ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ጉጅለ ኢሳያሳ ክበጽሓ ዝኸኣለ ጐረቤት ሃገር ዘይተንኰሓ የለን። በብግዜኡ ኣብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ገሊኡ ስቱር ገሊኡ ግሉጽ ወስታታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ኣንጻርተን ብኣካል ዘየርከበለን እሞ ዝፈርሐን ሃገራት ከም ጸረ ሃገርነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ስኢሉ ኣንጻረን ብቐጻሊ ክቋየቕን ክራገምን ጸኒሑ ክሳብ ሕጂ እውን ነዚ ኣገባብ ይቕጽሎ ኣሎ። ብፍላይ ንሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፡ ገለ ሃገራት ምዕራብን ዓረብን፡ ከም ቀወምቲ ጸላእቲ ወሲዱ ዝፈጸመኦን ዘይፈጸመኦን ጌጋታት ለጣጢፉ ኣብ ቀጻሊ ቆይቚ ኣሎ። ካብቲ መሰረታዊ መጻልኢኡ ምስ ምዕራባውያን፡ ኣብ ዝሓለፉ 31 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣቋሪጹ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክገብር ስለ ዝሓተተኦ ጥራይ እዩ። ንጠለባተን ዘይምልሰሉ ምኽኒያት ከኣ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ወጻኢ ኣብ ስልጣን ዝቕጽለሉ ብልሓት ስለ ዘየብሉ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ካብዘን ሃገራት ዝደልዮ ረብሓ እንተልይዎ ናይ ቀረባ መሓዘአን ክኸውን ድሕር ኣይብልን። ዝቐደመ ፍቕሩ ወዲኡ ዝምድናኡ ምስ ሓርፈፈ፡ ካለኦት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ናብኣተን ዝተጻለአን እንተቀረቡ ድማ ምድርን ሰማይን ከላግብ ይደሊ።
ኢሳያስ ኣብ ንእሽቶ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጥካ ምቕጻል ስለ ዘየዕገቦ ዝዓበየ ንምርካብ ሃንቀው ካብ ምባል ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ብቐረባ ንምጅማር ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ቀላሲ፡ ተሰማዕን በዓል ሃብታም ተመኩሮን ክኢላን መሲሉ ንምቕራብ ብብዙሕ መልክዓት ፈቲኑ። ኮይኑ ግን፡ ሓሳቡ ብመብዛሕተኦም መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓዳጊ ኣይረኸበን። ውሑዳት ከም ናቱ ዓይነት ሕልሚ ዘለዎም መራሕቲ ግና ዘብዘብ ክብልሉ ፈቲኖም ነይሮም። ድሕሪ 2018 ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጀሚርዎ ዝነበረ ናይ ኣስመራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ መቃድሾ፡ ጎንደርን ባህርዳርን ኮለል፡ ኣብ በዓል ኤመረትስ ከይዱ ትሕዝቶኡ ዘይፍለጥን ዘይትካላውን ስምምዓት ምፍርራሙ ከኣ ነዚ ብንጹር ዘርኢ እዩ። እንተኾነ ኢሳያስን ጉጅለኡን ዘንቀድዎ ዘዐውት ባህርያት ስለዘይብሉ ሕልሚ ኮይኑ በኒኑ። ሕጂ ከኣ ከምቲ “ካብ ዓበቕካስ ተቘናደፍ” ዝበሃል ግዲ ኮይንዎ፡ ኣርሒቑ ናብ ሩሲያን ቻይናን በቲ ልሙድ ወጽዓን ወራርን ዝድግፍ መርገጺኡ የመዓዱ ኣሎ።
እዚ ጉጅለዚ ውድቀትካ ተቐቢልካ ካብኡ ናይ ምምሃር ናይ ባህሪ የብሉን። ብኣንጻሩ ንሓደ ውድቀት ብኻልእ ውድቀት ክፈትሕ ናይ ምፍታን ዝፈሸለሉ መንገዲ መሪጹ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ተቐባልነት ንምርካብ ዝሓለሞ ውጽኢት ኣይረኸበን። ከምቲ “ባዕልኻ ዝዀዓትካያ ጉድጓድ ባዕልኻ ትኣትዋ” ዝበሃል፡ እቲ ዓብዪ ሕልሚ ተቐባልነት መኺኑ ናብ ከቢድ ክሳራ ይቕየር ይኸውን። ድሕሪዚ ናብታ መጻወቲት ካርታኡ ተመሊሱ ምሂዝዎ ዘሎ ከኣ ከምቲ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ዝፈተኖ ግናኸኣ ዝፈሸለሉ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገራት ጠብሎቕ ኢልካ ምእታው እዩ። ስለዚ ከምቲ ሓደ እዋን ሶማላውያን፡ የመናውያን፡ ሱዳን፡ ቤጃ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጋምቤላ፡ ቤንሻንጉል፡ ደምሒት፡ ኣርበኞች ግንባር፡ ጉንበት-7፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ሓይልታት ናጽነት ኦጋዴን ናብ ኤርትራ ወሲዱ፡ ኣንጻር መንግስታቶም ዘሰልጥን ዝነበረ ሎሚ ድማ ምስ ፋኖ-ኣምሓራ ተዓራሪኹስ ኣሃዛት እናተጠቕሰ፡ ክንድዚ ኣሰልጢንሎም ዝብል ሓበሬታ ይዝርጋሕ ኣሎ። መሳርሒ ክኾኑኒ ይኽእሉ እዮም ዝብሎም ደቂ ዓፋር እንተረኺቡ እውን ይቕጽሎ ይኸውን። እቶም ቀዳሞት ንውዲት ክብል ዘሰልጠኖም፡ ነናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ ዝሃቦም ዕዮ ገዛ ኣይፈጸምሉን። ብኣንጻሩ ኩነታት ህዝቦን ሃገሮምን መዚኖም ሓይሊ ህዝቦም ንክኾኑ እዮም ኣብ መድረኽ እንካን ሃባን ኣትዮም። ካብኣቶም ገለ ዝተዓወቱ ኣለዉ ዝፈሸሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ኢሳያስ ትዕቢተኛ እንተዘይከውን ካብዚኦም እውን ክመሃር ምተገብኦ። ካብዚ ተግባሩ ነቒልካ ምስ ኣምሓራ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዕ ዘምጸኣሉ ሓድሽ ነገር የለን። ንህዝቢ ኤርትራ ዝልክም ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኸትል ግን ጥርጥር የብሉን።
እዚ ተግባራቱ ብመንጽር ኤርትራውን ከባብያውን፡ ሰላም፡ ምርግጋእን ዕቤትን ክረአ እንከሎ “ዘራጊ” እዩ። ምኽሪ ህግደፍ ዝሰምዑ እንተልዮም ከኣ ህይወትን መነባብሮን ህዝቦም ናብዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ከውድቕዎ ዝደልዩ እዮም። ህግደፍ ብዛዕባቲ ሒዝዎ ዝጸንሐን ዘሎን መንገዲ ጥፍኣት ብዘይካኡ ዝመዝኖን ዘገናዝቦን ስለ ዘይመስሎ፡ ወይ’ውን ምርጫ ስለ ዝሰኣነ ኣብተን፡ “ኣንጻር ስልጣኑ ንፋስ ክኣትወለን ይኽእል እዩ” ኢሉ ዝሰግኣን ሃገራት፡ ቅድም ባዕሉ ህውከት የሳውር፡ ደሓር ናይቲ ባዕሉ ዝኣጐዶ ህውከት “ዓራቓይ” መሲሉ ክቐርብ ህርድግ ይብል። እዚ ኣብ ሱዳን ብተደጋጋሚ ፈቲኑ ዝፈሸለሉ ተመኩሮኡ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት እውን ናብ ሱዳን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት ክልተ ግዜ ልኡኻት ናይ ምልኣኹ ምስጢር እዚ እዩ። ቅድም እውን ናብኡ ምእንቲ ከይትመጾ፡ ኣብ ሱዳን ኣንጻር ምምስራት ሲቪል ዘሳተፈ መሰጋገሪ መንግስቲ እዩ ነይሩ። ሎሚ ክዓርቕ እየ ክብል እንከሎ ድማ፡ “ደርሆስ ተሓለመት ጥሪኣ” ከም ዝበሃል፡ ሱዳን ካብዚ ኤርትራ ዘላቶ ዘቤታዊ ዕጽዋ ከምዘይትወጽእ ንምግባር እዩ። እቶም ልኡኻት ህግደፍ ዘዘራርብዎም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ እውን ኣብ ሱዳን ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ምምጻእ ውሑስ ለውጢ ብዕልዋ ዝኾለፉ እዮም። ኣብ ሓቀኛ ሰላም ዝኣምን ነይሩ እንተዝኸውን ደኣ ካብ ኤርትራንዶ መጀመረ። እዚ ከኣ እዩ ”ሕለ ዘይበልዎ፡ ክዳን ሓማቱ ይሓሊ” ዘብል።
ዲክታተር ኣብ ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን ዘሎ። ንበዓል ሰሜን ኮርያ ከም ኣብነት ዝጠቕሱ ብዙሓት እዮም። ዲክታተርነት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ ዕምቆታት እውን ኣለዉዎ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ እቲ ዝኸፈአ ጫፍ ዲክታተርነት እዩ። ገለ ዲክታተራውያን መራሕቲ ኣብ ገለ መዳያት ሕቶ ህዝቢ ንይምሰል’ውን ክምልሱ ይፍትኑ እዮም። መግቢ፡ ሕክምና፡ ትምህርቲ ዘፍቅዱን እቲ ዲክታተራዊ ባህርያቶም ዝያዳ ኣብ ምጭባጥ ስልጣንን ጸጋታት ሃገር ብምብሓትን ዝያዳ የተግብርዎ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ዲክታተርነት እዩ እንብሎ እምበኣር፡ ዝኾነ ህዝባዊ ሕቶ ዘይመለሰን ኣብ ኩሉ ሰክተራትን ጽፍሕታትን ምልኩ ዘትረረን ስለ ዝኾነ እዩ።
ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዝሰምዕ እዝኒ ኮነ ዝምልስ ሕልና የብሉን። ኮነ ኢሉ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ እናውዓሎ እምበር ካልእ ኩሉ ገዲፍካ ጉዳይ ወርቂ ክለዓል እንከሎ፡ ብፍጹም ነገራዊ ዓቕሚ የብሉን ማለት ግን ኣይኮነን። እዚ ምስ ሩሲያ-ቻይና ዘርእዮ ዘሎ ኣገልጋልነት፡ ንህልውነኦም ኣብዚ ከባብና ክብሉ ዝህብዎ ደገፍ እውን፡ ጽባሕ እንታይ ከምጸኣሉ ይኽእል? ቀጻልነቱኸ ክሳብ መዓስ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ዘኸትል ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ሙቐት ዝህቦ እዩ።
ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዙሕ ካብ ዝጸዓረሎም፡ ግን ከኣ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘይተዓወተሎም፡ ቀጻልን ዝተኣማምንን ምትእኽኻብ ክፈጥር ዘይምብቅዑ እዩ። ምትእኽኻብ ተራ ናይ ትካላት፡ ሰባት፡ ውድባት ወይ ማሕበራት ብኣካል ብሓደ ምዃን ጥራይ ማለት ዘይኮነ፡ በበይኑ ዝጸንሐ ሓሳባትን ግብርን ናብ ሓደ ከተምጽእ ምኽኣል እዩ። እቶም ዝእከቡ ኣካላት ብዙሓት ድዮም ውሑዳት ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ቁምነገር። እቲ ዝያዳ ዘገድስ ናይቲ ናብ ናይ ሓባር መድረኽ ሒዘምዎ ዝመጹ ናይ ኣተሓሳስባ ኣገዳስነትን ብስለትን እዩ።
