EPDP Editorial

ንዓና ኤርትራውያን ቀደም ኮነ ኣብዚ እዋንዚ ቀዳማይ ዋኒንና እንታይ ምንባሩን ምዃኑን ንጹር እዩ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንከለና፡   ቀዳምነትና ናጻነት ሃገርና ምውሓስ ነይሩ ኣረጋጊጽናዮ ከኣ። ንናጽነት ክንቃለስ እንከለና ቀዳማይ ደረጃ ደኣ ኣይነትሕዞ እምበር፣ ብዛዕባ ድሕሪ ናጽነት ኣይንሓስብን ኔርና ማለት ኣይኮነን። ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልስና ከኣ ኣብ ዙርያ “ወያ ነጻ ሃገረ ኤርትራ ብኸመይ እንተተመሓደረት እያ ረብሓ ህዝባ ዝሕሎ” ብዝብል ዝግለጽ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ማለት ከኣ ንምርግጋጽ ሕገ-መንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ዝካየድ ቃልሲ እዩ ነይሩ። እነሆ ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ መስመር ቃልሲዚ ጸኒዕና ንቕጽል ኣለና።

እዚ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከምቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ብኤርትራውያን ንኤርትራውያን ዝካየድ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብናይ ርሑቕን ከባብን ምዕባለታት ዝጽለው እምበር፡ ኣፍደገ ዓጺኻ ዝካየድ ማለት ኣይኮነን። እዚ ምጽልላው ሎሚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ምእንቲ ናጽነት ዘካየድናዮ ቃልሲ እውን በቲ ሹዑ ዝነበረ ናይ ዝሑል ውግእ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ይጽሎ ከም ዝነበረ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ምስዚ ኹሉ ግና ነቲ ከባብያዊ ጽልዋ እውን በኸመይ ንኤርትራን ህዝባን የርብሖም ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝውሰድ ወይ ዝንጸግ እዩ። እቶም ከባብያዊ ሓይልታት እውን ንኤርትራዊ ጉዳይ ብኸምኡ፡ ረብሓኦም ብዘውሕስ ቀጥዒ ከም ዝሕዝዎ ርዱእ እዩ።

ከምቲ “እንተ ክትድቅ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል፡ ኣብ ከባቢኻ ዘጋጥም ምዕባለ ኣሉታዊ ይኹን ኣውንታዊ ብጥበብን ውሕልነትን እተመሓድሮ እምበር፡ መንደቕ ነዲቕካ ከይጸልወካ እትዓግቶ ኣይኮነን። ከባቢና ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓፈሻ ዘይቅሱን ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ዘይቅሳነቱ ካብ ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት  ጠቕምታት፡ ስሰዐን ዓብላልነትን ዝነቅል እዩ። ኣብዚ ከባቢና ዘለዉ ከም  ህግደፍ ዝኣመሰሉ ስርዓታት “ካብ ህውከትን ጣልቃ ኣታውነትን ዝድረሩ”  ምዃኖም ከኣ ነቲ ተሃዋስነት ዝያዳ የጋድዶ። ከባቢ ብሰንኪ ዘይምቕሳኑ፡ ብዝሰዓበ ድሕረት ብድኽነት ተሃስዩ፡ ኢድ ናይ ርሑቕ ሓያላትን ሃብታማትን ዝጽበ ምዃኑ እውን ነቲ ህውከት ዕግርግር ዝውስኽሉ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ጉዳይ ኤርትራ እውን ከም ጉዳይ ካለኦት ምስ ከባቢኡ ተመጋጋቢ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳና እንኽተሎ ሜላን እንሕዞ እስትራተጅን፡ ንከባቢና ከም ዝጸልዎ፡ ኣብ ምዕባለ ከባቢና እንሕዞ መርገጽ ድማ ንዘቤታዊ ጉዳይና ይጸልዎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝሓዝናዮ መርገጻት ክሳብ ክንደይ ንኤርትራዊ ኣጀንዳና ይጸልዎን ናብ ደውታ የእትዎን ከም ዘሎ ከኣ ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ሕጂ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ውግእ ጐረቤትና ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣስጋኢ ደረጃ ከይበጸሓ፡ ድሕሪ ምጅማሩ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ ካብ 21 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ክከታተሎን ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታቱ መፍትሒ ውሳነታ ከመሓላልፈሉን ጸኒሑ። ካብ መጀመርታኡ ጠንቁ ሕገመንግስታውን ፖለቲካውን ፍልልያት ዘንቀሎ ምዃኑ ተረዲኡ። ካብዚ ተረድእኡ ነቒሉ ድማ መፍትሒኡ፡ ሰብኣዊ መሰል ኩሎም ወገናት ብዝሕሉ፡ ኣብቲ ውግእ ዘጋጠመ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ተጻርዩ ፈጸምቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝሕተትሉ፡ መሰረታዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ዝበጽሓሉ ኩነታት ብዘውሕስ ዘተ ጥራይ ዝፍታሕ ምዃኑ ኣነጺሩ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓዘ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ኣብቲ ውግእን ዘኸትሎ ሳዕቤንን ሓደገኛ ከም ዝኸውን እውን ብዓንተቦ ኣመልኪቱ እዩ።

ሰዲህኤ ነቲ ኩነታት ብዕቱብ ሒዙ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ መፍትሒ ሓሳብ ዘቕረበ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ንምጥቃም ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንድሕነት ኤርትራን ህዝባን እውን ንሱ እዩ እቲ መዋጽኦ” ካብ ዝብል ሚዛን ምንባሩ ምስትብሃል የድሊ። ነዚ ሚዛን ሰዲህኤ ኣብ ጉዳይ ውግእ ኢትዮጵያ ምናልባት ናይ ቅርጽን ዕምቆትን ፍልልያት እንተዘይኮይኑ ኩሎም ይምልከተና ኢሎም መፍትሒ ሓሳብ  ዘቕርቡ ዘለዉ ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣካላት ከቃልሕዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እዩ። እንተኾነ እቶም ብቐጥታ ዝምልከቶምን ዝዳመዩን ዘለዉ ሰብ ዋኒን ስለ ዘይተቐበልዎ እቲ ምትህልላቕ ይቕጽል ኣሎ። ሰዲህኤ ሕጂ እውን ብዘይካቲ ቅድም ዝሓዞ መርገጽ ካልእ መተካእታ የለን ኢሉ ስለ ዝኣምን ንዓኡ ተቐቢሎም ተኹሲ ኣቋሪጾም ናብ ዘተ ክኣትዉ ጸዋዒቱ የሕድስ። ናይዚ ምትህልላቕ ደረጃ መመሊሱ ክድይብ እንከሎ ከም ከባብያዊ ተርእዮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ረብሓን ህዝብና ብሃላሊ ኣካይዳ ህግደፍ መንእሰያትና ግዳያትዚ ውግእ ጐረቤት ክኾኑ ዝተገደድሉ ስለ ዝኾነ፡ ሓደጋኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ኩነታትና ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካዚ ናብ ደማዊ ውግእ ዓሪጉ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ፡ ምስሕሓብ ዓብይ ሓጽቢ ኣባይ፡ ወጥሪ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ሱዳን ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ፖለቲካዊ መስርሕ ምስግጋር ንድሕሪት ምምላሱ፡ ኩነታት ሶማልያ፡ ስግር ኢልካ ከኣ ሃለዋት የመን ክውሰኾ እንከሎ፡ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ”  ከም ዝበሃል፡ ይገድድ እዩ ዘሎ። እቲ ዝያዳ ዘጋድዶ ከኣ ነናቶም ሕሳብ ዘለዎም ናይዞም ኩሎም ተዋሳእቲ ዘራያት ገለን ብስዉር ገለን ከኣ ብግሁድ ናብ ከባቢና ይወፍሩ ምህላዎም እዩ። ነዚ ብመንጽር ኤርትራዊ ጉዳይና ክንርእዮ እንከለና፡ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ስርዓት ኢሰያስ ብዝገበሮ ምትእትታው  ካብቲ ክኾኖ ዝግበኦ ንላዕሊ ብከባቢያዊ ምዕባለ ተጸልዩ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተፈላለዩ ጫፋት ሒዝና ንተሓማመ ኣለና። እዚ ምውጣጥና ጽባሕ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከይድገም እውን ውሕስነት የለን።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ከባብያዊ ጽልዋ መንደቕ ሰሪሕና ከይኣትወና እንኽልክሎ ኣይኮነን። ክንገብሮ ዝግበና ብመዕቀኒ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን መዚንካ ምሓዙ ጥራይ እዩ። ንከምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛን ኣገጣጥማን ከባብያዊ ጽልዋ ክንበቅዕ ከነማልኦም ካብ ዝግበኣና መሰረታዊ ቅድመ ኩነታት ከኣ፣ እንተኾነ ንፋስ ዘየእቱ ሓድነት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ምርግጋጽ፡ እንተዘይኮነ ከኣ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓና፣ ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ክንጽመድ ንጽባሕ ዘይባሃል  እዩ። ኣብዚ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ክንብል እንከለና፡ ንሓይልታት ለውጢ ማለትና እምበር፡ ህግደፍስ ካብ ጽልዋ ሓሊፉ ናይቲ ብኤርትራዊ ረብሓ ዘይተመዝነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጓይላ  ተኻልን ተዋሳእን እዩ።

