EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ 

ኣብዚ እዋን’ዚ መሰረታዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ክቱር ጭቆና ጉጅለ ህግደፍ ምንጋፍ እዩ። እዚ ምንጋፍ ብጥሪኡ ዘይኮነ፡ ኣብ ክንድቲ ጭቆና፡ ሰላም፡ ሓርነት፡ ልዕልና ሕግን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ብዘረጋግጽ ብዓብይኡ ከኣ ብሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ምትካእ እውን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ናይ ህዝቢ እዩ እንብሎ፡ እቲ ካብ ጭቆና ምንጋፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዚ ንምዕዋት ዝግበር ቃልሲ እውን ናይ ህዝቢ እዩ። ግደ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት እውን ንግደ ህዝቢ ዝትክእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዕዙዝ ቦታ ዝወሃቦ ምዃኑ ዘይዝንጋዕ እዩ።

ነዚ “መሰረታዊ ትጽቢት ህዝብና እዩ” ዝበልናዮ ራህዋ ንምዕዋት ነቲ መግለጺና ዝኾነ ብዙሕነትና በብመልክዑ  ኣብ ግምት ዘእተወን ንናይ ሓባር ረብሓና ዘዕዝዝን መንገዲ ምጽራግ ናይ ግድን እዩ። ኤርትራውያን ካብ ኤርትራውነትና ዝነቅል ዘሰማመዓናን እቲ ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነታዊ  ኣካውናና ዝፈጥሮ ዝፈላሊ ከም ዘለና እንእመነሉ እዩ። እቲ ዘዋጸናን ናብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ዓወት ዘብጸሓናን ከኣ ወይ ነቲ ዘሰማምዓና ወይ ድማ ነቲ ዝፈላልየና መዚዝካ ሓዲኡ ምውሳድ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ንክልቲኡ ዘከኣእል ሓቛፊ ሓላፍነታዊ መንግዲ ምሓዝ መተካእታ የብሉን። ብዙሕነትና ናይ ብሓቂ ጸጋናን ምንጪ ሓይልናን ዝኸውን ከኣ ኣብ ከምዚ ኩነታት እዩ።

ንጉዳያት ኣከኣኢልና ከነድምዕ ክንስጉም እንከለና፡ ዝያዳ ከነትኩረሉን ፍሉይ ግምት ክንህቦን  ዝግበኣና  ኤርትራዊ ህልውናን ረብሓ  ህዝባን ልዕሊ ኩሉ ምስራዕ እዩ። ናይዚ ምስጢር ንጹር እዩ። ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ዘይተዓቀበሉ ካልእ ድሌት ምዕዋት ስለ ዘይከኣል። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ነናይ ውዳበኻ ኣተሓሳስባ ምንጽብራቕ ግና መሰል እምበር ሓጥያት ኣይከውንን። ብጉዳይ እምነትካ፡ ቋንቋኻ፡ ከባቢኻ፡ ባህልኻን ካልእን ምግዳስ እውን በመንጽርዚ እዩ ክምዘንን ክተሓዝን ዝግበኦ።

እዚ ንዘሰማምዕን ዝፈላልን ምክእኣልን ንብዙሕነት ምምሕዳርን ዝምልከት፡ ንኤርትራውያን ከም ሓድሽ ዝንገረና ዘይኮነ፡ ፍልልይካ ዓቂብካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ብሓባር ክትቃለሰ ናይ ምብጋስ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዘለና ኢና። እንተኾነ ኣብዚ መዳይዚ ክሳብ ሕጂ ክንድቲ ንደልዮ ኣየድማዕናን። ናይ ዘይምድማዕና ምስጢር ከኣ ብግብሪ ከምቲ ንሓስቦ ናይ ዘይምዃን ሕጽረትና ምዃኑ ዘሰማመዓና እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ሕጽረትዚ ከኣ ኩሉና አእጃምና ነልዕለሉ እምበር፡ ሓደ ኣካል ነቲ ካልእ ኣላጊቡ ተዓዛባይ ዝኾነሉ ኣይኮነን። ንዘይምድማዕና እቲ ቀንዲ ጠንቂ እቶም ንመርጾምን ንምስርቶምን መድረኻት ዘይኮኑ፡ ናይቶም ተዋሳእቲ ነቶም መድረኻ ዘይምብቃዕ ከይከውን ብደቂቑ ክምርመር ዝግበኦ እዩ። ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ተበግሶ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ውጽኢት ከተመዝግብ ትብህግ እሞ በቲ ዝደለኻዮ ቅልጣፈ ዘይክትረኽቦ ትኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ጠንቂ እቲ ዝመረጽናዮ መራኸቢ መድረኽ ጥራይ ጌርካ ኣብ ምውሳድ ክንህወኽ ኣይግበኣናን። እኳ ደኣ እቲ ጸገም ካብቲ መዋስኢ ኣዳራሽ ዘይኮነ፡ ካብ ናይቶም ተዋሳእቲ ዘይቅሩብነትን ዘይምብቃዕን ከይከውን ተጠንቂቕካ ምምርማር የድሊ።

ብሓባር ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንሰለፍ ክንብል እንከለና ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክንክተል ንኽእል። ወይ ምሉእ ምትሕንፋጻዊ ሓድነት ኣረጋጊጽና ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንኸውን። ኩነታት ኣብ ዘይበሰለሉ ተሓናፊጽካ ሓደ ኣብ ክንዲ ምዃን ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን ብግቡእ መሚኻን ኣነጺርካን ኣብቲ ዘሰማመዓካ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል ተወሃሂድካ ክትሰርሕ ትኽእል። እዚ ከምዚ ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)  ዝጽዕተሉ ዘሎ ኣገባብ ማለት እዩ። እዚ ብፖሓኤ ተታሒዙ ዘሎ ብሓባር ናይ ምቅላስ መንገዲ በቲ ሓደ ወገን ኣብዚ እዋንዚ  ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ንቃለሰሉ ናይ ሓባር መሳርሒና እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጽባሕ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንምዃን ምትእምማን እነጥርየሉን ኣጸቢቕና እንላለየሉን መስርሕ እዩ።

ኣብ ሰፊሕ ጽላል እንዳተቓለስካ ካብቶም ኣብቲ ጽላል ዘለዉ ኣካላት “ንበቕዖ ኢና” ኢሎም ክሳብ ዝወሰኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ክሰምሩ ዘተባብዕ እምበር ዝኽልክል ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብቶም ተበግሶ ፖሓኤ ንምዕዋት ክቃለሱ ዝጸንሑ ሓይልታት ሰለስተ ውድባት ሓድነት ምፍጣሮም ናይዚ መርኣያ እዩ። እቶም ካለኦት ውድባት “ንዓኻትኩም የማስለና” ብዘስምዕ ሰናይ ትምኒትና ዝገለጽናሎም እውን ካብዚ ተረድኦዚ ብምንቃል እዩ። ኩልና ኣብ ሓደ እዋን ተገዲድና ሓደ ክንከውን ግና ናይ ግድን ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ናብዚ ዘብቅዕ ዕግበትን ድልዉነትን ኣብ ኩለን ውድባት ብሓንሳብ ክመጽእ ናይ ግድን ስለ ዘይኮነ። ካብዚ ነቒልና ኢና ከኣ ካብ መለለይታት ናይቲ ሎሚ ንቃለሰሉ ዘለና ናይ ጽባሕ ምምሕዳር ኤርትራ ሓደ “ብዙሕነታዊ”  ክኸውን እዩ እንብል።