ውዳበታትን ሓሳባትን ምእካብ ኣገዳስን መሰረታውን ዝኸውን፡ ኣብ ከምዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ንቃለሰሉ ዘለና ፖለቲካዊ ህሞት ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ካልእ ዓውድታትን ጽፍሕታትን ዝዝውተር፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ንጥፈታትን’ውን ፍቱን መሳለጢ እዩ። ምኽንያቱ ዝተበተነ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ስለ ዘየደምዕ። ካብዚ ነቒሎም እዮም ከኣ ወለድና ንኣገዳስነት ዓቕምኻ ምጥርናፍ ንክገልጹ “ኣጻብዕ ምስ ዝሓብራ፡ ኣርቃይ የጸንብዓ” ዝበሉ። ክእከብ ዝግበኦ ሓይሊ ውዳቤበታትን ኣተሓሳስባኡን ምስ ዘይእከብ ኣየድምዕን ጥራይ ዘይኮነ ንድሕሪት ዝጐትትን ዘረሓሕቕን እውን ይኸውን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኢውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ካለኦት ኣብ ዓለምና ዘለዉ ዞባውን ከባብያውን ኣካላትን መሰረታዊ ምኽንያት መቆሚኦም፡ ዋላ ዝተፈላለዩ መልከዓትን ስፍሓትን ይሃልዎም ፋሕ ዝበለ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ኣብ ሓደ ኣምጺእካ ኣድማዒ ዓቕሚ ንምፍጣር ዝተደኮኑ እዮም። ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ካለኦት ደረጃታትን ዝግበር ዝምድናን ምድግጋፍን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ዕላማ የብሉን። እቲ ሰብን ሓሳብን ኣኪብካ ዝፍጠር ዓቕሚ ብነገራዊ ውጽኢት ጥራይ ዝልካዕ ዘይኮነ፡ ጉዳይ ሰላም፡ ምርግጋእን ተኸኣኢልካ ምንባርን እውን፡ ካልእ ገጽ ናይቲ ኣድላይነቱ እዩ። እቲ ከነረጋግጾ ንቃለሰሉ ዘለና፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ናይ ካለኦት ናይ ለውጢ ዓቕምን ኣተሓሳስባን፡ መወሃሃዲ መድረኻት ምፍጣር ብቐሊሉን ኣብ ሓጺር ግዜን ዝፍጠሩ ከምዘይኮኑ ንሓልፎ ዘለና መስርሕ እዩ። ማዕረቲ ሃገርና እትጠልቦ ህጹጽነት ለውጢ ከምዘየለና ድማ እምነትና እዩ።
መስርሕ ሓድነት ናይ ኩሎም እቶም ሰብን ሓሳብን ዘዋጽኡ ወገናት ሓላፍነታዊ ኣበርክቶን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ምኽንያቱ ውዳበን ሓሳብን ምእካብ ናይ ብዙሓት በበይኑ ድሌታት ናብ ሓደ ሓባራዊ ድሌት ምምጻእ ስለ ዝኾነ። ኣብቲ መስርሕ ንሓደ ኣካል ካብቶም ተወሃሃድቲ ምሉእ ብምሉእ ኣሕጒስካ ነቲ ካልእ ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ካብቲ ሕብረት ከምዘይጥቀም ካብ ምግባሩ ጥንቃቐን ውሕልነትን ዝሓትት እዩ። እቲ ዝምስረት ሕብረት ቀጻልነት ምእንቲ ክህልዎ፡ ቀጻሊ ሓለዋን ምክትታልን የድልዮ። ምኽንያቱ በብግዜኡ ዝጸልዉዎ ሓደስቲ ምዕባለታት ስለ ዝፍጠሩ፡ ነዞም ምዕባለታት እናተኸታተልካ ብምሕዳስ ምስ ግዜ ምጉዓዝ ኣድላይ ስለ ዝኸውን። ቅድም ናይ ሓባር መድረኽ ህያው ምዃኑ፡ ቀጺሉ ከኣ እቲ መስርሕ ብግቡእ ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ብቕዓትን ሓልዮትን ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝፍተነሉ እዩ። እቲ እምነ-መሰረት ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ምንባር ደሓር ግና ብሰንኪ ተኸናኺንካ ዘይምሓዙ ንድሕሪት ናይ ምምላሱ ሓደጋ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ተመኩሮ ዝረኣናዮ ግና ክሳብ ሕጂ ክንድቲ ክብደቱ ክንመሃረሉ ዘይከኣልና እዩ።
ናብቲ ኣገዳስን መሰረታውን ጭብጥና፡ መስርሕ ምምጻእ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ናይ ሓባር መድረኽ ነተኩር። እተን ብሓባር ዘስርሐን መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ቃልሲ ዝርከባ ዘለዋ ሰልፍታትናን ውድባትናን ናይ ኩለን ሃምን ቀልብን መጻኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ እዚ ሎሚ ዘሎ ገሃነብ ምምሕዳር ተወጊዱ ብራህዋ ዝትከኣሉ ኩነታት ምፍጣር ዝመሰረቱ እዩ። ናብዚ ዕግበት ዘምጸአን ከኣ እቲ ኣብ ቅድሚአን ዘሎ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእ መሰረታዊ ዕላማ በበይንኻ ኮይንካ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ዘለወን ዕግበት እዩ። እሞ እዚ ብኸመይ ይረጋገጽ ኣብ ዝብል ዝርዝር ግና ዘሰማምዕ ኮነ ዝፈላሊ ሓሳባት ኣለወን። እቲ ዘሰማምዐን ካብቲ ዝፈላልየን ከም ዝበዝሕን ከም ዝሕይልን ግና ኣብ ብዙሕ መድረኻ ዝተገልጸን ንሳተን እውን ዘይክሕደኦን እዩ። ልኡላውነት ኤርትራ ምዕቃብ፡ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን ምውጋድ፡ ብመሰጋገሪ መድረኽ ኣቢልካ፡ ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ዕድላቱ ዝውስነሉ ሕገ-መንግስቲ ዘጽድቐሉን ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ንዓኡ ዝምእዘዝ መንግስቲ ምምስራትን ዝኣመሰሉን ካብቶም ሰልፍታትናን ውድባትናን ዝሰማምዕሎም ጉዳያት እዮም። እቲ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ዳርጋ ኩሉ እቲ ዝፈላልየን ኣብዚ ህግደፍ ንምውጋድ ዝካየድ መስርሕ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝትግበር ዘይኮነ፡ ኣብቲ ኤርትራ ብመንን በየናይ ኣተሓሳስባን ትምራሕ ዝብል፡ ካብ መድረኽ ምስግጋር ዝጅምር ካለኣይ ምዕራፍ ምዃኑ እዩ። እዚ ምዕራፍዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት የዋጽእ ዝብለኦ ሓሳብ ዘቕርባሉ ኮይኑ፡ ብቐንዱ፡ ጉዳያት ብህዝቢ ኤርትራ ዝውስነሉ እዩ።
ኣይኮነንዶ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፤ ኣብ መንጎ ተራ ሰባት እውን ፍልልይ ኣሎ። ናይ ፍልልዮም መሰረት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካዊ እምነት፡ ዝነብርሉ ከባብን ካልእን ክኸውን ይኽእል። ምስዚ ኩሉ ፍልልያቶም ግና ኣሳንዮም፡ ሓዳር ክምስርቱ፡ ክነግዱ፡ ክመሃሩ፡ ኮታ ኣብ ብዙሕ መዳያት ሓቢሮም ከድምዑ ልሙድ እዩ። ነዚ ዝበቕዑ ከኣ እቲ ዝነበሮም ፍልልይ ስለ ዘወግድዎ ዘይኮነ፡ ካብ ነቲ ዝፈላልዮም፡ ነቲ ዘሰማምዖም ቀዳምነት ስለ ዝሰርዕዎ ጥራይ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ግዝያትን ዘጋጠሙ ፖለቲካዊ ፍልልያት እውን ብኸምዚ መልክዕ እዮም ክውገኑ ጸኒሖምን ንመጻኢ ዝቕጽሉን። እዚ ዘርእዮ ድማ ናይቶም ተዋሳእቲ ናይ ምክእኣልን ሕድገታትን ብቕዓት እዩ። ካብዚ ነቒሉ ናብ ደንበ ተቓውሞና “እዚ ናይ ምጽውዋር መስርሕ ስለምንታይ ደኣ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዘይነዘውትሮ?” ዝብል ሕቶ እንተ ቀሪቡ መልስና እንታይ ከም ዝኸውን ፍሉጥ ኣይኮነን። ቅድም ድኽመትካን ሕጽረትካን ምቕባል፡ ደሓር ብኣኡ ተበራቢርካ ምቕጻል’ዩ፡ ዝብል መልሲ ብቑዕ እዩ።
ዝኾነ መስርሕ በቲ ኣብ ከባቢኡ ብዘሎ ምዕባለ ዝጽለው እዩ። ናይ ሓባር መድረኽ ንምምጻእ ንገብሮ ዘለና ቃልሲ’ውን ከም መስርሕ ርሑቕ ከይከድና፡ በዚ ኣብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካለኦትን እናሓደረ ዝገድድ ዘሎ ተርእዮታት ይጽሎ እዩ። እቲ ጽልዋታት ናቱ መንገዲ ስለ ዘለዎ ጠጠው እነብሎ ኣይኮነን። ነቲ ከኸትሎ ዝኽእል ሓደገኛት ሳዕቤን ብኸመይ ሓቢርና ንቕረበሉ ግና፡ ንዓና ዝምልከትን ግድን ክንሰርሓሉ ዝግበኣናን እዩ። ናይ ሓባር መድረኽ ክንፈጥር እንተበቒዕና ከኣ ዘድልየና መሳርሒ ምውናና ዘመልክት እዩ።
ኤርትራን ህዝባን ዘለናዮ ሃለዋት ነዓና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ከይተረፈ ብሩህ እዩ። ዝርዝር ትሕዝተኡ ከኣ ምስ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ እዩ። ኣብ ገሊኡስ ንሃለዋትና ካብ ገሌና ኤርትራውያን ዘይኤርትራውያን ዝያዳ ከም ዝተረድእዎን ከም ዝሻቐልሉን ዘርኢ ምልክታት ትዕዘብ ። ብጥቕልሉ ንምስፋሩ ግን ኣብ “ኩለ-መዳያዊ ደልሃመት” ኢና ዘለና። ደልሃመት ዝምድናዊ ስለ ዝኾነ፡ ካባና ዝኸፈኦም ከም ዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ከምቲ ህግደፍ ምስ ዝሓመቐ ብምውድዳር ክሕበኣሉ ዝፍትኖ ካባና ዝኸፈኦም ስለ ዘለዉ “ደሓን ኢና ዘለና” ኢልና ክንደዓዓስ ዘይኮነ ኣትሪርና ክንቃለሶ እዩ ዝግበኣና።
ኣብዚ ደልሃመት ኮይና እነማዕድዎን ክንበጽሖ እንቃለሰሉን ቅድሚ ኩሉ ካብቲ ኩለ-መዳያዊ ደልሃመት ናብ “ኩለ-መዳያዊ ራህዋ መሰስ ኢልካ ምውጻእ” እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ድሉዋት፡ ንቑሓት፡ ውዱባትን ተጸዋወርትን ክንከውን ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ከይተባዕና፡ ከይተወደብናን ከይተጸዋወርናን ስለ ዘይንዕወት ድልየታትና ትጽቢት ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እዚ ከኣ ብሓፈሻ ንመላእ ተጸባይ ራህዋ ህዝብናን መሪሕ ግደ ናይ ምጽዋት ሓላፍነት ንዘለወን ውዳበታትናን ብማዕረ ዝምልከት እዩ። እዞም ራህዋ ዘማዕድዉ ኣካላት ኣብ ሕድሕድ እንተተናቢቦም እምበር፡ ብተናጸል ዘምጽእዎ ዘተኣማምን ለውጢ የለን።
