንክኸውን እዩ ዘራጊ ሓሳብ ዝውጥን። እዚ ግጉይ ሕሳቡ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ምስ ሰኣነ ከኣ፡ ህርፋኑ ብውግእን ዓመጽን ከስርጾ ይጽዕት። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዝኾነት ጐረቤት ሃገር ሓሓሊፍካ ምትኹታኽ ከኣ ካብዚ እዩ ዝነቅል።
ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምናልባት ቃለ ዓለም ኮይንዎም ዘይዛረቡ ይህልዉ ይኾኑ እምበር፡ ብጐረባብቲ ኤርትራ፡ “ደሓን እቶ” ዝብሎ ከምዘየብሉ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ። እቲ ጉጅለ ምስ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ከም ኢጋድ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ነዘን ትካላት ዘቑማ ሃገራትን ዘለዎ ዝምድና ሓርፋፍን ሃሳስን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና እቲ ጉጅለ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብሰንኪ ግብሩ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዘኽቲሙ ምጽንሑ፡ ከምቲ “ንመን ኣለዋ መን ኣላቶ ኣለዋ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትዕርራኹ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዝመረጾ ግጉይ ሕሳብ ኣቐሚጡ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል” ከም ዝበሃል፡ ብዘርኣዮ ፈዳሕዳሕ፡ ፈታዊ ህዝቢ፡ መራሕ ሰላም፡ ደላይ ሓድነት መሲሉ ቀሪቡ። እዚ ምናልባት ነቶም ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ክትሓልፎ ዝጸንሐት ሕማቕ ዘበን ዘይፈልጡ ኢትዮጵያውያን እምበር፡ ነቶም ኩነታት ኤርትራ ክከታተሉ ዝጸንሑ ዝወሓጠሎም ኣይነበረን። ሎሚ ናይ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ጠንቁ ኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን እዮም ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ይበዝሑ ኣለዉ። ምስ ህወሓት ትግራይ ፍልልይ ዝጸንሖም ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ “ካብ ኤርትራዊ ትግራዋይ ይቐርበኒ” ክብሉ ምስማዕ ዝተለምደ ኮይኑ ኣሎ። ዕድል ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ “ከይጸዋዕካዮ ዝመጸ ከይጸገበ ወጸ” ዝበሃል ክኸውንዩ ኢሎም ዝግምቱ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ዘእተወሉ ምኽንያታት ክገልጽ እንከሎ፡ ምእንቲ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ኢሉ ተገዲዱ ከም ዝኣተዎ ኣምሲሉ ክገልጾ ጸኒሑ እዩ። ብሓቂ ግና ናይ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ዘቐንዝዎ እንተዝነብር፡ ሰላም ብገዛኻ ኢዩ ዝጅምር። ቅድሚ ናብ ካልእ ምምጥጣር በቲ ብሰንኪ ምምሕዳሩ ኣደዳ ስደት፡ ማእሰርትን ስቓይን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ሰላምን ራህዋን መምጽአ። እቲ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ንምእታው ዝፈሓሶ ተንኮል ክፍታሕ እንከሎ ግና ብዘይካ ነቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝመጾ ሕቶ ንምዝሓልን ስልጣኑ ንምንዋሕን በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ህልኽ፡ ዝኸሓነ ጽልእን ምፍዳይ ሕነን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን እንተዘይኮይኑ ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ ዝረብሕ ኣምር ኣይርከቦን።
ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ብፍላይ ከኣ፡ ምስ ትግራይ ኢትዮጵያ ብሰላም ናይ ምንባር ጽምእን ሃረርታን ነይርዎ። ነቲ ቅድሚ 4ተ ዓመታት ንሓጺር ግዜ ተፈጢሩ ዝነበረ ህሞት ብኸመይ ከም ዝተቐበሎ ድማ ኣብ ምኽፋት ዶብ ብወገን ሰንዓፈን ዛላንበሳን ዝነበረ ኩነታት ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኢሳያስሲ ዝሓሰቦ ደኣ ኣለዎ ኣምበር፡ ኣብ ኢዱ ዘሎ ሰላም ዘይለገሰስ ሰላም ካብ ጐረቤት ከምጽኣልና ወጢኑ ኣይኮነን ዝበሉ ውሑዳት ኣይነበሩን። ከምቲ ዝጠርጠርዎ ከኣ እቲ ህዝቢ ዝሕጐሰሉን ዝጥቀመሉን ክርኢ እንከሎ “ዓይኑ ደም ዝሰርብ” ዲክታተር ነቲ ዶባት ዓጽይዎ። ወዮ ወረ ሰላም ክመላለሰሉ ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ኣፍደገታት ኤርትራን ትግራይ ኢትዮጵያን ከኣ እነሆ ውግእን ወረ ውግእን ዝመላለሰሉ ጸልማት ኮይኑ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ግጉይ ዞባዊ ሕሳብ ነቒሉ ዝዋሰኣሉ ዘሎ ውግእ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ኣብ ትግራይ ክውዳእ ዝነበረ ትጽቢት በዓል ኢሳያስ ወጺኡ፡ ኣበየናይ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ኣይኮነንዶ ነዓና መንእሰያትና ዝሞትሉ ዘለዉ ንዓለም እውን ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ።
ዕምቆት ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ሎሚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ባዕሉ እቲ ጉጅለ እውን ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል ኢዱ ከም ዝሓወሰ ተኣሚኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከይተረፈ ይዋጥየሉ ኣሎ። ኣብቲ ውግእ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ፈጺመምዎ ዝበሃል ዘሎ፡ ቁጠባዊ ዕንወት፡ ምቕታል ሲቪል፡ ምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ እንዳበልካ ዘርዚርካ ዘይውዳእን ምጽራይ ዘድልዮን ገበናት ብዙሕ እዩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘይጉዳዮም ይቕዘፉ ምህላዎም ምጽራይ ዘየድልዮ ሓደገኛ ሳዕቤን ናይቲ ግጉይ ሕሳብ እዩ። ኣብቲ ይጻረ ዝበህል ዘሎ እውን ከምቲ “ዓይንና ዘይርእዮ ልብና ግና ዘይስሕቶ” ዝበሃል፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዘይእዉጅ ግንዛበ ኣለዎ።
እዚ ክሳብ ሕጂ ብኣመራርሓ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ተበጺሑ ዘሎ ምፍሳስ ደም ዝተኸለ ዝምድና ኤርትራ ምስ ትግራይ ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። እቲ ኩነታት ከምኡ ኢሉ እንተቐጺሉ ከኣ እቲ ሳዕቤን ብኽንድኡ ደረጃ ክዓርግ እዩ። እንተኾነ ሓንሳብ ተበላሽዩ እዩ ኢልካ ተስፋ ብምቑራጽ “ድላዮም ይግበርዎ” ዝበሃል ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ሃገርና ንምድቋስን ምስ ጎረባብታ ንዝነበረ ዝምድና ንምብልሻውን ዝተዓጥቀ ሰብ ኢዩ። ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ደለይቲ ፍትሒ፡ ዝተደርቖሰት ሃገር ከነሕዊ ንዝተበደለ ህዝቢ ክንክሕስ ንዝተበላሸወ ዝምድና ህዝብታት ናብ ንቡር ክንመልስ ግዴታና ስለዝኾነ ብሓላፍነት ክንሰርሓሉ ይህልወና።
ቃል ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ኣብ 5 ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ
Wednesday, 10 November 2021 22:49 Written by ኣስመሮም ኣስመሮምዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ሽማግለ ዞባ
ዝኸብርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ኣሰናዳኢትን ሓጻዪትን ኮሚቴ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ጕባኤ ዞባ ኣውሮጳን ዕዱማት ኣጋይሽን
መደረይ ንኽልቲኡ ጾታታት ዝምለከት ኢዩ።
ኣቐዲመ፡ ምውቕ ሃገራዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም። ቀጺለ፡ ኣብ 5ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ንክሳተፍ ብኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ኮሚቴ ዝተገብረለይ ዕድመ ክብ ዝበለ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። ከምኡ’ውን፡ መሪሕነት ዞባ ኣውሮጳን ኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ሽማግለን፡ ነዚ ጉባኤ’ዚ ዕዉት ንክኸውን ዝገበርዎ ጻዕርታት ዘሎኒ ናእዳን መጐስን ክገልጽ እፈቱ።
5ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዓለምና ዝተኸስተ ቀዛፊ ሕማም ኮቪድ-19፡ ካብ’ቲ ልሙድ ኣገባብና ግዚኡ ኣሕሊፉን ኣብ ክንዲ ብኣካል ብሳይበር ተክኖሎጂ ይካየድ ምህላዉን ፍልይ ዝበለ ተመኩሮ ይገብሮ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቶም ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተፈለዩና ኣሓትን ኣሕዋትን መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡ ንቤተ-ሰቦምን መቓልስቶምን ድማ ጽንዓት ይሃበና ብምባል ኣብ’ቲ ንሎሚ ኣዳልየዮ ዘለኹ መግለጺ ክሰግር።
ክቡራትን ክቡራንን
ጕባኤ ዞባ ኣውሮጳ፡ ብሓደ ሸነኽ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ኣብ ዝተኸስተሉ፥ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነዚ ብድሆታት’ዚ ከምክን ዝኽእል ሓያልን ንጡፍን ኤርትራዊ ምጥርናፍ ኣብ ዝበዀረሉ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝዀነ ወቕቲ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣንቶንዮ ግራሚቺ ዝተባህለ ኣባል ኮሚኒስት ፓርቲ ጣልያን ዝነበረ ውሩይ ተቓላሳይ፡ ንኸም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ክገልጾ እንከሎ ቅልውላው ኢዩ ዝብሎ። ቅልውላው ብኣገላልጻኡ፡ “እቲ ኣረጊት ናብ ሞት ገጹ ክገማገም እንከሎን እቲ ሓድሽ (ወይ ተካኢ) ከኣ ከይተወልደ ክተርፍ እንከሎ ዘጋጥም ኢዩ ይብል። ኣስዒቡ፡ መፍትሒ ቅልውላው፡ ለውጢ ምምጻእ ምዃኑ ይሕብር።