ነዚ ጀሚርናዮ ዘለና ሰፊሕ ጽላል ንምዕዋት ጌና ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓተና እዩ። እቲ ጻዕሪ ንውሱናት መራሕቲ ውድባትን ሰልፍታትን ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ዘይስገር ተሳትፎን ኣበርክቶን መሰረታት ናይተን ዝዋሰኣ ዘለዋ ውዳበታትን ሓፋሽ ህዝብን ዝሓትት እዩ። ኣብዚ ብብዙሕ ተኣኪብካ ናይ ምብታን ተመኩሮታት ዝሰከሐ ኤርትራዊ መድረኽ፡ እቲ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ መስርሕ ተቐባልነት ክረክብ ቀሊል ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ቅሩብነትን ናይ ምዕዋት ጽምእን ክሳብ ዘሎ ቀጻሊ መዋጸኦ ዘይርከበሉ ኣይኮነን። እምበኣር ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ዘይህብ ኩነታት እቲ ዝሓሸ ምርጫ፡  ኣብ ክንዲ ኩነታት ከየብሰልካ “ግድን ኩሉና ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ክንከውን ኣለና” ምባል፡ ወይ ናብ ሓደ ዘምጽእ ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር ምጽባይ፡ ኣብቲ በቲ ሓደ ወገን ህግደፍ ነወግደሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንድሕሪት ዘይምለስ ምትእምማን ነጥርየሉ ኣብ ተስፋ ዝህብ ደረጃ ዘሎ መስርሕ ምውህሃድ ኣጽኒዕካ ምሓዝን ምዕዋቱን እዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረ ኩነታት ናይ ጸልማት ግዜ ነይሩ ሎሚ’ውን ኣሎ። እንተኾነ ብዘይካቲ ብላዕለዋይ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነታት፡ ፖለቲካዊ ኰነታት ሃገርና  ብኽንድቲ ክብደቱ ዓለምለኻዊ  ኮነ ዞባዊ ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣይጸንሐን። ድምጺ ንዘይነበሮን ጌና ክሳብ ሎሚ እውን ንዘየብሉን ህዝብና “ድምጺ ክንኮኖ ኢና” ንብል ዘለና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ውሱንነትና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ማዕረቲ ጻዕርናን ቅሩብነትናን ኣቓልቦ ክንረክብ ከምዘይጸናሕና እንዕዘቦ ዘለና እዩ። እንተኾነ እቲ ጸገም ናይቶም ክሰምዑና ዝግበኦም ግና ዘይሰምዑና ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናትና ናይቶም ክንስማዕ ዝግበኣና ድኽመት  ዝለዓለ ግደ ከም ዘጸንሖን ከም ዘለዎን ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። ናይ ድኽመትና ቀንዲ መርኣያ ከኣ ብሓባር ክንስጉም ዘይምብቃዕና እዩ።

እቶም ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድና፡ ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ ሃገርና፡ ሕገመንግስታዊ፡ ትካላዊ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ፡ ኮታ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ክንትከኦ ንቃለስ ዘለና ዓቕምና ውሱን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገምና ግና ዓቕምና ውሱን ምዃኑ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝርካቡ ብሓላፍነት፡ ብህዝባዊ ሓልዮት፡ ብምክእኣልን ምጽውዋርን ከነዋፍሮ ዘይምጽናሕና እዩ። ደድሕሪ ጉጅለ ህግደፍ ዝኸፍቶ ኣጀንዳታት ምኻድ ዘይኮነ ናትና ኣንፈት ኣበጊስና ክንስጉም ዘይምጽናሕና እውን ካልእ ናይ ድኽመትና መርኣያ እዩ። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድኽመትን ሰዓብነትን ካብ ዘውደቑና ከኣ፡ ጉዳይና ብዘይካና ካልእ ዋና ዘይብሉ ምዃኑ ኣሚና ብምሉእ ልብናን ዓቕምናን ዘይምንቅስቓስና ሓደ እዩ።  ርግጽ እዩ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጸላእቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዙሓት እዮም። እዞም ብዙሓት ጸላእቱ ከወግድዎ ከም ዝደልዩ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ንሳቶም ካብ ናቶም ናይ ቀረባን ርሑቕን ረብሓኦም እምበር ከማና ካብ ኤርትራዊ ረብሓን ህልውናን ስለ ዘይነቕሉ፡ ናታቶም ዓቕምን ተበግሶን ንዓና መመላእታ እምበር መተካእታ ከምዘይኮነ ክንስሕቶ ኣይግበኣናን። እቲ ኣብዚ እዋንዚ መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦትን ስኖም ነኺሰምሉ ዘለዉ ከኣ ብመንጽርዚ ኢና ክንርእዮ ዝግበና።

ኣብ ኤርትራ እቲ ህዝብና ዝጽበዮ ንሕና እውን ንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ምእንቲ ክረጋገጽ፡ ኤርትራዊ ዓቕምና ከይበኾረ ካልእ ሓይሊ እውን ኣብ ርእሲቲ ናትና እጃም; ኢዱ ክሕውስን ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከሕይልን ንጽውዓሉ ዘለና እዋን እዩ። እዚ ማለት እቲ ዕማም ኩልና ንወፍረሉ እምበር ንውሱን ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምዕዓላትን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ብቀንዱ ከኣ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን ብዘይኣፈላላይ  ክንናበብ ናይ ግድን እዩ። ከምቲ ኣብ ዓወትና ኩልና ክንሕበን ዝግበኣና፡ ኣብ ድኽመትን ተሓታትነትን እውን በብጽሒትና ክንወስድ ከም ዝግበኣና ኣይንስሓት።

ብሰንኪ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘይተነግረ እምበር፡ ዘይወረደ ገበንን በደልን የለን። ህግደፍ ንሃገርናን ህዝብናን ሕድሩ ጠሊሙ ከም ናቱ ጉጅላዊ ንብረት ስለ ዝወሰዶ፡ ክብድሎ እንከሎ ዓገብ እንተተባህለ ኣይሰምዕን።   ሕሉፍ ሓሊፉ ነቶም ንሕሱም ኣካይድኡ ዝነቕፉ ወገናት፡ ከም ጸላእቱ ይወስዶም። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ”  ዝበሃል፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ከም ዝኣተዉዎ ቆጺሩ የጉባዕብዕ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝለመዶ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እውን ይደግሞ ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ እዩ። ንሕና እቶም ንተግባራት እቲ ጉጅለ ካብ ቀደም እንፈልጥ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ምኽታቱ ምስተረዳእና ሳዕቤኑ እንታይ ከም ዝኸውን ምግማቱ ዘጸገመና ኣይነበረን። ብኡ ንብኡ ድማ ሓደገኛነት ናይቲ ገዚፍ ኢድ ምትእትታዉ ብምስትውዓል ኮንኒናዮ ኢና። እቶም “እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበናት ይፍጽም ኣሎ” ኢልና ከነድምጽ  እንከለና፡ ብምሉእ ልቦም ዘይቅበልዎ ዝነበሩ ወገናት፡ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ፡ ሎሚ ግና በዚ ኣብ ትግራይ ዝኽሰሶ ዘሎ ዶብ ዝሰገረ ገበናት ክሰናበዱ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ምስንባድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ይቕጽልዎዶ ኣይቅጽልዎን ሓቢርና ንርእዮ ኮይኑ፡ ሴፋቶም ክስሕልሉ እውን ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ተበግሶ ንኤርትራዊ ሓላፍነትና ዝትክእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ቃልስና ንምውዕዓይ ሓጋዚ እዩ። ሓጋዚ ዝኸውን ግና ንኣካይዳና ምስዚ ዝወዓዋዕ ዘሎ ተረኽቦታት ከነበራብሮ እንተበቒዕና ጥራይ እዩ። ህልዊ ኤርትራውን ዞባውን ዛዕባ ውዑይ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ ማዕሪኡ እንተዘይሰጒምና ግና “ሓጋዚታ ተረኣየትስ፡ መዲዳ ትሓብእ” ኮይኑ ግዜ ማዕሪኡ እንተዘይሰጒምና፡  ኣይክጽበየናን እዩ።

ህግደፍ “ህዝባዊ ሓልዮትን ተገዳስነትን” ዝበሃል ካብ መዝገቡ ዝሓኸኸ ብብደዐ ዝሰኸረ  ትዕቢተኛ ጉጅለ እዩ። ዝኾነ ስጉምቲ እንተወሰደ ኣብቲ ዝርዝር ሕሳቡ ጉዳይ ህዝቢ የለን። ኩሉ ሃሙን ቀልቡን ሸማጢጥካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢድ ምእታዉ እውን በዚ ጸማም ኣካይድኡ ዝተቓነየ እምበር፡ ናይ ኤርትራ ኮነ ናይ  ህዝባ ጥዑይ መጻኢ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን። በዚ ዝኸዶ ዘሎ ንኤርትራዊ ጉዳይና መሊሱ ዘጋድድ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ እዩ።