ርእሱ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ናጽነት ኣይቀሰኑን። ናይ ዘይመቕሳኖም ምኽንያት ከኣ ኤርትራ ከምቲ ህዝባ ክትኮነሉ ኢሉ ዝተቓለሰላ ዘይምዃና እዩ። ኤርትራውያን ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ሃገሮም ክስውኡ እንከለዉ፡ ነቶም ዝተረፉ ዘረክብዎ ሕድሪ ነይርዎም። ሕድሪ ናይዞም ሰማእታት ናይ ምፍጻም ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራኳ እንተኾነ፡ እቲ ነቲ ብ1961  ዝተጀመረ ቃልሲ ብ1991 ኣብ ምዝዛም ግደ ዝተጻወተ ውድብ ዝተረከቦ ሕድሪ ኣብ ምፍጻም ዕዙዝ ሓላፍነት ነይርዎ። ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ሕማቕን ድሑርን ኣብነት ክትከውን ዘገደዳ  ከኣ ንሱ እቲ ተስፋ ህዝቢ ኣጸልሚቱ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ ኣካል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንዋጋ ሰማእታቱ ክሳብ ክንደይ ብሓጐስን ተስፋን ከም ዝተቐበሎ ዓለም ዝመስከሮ እዩ። ሓጐሱን ደገፉን ሓፈሻዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣሃዝ ብዝግመት ልዑል ቁጽሪ ዝግለጽ ምንባሩ ከኣ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ብዘርኣዮ ናይ “እወ ንናጽነት” ድምጺ ብፍጹም ዓብላልነት ኣርእይዎ እዩ። ምስዚ ኹሉ ግና ህዝቢ ኤርትራ ካብ መጀመርታ ብዛዕባ መጻኢኡ ካብ ተስፋን ስኽፍታን ዝተሓዋወሶ ሃለዋት ኣይወጸን። እቲ ተስፋ፡ ንዝኣተዎ መብጽዓን ንሕድሪ ስዉኣትን ዝጠልም ኣካል ስለ ዘየጋጥም፡ መጻኢና ፍረ መስዋእቲ ደቅና ንሓፍሰሉ ከይከውን ዝዓግተና ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ ካብ ዝብል ዝነቅል ነይሩ። እቲ ስኽፍታ ከኣ ንኹሉ ወዲ ሃገር ሓቚፉ ዘይተበገሰ ምምሓዳር ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነስ ብሕግታት ዘይኮነስ ብዊንታ ናይ ሓደ ጉጅለ ምብጋሱ ኢዩ። ግዜ እንዳተመጠጠ  ምስ ከደ ከኣ ብግብሪ እቲ ተስፋ እንዳቐምሰለ፡ እቲ ዝነበረ ስኽፍታ ናብ ዝያዳ ግብራዊ ሻቕሎት ደይቡ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣስተርህዩ ብሰላምን ራህዋን ክነብር'ምበር ዳግማይ ካብ እተጸበዮ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ ቃልሲ ከጋጥሞ ኣይገመተን። እንተኾነ ግን ኣብ እንግድዕኡ ዝወረደ ኣደራዕ ከቢድኳ እንተነበረ   ከምቲ “ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ” ነጻነቱ ዘረጋገጸ፡ ንናይ ድሕሪ ናጽነት ጸገሙ እውን ካብ ምብዳህ ንድሕሪት ኣይበለን። ኣብ መንጎ ተስፋን ሻቕሎትን ተቐርቂሩ፡ ነቲ ኣሉታ ዘይኮነስ ነቲ ኣውንታ እንዳቐደመ ክሳብ ጨኪኑ ናብ ግሁድ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ዝኣቱ ግዜ ከም ዝበልዐ ርዱእ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ናይ ናጽነት፡ እቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ሰሪጹ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ቁስሊ ውግእ ኣሕዊኻ ዲሞክራሲ ንምህናጽ ዝግበር ቃልሲ፡ ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ዝቐለለን ዝሓጸረ ግዜ ዝወስድን ክኸውንዩ ዝብል ነይሩ። ብግብሪ ግና ብደረጃ ግዜ ዝነወሐ ብደረጃ ክብደቱ ድማ ኣዝዩ ዝመረረ ምዃኑ ንርእዮ ኣለና። እቲ ቅድም ነዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምእንቲ ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣፍኲስካ ናይ ምርኣዩ ምኽንያት “ንሕድሪ ሰማእታትስ መን እዩ’ሞ ክጠልሞ”  ካብ ዝብል ቅንዕና ዝነቅል ምንባሩ ብሩህ እዩ። ብግብሪ ግና ህግደፍ ዝበሃል ብበትሪ ሓደ ሰብ ሰጥ-ለበት ዝብል ጉጅለ  ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ኣብ መድረኽ ጥልመት ተኾዲጩ። ብሰንኩ ከኣ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ወጽዓ ዘይተጽበዮ ግዜን ዋጋን ይኽፍል ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ  “ኣቡኡ ዘፍለጠ”  ጠሊሙ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምኽባር ሕድሪ ሰማእታት ዝምልከት ፋይሉ ዓጽዩ እዩ። ሕጂ ናይቶም ሕድሪ ሰማእታትና ዘይጠለምናን “ኤርትራ ብሓቂ ናይ ህዝባ  ክትከውን ኣለዋ” ብዝብል ኣተሓሳስባን ኒሕን ንቃለስ ዘለና ጉዳይ እዩ መዛረቢና ክኸውን ዝግበኦ። ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ’ ውን ኣብቲ ዝዓበየ፡ “ኤርትራ ዲሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝተረጋገጸላ ሃገር ክትከውን ኣለዋ”  ዝብል ዓብይ ጉዳይ እንዳተሰማማዕና፡ “እሞ ናብኡ ብኸመይን መዓስን ንብጻሕ” ኣብ ዝብል ፍልልያት ኣለና። እዚ ዘርእዮ ከኣ ኣብ ዓብይን መሰረታውን ዛዕባ ዘይተፈላለና፡ ኣብ ካልእ ንኡሳን ዝፈላልዩና ጉዳያት ከኣ ንሰሓሓብን ንነጻጸግን ምህላውና እዩ። እዚ ምንጽጻግ “በቲ እንዳጣቐዐ በቲ ከኣ እንዳላኸዐ”  ኣብ ስልጣን ክነብር ንዝደሊ ጉጅለ እንተዘይኮይኑ ንህዝብና ከምዘይጠቕሞ ኩልና ክንደርፎ እንውዕል እዩ።

ዕድመ ጨቛኒ ጉጅለ ክነውሕ እንከሎ ወጽዓ ህዝብና ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ከም ዝመርር ተረዲእና “ግዜ እንከላካ ግዜ ኣይትጸበ” እዩ እሞ፡ ኣብ  ፍታሕ ናብ ዘምጽእ ናይ ሓባር ብራኸ ክንድይብ ግዜ ኣይንብላዕ እንብል እውን ብዙሓት ኢና። ናይ ሓባር ሚዛና ከምዚ ክነሱ፡ ሰኣን ዓቕምና ዝተርፈናስ ደሓን፡ ኮነ ኢልና ምድንጓያት እንፈጥርከ ኣለናዶ? ዝብል ሕቶ ነንነብስና ኮነ ነንፖለቲካዊ ውዳቤታትናን ምንቅስቓሳትናን  ክንሓተሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ጠንቁ እንታይ እዩ ብዘየገድስ፡ ቃልሲ ንምሕያል ክትወስዶ ካብ ዝግበኣካ ስጉምቲ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ምድንጓይ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ቃልስን ህዝብን ምጉዳእ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ዕድመኡ ኣብ ዝልጣን ክውስኽ ምሕጋዝ እዩ። እዚ መርዛም ጉጅለ ዓቕምን ዕድልን እንተረኺቡ፡ ነቲ ኣንጻሩ ዝግበር ቃልሲ እንተኾነ ኮነ ኢልካ ንምቕታሉ እንተወሓደ ክኣ ንምድንጓዩ ንድሕሪት ከምዘይብል “ከይደቀስካ ዝተሓልመ” እዩ።

 ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣብ ክንዲ ኣብ ዘሰማምዓካ ብሓባር  ምስጓም ብፍልልይ ምክሳስ በሪኽ ቦታ ዝሕዘሉ ኣጋጣሚ፡ ግደ ናይቲ ወለዶታት ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። እንተኾነ ኣብ ህልዊ ተመኩሮና ግደ ናይቲ ዝሓለፈ ድኽመት እናዕረየ፡ ብናቱ ንመጻኢ ኣርሒቑ ዝጥምት ኣተሓሳስባ እናተከአ ነቲ ቃልሲ ከነሃህሮ ዝግበኦ መንእሰይና ኣብቲ ክኾኖ ዝግባእ ውዱብን በሪኽን ደረጃ ከምዘየለ ንርእዮ ኣለና። እዚ ከኣ ካልእ ህግደፍ “እንኳዕከ ከምዚኣ በለት” ኢሉ ዝቕበሎን መመሊሱ ዘጋድዶን ሃጓፍ  ምዃኑ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ውጹዕ ህዝቡ ኮይኑ ተካኢ እጃሙ ከም ዘየበርክት ጌርካ ምድሃኹ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ ተግባር ህግደፍ ምዃኑ፡ ካብ ግዱድን ናይ ግዜ ገደቡ ዘይፍለጥን ስርዓተ ውትድርና ምትእትታው ጀሚርካ ብብዙሕ ኣብነታት ኣሰኒኻ ምርኣዩ ይከኣል።

ሎሚ ወጽዓ ህዝብና መሊኡ ኣብ ዝፈሰሰሉ ሃለዋት፡ ንመሰረታዊ ለውጢ ምስ ግዜ እንጓየየሉ እምበር፡ ብናእሽቱ ኣብ መስርሕ ክፍትሑ ዝኽእሉ ፍልልያት ተዓንቂፍና እንዛነየሉ ኣይኮነን። ጉዳይና ዘንጊዕና ኣብ ናይ ካለኦት ኣጀንዳ በላሕቲ ፍልልያት ፈጢርና ንመናጨተሉ እዋን’ውን ኣይኮነን። ሓደ ጉዳይ ኣብቲ እዋኑ ምስ ግዜ ተጓይኻ መልክዕ እንተዘየትሒዝካዮ ምስ ሳዕረረ ዝሓቶ ዋጋ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ክቡር ዋጋ ከፊልካ ዘይትመልሶ’ውን ክኸውን ይኽእል። ሓደ ጉዳይ ኣብቲ እዋኑ እንተዘይዓሚምካዮ ደሓር ዘኽፍሎ ዋጋ ንምርዳእ  ወለድና “ሓደ ሰነ ዝተነቕለ ብሸውዓተ ሰነ ኣይትከልን” ይብሉ። ስለዚ ብዛዕባ ግደነታዊ ኣድላይነት ለውጢ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ህጹጽነቱ’ውን ክንሻቐል ግድን’ዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እቲ ናይ ቅድም ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ተቓውሞ ኣንጻርቲ  መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ በይኑ ዝቖሞ ግዝያዊ መንግስትን ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባኡን ካብ ምብሳር ናጽነት ኤርትራ ጀሚሩ እዩ። እዚ ተቓውሞ ካብ ሽዑ ንነጀው ምስ ኩሉቲ ዘጋጠሞ ላዕልን ታሕትን ሎሚ’ውን ህያው እዩ። ክሳብቲ ህዝብና ዝጽበዮን ዋጋ ዝኸፍለሉ ዘሎን ደሞክራስያዊ ለውጥን ልዕልና ፍትሕን ኣብ ሃገርና ዝረጋገጽ ድማ ክቕጽል እዩ። እዚ ተቓውሞ ዝዓርፍ እቲ ጉጅለ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስ ዝውገድን ኣብ ኤርትራ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት  ዝጸውር ሕገመንግስቲ ዝዋሕሱ ባይታ ምስ ዝፈጥር እዩ። ስለዚ እዩ ድማ፡  ጉጅለ ህግደፍ ካብ ትምክሕትን ስሰዐን ወጺኡ ናይ ሓባር መዋስኢ ፖለቲካዊ ባይታ ንክፈጥር ዘይኮነስ፡ ብህዝባዊ ቅልጽም ክውገድ ብሓባር ክንቃለሶ ናይ ግድን ዝኸውን። እቲ ካልእ ኩሉ ሰላሕታዊ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ናይ ምሕቃቕን ምቕንጻልን ስጉምትታት ገዲፍካ፡ እቲ ኢሳያስ ኣፈወርቅ  ካብ ዕለተ-ናጽነት ድሕሪ 27 መዓልታት ብ20 ሰነ 1991 ሰማእታት ንምዝካር ኣብ ስታድየም ኣስመራ  ዝተጋበአ ናይ መጀመርያ ርክቡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሽውየ የለ” ዝበሎ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ሓሳብ ክሰምዕ ዘይደሊ ደረቱ ዝሓለፈ  ስሱዕን ነፋግን ጸዋግን ምዃኑ ዘርኣየ እዩ።

ህግደፍ፡ ዕድመ ተቓውሞ ኣብ ኤርትራ ንምሕጻርን ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት  ውዱብ ተቓውሞ ከም ዝነበረ ንምሕባእን ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ነቲ ንሱ ክሓብኦ ዝደሊ ሓቂ ብኣብነት ንምቅላዑ ዝኣክል፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ብህጹጽ ንኹሉ ውድባት ኤርትራ ዘሳትፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም መጸዋዕታ ካብ ዘቕረቡ ውድባት ሓደ ምንባሩ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ ነቲ ሽዑ ዝተወልደ ኣብዚ እዋንዚ ትውልዲ ናይ ምስጋር ሓላፍነት ዝነበሮ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተዓደለን ተደፊኡ ኣብ ስደት ዘሎን መንእሰይ ሚዛናዊ ተረድኦ ምእንቲ ክህልዎ ምዝኽኻሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ዙርያ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ካብ ዝተወደበ ሓይሊ ዝሃድምን ፍልልይ  ዘይጻወርን ህግደፍ ዝሽቅጠሉ ዝነበረ ኣበሃህላ፡ “ኤርትራውያን ብግሊ ናባይ ኢዶም ይሃቡ እምበር ውዱብ ሓይሊ ኣይቅበልን እየ” ዝብል፡ ጽበቱ፡ ስስዕቱን መላኽነቱን ኣነጺሩ  ዘርኢ እዩ። እንሆ ከኣ ብኣኡ ደሪቑ ይቕጽል ኣሎ።