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዝሕመሰሉ፥ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣደዳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ህልቂት፡ ምፍንቓል፡ ስደት፡ ጥሜትን ሕማምን ኣብ ዝዀነሉ፥ ብፍላይ ከኣ፡ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብሚልዮናት ዝቝጸር ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ዝቐዘፈሉን ንማሕበራዊ ዝምድናታትን ቍጠባዊ ትሕዝቶን ኣህዛብ ዓለም ዘዛብዕ ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ክስተት ኣብ ዝሰፈነሉን ወቕቲ ኢዩ ጉባኤኹም ዝካየድ ዘሎ።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሃገርና እቲ ናይ 60ታትን 70ታትን ንቑሕን ተቓላሳይን ወለዶ እናሸምገለን ኣበርክቶኡ ድማ እናነከየን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነዚ ዝትክኡ፡ ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ዝተዓጥቁ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከነፍሪ እንተዘይክኢልና ኣብ ቀጻሊ ናይ ቅልውላው ዕንክሊል ክንኣቱ ምዃና ክሰሓት ወይ ክዝንጋዕ የብሉን። ስለ’ዚ ከነረጋግጾ እንደሊ ዘለና ለውጢ ብሓደ ሸነኽ ንምልካዊ ስርዓት ምውዳቕ፥ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈኖ ናይ ምስግጋር መድረኽ ምጥጣሕ ስለዝዀነ፡ ነዚ ዝበቕዑ መንእሰያት ንምድላው ኣበርቲዕካ ክስርሓሉ ዘለዎ ዕላማ ክኸውን ይግባእ።
ክቡራትን ክቡራንን
ኤርትራ ኣትያቶ ካብ ዘላ ቅውላው ንምንጋፋ ከም’ቲ ኣንቶንዮ ግራምቺ ዝበሎ ለውጢ የድሊ ኣሎ። እዚ ለውጢ’ዚ ከኣ፥ ብተሳትፎ ናይ ህዝቢ ኢዩ ዝመጽእ። ህዝቢ ለውጢ ከምጽእ እንተደኣኰይኑ፡ ዝመርሖን ዝውድቦን ኣካል የድልዮ። ግፍዕን ጭቆናን ዝመረሮም መንእሰያትን ዓበይትን፡ ደገፍቲ ነበርን ተቓወምትን ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ተላዒሎም፡ “ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንምብትታን” ኣብ ዝብልሉ ዘለዉ እዋን ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ድማ ሕድገታት ብምግባር ፍልልያቶም ከጻብቡን ማዕረ’ቲ መድረኽ ዝጠልቦም ዘሎ ደረጃ ብምዃን ናይ ምምራሕ ተራኦም ክጻወቱን ኢዮም ዝጥለቡ ዘለዉ። ነዚ ክንገብር እንተዘይክኢልና፡ ነቲ ሃጓፍ ዝዀነ ይኹን ተወዲቡ ዝጸንሐ ሓይሊ ክመልኦ ናይ ግድን ኢዩ። ካብ’ዚ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ዕልዋ እንወስዶ ኣስተምህሮ ድማ፡ ኣብ’ቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምክፍፋል እንተደኣ ተፈጢሩ፡ እቲ ዝተወደበ ናይ ሰራዊት ሓይሊ ነቲ ምክፍፋል መዝሚዙ ነቲ ቃልሲ ክጨውዮ ከምዝኽእል ኢዩ።
ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዝደፍኣሉ ዘሎ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ዝሰማምዓሎም መሰረታውያን ዕላማታት ንምዕዋት ንዅሎም ፖለቲካውን ሲቪላውን ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ዝሓቍፍ ወይ ዘሳትፍ ጽላል ምቛም መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።
ብወገና፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ምክልኻል፡ ንምልካዊ ስርዓት ምእላይ፡ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ዝብላ ነጥብታት ንምቛም ሓባራዊ ጽላል ከበግሳና ይኽእላ ኢየን ዝብል እምነት ኣሎና። ካልእ ዝጐደለ ኵልና ንሰማማዓሉ ዕላማ እንተልዩ እውን ክውሰኽ ይከኣል ኢዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንዞባዊ ጕባኤናን ካብ’ዚ ጕባኤ ንእትምረጽ መሪሕነትን ዓወት እምነየሎም።
የቐንየለይ
ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማእታትና
ዓወት ንህዝባውን ፍትሓውን ቃልሲ
ውድቀት ንምልኪ
30 ጥቅምቲ 2021
ክቡራትን ክቡራንን
ኣቦ መንበርን ኣባላትን መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ፤
ኣቦ መንበርን ኣባላትን ኣሰናዳኢት ሽማግለ፤
ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ፣ ኣባላት ጉባኤን ዕዱማትን፤
ኣብዚ ካብ ዓመትን ፈረቓን ንላዕሊ ብኣካል ምርኻብ ዝኸለከልና ቀታሊ ሕማም ለበዳ ኮቪድ19፡ ብካልእ ስልቲ፡ ብናይ ማዕዶ/ ቨርቹዋል መራኸቢ፡ ጉባኤኹም ምስልሳል ምብቃዕኩም ዮሃና እብል። ነቶም እዚ ሕማም ዝቐዘፎም መንግስተ ሰማያት፡ ነቶም ስንክልና ዝገደፈሎም ከኣ ምሉእ ምሕረት እናተመነኹ፡ ወዲ ሰብ ነዚ ሓደገኛ ሓማም ክስዕሮ እትስፎ። ኣብ ክሊ’ዚ ኩነታት እተካይድዎ ዘለኹም ጉባኤ እምበኣር፡ ከምቲ ንምድላዉ ዝተዓወትኩምሉ ንምዝዛሙ ከኣ ዓወታት ከሰንዮ እናተመነኹ ብስም ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምታይ አመሓላልፍ።
ክብራትን ክቡራንን
ዞባዊ ጉባኤ ኤውሮጳ ጉባኤ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን
- ሃገርና ድሕሪ 30 ዓመት እዋን ናጽነት፡ ጌና ኣብቲ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት እናተዳህከት፡ ልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ እናወደቐ፡ ኣብ ናይ ወጻኢን ጉርብትናውን ጉዳያት ከኣ ሓደገኛ ኢደ ጣልቃነት እናተጋህደ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን እዩ።
- ብዘይካ’ዚ፡ ዞባና ኣብ ናይ ኣጥፊኣካ ምጥፋእ ውግእን ዘይቅሱን ኩነታትን ይርከብ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተባርዐ ኣዕናዊ ኲናት ድሮ ዓመት ወሲዱ ኣሎ። ሕጂ፡ እዚ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፈርን ከምኡ’ውን ናብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ልሒሙ፡ መወዳእታኡ ንምግምጋም ብዘሽግር ናይ ጥፍኣትን ህልቂትን፡ ናይ ጥሜትን ዓጸቦን ኩነታት ዓብሊልዎ ይጐዓዝ ኣሎ።
- ኣብ ሱዳን፡ እቲ ብ2019 ዮሃና ዝበልናዮ፡ መስርሕ ምሕዝነትን ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኪቑጸን ናብ ሓድሽ ህልቂታዊ ምስሕሓብ ክዝንብልን ይርአ ኣሎ። እቲ ዘይምቅዳው ኣብ መንጎ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓይልታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓሌታዊ መልክዕ ዝሓዘ ግርጭታት’ውን የንጸላልዎ ኣሎ። ግምጠላ መንግስቲ፡ ምእሳር ኣካላት መንግስቲ፡ ቅትለታት ኣብ ርእሲ ምግሃዱ፡ ርእሰ ከተማ ኻርቱምን ካልኦትን ኣብ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣለዋ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳን ዝተወልዐ ናይ ዶብ ጐንጺ ጌና ኣብ ፍታሕ ዘይበጽሐ ኣሎ።
- ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ስልጣኑ ንምቕጻል ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ፡ ግዳማዊ ጸላእቲ ብምፍጣር ንሰራዊት ኤርትራ፡ ናብ ዘይናቶም ኩናት ከም ዝጽመዱ ምግባር’ዩ ጸኒሑ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ናብቲ ንሱን መሻርኽቱን ዝፈጠርዎ ውግእ ከም ዝድቕደቁ ብምግባር፡ ኣብ ገበናት ክሳተፉ ጥራይ ዘይኰነ ግዳያት ዘይቅኑዕ ውግእ ከም ዝዀኑ ገይሩዎም ኣሎ። ናይ መበል 21 ክፍለ ዘመን ሓድሽ ወለዶ፡ ኣብ በረኻታትን ስንጭሮታትን ኢትዮጵያ፡ ንሞትን ንመውጋእትን፡ ተቓሊዖም ኣለዉ። ካብ ሞት ዝተረፉ ከኣ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ነባሪ ኣካላውን ኣእሞራውን ስንክልና ሒዞም ጥEወር ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ኩሉ ብዘይካቲ ጨካን ድሌት ውልቀ መላኺ ምርካእ ረህባስ ይትረፍ ካልእ ትርጉም’ውን የብሉን።
- ብዛይካ’ዞም ዝተጠቕሱ፡ ኣብ ከባቢና ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ንሕቶታት ርግኣትን ሰላምን ብዝምልከት መላእ ዓለም ክከታተሎ ዝርከብ ዓበይቲ ምዕባሌታት ኣሎ። ናይ ሚለንየም ዳም ምስሕሓብ፡ ናይ የመን ፖሊቲካዊ ኩነታትን ኣሕላቒ ውግኣትን፡ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ውሽጣውን ግዳማን ኩነታት፡ ነቲ ዞባ ብመላኡ ኣብ ሕልኽልኽን ዘይምርድዳእን፡ ተኸታታሊ ክሳራታትን ኣእቲዩዎ ኣሎ።
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ጉባኤ፡
ንሕና ከም ሃገር ኰነ ከም ሰልፊ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ኩሉ ምዕባሌታት ኢና ዘሎና። ነቶም አብ ውሽጡ ዘለዉ ጥራይ ዘይኰነ ከኣ ንኣህጉራዊ ፖሊቲካ ስሒቡ ዘሎ ምዕባሌታት እዩ። ዓበይቲ ተወዳደርቲ ሃገራት ከይተረፈ ዝሰሓሓባሉ ተርእዮታት ከይኑስ፡ ናይ ማዕዶ ውግኣት ክበሃል ብዝኽእል ዝተኣታተዋሉ ዘለዋ ኣብነታት ኣሎ’ዩ። ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ናብ መወዳእታኡ ዘይንጹር ናይ ምድኻም ውግኣት (war of attrition) ይቕየር ኣሎ ዝብሉ ሸነኻት ውሑዳት ኣይኰኑን። ንሕና ከም ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ኩነታት ክንዋሳእ ከሎና፡ በቲ ምዕባሌታት ብቐጥታ ንጽሎ። ብዛዕባኡ ንጹር መርገጽ ሒዝና፡ ክንጐዓዝ ድማ የድልየና። ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ኤርትራ ፖሊቲካዊ ሓይልታት፡ ውሁድ መርገጽ ሒዙ ይጐዓዝ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝተፈላለየ ምርገጻት ሒዙ’ዩ ክጐዓዝ ጸኒሑ። ሰልፍና ነዚ ብዝምልከት ምስ እዉጅ መስመሩ ዘሳኒ መርገጻቱ ብንጹር ኣብርሁ ኣሎ። እቲ መርገጻት ብዘተ ማዕቢሉ፡ ናይ መላእ ደምበ ተቓውሞ ሓፈሻዊ መረዳድኢ መርገጽ ንክኸውን ከኣ ክጽዓረሉ ጸኒሑ።