በዚ ኮነ በቲ “ከባቢና ናብ ሓድሽ ምዕራፍን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ይኣቱ ኣሎ” ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ካብቲ ዝጸንሐ ዝተፈልየ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ባህርን መንቀልን ኣለዎ።  ገለ ወገናት ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓይልታት ይፈጥር ኣሎ ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ድማ እቲ ዝነበረ ኣሰላልፋ እዩ ዝምዕብል ዘሎ እምበር ሓድሽ ኣይመጸን ዝብሉ ኣለዉ። ሓደ ካብ ምኽንያታቶም ከኣ ጉጅለ ህግደፍ መልክዕ ክቕይር’ዩ  ፈቲኑ እምበር፡ ኣብቲ ናይ ቅድም ንኤርትራን ከባቢኣን ናይ ምዝራግን ምሕማስን ተግባሩ እዩ ዘሎ ዝብል እዩ። እዚ ሚዛንዚ ናብቲ ሓቂ ዝቐረበ እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ንህግደፍ እውን ዝህውጾ ዘሎ ሓድሽ ምውዕዋዕ ይፍጠር ምህላዉ እዩ። ስለዚ ንሕና፡ ሎሚ እውን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ “ኩነታት ከይገድፈና” ብዘይብቑዕ ምኽንያት ግዜና ከየባኸና ብሓባር ክንስጉም፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘይስገር ብደሆ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኤርትራዊ መድረኻት ኣዛረብቲ ካብ ዝቐነዩ ዛዕባታት ሓደ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ እዩ። ጽምዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ውግእ ትግራይን ብሰንክዚ ኣብ ኤርትራውያን ዝምዕብል ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት እውን መድረኽ ኣይለቐቐን። እነሆ ከኣ ናይ መገሻ እገዳ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህሉዋትን ቀዳሞትን መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን እውን ናብ መደርኽ ወጺኡ ሓድሽ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብቲ ንዝኽሪ መዓልቲ ናጽነትና ዝምልከት፡ ኩለመዳያዊ ሕማቕ ህይወት ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት ካብ ዘንቀሎ እንጽርጽሮት ዝተፈጥረ ዝመስል “ዝሓለፍናዮ ሰላሳ ዓመታት ናይ ናጽነት ዘይኮነ፡ ናይ ባርነት እዩ” ዝብል ድምጺ ውሑዳት ሓሓሊፉ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ከምቲ “እንተ ክንቡርኩት ዘይክንቡርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ናጻነትና ናይ ኩሉ እቲ ንመጻኢ እንውጥኖን እንቃለሰሉን ራህዋ፡  ቅሳነትን ልዕልና ፍትሕን መሰረት እዩ እሞ፡ ከይንጻብኦ ሓደራ ምባል ኣገዳሲ እዩ። ናጽነትናን ልኡላውነትናን ምስ ዲክታተር ኢሳያስ ደሪብና እነቆናጽቦ ዘይኮነ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ብክቡር ዋጋ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ መለለይናን ክብርናን ምዃኑ ዘይዝንጋዕ እዩ። ናጻ ሃገር እንተዘይትነብረናሞ፡ ከም ሃገራዊ መንነት ዘለዎ ህዝቢ ብዛዕባ መንግስታዊ ምምሕዳርን ዲሞክራስን ኣይምተዛረብናን።

ኣብ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዓጀውጀውን ኮለልን ገዲፍካ፡ ኣብ  ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ህዝባዊ ምልዓላትን ባእታታትን መልእኽቶም ከመሓላልፉ ቀንዮም። መብዛሕቶም ካብቶም መልእኽትታት ዘመሓላለፉ ካብ ዘይጓሰይዎም ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይከኣል። ንናጽነት ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ናጻነት ፍረ ቃልሲ ኩሉ ኤርትራዊ ምዃናን፡ ምረት ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ናጽነትን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኣዝዩ መሪር ህይወትን፡ ነዚ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ጸልማት በዲህካ ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ መሰረታዊ ተደላይነት ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጐረቤትና ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን መዋጽኦኡን ዝብሉ ይርከብዎም።

ሓደ ካብቶም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል፡ ኣብ መልእኽቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምስ ህዝብኹም ወግኑ ጥራይ ኣይኰነን ሕጂ እቲ ጻዋዒት። እቲ በደል ኣብ ርእሴኹም እውን ብጋህዲ ወሪዱ ኣሎ  ሃገርኩም ኣድሕኑ፡ ናጽነትኩምን ናጽነት ህዝብኹምን  ዓቅቡ እዩ። ……… ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንውሽጣዊ ሓባራዊ ቃልሲ ኣቐዲመን ምትሕብባር የዕዝዛ ኣለዋ።  እዚ ኩሉ ምዕባሌታት መስርሕ ውድቀት ምልኪ ከም ዝጀመረ እዩ ዘርእየና። ዝብሎ ምጥቃስ ይከኣል።

ዳርጋ ቅድሚ 3 ዓመታት ከምዚ እዋን ኣብ ኤርትራዊ ኮነ ዞባዊ መድረኽ፡ ኣዛረብቲ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ ርክብ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ምንባሩ ይዝከር። ኣዛራራቢ ካብ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ግሉጽን ትካላውን ዘይምንባሩ እዩ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዘይመሳሰል ኣገባብ ምምሕዳራት መዚኖም “እዞም መራሕቲ ኣበየናይ ኣተሓሳስባ ተረዳዲኦም እዮም ዝዛመዱ ዘለዉ?” ኢሎም ዝሓተቱ ብዙሓት ነይሮም። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና ከምቲ ደሓር ብግብሪ ዝተራእየ፡ ቀንዲ ምቅርራቦም፡ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብሓባር ምኽታት ምንባሩ ሓበርቲ ምልክታት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን።  ብዘይካዚ እቲ ሓደገኛ ሃቐነ ኣንጻር ልኡላዊነትን ናጽነትን ኤርትራ ከም ዝነበረ እውን ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ዘዝኸዶ መድረኻ የርእዮ ብዝነበረ ቀልባዕባዕ ተጋሂዱ እዩ። እዚ ኢስያስ ዝፈጠሮ ሓደገኛ ስኽፍታ ሕጂ እውን ኣብ እንግደዓ ኩልና ኤርትራውያን ዘሎ እዩ።

በቲ ክጅመር ሽፉን ዝነበረ ሎሚ ግና እንዳሓደረ ዝገሃድ ዘሎ ዝምድና ናይዞም ክልተ መራሕቲ ዝተሰከፍና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮና ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ዝተፈላልዩ ግምታት ተንጠልጢሎም ነይሮም። ብዙሓት “ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንኢሳያስ እንተ ኣረዲኡ እንተ ኣደናጊሩ ብውሕዱ ኣፍደገ ባሕሪ ከውህበና እዩ” ዝብል ትጽቢት ነይርዎም። እቲ ኢሳያስ ፈጺሙ ዘይግበኦ ክነሱ፡ ከምቲ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጥልመት ዝሕባእ መሲልዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ጥዑይ መሲሉ ክቐርብ ስለ ዝፈተነ፡ ወርቂ፡ ዋልታን ኲናትን፡ ፈረስን ገመልን፡ ጋብን ቡንን ምስላሙ እውን መሰረቱ ሕልሚ ኣፍደገ ባሕሪ ዝደረኾ እዩ ነይሩ።

