ጠለብ ህግደፍ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ተነጺጉ
2025-07-06 09:36:57 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 111 timesስርዓት ህግደፍ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንምጽራይን ምምርማርን ጥሕሰታትን ብመንገዲ ፍሉይ ተልእኮ ራፖርተር ክቋረጽ ዘቕረቦ ጠለብ ብ4 ሓምለ 2025 ከም ዝተነጽገ ካብ ጀነቫ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ገሊጹ።
እቲ ምምሕዳር ህግደፍ ከም ድላዩ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ንክጥሕስን ዜጋታት ከሳቕይን ንከኽእሎ ናብ መበል 59 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ፡ ብ25 ኣባል ሃገራት ተነጺጉ ብ4 ጥራይ ተደጊፉ 18 ሃገራት ድማ ናይ ተዓቅቦ መርገጽ ከም ዝወሰዳ እቲ ዜናዊ ሓቢሩ። እተን ንርኢቶ ህግደፍ ዝደገፋ ሃገራት ብሩንዲ፡ ቻይና፡ ኩባን ሱዳንን እየን።.
ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ተመዚዙ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ባብከር ዓብዱሰላም፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ጃማላዊ ማእሰርትን ግዱዱ ውትህድርና ብጻዕቂ ዝረኣየሉ ዘሎን ምዃኑ ብዝርዝርር ኣረዲኡ።
“ኣፍሪቃዊ ጉጅለ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰል” ዝተባህለ ኣካል ብወገኑ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ጠለብ ናይ ምንጻግ ስጉምቲ፡ “እቲ ተመዚዙ ዘሎ ፍሉይ ራፖርተር ንጥሕሰት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ዲያስፖራ ምእንቲ ሰብኣውነት ዝግበር ቃልሲ እውን ሓጋዚ እዩ” ብዝብል ደገፉ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብኤርትራ ዝቐረበ ሓሳብ ምቕባል፡ ኣብታ ሃገር ጥሕሰትን ግህሰትን ከም ድላዩ ንክፍጸም ዘፍቅደሉ እዩ ነይሩ ብምባሉ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ግዱሳት ኤርትራውያን በብውልቂ ኮነ ብደረጃ መርበባት ሓበሬታ እውን ጠለብ ህግደፍ ተቐባልነት ንከይረክብ ክጽዕቱ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር’ዩ እሞ ምስጋና ይግበኦም።