ኣብቲ ሒዝናዮ ዘለና መንገዲ፡ ንከነድምዕ

2022-04-05 18:44:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1011 times

ኤርትራን ህዝባን ዘለናዮ ሃለዋት ነዓና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ከይተረፈ ብሩህ  እዩ። ዝርዝር ትሕዝተኡ ከኣ ምስ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ እዩ። ኣብ ገሊኡስ ንሃለዋትና ካብ ገሌና ኤርትራውያን ዘይኤርትራውያን ዝያዳ ከም ዝተረድእዎን ከም ዝሻቐልሉን ዘርኢ ምልክታት ትዕዘብ ። ብጥቕልሉ ንምስፋሩ  ግን ኣብ “ኩለ-መዳያዊ ደልሃመት” ኢና ዘለና። ደልሃመት ዝምድናዊ ስለ ዝኾነ፡ ካባና ዝኸፈኦም ከም ዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ከምቲ ህግደፍ ምስ ዝሓመቐ ብምውድዳር ክሕበኣሉ ዝፍትኖ ካባና ዝኸፈኦም ስለ ዘለዉ “ደሓን ኢና ዘለና” ኢልና ክንደዓዓስ ዘይኮነ ኣትሪርና  ክንቃለሶ እዩ ዝግበኣና።

ኣብዚ ደልሃመት ኮይና እነማዕድዎን ክንበጽሖ እንቃለሰሉን ቅድሚ ኩሉ ካብቲ ኩለ-መዳያዊ ደልሃመት ናብ “ኩለ-መዳያዊ ራህዋ መሰስ ኢልካ ምውጻእ” እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ድሉዋት፡ ንቑሓት፡ ውዱባትን ተጸዋወርትን ክንከውን ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ከይተባዕና፡ ከይተወደብናን ከይተጸዋወርናን ስለ ዘይንዕወት ድልየታትና  ትጽቢት ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እዚ ከኣ ብሓፈሻ ንመላእ ተጸባይ ራህዋ ህዝብናን መሪሕ ግደ ናይ ምጽዋት ሓላፍነት ንዘለወን ውዳበታትናን ብማዕረ ዝምልከት እዩ። እዞም ራህዋ ዘማዕድዉ ኣካላት ኣብ ሕድሕድ እንተተናቢቦም እምበር፡ ብተናጸል ዘምጽእዎ ዘተኣማምን ለውጢ የለን።

ኤርትራውያን ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዘየቕስን ኩነታት ክንህሉ ዝደረኹ በዓል ቤታውን ወድዓውን ድኽመታት ኣለዉ። ካብቲ ቀንዲ በዓል ቤታዊ ድኽመታትና፡ ብዙሕ እንሰማምዓሉ ራእታት እናሃለወና፡ ኣብኡ ኣትኪልናን ዓቕምና ኣወሃሂድናን ብሓባር ክንቃለስ ዘይምብቃዕና እቲ ቀንዲ እዩ። እቲ ወድዓዊ ምኽንያታት ንሕና ዘየምጻእናዮ ምስ መጸ’ውን ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል ኣብ ከባቢና በብግዜኡ መልክዓቱ ዝለዋውጥ ምዕባለታት እዩ። እቲ ባዕላዊ ድኽመትና በዚ ከባብያውን ዓለም ለኻውን ምዕባለታት ኣመኻኒናን ንካልእ ኣላጊብናን እንሃድመሉ ዘይኮነ፡ ግድን ክንሰግሮ ዝግበኣና እዩ። እቲ ቀንዲ ዘገርም ከኣ ድኽመትና እንዳፈለጥናዮስ፡ ኣብ ክንዲ ካብኡ ንምውጻእ ዓቕምና ጸንቂቕና ፋሕተርተር እንብል፡ ምልምማዱ ዝመረጽና ምምሳልና እዩ። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣብ ክንዲ ተቐራሪብናን ተመያይጥናን ናይ ሓባር መፍትሒ ንረክብ ጸጸግዕኻ ናብ ምሓዝ ነዘንብል ምዃና እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ “ኣብቲ ሒዝናዮ ዘለና፡ መንገዲ ንከነድምዕ እንታይ ንግበር” ዝብል ሕቶ እንተ ሓቲትና መልሱ፡ “ነቲ ናብ ራህዋ ዝወስደና መንግዲ ኣጽኒዕና ንሓዝ” ዝብል ምዃኑ ዘዳዲ ኣይኮነን። እዚ ካብ ኮነ መልስና፡ ነቲ መንገዲ ዘይምስሓትና ዘመልክት መሰረታዊ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እቲ ጉዕዞ ደድሕርቲ ህግደፍ ብናቱ መዕቀንን ግዜን ንቐጻልነቱ ክጥዕሞ ብዝህንድሶ ዝስዕብ ምዃኑ ግና ዘቕስን ኣይኮነን።  እቲ ኩነታት ብኣንጻሩ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ዝመጸሉ መንገዲ ማእከል ዝገበረ፡ ናትና ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ሒዝና እንተንቐድሞ ከኣ እቲ ኩነታት ዝያዳ ኣድማዒ ምኾነ። ህግደፍ ከኣ ናይቲ ኣጀንዳና ግዙእን ተኸላኻልን ክኸውን ምተገደደ። ክሳብ ሕጂ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ግና፡ ግፍዐኛ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ናይ ምውጋእ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ናይ ምእታውን ህዝቢ ናይ ምብስባስን፡ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ናይ ምውዳቕ፡ ኣብ ወራር ዩክረይን ንሩሲያ ናይ ምድጋፍ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣውነት ንከይምርመር ናይ ምቅዋምን ዝኣመሰሉን ኣጀንዳታት ክፈጥር እንከሎ፡ ንሕና ድማ ብዛዕባ’ዞም ተረኽቦታት ከነቃልዕን ክንከላኸልን ንግደድ ኣለና። እቲ ክቕየር ዝግበኦ ኩሉ ግዜ ኣብ ምክልኻል ምህላውና እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ኣብ ደረጃ ምጥቃዕ ኮይንካ፡ ከም ኣድላይነቱ ምክልኻልን ምቅላዕን ኣየድልን ማለት ኣይኮነን።