ደሓር ግና ኢትዮጵያውያን እውን ስኽፍታኦም ኣብ ዝምድና ዶ/ር ኣብይ ምስ ኢሳያስ፡ ሰማይ ዓሪጉ። ሎሚ እሞ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ቅልውላው፡ ካብ  ምስ ትግራይ ኣብ ውግእ ምእታው ጀሚርካ  ክሳብ ግዳይ እገዳ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምዃንን ካብ ብዙሓት ፈተውቲ ኢትዮጵያ ምንጻልን ጠንቁ፡ ምስቲ ንህዝቡን ሃገሩን ዘይኮነ፡ ”ከም ሲንጋፖር ሓሊሙ ትሕቲ ሰሜን ኮርያ ኮይኑ ዝተረፈ ሰብኣይ ምዝማድና እዩ።” ዝብል ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ሚዛን ኮይኑ ኣሎ። እዚ መረረ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ብመንግስታዊ ኣካላት እውን ጀሚሩ ኣሎ። ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ መጽናዕቲ ኣካይዱ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ውተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ 110 ንጹሃት ሲቪል ቀቲሎም” ክብል ዝሃቦ ምስክርነት ምጥቃስ ይከኣል። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ነዚ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና ንመለስ። ንመዓልቲ ናጽነት፡ ነቶም ምእንተኣ ዝተሰውኡ ጀጋኑና ዘለና ኣኽብሮት፡ ኣብታ ዕለት ብእነስመዖ መደረታትን ጭረሖታትን ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። እቲ ቀንዲ መግለጺኡስ ኣብ ባይታ ብግብሪ ከምቲ እንምድሮን እንጭረሖን እንተኮይና ጥራይ እዩ ትርጉም ዝህልዎ። ሓቢርና ተቓሊስና ንህግደፍ ከነወግዶ ተስፋን ተኽእሎን ከም ዘለና ዝረኣዩ ዘለዉ ምልክታት ናብ ግብራዊ ዓወት ክንቅይሮም ክንበቅዕ ይግበና። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዝሓሰብና ጽቡቕ እንተሓሰብናን ተስፋ እንተሕደርናን ብዘይካ ብሓባር ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድካ፡ ካልእ መሰጐሚ ኣቋራጭ መንገዲ ስለ ዘየለ።  “ድሕሪ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናጽነትናከ ናበይ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ እምበኣር “ናብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ”  ዝብል እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ከቢድ ዋጋ ኣኽፊሉና ኢዩ። በዚ ኢዩ ድማ እዚ ክንዲዚ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ናጽነት ተሓሊዩን ተኸቢሩን ክነብር ወትሩ ጥንቁቓት ክንከውን ዝህልወና። እቶም በዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይህዝባዊ ምምሕዳር ተማሪሮም፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቆናጽቡ፡ ነቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከም ከንቱን ትርጉም ዘይብሉን ገይሮም ዝቖጽሩ ወገናት፡  ሃገር ማለት እንታይ ምዃኑ ዘይርድኡ ኢዮም።  

መሰረታዊ ዕላማ ቃልስና፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስና ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ሃገር ምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ዝቕጽል ቃልሲ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለዝነበረ ቅሩብን ትስፉውን ኢዩ ነይሩ። ዘተሓባብሮን ዝመርሖን እንተዝረክብ፡ ባሕቲ መስከረም 1961ን 24 ጉንበት 1991 ክልቲአን ታሪኻውያን ዕለታት እየን። እታ ቀዳመይቲ ሰውራ ብምእዋጃ እታ ካለኣይቲ ከኣ ናጽነት ኤርትራ ብምብሳራ። እቲ ኣብ መንጎ እዘን ሕቡናት ዕለታት ዝነበረ ናይ 30 ዓመታት ጉዕዞ ብኣዝዩ ብዙሕን ረቀቕትን ውረድ ደይብ ዝተመልአ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ኩሉቲ ኣብ መንጎ እዘን ዕለታት፡ ዝተወስደ ግዜ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዝተወፈየ መስዋእትነት፡ ዘጋጠመ ዕንወትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትን ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድን  ስለዝነበረ ከኣ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩነትን ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምትበጽሕ ዓቢ ተስፋ ነይርዎ። ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት፡ ካብቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝተፈልየን ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትትን ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት እምነት ንከሕድር ምኽንያታቱ ብዙሕ ነይሩ።

 ካብቲ ምኽንያታት ብውሕዱ ንምጥቃስ፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ኣብ ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ተጠቀምቲ እዮም ዝበል እምነት ስለ ዝነበሮን። ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንኤርትራውያን ዘዋስን ኣመራርሓ ክህሉ  ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ሓደን ዝድግፈሉ እቲ ካልእ ዝጻረረሉ ኣሰላልፋ ክህሉ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ነጻነት ኣብ ምምጻኣ ዓብይ ግደ ዝነበሮም ተጋደልቲ ኩነታት ከምቲ ዝኾኖን ዝኸውን ዘሎን ከጋጥም እዩ ዝብል ስግኣት ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ።  እንተኾነ ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግተኡ ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ዉልቀ-ሰባትን ነይሮም ኢዮም።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ስልጣን ምንባር ዝሰርዐ፡ ንህዝቢ ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምህናጽ ሃገርን ምትካል ቅዋማንውን ዲሞክራስያውን ምምሕዳርን “ዘይበልናዮ ኮነ” ከም ዝበሃል መልክዑ ቀይሩ። ወዮ ኣብ ሓጺር ግዜ ራህዋ ከምጽእ ዝተጸበናዮ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ክንድቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ግዜ፡ 30 ዓመታት መሊኡ። ኣብ 30 ዓመታትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን ንዝብል ከኣ ጌና ሎሚ ዘበን ዝረአ እዩ። ምልክታቱ ግና ደፊርካ ምህናጽ ሃገርን ምትካል ዲሞክራስያዊ ምምሕዳርን ኣብ ኤርትራ ዝወሰዶ ግዜ ክንድቲ ንናጽነት ዝተወስደ ግዜ ጥራይ እዩ ዘብል ኣይኮነን።  ብመንጽር ዝተኸፍለ ዋጋ እውን ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጉደ፡ ከምኡ ክኸውን ግድን ዘይነበረ ውግኣት ካብቲ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና  30 ዓመታት ዝተኸፍለ ምናልባት ዝያዳ  እዩ። እሞ ክኣ ብዝመረረ መልክዑ ኣብ ዓዲ ጓና ጣልቃ እናኣተኻ ከይተረፈ።

ኣብዚ ንዝክሮ ዘለና መበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኮይና፡ ርሑቕ ከይከድና ብዛዕባ እዚ ዝሓለፈ ናይ 60 ዓመታት ቃልሲ ከነስተንትን ናይ ግድን እዩ። ምስትንታን ብድፍኑ ዘይኮነ፡ “በየን መጺእና?፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለና?፡ እንታይከ ይጽበየና ኣሎ?” ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ቀንዲ ጠመተና ከኣ እተን፡ “ኣበይ ኣለና? እንታይከ ይጽበየናሎ?” ዝብላ ሕቶታት ክኾና ይግበአን። ምስ ቃልሲና ምንውሑን ብሰንኩ ሃገርናን ህዝብናን ንቑልቁል ይንቆቱ ምህላዎምን ሻቕሎት ኩልና፡ ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዝያዳ ኣብ ዝዓረገሉ ደረጃ ኢና ዘለና። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምውጋድ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ ኮንደኾን ካብዚ ዘለናዮ ናብ ዝሓሸ የሰጋግረና ብዝብል  መዋጽኦ ዝብልዎ ይእምሙ ኣለዉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮ ምሕዝነትን ኪዳንን ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ንቕሎ ለንደን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ መስርሕ ኣሎ።  ፖሓኤ፡ ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባትን ግንባራትን ሰፊሕ መድረኽ ንምፍጣር ቃልሲ ዘካይድ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕድ ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ቀጻሊ ናይ ሓባር ድልዱል መቃለሲ ጽላል ንምፍጣር ሒዝዎ ዘሎ መስርሕ እውን ኣብ ደሓን ደረጃ በጺሑ ዘሎ እዩ። እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ኣብ ፖለቲካዊ ውዳበታት ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነ፡ ኣብ መስርሕ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ናይ ልውጢ ሓይልታት ዝሳተፍሉ ናይ ምስፋሕ ትልሚ ዘለዎ እዩ። ጐኒንጐኒዚ መስርሕ ምፍጣር ሰፊሕ ጽላል፡ ክካየድ ዝጸንሐን ጌና ቀጻሊ ዘሎን  ናይ መሰረታዊ ፍልልይ ዘየብለን ውድባት ምሉእ ሓድነት ምፍጣር እውን ኣብዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ንምብጻሕ ሓጋዚ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድር (ሃግኤ-ሕድር)ን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ዝመስረትዎ ሓድነት ከኣ ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክረኣዩ ካብ ዝጸንሑ ድኽመታት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝሓዝካዮ መስርሕ ስንኻ ነኺስካ ኩሉ ዓቅምኻ ጸንቂቕካን ኩሉ ዕድላት ተጠቒምካን ኣብ ዝብጻሕ ምብጽሑ፡ ናይ “ሕዝ ግድፍ” ኣገባብ ምኽታል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ካብዚ ንምውጻእ፡ ሒዝካዮ ዝጸናሕካ ብምፍራስ ዘይኮነ፡ ንጉዳያት ቅደም ተኸተል ኣትሒዝካ፡ ቅድም ኣብ ሓደ ምድማዕን ነቲ ዝመጽእ ምዕባለ ነቲ ዘመዝገብካዮ ብዘይሃስን ሓቢርካ ብምግጣሙ ክኸውን ይግበኦ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝረአ ዘሎ ተበግሶታት ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ጽላል ናይ ምምስራት ጻዕሪ ብዘይጻረር  ክሕዞ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ትቕበሎዶ ኣይትቕበሎን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ዝኾነ መማረጺ ክቐርብ ሓጋዚ እምበር ጐዳኢ ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ንመበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ውግእ እዩ። እዚ ብቐንዱ ጉዳይ ጐረቤት እዩ። ጽልዋኡ ኣብ ጉዳይና ግና ምስቲ ሃገርና ክሕምስ ዝጸንሐ ጉጅለ ተሰታፋይ ናይቲ ውግእ ምህላዉ ከም ታራ ናይ ጐረቤት ዋኒን ንወስዶ ዘይኮነ፡ ፍሉይ ግምት እንህቦ እዩ። ብሰንክዚ ናይ ትግራይ ጉዳይ ኣብቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ጉዳይና ከይንፈላለ ከኣ ውሕልነት ክሓተና እዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ 30 ዓመታት ካብ ሓደ ምዕራፍ ናብ ካልእ ሞዕራፍ ምስጋር ዝተለምደ እዩ። ኣብ መንጎ 1961ን 1991ን ዘሎ ዝምድና ርኢናዮ ኣለና። 1991ን  2021ን ዘሎ 30 ዓመታት እንታይ ከርእየናዩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኮይኑ፡ ባህግን ድልየትን ህዝብና ንምዕዋት ከኣ ዝያዳ ጻዕርን ተወፋይነትን  ዝሓተና ክኸውን   እዩ።