ኤርትራውያን ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዘየቕስን ኩነታት ክንህሉ ዝደረኹ በዓል ቤታውን ወድዓውን ድኽመታት ኣለዉ። ካብቲ ቀንዲ በዓል ቤታዊ ድኽመታትና፡ ብዙሕ እንሰማምዓሉ ራእታት እናሃለወና፡ ኣብኡ ኣትኪልናን ዓቕምና ኣወሃሂድናን ብሓባር ክንቃለስ ዘይምብቃዕና እቲ ቀንዲ እዩ። እቲ ወድዓዊ ምኽንያታት ንሕና ዘየምጻእናዮ ምስ መጸ’ውን ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል ኣብ ከባቢና በብግዜኡ መልክዓቱ ዝለዋውጥ ምዕባለታት እዩ። እቲ ባዕላዊ ድኽመትና በዚ ከባብያውን ዓለም ለኻውን ምዕባለታት ኣመኻኒናን ንካልእ ኣላጊብናን እንሃድመሉ ዘይኮነ፡ ግድን ክንሰግሮ ዝግበኣና እዩ። እቲ ቀንዲ ዘገርም ከኣ ድኽመትና እንዳፈለጥናዮስ፡ ኣብ ክንዲ ካብኡ ንምውጻእ ዓቕምና ጸንቂቕና ፋሕተርተር እንብል፡ ምልምማዱ ዝመረጽና ምምሳልና እዩ። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣብ ክንዲ ተቐራሪብናን ተመያይጥናን ናይ ሓባር መፍትሒ ንረክብ ጸጸግዕኻ ናብ ምሓዝ ነዘንብል ምዃና እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ “ኣብቲ ሒዝናዮ ዘለና፡ መንገዲ ንከነድምዕ እንታይ ንግበር” ዝብል ሕቶ እንተ ሓቲትና መልሱ፡ “ነቲ ናብ ራህዋ ዝወስደና መንግዲ ኣጽኒዕና ንሓዝ” ዝብል ምዃኑ ዘዳዲ ኣይኮነን። እዚ ካብ ኮነ መልስና፡ ነቲ መንገዲ ዘይምስሓትና ዘመልክት መሰረታዊ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እቲ ጉዕዞ ደድሕርቲ ህግደፍ ብናቱ መዕቀንን ግዜን ንቐጻልነቱ ክጥዕሞ ብዝህንድሶ ዝስዕብ ምዃኑ ግና ዘቕስን ኣይኮነን። እቲ ኩነታት ብኣንጻሩ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ዝመጸሉ መንገዲ ማእከል ዝገበረ፡ ናትና ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ሒዝና እንተንቐድሞ ከኣ እቲ ኩነታት ዝያዳ ኣድማዒ ምኾነ። ህግደፍ ከኣ ናይቲ ኣጀንዳና ግዙእን ተኸላኻልን ክኸውን ምተገደደ። ክሳብ ሕጂ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ግና፡ ግፍዐኛ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ናይ ምውጋእ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ናይ ምእታውን ህዝቢ ናይ ምብስባስን፡ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ናይ ምውዳቕ፡ ኣብ ወራር ዩክረይን ንሩሲያ ናይ ምድጋፍ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣውነት ንከይምርመር ናይ ምቅዋምን ዝኣመሰሉን ኣጀንዳታት ክፈጥር እንከሎ፡ ንሕና ድማ ብዛዕባ’ዞም ተረኽቦታት ከነቃልዕን ክንከላኸልን ንግደድ ኣለና። እቲ ክቕየር ዝግበኦ ኩሉ ግዜ ኣብ ምክልኻል ምህላውና እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ኣብ ደረጃ ምጥቃዕ ኮይንካ፡ ከም ኣድላይነቱ ምክልኻልን ምቅላዕን ኣየድልን ማለት ኣይኮነን።
ኣብዚ ዘለናዮ ወሳኒ እዋን ህግደፍ ካብ ዝፈርሖም ስጉምትታት፡ ተበቲኑ ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ዓቕምታት ተጠርኒፉ ብሓባር ከይቃለሶ እዩ። ኣፍልጦ ንዘይምሃብኳ ኣግሂዱ እንተዘይገለጾ ኩሉቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብግሁድን ብስቱርን ብተዘዋዋሪ መንገድታት ዘካይዶ ናይ ተጻብኦ ወፍርታት ካብዚ ስግኣትዚ ዝነቅል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዘተኣማምን ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክንምስርት እንተንበቅዕ ከኣ ህግደፍ ከይፈተወ ብኣፍንጫ ተጐቲቱ ብናትና ኣጀንዳ ካብ ምዝራብን ምክልኻልን ካልእ ምርጫ ኣይመሃለዎን። ምኽንያቱ ግብሩን ባህርያቱ ስለ ዝፈልጥ፡ ኤርትራ ምስ ፍትሒ፡ ንዲሞክራስን ልዕልና ህዝብን እምበር ንዲክታተርነት ከምዘይትኸውን ይፈልጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ህግደፍ ብናይ ሰዓራይን ተሰዓራይን ኣረጊት ኣተሓሕዛ ጉዳያት ጥራይ ዝላደየ ንእንካን ሃባን ቦታ ከምዘይህብ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ።
ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ ናይ ኩሉ ሕማቕ ኣብነት ንክትወድቕ፡ ተሓታትነት ዲክታተር ኢሳያስ ኣብዚ እዋንዚ ኣይኮነዶ ኣብ ኤርትራ ኣብ ከባቢና ሃገራት ከይተረፈ ተፈሊጡ እዩ። ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮና ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን እውን ንኢሳያስ “ደሓን እቶ” ዝብሎ የብሉን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኢሳያስ ቀንዲ መመንጨውን መቃመምን ናይቲ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ብምዃኑኳ ቀዳማይ ተሓታቲ እንተኾነ፡ በይኑ ግና ኣይኮነን። እቶም ከካብ ናይ ሃገሮምን ህዝቦምን ረብሓ ነቒሎም ንክጥቀምሉ “መን ኣሎ ከማኻ” እናበሉ ዘስክርዎ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝምልከት ደሓን ይጽንሓልና።
እቶም ንሱ ዘቃመሞ ንህዝብን መሰላቱን ዝጽየፍ መርዚ ዝነዝሑ “ደገፍቱ ኢና” ዝብሉ፡ ሕፍረቶም ዝቐንጠጡ ኤርትራውያን’ውን ካብ ተሕታትነት ዘምልጡ ኣይኮኑን። ዝተፈላለዩ መንግስታዊ መዝነት ኣለና ዝብሉ፡ ኢሳያስ ብስሞም መሰላት ክጭፍልቕን ክወርርን እንከሎ ይፍለጡ ኣይፍለጡ ፡ ድምጾም ዝሓብኡ ተሓተቲ እዮም። ምናልባት እውን ኢሳያስ ኣርዑት ጭካነኡ ከትርር ዘተባብዖ ናይቶም ድምጾም ከስምዑ ዝነበሮም ምጽቃጥ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። እቶም ዋላ ዓው ኢሎም “ደገፍቲ ኢና” ኣይበሉ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ርእዮም ከምዘይርኣዩ ዝኾኑ ኤርትራውያንከ ጽባሕ ኣየጣዕሶምን ማለት ድዩ። ከምዚ ለንቅነ በብኹርናዑ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣቶ ኢሳያስ ጽባሕ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝደልዮ ምዃን ምስ ኣበዮ፡ ከምቲ ንወያነ ዝበሎ “ብልጽግና ጸወታኣ ተወዲኡ” ይብል ይኸውን። ብኣንጻሩ “ህግደፍ ጸወታኻ ተወዲኡ” ከይበሃል እቲ ዕድል ዕጽዊ ኣይኮነን። ኢሳያስ ተለዓሉ ስለ ዝበሎም ጥራይ፡ “ናበይ? ስለምንታይ? ንረብሓ መንከ?” ከይመመዩ ፈቐዶ ኣደባባያት ምስ ብልጽግና ክስለፉን ክጭርሑን ዝውዕሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ጽባሕ ኩነታት ምስተቐያየረኸ ድምጾም እንታይ ክኸውን እዩ። እንተ ንሕና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ሎሚ’ውን ጠመተና ናብ ለውጢ ይኹን። ኣብቲ ንደልዮ ዓወት ክንበጽሕ ከኣ ጉዕዞና ቀጻሊ፡ ስሉጥን ዝተወደበን ይኹን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራውያን ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እነወግዶን ኣብ ክንድኡ እነቕርቦ መተካእታን ኣለና። እቲ እንቃወሞን ክውገድልና እንቃለሰሉ ዘለናን፡ ዘይሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ውክልና ዘየብሉ መንግስቲ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘውድቕ ጣልቃ ኣእታውነት ዝመሰረቱ ግጉይ ፖሊሲ ዝምድናታት፡ ምግሃስ መሰላት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምኽታል፡ እንዳበልካ ዝጥቀስ ነዊሕ ዝርዝር ዝሓዘ እዩ። እዚ መግለጺ ወጽዓታት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝብን ሃገርን ክወርድ እውን ዘይንድግፎ እዩ።
እቲ እንድግፎን ንምርግጋጹ እንቃለሰሉን ብኣንጻርቲ ንምውጋዱ ንቃለሶ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብርትዓዊ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ዝቕለስ ኣገባብ ምምሕዳር፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ብድምጺ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን መንግስቲ፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ዘውሕስ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ቁጠባዊ ተጠቃምነትካ ዘረጋግጽ ፖሊሲ፡ ቀንዲ ማእከሉ ህልውና ሃገርን ረብሓ ህዝባን ብዝኾነ ፖሊሲ ዝምራሕ ጣልቃ ኣእታውነት ዝነጽግ ዝምድናን ዝኣመሰሉን መሰረታዊ ጉዳያት ኣፍልጦ ዝህብን ብኣኡ ዝምራሕን ሃገረ-መንግስቲ ክህልወና ኢና ንደሊ።
እዞም ኣብ ኤርትራ ክረጋገጹልና እንቃለሰሎም ዘለና መሰረታዊ ዕላማታት፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ክድረቱ ኣይኮነን ራኢና። ብኣንጻርዚ ምእንቲ ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ክብሪ ህዝባን “እቃለስ ኣለኹ” ኣንዳበልካ፡ ናይ ካለኦት ልኡላውነትን ክብሪ ህዝብን ምግሃስ ወይ ንዝግህሱ ምድጋፍን ምትብባዕን ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣትን ኣብ ጉዳይ ዩኩረይን-ሩሲያ ኣንጻር ልኡላውነት ዩክረይንን ሰብኣውነት ህዝባን ምስላፉ፡ ብጽሞና መዚንካ ኣንጻር ህግደፍን ዘይሓላፍነታዊ ተግባራቱን ምስላፍ እቲ ቅኑዕ መንገዲ እዩ። ምስ ልኡላውነትን መሰል ህዝብን ካለኦት ሃገራት ዝግህስ ጉጅለ ኢሳያስ ምስላፍ ግና፡ “እምበርከ እቲ ልኡላውነት ኤርትራን መሰል ህዝባን እድግፍ እየ” ዝብል መርገጽካኸ ናይ ልቢ ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘኸትል እዩ። ኣብ ርእሲዚ ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታዉ ከይኣኽሎ፡ ምስቶም ክሳብ ሕጂ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ንቀይሕ ባሕሪ ብጐቦ ዓይኖም ካብ ምጥማት ዓዲ ዘይወዓሉን ልኡላውነት ኤርትራ ንዝተቐበሉ ምእንታኡ ንዘበርከቱን ኣካላት ብኽድዓት ዝኸሱን ኣካላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣምሓራ ነብሱ ንምድሓን ጥራይ፡ እስትራተጅያዊ ምሕዝነት ንኽፈጥር ዕንይንይ ይብል ንዘሎ ህግደፍ ምድጋፍ ኣብ ካልእ ዝርዝር ከይኣተኻ ዘሕፍር እዩ። ነዚ ሓደገኛ ተግባር እንዳመረቕካ ብሉኡላውነት ኤርትራ ምምሓልን ምጥሓልንከ እንታይ እዩ ትርጉሙ።
ኣብ ጉዳይ ልኡላዊ ኣጀንዳ ኤርትራ ማንም ኢድ ከየእቱ እንዳበልካን ንኣሜርካን ሃገራት ምዕራብን ይዘርያኒ ኣለዋ ኢልካ ወገሐ-ጸበሐ እንዳኸሰስካን ንምቅዋሙ እንዳተሰለፍካን ንናይ ህግደፍ ኣብ ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ዓፋርን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ኬድካ ብዕድል ኤርትራውያን መንእሰያት ምጥላዕን ቅኑዕ ኢልካ ምድጋፍ፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝዋቓዕን ብተንኮላት ህግደፍ ናይ ዝዓወኑ ኣካላት ግጉይ ምርጫን ጥራይ እዩ። ንናይ ካለኦት ልኡላውነት ምጥሓስ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ምባል ከኣ ኣዝዩ ኣገራሚ እዩ።