ኣዋጃት ማእከላይ ባይቶ ከም ዘብርሆ፡
- ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ውግእ ኣዕናዊ ምዃኑ፣ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ዝተኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝሃልቅሉ ዘለዉ ምዃኑ፤
- ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንረብሓኡ ዘየገልግል፡ ምስ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ሓይልታት ብምሽራኽ፡ እቲ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ብትሪ ክቃወሞን፡ ኣብ ጎኒ እቶም ንሓርነቱን ንፍትሒን ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያን ሓይልታቱ ደው ክብልን፤
- ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታትን ግፍዕታትን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ ብሓፈሻ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ክዅነኑ፤
- ኣብዚ ውግእ’ዚ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት፡ ብሻራ ዘይብሉ ኣካል ክምርመሩን ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ብዕቱብነት ክሰርሕሉ፤
- ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ጥሜት ሓደጋ ንምግታእ ገደብ ዘይብሉ ናይ ረዲኤት ስርሓት ክካየድን ኣገልግሎታት ክጅመርን፤
- ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግኣት ደው ንምባል፡ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ልዝብ ጥራሕ ምዃኑ ኣነጺሩ።
ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣብዚ ፖሊሲ ናይ ሰልፊ ተመርኲሱ፡ ነዚ ኣዕናዊ ኲናት ዝኹንን ሰላማዊ ስልፍታት፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈነወ ናይ ህልቂት ስጉምታትን ናይ ኤርትራ ምትእትታውን ዝጻረር ምሕዝነታዊ መርገጻት ከም ዘንጸባረቐ፡ ጸብጻባት በጺሑና እዩ። እዚ ጉባኤኹም ከኣ ከምዚ ንዝበለ ንጥፈታት ብምድጋፍ፡ ናይ ሰልፊ መርገጽ ብዝያዳ ከተንጸባርቑ ዘሎና እምነት ልዑል እዩ።
ክቡራትን ክቡራንን ጉባኤኛታት
ኣብ መዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን፡ ድሕር’ቲ ብ2019 ዘተኻየደ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ፡ ዓቢ ክፋል ናይ ኣትኩሮና ተዋሂብዎ ምጽንሑ፡ ብደረጃ መሪሕነት ኣብያተ ጽሕፈትናን ዞባታትናን ዝተዋሳኣናሉ መዳይ ምዃኑ፡ ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ኣብ ጉባኤ ብዝተዋህበና ሓላፍነት፡ ከም ሰልፊ ኩሉ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝዀነ ሓይልታት ንምጥርናፍ ዘካየድናዮ ንጥፈታት ኣዝዩ ዝምስገን እዩ። ኣብ ጉዕዞ ድሕሪ ስምምዕ ለንደን፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ስም ምውህሃዳዊ መድረኽ ምጅማሩን፡ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላውን ኣወንታዊ እዩ። እንተወሓደ ነቲ ናይ ሓድሕድ ምትፍናንን ምንጽጻግን ወጊዱ፡ ናብ ልዝባት ክንኣቱ ኣብቂዑና። ግን እቲ ዝበሃግናዮ ኩሉ ረኺብናዮ ማለት ኣይኰነን። ክንዛነ ዕድል ብዘይህብ ጻዕርታትና ክንቅጽል የድልየና። ከም’ዚ እንከሎ ግን ማዕረ’ቲ ዝተጸበናዮ ኣይኹን’ምበር፡ ኩልና እቶም ንፍትሒ እንቃለስ መምስ ርእይቶና እንከሎና ምክብባርን ምጽውዋርን ከነስተናግድ በቒዕና ኢና። ሕጂ ናብ ሳልሳይ 6 ወርሒ ናይ ምውህሃዳዊ መድረኽ ኣቲና ኣሎና። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሰፊሕ ኩሉ ሓቆፍ ኤርትራዊ ጸረ ምልካዊ ጽላል ንምፍጣር ዘኽእል መጽናዕታት ተዳሊዩ ኣሎ። ንሕና ከም ሰልፊ ካብ መድረኽ ምውህሃድ ሰጊርና፡ ነዚ መጽናዕታት ኣጽዲቕና፡ ሰፊሕ ጽላል ናብ ምፍጣር ንበገስ ዝብል ርእይቶ ኣሎና። ንኹለን መሻርኽቲ ሓይልታት’ውን እዚ ርእይቶና ኣቕሪብና ኢና። ማእከላይ ባይቶ ብዘጽደቖ መሰረት ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት ናብ ምድላዉ ክንኣቱ ብወገንና ወዲእና ኣሎና። ግን ‘ብሓደ ኢድ ኣይጣቓዕን’ ከም ዝበሃል፡ መሻርኽትና ዘይወድእዎ ጉዳያት ተረኺቡ ብምህላው እቲ መስርሕ ጌና ኣብ ትጽቢት ኣሎ።
እዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት፡ ኣውራ ድማ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ዝተፈላለየ መርገጻት ብምንጽብራቑ ነቲ ሓባራዊ ዕዮ ኣዳኺምዎ። ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ህንጸት ምትእምማን (Process of trust building) እውን ብኣሉታ ጸልይዎ እዩ። ንሕና ነቲ ኩሉ ህዝብና ዝደልዮ፡ ኩሎም ፈተውትና ዝጽውዕዎ፡ ኩሉ ተቓዋማይ ድማ ዝጭርሓሉ፡ ስሙር ዕዮ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ኣይክንደክምን ኢና። ንእሽቶ ቁልዒ ናይ ምትሕባባር እውን እንተዀነት ከነጉህራን ናብ ሃልሃልታ ስምረት ከነማዕብላን ክንጽዕር ኢና።
በቲ ካልእ መዳይ ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን፡ ነተን ኣብ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጥራይ ተጸሚደን ዘለዋ ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን። እቲ ቃልሲ ናይ ኩሎም ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ኤርትራውያን ሓይልታት እዩ። ስለ’ዚ ቀጻሊ ዘተ ብምክያድ፡ ሓደ ሸለል ዘይበሃል፣ ተረጊጹ ዘይሕለፍ፣ ሓባራዊ ድምጺ ኤርትራውያን ዘቃልሕን መሰላት ኤርትራውያን ዝሕሉን፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ምምስራት ተደላይነቱ ህጹጽን ዕዙዝን እዩ። በዚ መሰረት መሪሕነታት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ምስ መሪሕነት ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን (ዓምይኤ) ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ልዝብ ጸኒሑ። ሕጂ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 መዘክር መርድዳእን ስምምዕን ክኽትም በቒዑ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ብምውህሃድን ናይ ጽምዶ ስራሓትን ጀሚሩ ናብ ሰፊሕ ሃገራዊ ሓይሊ ወይ ጽላል ምምስራት ዘማዕዱ ስምምዕ እዩ። ኣብ ናይ ቀረባ መጻኢ ምስ ዓምይኤ ሓባራዊ ዕዮ ብተግባር ክጅምር ዓቢ ትጽቢት ኣሎ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ጉባኤ
እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ዓበይቲ ሃገራውን ከባቢያውን ኩነታት ከም ሰልፊ ዝምልከተናን፡ ብቐረባ እንሰርሓሉ ዘሎናን ጉዳይ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍና ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ኣብ’ዚ ዓበይቲ ጉዳያት ኣገዳሲ ብቑዕ ተራ ዝህልወና ግን፡ መጀምርታን ልዕሊ ኩሉን፡ ንሕና ምስ እንህሉ እዩ። ምስ ህላዌና ዝመጣጠን፡ ስጡምን ብቑዕን ሰልፊ ምስ እንሃንጽ እዩ። እንተዘይሃሊና ወይ እንተደኺምና ማዕረኡ ተራና ይህሰ። በዚ መሰረት ሰልፍና ምህናጽን ምዕባዩን፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ጠጠው ኣይብልን’ዩ። ብዝተነጸረ፡ ካልእ ምንቅስቓሳት ንህንጻ ሰልፍና ኣይትክኦን እዩ። እዚ ማለት፡ ኣብ ጥዑምን ህዱእን ኩነታት ህንጸት ሰልፊ ህያው እዩ። ኣብ ጽንኩር፡ መሪርን፡ ዝተሓላለኸን ኩነታት እውን ህንጸት ሰልፊ ህያው እዩ። እቲ ሰልፊ ብቑዕ ዝኸውን ከኣ፡ ንጹር ራእይ ዝወነነ፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ዝሓለወ፡ ኣብ ግዜ ህቦብላን ዘይርጉእ ንፋስን ዘይነቓነቕ፡ ምስ ዝኸውን እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ንዝምድናታቱ ዝጠምር ሕግታት ዘለዎ፡ ኣብ ግዜኡ ጉባኤታቱ ዘካየድ፡ኣብ እዋኑ ምቅይያር መሪሕነታቱ ዘዘውትር፡ ምልኣት ተሳትፎ ሕብረተሰባዊ ክፍልታትና ዘረጋግጽ ሰልፊ ክኸውን የድልዮ። ኣውራ ከኣ ነዚ ኩሉ ብግቡእ ዝርዳእ ንቑሕ፡ ሓያልን ውፉይን ኣባል ዘለዎ ሰልፊ ምስ ዝኸውን እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣባል ዘለዎ ሰልፊ፡ ንዲሞክራስያን ግዝኣተ ሕጊን ዕጥቁ ስለ ዝገብሮም፡ ሕማቕ ኩነታትን ፈተነታትን እንተጋጠመ’ውን፡ ነቲ ፈተነ ሰጊሩ ዝቕጽል ዘይሰዓር ወይ ዘይሓቅቕ ሰልፊ’ዩ ዝኸውን።
ዞባ ኤውሮጳ እምበኣር፡ ብተረድኦይ ዓቢ ተልእኾ ተሰኪሙ እዩ ጉባኤኡ ዘካይድ ዘሎ። ጉባኤኹም ኣገዳሲ ምዕራፍ ናይ ሰዲህኤ እዩ። ምዕዋቱ ከኣ ናይ ሰልፊ ዓወት’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ እውን ዓቢ ናይ ዓወት መቓልሕ ክሰድድ ምዃኑ ኣይሰሓትን። ሰዲህኤ ኤውሮጳ፡ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰልፍና ጥራይ ዘይኰነ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ደምበ ተቓውሞ ምዕሩግ ቦታ ከም ዝሕዝ ኩልና እንግንዘቦ ሓቂ እዩ። ኣብቲ መሪር ኩነታት ናይ ሰልፊ ጾር ክስከሙ ዝበቕዑ ኣባላትን ጨናፍርን ነይሮሞ። ሕጂ’ውን እዚ ምዕሩግ ቦታ’ዚ ክሕደስን ብዝለዓለ ንጥፈት ግቡእ ሰፈሩ ክሕዝን ጉባኤኹም መነሃርያ ክትገብርዎ እዋኑ እዩ።
በዚ መሰረት ጉባኤኹም ዓወታት ከሰንዮ፡ ንመስመር ሰልፊን ተራኡን ዘዕዝዝ ክኸውን እናተመነኹ፡ ብውጽኢት ናይ ጉባኤ መሰረት ከኣ፡ ኩለን ጨናፍር ኤውሮጳ፡ ክገጥመን ዝጸንሐ ሽግራትን መሰናኽላትን ሰጊረን ክስስና፤ ብሓድሽ ንያትን ብሓድሽ ተወፋይነትን፡ ኣባላተን ከብዝሓን ኣድማዒ ዕዮታት ከብርክታን፡ ትጽቢትናን ትጽቢት መላእ ኣባላት ሰልፍናን ምዃኑ ከመልክት እፈቱ።
ዕዉት ጉባኤ ይገብረልኩም!
ሰዲህኤ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!