ብናጽነትና ንሕበን፡

ናጻን ላኡላዊትን ኤርትራ ተኸቢራ ትንበር!

24 ጉንበት 2021

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና፡ ግዜ ዘይህብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቃልሲ፡ ኣብ ንቡር ህይወት እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኣተሓሳስባታት ማዕበል ኢና እንሕንብስ። እቲ ማዕበል ናይ ካለኦት ኣተሓሳስባ ንቋመተሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና እውን ኢድና እንሕውሰሉ ናይ ሓባርና እዩ። ኣብቲ ማዕበል ገሊኦም ሓሳባት ብቐጥታ ሰለ ዝምልከቱና ፊትንፊት እንገጥሞም እዮም። ገሊኦም ግና እነቕልበሎምኳ እንተኾኑ፡ ክሳብ ክንድቲ ዘይንገደሰሎም ክኾኑ ይኽእሉ። ከምቲ ኣብ ዕዳጋ ወሪድካ ብዛዕባቲ ክትገዝኦ ዝግበኣካ ንብረት ዝያዳ  እተድህብ ማለት እዩ። ኣብቲ ናይ ሓሳባት ዕድጋ ንገሊኡ ምቕባሉን ናትካ ምግባሩን፡ ንገሊኡ ከኣ ምንጻጉን ካብኡ ምርሓቕን ክረአ ንቡር እዩ።

ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ንተረኽቦን ካብኡ ዝምንጩ ኣተሓሳስባን ምድጋፍን ምቅዋምን መሰረታዊ መሰል ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ መሰልዚ ኣባላት ኣብ ሰልፍታቶም ውድባቶምን ማሕበራቶምን፡ ከምኡ ከኣ ውዳበታት ኣብ ሕድሕደን ኣብ ዝገብረኦ ርክባት ናይ ምጥቃም መሰልን ነጻነትን ኣለዎም። መሰል ክለዓል እንከሎ፡ ካብኡ  ፈሊኻ ዘይረአ ግቡእ ከም ዘሎ ከኣ ምዝካር የድሊ። ከምቲ ሓሳባትና ናይ ምቕራብን ተቐባልነት ክረክብ ናይ ምጉስጓስ መሰል ዘለና፡ ካልኦት ውን ሓሳባቶም ከስምዑን ቅቡል ክገብሩን ክንፈቅድ ግዴታ ኣለና።  ካብዚ ሓሊፉ መሰልን ግዴታን ሚዛኑ ኣብ ዘይሓለወሉ ዝፍጠር ዘይሚዛናውነት ሃሳዪ እዩ።

እቲ መሰረታዊ ጉዳይ እቲ መሰልና ተጠቒምና እነቕርቦ ሓሳብ ምኽንያታውን ርትዓውን ምዃኑን ዘይምዃኑን ምምዛን የድሊ። መሰል ክበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ርእይቶኡ ካብ ምሃብ ከይግደብ ዝተዋህቦ ተፈጥሮኣዊ ሂያብ እምበር፡ ንገዛእ ርእሱ ሓቂ ወይ ቅኑዕ ኣይኮነን። እቲ እነቕርቦ ሓሳብ ኣባና ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ናብ ናይ ኣተሓሳስባታት ዕዳጋ ዝወርድ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብቲ ዕዳጋ ናይቲ ሸያጣይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ዓዳጋይ ኩነታት እውን ኣብ ግምት ከኣቱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ነቲ ሓሳብ ዝገዝእ ረብሓኡን ተረድኦኡን ኣብቲ ናብ ዕዳጋ ዝወረደ ሓሳብ ምንጽብራቑን ዘይምንጽብራቑን ክመዝን የገድሶ እዩ። በቲ ናቱ ምምዛን  ነቲ ሓሳባት ናይዘይምቕባሉ ዕድሉ ክፉት ምዃኑ እቲ ሸያጢ ከስተብህለሉ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሓሳብካ ንክገዝእ ቅሩብ ዘይኮነ ኣካል ኣገዲድካ ከተሰክሞ ምፍታን ናብ ዘየሳኒ ኩርናዕ ዝወስድ እዩ። ኩሉ ነገር ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጥራይ ስለ ዘይውዳእ፡ ስለምንታይ ሓሳብና ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ እንተዘይተረዲኡና ናይ ምርዳእ  ጻዕርና ቀጻሊ ክኸውን ይግበኦ። ሓሳብና ስለምንታይ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ንምርዳእ ኣብ ክንዲ ምጽዓር  ተሃዊኽና ምድርባዩን ተስፋ ምቑራጽን ቅኑዕ ኣይኮነን።

ሓሳብ ክንቅበል ወይ ክንነጽግ እንከለና፡ መዕቀኒና፡ ብኹሉ መለክዒ ትሕዝቶ ብምምዛን እምበር ብመንጽር ብመን ቀሪቡ ጥራይ ከይከውን ምጥንቃቕ የድልየና። ብዛዕባ መንነትን ድሕረ-ባይታን ናይቲ ሓሳብ ዘመንጩ ምሉእ ብምሉእ ኣይንገደስ ማለት ግና ኣይኮነን። ምናልባት ምስቲ ሓሳብ ዘቕረበ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ሌላ ክህልወና  ይኽእል። እቲ ሌላ ብጽቡቕ ወይ ብሕማቕ ክኸውን ይኽእል። ካብዚ ነቒልና ነቲ ብጽቡቕ ዓይኒ ክንርእዮ ብዝጸናሕና ኣካል ዝቐርብ ሓሳብ ብድብድቡ ምቕባል፡ ነቲ ብሕማቕ ዓይኒ ክንርደኦ ዝጸናሕና ኣካል ዝቕረቦ ከኣ ብማዕዶ ምንጻጉ ኣብ ጌጋ ከውድቐና ይኽእል። ብመሰረቱ እቲ ቅድም ንፈትዎ ኮነ ንጸልኦ፡ ሎሚ እውን ኣብቲ ዘለዉዎ እዮም ዘለዉ ኢልና ምድምዳም ኣጸጋሚዩ። ምኽንያቱ ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ካብ ሓደ ዛዕባ ናብቲ ካልእ ዛዕባ ብኣተሓሳስባ ክቕየሩ ከም ዝኽእሉ ኣብ ግምት ምእታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ። ንኣብነት ናብ ተመኩሮና እንተመጻእና፡ ንሓደ ሰብ ቅድም ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ሜዳ ቃልሲ  ብእንፈልጦ ጥራይ ኩለንተናኡ ኣብቲ ናይ ቀደም ኣፍልጦና ጥራይ ተመርኲስና ክንመዝኖ የጸግም።

ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ተቐዳዲምካ  ግዳማዊ ፍርዲ ምሃብ ናብ ጌጋ ዝመርሕ እዩ። እዚ ጸገምዚ ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ሳዕሪሩ ዘሎ እዩ። ምናልባት እውን ሓደ ካብቲ ኣተሓሳስባታትና ኣቀራሪብናን ኣሳኒናን፡ ብሓደ ከይንስለፍ ኣጸጋሚ ኮይነሙና ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ፍልልያትና እንተተኻኢሉ ኣወጊድና ወይ ኣከኣኢልና ብሓባር ክንቃለስ መተካእታ የብሉን። ናብዚ ክንበጽሕ ከኣ እቲ ሓደ እንታይ ይብል ከም ዘሎ፡ ብደጋዊ መንነት ናይቲ በሃሊኡ ከይተዓገትና፡ ኣብ ትሕዝኡ ክንደማመጽ ይግበኣና። ከምዚ እንተዘይጌና ግና ኣይኮነንዶ ንቕድሚት ክንስጉም እቲ መምሳና ዘሎ ዓቕምን ተቐባልነትን ወዲእና ካብቲ ዘዘለናዮ ኣይክንነቓነቕን ኢና። ምናልባት እውን ንድሕሪት ምምላስ ከጋጥም ይኽእል።

ናብቲ ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ክንበጽሕ፡ ኣካልና ዘይኮነ ኣተሓሳስባታትና እዩ ክቀራረብ ዝግበኦ። ናብዚ ምቅርራብ ክንበቅዕ ከኣ ሓሰባትና እነንጸባርቐሉ መድረኻት ክንረክብ ናይ ግድን እዩ። እዚ ናይ ሓሳባት ዕሙር ዕዳጋ፡ መን የሰናድኦን ይጽወዖን ብዘየገድስ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ መድያታት፡ ኣኼባታትን ካልእን ክኸውን ይኽእል። ነዚ መድረኻት ብመንጽር”መን ኣዳልይዎን ጸዊዕዎን” ዘይኮነ፡ ነቲ  “ኣብኡ እንታይ’ዩ ተባሂሉ” ዝብል ዝያዳ ከነድህበሉን ክንመዝኖን ይግበኣና።  ኣብ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ተሳቲፍና፡ ዝበሃለና እንሰምዓሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝተላዕለ ዛዕባ ናትና ሚዛን እነንጸባርቐሉ እውን ስለ ዝኾነ፡ ኩልኻ እትርበሓሉ እዩ። ምእንቲ ከምዚ ክኸውን እቲ መድረኽ ኣዳልዩ ዝጽውዕ ኣካል ካብ “ናተይ ጥራይ እዩ ዝስማዕ” ዝብል ስሰዐ ከወጽእ ይግበኦ።  ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ምስታፍ፡ ከምቲ “ኢድካ ኣብ ባሕሪ ስደድ እሞ ወይ ሉል ሕዚካ ወይ ተሓጺብካ ትወጽእ” ዝበሃል እንተዘይከሰብና  እውን ንኸስረሉ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ መድረኽ ክሳተፉ መሰል ኣለዎም። ካብቲ መድረኽ ኣንታይ ይወስዱን እንታይ ይህቡን ከኣ በቲ መርገጽ ሰልፎም ኣብቲ መዛረቢ ዛዕባ  ዝዕቀን እዩ።

እቲ ሓሓሊፉ ዝረአ፡ ካብ ዘይኣመንካሉ ኣኼባ ድዩ ካልእ መድረኽ ምብኳር፡ ናይቶም ዝበኹሩ መሰል እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ መድረኽ“ኣነ ስለ ዘይኣመንኩሉ እገለ ዝበሃል ባእታዶ ውድብ ሰለምንታይ ይሳተፎ”ብዝብል ዝፍጠር ኩራን ምጉብዕባን ካብ“ኣጻልኡና”ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ስለዚ ምስታፍን ምብኳርን ማዕረ መሰል ናይቶም ዝመርጽዎ ምዃኑ ምስትውዓል ጽቡቕ እዩ። በቲ ኮነ በዚ ኣብ ክንዲ ንሓሳባት ብማዕዶ’ሞ ብደጋዊ መምዘኒ ምፍራድ፡ ብመንጽር“መን በሎ ዘይኮነስ፡ ብትሕዝቶቲ ዝተባህለ”ምርኣዮም ጠቓሚ እዩ።

 

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ብናይ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ እዩ ዝመጽእ። ምኽንያቱ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ በቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ተሃሳዪ፡ በቲ ዝመጽእ ለውጢ ከኣ ተጠቃሚ ስለ ዝኾነ። እቶም ኣብዚ እዋንዚ መሳርሒ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኖም ህዝቦም ዘበሳብሱ ዘለዉ ሰራዊትን ትካላት ጸጥታን እውን ኣንጻር ጠቕሞም ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት እምበር በቲ ጨቋኒ ስርዓት ተጠቀምቲ ኣይኮኑን። ነዚ ብምርዳእ ኢና ከኣ ነዞም ኣብ ግጉይ መንገዲ ዘለዉ ኣካላት ወትሩ ሕቖ ናይቲ ምእንቲ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቦም ክኾኑ ንጽወዖም። ከምኡ እውን ኢደ-በይዛ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ንነብሶ ሓራ ክኾኑ እንምሕጸኖም። ካብኡ ናብኡ ከኣ ግደ መንእሰይ ኣብዚ ዘለናሉ ወሳኒ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝያዳ እዩ።

ኣብዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ ብዛዕባ ተሳትፎ ክንሓስብ እንከለና፡ ቆላሕታና ኣብ ግደ መንእሰይን ጓለንስተይትን ዝያዳ ነዕዝዝ። ናይዚ ምኽኒያት ብሩህ እዩ። ጓለንስተይቲ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት፡ መንእሰይ ብሓፈሻ ከኣ ናይ ዝሓለፈ፡ ዘሎን መጻእን ናይ ምስግጋር ድንድልን መላግቦን ኮይኑ ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ሰለ ዘለዎ። መንእሰይ ቅድሚኡ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ካብ ዝጸንሑ ተረኪቡ ከቕጽል እሞ፡ ሎሚ ቃልሲ ክዕወት፡  ጽባሕ ከኣ  ምህናጽ ሃገር ህያው ክኸውን ሓላፍነቱ ወሳኒ እዩ። ንመንእሰይ እዚ ታሪኻዊ ናይ ምስግጋር ሓላፍነት'ዚ ከም  ውዱእ ተሰሪሑ ዝወሃቦ ዘይኮነ፡ ብቓልሱ ዘረጋግጾ እዩ።  ቃልሱ ካብቲ ክርከቦ ዝግበኦ ንምርካብ ጥራይ ዘይኮነ፡ መጻኢ ካብ ህልዊ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ናይ ምግባሩ ሓለፍነት እውን ዝውስኽ እዩ። መንእሰይ ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ዝህልዎ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ምዕባለ ንጽባሕ እውን ከምቲ ዘለዎ ሒዝካዮ ንምጉዓዝ ዘይኮነ ዝሓሸ ጽባሕ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ዘሰክሞ ስለ ዝኾነ። ኣብ ጽባሕ ኮይንካ “ዓሚ ይሓይሽ” ዝበሃለሉ እንተኮይኑ ግና እቲ ናይ መንእሰይ ናይ ምቕጻልን ምስግጋርን ሓላፍነት ምሉእ ኣይከውንን።

