ምስ ግዜ እንተዘይሰጒምና!

2022-03-17 17:58:33 Written by  ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1448 times

ኤርትራን ህዝባን ኣብ ጸገም ካብ ዝኣትዉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ናይ ኩሉ ጸገማቶም መስረታዊ ጠንቂ ከኣ ህግደፍን ንሱ ዘተኣታተዎ በሓትን ብልሹውን ኣገባብ ምምሕዳርን እዩ። እዚ መሰረታዊ ጸገም ብመብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ግንዛበ ካብ ዝረክብ  ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ናይዚ ጸገም መፍትሒ ነቲ ጠንቂ ምውጋድ  ምዃኑ ከኣ ርዱእ እዩ። ናይቲ መፍትሒ ኣምጻኢ እቲ መፍትሕን ራህዋን ዝጽበ ህዝብን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ባዕላቶም እምበር ካልእ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን ነዚ እንተዘይበቒዐምዎ ብዘይካ ኣብ ወጽዓ ምንባር ካልእ መተካእታ የብሎምን።

ናይ ለውጢ ሓይሊ ኮይንካ ጸገምካ እንታይን ብመንን?  ምዃኑ ምርዳእ ናብቲ መሰረታዊ ፍታሕን ሸቶን ንምብጻሕ ኣገዳሲ ቅድመ-ኩነት እዩ። ምርድኡ ጥራይ ዘይኮነ ናብቲ መፍትሒ ገጽካ ምንቅስቓስ እውን ካልእ ኣውንታዊ ኩበዖ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ቅሩብነታት ብግብራዊ ስጉምቲ እንተዘይተሰንዩ ግና ናብቲ ዝድለ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ኣየብጽሕን እዩ። ናብ ግብራይ ውጽኢት ንምብጻሕ እቲ ተመሳሳሊ መሰረታዊ ኣቕጣጫን ድሌትን ትጽቢትን ዘለዎ ክነሱ በበይኑ ፋሕ ኢሉ ዝወፍር ዓቕምታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ምጽማዱ መተካእታ የብሉን። ኤርትራውያን ነዚ መሰረታዊ ተደላይነት ዘለዎ ስጉምቲ ተረዲእና ኣብ ግብሪ ንከነውዕሎ ላዕልን ታሕትን ንብል ምህላውና ከም ኣንፈት ቅኑዕ ምርጫ እዩ። ምስ ግዜ ክነስጉሞ ዘይምብቃዕና ግና ዘይንሃድመሉ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ሕጽረት እዩ።

ኤርትራውያን ጉዳይ ሓድነትን ኣድላይነት ብሓባር ምቅላስን ኣጀንዳና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ካብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተፈልዩ ዘይፈልጥ ኣጀንዳ እዩ እንተበልናዮ እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና ተመኩሮ ቃልስና ምእንቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ድሕሪ ናጽነት እንተረአናኳ፡  ብሓባር ምቅላስ ዝብል ዛዕባ ኣዝዩ ዕዙዝ ቦታ ሒዙ እዩ ክመጽእ ጸኒሑን ዘሎን፡ ሕጂ ከኣ መመሊሱ ይዓዝዝ ኣሎ። ክሳብ ክንድዚ ቀጻሊ ኣጀንዳና ናይ ምዃኑ ምስጢር ኣብ ዝርዝር ከይኣተና “ሓድነት ሓይሊ”  ስለ ዝኾነ እዩ ኢልካ ምጥቕላሉ ይካኣል። ብኣንጻሩ በበይንኻ ምውፋር ዘየዕውትን ተስፋ ዘቑርጽን ምዃኑ ኤርትራዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን  ማሕበራትን ከካብ ተመኩሮና ክንርደኦ ዝግበኣና ዝነበረ፡ ግና ዘይተገንዘብናዮን ንዓኡ ዝምጥን ዋጋ ዘይከፈልናሉን እዩ። በብግዜኡ ዘዝመስረትናዮ ናይ ሓባር መደረኻት ከነቐጽሎ ዘይምብቃዕና ንወሳኒ ተራ ብሓባር ምስራሕ ብኽንድቲ ክንርደኦ ዝግበና ዕምቈት ክንግንዘቦ ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር እዩ። ኣብቲ ኣገዳስነቱ ብኣተሓሳስባ ደረጃ እናተረዲእና፡ ብግብሪ ግና  ኣሰነይቱ  ኮይና ዘይምቕራብና ድማ መርእያ ምስ ግዜ ዘይምስጓምና እዩ።