ተስፋይ ደጊጋ
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
ጥቅምቲ 30, 2021
ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ናጻን ልኡላውን ክብሪ ዝበጸሐት ብመሰረቱ ሳላ ዘይተሓለለ ቃልሲ ህዝባ እያ። ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ሃገሩ ዝብህግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህጉ ዘግሃደ ፡ ጽኑዕ፡ ጸዋርን ተባዕን ምዃኑ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣፍልጦ ዝረኸበ ኣብነታዊ ህዝቢ እዩ። ናብዚ ክብሪዚ ዝበቐዐ ከኣ ሳላ ምስ ፍልልያቱ ናብ ሓደ ጸላኢኡ ኣትኪሉ ብሓድነት ዝተቓለሰ ነይሩ።
ኣብ ጉዳይ ሃገር እቲ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነቱ ዘካየዶ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ብግብሪ ኣርእይዎ እዩ። ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣብ ሃገር ስለ ዘይቅየር ሎሚ’ውን ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝለዓለ ወሳኒ ሓይሊ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ኢዩ። ካብዚ ሓቂዚ ነቒልና ኢና ከኣ “ኣብ ኤርትራ ዋና ለውጢ ህዝቢ እዩ” እንብል። ኣንጻር ህግደፍ ክንቃለስ ካብ ዘገደዱና ቀንዲ ምኽንያታት ጉጅለ ህግደፍ ንወሳኒ ግደ ህዝብና ጓዕጺጹ፡ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ህዝቢ ዝሰርዕ ዓመጸኛ ስለ ዝኾነ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምውሓስ ዝኸኣለ ካብ ኣብራኹ ብዝወጹ ውፉያት ደቁ ብዝተመስረታ መሪሕ ውድባቱ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ “ውዳበ ሓይሊ ስለ ዝኾነ፡ ብዘይውደባ ዝዕወት ቃልሲ የለን” ናይ ዝብል ኣምር ሓቅነት ዘረጋገጸ እዩ።
ብዙሓት ወገናት ከም ዝሰማምዕሉ፡ ዝምድና ህዝብን ውድባትን ምስ ናይ ዓሳን ባሕርን ውህደት ዝመሳሰል እዩ። ከምቲ ዓሳ ብዘይ ባሕሪ ህልውና ዘየብሉ ውድባት ከኣ ብዘይህዝቢ ኣይዕወታን ጥራይ ዘይኮነ ህልውና እውን የብለንን። ህዝቢ እውን ብዘይ መሪሕ ውድብ ኣብቲ ዝደልዮ ዓወት ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ። ብመንጽርዚ ክረኣይ እንከሎ፡ ህዝብን ውድባትን ከም ባሕርን ዓሳን ተወሃሂዶም ህይወት ዝዕቅቡን ቁጠባ ዘዕብዩን እምበር፡ ናይቲ ሓደ ግደ ብናይቲ ካልእ ብጽሒት ተተኪኡ በበይኖም ዝዕወቱ ኣይኮኑን። ምስ ኩሉቲ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ዘጋጥም ዝነበረ ሓርጎጽጎጻት፡ ናይ ህዝብን ውድባትን ኤርትራ ንኹሉ ጼርካ ከም ማይን ጸባን ምስምማዕ ካብ ቀንዲ ምስጢራት ዓወትና ምንባሩ ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ ኣረጋጊጽዎ እዩ። እዚ ውህደት ኣብ ቀጻሊ ቃልስና ምእንቲ ለውጢ እውን ናይ ምዕዋትና ወሳንነቱ ሒዙ ዝቕጽል እዩ።
ኩልና ከም ዘይንስሕቶ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከጋጥሙ ካብ ዝጸንሑ ብደሆታት፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባቱን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕድ ውድባት ዝነበረ ምንባብ፡ ምድምማጽን ምጽውዋርን ሓሓሊፉ ሓጐጽጐጽ ዘጋጥሞ ምንባሩ እዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብወገኖም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር፡ ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባቱን ምርሕሓቕ ንምፍጣር ካብ ሃይማኖታዊ ስምዒታት ምጽሕታር ጀሚሮም ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን። ነቲ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ምንጻፍ” ዝብል ብሂል እውን ፈቲነምዎ እዮም። እንተኾነ ሳላ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ውድባቱ ኣብ ሕድሕድ ዝመጋገቡ እምበር ሓደ ነቲ ካልእ ተኪኡ በይኑ ዝበጽሖ ከም ዘይብሉ ተገንዚቦም ኣብ መንጎኦም ብጉዳይ ናጽነት ሃገር ንፋስ ዘይምእታዎም ውዲት ጸላእቲ ሕልሚ ኮይኑ ተሪፉ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብፍላይ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራ ህርፋን ጸላእቲ ዘርወየን ንሃገራዊ ዕላማታት ንድሕሪት ዝመለሰን ኣይንበር እምበር፡ ንቃልስና ዘደናጎየ ፍልልያትን ምድማይን ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ’ውን ኣብቲ ህዝብና ዝጽበዮ ዓወት ንምብጻሕ ኣብዚ መዳይዚ ዘሎ ሃጓፍ ምምላእ መተካእታ የብሉን። ኣብዚ እዋንዚ ቃልስና በቲ ንደልዮ ቅልጣፈ ተጓዒዙ ካብ ዘይተዓወትናሉ ምኽንያታት፡ ምክእኣልን ምትእምማንን፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባቱን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ መንጎ እተን ህዝቢ እምነት ዘንበረለንን መሪሕነታዊ ግደአን ክፍጽማ ዝጽበየንን ውድባትን ሰልፍታትን ኣብቲ ዝድለ ኣውንታዊ ደረጃ ዘይምብጻሑ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
ውድባት መሪሕ ግዲአን ኣብ ዝፍጽማሉ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘሎ ብደሆ ንምስጋር የኽእል ዝብለኦ ሓሳብ ኣመንጭየን መዋጸኦ ምእማም’ዩ። ቃልሰን ከኣ ነዚ ዘመንጨወኦ ሓሳብ ሰፊሕ ተቐባልነት ክረክብ ውድባዊ ዓቕሚ ኣጥሪኻ ምስራጹ እዩ። ኣብቲ ጉዕዞ ቃልሲ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ንሕና ንርከበሉ ዘለና ብዙሓት ውድባትን ሰልፍታትን ዝዋሰኣሉ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝወዳደረሉ እዩ። እዚ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ተቐባልነት ንምርካብ ናብ ናይ ሓባር ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ንምርካብ ዝወዳደር እዩ። ካብዚ ሓሉፉ ዝኾነ ውድብ ይኹን ሰልፊ ንኣተሓሳስባኡ ከም ውዱእ፡ ካልእ መተካእታ ዘየብሉ እንኮ ምርጫ ወሲዱ “ግድን ናተይ ኣተሓሳስባ እንተዘይገዛእኩም” ኢሉ ናይ ምግዳድ መሰል የብሉን። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ከምቲ ሓደ ውድብ ኣተሓሳባኡ ክስመዓሉን ተቐባልነት ክረኽበሉን ዝደሊ ናይቶም ካለኦት መወዳድርቱ ውድባትን ሰልፍታትን ኣተሓሳስባ ናይ ምስማዕን ምኽባርን ግድነት ከም ዘለዎ ክዝንግዕ የብሉን። ምኽንያቱ ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ስለ ዘይኮነት። እቲ ዝተሓዝ ኣተሓሳስባ ናይ ግድን ብግቡእ ተሓሲብሉን ንኩነታት ኤርትራን ህዝባን ብደቂቑ ኣጽኒዑ ኣብ ግምት ዘእተወን እምበር፡ ብዋዛ ንስለ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ህልውና ተበሂሉ ዝተሓዝ ክኸውን ኣይግበኦን።
ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ካብ ዝፈላልዩና ዛዕባታት “ፖለቲካዊ መንነት ጉጅለ ህግደፍ ብኸመይ እዩ ዝግለጽ?፡ መጻኢ ኤርትራን ህዝባንከ ከመይ ይኹን?” ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ምዃኑ እንርደኦ እዩ። ብዙሓት ውድባት ምስ ምዃንና ናይዚ ሕቶታት መልስታትና ዝተፈላለየ እንተኾነ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ዝኸውን ግና፡ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ናይቲ ካልእ መወዳድርቱ መልሲ ከም ቅኑዕ ኣይዕገበሉ እምበር፡ ክሰምዖን ከኽብሮን ቅሩብ ዘይክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ መንጎ ውድባት ዝግበር ዘተ ከኣ ንርኢቶታት ተቐቢልካ ዝግበር ፍልልያት ናይ ምቅርራብ እሂንምሂን ክኸውን ይግበኦ።
ህዝቢ ኤርትራ ጌና ኩነታት ጣጢሕሉ ይሕሸኒ ዝብሎ ሓሳብ ኣጽኒዑ ናይ ምውሳን ናጻ ዕድል ከይረኸበ፡ “ናተይ ርኢቶን ኣወዳድባን እዩ ብህዝቢ ዝድገፍ እሞ፡ ነናትኩም ገዲፍኩም ንናተይ እንተዘይረዓምኩም” በሃላይ ኣካል ተጽዕኖ ክፈጥር ክህቅን እንከሎ ኣጸጋሚ እዩ። ከምዚ ዘጋጥም ክዕብልል ዝደሊ ኣካል ዘምጸኦ ሓሳብ፡ ካለኦት ወገናት ካብቲ ንሱ ዝረኣየሉ ኣቕጣጫ ወጻኢ ናይ ምምዛን መሰል ከም ዘለዎም ክዝንግዕ እንከሎ እዩ። እዚ ብሓሳባት ምፍልላይ፡ ተፈላልዩ ዝነብር ዘይኮነ፡ ኣብ ናጻን ዲሞክራስያውን መድረኽ፡ ህዝቢ “እዚ ኣተሓሳስባዚ እዩ ዝሕሸኒ፡ ንዓኡ እየ ከኣ ሕገ-መንግስታዊ መልክዕ ኣትሒዘ ዘተግብር” ዝብል ውሳነ ሂቡ ዝዛዘሞ እዩ። ድሕሪኡ እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ዝረኽበ ዝትግብረሉ እቲ ተቐባልነት ዘይረኸበ ከኣ ዝስመዓሉ ኮይኖም እቲ መስርሕ ይቕጽል። ኣብኡ ክሳብ ንበጽሕ እምበኣር ኣብ ዙርያቲ “ሓይልታት ለውጢ” ዝብል ናይ ሓባር መግለጺና ቃልስና ነሐይል።
ንዓና ኤርትራውያን ቀደም ኮነ ኣብዚ እዋንዚ ቀዳማይ ዋኒንና እንታይ ምንባሩን ምዃኑን ንጹር እዩ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንከለና፡ ቀዳምነትና ናጻነት ሃገርና ምውሓስ ነይሩ ኣረጋጊጽናዮ ከኣ። ንናጽነት ክንቃለስ እንከለና ቀዳማይ ደረጃ ደኣ ኣይነትሕዞ እምበር፣ ብዛዕባ ድሕሪ ናጽነት ኣይንሓስብን ኔርና ማለት ኣይኮነን። ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልስና ከኣ ኣብ ዙርያ “ወያ ነጻ ሃገረ ኤርትራ ብኸመይ እንተተመሓደረት እያ ረብሓ ህዝባ ዝሕሎ” ብዝብል ዝግለጽ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ማለት ከኣ ንምርግጋጽ ሕገ-መንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ዝካየድ ቃልሲ እዩ ነይሩ። እነሆ ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ መስመር ቃልሲዚ ጸኒዕና ንቕጽል ኣለና።
እዚ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከምቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ብኤርትራውያን ንኤርትራውያን ዝካየድ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብናይ ርሑቕን ከባብን ምዕባለታት ዝጽለው እምበር፡ ኣፍደገ ዓጺኻ ዝካየድ ማለት ኣይኮነን። እዚ ምጽልላው ሎሚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ምእንቲ ናጽነት ዘካየድናዮ ቃልሲ እውን በቲ ሹዑ ዝነበረ ናይ ዝሑል ውግእ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ይጽሎ ከም ዝነበረ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ምስዚ ኹሉ ግና ነቲ ከባብያዊ ጽልዋ እውን በኸመይ ንኤርትራን ህዝባን የርብሖም ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝውሰድ ወይ ዝንጸግ እዩ። እቶም ከባብያዊ ሓይልታት እውን ንኤርትራዊ ጉዳይ ብኸምኡ፡ ረብሓኦም ብዘውሕስ ቀጥዒ ከም ዝሕዝዎ ርዱእ እዩ።