ህግደፍ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሕቶ ካብ ምምሕዳር ንምህዳም፡ ቀልጢፉ ካብ ዝመሃዞም ዘይቅዱሳት ቅድታት ሓደ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ህውከት ምፍጣር እሞ፡ ነቲ ኩነት ከም መህደምን መኸወልን ምጥቃም ነይሩ። ተቐላጢፉ፡ ምስ ሱዳን፡ የመንን ጅቡትን ዝኣጐዶ ሓዊ ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ ዕላማ ኣይነበሮን። ኣብቲ ኩነታት ክሳራ ህዝቢ ኤርትራ ድርብ እዩ ነይሩ። በቲ ሓደ ወገን ፍቱዋት ደቁን ንብረቱን ንዘይፈልጦን ዘይረብሓሉን ውግእ ኣባኺኑ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ውልቃውን ሃገራውን ጉዳያቱ ክውግነሉ  ዝግበኦ ዝነበረ ወርቃዊ ግዜኡ ኣምኪኑ። ኤርትራ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ምስላ ተደዊኑ። ህግደፍ ግና ካብዚ ኣይተማህረን። ኣይተማህረን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብ1998-2000፡ ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝበለዐን ሰሎልኡ ክሳብ ሕጂ ዘይወጸን ምምዝባል ዘኸተለን ትርጉም ዘይነበሮ ውግእ  ምስ ኢትዮጵያ ኣጒዱ። ኣሉታዊ ብጽሒት ህግደፍ  ኣብዚ ደማዊ ውግእ ክሳብ ክንደይ ከም ዝነበረ፡ ንምጽራዩ ብዝተመዘዘ  ዓለም-ለኻዊ ዘይሻራዊ ትካል ተረጋጊጹ እዩ። ድሕሪዚ ኣዕናውን ኣኽሳርን፡ እዚ  ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ክሕተተሉ ዝነበሮን ውግእ፡ ኣብ ርእሲቲ ኣቐዲሙ ክቃለስ ዝጸንሐ ዝተወደበ ነባር ተቓውሞ፡ ማንፈስቶ በርሊን፡ ምንቅስቓስ ጉጀለ-15ን ተበግሶ ወዲ ዓልን ዝበሃሉ  ተቓውሞታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሃቂኖም። ብዘይካዚ “እምብዛ በዚሐን”  ክሳብ ዝበሃላ ኣዝየን ብዙሓት ናይቲ ስርዓት ደገፍቲ ዝነበሩን ብሰንኩ ካብ ሃገር ዝወጹን  ኤርትራውያ ዝተሳተፍወን ኣብ ወጻኢ ናይ ተቓውሞ ውድባት፡ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ተፈጢረን።

ገለ ነቲ ዝበሃል ከይመመዩ ደድሕርቲ ጉጅለ፡ ካብ ኤርትራዊ ወድዓዊ ሓቂ ንምህዳም ዝፈሓሶ ተንኮልን ጸለመን፡ ዝጐዩ ኤርትራውያን፡ “ተቓውሞ ኤርትራ ሃገር ንምብታን ብሓፈሻ ብምዕራባዊ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ወያነ) ተጠፍጢፉ ዝተሰርሐ እዩ”  ክብሉ ካብ ዝስማዕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ቅድም ቀዳድም ኣብ ኤርትራ ተቓውሞ ዝተጀመረ ህግደፍ ምስዘን ሎሚ ተመሊሱ ዝውንጅለን ዘሎ ኣሜርካ እትርከበን ሃገራት ምዕራብን ወያነ ትግራይን ዓይንን ኩሕል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምዃኑ ዘይዝክር ኤርትራዊ እንተልዩ ተመሊሱ ምስ ገዛእ ርእሱ ክላዘብ ይግበኦ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ህግደፍን ወያነ ትግራይ ቀንዲ ኣባሉ ዝነበረ  ኢህወደግን ዝነበረ ዘይትካላዊ ፍቕርን ውሽጣዊ ስምምዕን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ እትርከበን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝኸፈላ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ከምዝነበራን ከምዘለዋን ዘይዝክር ኤርትራዊ እንተልዩ ምልስ ኢሉ ተመኪሮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክድህስስ ይግበኦ።  ነዚ ተመኩሮ ከየስተብሃልካ፡ እቲ ጉጅለ ነንዝመሃዞ ከም ዘለዎ ወሲድካ ምዕዝምዛም  ነኪዩ እምበር  ሎሚ’ውን ኣሎ። እዞም ናይቲ ጉጅለ ምህዞ ዘንበድብዱ ወገናት፡ “ናይ ወጻኢ ኢድ እንተዘይኣትዎስ፡ ኣብ ኤርትራ ንተቓውሞ ዝዕድም ዝሩግ ፖለቲካዊ ሃለዋት፡ ቅድም ኣይነበረን ሎሚ እውን የለን” ኢሎም ዝኣምኑ እንተኾይኖም፡ ኣብ ካልእ ናይ በይኖም ናይ ኣትሓሳስባ ዓለም ዝነብሩ ጥራይ እዮም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮነ ኢልካ ኣሻቓልን ኣቕጣጫ ዘስሕትን ናይ ሸፈጥ ኩነት እንዳፈጠርካ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ብኩራት ሕገ-መንግስቲ፡ ብዝመርጽካዮ መንግስቲ ናይ ምምሕዳር፡ ዝመረጽካዮ ሃይማኖት ምኽታል፡ ልዕልና ፍትሕን ስርዓትን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽንከ ንምቅዋም ምኽንያት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም ድዮም ዝብሉና ዘለዉ። ከምኡ ማለቶም እንተኾይኑ፡ ትሕዝቶ መልእኽቶም “ንወጽዓን ጭቆናን ኣሜን ኢልካ ብጸጋ ምቕባል” ዝብል ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ኣይኮነን። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ንሉላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ትንዕ-ምንዕን ኣብ ውግእ እንዳማትካ ኣቲኻ መንእሰያት ምህላቕን እንዳወሰኸሉ እውን ነቲ ጉጅለ ከንጽህዎን ዘይግበኦ ሓርበኝነት ከልብስዎን ዝፍትኑ ክትሰምዕ እንከለኻ ዘሕድረልካ ስምዒት ልዕሊ በቲ ኩነታት ምግራምን ምሕዛንን እዩ። ስለዚ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ዝዕድመኡ፡ መንቀሊኡ ከኣ ናይ ግዳም ሓይልታት ተጽዕኖን ኢድ ኣእታውነትን ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ብሰንኪ ህግደፍ ዝተበላሸወ ውድዕነት ምዃኑ ዘይሕበል ሓቂ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ መዐቀንታት ብዙሓት ኢና። ቁጽርና ከባቢ 4 ሚልዮን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ጾታና፡ እምነትና፡ ዕድመና፡ ደረጃ ትምህርትና፡ ቦታዊ ኣቀማምጣና፡ ባህልና፡ ቋንቋና፡ ብሄርናን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባናን ክረአ እንከሎ’ውን ብዙሓት ኢና። ብዙሕነትና ሎሚ ዝፍጠር ዘሎ ሓድሽ ተርእዮ ዘይኮነ፡  ኣብቲ ነዊሕ ተመኩሮ ቃልስና እውን ምሳና ክጐዓዝ ዝጸንሐ እዩ። ብዙሕነትና ብሃገራዊ ሓላፍነት ከነመሓድሮ እንከለና፡ ምንጪ ሓይልናን ብርታዐናን ከም ዝኸውን ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ናብ ዘይግቡእ መንገዲ ክንመጦ እንከለና ዝብትነናን ዘድክመናን ምዃኑ ድማ ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮን ሎሚ እውን ከምዘይገደፈና ካባና ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ኣብዚ እዋንዚ፡ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ እንመዝነሉ መዐቀኒ፡ ነቲ ጉጅለ ንምውጋድ እንመርጾ ኣገባብ፡ ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ ክትመሓደረሉ ዝግበኣ ኣገባብ ኣብ ምትላም፡ ነዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና  ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ኮነ መጻኢት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ምስ መንን በየናይ ደረጃን ንዛመድ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ክንሓስብ እንከለና፡ ናይ ርእይቶ ብዙሕነት ከም ዘለና ንርእዮ ዘለና እዩ። ካብ ሓደ ንላዕሊ ውድባት ክንከውን ዝድርኸና እውን ንሱ እዩ።  እዚ ኩሉ ርእይቶታት ተደሚሩ ከኣ ናብ ሓደ ናይ ሓባር ጭቆና ንምውጋድን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን ዝጥምት እምበር በብዝወፈሮ ተፈላልዩ ዝነብር ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ሓባር መዋስኢ መድረኽ ዘድልየና ከኣ ምእንቲ’ዚ እዩ። ስለዚ እቲ ዘሰክፈና  ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምፍጣሩ ዘይኮነ፡  ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከነመሓድሮን ሓባራዊ ኣቕጣጫ ከነትሕዞን ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

ምስዚ፡ ከምቲ “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ”  ዝበሃል ቀይሕ መስመር ከይንሰግር እንጥንቀቐሎም እምበር፡ ክንፈላለየሎም ዘይግበኣና መሰረታዊ ኣዕኑድ ከም ዘለዉ  ምስትብሃል ናይ ግድን እዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ልኡላውነትን መንነትን፡ ንኹልና ብማዕረ ዝብጸሓና፡ ብኹልና ከኣ ክዕቀብ ዝግበኦ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝተፈላለዩ ሓሳብ ምንጽብራቕ ውሁብ’ዩ ዝበልናዮ፡ ኣብዚ ረዚን ዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ልኡላውነትን መንነትን፡ እንተተፈላሊና ብመሰረቱ እውን እቲ ፍልልያትና ዓቂብና እንረግጾ መሬት ክጾረና ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራን ልኡላውነታን እንተተፈላሊና “ደቂ ሓንቲ ሃገር ኢና” ፡ ኢልና ምእንተኣ ሓቢርና እንስለፈሉ ቦታ ስለ ዘይህልወና። ስለዚ እቲ “ክንሰግሮ ዘይግበእ ቀይሕ መስመር”  ዝበልናዮ ነቲ ናብዚ ከይወስደና ክንጥንቀቐሉ ዝግበና ዘይጥዑይ ጐደና እዩ።

እቲ ክንዕቅቦ ዝግበኣና ኤርትራዊ ልኡላውነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ናብኡ ዝበጻሕናሉ ሓርበኛውን ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎን ጉዕዞ ቃልሲ እውን ክብርን ሓለዋ ዘድልዮ እዩ። ነዚ ጉዕዞ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ምንእኣስን ንሓርበኛታቱ ክብሪ ምንፋግን ማለት  ካብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይምቕባል ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሓደ ኤርትራዊ ንልኡላውነት ሃገሩ ብዘይሃሲ፡ ብርኢቶኡ “እዚ እዩ ኣብ ኤርትራ ዘዋጽእ” ኢሉ ዝኣመነሉ ኣተሓሳስባ ስለ ዝሓዘን ንዕኡ ንምስፋሕ ስለ ዝጐስጐሰን ዝወደበን ብሸፈጥ “ኣንጻር ልኡላውነት”  ዝብል ግጉይ ቅጽል ምጥቃን መሰል ምውዳብ ዝግህስ  እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ደገፍቲ ኢና በሃልቲ ኤርትራውያን፡ ክብሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓልዮም ኣንጻር  ናይ ህግደፍ ጨቋኒ ርኢቶ ንዝተሰለፉ ኤርትራውያን “ጸረ ልኡላውነት ኤርትራ እዮም” ክብሉ ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። እዚ ኣበሃህላኦም ካብ ትርጉም ልኡላውነት ሃገር ጀሚርካ፡ ክሳብ ዋና ልኡላውነት መን ምዃኑ ዘለዎም ናይ ኣረዳድኣ ግጉይነት ዘመልክት’ዩ። ሓሓሊፍካ እውን “ሉኣላውነት ዝፈጠረ ጉጅለ ህግደፍ እዩ፡ ንሱ እንተዘየልዩ ከኣ ምስኡ ዝጠፍእ እዩ” ብዝዓይነቱ ስንኩፍ ኣተሓሳስባ፡ ዕድመ ህግደፍ ክነውሕ ዝጽልዩ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ምዃኑ ከመልክቱ ዝደልዩ ዘይሓፍሩ ኣለዉ። ልኡላውነት ኤርትራ ግና ብሳላ ህግደፍ ዝዕቀብ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ከይድፈርን  ከይህሰን ዘስግእ ዘሎ፡ ውጽኢት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ተመኩሮና ዝምስክሮ እዩ።