ኣብ መንጐ እቲ ሕድሪ  ዘረክብ ነባርን ሕድሪ ዝርከብ ውዑይ ሓይሊ መንእሰይን ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ ከጋጥም ንቡር እዩ። እቲ ሓደ ኣብ ናይቲ ካልእ ዘይምዕጋብ ምኽንያቱ ካብቲ ዝዋስእሉ መድረኻትን ዘስንዮ ምዕባለታትን ባህሪ ዝነቅል ክኸውን ከም ዝኽእል ዝተፈልጠ እዩ። ንኣብነት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኻየደሉ ግዜን ሎሚ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ቃልሲ ነካይደሉ ዘሎና መድረኽን በበይኑ ባህሪ ናይ ቃልሲ  ዘለዎም እዮም። ናይ ሽዑን ናይ ሎሚን መንእሰይ ከኣ በበቲ ናይ ንእስነቱ ግዜ ምዕባለታት ክጽለው ናይ ግድን እዩ። እዚ መድረኻት ዝፈጥሮ ፍልልይ፡ ልቦና፡ ሓላፍነትን ቅሩብነትን እንተልዩ ብቐሊሉ ክተዓረቕ ዝኽእል ንቡር ተረኽቦ እዩ። እቲ ዘይስገር ሓቂ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ መንጎ ኣረካብን ተረካብን፡ ምውጣጥን ዘይምትእምማንን ሓደሓደ እውን ምክሕሓድ እንተጋጢሙ ከኣ ቅቡልን ሓጋዝን ኣይኮነን። በቲ ኮነ በዚ፡ እቲ መስርሕ ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ ንናይ መንእሰይ ተረኪብካ ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ዝዕግቶ የለን። ምርኽኻብ መስርሕ እምበር ኣብ ውሱን ናይ ቆጸራ ግዜ ዝትግበር ከምዘይኮነ ምርዳእ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ኣብ ምርኽኻብ ዝፍጠር ምፍሕፋሕ ዘፋኹሶን ንመጻኢ ዝያዳ ብሩህ ዝገብሮን ኣብ መንጎ ኣረካብን ተረካቢ ሕድርን  ምትእምማን ክህሉ እንከሎ ጥራይ እዩ። እቲ ኣረካቢ፡ መንእሰይ ሕድረይን ውርሻይን ብግቡእ ከቐጽለለይ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ክሓድሮ ይግባእ። እቲ መንእሰይ ተረካቢ ከኣ ነቲ ዝርከቦ ሕድርን ውርሻን ከቐጽል እምበር፡ ንኹሉ ዝሕለፈ ክኹንን፡ ክነጽግን ከቆናጽብን ዝህንደድ ከይምዘይኮነ ከረጋግጽ ይገበኦ። እዚ ማለት ግና እቲ ሕድሪ ተረኪብካ ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ፡ ካብቲ ዝርከቦ ውርሻ ነየናይ ከቐጽል ነየናይከ ይገድፍ  ምእንቲ ክውስን ናይ ምምዛንን ምምማይን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ንመንእሰይ “ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢዩ” ዘብሎ፡ በቲ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ በዓል ንኡስ ዕድመ ኮይኑ ስለዝጎይን ኣካላዊ ብርታዔ ስለ ዘለዎን ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ መንእሰይ ዘብሎስ፡ ብናይ ትማሊ ፍጻመታት ጥራይ  ዘይእሰር፡ ንሎሚ ብግቡእ ዝመዝን፡ ዝሓሸ መጻኢ ዝእምትን ክኸውን እንከሎ’ዩ። መንእሰይ ናይ ምቕጻል ወይ ምስግጋር ሓላፍነት ኣለዎ ማለት ንናይ ሎሚ ከም ዘለዎ ናብ ጽባሕ ምውሳድ ማለት ከምዘይኮነ ኣሚትና ኣለና። ነቲ ሎሚ ዘየለ ጽባሕ ክፍጠር ዝኽእል ምዕባለ ዝምጥን ኣተሓሳስባን ቅሩብነትን ከመንጭው ክበቅዕ ሓላፍነቱ እዩ። ከምዚ ክበሃል እንከሎ ግና ዓመታት ጸብጺብካ ብዕድመ  መንእሰያት ዘይኮኑ፡ ብኣተሓሳባ ግና ክሳብ ድሕሪ ጽባሕ ዘመዓዱ ግንዛበ ዘለዎም ናይ ዕድመን ተመኩሮን ሰብ ጸጋ ከም ዘለዉ፡ እቲ መንእሰይ ክርዳእ ይግበኦ። እቲ ካብቶም ዘረክብዎ ክወርሶ ዝግበኦ ጸጋ ከኣ እዚ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሎሚ ግና ዘየድሊ ጸገም ኣብ ምጽብጻብ ግዜኡን ዓቕሙን ዘባኽን፡ ንጌጋታት ከም ዘለዎ ዝደግም፡ ንመጻኢ ዘየሰጉም ጸቢብ ዝንባሌታት መሊሱ ዘዕኩኽ፡ በታ ተፈጥሮኣዊት ናይ ዕድመ ንእስነት ዕድሉ ጥራይ ዝንየት መንእሰይ ናይ ቀጻልነት ዋሕስ ኣይኮነን። ስለዚ ሓላፍነት መንእሰይ ንስሙ ምቕጻል ዘይኮነ፡ ናብ ዝሓሸ ምቕጻል እዩ።