ከምቲ “እንተ ክትድቅ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል፡ ኣብ ከባቢኻ ዘጋጥም ምዕባለ ኣሉታዊ ይኹን ኣውንታዊ ብጥበብን ውሕልነትን እተመሓድሮ እምበር፡ መንደቕ ነዲቕካ ከይጸልወካ እትዓግቶ ኣይኮነን። ከባቢና ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓፈሻ ዘይቅሱን ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ዘይቅሳነቱ ካብ ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጠቕምታት፡ ስሰዐን ዓብላልነትን ዝነቅል እዩ። ኣብዚ ከባቢና ዘለዉ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ስርዓታት “ካብ ህውከትን ጣልቃ ኣታውነትን ዝድረሩ” ምዃኖም ከኣ ነቲ ተሃዋስነት ዝያዳ የጋድዶ። ከባቢ ብሰንኪ ዘይምቕሳኑ፡ ብዝሰዓበ ድሕረት ብድኽነት ተሃስዩ፡ ኢድ ናይ ርሑቕ ሓያላትን ሃብታማትን ዝጽበ ምዃኑ እውን ነቲ ህውከት ዕግርግር ዝውስኽሉ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ጉዳይ ኤርትራ እውን ከም ጉዳይ ካለኦት ምስ ከባቢኡ ተመጋጋቢ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳና እንኽተሎ ሜላን እንሕዞ እስትራተጅን፡ ንከባቢና ከም ዝጸልዎ፡ ኣብ ምዕባለ ከባቢና እንሕዞ መርገጽ ድማ ንዘቤታዊ ጉዳይና ይጸልዎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝሓዝናዮ መርገጻት ክሳብ ክንደይ ንኤርትራዊ ኣጀንዳና ይጸልዎን ናብ ደውታ የእትዎን ከም ዘሎ ከኣ ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ሕጂ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ውግእ ጐረቤትና ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣስጋኢ ደረጃ ከይበጸሓ፡ ድሕሪ ምጅማሩ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ ካብ 21 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ክከታተሎን ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታቱ መፍትሒ ውሳነታ ከመሓላልፈሉን ጸኒሑ። ካብ መጀመርታኡ ጠንቁ ሕገመንግስታውን ፖለቲካውን ፍልልያት ዘንቀሎ ምዃኑ ተረዲኡ። ካብዚ ተረድእኡ ነቒሉ ድማ መፍትሒኡ፡ ሰብኣዊ መሰል ኩሎም ወገናት ብዝሕሉ፡ ኣብቲ ውግእ ዘጋጠመ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ተጻርዩ ፈጸምቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝሕተትሉ፡ መሰረታዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ዝበጽሓሉ ኩነታት ብዘውሕስ ዘተ ጥራይ ዝፍታሕ ምዃኑ ኣነጺሩ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓዘ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ኣብቲ ውግእን ዘኸትሎ ሳዕቤንን ሓደገኛ ከም ዝኸውን እውን ብዓንተቦ ኣመልኪቱ እዩ።
ሰዲህኤ ነቲ ኩነታት ብዕቱብ ሒዙ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ መፍትሒ ሓሳብ ዘቕረበ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ንምጥቃም ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንድሕነት ኤርትራን ህዝባን እውን ንሱ እዩ እቲ መዋጽኦ” ካብ ዝብል ሚዛን ምንባሩ ምስትብሃል የድሊ። ነዚ ሚዛን ሰዲህኤ ኣብ ጉዳይ ውግእ ኢትዮጵያ ምናልባት ናይ ቅርጽን ዕምቆትን ፍልልያት እንተዘይኮይኑ ኩሎም ይምልከተና ኢሎም መፍትሒ ሓሳብ ዘቕርቡ ዘለዉ ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣካላት ከቃልሕዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እዩ። እንተኾነ እቶም ብቐጥታ ዝምልከቶምን ዝዳመዩን ዘለዉ ሰብ ዋኒን ስለ ዘይተቐበልዎ እቲ ምትህልላቕ ይቕጽል ኣሎ። ሰዲህኤ ሕጂ እውን ብዘይካቲ ቅድም ዝሓዞ መርገጽ ካልእ መተካእታ የለን ኢሉ ስለ ዝኣምን ንዓኡ ተቐቢሎም ተኹሲ ኣቋሪጾም ናብ ዘተ ክኣትዉ ጸዋዒቱ የሕድስ። ናይዚ ምትህልላቕ ደረጃ መመሊሱ ክድይብ እንከሎ ከም ከባብያዊ ተርእዮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ረብሓን ህዝብና ብሃላሊ ኣካይዳ ህግደፍ መንእሰያትና ግዳያትዚ ውግእ ጐረቤት ክኾኑ ዝተገደድሉ ስለ ዝኾነ፡ ሓደጋኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ኩነታትና ኣዝዩ ከቢድ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካዚ ናብ ደማዊ ውግእ ዓሪጉ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ፡ ምስሕሓብ ዓብይ ሓጽቢ ኣባይ፡ ወጥሪ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ሱዳን ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ፖለቲካዊ መስርሕ ምስግጋር ንድሕሪት ምምላሱ፡ ኩነታት ሶማልያ፡ ስግር ኢልካ ከኣ ሃለዋት የመን ክውሰኾ እንከሎ፡ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ከም ዝበሃል፡ ይገድድ እዩ ዘሎ። እቲ ዝያዳ ዘጋድዶ ከኣ ነናቶም ሕሳብ ዘለዎም ናይዞም ኩሎም ተዋሳእቲ ዘራያት ገለን ብስዉር ገለን ከኣ ብግሁድ ናብ ከባቢና ይወፍሩ ምህላዎም እዩ። ነዚ ብመንጽር ኤርትራዊ ጉዳይና ክንርእዮ እንከለና፡ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ስርዓት ኢሰያስ ብዝገበሮ ምትእትታው ካብቲ ክኾኖ ዝግበኦ ንላዕሊ ብከባቢያዊ ምዕባለ ተጸልዩ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተፈላለዩ ጫፋት ሒዝና ንተሓማመ ኣለና። እዚ ምውጣጥና ጽባሕ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከይድገም እውን ውሕስነት የለን።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ከባብያዊ ጽልዋ መንደቕ ሰሪሕና ከይኣትወና እንኽልክሎ ኣይኮነን። ክንገብሮ ዝግበና ብመዕቀኒ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን መዚንካ ምሓዙ ጥራይ እዩ። ንከምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛን ኣገጣጥማን ከባብያዊ ጽልዋ ክንበቅዕ ከነማልኦም ካብ ዝግበኣና መሰረታዊ ቅድመ ኩነታት ከኣ፣ እንተኾነ ንፋስ ዘየእቱ ሓድነት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ምርግጋጽ፡ እንተዘይኮነ ከኣ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓና፣ ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ክንጽመድ ንጽባሕ ዘይባሃል እዩ። ኣብዚ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ክንብል እንከለና፡ ንሓይልታት ለውጢ ማለትና እምበር፡ ህግደፍስ ካብ ጽልዋ ሓሊፉ ናይቲ ብኤርትራዊ ረብሓ ዘይተመዝነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጓይላ ተኻልን ተዋሳእን እዩ።
ርእሱ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ናጽነት ኣይቀሰኑን። ናይ ዘይመቕሳኖም ምኽንያት ከኣ ኤርትራ ከምቲ ህዝባ ክትኮነሉ ኢሉ ዝተቓለሰላ ዘይምዃና እዩ። ኤርትራውያን ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ሃገሮም ክስውኡ እንከለዉ፡ ነቶም ዝተረፉ ዘረክብዎ ሕድሪ ነይርዎም። ሕድሪ ናይዞም ሰማእታት ናይ ምፍጻም ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራኳ እንተኾነ፡ እቲ ነቲ ብ1961 ዝተጀመረ ቃልሲ ብ1991 ኣብ ምዝዛም ግደ ዝተጻወተ ውድብ ዝተረከቦ ሕድሪ ኣብ ምፍጻም ዕዙዝ ሓላፍነት ነይርዎ። ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ሕማቕን ድሑርን ኣብነት ክትከውን ዘገደዳ ከኣ ንሱ እቲ ተስፋ ህዝቢ ኣጸልሚቱ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ ኣካል እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ንዋጋ ሰማእታቱ ክሳብ ክንደይ ብሓጐስን ተስፋን ከም ዝተቐበሎ ዓለም ዝመስከሮ እዩ። ሓጐሱን ደገፉን ሓፈሻዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣሃዝ ብዝግመት ልዑል ቁጽሪ ዝግለጽ ምንባሩ ከኣ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ብዘርኣዮ ናይ “እወ ንናጽነት” ድምጺ ብፍጹም ዓብላልነት ኣርእይዎ እዩ። ምስዚ ኹሉ ግና ህዝቢ ኤርትራ ካብ መጀመርታ ብዛዕባ መጻኢኡ ካብ ተስፋን ስኽፍታን ዝተሓዋወሶ ሃለዋት ኣይወጸን። እቲ ተስፋ፡ ንዝኣተዎ መብጽዓን ንሕድሪ ስዉኣትን ዝጠልም ኣካል ስለ ዘየጋጥም፡ መጻኢና ፍረ መስዋእቲ ደቅና ንሓፍሰሉ ከይከውን ዝዓግተና ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ ካብ ዝብል ዝነቅል ነይሩ። እቲ ስኽፍታ ከኣ ንኹሉ ወዲ ሃገር ሓቚፉ ዘይተበገሰ ምምሓዳር ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነስ ብሕግታት ዘይኮነስ ብዊንታ ናይ ሓደ ጉጅለ ምብጋሱ ኢዩ። ግዜ እንዳተመጠጠ ምስ ከደ ከኣ ብግብሪ እቲ ተስፋ እንዳቐምሰለ፡ እቲ ዝነበረ ስኽፍታ ናብ ዝያዳ ግብራዊ ሻቕሎት ደይቡ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣስተርህዩ ብሰላምን ራህዋን ክነብር'ምበር ዳግማይ ካብ እተጸበዮ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ ቃልሲ ከጋጥሞ ኣይገመተን። እንተኾነ ግን ኣብ እንግድዕኡ ዝወረደ ኣደራዕ ከቢድኳ እንተነበረ ከምቲ “ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ” ነጻነቱ ዘረጋገጸ፡ ንናይ ድሕሪ ናጽነት ጸገሙ እውን ካብ ምብዳህ ንድሕሪት ኣይበለን። ኣብ መንጎ ተስፋን ሻቕሎትን ተቐርቂሩ፡ ነቲ ኣሉታ ዘይኮነስ ነቲ ኣውንታ እንዳቐደመ ክሳብ ጨኪኑ ናብ ግሁድ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ዝኣቱ ግዜ ከም ዝበልዐ ርዱእ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ናይ ናጽነት፡ እቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ሰሪጹ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ቁስሊ ውግእ ኣሕዊኻ ዲሞክራሲ ንምህናጽ ዝግበር ቃልሲ፡ ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ዝቐለለን ዝሓጸረ ግዜ ዝወስድን ክኸውንዩ ዝብል ነይሩ። ብግብሪ ግና ብደረጃ ግዜ ዝነወሐ ብደረጃ ክብደቱ ድማ ኣዝዩ ዝመረረ ምዃኑ ንርእዮ ኣለና። እቲ ቅድም ነዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምእንቲ ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣፍኲስካ ናይ ምርኣዩ ምኽንያት “ንሕድሪ ሰማእታትስ መን እዩ’ሞ ክጠልሞ” ካብ ዝብል ቅንዕና ዝነቅል ምንባሩ ብሩህ እዩ። ብግብሪ ግና ህግደፍ ዝበሃል ብበትሪ ሓደ ሰብ ሰጥ-ለበት ዝብል ጉጅለ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ኣብ መድረኽ ጥልመት ተኾዲጩ። ብሰንኩ ከኣ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ወጽዓ ዘይተጽበዮ ግዜን ዋጋን ይኽፍል ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ “ኣቡኡ ዘፍለጠ” ጠሊሙ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምኽባር ሕድሪ ሰማእታት ዝምልከት ፋይሉ ዓጽዩ እዩ። ሕጂ ናይቶም ሕድሪ ሰማእታትና ዘይጠለምናን “ኤርትራ ብሓቂ ናይ ህዝባ ክትከውን ኣለዋ” ብዝብል ኣተሓሳስባን ኒሕን ንቃለስ ዘለና ጉዳይ እዩ መዛረቢና ክኸውን ዝግበኦ። ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ’ ውን ኣብቲ ዝዓበየ፡ “ኤርትራ ዲሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝተረጋገጸላ ሃገር ክትከውን ኣለዋ” ዝብል ዓብይ ጉዳይ እንዳተሰማማዕና፡ “እሞ ናብኡ ብኸመይን መዓስን ንብጻሕ” ኣብ ዝብል ፍልልያት ኣለና። እዚ ዘርእዮ ከኣ ኣብ ዓብይን መሰረታውን ዛዕባ ዘይተፈላለና፡ ኣብ ካልእ ንኡሳን ዝፈላልዩና ጉዳያት ከኣ ንሰሓሓብን ንነጻጸግን ምህላውና እዩ። እዚ ምንጽጻግ “በቲ እንዳጣቐዐ በቲ ከኣ እንዳላኸዐ” ኣብ ስልጣን ክነብር ንዝደሊ ጉጅለ እንተዘይኮይኑ ንህዝብና ከምዘይጠቕሞ ኩልና ክንደርፎ እንውዕል እዩ።
ዕድመ ጨቛኒ ጉጅለ ክነውሕ እንከሎ ወጽዓ ህዝብና ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ከም ዝመርር ተረዲእና “ግዜ እንከላካ ግዜ ኣይትጸበ” እዩ እሞ፡ ኣብ ፍታሕ ናብ ዘምጽእ ናይ ሓባር ብራኸ ክንድይብ ግዜ ኣይንብላዕ እንብል እውን ብዙሓት ኢና። ናይ ሓባር ሚዛና ከምዚ ክነሱ፡ ሰኣን ዓቕምና ዝተርፈናስ ደሓን፡ ኮነ ኢልና ምድንጓያት እንፈጥርከ ኣለናዶ? ዝብል ሕቶ ነንነብስና ኮነ ነንፖለቲካዊ ውዳቤታትናን ምንቅስቓሳትናን ክንሓተሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ጠንቁ እንታይ እዩ ብዘየገድስ፡ ቃልሲ ንምሕያል ክትወስዶ ካብ ዝግበኣካ ስጉምቲ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ምድንጓይ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ቃልስን ህዝብን ምጉዳእ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ዕድመኡ ኣብ ዝልጣን ክውስኽ ምሕጋዝ እዩ። እዚ መርዛም ጉጅለ ዓቕምን ዕድልን እንተረኺቡ፡ ነቲ ኣንጻሩ ዝግበር ቃልሲ እንተኾነ ኮነ ኢልካ ንምቕታሉ እንተወሓደ ክኣ ንምድንጓዩ ንድሕሪት ከምዘይብል “ከይደቀስካ ዝተሓልመ” እዩ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣብ ክንዲ ኣብ ዘሰማምዓካ ብሓባር ምስጓም ብፍልልይ ምክሳስ በሪኽ ቦታ ዝሕዘሉ ኣጋጣሚ፡ ግደ ናይቲ ወለዶታት ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። እንተኾነ ኣብ ህልዊ ተመኩሮና ግደ ናይቲ ዝሓለፈ ድኽመት እናዕረየ፡ ብናቱ ንመጻኢ ኣርሒቑ ዝጥምት ኣተሓሳስባ እናተከአ ነቲ ቃልሲ ከነሃህሮ ዝግበኦ መንእሰይና ኣብቲ ክኾኖ ዝግባእ ውዱብን በሪኽን ደረጃ ከምዘየለ ንርእዮ ኣለና። እዚ ከኣ ካልእ ህግደፍ “እንኳዕከ ከምዚኣ በለት” ኢሉ ዝቕበሎን መመሊሱ ዘጋድዶን ሃጓፍ ምዃኑ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ውጹዕ ህዝቡ ኮይኑ ተካኢ እጃሙ ከም ዘየበርክት ጌርካ ምድሃኹ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ ተግባር ህግደፍ ምዃኑ፡ ካብ ግዱድን ናይ ግዜ ገደቡ ዘይፍለጥን ስርዓተ ውትድርና ምትእትታው ጀሚርካ ብብዙሕ ኣብነታት ኣሰኒኻ ምርኣዩ ይከኣል።
ሎሚ ወጽዓ ህዝብና መሊኡ ኣብ ዝፈሰሰሉ ሃለዋት፡ ንመሰረታዊ ለውጢ ምስ ግዜ እንጓየየሉ እምበር፡ ብናእሽቱ ኣብ መስርሕ ክፍትሑ ዝኽእሉ ፍልልያት ተዓንቂፍና እንዛነየሉ ኣይኮነን። ጉዳይና ዘንጊዕና ኣብ ናይ ካለኦት ኣጀንዳ በላሕቲ ፍልልያት ፈጢርና ንመናጨተሉ እዋን’ውን ኣይኮነን። ሓደ ጉዳይ ኣብቲ እዋኑ ምስ ግዜ ተጓይኻ መልክዕ እንተዘየትሒዝካዮ ምስ ሳዕረረ ዝሓቶ ዋጋ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ክቡር ዋጋ ከፊልካ ዘይትመልሶ’ውን ክኸውን ይኽእል። ሓደ ጉዳይ ኣብቲ እዋኑ እንተዘይዓሚምካዮ ደሓር ዘኽፍሎ ዋጋ ንምርዳእ ወለድና “ሓደ ሰነ ዝተነቕለ ብሸውዓተ ሰነ ኣይትከልን” ይብሉ። ስለዚ ብዛዕባ ግደነታዊ ኣድላይነት ለውጢ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ህጹጽነቱ’ውን ክንሻቐል ግድን’ዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እቲ ናይ ቅድም ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ተቓውሞ ኣንጻርቲ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ ንበይኑ ዝቖሞ ግዝያዊ መንግስትን ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባኡን ካብ ምብሳር ናጽነት ኤርትራ ጀሚሩ እዩ። እዚ ተቓውሞ ካብ ሽዑ ንነጀው ምስ ኩሉቲ ዘጋጠሞ ላዕልን ታሕትን ሎሚ’ውን ህያው እዩ። ክሳብቲ ህዝብና ዝጽበዮን ዋጋ ዝኸፍለሉ ዘሎን ደሞክራስያዊ ለውጥን ልዕልና ፍትሕን ኣብ ሃገርና ዝረጋገጽ ድማ ክቕጽል እዩ። እዚ ተቓውሞ ዝዓርፍ እቲ ጉጅለ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስ ዝውገድን ኣብ ኤርትራ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ዝጸውር ሕገመንግስቲ ዝዋሕሱ ባይታ ምስ ዝፈጥር እዩ። ስለዚ እዩ ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ትምክሕትን ስሰዐን ወጺኡ ናይ ሓባር መዋስኢ ፖለቲካዊ ባይታ ንክፈጥር ዘይኮነስ፡ ብህዝባዊ ቅልጽም ክውገድ ብሓባር ክንቃለሶ ናይ ግድን ዝኸውን። እቲ ካልእ ኩሉ ሰላሕታዊ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ናይ ምሕቃቕን ምቕንጻልን ስጉምትታት ገዲፍካ፡ እቲ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ካብ ዕለተ-ናጽነት ድሕሪ 27 መዓልታት ብ20 ሰነ 1991 ሰማእታት ንምዝካር ኣብ ስታድየም ኣስመራ ዝተጋበአ ናይ መጀመርያ ርክቡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሽውየ የለ” ዝበሎ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ሓሳብ ክሰምዕ ዘይደሊ ደረቱ ዝሓለፈ ስሱዕን ነፋግን ጸዋግን ምዃኑ ዘርኣየ እዩ።
ህግደፍ፡ ዕድመ ተቓውሞ ኣብ ኤርትራ ንምሕጻርን ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ውዱብ ተቓውሞ ከም ዝነበረ ንምሕባእን ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ነቲ ንሱ ክሓብኦ ዝደሊ ሓቂ ብኣብነት ንምቅላዑ ዝኣክል፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ብህጹጽ ንኹሉ ውድባት ኤርትራ ዘሳትፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም መጸዋዕታ ካብ ዘቕረቡ ውድባት ሓደ ምንባሩ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ ነቲ ሽዑ ዝተወልደ ኣብዚ እዋንዚ ትውልዲ ናይ ምስጋር ሓላፍነት ዝነበሮ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተዓደለን ተደፊኡ ኣብ ስደት ዘሎን መንእሰይ ሚዛናዊ ተረድኦ ምእንቲ ክህልዎ ምዝኽኻሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ዙርያ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ካብ ዝተወደበ ሓይሊ ዝሃድምን ፍልልይ ዘይጻወርን ህግደፍ ዝሽቅጠሉ ዝነበረ ኣበሃህላ፡ “ኤርትራውያን ብግሊ ናባይ ኢዶም ይሃቡ እምበር ውዱብ ሓይሊ ኣይቅበልን እየ” ዝብል፡ ጽበቱ፡ ስስዕቱን መላኽነቱን ኣነጺሩ ዘርኢ እዩ። እንሆ ከኣ ብኣኡ ደሪቑ ይቕጽል ኣሎ።
ህግደፍ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሕቶ ካብ ምምሕዳር ንምህዳም፡ ቀልጢፉ ካብ ዝመሃዞም ዘይቅዱሳት ቅድታት ሓደ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ህውከት ምፍጣር እሞ፡ ነቲ ኩነት ከም መህደምን መኸወልን ምጥቃም ነይሩ። ተቐላጢፉ፡ ምስ ሱዳን፡ የመንን ጅቡትን ዝኣጐዶ ሓዊ ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ ዕላማ ኣይነበሮን። ኣብቲ ኩነታት ክሳራ ህዝቢ ኤርትራ ድርብ እዩ ነይሩ። በቲ ሓደ ወገን ፍቱዋት ደቁን ንብረቱን ንዘይፈልጦን ዘይረብሓሉን ውግእ ኣባኺኑ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ውልቃውን ሃገራውን ጉዳያቱ ክውግነሉ ዝግበኦ ዝነበረ ወርቃዊ ግዜኡ ኣምኪኑ። ኤርትራ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ምስላ ተደዊኑ። ህግደፍ ግና ካብዚ ኣይተማህረን። ኣይተማህረን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብ1998-2000፡ ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝበለዐን ሰሎልኡ ክሳብ ሕጂ ዘይወጸን ምምዝባል ዘኸተለን ትርጉም ዘይነበሮ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ኣጒዱ። ኣሉታዊ ብጽሒት ህግደፍ ኣብዚ ደማዊ ውግእ ክሳብ ክንደይ ከም ዝነበረ፡ ንምጽራዩ ብዝተመዘዘ ዓለም-ለኻዊ ዘይሻራዊ ትካል ተረጋጊጹ እዩ። ድሕሪዚ ኣዕናውን ኣኽሳርን፡ እዚ ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ክሕተተሉ ዝነበሮን ውግእ፡ ኣብ ርእሲቲ ኣቐዲሙ ክቃለስ ዝጸንሐ ዝተወደበ ነባር ተቓውሞ፡ ማንፈስቶ በርሊን፡ ምንቅስቓስ ጉጀለ-15ን ተበግሶ ወዲ ዓልን ዝበሃሉ ተቓውሞታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሃቂኖም። ብዘይካዚ “እምብዛ በዚሐን” ክሳብ ዝበሃላ ኣዝየን ብዙሓት ናይቲ ስርዓት ደገፍቲ ዝነበሩን ብሰንኩ ካብ ሃገር ዝወጹን ኤርትራውያ ዝተሳተፍወን ኣብ ወጻኢ ናይ ተቓውሞ ውድባት፡ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ተፈጢረን።