ልኡላውነት ኤርትራ ብኤርትራውያን እዩ ተዋሒሱ። ንመጻኢ እውን ብኤርትራውያን እዩ ዝዕቀብ። ምስ  ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ፈተውቲ  እንገብሮ ዝምድና ኣብ ርእሲቲ ናትና ዓቕሚ ተወሳኺ ክንድልብ  ኣምበር፡ ኤርትራዊ ጉዳይና ብኣኣቶም ንምውሳን ኣብ ሓደ መኣዲ ንቕረበሉ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ነዚ ቅኑዕ ኣገባብ ኣጽኒዕና ብዘይመሓዝና ኣብ ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዘለና ናይ ርእይቶ ፍልልይ ነቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ይጸልዎ ምህላዉ፡ ገሌና ክስገር ዘይግበኦ ቀይሕ መስመር ንሰግር ምህላውና ዘመልክት እዩ። ሎሚ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ምስ ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባንዴራ፡ ካርታ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ሃገር ተላጊበን ኣብ ገለ ኣደባባያት ምርኣይ፣ ኣብ ገሊኡ ኣደባባያት ከኣ ምስ ባንዴራ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከተንበልብል  ምዕዛብ ዝተለመደ እዩ። ነዚ  ተርእዮታት’ዚ እቲ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ከባቢ ጎንደር፡ ደሴ፡ ሑመራን ምጥፍኦም፡ ኣብ ዓላማኦም  ሞይቶም ዝብል ወረ ክውሰኾ እንከሎ “ኣበይ ኢና ዘለና?” ዘየብል ኣይኮነን። ኣብዚ ነቲ ማእዝኑ ዝሰሓተ ጫፋት ንቃወሞ ኣለና እምበር፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝኣተዎ ኣቲኻ ምቅላሱስ ኣብ ቦታኡ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ንታሪኻዊ ኣመዓባብላ ኤርትራዊ ሃገራውነት ቅድመ-ምፍጣር ሃገራት ዝነበረ ታሪኽ ተሞርኲስካ ንናይ  ጐረባብቲ ማሕበረ-ባህላዊ ዝምድና፡ ሰማይ ኣዕሪግካን ልዕሊ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ሃገርነት መለክዒ ምስራዕን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ብመሰረቱ ተመሳሳሊ ማሕበረ-ባህላዊ ርክባት ኣዛሚድካ “ሓድሽ ሃገር ክንፈጥር” ብዝብል፡ ናይዛ ህያው ኤርትራ ሓድነት ህዝብን መሬትን ምብታን ዘኸትል ምዃኑ ብንጹር ንርኢ ኣለና። እቲ ጉዳይ ዝያዳ ሓደገኛ ዝኸውን፡ ገለ ቁንጣሮ ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ወገናት ኣብ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ዝምልከት ዛዕባ ምስ ኤርትራውያን ዘይኮኑ ወገናት ዝናበብሉ ዘለዉ ምዃኖም እዩ። ስለዚ ከምቲ ወለድና ከምዚ ከጋጥሞም እንከሎ፡ “ስግኣትና ትብዓትና ይግበረልና” ዝብልዎ፡ እዚ  ክስገር ዘይግበኦ ቀይሕ መስመር ዝደናደንን ተመዝሚዙ ዕድመ ህግደፍ ዘንውሕን ኣረዳድኣ ከይሳዕረረ ክንኮልፎ ዝግበኣና እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ክንጸር እንደልዮ፡ እዚ ንልኡላውነት ዝጻባእ ሓደገኛ መንገዲ፡ ከም ናይ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ጌሮም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ወገናት ኣብ ግጉይ መንገዲ ከም ዘለዉ  ተገንዚቦም፡ ናብ ልቦም  ክምለሱ   ነዘኻኽሮም።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሚድያታት ህግደፍ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ዝቐነየ ዜና፡ መራሕቲ ህግደፍ “ሓንካስ ብምርኩስ” ከካብ ዝነበርዎ ጐዳጉዲ ወጺኦም፡ “ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ኣካይዶም”  ዝብል እዩ። እዞም ኣኼባ ከካይዱ ዝቐነዩ፡ መራሕቲ ኣይኮነንዶ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ከካይዱ፡ ናታቶም ኣኼባታ ካብ ምክያድ እውን ንነዊሕ ግዜ በዂሮም ዝጸንሑ እዮም። እቲ ኣብዚ እዋንዚ ህዝባዊ ኣኼባታት ምክያዶም፡ ዋላ ተሓቢኦም እንተጸንሑ ሕማቕ ኣይመኾነን። እቲ ቀንዲ ናይ ኣኼባታቶም ኣጀንዳ መሰረታዊ ፖለቲካውን ማሕበር-ቁጠባውን ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ንምፍታሕ ዘይኮነ፡ ሎሚ እውን ናይ ክተት ንውግእ ነጋሪት ንምድሳቕ ምዃኑ ግና የሕዝንን የተዓዛዝብን። ኣጀንደኦም ዋላኳ ክኸዋውልዎን  ባዛዕባ መጻኢ ልምዓት ከምስልዎን እንተፈተኑ፡  ናይ ውግእ፡ ክተትን ርድኡናን ምንባሩ ግን ካብ ህዝቢ ኣይተኸወለን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ላዛ ብዝጉደሎን ብዘይተኣደበን ኣብ ሕድሕዱ ዝጓነጽን ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀንድን እዋናውን ኣጀንዳ ናይቲ ብስማዊ ደረጃ ዝመርሖ ግንባር፡ “ሓድነት ኢትዮጵያ ምዕቃብን ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምጥፋእን” ምዃኑ ከም ዝኣወጀ ዝዝከር እዩ። ናይዚ ዝጠቐስናዮ ናይቶም መራሕቲ  ወፈራ ናብ ኣኼባታት  ዕላማ ከኣ ነዚ ኣልኣሚን ዝበሎ ዘይኤርትራዊ ዛዕባ ንምስራጽን ንምዕማቕን እዩ ተኻይዱ። እዚ ኣካይዳ ብመሰረቱ ነቲ ዝያዳ ንህዝቢ ኤርትራ ዘገድሶ፡ ሃገር ናይ ምድሓንን ምህናጽን ዕማም ዝጓሰየ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ናይ ካለኦት ጉዳይ ኢድ ኣእዳውነት ሓድሽኳ እንተዘይኮነ ዝያዳ ዘዕዝዝ እዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም እቲ ጉጅለ ሎሚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ክድህለለለይ ይኽእል እዩ  ዝብል ተስፋ ምሕዳሩ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሕቶታቱ ስለ ዘይመለሰሉን ኩሉ መሰላቱ ገፊፉ ይድህኾ ስለ ዘሎን ከምዝተቐየሞን ይቃለሶ ከም ዘሎን ህግደፍ ዝተሰቆሮ ኣይመስልን። ኣይኮነንዶ ኣብ ኣርዑት ህግደፍ ናይ ምንባር ኣዝዩ መሪርን ሃብታምን ተመኮሮ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ፡  ዝኾነ ህዝቢ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ከም ዘለሊ እውን እቲ ጉጅለ ኣብ ግምት ኣየእተወን።  ናይዚ ቀንዲ ጠንቂ ከኣ ክቱር ትዕቢትን ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝብን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ በብግዜኡ ዝጻሕተሮ ህውከት ብናይ ውግእ ጐስጓስን ክተትን፡ ብወረ ዘይኮነ ብተግባር ከም ዝላደየ ይፈልጥ እዩ።

ክሳብ ክንድዚ ሃብታም ተመኩሮ ንዘለዎን መሰረታዊ ሕቶኡ ስለ ዘይተመለሰሉ ኣዝዩ ዝተቐየመን ህዝቢ፡ ሎሚ እውን ኣብ ትግራይ፡ ጐንደር፡ ወሎን ዓፋር ኢትዮጵያን ከይደ ክዋጋእ እየ’ሞ፡ ነቲ ውግእ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝካየድ እዩ ኢልኩም ፍለጡልናን ሰብኣውን ንዋታውን ሓገዝ ከኣ ኣበርክቱለይ ዝብል ጻዋዒት ካብቲ ጉጅለ ምስማዕ ምስ ምንታይ ከም ዝቑጸር ኩሉ የስተንትኖ። እቲ ጉጅለ ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ እንተዘይኮይኑ፡ እዚ ጸዋዒት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ክረክብ’ዩ ካብ ዝብል እምነት ነቒሉ ዝብሎ ዘሎ እዩ ምባል ኣዝዩ የጸግም።

ህግደፍ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር፡ ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ከም ዝበሃል፡ እቲ ብዘይሕሳብን ሳዕቤናቱ ብዘይምርዳእን ብናይ ሕነ ምፍዳይ ክቱር ቅርሕንቲ  ዘሊሉ ዝኣተዎ፡ ምውጻኡ ጸጊምዎ ዘሎ ውግእ “ንህልውና ኤርትራ” ዝካየድ ዘሎ ኣምሲሉ የቕርቦ ኣሎ። እቲ ሓቀኛ ምስጢርን ትርጉምን ናይቲ ውግእ ግና፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕልቲ ሕነ ናይ ምፍዳይ ህርፋን፡ እንተተኻኢሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጐብለል ክኸውን እንተወሓደ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ዕድመ ልክዕ ስልጣን ንምድልዳል ዝመሃዞ እዩ። መሪሕቲ እቲ ጉጅለ ነዚ ሓደገኛ ምህዞ ከም ዘለዎ ፊትንፊት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምቕራቡ ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ኣዳዕዲዖም ይፈልጥዎ እዮም። ስለዚ ንህዝቢ በታ እተሕምሞ “ሃገር ኣብ ሓደጋ ትወድቕ ኣላ’ሞ ነድሕና” እትብል መዝሙር ምቕራብ ጽብቕቲ መሕብኢት  ገይሮም ስለ ዝርድእዋ  ኣብቲ ኣኼባታት ከኮማስዕዋ ቀንዮም።  ሃገር እትድሕን ግና ኣብ ዘይጉዳይካ ዘሊልካ ብምእታው ዘይኮነ፡ ንዘቤታዊ ጉዳይካ ቀዳምነት ብምሃብን ሓባራዊ ረብሓን ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝመሰረቱ ዝምድና ብምምዕባል ጥራይ እዩ።

እዚ ህግደፍ መሬት ከም ዕንቊ ምስ ጸበበቶ ዘርእዮ ዘሎ ጠንበርበር ዝተለምደ እምበር ሓድሽ ኣይኮነን። ዝሓለፈ ተመኩሮን ባህርያትን ህግደፍ ዳህሲስና ንዕዘቦ ዘለና ተርእዮ እንጽበዮ እምበር ዝሕደሰና ኣይኮነን። ህግደፍ ከኣ እቲ ባህሪኡ ዝፈቕደሉ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ንመጻኢ እውን ከከምቲ ከጋጥም ዝኽእል ምዕባለታት መልክዓቱ ክልውጥ ይኽእል እምበር ተግባራት ህግደፍ በዚ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ካብ ምቕጻል  ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ። ስለዚ ህዝብን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኤርትራ ክንግደሰሉን ግዜ ሂብና ክንሓስበሎን ክንሰርሓሉን ዝግበኣና ንኤርትራ ካብቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣንጻራ ዝስሕሎ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ሴፍ ምድሓን እዩ። ድሕሪ ሕጂ ናይቲ መመሊሱ ናብ ጥፍኣት ዝዕዘር ዘሎ ጉጅለ ኣበሳ ክንጽብጽብ እነባኽኖ ግዜ ክህሉ ኣይግባእን። ካብኡ ዝተፈለናን “ሃገርና ንሕና ኣለናልኪ”  እንብልን ምዃና ብመርገም ዘይኮነ፡ ብግብሪ  ሰሪሕና ከነርኢ ኣብ እንሕተተሉ ወሳኒ ግዜ ከም ዘለና ነስተውዕል።

ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፈ ተመኩሮ ናይቲ ጉጅለ ግጉይን ዘይህዝባውን ምዃኑ ጠፊእዎ ዘይኮነ፡ “ጽባሕ ደኾን ዝሓሸ ይመጽእ ይኸውን” ብዝብል ብተስፋ ዝተጸመሞ ግዜ ሓጺር ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ ግና  ቀዳምነት ዝወሃቦ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ጓስዩ፡ ምናልባት እውን ነቲ ዝተመዝገበ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ልኡላውነት   ንድሕሪት ከይመልስ ዘስግእ ናይ ጥዑሳት ምርጫ እዩ ዘታቲ ዘሎ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብቃልሱ ናብ ራህዋ ምስጓም ንቐጻልነት ናይዚ ጉጅለ ንብረቱን ህይወት ደቁን ክግብር ኣይግበኦን። ነቲ እዚ ጉጅለ ዘወጣውጦ ዘሎ ናይ “ክተት ናብ ውግእ” መጸዋዕታት “ስለምንታይ? ንረብሓ መንከ?” ዝብሉ ሕቶታት መሊሱ ተስፋ ዘቑርጽ መልሲ ሂቡ ንጠንበርበር መራሕቲ ህግደፍ ከምክኖ እዋኑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ተግባራቱ ንምጽብባቕ  ዝዝምሮ መዛሙር ተቐቢልካ ምቅላሕ፡ ነቲ ጉጅለ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘስንቕዎ፡ ዘዕጥቕዎን ንኺድ ጥራይ ዝብልዎን እውን ጽባሕ ዘሕትቶምን ዘጣዕሶምን  እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ብነዊሕ ውረድ ደይብ ክሓልፍ ዝጸንሐ ሕጂ እውን ካብዚ መስርሕ ወጺኡ “እፎይ” ዘይበለ ህዝቢ እዩ። ኣብዚ መስርሕ፡ ብዘሕጉስን ዘሕዝንን፡ ተስፋ ዝህብን ተስፋ ዘቑርጽን፡ ዘቕስንን ዘሻቕልን ተረኽቦታት እዩ ክሓልፍ ጸኒሑ። ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዘየኸተመ፡ ናይ ክብለጠቕ፡ መድረኻት ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ካብ ዝተሓጐሰሉ ኣጋጣሚ ወርሒ ጉንበት 1991 ምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣንጻር መግዛእቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ነዊሕን መሪርን ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ኣብ ውጽኢት በጺሑ ናጽነቱ ዘበሰረሉ እዋን ስለ ዝነበረ።  እንተኾነ እዚ እዋንዚ ናይ ሓጐስን ዳንኬራን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ተስፋን መጻኢ ምምዕዳውን እውን እዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብናጽነት ክሕበን እንከሎ፡ ሓበኑ ምሉእ ንክኸውን ዝጽበዮ ተወሳኺ ዕማም ከም ዝነበሮ ኣይዘንገዐን። ምዕዋት ናጽነትን ልኡላውነትን ተረጋጊጹ፡ መግዛእቲ ተወጊዱ፡ ኤርትራ ማዕረ ካለኦት ሃገራት ዝተሰርዓትሉን ንሓድሽ ሃገር ናይ ምህናጽ ኣፍደገ ዝኸፈተሉን መድረኽ ነይሩ እምበር፡ ናይ ግዜ ቃልሲ ቁስሊ ሓውዩ፡ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት መፍትሒ ሒዙ ዝመጸ ከም ዘይነበረ ንጹር እዩ። መግዛእቲ ስዒርካ እዞም ዘቤታዊ ጸገማት  ዝፍትሕሉ መደባት ምውዳድ እቲ ዝቕድም ስራሕ ክኸውን  ተስፋ ምሕዳር ከኣ ውሁብ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ዝተዓወተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘቤታዊ ጸገማታ ምፍታሕ ክኸብዳ  እዩ ኢሉ ዝግመት ኣይነበረን። እንተኾነ፡ ጉዳይ ሃገር ካብ ኢዱ ወጻኢ ኮይኑ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ተዓዲሉ፡ “ናጽነትካ ኣምጺአልካ” ኢሉ ዝተነየተ መሪሕነት፡ ኣይኮነንዶ ካብ መግዛእቲ ዝኸፈአ ክኸውን፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር ከይዕንቅፍ ኢልካ ክትጥርጥሮ ዝግመት ኣይነበረን።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ድሕሪ ናጽነት ጉጅለ ህግደፍ ንጸገም ህዝቢ ክንድቲ ክወሃቦ ዝግባእ ክብደት ዘይምሃቡ ዓቕሚ ስለ ዝጐደሎ ዝመስሎም ብዙሓት እዮም። እቲ ጉጅለ እውን ንኹሉ ናይ ህዝብና ቅንዕናን ተስፋን መዝሚዙ ንኩሉ ሓጥያት ናብቲ ዝተሳዕረ መግዛእትን ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ቀጥታዊ ኢድ ዘይነበሮም ምዕራባውያን ኣካላትን እዩ ዘላግቦ ነይሩ። ግዜ እናነወሐ ምስ ከደ ግና፡  እቲ ጉጅለ ህዝባዊ ሕቶ ዘይምልስ ሰኣን ዓቕሚ ዘይኮነስ ኣንጻር ባህጊ ህዝቢ ምዃኑ ዝርድኡን ነዚ ኩነታት ንምቕያር ዝቃለሱን ወገናት ተበራኺቶም። እቲ ጉጅለ ኣብቲ መስርሕ ግዜ ምስ ነወሐ እቲ ሓቢእዎ ዝኸይድ ዝነበረ ቂመኛ ጸረ ህዝቢ ባህሪኡ ንሓዋሩ ክሓብኦ ስለ ዘይከኣለ፡ ብተግባር ከርእዮ ተገደደ። ንሕቶ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዝምለስ፡ ወይ ከኣ ስለምንታይ ከም ዘይመለሰ ኣብ ክንዲ ብጋህዲ ዘረድእ ናይ “ምሕባእን ኣፍኩም ሓዙን” ፖሊሲኡ ብሰፊሑ ኣተግበረ። እቲ ካልእ ዝተኸተሎ ሓደገኛ መንገዲ ድማ ምስ ህልውናን ዘይህልውናን ኤርትራ ዝተሓሓዝ ዝመስል መሻቐሊ ምስምሳት ፈጢሩ፡ ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ብምኽፋት ህዝቢ ዘዳህልል ድራማዊ ኣንፈት መጠምዘዚ ፈተነታት ኣካይዱ። ኣብዚ ድራማዊ ውግኣት እቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን  ህዝቢ ካብቲ  ሃገር ናይ ምዕራይን ምህናጽን ኣጀንዳኡ ምውጻኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ውግኣት ሰብኣውን ንዋታውን ዋጋ ዝኸፍል እውን ህዝቢ ምንባሩን ምዃኑን እዩ።

ጉጅለ ህግድፍ ነቲ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ክሓባብኦ ምስ ጸንሐ ደሓር ግና ኣብ ግሁድ ውግእ ኣንጻር ህዝቢ ኣትዩ። ናይታ ሓንቲ ከም ሓሙስ ዝነበረት ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ምዕጻው፡ ግዱድ ዕስክርና ምእዋጅ፡ ዜጋታት ዝኣመንሉ ሃይማኖት ከይክተሉ ምእጋድን ካለኦት ኣዕነውቲ ውሳነታቱን እቲ ጉጅለ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ከም ዝኣወጀ ካብ ዘርእዩ ምልክታት ነይሮም። ህዝቢ ኤርትራ እውን ግብራዊ ቀያሪ ዓቕሚኳ እንተዘይነበሮ እቲ ጉጅለ ኣንጻሩ ውግእ ከም ዝኣወጀ ክርዳእ ከኣል። “ምምሕዳር ናይዚ ጉጅለ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዝኸፈአ እምበር ዝሓሸ ኣይኮነን” ዝብል መደምደምታ ከኣ ኣብ ኣደባባያት ዘይኮነ፡ ኣብ ስቱር ኩርነዓት ብደረጃ ኣሽሙር ከይተረፈ ክጓዝም ከኣለ።

ምስዚ ኩሉ በቲ ሓደ ወገን እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ግብሪ ዘይውዕል ናይ “ንሓደ ዓመት ጥራይ ግዜ ሃቡና           ንልምዓትን ሰላምን ዝምልከት ከነርእየኩም ኢና” ዝብል ቃል ካብ ምእታው ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ በቲ ኢሳያስ ንሓንሳብ ኣብ ዓመት ንሓንሳብ ድማ ካብኡ ኣብ ዝነውሕ ግዜ ኣብ ተለቪዥን እናቐረበ ምስ በዓል ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳውሎስ  ነታባይን ሃለው ዝብሎ ዝረአ ዝነበረ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ገለን ኮነ ኢሉ እቲ ጉጅለ ህዝቢ ንምድንጋር መዳህለሊ ዕጥቂ ኣስኒቑ ዘዋፈሮም፡ ገለን ከኣ ኣብቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ናይ ተስፋ ግዜ ነቲ ጉጅለ ሓንሳብ “ጀግናና” ምስ በልዎ፡ ቀጻሊ ፍጻመታት ምክትታል ብዝሰኣኑ ወገናት “ግዜ ጥራይ ንሃቦ። ሎሚ ደኣ ሃገር ኣብ ጸገም እንድያ ዘላ። ሽዑ ተኣምር ከርእየና እዩ” ዝብል ድምጺ ይስማዕ ነይሩ። እዚ ከምቲ “ብዘበን ውበ ዝጸመመ ውበ ክብል ነበረ” ዝበሃል እዩ። ብግብሪ ግና እቲ ጉጅለ ኣይኮነንዶ በብግዜኡ ይኣትዎ ዝነበረ ቃሉ ኣኽቢሩ ከተግብር ደጋጊሙ ናብ ዝገደደ ኣቕጣጫ ክኸይድ እዩ መሪጹ።

ከምዘይበቕዖኳ ግምት ብዙሓት እንተነበረ፡ ገለ ወገናት ግና፡ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን፡ ኣይኮነንዶ ምስኡ ክትነብር፡ ብዛዕባኡ ክትዛረብ’ውን ዘደንጹ ጸገማት ክፈትሕ ዝተጸበይዎ ነይሮም። እንተኾነ ከምቲ “ትውሕጦ ተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጉዳዩ ከየድመዐ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ትግራይ ኢድ ምእታዉ ብዙሕ እናዛረበናን እናሰክፈናን፡ ጎንደርን ወሎን ከም ዝበጸሐ ይንገረና ኣሎ። እዚ ንድሕነትን ቀጻልነትን ዲክታተር ኢስያስ ዝኽፈል ዘሎ ኣብራሲ ዋጋ ብምዃኑ ዝይዳ ኣርሒቑ እንተኸደ እውን እንጽበዮ እዩ። ወዮ ህዝብን ሃገርን ከድሕን እምነት ከነንብረሉ ዝጸናሕና “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ” ሎሚ’ውን ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸሰሶ ራስያ ኣብ ጐንደር’ውን ከም ዝደገሞ ይስማዕ ኣሎ። ብመንጽርዚ እቲ ጉጅለ ጸረ ሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዞባዊ መንሽሮ ኮይኑ ምህላዉ ባዕሉ የርእየና ኣሎ።

ኣብዚ እቲ ዘተሓሳስብ ኣብ ከምዚ ደረጃ ናይ ጥፍኣት ጫፍ ምብጻሑ እቲ ሓደ ገጹ እዩ። ናይቶም ኤርትራ ንክርህዋ ንቃለስ ዘለና ፍልልያት ናይ ምስካም ዓቕምና ደኺሙ፡ ናይ ሓባር ድምጽና ጠፊኡ ኣብ ገዛእ ጉዳይና ተዓዘብቲ ምዃን ከኣ እቲ ካልእ ገጹ እዩ። ወያ ናይ ምእንቲ መሰል ርእሰ-ውሳነ ናይ ምምካት ኣብነት ኮይና ዝነበረት ኤርትራ፡ ሎሚ ዝኾነ ሕብሪ ለኻኺኻ ከተዕርዮ ኣብ ዘይከኣል  ዝርዝር ወረርቲ ምስፋራ የሕዝን። ሕብረተ-ሰብ ዓለም ከምኡ ምግባሩኳ ሓድሽ እንተዘይኮነ፡ ነቲ ጉጅለ ተደራራቢ እገዳታት ብምንባር ናይ ምዕጋሱ ስጉምቲ ጀሚራ ኣላ። ዓለም ካብ ሰብኣዊ ሕልና ነቒላ እዚ ካብ ገበረት ንሕና እቶም ቀዳሞት ሰብ ጉዳይከ፡ እንታይ ንግበር? እዚ ሕቶ’ዚ ጽባሕ ዘይኮነ፡ ሎሚ ክንምልሶ ዝግበኣና እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ናይ ቃልሲ መስርሕ ክሳብ ክንደይ ብብድሆታት ዝተሓጽረ ከም ዝነበረ ኣብ ቅድሚ ፈታዊ ኮነ ጸላኢ ፍሉጥ እዩ። እቲ ብደሆታት በቲ ብቐጥታ በቶም “እንተዘይገዛናካ” ዝብልዎ ዝነበሩ ዝመጸ ጥራይ ዘይኮነ፡ ግደ ናይቶም ዘስንቕዎምን ዘዕጥቕዎምን ዝነበሩ ዘራያቶም እውን ቀሊል ከምዘይንበረ ታሪኽና ዝሰነዶ እዩ። እንተኾነ ግን ክንድቲ ዝኸብዶ እንተኸበደ ዘራያት እውን ክንድቲ ዝበዝሕዎ ይብዝሑ፡  ህዝቢ ኤርትራ ካልእ መተካእታ ስለ ዘይነበሮ  በቲ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ደሓር ግና ዝተኻእለ እሞ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ጽንዓትን ተስፋ ዘይምቑራጽን ኣብነት”  ዘበሎ ቃልሲ ስኑ ነኺሱ ቀጺሉ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን”  ዝበሃል፡ ዋሕዲ ሰራዊቱ ክስስን፡ እቲ ትሑት ደረጃ ዝነበሮ ዕጥቁ ዘመናዊ መልክዕ ክሕዝ ግዜ ኣይወሰደሉን። ወያ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ”ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ” ኣጐልቢባ ከተዕጠጢ ዝጸንሐት ዓለም እውን ደሓርስ ክትፈልጦ ተገዲዳ። ብንዋትን ሞራልን ዝደርዕዎ ወገናት እውን ነይሮም። እዚ ምዕባለዚ ክርከብ ግደ ናይተን ኣብ ሜዳ ዓጢቐን ዝኳሸሓ ዝነበራ ውድባትኳ ቀሊል እንተዘይነበረ፡ ቀንዲ ዋንኡ ግና ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ልዑል ዕጥቅን ብዝሒ ሰብን ጸላኢ ከየንበርከኾ ናይ ጽንዓትን ጅግንነትን ኣርኣያነቱ ኣመስኪሩ እዩ።