ኣብዚ ዘለናዮ ወሳኒ እዋን ህግደፍ ካብ ዝፈርሖም ስጉምትታት፡ ተበቲኑ ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ዓቕምታት ተጠርኒፉ ብሓባር ከይቃለሶ እዩ። ኣፍልጦ ንዘይምሃብኳ ኣግሂዱ እንተዘይገለጾ ኩሉቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብግሁድን ብስቱርን ብተዘዋዋሪ መንገድታት ዘካይዶ ናይ ተጻብኦ ወፍርታት ካብዚ ስግኣትዚ ዝነቅል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዘተኣማምን ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክንምስርት እንተንበቅዕ ከኣ ህግደፍ ከይፈተወ ብኣፍንጫ ተጐቲቱ ብናትና ኣጀንዳ ካብ ምዝራብን ምክልኻልን  ካልእ ምርጫ ኣይመሃለዎን። ምኽንያቱ ግብሩን ባህርያቱ ስለ ዝፈልጥ፡ ኤርትራ ምስ ፍትሒ፡ ንዲሞክራስን ልዕልና ህዝብን እምበር ንዲክታተርነት  ከምዘይትኸውን ይፈልጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ህግደፍ ብናይ ሰዓራይን ተሰዓራይን ኣረጊት ኣተሓሕዛ ጉዳያት ጥራይ ዝላደየ ንእንካን ሃባን ቦታ ከምዘይህብ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ።

ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ ናይ ኩሉ ሕማቕ ኣብነት ንክትወድቕ፡ ተሓታትነት ዲክታተር ኢሳያስ ኣብዚ እዋንዚ ኣይኮነዶ ኣብ ኤርትራ ኣብ ከባቢና ሃገራት ከይተረፈ ተፈሊጡ እዩ። ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮና ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን እውን ንኢሳያስ “ደሓን እቶ”  ዝብሎ የብሉን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኢሳያስ ቀንዲ መመንጨውን መቃመምን ናይቲ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ብምዃኑኳ ቀዳማይ ተሓታቲ እንተኾነ፡ በይኑ ግና ኣይኮነን። እቶም ከካብ ናይ ሃገሮምን ህዝቦምን ረብሓ ነቒሎም ንክጥቀምሉ “መን ኣሎ ከማኻ” እናበሉ ዘስክርዎ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝምልከት ደሓን ይጽንሓልና።

እቶም ንሱ ዘቃመሞ ንህዝብን መሰላቱን ዝጽየፍ መርዚ ዝነዝሑ “ደገፍቱ ኢና” ዝብሉ፡ ሕፍረቶም ዝቐንጠጡ ኤርትራውያን’ውን ካብ ተሕታትነት ዘምልጡ ኣይኮኑን። ዝተፈላለዩ መንግስታዊ መዝነት ኣለና ዝብሉ፡ ኢሳያስ ብስሞም መሰላት ክጭፍልቕን ክወርርን  እንከሎ ይፍለጡ ኣይፍለጡ  ፡ ድምጾም ዝሓብኡ ተሓተቲ እዮም።  ምናልባት እውን ኢሳያስ ኣርዑት ጭካነኡ ከትርር ዘተባብዖ ናይቶም ድምጾም ከስምዑ ዝነበሮም ምጽቃጥ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። እቶም ዋላ ዓው ኢሎም “ደገፍቲ ኢና” ኣይበሉ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ርእዮም ከምዘይርኣዩ ዝኾኑ ኤርትራውያንከ ጽባሕ ኣየጣዕሶምን ማለት ድዩ። ከምዚ ለንቅነ በብኹርናዑ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝስማዕ ዘሎ፡  ኣቶ ኢሳያስ ጽባሕ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝደልዮ ምዃን ምስ ኣበዮ፡ ከምቲ  ንወያነ ዝበሎ “ብልጽግና ጸወታኣ ተወዲኡ”  ይብል ይኸውን። ብኣንጻሩ  “ህግደፍ ጸወታኻ ተወዲኡ” ከይበሃል እቲ ዕድል ዕጽዊ ኣይኮነን። ኢሳያስ ተለዓሉ ስለ ዝበሎም ጥራይ፡ “ናበይ? ስለምንታይ? ንረብሓ መንከ?” ከይመመዩ  ፈቐዶ ኣደባባያት ምስ ብልጽግና ክስለፉን ክጭርሑን ዝውዕሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ጽባሕ ኩነታት ምስተቐያየረኸ ድምጾም እንታይ ክኸውን እዩ። እንተ ንሕና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ሎሚ’ውን ጠመተና ናብ ለውጢ ይኹን። ኣብቲ ንደልዮ ዓወት ክንበጽሕ ከኣ ጉዕዞና ቀጻሊ፡ ስሉጥን ዝተወደበን ይኹን።

Last modified on Tuesday, 05 April 2022 20:52