“ህግደፍ ዝብሎን ዝገብሮን ኩሉ ግዜ ቅኑዕ እዩ” ዝብል ዘይመራመር፡ ዕዉርን ሓደገኛን መርገጽ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ዋናታቱ እውን ብምስምሳት ደኣ ይሸፋፍንዎ ይኾኑ እምበር ይስሕትዎ እዮም ዝበሃል ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ዘይዕቱብ ኣካይዳ ቅድሚ ንካለኦት ንኤርትራን ህዝባን ዝሃሲ፡ ዘጽርፍን ካብ ቃልሶም ዘሰናኽልን እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ኣበሃህላ ሓደገኛ ሳዕቤን በብግዜኡ ይርደኦ ስለ ዘሎ፡ መታለሊ ምህዞ ህግደፍ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ተሰዓሪ እዩ። ህግደፍ ግና ናይ ህዝቢ ርኢቶን ስምዒትን ኣብ ግምት ካብ ምእታው ዝረሓቖ ስለ ዝኾነ፡ ክሳብ ግዜ ዕርበቱ ካብ ፖሊሲ “ዋላ ትንፈር እምበር፡ ጤል እያ” ኣይክወጽእን እዩ።
ህግደፍ ናይ ህዝቢ ስምዒት መዝሚዙ፡ ንምጥላዕ ንይምሰል ካብ ዝጥቀመሎም ኣምራት ሓደ ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገር እዩ። ንዘይሓላፍነታዊ ስጉምታቱ ንዘየጣቕዕሉ ወገናት ድማ፡ ከም ጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ኣምሲሉ ብምስኣል ንኹሎም ጸረ ህዝቢ ስራሓቱ“ምእንቲ ልኡላውነት” ዝብል መልክዕ የትሕዞም። ንልኡላውነት መዚዙ ኣውጺኡ ዝብለጸላ ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልኡላውነቱ ዘለዎ ፍቕርን ርሱን ሃገራዊ ስምዒትን ስለ ዝፈልጥ፡ በዚ ተነካኢ ጐኑ ኣትዩ ናብቲ ዝደልዮ ንምውሳዱ የኽእለኒ እዩ ካብ ዝብል እዩ። ካብዚ ነቒሉ እዩ ከኣ፡ ናብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዕንወት ዘውረደሉ፡ ኣንጻር ህዝብን ልኡላውነትን ዩክረይን ዝተሰለፈሉ፡ ምስ ትምክሕተኛ ጉጅለ ኣምሓራ ዝተዓራረኸሉ፡ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ኤርትራ ራሕሪሑ ናብ ደገደገ ጥራይ ዘማዕድወሉ፡ ምኽንያት ክሕተት እንከሎ፡ “ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ” ዝብል ሸፋጢ መልሲ’ዩ ዝህብ። ሓቀኛ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ዝፈልጡ ኣካላት ካብኡ ካልእ ሰለ ዘይጽበዩ ኣይሕደሶምን። ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑ ሕሉፋት ተሓለቕቲ ልኡላውነት ኢና በሃልቲ ወገናት፡ ንናይዚ ጉጅለ ምስምስን ተንኮላትን ከም ሓቂ ወሲዶም ምቕባል ጥራይ ዘይኮነ ኣጋኒኖም መቃላሕቲ ኮይኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክግዕሩ እንከለዉ፡ ካብ ምግራም ንላዕሊ መግለጺ ስለ ዘየብሎም እንተዘይኮኑ፡ ኪኖኡ ክበሃሉ ዝግበኦም እዮም።
ካብ ከምዚ ዓይነት ህግደፍ ዘጻወዶ ናይ ኣተሓሳስባ ስንክልና ንምውጻእ፡ ህዝብን መንግስትን፡ ፖለቲካዊ ዛዕባን ሰብኣውነትን፡ ውልቃውን ሓባራውን፡ ዜቤታውን ግዳማውን፡ ዝሓለፈ ህልውን መጻእን፡ ዛዕባታትን ምዕብልናታትን ፈላሊኻ ምርዳእ ካብ ርትዓዊ ሚዛን ከይትወጽእ ዝሕግዝ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ሐሕማቑ እንዳ ጻሕተርካ ንምፍዳይ ሕነ ከም ፖለቲካዊ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምውሳድ፡ ንትማሊ፡ ሎሚን ጽባሕን ነናቶም ብጽሒት ምሃብን ንቕድሚት ምምዕዳውን ግዳይ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ካብ ምዃን ዘድሕን ውሕልነት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ባህጉ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራስን ምዃኑ ብሩህ ክነሱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዝለመዶ፡ ኣንጻር ካለኦት ህዝብታት በደል ክፍጽም እንከሎ’ውን፡ ብዝተረኸቦ ኣጋጣሚ ከውግዞ እምበር ክድግፎ ኣይግባእን። ከምኡ እንተገይሩ ጥራይ እዩ ከኣ “ነዓና ክበኹረና ዘይንደልዮ፡ ንኻለኦት’ው ከይበኹሮም” ዝብል ድምጺ ሰማዒ ዝረክብን ትርጉም ዝህልዎን።
ቃልሲ ብቆጸራ ኣቐዲምካ ኣብ ዝሓሰብካዮ ናይ ግዜ ገደብ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ብምዕባለታት ዝጽለውን ዝግዛእን መስርሕ እዩ። እዚ ማለት ቃልሲ ተጀሚሩ ክሳብቲ ዝተዓለመሉ ሸቶ ንክበጽሕ በቲ ጀማሪ ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ እቲ ዝቐደመ እጃሙ ኣበርኪቱ ነቲ መጻኢ እንዳውረሶ ክሳብ ዓወት ዝቕጽል እዩ። እቶም ዝወራረሱ ኣካላት ከከምቲ ዝሓልፍዎ መድረኽ ነናቶም ብጽሒት ኣለዎም። እቲ ዘውርስ መሰረት የትሕዝ እቲ ወራሲ ከኣ ኣብ ልዕልቲ ኣቐዲሙ ዝተነጸፈ ባይታ ናቱ ይምልእ። እጃሙ ምስ ወደአ ከኣ ንተካኢኡ ወለዶ የውርስ፡ እቲ መስርሕ ከምኡ ኢሉ ዋሕዙ ይቕጽል። ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 60ታት ተጀሚሩ ኣብ 90ታት ምዝዛሙ ከኣ ናይዚ መስርሕ ምውርራስ ናይ ቀረባ ኣብነት እዩ።
መስርሕ ምውርራስ ብግቡእ ምክያዱን ዘይምክያዱን ንቕንዕና፡ ተዓዋትነትን ቀጻልነትን ሓደ ቃልሲ ዝውስን እዩ። ቀጻልነት ኣብ ቃልሲ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ወሳኒ ባእታ እዩ። እዚ ቀጻልነት ብምውርራስ እዩ ዝረጋገጽ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ነዚ ሓቂዚ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። እቶም ነቲ ቃልሲ ዝጀመርዎ ገለን ብመስዋእቲ ገለን ድማ ብዕድመ ምድፋእ ካብቲ በሊሕ ቦታ ናይቲ ቃልሲ ክእለዩ እንከለዉ ሳላቲ ዝተከኦም ሓድሽ ወለዶ መሳርዕ ቃልሲ ከይዛረየ ኣብ ዓወት በጺሑ። ሳላ እቶም ቀዳሞት ዘውረሱ፡ እቶም ዝወረሱ ከኣ ናይቶም ዘውረስዎም ሕድሪ ኣጽኒዖም እጃም ብምድራብ ምስ ቀጸልዎ እቲ ናይ ቃልሲ ሰንሰለት ብግቡእ ስለ ዝሰጠመ ንጸላኢ ኣሲሩ ዘሕቅቕ ዓቕሚ ክኸውን በቒዑ።
መስርሕ ቃልሲ ዝነቐለሉ መሰረት ከይሰሓተ ክቕጽል እንከሎ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝጸልውዎ ሓደስቲ ምዕባለታት የጋጥምዎ እዮም። እቲ ቃልሲ ከኣ ነዞም ሓደስቲ ምዕባለታት ምስቲ መሰረታዊ ዕላማ ኣብ ግምት እናእተወ ከመሓድሮም ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ምውርራስ እቶም ዝወርሱ ካብቶም ዘውረስዎም ክኸድዎ ዝጸንሑ ኣገባብ ዝተፍልየ ክኸውን ዝዝኽእል። እቲ ጸላዊ ምዕባለታ ካብቲ ናትካ መስርሕ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ ከባብያዊ ናይ ኣሰላልፋ ሓይልታት ለውጢ ዝፈጥሮ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ንክትበቅዕ እምበኣር ኣዝዩ ውሕሉል፡ ተዓጻጻፍን ጸዋርን ግና ከኣ ዝነቐለሉ ሸቶ ዘይዝንግዕ ምዃን የድሊ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጀምረ፡ ኣብቲ መስርሕ ብዙሓት ናይ ውሽጥን ግዳምን ምዕባለታት ኣጋጢመምዎ እዮም። ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ጸገማትን ሕጽረታትን ከኣ ከከም ኣመጻጽእኦም ወጊንዎም። ሳላ ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ እቲ ቃልሲ ካብቲ ዝተላዕለሉ ሸቶ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ኣየላገሰን።
እቲ ዝወርስ መንእሰይ ሓላፍነት ምስተረከበ፡ ነቲ መስርሕ ቃልሲ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክብ ናይ ምባሉ ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ ክበቅዕ ግና ነቲ ካብቲ ዘውረሶ ነባር ዝርከቦ ጸጋን ክብርን መንቀሊ መሰረቱ ገይሩ ኣብ ርእሲኡ ናቱ ዓቕሚ ወሲኹ ዝብርኽን ዝስስንን ክኸውን ይግበኦ። እዚ ማለት ምስቲ መድረኽ ዝሰማማዕ ምውሳድ እምበር ብስም ምውራስ ግዜኡ ዝሓለፎን ንድሕሪት ዝመልስን ኣካይዳ’ውን ይገፋፍጥ ማለት ኣይኮነን። ነዚ እንተዘይበቒዑ ግና ወራስነቱ ኣድማዒ ትርጉም ኣይህልዎን። ዘዝመጸ ወራሲ ወለዶ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እናደርበየን እናነኣኣሰን ግድን “ከም ብሓድሽ ካብ ናተይ እንተዘይ ነቐልኩ” እንተ ኢሉ ወትሩ “ዘዝወረሰ ጀማሪ” ናይ ምዃን ሓደገኛ ዝሕተላን ጽበትን እዩ ዘጋጥም። ምውርራስን ቀጻልነትን እውን ትርጉም ይስእን። በዚ ከኣ ታሪኻዊ ዋሕዚ ሕብረተሰብ ይመዛበልን ዋና ይስእንን።
ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ሕቶ ምውርራስ ዝያዳ ካልእ ግዜ ኣዛረብትን ኣሻቐልትን ካብ ዝኾኑ ዛዕባታት ሓደ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣውረስትን ወረስትን ሓሓሊፉ ዝረአን ዝስማዕን ዘይምቅዳው ይንጸባረቕ። እዚ ምውርራስ ብናይ ክልቲኦም ቅሩብነትን ሓላፍነትን ዝትግበር እምበር፡ ናብ ሓዲኦም ዝድርበ ተሓታትነት ኣይኮነን። እቲ ዝትክእ “ክንድቲ ክቕረቦ ዝግበኣኒ ተቐሪበ እየ እሞ ክወርስ ” ዝብል ድሉውነት ከርኢ ምርጫ ዘይኮነ ግድነት እዩ። እቲ ዘውርስ ከኣ “ደጊም ግደኻ እዩ” ኢሉ ሓላፍነት ናይ ምርካብ ድልውነት ከርኢ ምርጫኡ ዘይኮነ ባህርያዊ ግደታኡ እዩ። ምውርራስ ብሓንሳብ ተጀሚሩ ዝውዳእ ቅጽበት ዘይኮነ፡ ነብሱ ብዝኸኣለ መስርሕ ዝትግበር ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። እቲ ብሱል መስርሕ ምውርራስ፡ ኣውራስን ወራስን ቅርቡነቶም ዘርእይሉ ጥንቃቐ ዘድልዮ ወሳኒ መላግቦ እዩ። ብፍላይ እቲ ዝወርስ መንእሰይ ወለዶ ኣብቲ ቃልሲ ተሰሊፉ ነብሱ ክኢሉ መሪሕ ሓላፍነት ክርከብ ዘኽእሎ መባእታዊ ተመኩሮ ዝቐስመሉ ግዜ ከም ዘድልዩ ክርዳእ ይግበኦ። ቅድሚ ሓላፍነት ከኣ ቃልሲ እዩ ክርከብ ዝግበኦ። እቲ ዘውርስ ብወገኑ ክሳብ ሕጂ ዘጽናሕኩዎ ቃልሰይ ከቐጽለለይ እዩ ዝብሎ ምስ ረኣየ፡ ካብ ምርካብ ድሕር ክብል ኣይግበኦን። ናይቲ ዘውርስ ኣካል ኩነታት እቲ ወራሳይ ጥጡሕ እንከሎ ምዝንጋዕን ኮነ ናይቲ ወራሲ ኩነታት ከይበሰለ ብኣቋራጭ እንተዘይወረስኩ ዝብል ታህዋኽ ግና ክልቲኦም ሃሰይቲ እዮም።
ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ናይ ግድን ተደላላይቲ ኣውራስን ወራስን ቅድሚ ኩሉ እቲ ሓደ ብዘይ ናይቲ ካልእ ህልውና ከምዘየብሎም ክኣምኑ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ካብዚ መስመርዚ እንተወጺኦም እቲ ኣውራሲ ዋጋ ዝኸፈለሉ ቃልሲ ብዘይወራሲ ክጠፍእ ምዃኑ ክእመን ይግበኦ። እቲ ወራሲ ከኣ ነቲ ዘውርሶ ግቡእ ኣፍልጦ እንተዘይሂብዎ ዝብገሰሉ መሰረት ከምዘየብሉ ክግንዘብ ይግበኦ። ምኽያቱ ቀንዲ ጠመተናኳ ንቕድሚት እንተኾነ፡ ሎሚ ኮነ ጽባሕ ብዘይትማሊ ህልውና የብለንን። ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ሓደ ናይ ሎሚ መንእሰይ ኣይጠቅምን እዩ፡ እቲ ካልእ ከኣ እዚ ናይ ትማሊ ነባር እንታይዶ ሰሪሑ እዩ? ክበሃሃሉ ግዜ ምቕታል ውጽኢቱ ብዘይ ታሪኽን ዓወትን ምትራፍዩ ዘኸትል። ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካ፡ዊ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ኤርትራ ናይቲ ወራሲ መንእሰይ ከምቲ ዝድለ ዘይምስታፍ ዘሰክፈን ናይ ዘይምቕጻል ሓደጋ ከየጋጥም ስለ ዝሰግኣ እየን። እዘን ውዳበታት ነቲ መንእሰይ ኣብ ጐነን ኣየሰልፈኦን፡ ወይ እዚ መንእሰይ ኣብ ውድባት ናይ ምስላፍ ትብዓት የብሉን ዝብሉ ምክሳሳት ደጊም ይኣክል ክበሃሉ ይግበኦም። ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዘታኣታተዎ ናይ ሕሰምን ስቓይን ውርሻ ገጽ ከይሃብካ፡ ኣብ ገዛእ ውራይካን ትውልዳዊ ሓላፍነትካን ክትዕደም ወይ ኩሉ ክሳብ ዝጣጣሓልካ ክትጽበ ዘይኮነ፡ ባዕልኻ ደፊእካ ምእታውን ነቲ ብማዕዶ እትፈርሖ ኩርኳሕ ቃልሲ ናይ ምጽራግን ሓልፍነት ናይቲ ወራሲ ሕድሪ መንእሰይ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ቅኑዕ መስርሕ እዩ።
ኤርትራን ህዝባን ኣብ ጸገም ካብ ዝኣትዉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ናይ ኩሉ ጸገማቶም መስረታዊ ጠንቂ ከኣ ህግደፍን ንሱ ዘተኣታተዎ በሓትን ብልሹውን ኣገባብ ምምሕዳርን እዩ። እዚ መሰረታዊ ጸገም ብመብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ግንዛበ ካብ ዝረክብ ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ናይዚ ጸገም መፍትሒ ነቲ ጠንቂ ምውጋድ ምዃኑ ከኣ ርዱእ እዩ። ናይቲ መፍትሒ ኣምጻኢ እቲ መፍትሕን ራህዋን ዝጽበ ህዝብን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ባዕላቶም እምበር ካልእ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን ነዚ እንተዘይበቒዐምዎ ብዘይካ ኣብ ወጽዓ ምንባር ካልእ መተካእታ የብሎምን።
ናይ ለውጢ ሓይሊ ኮይንካ ጸገምካ እንታይን ብመንን? ምዃኑ ምርዳእ ናብቲ መሰረታዊ ፍታሕን ሸቶን ንምብጻሕ ኣገዳሲ ቅድመ-ኩነት እዩ። ምርድኡ ጥራይ ዘይኮነ ናብቲ መፍትሒ ገጽካ ምንቅስቓስ እውን ካልእ ኣውንታዊ ኩበዖ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ቅሩብነታት ብግብራዊ ስጉምቲ እንተዘይተሰንዩ ግና ናብቲ ዝድለ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ኣየብጽሕን እዩ። ናብ ግብራይ ውጽኢት ንምብጻሕ እቲ ተመሳሳሊ መሰረታዊ ኣቕጣጫን ድሌትን ትጽቢትን ዘለዎ ክነሱ በበይኑ ፋሕ ኢሉ ዝወፍር ዓቕምታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ምጽማዱ መተካእታ የብሉን። ኤርትራውያን ነዚ መሰረታዊ ተደላይነት ዘለዎ ስጉምቲ ተረዲእና ኣብ ግብሪ ንከነውዕሎ ላዕልን ታሕትን ንብል ምህላውና ከም ኣንፈት ቅኑዕ ምርጫ እዩ። ምስ ግዜ ክነስጉሞ ዘይምብቃዕና ግና ዘይንሃድመሉ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ሕጽረት እዩ።
ኤርትራውያን ጉዳይ ሓድነትን ኣድላይነት ብሓባር ምቅላስን ኣጀንዳና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ካብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተፈልዩ ዘይፈልጥ ኣጀንዳ እዩ እንተበልናዮ እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና ተመኩሮ ቃልስና ምእንቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ድሕሪ ናጽነት እንተረአናኳ፡ ብሓባር ምቅላስ ዝብል ዛዕባ ኣዝዩ ዕዙዝ ቦታ ሒዙ እዩ ክመጽእ ጸኒሑን ዘሎን፡ ሕጂ ከኣ መመሊሱ ይዓዝዝ ኣሎ። ክሳብ ክንድዚ ቀጻሊ ኣጀንዳና ናይ ምዃኑ ምስጢር ኣብ ዝርዝር ከይኣተና “ሓድነት ሓይሊ” ስለ ዝኾነ እዩ ኢልካ ምጥቕላሉ ይካኣል። ብኣንጻሩ በበይንኻ ምውፋር ዘየዕውትን ተስፋ ዘቑርጽን ምዃኑ ኤርትራዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ከካብ ተመኩሮና ክንርደኦ ዝግበኣና ዝነበረ፡ ግና ዘይተገንዘብናዮን ንዓኡ ዝምጥን ዋጋ ዘይከፈልናሉን እዩ። በብግዜኡ ዘዝመስረትናዮ ናይ ሓባር መደረኻት ከነቐጽሎ ዘይምብቃዕና ንወሳኒ ተራ ብሓባር ምስራሕ ብኽንድቲ ክንርደኦ ዝግበና ዕምቈት ክንግንዘቦ ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር እዩ። ኣብቲ ኣገዳስነቱ ብኣተሓሳስባ ደረጃ እናተረዲእና፡ ብግብሪ ግና ኣሰነይቱ ኮይና ዘይምቕራብና ድማ መርእያ ምስ ግዜ ዘይምስጓምና እዩ።
ብኣተሓሳስባ ዝተቐበልካዮ ንምትግብር ዘይምኽኑይ ግዜ ምብላዕ ንኹሉቲ ኣብ ኣድላይነት ናይቲ ጉዳይ ዘለና ናይ ሓባር ተረድኦ መኻን ከም ዝገብሮ ብግብሪ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ብሓባር ንቃለስ ክበሃል እንከሎ ካብቶም ክሓብሩ ዝግበኦም ንሓደ ጠቒሙ ነቲ ካልእ ዝጐድእ ዘይኮነ፡ ንኹሎም ዘርብሕ ማእከላይ መድረኽ ምዃኑ ናይ ዘይምርዳእ ዝንባለ እውን ይረአ እዩ። ጉዳይ ሓድነት ክለዓል እንከሎ ኩልና ዋጋ እንኸፍለሉን እንግደሰሉን እምበር፡ ሓደ መራሒ እቲ ካልእ ከኣ ተለሚኑ ወይ ተደፊኡ ሰዓቢ ዝኾነሉ መስርሕ ክኸውን ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ኩልና በበይንና ከነድምዕ ከምዘይንኽእል ብግብሪ ርኢናዮ ኢና። ብሓባር ምስራሕ ኩልና ብእንኸፍሎ ዋጋ ዝምስረት እምበር ሓደን ከፋላይ እቲ ካልእ ከኣ ተዓዛባይ ብምዃን ዝረጋገጽ ኣይኮነን።
ንሕና ከነራጥጥን ክስገር ዝግበኦ ምስምሳት ከነተዓባብን እንከለና፡ ግዜ ግና ሰለል ኢሉ እዩ ንቡር ጉዕዘኡ ዝቕጽል። ኣብቲ መስርሕ ዝምዕብሉ ኣጀንዳታት ነቲ ኣብ ግዜኡ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ዘይስገረ ኣጀንዳና ረረጊጸሞ ይሓልፉ እሞ ጉዳይና ዕዳጋኡ ይጸብብ ዓዳጊኡ እውን ይውሕድ። ምኽንያቱ ሓድሽ ምዕባለ ዝያዳቲ ዝጸንሐ ሰሓቢ ናይ ምዃን ዕድል ስለ ዘለዎ። እዚ ከኣ ንናይ ምርስሳዕን ኣጀንዳ ምቕያርን ባህሪ ህግደፍ እዩ ዘተባብዕ። ህግደፍ ንኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ክሳብ ክንደይ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ኣረሲዕካ ናብ ደገ ጥራይ ንምርኣይ ከም ምኽንያት ከም ዝተጠቕመሉ ርኢናዮ ኢና። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ወያ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ ዝሓሰባ ክትነፍሶ ምስ ደለየት፡ እነሆ ንናይ ዩክረይን-ሩሲያ ጓይላ “መጺኽለይ ዶ ክጽበየኪ” ኢሉ ኣባ ጓይላ ኮይኑ ክጥበሶ ዓይኒ ኣይሓሰየን።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን መሰረቱኳ ሓድሽ እንተዘይኮነ ኣብ በዓቲ ዓዲ ሃሎ ተሓቢኡ ኣንጻር እተን ኣብ ኤርትራ “ሰብኣዊ መሰል ኣኽብር፡ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ፍታሕ ወይ ናብ ፍርዲ ኣቕርብ፡ መሰል እምነት ኣይትኸልክል፡ ብሕገ-መንግስቲ ምራሕ፡ ህዝቢ ዝመርሕዎ ይምረጽ ……. ወዘተ” ስለ ዝበለኦ ጥራይ ክጸልአንን ክረግመንን ዝጸንሐ ምዕራባውያን ንምጽራር ምስ ሩሲያን ቻይናን ወጊኑ ወደኽደኽ ይብል ኣሎ። ምስ እዚኣተን ዘራኽቦ ቀንዲ ዛዕባ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ክጥሕስ እንከሎ ዘይጻረርኦ ጥራይ ዘይኮና፡ ኣብ ዝለዓሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዘለወን ናይ ምቕያር ልዕልና ተጠቒመን ዝድግፈኦ ስለ ዝኾና እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ቻይና ምስ ሃገራት ቅርኒ ኣፍሪቃ መዲባቶ ዘላ መመኻኸሪ መድረኽ ኣብ ኤርትራ ክጋባእ እዩ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ እንተኮይኑ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኢሳያስ ነቲ ወጥሪ ናብዚ ከባቢና ጐቲቱ ከምጸኦ ይደሊ ምህላዉ ዘርኢ እዩ። እዚ ዝምዕብል ዘሎ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ዘየብሎ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ከም ዝሓላልኾ ግና ርዱእ እዩ። እዚ ምዕባለዚ እናረኣኻን እናሰማዕካን ምስ ግዜ ዘይምስጓም ክሳብ ክንደይ ጐታቲ ምዃኑ ከኣ ክስቆረና ይግበኦ። እንተ ንዲክታተር ኢሳያስ ንኤርትራዊ ውሽጣዊ ጉዳይ ብዞባዊዶ ህጉራዊ ኣጀንዳታት ኣጐልቢብዎ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ከም ዘስፈሓሉ ርኡይ እዩ። ስለዚ ሕጂ እውን “ምስ ግዜ እንተዘይሰጒምና” እቲ ኣርዑት ወጽዓ መሊሱ እዩ ክጸዓነና።
ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ንሳተን ከይተሳተፈኦ ዝዕወት ናይ ለውጢ መስርሕን ዕብየትን የለን። ወሳንነት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ቦታአን ብዝነቐለ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኸዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትክበር ተወሲና። 8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን መሪር ቃልስን እዩ።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ ቦታ ንክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ስለ ዝተራእየላ እያ። ቀንዲ ሕቶ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ማዕረ ክፍሊት ኣብ ስራሕ፡ መሰል ምድማጽ ኣብ ምርጫን፡ ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላዚ ብቃልሰን ዝተኸፍሎ መስዋእትን፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ። እዚ ምልዕዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ኣጉራዊ ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።
ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ንጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድልየትን ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ዘርኣየና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ኣብ ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።
ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። እንተኾነ ካብ ምዕዋት ሃገራዊ ናጽነት ንላዕሊ ኣርሒቑ ዝጥምት ንቕሓትን ውዳበን ኣይነበረንን። ድሕሪ ናጽነት፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ብሓርነትን ማዕርነትን ክካሓሳ ትጽቢት ዝነበረን ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ክቃለሳ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ ከም ዝኾነ፡ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።
ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኣገባብ ግና ምስቲ እዋናዊ ምዕባለ ዝቃነ እዩ። መሰረታዊ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነተን ከውሕሳን እዩ። ነዚ ንምዕዋት “ንመጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላስላ ይግበአን። ብመጽርዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2022 ከም ናይ ዓሚ ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ምረቱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ጸገም ህዝቢ፡ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና ንዝክራ ዘለና። ክታበት ዝተነፍጎ ለበዳ ኮረናቫይርስ ናይቲ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ምድርራብ ዘርኢ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኤርትራውያን ንነብሮ ዘለና እዩ። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮዮጵያ ክልላት፡ ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ብምእታዎም ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ሻቕሎት ኣብ ዘለዋሉ እያ 8 መጋቢት 2022 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ብደሆ ኣብኣተን ዝድረት ዘይኮነ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝምልከት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልሰንን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ናብ ወለዶታት ዝሰጋግራላን መሰለንን ማዕርነትንን መሊኡ ንክረጋገጽ “ብድሆ” ዝብላላ ዕለት ክትከውን ይግባእ። ከምኡ’ውን ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዝጸርጋላ መዓልቲ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ግደ ግና ናይተን ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ክወጻ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጐነን ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ኣለወን። ናብዚ ንክበቕዓ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዘብቅዐን ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ግድን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ’ውን ካብቲ ጸኒሓዊ ኣመለኻኽታ ወጺኦም፣ ተጠቀምቲ ናይቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝረጋገጽ ለውጢ ምዃኖም ተገንዚቦም ብማዕሪኡ ክስጉሙ ይግበኦም።
ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ፡ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያታትኳ እንተለዎ፣ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታትና ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ ዘይንሃድመሉ ብደሆ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ሂቡ’ዩ ዝሰርሓሉ። በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ብኸምዚ ደረጃ ግቡእ ቆላሕታ ምሃብ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምቅላስ ከኣ ቀንዲ ዕማም እዩ።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዘለኣለም ትንበር!
ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታትና
ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ቅድሚኡ’ውን ማዕጾኻ ዓጺኻ ምንባር ኮነ ምዕባይ ከምዘይከኣል ፍሉጥ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ሃገራት ዝምድና ክምስርታ ሓደ ካብ መባእታዊ ግደታአን ምዃኑ ዘመልክት እዩ። “ዝምድና ምስ መን?” ክበሃል እንከሎ፡ ናይ ሃገርካ ልኡላውነትን ክብርን ናይ ህዝብኻ ሓድነት፡ ረብሓን ሰላምን ከም መሰረታዊ መዕቀኒ ምውሳድ፡ ናይ ውሕሉልን ሓላፍነታውን መንግስትን ምምሕዳሩን መዕቀኒ እዩ። ናይ ሃገርካ ክብርን ናይ ህዝብኻ ረብሓን ምቕዳም ክበሃል እንከሎ ግና ናይቲ መዛምድትኻ መንግስትን ህዝብን ብማዕረ'ቲ ናትካ ክብርን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን እውን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።
“ምስ ዝዀነት ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ኢድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ዝብል ፖሊሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ ካብዚ እምነትዚ ዝነቅል ኢዩ።
ዝምድና ተረኸበ ኢልካ ዘሊልካ እትኣትዎ ዘይኮነ፡ ጽጹይ ሕርያ መዛምድቲ ዘድልዮ እዩ። ኣብቲ ሕርያን መጽናዕትን ኣብ ግምት ዝኣትዉ፡ ቅድሚ ኩሉ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኮይኑ፡ ንጐረባብትን ከምቲ ናትካ ናይ ዕቤት መንገዲ ዝኽተላን ሃገራት ቀዳምነት ምሃብ ኣብ ውሳነኻ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ እዩ። ህግደፍ ናይ ዝምድና መለክዒኡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ስልጣን ዘቐጽሎ ሕርያ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ህግደፍ ብሰንክዚ ኣብ ማዕርነትን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዘየትከለ ናብ “ኣነ ዝያዳ ክጥቀም” ዘድሃበ ዝንቡዕ ፖሊሲ ዝምድናኡ ብተደጋጋሚ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናብ ውግኣት ኣትዩ እዩ። ካልእ ኩሉ ገዲፍና ንናይ ክሳብ ሕጂ ዝምድና ህግደፍ ምስ ጐረቤትና ኢትዮጵያ እንተዳህሲስና ነዚ ዘነጽር ኮይኑ ኢና እንረኽቦ።
እቲ ቅድሚ ናጽነትና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና ናይ ተገዛእን ገዛእን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ዘካየዶ ውግእ ከኣ ቅኑዕ ውግእ እዩ ነይሩ። እቲ ውግእ ኣብ መወዳእታ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድምዳሙ ምስጢር ከኣ እቲ ቅንዕናኡ እዩ። ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ብዙሓት ወገናት ንኣጀማምራኡ ከይተረፈ“ትርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ ውግእ፡ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዝዘንግዐ፡ ብምሒር ህርፋን ስልጣን ዝተደረኸ እዩ ነይሩ። ካብ ቀንዲ ሕመቓቱ፡ ዘይጽፉፍ፡ ዘይግሉጽ፡ ዘይተጸንዐን ረብሓ ህዝቢ ዘየማእከለን ውልቃዊ ዝና ናይ ምርካብ ዕዉር ስምዒት ዝዓብለሎን ምንባሩ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን።
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪቲ ውግእ ን20 ዓመታት ኣብ ኩነት “ኣይሰላም ኣይውግእ” ሰንፈለል ክብል ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተራእየ ምዕባለ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምስ ተሰጋገረ፡ ብወገን ህግደፍ ናይ መልክዕ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ተመኩሮኡ ዝተማህሮ ሓድሽ ኣተሓሕዛ ኣይነበሮን። ከምቲ ናይ ቀደም ዘይግሉጽ፡ ረብሓ ህዝቢ ዘየማእከለ ውልቃዊ ህልኽን ምፍዳይ ሕነን ዝደረኾ እዩ ነይሩ። እቲ ካብ መጀመርታኡ ዝተራእየ ብኣኡ እውን ዝቐጸለ፡ ማእከል ዝምድና ህግደፍን ብልጽግናን ንምድምሳስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) እዩ ነይሩ። እዚ ብግምት ዝተበጽሐ መደምደምታ ዘይኮነ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጌና ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ልኡኻት ምልእኣኽ ከይጀመሩ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2018 ዝኣወጆ እዩ። እንዳወዓለ እንዳሓደረ ከኣ እቲ “ግምጥልሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ህግደፍ” ተጋሂዱ። እቲ ናይ ሓይልታት ዝምድና፡ በቲ ሓደ ወገን ህወሓት፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህግደፍ፡ ብልጽግናን መቃድሾን ብሓባር ምንባሩ ብንጹር ተራእዩ። ሕርያ ዝምድና ህግደፍ ብንጹር ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ብምንባሩን ብምዃኑን ሓደገኛ ሳዕቤኑ ብብሩህ ተጋሂዱ።
ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተደኲኑ ዝነበረ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ተኸፊቱ። እቲ ውግእ ንትግራይ ብንጹር ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ኢዩ ነይሩ። ናይቶም ብኣንጻሩ ተሰሊፎም ዝነበሩ ሓይልታት ሸቶ ግና ሓደ ዓይነት ከምዘይነበረ ቀልጢፉ ምልክታት ኣርእዩ። ዕላማ ህግደፍ ሕነ ምፍዳይን ንስልጣነይ የስገኣኒ ዝበሎ ናይ ጐረቤት ሓይሊ ምጥፋእ ነይሩ። ዕላማ ብልጽግና ብተመሳሳሊ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ከይወዳደረኒ ዝበሎ ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ምድኻምን ተወዳዳሪ ናብ ዘይኮነሉ ደረጃ ምልማስን ነይሩ። እቲ ኣብ መስርሕ እቲ ውግእ ካብ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ብርኢቶ ክርሕቕ ዝጀመረ ኣምሓራ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ ራያን ወልቃይትን ናብ ምምሕዳሩ ንምምላስ ምዃኑ ብግብሪ ተራእዩ።
እቲ ውግእ ነዚ ናይ ዝምድናታት ዘለቕለቕን ዝተበተነ ሸቶን ሓቒፉ ንዝተወሰነ ምስ ተጓዕዘ፡ ውግእ መፍትሒ ክኸውን ከም ዘይከኣለ ብደረጃ ውሽጣዊ ዓቕሚ ናይቶም ተዋጋእቲ ኮነ ናይ ግዳም ሓይልታት ተጽዕኖታት “መንገዲ ዘተን ሰላምን ይምጻእ” ዝብል ሓሳብ ደራኺ ኮይኑ። ርኢቶ ሰዲህኤ ኣብዚ እውን ካብ ንግሆኡ ንጹርን ናይ ሰላማዊ ፍታሕ ደጋፍን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ እንተስ ዝሓሰቦ ስለ ዘዐወተ እንተስ ብውግእ ክጐዓዝ ዓቕሚ ስለ ዝሰኣነ ንዘተ ከም ኣማራጺ ክውሰድ ከምዝኽእል ምልክታት ኣርእዩ። ክሳብ ሕጂ እውን ኣብዚ ሓሳብዚ ሕስይስይ ይብል ኣሎ። ህግደፍን ኣምሓራን ግና ነቲ ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ዝደፍእ ውሽጣውን ግዳማውን ድርኺት ተሓሲሞም“ብውግእ ኢና ንቕጽል” ኣብ ዝብል ደሪቖም። እዚ ነቲ ውግእ ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ኣሰላልፋ ክቕይሮ ግድን ነይሩ። ከምኡ ዓይነት ምልክታት ከኣ ጐሊሑ ይረአ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ቀዳማይ ነገር ባህሪኡ ስለ ዝኾነ፡ ካለኣይ ምኽንያት ከኣ ንመንገዲ ሰላም ብመንጽርቲ ናብ ውግእ ዝኣተወሉ ሸቶ ዘኽስሮ ስለ ዝኾነ፡ ከምኡ ውግእ ጥራይ ዝመርጽ መዛምድቲ ሃሰስ ክብል ግድን እዩ። ነዚ ዝምጥን መዛምድቲ ኮይኑ ዝረኸቦ ከኣ እቲ “ብሓይሊ ዝሓዝኩዎ መሬት ራያን ወልቃይትን ብሕጊ ኣየረክብን እየ” ዝብልን ምእንቲዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክሳብ ዝሰዓር ክዋግእየ ዝብል ዘሎን ክፋል ኣምሓራ መዛምድቱ ንክኸውን ሓርይዎ ኣሎ። ነዚ ንምርዳእ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብዛዕባ ዝምድና ህግደፍን ኣምሓራን ዝበሃል ዘሎ ንግዜኡ ኣወንዚፍካ፡ ህግደፍ ምስቶም ምኩሓት ኣምሓራ ክዛመድ ባህርያዊ እዩ። ዒራ ደኣ ኣየገድሶን እዩ እምበር፡ ነዚ ዝምድና ክሓሪ እንከሎ፡ ነቲ ብታሪኽ ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይቅበል ሕጂ እውን “ሎሚ ኣብ ሑመራ ጽባሕ ናብ ኣስመራ” ዝዝምር ዘሎ ሓይሊ ከም መዛምድቲ ኣይምመረጾን። በዚ ኮይኑ በቲ ሕልሚ ህግደፍ ክለኻኽም እንተዘይኮኑ፡ ዝዕወት ኣይኮነን። “ግምጥልሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ህግደፍ።“ ናይ ምባልና መበገሲ ከኣ እዚ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ሓቢእካዮ ዝሕባእ ኣይኮነን። ኣብታ ሃገር ሕገ-መንግስቲ የለን፡ ዝመስለካ ምዝራብ ኣይፍቀድን፡ ምርጫ ኣይካየድን፡ ቁጠባ ባይታ ዝዘበጠ እዩ፡ ጉዳይ ትምህርትን ጥዕናን እሞኸኣ ዝገደደ እዩ፡ ክታበት ኣንጻር ኮረና ብመንግስቲ ኣይፍቀድን እዩ፡ ሕጽረት ጸዓትን ኤለክትሪክን ገዲዱ እቲ እንኮ ምርጫ ምስ ጸልማት ምልምማድ ግድን ኮይኑ….. ወዘተ፡ እንዳበልካ ንምዝርዛር ርኡይ ስለ ዝኾነ ምርምር ምክያድ ወይ ምስክር ምጽዋዕ ኣየድልን።
እቲ ኣብ ኤርትራ “የመሓድር ድዩ ይገዝእ ዘሎ” ምፍላዩ ዘጸግም ጉጅለ፡ ነዚ ኩነታት ቅድም ክሓብኦ እዩ ዝፍትን ነይሩ። ደሓር ምሕባኡ ዘጸገም ምስ ኮኖ ግና ክእመን ተገዲዱስ ናይቲ ኩሉ ጸገማት ጠንቂ ባዕሉ እንከሎ፡ ኣስማት ባዕሉ ዝፈጠሮም ጸላእቲ እናዘርዘረ ንካለኦት ከላግበሎም ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። መዓልቲ እንዳነወሐ እቲ ዘቕርቦ ምኽንያታትን ተሓተትቲ ዝብሎምን እንዳተዳኸሞ ምስ ከደ፡ ግና ናብ ካልእ ከላግቦ ከምዘይክእል ፈሊጡ እቲ ጠንቂ ባዕሉ ምዃኑ ካብ ዝእመን ሓያሎ ኮይኑ። ምኽንያቱ ከምቲ “እነሀ ዝብል ኣይሓሱ” ዝበሃል፡ ንሃለዋት ኤርትራ ብመርተዖታት ኣሰኒኻ ክቐርቦ ዝጸንሐ ሓያል ተቓውሞ ዝሕበል ስለ ዘይኮነ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ንገዛእ ርእሱ ኣይኮነንዶ ኣብ ግዜ ህግደፍ ዝተሰርሐ ክህሉ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ምስሊ ኤርትራ እውን ኣሰሩ ከም ዘየለ ንፋብሪካታትን ከተማታትን ከም ኣብነት እንዳጠቐሰ ተኣሚንዎ እዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ ኤርትራ ነዚ ዘለናዮ ዘመን ዝምጥን ሓድሽ ትሕተ-ቅርጻ ዘይተሃንጸላ ጥራይ ዘይኮነት፡ ዝነበራ ዘጥፈአት ሃገር ምዃና ብሩህ እዩ። እዚ ከኣ ናይ ስእነት፡ ድኽነትን ጭንቅን እምበር ናይ ራህዋ፡ ርግኣትን ብልጽግናን መግለጺ ተርእዮ ኣይኮነን። ምናልባት ንሰላም ኣብ ውሽጢ ከተማታት ድምጺ ጥይት ብዘይምስማዕ ጥራይ ንዝርድእዎ ግና ኤርትራ ዓዲ ደሓን ዘላ ይመስሎም ይኸውን። ግን እዚ እውን ምስቲ ኤርትራውያን፡ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ወልቃይትን ምናልባት እውን ኣብ ከባቢ ኦሮሞ ይወድቁ ምህላዎም እታ “ኤርትራ ሰላም እያ” እትብል መነየቲት እውን ደቃ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ እንዳሃለቑ ትርጉም የብላን።
ህላወ ኢድ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ከምቲ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ዛዕባ፡ ብብዙሕ እምነትን ክሕደትን ተሰንዩ ክጐዓዝ ዝጸንሐ እዩ። ወዮ ኣቶ ኢሳያስ ዋና ምዃኑ ኣብ 2018 “ጉዳይ ወያን ጸወታ ተወዲኡ (weyane game over) ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን“ ክብል ዓለም ሰሚዓቶስ፡ ድሕሪ ውግእ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ምብራዑ “ህግደፍ ኣብቲ ውግእ ኣትዩ ኣይኣተወን” ዘካትዕ ኣይምኾነን። ህግደፍ ባዕሉ እውን ኣጽቂጡ እምበር “ኣይኣተናን” ኣይበለን። እቶም ኤርትራ ምንም ዕቤት ከም ዘየርኣየት ኢሳያስ ባዕሉ እንዳመስከረ እንከሎ፡ ካብ ህግደፍ ዝያዳ ህግደፍ ክኾኑ ዝፍትኑ፡ ንኤርትራ ዓዲ ብርሃን፡ ሓጐስ፡ ጽጋብን ጥዕናን ገይሮም ክስእልዋ ዝፍትኑ፡ ኣብ ጉዳይ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ እውን፡ ንሓንሳብ ምስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዋዲቕዎ ዝነበረ፡ ትግባረ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሓንሳብ ድማ ምስ ምትኳስ ሚሳይል ናብ ኣስመራ ኣተሓሒዞም ከመላኽዕዎ ፈቲኖም እዮም። ሚሳይል ዝተተኮሰ ድሕሪ 14 መዓልታት ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ምንባሩ ብሩህ እዩ። ኢሳያስ ግና ኣብ ርእሲቲ ናይ ቅድሙ “ጉዳይ ወያን ጸወታ ተወዲኡ (weyane game over) ዝበሎ፡ መመሊሱ “ውግእ ኢትዮጵያ ጉዳይና ኢዩ፡ ተዓዘብቲ ንኾነሉ ኣይኮነን” እንዳበለ ኣረጋጊጽሎም እዩ። እቶም “ካብ ህግደፍ፡ ዝያዳ ህግደፍ ንምምሳል” ዝተግሁ እንብሎም ዘለና ኣካላት ከኣ እቲ ህግደፍ ዘዝበሎ ብዘይምምዝዛን ተተቐቢሎም ምቅላሕ ከይኣኽሎም፡ ነዚ ባዕሉ “ኣብዚ ኣለኹ” ዝብል እቲ መወከሲኦም ጉጅለ እውን ዝተኣመነሉ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሓቂ ጓስዮም ካብ ዘይጭበጥ ሓበሬታ እናተበገሱ ዝህውትቱ ዘለዉ ኢዮም።