እቲ ብኽንድዚ ዘገርም ጽንዓትን ተወፋይነትን ብረታዊ ቃልሱ ኣዐዊቱ ብህዝበ-ውሳነ ልኡላውነቱ ዝኾለዐ ህዝቢ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ረብሓ  ህዝቢ ብዝማእከሉ መንገዲ ምህናጽ ሃገር ከጸግሞ እዩ ኢሉ ዝሰግአ ኣይነበረን። እኳ ደኣ በቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ዘዋህለሎ ተመኩሮ ተሓጊዙ፡ ነቲ መስርሕ ምህናጽ ሃገር ከቀላጥፎ’ዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ትጽቢት ነይሩ። እቲ መስርሕ ንክዕወት ቀሊል ከምዘይከውን  ዝገመቱን ጸኒዖም ዝመከቱን ግና ነይሮም። “ድሕሪ ናጽነት እውን ግድል ኣሎ፡ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ”  ዝብል ትንቢታዊ ዜማ ነፍሰ-ሄር ተኽለሚካኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ከኣ ነዚ ዘመልክትን ህዝቢ ከይህመል ዝምህርን እዩ ነይሩ። እቲ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዕማም ካለኣይ ምዕራፍ ምድፋእ ኣብይዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘዐወቶ ሃገራዊ መኽሰባት ንድሕሪት ከይምለስ ኣብ ዝሰግኣሉ ደረጃ ከም ዘሎ ብዓይንና ንርእዮን ብእዝንና ንሰምዖን ዘለና እዩ።

ሎሚ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ናይ ድኽነት፡ ሕመቕን ድሕረትን መስርዕ ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ ኮይና እያ እትጥቀስ። እዚ ዘሕዝን  ንጽንዓትን ህርኩትናን ህዝቢ ኤርትራ ዘይምጥን ተረኽቦ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ። እዚ ክለዓል እንከሎ ቀንዲ ዝጥቀሱ ጐቦታት፡ ሩባታትን ባሕርን ኤርትራ ዘይኮኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ኣጠቓቕሳ ከኣ ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ጽኑዕ እምቢ ኣይግዛእን በሃላይነት ኣርኣያነቱ ብዘንጸባርቕ ዘይኮነ፡ ክትደግሞ እውን ብዘሰክፍ ብናይ ኣሜን ኢልካ ወጽዓ ርዓምነት እዩ። ገለገለ ወገናት ብናይ ህግደፍ ከም ድላይካ ህላን ፍንጭራዕን ተገሪሞም “ህዝቢ ኤርትራሲ እንታይ ኮይኑ እዩ ተዓዚሙን ጃጅዩን  ክልተ ግዜ ተራእዩ” ክብሉ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

ካብ ቀደሙ እውን ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ወይ ደሓር ዝተጣዕሱ ወገናት፡ “ኤርትራን ህዝባን ናብዚ ዘለዉዎ ሕሰም ዝወደቑ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ትቕጽል ልኡላዊት ሃገር ብምዃና እዩ” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ምእንቲ መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ንዝቃለሱ ወገናት ንምኹላፍን ንምፍርራሕን “ንኤርትራን ህዝባን ርኢኹም ተቐጽዑ” ምባል እውን ብጋህዲ ይረአ ኣሎ። ብመሰረቱ ግና ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ሕማቕ ኩነታት ንክትወድቕ እቲ ጠንቂ ብቓልሲ ደቃ ናጻን ልኡላዊትን ምዃና ከምዘይኮነ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ እዩ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝጀመረ ቃልሲ ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ ንክበጽሕ፡ ግደ ናይቲ ዝተወደበ ሓይልታት ዝስገር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውዳበ ሓይሊ ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ግን እቲ ናይ ለውጢ ቀንድን ወሳንን ብሓፈሻ ግደ ናይ ህዝባ ብፍላይ ከኣ ብጽሒት መንእሰያ ምዃኑ ኣየማትእን። ጠንቂ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እሞ ንምቕያሩ ንቃለሶ ዘለና ጽልሙት ዘይዲሞክራስያዊ ኩነታት፡ ኣብ ክንዲ ብህዝቢ ዝፍራሕ ንህዝቢ ዝፈርሕ ምምሕዳር ምብኳሩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናጽነትን ልኡላውነትን፡ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ምምሕዳር ንምትካል መንገዲ ዝጸርግ እምበር ዝዕንቅፍ ከቶ ክኸውን ኣይክእልን። “ንህዝቢ ዝፈርሕ ምምሕዳር” ክንብል እንከለና፡ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ እንተዘይመሊሱ ተሓታቲ ከም ዝኸውን ተረዲኡ ካብ ፈቓድ ህዝቢ ዘይወጽእ ማለት እዩ። ነዚ ከተግብር ከኣ ብወሳኒ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ህዝቢ ዝጸደቐ ህዝብን  መንግስትን ዘራኽብ መቆጻጸሪ ውዕል ክህልው ይግበኦ። እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ የለን።

ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ቀንዲ ሞተረኡ ዝኾነ መንእሰይ፡ ገለን ብስደት ገለን ከኣ ተገዱዱ ተዓስኪሩ ኣብ ዘይጉዳዩ እትዩ ኣብ ኣጀንዳኡ የለን። ብመንጽርቲ “ለውጢ ብህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ”  እንብሎ  ህዝቢ ኤርትራ ተዳኺሙ ዘሎ ግደ መንእሰዩ ኣሕይሉን ጠርኒፉን ክሳብ ዘይመከተ  ናይ ለውጢ ዓቕሙ ክደክምን ግዜ ክበልዕን ምዃኑ ምርዳኡ ዘጸገግም ኣይኮነን። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ከኣ ካብዚ እዩ ዝነቅል። ክንዲ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝኣክል ዓብይ ጉዳይስ ይትረፍ፡ ምድኻም ግደ መንእሰይ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ህይወት ዝፈጥሮ ዘሎ ተጽዕኖ ንኹላትና ብሩህ እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ዓሚቕ ወጥርን ድሕረትን ክትውድቕ፡ ተሓታትነት ጠላም ጉጅለ ህግደፍ ገዚፍ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ባዕሉ እውን ዕባራ ምኽንያታት ደኣ ይምህዝ እምበር  ንኤርትራ ንድሕሪት ከም ዝመለሳ ዝሃድመሉ ኣይመስለናን። ንሕና ነዚ ጉጅለ ከነቃልዖ ውሁብ እዩ። ግን ከኣ ኣጻብዕና ናብኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ እንብህጎ ከተግብር ዝኽእል ዓቕምን ሓድነትን ክንፈጥር ዘይምብቃዕና ድኽመት ስለ ዝኾነ፡ እቲ ኣጻብዕትኻ ዊጥ ምባል  እውን ከም ዝምልከት ኣይንዘንግዕ። ብመሰረቱ እውን እቲ መፍትሓዊ ለውጢ ነቲ ጉጅለ ብምኹናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣውራ ናይ ለውጢ ዓቕምና ብምትርናዕ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። “ወዮ ናይ ጽንዓትን ጀግንነትን ኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ እዩ ነቲ  ሸፋጢ ጉጅለ ምውጋድ ኣጊምዎ?” ዝብል ሕቶ በብኹርናዑ ይስማዕ እዩ። ነዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ድኽመት መዝሚዞም፡ ንዝኸፈልናዮ ዋጋ ደፊኖም ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብዕድል ከም ዝረኸበ ከምስልዎ ዝደልዩ ወገናት እውን ኣለዉ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ መስተንክር ዝሰርሐ ተመኩሮኡ ንድሕሪት ተመሊሱ፡ መስሓቕ ሸራፋት ከይከውን ብግብሪ ኣብ  ጉዳይ ሃገሩ ዘለዎ ተወፋይነት ከመስክር ኣብ ዝግደደሉ ኰነት እዩ ዘሎ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ተሰሊፍናሉ ዘለና፡ ልኡላውነት ናይ ምዕቃብን ሃገር ናይ ምሕላውን ምህናጽን መስርሕ ቃልሲ ዝያዳ ጠመተናን ቆላሕታናን መጻኢ ዕድል ሃገርና ዝውስን ክኸውን ከም ዝግበኦ ዘየማትእ እዩ። እዚ ግና ነቲ ዝሓለፈ  ሓጢጥና ንግደፎ ማለት ኣይኮነን። ብዛዕባ ዝሐለፈ ተመኩሮ ክንጸባጸብ እንከለና ግና ነቲ ንመጻኢ ተቐራሪብና ክንጐዓዞን ክንዓሞን ዝግብኣና ዝዕንቅፍን ነቲ መስርሕ ንድሕሪት ዝመልስን  ከይከውን ክንጥንቀቐሉ ይግበኣና። ብኣንጻሩ እቲ ንድሕሪት ተመሊስካ ምጽብጻብ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ጉዕዞና ክንገብሮ ዝግበኣና ምቅርራብ መወከስን መንጠርን  ክኸውን ይግበኦ።

ብዛዕባ ዝሓለፈ ምጽብጻብ ዓንቃፊ ዝኸውን፡ ነቲ መጻኢና ንምውሳን እንቀራረቦ ዝዕንቅጽ ኣብ ሎሚ ኮይና ኣብ ትማሊ ዘንብር ክኸውን እንከሎ እዩ። ብዛዕባ ዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብዚ ሎሚ ዘለናዮ ኩነታት ኮይና ክንጸባጸብ እንከለና ዝፈላልዩና ተመኩሮታት ክርከቡ ናይ ግድን እዩ። ከም ኣብነት ብዛዕባ ደሕረ-ባይታታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን (ተሓኤ) ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን (ህግሓኤ) ክንመዝንን እንከለና ከምኡ ከም ዘጋጥመና እንርደኦ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብቲ ዘጋጥም ምፍልላይ ምድራቕ ክሳብ ክንደይ ሃሳይ ከም ዝኾነ ስለ እንርዳእ ኢና ንምምሕዳሩን ንምስጋሩን እንጽዕት። እቲ ተጸባጺብና እነመዝግቦ ፍልልይ እውን ኣካል ታሪኽና ስለ ዝኾነ ኣይንድርብዮን ኢና። ብኸምዚ ምግጣሙን ምውጋኑን ከኣ ከም ጸጋ እምበር ከም ሓጥያት ክንርእዮ ኣይግበኣናን። በቲ ዝፈላሊ ከይተኾለፍና፡ መጻኢ ምቅርራብና ምሕያል ግና መተካእታ ስለ ዘየብሉ ክንቅበሎ ናይ ግድን እዩ። “እቲ ንሕሉፍ ታሪኽ ኣይንረሰዓዮ፡  ናቱ እሱራት ግና  ኣይንኹን”  ማለት ከኣ ነዚ ናይ ምክእኣል ኣገባብ ብግብሪ ምኽታሉ እዩ።

