ግምጥልሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ህግደፍ

2022-03-03 09:41:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 983 times

ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ቅድሚኡ’ውን ማዕጾኻ ዓጺኻ ምንባር ኮነ ምዕባይ ከምዘይከኣል ፍሉጥ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ሃገራት ዝምድና ክምስርታ ሓደ ካብ መባእታዊ ግደታአን ምዃኑ ዘመልክት እዩ። “ዝምድና ምስ መን?” ክበሃል እንከሎ፡ ናይ ሃገርካ ልኡላውነትን ክብርን ናይ ህዝብኻ ሓድነት፡ ረብሓን ሰላምን ከም መሰረታዊ መዕቀኒ ምውሳድ፡ ናይ ውሕሉልን ሓላፍነታውን መንግስትን ምምሕዳሩን መዕቀኒ እዩ። ናይ ሃገርካ ክብርን ናይ ህዝብኻ ረብሓን ምቕዳም  ክበሃል እንከሎ ግና ናይቲ መዛምድትኻ መንግስትን ህዝብን ብማዕረ'ቲ ናትካ ክብርን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን እውን  ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

“ምስ ዝዀነት ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና  ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ  ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ኢድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ  ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።”  ዝብል ፖሊሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ ካብዚ እምነትዚ ዝነቅል ኢዩ። 

ዝምድና ተረኸበ ኢልካ ዘሊልካ እትኣትዎ ዘይኮነ፡ ጽጹይ ሕርያ መዛምድቲ ዘድልዮ እዩ። ኣብቲ ሕርያን መጽናዕትን ኣብ ግምት ዝኣትዉ፡ ቅድሚ ኩሉ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኮይኑ፡ ንጐረባብትን  ከምቲ ናትካ ናይ ዕቤት መንገዲ ዝኽተላን ሃገራት ቀዳምነት ምሃብ ኣብ ውሳነኻ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ እዩ። ህግደፍ ናይ ዝምድና መለክዒኡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ስልጣን ዘቐጽሎ ሕርያ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ህግደፍ ብሰንክዚ ኣብ ማዕርነትን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዘየትከለ ናብ “ኣነ ዝያዳ ክጥቀም” ዘድሃበ ዝንቡዕ ፖሊሲ ዝምድናኡ ብተደጋጋሚ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናብ ውግኣት ኣትዩ እዩ። ካልእ ኩሉ ገዲፍና ንናይ ክሳብ ሕጂ ዝምድና ህግደፍ ምስ ጐረቤትና ኢትዮጵያ እንተዳህሲስና ነዚ ዘነጽር  ኮይኑ ኢና እንረኽቦ።

እቲ ቅድሚ ናጽነትና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና ናይ ተገዛእን ገዛእን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ዘካየዶ ውግእ ከኣ ቅኑዕ ውግእ እዩ ነይሩ። እቲ ውግእ ኣብ መወዳእታ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድምዳሙ ምስጢር ከኣ እቲ ቅንዕናኡ እዩ። ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ብዙሓት ወገናት ንኣጀማምራኡ ከይተረፈ“ትርጉም  ዘይነበሮ” ዝበልዎ ውግእ፡ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዝዘንግዐ፡  ብምሒር ህርፋን ስልጣን ዝተደረኸ እዩ ነይሩ። ካብ  ቀንዲ ሕመቓቱ፡ ዘይጽፉፍ፡ ዘይግሉጽ፡ ዘይተጸንዐን ረብሓ ህዝቢ ዘየማእከለን ውልቃዊ ዝና ናይ ምርካብ ዕዉር ስምዒት ዝዓብለሎን ምንባሩ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን።

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪቲ ውግእ ን20 ዓመታት ኣብ ኩነት “ኣይሰላም ኣይውግእ”  ሰንፈለል ክብል ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተራእየ ምዕባለ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምስ ተሰጋገረ፡ ብወገን ህግደፍ ናይ መልክዕ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ተመኩሮኡ ዝተማህሮ ሓድሽ ኣተሓሕዛ ኣይነበሮን። ከምቲ ናይ ቀደም ዘይግሉጽ፡ ረብሓ ህዝቢ ዘየማእከለ ውልቃዊ ህልኽን ምፍዳይ ሕነን ዝደረኾ እዩ ነይሩ። እቲ ካብ መጀመርታኡ ዝተራእየ ብኣኡ እውን ዝቐጸለ፡ ማእከል ዝምድና ህግደፍን ብልጽግናን ንምድምሳስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) እዩ ነይሩ። እዚ ብግምት ዝተበጽሐ መደምደምታ ዘይኮነ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጌና ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ  ልኡኻት ምልእኣኽ ከይጀመሩ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2018 ዝኣወጆ እዩ። እንዳወዓለ እንዳሓደረ ከኣ እቲ “ግምጥልሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ህግደፍ”  ተጋሂዱ። እቲ ናይ ሓይልታት ዝምድና፡ በቲ ሓደ ወገን ህወሓት፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህግደፍ፡ ብልጽግናን መቃድሾን ብሓባር ምንባሩ ብንጹር ተራእዩ። ሕርያ ዝምድና ህግደፍ  ብንጹር  ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ብምንባሩን ብምዃኑን ሓደገኛ ሳዕቤኑ ብብሩህ ተጋሂዱ።

ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተደኲኑ ዝነበረ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ተኸፊቱ። እቲ ውግእ ንትግራይ ብንጹር ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ኢዩ ነይሩ። ናይቶም ብኣንጻሩ ተሰሊፎም ዝነበሩ ሓይልታት ሸቶ ግና ሓደ ዓይነት ከምዘይነበረ ቀልጢፉ ምልክታት ኣርእዩ። ዕላማ ህግደፍ ሕነ ምፍዳይን ንስልጣነይ የስገኣኒ ዝበሎ ናይ ጐረቤት ሓይሊ ምጥፋእ ነይሩ። ዕላማ ብልጽግና ብተመሳሳሊ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ከይወዳደረኒ ዝበሎ ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ምድኻምን ተወዳዳሪ ናብ ዘይኮነሉ ደረጃ ምልማስን ነይሩ። እቲ ኣብ መስርሕ እቲ ውግእ ካብ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ብርኢቶ ክርሕቕ ዝጀመረ ኣምሓራ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ  ራያን ወልቃይትን ናብ ምምሕዳሩ ንምምላስ ምዃኑ ብግብሪ ተራእዩ።

እቲ ውግእ ነዚ ናይ ዝምድናታት ዘለቕለቕን ዝተበተነ ሸቶን ሓቒፉ ንዝተወሰነ ምስ ተጓዕዘ፡ ውግእ መፍትሒ ክኸውን ከም ዘይከኣለ ብደረጃ ውሽጣዊ ዓቕሚ ናይቶም ተዋጋእቲ ኮነ ናይ ግዳም ሓይልታት ተጽዕኖታት “መንገዲ ዘተን ሰላምን ይምጻእ” ዝብል ሓሳብ ደራኺ ኮይኑ። ርኢቶ ሰዲህኤ ኣብዚ እውን ካብ ንግሆኡ ንጹርን ናይ ሰላማዊ ፍታሕ ደጋፍን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ እንተስ ዝሓሰቦ ስለ ዘዐወተ  እንተስ ብውግእ ክጐዓዝ ዓቕሚ ስለ ዝሰኣነ ንዘተ ከም ኣማራጺ ክውሰድ ከምዝኽእል ምልክታት ኣርእዩ። ክሳብ ሕጂ እውን ኣብዚ ሓሳብዚ ሕስይስይ  ይብል ኣሎ። ህግደፍን ኣምሓራን ግና ነቲ ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ዝደፍእ ውሽጣውን ግዳማውን  ድርኺት ተሓሲሞም“ብውግእ ኢና ንቕጽል” ኣብ ዝብል ደሪቖም። እዚ ነቲ ውግእ ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ኣሰላልፋ  ክቕይሮ ግድን ነይሩ። ከምኡ ዓይነት ምልክታት ከኣ ጐሊሑ ይረአ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ቀዳማይ ነገር ባህሪኡ ስለ ዝኾነ፡ ካለኣይ ምኽንያት ከኣ ንመንገዲ ሰላም ብመንጽርቲ ናብ ውግእ ዝኣተወሉ ሸቶ  ዘኽስሮ ስለ ዝኾነ፡ ከምኡ ውግእ ጥራይ ዝመርጽ መዛምድቲ ሃሰስ ክብል ግድን እዩ። ነዚ ዝምጥን መዛምድቲ ኮይኑ ዝረኸቦ ከኣ እቲ “ብሓይሊ ዝሓዝኩዎ መሬት ራያን ወልቃይትን ብሕጊ ኣየረክብን እየ” ዝብልን ምእንቲዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክሳብ ዝሰዓር ክዋግእየ ዝብል ዘሎን ክፋል ኣምሓራ መዛምድቱ ንክኸውን ሓርይዎ ኣሎ። ነዚ ንምርዳእ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብዛዕባ ዝምድና ህግደፍን ኣምሓራን ዝበሃል ዘሎ ንግዜኡ ኣወንዚፍካ፡ ህግደፍ ምስቶም ምኩሓት ኣምሓራ ክዛመድ ባህርያዊ እዩ። ዒራ ደኣ ኣየገድሶን እዩ እምበር፡  ነዚ ዝምድና ክሓሪ እንከሎ፡ ነቲ ብታሪኽ ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይቅበል ሕጂ እውን “ሎሚ ኣብ ሑመራ ጽባሕ ናብ ኣስመራ” ዝዝምር ዘሎ ሓይሊ ከም መዛምድቲ ኣይምመረጾን። በዚ ኮይኑ በቲ ሕልሚ ህግደፍ ክለኻኽም እንተዘይኮኑ፡ ዝዕወት ኣይኮነን።  “ግምጥልሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ህግደፍ።“ ናይ ምባልና መበገሲ ከኣ እዚ እዩ።

Last modified on Thursday, 03 March 2022 10:47