እቲ ዘገርም ግና እቲ ህውተታ ናብ ተጋሩ እውን ይልሕም ምህላዉ እዩ። ገለ ካብ ህወሓት ዝያዳ ሓለይቲ መጻኢት ትግራይ መሲሎም ክረኣዩ ዝደልዩ፡ ትግራይ ንኤርትራ ብምንእኣስ እትዓቢ ዝመስሎም ንዕዘብ ኢና። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ኣብ ህልዊ ውግእ ትግራይ ጽልዋ ኣለኒ በሃላይን ንኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣምሪሩ ዝቃወምን፡ ንታሪኻ፡ ሕጋውነታ፡ ናይ ህዝባ ቃልስን ርእሰ-ውሳነ ብመንገዲ ረፈረንደምን ኣህጉራዊ ሕግን ዓይኑ ኣዕሚቱ ክሒዱ፡ “ድሕሪ 4 ሕዳር 2020 ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ እሞ ህግደፍ ኢዱ ምእታዉ፡ ኤርትራ ልኡላዊ ኣይኮነትን” ክብል ተሰሚዑ። ከምቲ “ወሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል ከኣ፡ እዚ ርኢቶኡ ንብዙሓት ተጋሩን ገለ ኤርትራውያንን ከም ዝውክል ኣምሲሉ ይጠቅስ። እሞ ከኣ“ትግራይ ጽባሕ ልኡላዊት ሃገር ክትከውን እያ” ኢሎም ካብ ዝኣምኑ ባእታታት ሓደ ምዃኑ እዩ። ነዚ ባእታዚ “ናብ ልብኻ ተመለሰ፡ ህድእ ኢልካ ሕሰብ” ኢልናዮ ኢና ክንሓልፍ። ርኢቶ ናይዚ ባእታ፡ ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይውክል ግና እምነትና ምሉእ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ጽባሕ እንታይ ይውስን ድማ ንዓኡ ዝምልከት እዩ።
ናብቲ ቀንዲ ዘንቀለና ጉዳይና ክንምለስ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ምስቶም ንህግደፍ ካብ ርኡይ ኩነታት ነቒሎም ዝቃወሙን ምእንቲ ዝሓሸት መጻኢት ኤርትራ ዝቃለሱን ተሃላሊኾም ንህግደፍ ምስቲ ኩሉ ሓጥያቱ ክድግፉ እንከለዉ፡ ልዕሊ ኩሉ ምስ ሓቂ ይላተሙ ከም ዘለዉ ክርድኡ ይግበኦም። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ምርጫ የለን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ኣይፍቀድን፡ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸብታት የለን፡ ኤርትራዊ ዜጋ እናሃለኻ፡ ፈቓድ ህግደፍ ክትመልእ 2% እንተዘይከፊልካ ወይ ወተሃደር ኰንካ እንተዘየገልጊልካ ብዜግነትካ ክትረኽቦ ዝግበኣካ ኣገልግሎታት ትሕረም እንተ በልካ፡ ነቲ ሓደ ንምሕጓስ ወይ ነቲ ካልእ ንምጉሃይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ርኡይ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ። ስለዚ ነዚ ክሒድካ ንህግደፍ ልዕሊኡ ህግደፍ ኮይንካ ከተመላኽዖ ምፍታን ልዕሊ ኩሉ ምስ ህዝብን ሓቅን ምብኣስ እዩ።
ንርከበሉ ዘለና መበል 21 ክፍለ-ዘመን ሓደ ካብ መለለይታቱ፡ ምዕባለ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ምብጽሑ እዩ። ማሕበራዊ መድያ ኣብ ኩሉ ህይወትን መነባብሮን ደቂ ሰባት ሓያል ተጽዕኖ ክፈጥር ዝኽእል ብዝተፈላለዩ መልከዓት ናይ መራኸብታት ዝግለጽ እዩ። ኣብ ቁጠባን ዕዳጋን፡ ኣብ ትምህርትን ሕክምናን፡ ኣብ ርክብን ምቅርራብን ብፍላይ ከኣ ኣብ ስሉጥ ምዝርጋሕ ሓበሬታ ግደ ዕቤት ማሕበራዊ ሚድያ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ሳላዚ ምዕባለ'ዚ ብዙሓት ወገናት ናይ ስራሕ ዕድል ምርካቦም እውን ካልእ ጠቕሙ እዩ። በዚ ምሰረት ኢና ከኣ ሎሚ ዓለምና ሳላዚ ስሉጥ ምልውዋጥ ሓበሬታ ናብ ንእሽቶ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ ደረጃ ምቅርራብ በጺሓ ኣላ እንብል።
ክፍለጥ ዝግብኦ ግን፡ ማሕበራዊ ሚድያ ክልተ ብልሒ ዘለዎ ወሳኒ መሳርሒ ምዃኑ እዩ። እቲ ሓደ ብልሒ፡ ብግቡእን ብሓላፍነትን ክንጥቀመሉ እንከለና ዝህበና ኣውንታዊ ኣገልግሎት እዩ። እቲ ካልእ ብልሒ ከኣ ብዘይሓላፍነታዊ ኣገባብ ክንጥቀመሉ እንከለና ኣብ ብዙሕ መዳያት ዘስዕበልና ኣሉታ እዩ። በቲ ኣውንታኡ ሓድነት፡ ፍቕሪ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ምውሓስ ዝከኣል ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ክንጥቀመሉ እንከለና ዘኸትሎ ምብትታን፡ ምጽልላምን ንጸላኢኻ ዕድል ምኽፋትን ዘኸትል እዩ። ሎሚ እዚ ክልቲኡ ሳዕቤናት ናብ ካልእ ከይከድና ኣብ ደንበ ቃልስናኳ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ።
እቲ ኣውንታዊ ጠቕሚ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ፡ ኩሉ-መዳያት ህይወት ሰባት ዝጸልው ኮይኑ፡ ቀንዲ መግለጺኡ ብኣካል ምርኻብ ኣብ ዘይተኻእለሉ፡ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ምትሕልላፍ ዘኽእል ምዃኑ እዩ። ብግብሪ ከምዝረኣናዮ ድማ፡ ረብሓ ማሕበራዊ ሚድያ ዓለምና ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ስግኣትን ጨንቅን ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ ኣበርክቶኡ ዕዙዝ እዩ ነይሩ። ኣገዳስነት ሓበሬታ ብቕልጡፍ ምዝርጋሕ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ሎሚ እቲ ብኣካል ተራኺብካ ሓበሬታ ንምልውዋጥን ኣብኡ ተመስሪትካ ውሳነታት ንምውሳንን ዝሓቶ ዝነበረ ናይ ገንዘብን ግዜን ወጻኢ ምውጋድ ተኻኢሉ እዩ። ብኣካል ንምርኻብ ከይተገደድካ ብሳላ ምዕባለ ማሕበራዊ ሚድያ ኣኼባታት፡ ሰሚናራትን ጉባአታት ምክያድ ምኽኣሉ ናይ ንዋትን ግዜን ወጻኢታት ምድሓን ናይቲ ኣውንታዊ ብልሒ ማሕበራዊ ሚድያ መርኣያ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ሕጽረታት ተባሂሎም ካብ ዝምዝገቡ ሓደ ምስቲ ናይቲ ቃልሲ ዋናን ወሳንን ዝኾነ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ ክራኸብ ዘይምኽኣሉ እዩ። ኣብ ኤርትራ ብማሕበራዊ ሚድያ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ጸገም ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ናይቲ ጸገም መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ ህግደፍ ህዝቢ ካብ ናቱ ሓሳብ ዝተፈልየ መማረጺ ርኢቶ ከይከታተል ዝኽልክል ምዃኑ ሓደ እዩ። ብዓብዩ ከኣ ከምቲ ናይ ህግደፍ መራሒ እውን ደጋጊሙ ባዕሉ ተጠሊዑ ዝተኣመነሉ እቲ ነዚ ዘኽእል ኢንተርኔት ከምቲ ካልእ ትሕተ-ቅርጻታት ዘይምህላዉ ሓደ እዩ። ኣብ ኤርትራ እቲ ጸገም ኢንተርነት ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ናብ ህዝቢ ክባጻሕ ስለይዘደሊ ኢዩ። ኢንተርነት ጥራይ ዘይኮነ ታራ ተለፎን ዝዕጸወሉ ኣጋጣምታት እውን ኣሎ። ኣብ ርእሲዚ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሔ ገንዘብ ንመስመር ኢንተርነት እትኸፍል ሃገር ምዃኑ እዩ ዝንገር። በቲ ክርከብ ዝኽእል ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል ናይ ኢንተርነትከ ብማሕበራዊ ሚድያ ናብ ህዝብና እነመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ነካይዶ ዘለና ለውጢ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ዝሕግዝ ድዩ ዝጐድእ? ዝብል ሕቶ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። እነመሓላልፎ መልእኽቲ ተስፋ ዝህብ ድዩ ተስፋ ዘቑርጽ፡ ብዛዕባ ዘሳንየናን ዘሰማምዓናን መልእክቲ ዲና ንዝርግሕ ወይ ብዛዕባ ዝፈላልየናን ዘረሓሕቐናን ኢና ንሕብሮ? ዝብሉ ጉዳያት እውን ብተገዳስነት ክሕሰበሎም ዝግብኡ እዮም። ማሕበራዊ ሚድያ ተረኽበ ኢልካ እትትኩሰሉ ዕጥቂ ዘይኮነ፡ ኣቐዲምካ ሓሲብካን መሚኻን ክትግልገለሉ ዝግባእ ተሃዋሲ መሳርሒ ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ።
ኣብዚ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ቀጻሊ ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና እዋን ማሕበራዊ ሚድያ ብደረጃ ውድብ ይኹን ማሕበር ወይ ብውልቂ ውሽጣዊ ዓቕምና ነማዕብለሉ፡ ንህዝብና ብዛዕባ ጸረ ህዝባውነት ህግደፍ እነስተምህረሉ፡ ህይወቱ ንምምራሕን ጥዕናኡ ንምሕላውን ዝሕግዞ ትምህርቲ እንህበሉን ናይ ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ህዝብታት ተመኩሮታት እነቕስመሉን ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ወሳኒ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ መድረኽ ስለ ዘለና፡ ዋላ ይንኣስን ይውሓድን ዘራኽበና ኣተሓሳስባ እነሕይለሉ፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ንዝፈላልየና ርኢቶታት ንቕድሚት ከነምጸኦ ኣብ ዘይግበኣሉ ግዜ ምህላውና ብግብርን ብቃልን እነመስክረሉ ግዜ ምህላውና ምንጻር የድሊ። ዘለና ዓቕሚ ማሕበራዊ ሚድያ ከኣ በዚ ክቃነ ይግበኦ።
ብኣንጻርዚ ንፍልልይና እነተዓባብየሉ ንዘሰማመዓና ትርጉም እነስእነሉ ኣካይዳ እንተኾይኑ፡ በቲ ኣሉታዊ ብልሒ ማሕበራዊ ሚድያ ንጥቃዕ ኣለና ማለት እዩ። ካብቲ ኣሉታ ወጺእና እቲ እወንታዊ መንገዲ ንምሓዝ እምበኣር ቅድሚ ማሕበራዊ ሚድያ ተረኽበ ኢልና ምትኳስ፡ “እንታይ ኢና ክንብል ዝግበኣና እንታይከ ክንብል ኣይግበኣናን” ኢልና ብጽሞና ክንሓትትን ክንምልስን ናይ ግድን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንማሕበራዊ ሚዲያ ኮነ ኢልካ ንሓድነት ኣብ ዝሃሲ፡ ምቅንጽጻል፡ ምጽልላምን ምዝራግ ውልቃዊ ማሕበራዊ ህይወት ሰባትን ክትዝርገሖ ምፍታን ኣዝዩ ኣሉታዊ እዩ። እቲ ካልእ ዝዓበየ ኣሉታዊ መግለጺ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኣጠቓቕማ ከኣ መዘርግሒ ናይ ሓሶት ጌርካ ምጥቃሙ እዩ። ምናልባት ሳላዚ ዕቤት ማሕበራዊ ሚድያ ገንዘባዊ ረብሓ ዝረኽቡ ይህልዉ ይኾኑ። ኣብዚ እውን ንዓኻ ክትጥቀም ክትብል ንኻልእ ካብ ምጉዳእ ምዕቃብ፡ ሓደ ካብ ንማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ኣውታዊ ረብሓ ምውዓሉ እዩ።