ነዚ እንርከበሉ እዋን ተቐራሪብና እንተዘይሰጊርናዮ፡ በበይንና ክንዓሞ ዘይንኽእል መጻኢ ናይ ሓባር ዕማም ከም ዘለና ርዱእ እዩ። ኣብቲ እንተኣማመነሉን ንሰማመዓሉን ኣትኪልና ኣብ ኤርትራ ረብሓን መሰረታዊ መሰልን ህዝብና ዝማእከሉ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ መጻኢ መሰረታዊ ተልእኮና ተቐራሪብና ክንዓምም ክንበቅዕ ግዜ ዘይህብ እዩ። ናብ ከምዚ ደረጃ ምብቃዕ ድማ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ካብቲ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ሓደ ምእላይ ስለ ዝኾነ ዕቱብ ቆላሕታ ክንህቦ ናይ ግድን እዩ። ነቲ  ብዛዕባ ዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብ ምግምጋም ዘጋጠመና ፍልልይ ኣተዓባቢናን መጢጥናን ሎሚን ጽባሕን ብዙሕ ክንሰርሓሉ ዝግበና ወርቃዊ ዕድል ንድሕሪት እንዳመለስካ ምብኻኑ ቅኑዕ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ብቕልጡፍ ምቅይያራት ዝተሰነየ ጉዕዞ ቃልሲ ማዕሪኡ እንተዘይሰጒምና፡ ደሓር ተመሊስካ ከተድሕኖ ዘይትኽእል ክሳራ ዘስዕብ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ዘይዕቱብ ኣትሓሕዛ ጉዳያት ዘባኸናዮምን ሎሚ ክንደግሞም ዘይግበኣናን ተመኩሮታት ከም ዘለዉና  ንኹላትና ብሩህ እዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ብዝሓለፈ ምጽብጻብን መጻኢኻ ንምዕዋት ምቅርራብን ኣብ ኩሉ ብሓባር  እትዋሰኣሉ መዳይ ርክብ ዘጋጥም እዩ። ኣብዚ ዝያዳ ተገዲስናሉ ዘለና ግና ምስ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተመኩሮና ኣብ ዝዛመድ ዘተኩር እዩ። እዚ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ማሕበራትን ካልእ ውዳበታትን ከጋጥም ዝኽእል እዩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ ውድባት ኤርትራን መግዛእታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ጐረቤትና ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን በብደረጃኡ ዝራኸብሉ ዝነበሩ ተመኩሮታት  ኣለዎም። እዞም ኣካላት እዚኣቶም ሎሚ ኮነ ጽባሕ’ውን እቲ ሓደ በቲ ካልእ ዝጸላለዉሉ  ኲነታት ክህልዎም ይኽእል እዩ።      

ውድባት ኤርትራ ድሕረ-ባይታና ብዘየገድስ  መጻኢ ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዕማም ስለ ዘለና ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ ከፊልናን ተኸኣኢልናን ኣብዚ እዋንዚ ብሓባር ምስላፍና መተካእታ የብሉን። ኣብቲ ርክብና ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ቀንዲ ቆላሕታና መጻኢ ምቁማትኳ እንተኾነ ብዛዕባ ዝሓለፈ ምጽብጻብና እውን ቦታ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ምጽብጻብና ንመጻኢ ምቅርራብና ብዘሐይል እምበር፡ ብዘዳኽምን ንድሕሪት ዝመልስን ክኸውን ኣይግበኦን ንብል ዘለና። ናይ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ መዳይዚ ጻዕርና ውጽኢቱ ተስፋ ዝህብኳ እንተኾነ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ኣየብጻሕናዮን። ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ በሪኽ ደረጃ ከነብጸሖ ከኣ ሎሚ እውን ሓላፍነታዊ ጻዕርና ቀጻሊ ክኸውን ይግበኦ። ምስታ ገዛኢትና ዝነበረት ኢትዮጵያ ምስ ኩሉቲ  ኤርትራ ብቃልሲ ደቃ ተዓዊታ ልኡላዊት ሃገር ምዃናን ብዙሕ ምቅይያራት ምምጻኡን ከም ጐረቤትና ነቲ ዝሓለፈ ከይረሳዕና ዝያዳ መጻኢ ናይ ሓባር ረብሓና እናማዕደውና ኣብ ጉዳያትና ጣልቃ ከይተኣታተና ንጐዓዞ እምበር ሓንሳብን ንሓዋሩን ኩቦ ንደራበየሉ ኣይከውንን።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ትግራይ ከኣ ብፍላይ  ማዕቢሉ ዞባውን ዓለማውን ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ተርእዮ፡ ምጽብጻብን ምቅርራብን በሪኹ ዝረኣየሉ ከም ዝኾነ ንዕዘቦ ኣለና። ብፍላይ ኣብቲ ኣተሓሕዛ ዝምድና ኤርትራውያን ውዳበታት ምስ ትግራይ ብዙሓት ኣብቲ ግዜኦም ዝተሰርሓሎም ሎሚ ከኣ ንምጽብጻብ ዝዕድሙ ተመኩሮታት እናተሓደሱ ክቀላቐሉ ንርእዮም ኣለና። ዝምድና ህወሓት ምስ ህግሓኤ ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ስርዓት ደርግን፡ ናይ 1998-2000 ውግእን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዓኡ ተኸቲሉ ዝመጸ ዘይተተግበረ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብን ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣካልቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ መመሊሱ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ውግእ ምዃኑን ካብቶም ዝለዓለ ጽፍሒ ሒዞም ዘለዉ መዘራረቢ ዛዕባታት እዮም።

ብፍላይ እቶም ኣሉታዊ በሰላ ዝገደፉ ሕሉፋት ተረኽቦታት እንተዘየጋጥሙ ክሳብ ክንደይ መጸበቐ። ካብ ኮነ ግና “ዓይንና ብጨው ተሓጺብና”  ከንሃድመሎም ስለ ዘይንኽእል፡  መጻኢ ናይ ሓባር ተጠቃምነትናን ሰላምናን ኣብ ግምት ብዘእተወ፡ “ዝገብረኒያ ክገብርስ ዓዲ ነየጋብር”  ዝብል ምስላ ኣበው ከይዘንጋዕና፡  ብህድኣትን ብሓላፍነትን ክንሕዞም ይግበና። ኣብቲ ዝሓለፈ ጥራይ ስንና ነኺስና ፈልከት ምባል ምስኣን ግና ንድሕሪት ተመሊስካ ነቲ ዝተፈጸመ ጌጋታት ምውጋድ ዘየኽእል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንመጻኢ ጉዕዞ’ውን ዓንቃጺ እዩ። ስለዚ ኤርትራዊ ኮነ ዞባዊ መጻኢና ብምትህልላኽን ምንጽጻግን ከም ዘይዕረይ ክንርዳእ ይግበና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ንጉጅለ ህግደፍ ዝጸልኦን ዘውግዞን ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከባቢና እውን “ደሓን እቶ” ዝብሎ ከም ዘየብሉ ቅድሚ ሕጂ ግዜ ሂብና ዝገለጽናዮ እዩ። እቲ ጉጅለ እውን ከምኡ ከምዝኾነ ዘይስሕቶ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ  ዝጸልኦ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። ዋጋ መስዋእቱ ስለ ዝጠለሞ፡ ሕድሪ ስዉኣት ደቁ ስለ ዘየኽብር፡ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ስልጣኑ ምስ ኣጣጠሐ ኣይፈልጠካን ስለ ዝበሎ፡ ዝነበሮ ክብርን ሞጎስን ገፊፉ ኩሉ መሰላቱ ስለ ዝገሃሶ፡  ኮታ “መኒኻ በሃላይ” ዘየብሉ ብዘይ ሕገመንግስቲ  ብዓመጽን ምፍርራሕን ይገዝኦ ስለ ዘሎ እዩ። ቁጠዐ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ብጽልኢ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝተጠልመ ኩለመዳያዊ መሰሉ ንምዕቃብ ብዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ውን ዝግለጽ ኢዩ።

ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝገብሮ ምርጻማት ምስ እንርኢ እውን፡ ናብ ከምኡ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ክኸይድ ዘገድድ ምኽንያት ኣብ ዘየብሉ፡ ንውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ዘተኩር፡ ብደጋዊ ምህዞታት ሸፊኑ ኣድህቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝ በብግዜኡ ክምህዞ ዝጸንሐ ረጽምታት ከም ጻሕታሪ ሽግራት ከቑጽሮ ጸኒሑ ኢዩ። ሱዳን፡ ጅቡቲ የመንን ኢትዮጵያን ኣብ  ተመኩሮ ሸፋጢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ዝስረዓ ግዳያት እየን። ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ እውን ነዚ ብኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ዘይቅየድን ብጥሕሰት መሰላት ዝኽሰስን፡ ካብ መንግስቲ ክትብሎ በረኸኛ ምባሉ ዝቐልል ጉጅለ ኣይድግፎን እዩ። ክንድቲ ዘይድግፎ ምዃኑ ብተመጠጣኒ ደረጃ ዘይቀጽዖ ምዃኑ ግና ዘየገርም ኣይኮነን።

ርግጽ እዩ ቅድሚ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ እገዳ ወሲኑ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ንናይ ሽዑ እገዳ ከም ምኽንያት ኮይኑ ዝቐረበ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዘውርዶ በደላትን ግህሰታትን ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦት ሓያላት ሃገራትን ንምሕጽንተአን ነጺጉ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ንኣልሸባብ ብምድጋፍ ኢዱ ኣእትዩ ብዝብል እዩ እቲ እገዳ ነይሩ። እቲ ከምኡ ዓይነት ኢድ ኣእታውነት ንእገዳ ኣየቃልዖን ነይሩ ማለትኳ  እንተዘይተባህለ፡ እገዳ ክውሰኖ እንከሎ፡  ኤርትራዊ ዘቤታዊ ገበናቱ ብግቡእ ኣብ ግምት ዘይምእታዉ ግና ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣዘራሪቡን ኣቖጢዑን ዝነበረ እዩ። እንተኾነ እቲ ዝርካቡ እውን እገዳ  ተባሂሉ እምበር ስለ ዘይተተግበረ ፋይዳ ኣይነበሮን። ጉጅለ ህግደፍ እውን እቲ እገዳ ካብ ክገብሮ ዝደለየ ስለ ዘየብኮሮ “ጸርፊ ክዳን ኣይቀድድን እዩ” ብዝዓይነቱ ኣሽካዕላል እዩ ወሲዱዎ። ደሓር ድማ ኣብቲ ዝነበረ ናይ 2018 “ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን” ናይ ዝተባህለ ተዋስኦ መድረኽ እቲ እገዳ  ብዘይፍረ ተላዒሉ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ከምዚ ዓይነት ተመኩሮ ክመሃር ባህሪኡ ኣይፈቕደሉን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ በቲ ኣብ ሶማሊያ ኢዱ ዘእተዎ እሞ ንስማዊ እገዳ ኣቃሊዕዎ ዝነበረ ኣይተማህረን። ብኣንጻሩ ብፈኸራን ብደዐን ብዝተሰነየ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ መሪሕ ቦታ ሒዙ ይዋሳእ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣብ ርእሲቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ንብረቱን ዝፈጸሞ  ነውራም  በደላት ዓሰርተታ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝሃለቐ’ውን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ።  ኣብ ከባቢ ጐንደርን ሑመራን  ይካየድ ኣብ  ዘሎ ውግኣት  ኤርትራውያን ወተሃደራት ተማሪኾም ዝብል ወረ ምስማዕ እውን ንቡር ኮይኑ ኣሎ። 

እገዳ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለወን ሃገራት ነናብ ረብሓአን ስለ ዘዳልዋ፡ ክሳብ ሎሚ ብደረጃ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዲክታተር ኢሳያስን መጻምዱን መቕጻዕቲ ኣይወሰናን። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ግና  ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝርዝሩን ዕምቆቱን ንጹር ዘይኮነ ባይናዊ  ናይ ጉዕዞ እገዳ ወሲና ኣላ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ ኣሜሪካ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ንብረቱን ብዘብጽሕዎ ጉድኣት፡ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ቁሩብ ትርር ዝበለ ዝመስል እገዳ ወሲና ኣላ።