ብኣተሓሳስባ ዝተቐበልካዮ ንምትግብር ዘይምኽኑይ ግዜ ምብላዕ ንኹሉቲ ኣብ ኣድላይነት ናይቲ ጉዳይ ዘለና ናይ ሓባር ተረድኦ መኻን ከም ዝገብሮ ብግብሪ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ብሓባር ንቃለስ ክበሃል እንከሎ ካብቶም ክሓብሩ ዝግበኦም ንሓደ ጠቒሙ ነቲ ካልእ ዝጐድእ ዘይኮነ፡ ንኹሎም ዘርብሕ ማእከላይ መድረኽ ምዃኑ ናይ ዘይምርዳእ ዝንባለ እውን ይረአ እዩ። ጉዳይ ሓድነት ክለዓል እንከሎ ኩልና ዋጋ እንኸፍለሉን እንግደሰሉን እምበር፡ ሓደ መራሒ እቲ ካልእ ከኣ ተለሚኑ ወይ ተደፊኡ ሰዓቢ ዝኾነሉ መስርሕ ክኸውን ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ኩልና በበይንና ከነድምዕ ከምዘይንኽእል ብግብሪ ርኢናዮ ኢና። ብሓባር ምስራሕ ኩልና ብእንኸፍሎ ዋጋ ዝምስረት እምበር ሓደን ከፋላይ እቲ ካልእ ከኣ ተዓዛባይ ብምዃን ዝረጋገጽ ኣይኮነን።

ንሕና ከነራጥጥን ክስገር ዝግበኦ ምስምሳት ከነተዓባብን እንከለና፡ ግዜ ግና ሰለል ኢሉ እዩ ንቡር ጉዕዘኡ ዝቕጽል። ኣብቲ መስርሕ ዝምዕብሉ ኣጀንዳታት ነቲ ኣብ ግዜኡ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ዘይስገረ ኣጀንዳና  ረረጊጸሞ ይሓልፉ እሞ ጉዳይና ዕዳጋኡ ይጸብብ ዓዳጊኡ እውን ይውሕድ። ምኽንያቱ ሓድሽ ምዕባለ ዝያዳቲ ዝጸንሐ ሰሓቢ ናይ ምዃን ዕድል ስለ ዘለዎ። እዚ ከኣ ንናይ ምርስሳዕን ኣጀንዳ ምቕያርን ባህሪ  ህግደፍ እዩ ዘተባብዕ። ህግደፍ ንኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ክሳብ ክንደይ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ኣረሲዕካ ናብ ደገ ጥራይ ንምርኣይ ከም ምኽንያት ከም  ዝተጠቕመሉ ርኢናዮ ኢና። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ወያ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ ዝሓሰባ ክትነፍሶ ምስ ደለየት፡ እነሆ ንናይ ዩክረይን-ሩሲያ ጓይላ “መጺኽለይ ዶ ክጽበየኪ” ኢሉ ኣባ ጓይላ ኮይኑ ክጥበሶ ዓይኒ ኣይሓሰየን።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን መሰረቱኳ ሓድሽ እንተዘይኮነ ኣብ በዓቲ ዓዲ ሃሎ ተሓቢኡ ኣንጻር እተን ኣብ ኤርትራ  “ሰብኣዊ መሰል ኣኽብር፡ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ፍታሕ ወይ ናብ ፍርዲ ኣቕርብ፡ መሰል እምነት ኣይትኸልክል፡ ብሕገ-መንግስቲ ምራሕ፡ ህዝቢ ዝመርሕዎ ይምረጽ ……. ወዘተ” ስለ ዝበለኦ ጥራይ ክጸልአንን ክረግመንን ዝጸንሐ ምዕራባውያን ንምጽራር ምስ ሩሲያን ቻይናን ወጊኑ ወደኽደኽ ይብል ኣሎ። ምስ እዚኣተን ዘራኽቦ ቀንዲ ዛዕባ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ክጥሕስ እንከሎ ዘይጻረርኦ ጥራይ ዘይኮና፡ ኣብ ዝለዓሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት  ዘለወን ናይ ምቕያር ልዕልና ተጠቒመን ዝድግፈኦ ስለ ዝኾና እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ቻይና ምስ ሃገራት ቅርኒ ኣፍሪቃ መዲባቶ ዘላ መመኻኸሪ መድረኽ ኣብ ኤርትራ ክጋባእ እዩ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ እንተኮይኑ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኢሳያስ ነቲ ወጥሪ ናብዚ ከባቢና ጐቲቱ ከምጸኦ ይደሊ ምህላዉ ዘርኢ እዩ። እዚ ዝምዕብል ዘሎ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ዘየብሎ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ከም ዝሓላልኾ ግና ርዱእ እዩ። እዚ ምዕባለዚ እናረኣኻን እናሰማዕካን ምስ ግዜ ዘይምስጓም ክሳብ ክንደይ ጐታቲ ምዃኑ ከኣ ክስቆረና ይግበኦ። እንተ ንዲክታተር ኢሳያስ ንኤርትራዊ ውሽጣዊ ጉዳይ  ብዞባዊዶ ህጉራዊ ኣጀንዳታት ኣጐልቢብዎ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ከም ዘስፈሓሉ ርኡይ እዩ። ስለዚ ሕጂ እውን “ምስ ግዜ እንተዘይሰጒምና”  እቲ ኣርዑት ወጽዓ መሊሱ እዩ ክጸዓነና።

Last modified on Thursday, 17 March 2022 19:07