ገለ ነቲ ዝበሃል ከይመመዩ ደድሕርቲ ጉጅለ፡ ካብ ኤርትራዊ ወድዓዊ ሓቂ ንምህዳም ዝፈሓሶ ተንኮልን ጸለመን፡ ዝጐዩ ኤርትራውያን፡ “ተቓውሞ ኤርትራ ሃገር ንምብታን ብሓፈሻ ብምዕራባዊ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ወያነ) ተጠፍጢፉ ዝተሰርሐ እዩ” ክብሉ ካብ ዝስማዕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ቅድም ቀዳድም ኣብ ኤርትራ ተቓውሞ ዝተጀመረ ህግደፍ ምስዘን ሎሚ ተመሊሱ ዝውንጅለን ዘሎ ኣሜርካ እትርከበን ሃገራት ምዕራብን ወያነ ትግራይን ዓይንን ኩሕል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምዃኑ ዘይዝክር ኤርትራዊ እንተልዩ ተመሊሱ ምስ ገዛእ ርእሱ ክላዘብ ይግበኦ።
ብሰንኪ ኣብ መንጎ ህግደፍን ወያነ ትግራይ ቀንዲ ኣባሉ ዝነበረ ኢህወደግን ዝነበረ ዘይትካላዊ ፍቕርን ውሽጣዊ ስምምዕን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ እትርከበን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝኸፈላ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ከምዝነበራን ከምዘለዋን ዘይዝክር ኤርትራዊ እንተልዩ ምልስ ኢሉ ተመኪሮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክድህስስ ይግበኦ። ነዚ ተመኩሮ ከየስተብሃልካ፡ እቲ ጉጅለ ነንዝመሃዞ ከም ዘለዎ ወሲድካ ምዕዝምዛም ነኪዩ እምበር ሎሚ’ውን ኣሎ። እዞም ናይቲ ጉጅለ ምህዞ ዘንበድብዱ ወገናት፡ “ናይ ወጻኢ ኢድ እንተዘይኣትዎስ፡ ኣብ ኤርትራ ንተቓውሞ ዝዕድም ዝሩግ ፖለቲካዊ ሃለዋት፡ ቅድም ኣይነበረን ሎሚ እውን የለን” ኢሎም ዝኣምኑ እንተኾይኖም፡ ኣብ ካልእ ናይ በይኖም ናይ ኣትሓሳስባ ዓለም ዝነብሩ ጥራይ እዮም።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮነ ኢልካ ኣሻቓልን ኣቕጣጫ ዘስሕትን ናይ ሸፈጥ ኩነት እንዳፈጠርካ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብኩራት ሕገ-መንግስቲ፡ ብዝመርጽካዮ መንግስቲ ናይ ምምሕዳር፡ ዝመረጽካዮ ሃይማኖት ምኽታል፡ ልዕልና ፍትሕን ስርዓትን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽንከ ንምቅዋም ምኽንያት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም ድዮም ዝብሉና ዘለዉ። ከምኡ ማለቶም እንተኾይኑ፡ ትሕዝቶ መልእኽቶም “ንወጽዓን ጭቆናን ኣሜን ኢልካ ብጸጋ ምቕባል” ዝብል ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ኣይኮነን። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ንሉላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ትንዕ-ምንዕን ኣብ ውግእ እንዳማትካ ኣቲኻ መንእሰያት ምህላቕን እንዳወሰኸሉ እውን ነቲ ጉጅለ ከንጽህዎን ዘይግበኦ ሓርበኝነት ከልብስዎን ዝፍትኑ ክትሰምዕ እንከለኻ ዘሕድረልካ ስምዒት ልዕሊ በቲ ኩነታት ምግራምን ምሕዛንን እዩ። ስለዚ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ዝዕድመኡ፡ መንቀሊኡ ከኣ ናይ ግዳም ሓይልታት ተጽዕኖን ኢድ ኣእታውነትን ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ብሰንኪ ህግደፍ ዝተበላሸወ ውድዕነት ምዃኑ ዘይሕበል ሓቂ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ መዐቀንታት ብዙሓት ኢና። ቁጽርና ከባቢ 4 ሚልዮን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ጾታና፡ እምነትና፡ ዕድመና፡ ደረጃ ትምህርትና፡ ቦታዊ ኣቀማምጣና፡ ባህልና፡ ቋንቋና፡ ብሄርናን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባናን ክረአ እንከሎ’ውን ብዙሓት ኢና። ብዙሕነትና ሎሚ ዝፍጠር ዘሎ ሓድሽ ተርእዮ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ነዊሕ ተመኩሮ ቃልስና እውን ምሳና ክጐዓዝ ዝጸንሐ እዩ። ብዙሕነትና ብሃገራዊ ሓላፍነት ከነመሓድሮ እንከለና፡ ምንጪ ሓይልናን ብርታዐናን ከም ዝኸውን ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ናብ ዘይግቡእ መንገዲ ክንመጦ እንከለና ዝብትነናን ዘድክመናን ምዃኑ ድማ ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮን ሎሚ እውን ከምዘይገደፈና ካባና ዝተሰወረ ኣይኮነን።
ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ኣብዚ እዋንዚ፡ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ እንመዝነሉ መዐቀኒ፡ ነቲ ጉጅለ ንምውጋድ እንመርጾ ኣገባብ፡ ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ ክትመሓደረሉ ዝግበኣ ኣገባብ ኣብ ምትላም፡ ነዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ኮነ መጻኢት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ምስ መንን በየናይ ደረጃን ንዛመድ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ክንሓስብ እንከለና፡ ናይ ርእይቶ ብዙሕነት ከም ዘለና ንርእዮ ዘለና እዩ። ካብ ሓደ ንላዕሊ ውድባት ክንከውን ዝድርኸና እውን ንሱ እዩ። እዚ ኩሉ ርእይቶታት ተደሚሩ ከኣ ናብ ሓደ ናይ ሓባር ጭቆና ንምውጋድን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን ዝጥምት እምበር በብዝወፈሮ ተፈላልዩ ዝነብር ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ሓባር መዋስኢ መድረኽ ዘድልየና ከኣ ምእንቲ’ዚ እዩ። ስለዚ እቲ ዘሰክፈና ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምፍጣሩ ዘይኮነ፡ ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከነመሓድሮን ሓባራዊ ኣቕጣጫ ከነትሕዞን ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።
ምስዚ፡ ከምቲ “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝበሃል ቀይሕ መስመር ከይንሰግር እንጥንቀቐሎም እምበር፡ ክንፈላለየሎም ዘይግበኣና መሰረታዊ ኣዕኑድ ከም ዘለዉ ምስትብሃል ናይ ግድን እዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ልኡላውነትን መንነትን፡ ንኹልና ብማዕረ ዝብጸሓና፡ ብኹልና ከኣ ክዕቀብ ዝግበኦ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝተፈላለዩ ሓሳብ ምንጽብራቕ ውሁብ’ዩ ዝበልናዮ፡ ኣብዚ ረዚን ዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ልኡላውነትን መንነትን፡ እንተተፈላሊና ብመሰረቱ እውን እቲ ፍልልያትና ዓቂብና እንረግጾ መሬት ክጾረና ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራን ልኡላውነታን እንተተፈላሊና “ደቂ ሓንቲ ሃገር ኢና” ፡ ኢልና ምእንተኣ ሓቢርና እንስለፈሉ ቦታ ስለ ዘይህልወና። ስለዚ እቲ “ክንሰግሮ ዘይግበእ ቀይሕ መስመር” ዝበልናዮ ነቲ ናብዚ ከይወስደና ክንጥንቀቐሉ ዝግበና ዘይጥዑይ ጐደና እዩ።
እቲ ክንዕቅቦ ዝግበኣና ኤርትራዊ ልኡላውነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ናብኡ ዝበጻሕናሉ ሓርበኛውን ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎን ጉዕዞ ቃልሲ እውን ክብርን ሓለዋ ዘድልዮ እዩ። ነዚ ጉዕዞ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ምንእኣስን ንሓርበኛታቱ ክብሪ ምንፋግን ማለት ካብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይምቕባል ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን።
እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሓደ ኤርትራዊ ንልኡላውነት ሃገሩ ብዘይሃሲ፡ ብርኢቶኡ “እዚ እዩ ኣብ ኤርትራ ዘዋጽእ” ኢሉ ዝኣመነሉ ኣተሓሳስባ ስለ ዝሓዘን ንዕኡ ንምስፋሕ ስለ ዝጐስጐሰን ዝወደበን ብሸፈጥ “ኣንጻር ልኡላውነት” ዝብል ግጉይ ቅጽል ምጥቃን መሰል ምውዳብ ዝግህስ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ደገፍቲ ኢና በሃልቲ ኤርትራውያን፡ ክብሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓልዮም ኣንጻር ናይ ህግደፍ ጨቋኒ ርኢቶ ንዝተሰለፉ ኤርትራውያን “ጸረ ልኡላውነት ኤርትራ እዮም” ክብሉ ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። እዚ ኣበሃህላኦም ካብ ትርጉም ልኡላውነት ሃገር ጀሚርካ፡ ክሳብ ዋና ልኡላውነት መን ምዃኑ ዘለዎም ናይ ኣረዳድኣ ግጉይነት ዘመልክት’ዩ። ሓሓሊፍካ እውን “ሉኣላውነት ዝፈጠረ ጉጅለ ህግደፍ እዩ፡ ንሱ እንተዘየልዩ ከኣ ምስኡ ዝጠፍእ እዩ” ብዝዓይነቱ ስንኩፍ ኣተሓሳስባ፡ ዕድመ ህግደፍ ክነውሕ ዝጽልዩ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ምዃኑ ከመልክቱ ዝደልዩ ዘይሓፍሩ ኣለዉ። ልኡላውነት ኤርትራ ግና ብሳላ ህግደፍ ዝዕቀብ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ከይድፈርን ከይህሰን ዘስግእ ዘሎ፡ ውጽኢት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ተመኩሮና ዝምስክሮ እዩ።