እዚ እገዳ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ክወዳደር እንከሎ ዝነጸረን ንብረትን ገንዘብን ናይቲ ጀነራል ዝእግድን ንኣተገባብርኡ ብዝምልከት ናብ ዝቆጻጸር ኣካል ዝተመሓላለፈን እዩ። እዚ እውን ብፍላይ ብመጽርቲ እዚ ጀነራል ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይፍለ ክብደት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላት ዝምጥኖ ኣይኮነን። ዝርካቡኸ ኣብ ግብሪ ክውዕል ድዩ ኣይፋሉን እውን ኣዛራቢ እዩ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ፍታሕ  ኣባና ኣብ ኢድ ዋናታቱ ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ እገዳ ዝርካቡ “ስማዊ ጥራይ” ኮይኑ ከይተርፍ ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ ክንደፍኣሉ ከድልየና እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ማዕቀብ ዝወሰነ ኣካል’ውን ውሳነኡ ስማዊ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ንካለኦት ዓመጸኛታት’ውን ኣብነታዊ ትምህርቲ ክህብ ብዝኽእል ደረጃ ተኸታቲሉ ከተግብሮ ነማሕጽን።

ጉዳይ እገዳ ክለዓል እንከሎ እቲ ወትሩ ዝመጽእ ኣዛራቢ ዛዕባ፡ “ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባንከ ዘሕድሮ ሳዕቤን ኣለዎዶ የብሉን?” ዝብል እዩ። ኣብዚ ቅድሚ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ኣብ ትሕቲ ተሪር እገዳ ጉጅለ ህግደፍ ይነብር ከምዘሎ ምስትብሃል ናይ ግድን እዩ። እቶም እገዳ ኣብ ልዕሊኦም ዝተወሰኖም ጉጅለ ህግደፍ ይኹን ኣካላቱ እቲ ስጉምቲ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተወስደ ውሳነ ኣምሲሎም የቕርብዎ እሞ ንብዓት ሓርገጽ እንዳነብዑ፡ ህዝባዊ ደገፍ ክረኽብሉ  ካብ ምጽዓር ዓዲ ኣይውዕሉን እዮም። ነቲ ባዕላቶም ደም ዘንብዕዎ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ከምዚ ንዓኣቶም ዘድልዮም ወሳኒ ኩነታት “ማህሰይትና ማህሰይትኻ እዩ” ዝብል መዝሙር ከዘምርዎ ህርድግ ይብሉ። ንክብሩን ንክብሪ ሃገሩን ክትንስእ እውን ይሽሕጥዎ። ሎሚ ደኣ ይንኪ ኣሎ እምበር፡ በዚ ብምዓር ዝተቐብአ ዕረ ስብከቶም ተዓሽዩ “ኣለኹ ምሳኻትኩም” ዝብሎም ኣይስእኑን እዮም። ናይቲ ብኸምዚ ምዕሻዎም ጠንቂ ከኣ ነቲ ዘይሓልፍ ህዝብን ሃገርን ካብቲ ጽባሕ ዕምሩ ኣኺሉ ዝፋኖ ምምሕዳር ህግደፍ ፈሊኻ ዘይምርኣይ እዩ። ነቲ ናይ ክሳብ ሕጅን ንመጻኢ እንጽበዮን እገዳታት ከኣ ብመንጽርዚ ንሃገርን መደናገሪ ምምሕዳር ህግደፍን ፈላሊና ኢና ክንርእዮም ዝግበኣና

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዞባና ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዕግርግር ዘይተፍለዮ ከባቢ እዩ። ካብቲ ንከምዚ ዘብቀዖ ምኽንያታት ኣቀማምጣኡ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተሓሓዘን ካብተን ካለኦት ዞባታት ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳን ኤስያን ዝቐረበን ቀይሕ ባሕሪ ዝተጐዝጐዘን ምዃኑን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። እዚ ዞባዊ ዕግርግርን ቅልውላውን ናይ ሓጺር ግዜ ዘይኮነ ብፍላይ ካብቲ ኤውሮጳውያን ንኣፍሪቃ ከም ስጋ ጉዚ ክመቓቐልዋ ዝተላዕልሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ መልከዓቱ እንዳቐያየረ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ናይ ቀረባ ናይቲ ዘይህድኣት ኣብነት ምጥቃስ እንተድለየ፡ ሰውራ ኤርትራን ትግራይን፡ ውግእ ሱዳንን ምጥቃስ ይከኣል። ናይ ኤውሮጳውያን ወራራት ነዚ ህልዊ መልክዕ ሃገራት ዞባና ኣትሒዙ እዩ ተዛዚሙ። እቲ ድሒሩ ኣብ ዞባና ዝተኸስተ ሰውራታት ከኣ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት፡ ናይ ደቡብ ሱዳን ሃገርነትን ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ስርዓት ምትእትታውን ኣረጋጊጹ እዩ ሓሊፉ።

ቅልውላው እዚ ዞባ ድሕሪዚ ዝተጠቕሰ ተረኽቦታት እውን መልክዓቱ ቀይሩ ደኣ ይቕጽል ኣሎ  እምበር ኣይዓረፈን።  ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ብዙሓት ፈላጣትን ተመራመርትን “ትርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ ውግእ፡ ጌና ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዘሎ ናብ ዳግማይ ውግእ ዝዓረገ ሕያል ምትፍናን፡ ንዝተወሰነ ግዜ ክሕቆን ጸኒሑ መወዳእታኡ ንምግማት ብዘጸግም ዝቕጽል ዘሎ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝሓዘ ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብን ጉዳይ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያን፡ ሓንካሪ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣሻቐልቲ እዮም። እዞም ተረእዮታት እዚኣቶም፡ ቅልውላው ዞባና  መልክዑ ቀይሩ እምበር ከምዘይገደፈና መርኣያታት እዮም። እዚ ቅልውላዋትዚ ንመን ሃኒጹ ንመንከ ኣፍሪሱ ከም ዝውዳእ ከኣ ምግማቱ ዘጸግም ኣብ መጻኢ እንርእዮ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ልቦናን ሓልዮትን እንተዝነብር እቶም ኣብዞም ዝተጠቕሱ ተረእዮታት ከም ናይ ውግእ ጠንቂ ዝተወሰዱ ምስሕሓባት ናይ ሓደ ሰብ ደም እውን ከይፈሰሰ ከከም ባህሪኦም ብሕግን ብልዝብን ክፍትሑ ዝኽእሉ ምንባሮም እዩ።

ሃገርና ኤርትራ  ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዘቑማ ሃገራት ሓንቲ ብምዃና ኣብዚ ዞባ ብዝፍጠር ኣወንታ ኮነ ኣሉታ ክትጽሎ ናይ ግድን እዩ። ንህልኽን ቅርሕንትን ከም ፖሊሲ ዝምድና ወሲዱ፡ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ዘገድሶ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኢድ ምእታዉ  ኤርትራ ተጸላዊት ዘይኮነትስ ኣብ ማእከልቲ መጋርያ ዘላ እያ። ኣብዚ ሎሚ ዝሕቆን ጽባሕ ጻዕዩ መወዳእታኡ ግና ኣይፍለጥን ዝበልናዮ፡ ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ እያ ዘላ።

ኤርትራን ህዝባን ኩሉ ዓቕሞም ጸንቂቖም ን30 ዓመታት ምእንቲ ናጽነት ተቓሊሶም ተዓዊቶም። እዚ ኩሉ ምእማኑ ዘጸግም ዋጋ ከፊሎም፡ ድሕሪ ናጽነት ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሃለዋት ግና “ሕማቕ” ኢልካዮ ጥራይ ዘይሕለፍ ብዙሕ ናይ ሕሰም ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ነቲ ሕሰም ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ዘርዚርናዮ ስለ ዝኾና ከኣ ኣብዚ ኣይክንደግሞን ኢና። ኤርትራ ህዝበን ንናጽነት ተቓሊሶም “ፍረ ናጽነት ናይ ዘየስተማቐሩ” ሃገራት ኣብነት ኮይና ክትጥቀስ እንከላ ከኣ በቲ ሓደ ወገን ዝያዳ ዘሕዝን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዘሕርን እዩ። እንተኾነ ከምቲ ስነ ጥበባዊ ነፍሰሔር ኣብረሃም ኣፈወርቂ፡ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ካብዚ ዘላቶ ናብ ዝሓመቐ ናይ ምንቋታ ዕድላ ዕጽዊ  ዘይምዃኑ ካልእ ኣሻቓሊ እዩ። እቲ ከይመጽእ እንሰግኦ ዝሓመቐ ከኣ እቲ በብኹርናዑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝሰሓል  ዘሎ ንልኡላውነታ ዘስተናቕን ንሓርበኛዊ መስዋእቲ ደቃ  ዘራኽስን ሴፋት እዩ።

ሃገርና ካብዚ ኣብዚ ዞባና ዝጋማዳሕ ዘሎ ሓደገኛ ማዕበል፡ እቲ ካልእ መመላእታ ኮይኑ፡  ብኣና ብደቃ እያ ክትድሕን እትኽእል። ንሕና ደቃ ነዚ ብደረጃ ሓሳብ ቅሩባት ምህላውና  ርዱእ እዩ። ቅሩብነትና ግብራዊ ንምግባሩ ግና ኣብ ቅድሜና ዘሎ ወሳኒ ሓላፍነት እዩ። እንተ ህግደፍ ብምስ ኤርትራ ደኣ ይምሕል እምበር፡ ንዓኣ ኣትሒዙ ቀንዲ ኣጓድ ሓዊ ስለ ዝኾነ ከድሕና እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ።

ናይ ዓለምና ሓያላት መንግስታት ኣብ ከምዚ ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ ኣሻቓሊ ዕልቕልቕ፡ ግደ የብሎምንኳ እንተዘይበልና፡ ቀንዲ ሸቶኦም ግና  ናቶም ረብሓ ምዕቃብን ኣብቲ ውድድር ጐብለል ኮይንካ ምውጻእን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ቱርክን ምቅልቓል ናብ ጉዳይ ኢትዮጵያኳ ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። በዚ ንዕዘቦ ዘለናን ዝያዳ ክሰፍሕ ዝኽእልን ኣሰላልፋ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘንብ ዝናብ ኮነ በረድ ንኤርትራውን ዝጓስያ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን በዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ዞባዊ መልክዕ ዝሓዘ ህውክት፤ ዕማምና ድርብ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዋጋ ክንከፍለሉ ዝጸናሕና ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምርግጋጽን ልኡላውነት ኤርትራ ህያው ኮይኑ ከም ዝቕጽል ምኽኣልን። እዚ ዕማምዚ ኣይኮነንዶ ብሓባር ምስራሕ ከይከኣልና፡ ሓቢርና ክንብደሆ እውን ቀሊል ኣይኮነን። ከምዚ ዘለናዮ ተበታቲና ከዕውቶ ምሕላን እሞ ኸኣ ዘይሕሰብ እዩ። ስለዚ ኩሎም “ንሃገርና ከነድሕናን ናብቲ ዋናኣ ህዝባ ከነሰጋግራን ኢና” ዝብሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት፡ ህዝባዊ ምልዓላት፡ ክኢላታትን ማዕከናት ዜናን፡ ብሓባር ምስላፍ ግዜ ዘይህብ መተካእታ ዘየብሉ ጠለብ ምዃኑ ተረዲእና ናብ ተግባር ክንኣትው ኣብ እንግደደሉ ግዜ ኢና ዘለና። እቲ ብሓባር ምስላፍ፡ ፍልልይ ምስ ዘየብልካ ምሉእ ብምሉእ ብምትሕንፋጽ፡ ብልፍንትን ሰፊሕ ጽላልን ዝትግበር እምበር፡ ኣብ ሓደ ኣገባብ እንተዘይተረዳዲእካ ተመሊስካ ከምዘይትራኸብ ጠንጢንካዮ እትረሓሓቐሉ ኣይኮነን። ካብዚ ወጻኢኣብ ዞባና ተዓዘብቲ ዘይኮነስ፡ ተዋሳእቲ እንኾነሉ መንገዲ የብልናን።