ልኡላውነት ኤርትራ ብኤርትራውያን እዩ ተዋሒሱ። ንመጻኢ እውን ብኤርትራውያን እዩ ዝዕቀብ። ምስ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ፈተውቲ እንገብሮ ዝምድና ኣብ ርእሲቲ ናትና ዓቕሚ ተወሳኺ ክንድልብ ኣምበር፡ ኤርትራዊ ጉዳይና ብኣኣቶም ንምውሳን ኣብ ሓደ መኣዲ ንቕረበሉ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ነዚ ቅኑዕ ኣገባብ ኣጽኒዕና ብዘይመሓዝና ኣብ ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዘለና ናይ ርእይቶ ፍልልይ ነቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ይጸልዎ ምህላዉ፡ ገሌና ክስገር ዘይግበኦ ቀይሕ መስመር ንሰግር ምህላውና ዘመልክት እዩ። ሎሚ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ምስ ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባንዴራ፡ ካርታ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ሃገር ተላጊበን ኣብ ገለ ኣደባባያት ምርኣይ፣ ኣብ ገሊኡ ኣደባባያት ከኣ ምስ ባንዴራ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከተንበልብል ምዕዛብ ዝተለመደ እዩ። ነዚ ተርእዮታት’ዚ እቲ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ከባቢ ጎንደር፡ ደሴ፡ ሑመራን ምጥፍኦም፡ ኣብ ዓላማኦም ሞይቶም ዝብል ወረ ክውሰኾ እንከሎ “ኣበይ ኢና ዘለና?” ዘየብል ኣይኮነን። ኣብዚ ነቲ ማእዝኑ ዝሰሓተ ጫፋት ንቃወሞ ኣለና እምበር፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝኣተዎ ኣቲኻ ምቅላሱስ ኣብ ቦታኡ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ንታሪኻዊ ኣመዓባብላ ኤርትራዊ ሃገራውነት ቅድመ-ምፍጣር ሃገራት ዝነበረ ታሪኽ ተሞርኲስካ ንናይ ጐረባብቲ ማሕበረ-ባህላዊ ዝምድና፡ ሰማይ ኣዕሪግካን ልዕሊ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ሃገርነት መለክዒ ምስራዕን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ብመሰረቱ ተመሳሳሊ ማሕበረ-ባህላዊ ርክባት ኣዛሚድካ “ሓድሽ ሃገር ክንፈጥር” ብዝብል፡ ናይዛ ህያው ኤርትራ ሓድነት ህዝብን መሬትን ምብታን ዘኸትል ምዃኑ ብንጹር ንርኢ ኣለና። እቲ ጉዳይ ዝያዳ ሓደገኛ ዝኸውን፡ ገለ ቁንጣሮ ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ወገናት ኣብ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ዝምልከት ዛዕባ ምስ ኤርትራውያን ዘይኮኑ ወገናት ዝናበብሉ ዘለዉ ምዃኖም እዩ። ስለዚ ከምቲ ወለድና ከምዚ ከጋጥሞም እንከሎ፡ “ስግኣትና ትብዓትና ይግበረልና” ዝብልዎ፡ እዚ ክስገር ዘይግበኦ ቀይሕ መስመር ዝደናደንን ተመዝሚዙ ዕድመ ህግደፍ ዘንውሕን ኣረዳድኣ ከይሳዕረረ ክንኮልፎ ዝግበኣና እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ክንጸር እንደልዮ፡ እዚ ንልኡላውነት ዝጻባእ ሓደገኛ መንገዲ፡ ከም ናይ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ጌሮም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ወገናት ኣብ ግጉይ መንገዲ ከም ዘለዉ ተገንዚቦም፡ ናብ ልቦም ክምለሱ ነዘኻኽሮም።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሚድያታት ህግደፍ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ዝቐነየ ዜና፡ መራሕቲ ህግደፍ “ሓንካስ ብምርኩስ” ከካብ ዝነበርዎ ጐዳጉዲ ወጺኦም፡ “ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ኣካይዶም” ዝብል እዩ። እዞም ኣኼባ ከካይዱ ዝቐነዩ፡ መራሕቲ ኣይኮነንዶ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ከካይዱ፡ ናታቶም ኣኼባታ ካብ ምክያድ እውን ንነዊሕ ግዜ በዂሮም ዝጸንሑ እዮም። እቲ ኣብዚ እዋንዚ ህዝባዊ ኣኼባታት ምክያዶም፡ ዋላ ተሓቢኦም እንተጸንሑ ሕማቕ ኣይመኾነን። እቲ ቀንዲ ናይ ኣኼባታቶም ኣጀንዳ መሰረታዊ ፖለቲካውን ማሕበር-ቁጠባውን ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ንምፍታሕ ዘይኮነ፡ ሎሚ እውን ናይ ክተት ንውግእ ነጋሪት ንምድሳቕ ምዃኑ ግና የሕዝንን የተዓዛዝብን። ኣጀንደኦም ዋላኳ ክኸዋውልዎን ባዛዕባ መጻኢ ልምዓት ከምስልዎን እንተፈተኑ፡ ናይ ውግእ፡ ክተትን ርድኡናን ምንባሩ ግን ካብ ህዝቢ ኣይተኸወለን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ላዛ ብዝጉደሎን ብዘይተኣደበን ኣብ ሕድሕዱ ዝጓነጽን ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀንድን እዋናውን ኣጀንዳ ናይቲ ብስማዊ ደረጃ ዝመርሖ ግንባር፡ “ሓድነት ኢትዮጵያ ምዕቃብን ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምጥፋእን” ምዃኑ ከም ዝኣወጀ ዝዝከር እዩ። ናይዚ ዝጠቐስናዮ ናይቶም መራሕቲ ወፈራ ናብ ኣኼባታት ዕላማ ከኣ ነዚ ኣልኣሚን ዝበሎ ዘይኤርትራዊ ዛዕባ ንምስራጽን ንምዕማቕን እዩ ተኻይዱ። እዚ ኣካይዳ ብመሰረቱ ነቲ ዝያዳ ንህዝቢ ኤርትራ ዘገድሶ፡ ሃገር ናይ ምድሓንን ምህናጽን ዕማም ዝጓሰየ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ናይ ካለኦት ጉዳይ ኢድ ኣእዳውነት ሓድሽኳ እንተዘይኮነ ዝያዳ ዘዕዝዝ እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም እቲ ጉጅለ ሎሚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ክድህለለለይ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ምሕዳሩ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሕቶታቱ ስለ ዘይመለሰሉን ኩሉ መሰላቱ ገፊፉ ይድህኾ ስለ ዘሎን ከምዝተቐየሞን ይቃለሶ ከም ዘሎን ህግደፍ ዝተሰቆሮ ኣይመስልን። ኣይኮነንዶ ኣብ ኣርዑት ህግደፍ ናይ ምንባር ኣዝዩ መሪርን ሃብታምን ተመኮሮ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ህዝቢ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ከም ዘለሊ እውን እቲ ጉጅለ ኣብ ግምት ኣየእተወን። ናይዚ ቀንዲ ጠንቂ ከኣ ክቱር ትዕቢትን ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝብን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ በብግዜኡ ዝጻሕተሮ ህውከት ብናይ ውግእ ጐስጓስን ክተትን፡ ብወረ ዘይኮነ ብተግባር ከም ዝላደየ ይፈልጥ እዩ።
ክሳብ ክንድዚ ሃብታም ተመኩሮ ንዘለዎን መሰረታዊ ሕቶኡ ስለ ዘይተመለሰሉ ኣዝዩ ዝተቐየመን ህዝቢ፡ ሎሚ እውን ኣብ ትግራይ፡ ጐንደር፡ ወሎን ዓፋር ኢትዮጵያን ከይደ ክዋጋእ እየ’ሞ፡ ነቲ ውግእ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝካየድ እዩ ኢልኩም ፍለጡልናን ሰብኣውን ንዋታውን ሓገዝ ከኣ ኣበርክቱለይ ዝብል ጻዋዒት ካብቲ ጉጅለ ምስማዕ ምስ ምንታይ ከም ዝቑጸር ኩሉ የስተንትኖ። እቲ ጉጅለ ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ እንተዘይኮይኑ፡ እዚ ጸዋዒት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ክረክብ’ዩ ካብ ዝብል እምነት ነቒሉ ዝብሎ ዘሎ እዩ ምባል ኣዝዩ የጸግም።
ህግደፍ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር፡ ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ከም ዝበሃል፡ እቲ ብዘይሕሳብን ሳዕቤናቱ ብዘይምርዳእን ብናይ ሕነ ምፍዳይ ክቱር ቅርሕንቲ ዘሊሉ ዝኣተዎ፡ ምውጻኡ ጸጊምዎ ዘሎ ውግእ “ንህልውና ኤርትራ” ዝካየድ ዘሎ ኣምሲሉ የቕርቦ ኣሎ። እቲ ሓቀኛ ምስጢርን ትርጉምን ናይቲ ውግእ ግና፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕልቲ ሕነ ናይ ምፍዳይ ህርፋን፡ እንተተኻኢሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጐብለል ክኸውን እንተወሓደ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ዕድመ ልክዕ ስልጣን ንምድልዳል ዝመሃዞ እዩ። መሪሕቲ እቲ ጉጅለ ነዚ ሓደገኛ ምህዞ ከም ዘለዎ ፊትንፊት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምቕራቡ ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ኣዳዕዲዖም ይፈልጥዎ እዮም። ስለዚ ንህዝቢ በታ እተሕምሞ “ሃገር ኣብ ሓደጋ ትወድቕ ኣላ’ሞ ነድሕና” እትብል መዝሙር ምቕራብ ጽብቕቲ መሕብኢት ገይሮም ስለ ዝርድእዋ ኣብቲ ኣኼባታት ከኮማስዕዋ ቀንዮም። ሃገር እትድሕን ግና ኣብ ዘይጉዳይካ ዘሊልካ ብምእታው ዘይኮነ፡ ንዘቤታዊ ጉዳይካ ቀዳምነት ብምሃብን ሓባራዊ ረብሓን ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝመሰረቱ ዝምድና ብምምዕባል ጥራይ እዩ።
እዚ ህግደፍ መሬት ከም ዕንቊ ምስ ጸበበቶ ዘርእዮ ዘሎ ጠንበርበር ዝተለምደ እምበር ሓድሽ ኣይኮነን። ዝሓለፈ ተመኩሮን ባህርያትን ህግደፍ ዳህሲስና ንዕዘቦ ዘለና ተርእዮ እንጽበዮ እምበር ዝሕደሰና ኣይኮነን። ህግደፍ ከኣ እቲ ባህሪኡ ዝፈቕደሉ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ንመጻኢ እውን ከከምቲ ከጋጥም ዝኽእል ምዕባለታት መልክዓቱ ክልውጥ ይኽእል እምበር ተግባራት ህግደፍ በዚ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ካብ ምቕጻል ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ። ስለዚ ህዝብን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኤርትራ ክንግደሰሉን ግዜ ሂብና ክንሓስበሎን ክንሰርሓሉን ዝግበኣና ንኤርትራ ካብቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣንጻራ ዝስሕሎ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ሴፍ ምድሓን እዩ። ድሕሪ ሕጂ ናይቲ መመሊሱ ናብ ጥፍኣት ዝዕዘር ዘሎ ጉጅለ ኣበሳ ክንጽብጽብ እነባኽኖ ግዜ ክህሉ ኣይግባእን። ካብኡ ዝተፈለናን “ሃገርና ንሕና ኣለናልኪ” እንብልን ምዃና ብመርገም ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሰሪሕና ከነርኢ ኣብ እንሕተተሉ ወሳኒ ግዜ ከም ዘለና ነስተውዕል።
ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፈ ተመኩሮ ናይቲ ጉጅለ ግጉይን ዘይህዝባውን ምዃኑ ጠፊእዎ ዘይኮነ፡ “ጽባሕ ደኾን ዝሓሸ ይመጽእ ይኸውን” ብዝብል ብተስፋ ዝተጸመሞ ግዜ ሓጺር ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ ግና ቀዳምነት ዝወሃቦ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ጓስዩ፡ ምናልባት እውን ነቲ ዝተመዝገበ ኤርትራዊ ሃገራዊ ልኡላውነት ንድሕሪት ከይመልስ ዘስግእ ናይ ጥዑሳት ምርጫ እዩ ዘታቲ ዘሎ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብቃልሱ ናብ ራህዋ ምስጓም ንቐጻልነት ናይዚ ጉጅለ ንብረቱን ህይወት ደቁን ክግብር ኣይግበኦን። ነቲ እዚ ጉጅለ ዘወጣውጦ ዘሎ ናይ “ክተት ናብ ውግእ” መጸዋዕታት “ስለምንታይ? ንረብሓ መንከ?” ዝብሉ ሕቶታት መሊሱ ተስፋ ዘቑርጽ መልሲ ሂቡ ንጠንበርበር መራሕቲ ህግደፍ ከምክኖ እዋኑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ተግባራቱ ንምጽብባቕ ዝዝምሮ መዛሙር ተቐቢልካ ምቅላሕ፡ ነቲ ጉጅለ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘስንቕዎ፡ ዘዕጥቕዎን ንኺድ ጥራይ ዝብልዎን እውን ጽባሕ ዘሕትቶምን ዘጣዕሶምን እዩ።