መንእሰይ ንኣቐጻልነት፡ ተደለየ ዝቕበሎ ተዘይትደለየ ከኣ ዝገድፎ ኣይኮነን። እዚ ካልእ ዘይስከመሉን ክሃድመሉ ዘይክእልን ትውልዳዊ ሓላፍነቱ እዩ። እቲ ንመንእሰይ ሓላፍነት ዘሰክም በዓል ሃብታም ተመኩሮ እውን ከምኡ ናይ ምርካብ ግደታ ኣለዎ። እዚ ምርኽኻብ እንተዘየልዩ ቀጻልነትን ንቡር ምስግጋርን ወለዶታት ክህሰ ይኽእል። ኣብዚ እዋንዚ ናይቲ ካብ ህዝብና ከባቢ 70% ምዃኑ ዝንገረሉ መንእሰይና ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ  ፋሕጭንግራሕ ምባል ኣዝዩ ዘተሓሳስበና  ከኣ ካብዚ ስግኣትን ሓደጋን ዝነቅል እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ምስኩሉቲ ብሰንኪ ህግደፍ ዘጋጠሞ ጸገምን ብሰንኩ ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ ምግዳዱን ሓላፍነቱ ከይፍጽም ከም ዘጸግሞ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ንኹሉ ክኢሉ ከካብቲ ዘለዎ ኩርናዕ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ፡ ዘመስግኖ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጌና ብዙሕ ከም ዝተርፎ ተገንዚቡ ዝያዳ ክጽዕር ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ዕማሙ’ዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቐጻሊ ህውከት ካብ ዝሕመሱን ብቑጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ካብ ዝሳቐዩን ከባብታት ሓደ እዩ። ናይዚ ዞባዊ ጸገም ቀንዲ ጠንቂ ብፍላይ ካብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ ከኣ ካብ ባሕሪ መዲተራንያንን ህንዳዊ ውቅያኖስን ሰለ ዘይርሕቕ ናይ ሓያላት መቆራቖሲ ብምዃኑ እዩ። ስለዚ  ዞባና ምስ ኩሉ እስትራተጅያዊ ተበሃግነቱን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታቱን ጌና ካብ ድኽነትን ህውከትን ኣይወጸን።  እንተስ  ብናይ ግዳም ሓይልታት ተላኢኹም ወይ ካብ ዓመጸኛ ባህሪኦም ነቒሎም እዚ ዞባ ከይሃድእ ዝሰርሑ ናይዚ ዞባ ኣካላት እውን ተሓታትነቶም ኣቕሊልካ ዝረአ ኣይኮነን። ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ናይዚ ኣብ ዞባና ዝረአ ዘይምርግጋእን ህውከትን መሪሕ  ተዋሳኣይ እዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃን ከም ኢጋድ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ውዳበታትን ካብቲ ቀንዲ ዕማሞም ሰላምን ህድኣትን ዝፍጠረሉ ኩነታት ምጥጣሕ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ  ካብ ሰላም ዘይርብሑ ዝመስሎም ኣብ ኲናትን ህውከትን ዝሃጥሩ ናይ ኣባል ሃገራት  መራሕትን  ለኣኽቶምን እቲ ዝድለ ርግኣት ክረጋግጹ ኣይከኣሉን። ካብቶም ኣብ ክንዲ በዚ ዞባዊ ውዳበ ዝመጽእ ሰላምን ርግኣትን፡ ምስ ናይ ርሑቕ ሓይልታት ተሻሪኾም ህውከትን ዕግርግርን ዝመርጹ ናይዚ ከባቢ ባእታታት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዘራጊ እዩ። ኢሳያስ ነቶም ዓቢዶም ዘዕብድዎ ናይ ርሑቕ ሓይልታት ይንእዶምን የመጉሶምን። ነቶም ጉዳያት ብሕግን ስርዓትን ንክተሓዝን  ድሌት ህዝቢ ግቡእ ቦታ ክረክብን ዝመኽሩን ዝግስጹን ከኣ ይጻበኦምን ጸለሎ ይቐብኦምን። ንኣብነት ነቲ ስርዓተ-ኣልቦነት ከተባብዕ ዝጸንሐ መራሒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፕረሲደንት ነበር ዶናልድ ትራንፕ “ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ዘበላሸውዎ ከዕሪ ዝጽዕር” ብዝብል ይንእዶ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ነቲ ንናይ ዶናልድ ትራንፕን ከም  ኢሳያስ ናይ ዝኣመሰለ ሃላልን ኣተሓሳስባ ስዒሩ ስልጣን ተረኪቡ ንሃገሩ ናብ ንቡር ንምምላስን ንከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ መስመር ከትሕዝ  ዝሰርሕ ዘሎ ፕረሲደንት ጆን ባይደን ከኣ ክኸሶን ክራገሞን ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ  ኢሳያስ ክሳብ ክንደይ ኣንጻር ርግኣት ናይዚ ዞባ ተዓጢቑ  ከምዘሎ ምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ከምቲ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” ዝበሃል፡ በቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣንጻሩ ዝቀላቐል ዘሎ ቀጻዒ ምልክታት ሰንቢዱ፡ ኣብ ክስን ወቐሳን ምእታዉ እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ ስንባደኡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ “ግህሰት ልኡላውነት ሃገራትን ህዝብታትን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ኢድ ምእታው፡ ምንጋስ መጐት ሓይልን ምጉጣጥን፡ ንካለኦት እናተፋነንካ ምምሕዳር” ብዝብሉ ሓረጋት ክኸስሳ ተዓዚብናዮ ኣለና። ጉጅለ ኢሳያስ በዞም ባዕሉ ዝብሎም ዘሎ  ጥሕሰታትን ኢድ ኣእታውነታትን ዝኽሰስ እምበር ንኻለኦት ከላግበሎም ሞራልን ተቐባልነትን የብሉን።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰለስተ ዓመታት፡ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዋላ ሓንቲ ከየድመዐ፡ ኣብ ዋናን ናይ ቀረባ ተሓታትነትን ዘይብሉ ባዶ ዞባዊ ማዕበል ዝሕንብስ ጐብለል ክኸውን  ፈቲኑ ነይሩ። እንተኾነ ብዘይካ  ንሓደ ክልተ ግሩሃት መራሕቲ ሃገራት ካብ ምዕሻው ሓሊፉ ሓሳቡ ዓዳጋይ ኣይረኸበን። ሓሳቡ ዘይምዕዳግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምዚ ዓይነት ዘይሓላፍነታዊ፡ ውዲታውን ዘራግን ተልእኮ ሒዙ ከይገሾም ገጽ ከሊኦም ዝመለስዎ እውን ኣለዉ። እቶም ሕማቕ መዓልቲ ውዒሎም ምኽሩ ተቐቢሎም ዝተንቀሳቐሱ መራሕቲ ሃገራት፡ ሎሚ ኣትየምዎ ዘለዉ ሃለዋት ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ዝወሰድዎ ምርጫ ብግብሪ ኣዕናዊ ምዃኑ ምስተረድኡ፡ ናብ ንቡር ክምለሱኳ ድሌት እንተለዎም፡ ሓደ መዋጽኢ ኢሎም ዝሓዝዎ ካልእ ጸገም እንዳመዘዘሎም፡ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ተሸኺሎም ኣለዉ። ነዊሕ ከይከድና ናይ ኢሳያስ ምህዞን ምኽርን ክሳብ ክንደይ ኣዕናዊ ምዃኑ  ንምርዳእ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ሶማልያን ምምዛን ጥራይ እኹል እዩ።

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንገዛእ ርእሱ እውን እቲ ኣጻዊዱ ዝዘርግሖ ናይ ህውከት መጻወድያ ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይኮነሉን። እቲ ዝመረጾ መንገዲ ክሳብ ክንደይ ዘራግን መዘዘኛን ምዃኑ፡ ብፍላይ ነቶም ንዓቕመ-ሄዋንን ኣዳምን ዘይበጽሑ ደቅናን ደቂደቅናን ካብ ኣብያተ-ትምህርትን ጉስነትን ዝግፈፉ ዘለዉ ብሩህ እዩ። ናይቲ ዝተሰከምዎ ዕጥቂ ኣጠቓቕማ ዝምልከት መባእታዊ ትምህርቲ’ኳ  ከይረኸቡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ  ውግእ ተጠቢሶም ይሞቱን ይማረኹን ምህላዎም ከኣ መዓንጣ ከብድኻ ዝቘርጽ እዩ። ጉጅለ ኢሳያስ እቲ ሕሳብ ካብቲ ዝገመቶ ወጻኢ ምስኮኖ ነቲ ገበን ናብ ካለኦት ከላግብ ዝገብሮ ዘሎ ከንቱ ጻዕሪ ከኣ ዝያዳ የገርም።

መራሒ  ህግደፍ ኢሳያስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብተን መርዙ ዝዘረኣለን ሃገራት ኣየድመዐን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ መዘዝ ከም ዘምጸኣሉ፡ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝውሰዶ ዘሎ ስጉምታት ክስቆሮ  ምተገብአ። እንተኾነ ተመሊስካ ጉዳይካ ናይ ምርኣይ ባህሪ ኣይተዓደለን። በቲ ብዝተፈላለዩ  ወገናት ዝቐርቦ  ዘሎ  ናይ “ሰራዊትካ ካብ ውግእ ትግራይ ኣውጽእ” መጠንቀቕታን “ሕብረት ኤውሮጳ ቅድም ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እገዳ ወሲኑ፡ ደሓር ከኣ ንኤርትራ መዲብዎ ዝነበረ  ከባቢ 120 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ሰሪዝዎ” ዝብል ዜናታትን ከም ዝረበጾ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ካብዚ ንምህዳም ከኣ ዞባዊ ዛዕባ ኣጐልቢቡ፡ ተኸሳስን ተሓታትን ክነሱል፡ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ክስታት ዘቕርብ ዘሎ። እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ 30 ዓመታት ናበይ” ብዝብል ብናይ ዜና ማዕከናቱ ዝዘርገሖ ሰልበጣ ናይዚ ስግኣቱ ምልክት እዩ። እንተኾነ ሎሚስ በቲ ዝለመዶ “ተኸሳሲ ክነስኻ  ተቐዳዲምካ ኽሰስ”  ዝብል ዝኣረገ ስልቱ ሃዲሙ ኣይክድሕንን እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ መስርሕ ዘሎ ቃልሲ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ቀንዲ ዕላምኡ፡ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ምምላስ እዩ። ሕቶ ህዝብና ብዘድምዕን ቀጻልነቱ ብዘተኣማምንን ንምምላስ ከኣ “መሰረታዊ ድሌት ህዝብና እንታይ እዩ”?  ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ክረክብ  ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ብኹሉ መልከዓቱ ናይ ዘይተረዳእካዮ ሕቶ መልሲ ምርካብ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን። ናይዚ ሕቶዚ መባእታዊ መልሲ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ህይወት ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ንምርካቡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ዓሚቕ ምምርማር ዘድልዮን ኣይኮነን። ዝርዝርኳ ዝህልዎ እንተኾነ፡ ብሓጺሩ ግና “ካብ ወጻዒ ኣተሓሳስባን፡  ናይ ወጽዓ ትካላትን ጉጅለ ህግደፍ ምንጋፍ”  እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ወጽዓ ከነናግፎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ዕዉታት ምእንቲ ክንከውን ከነማልኦም ብዛዕባ ዝግበኣና ናይ ዓወት ቅደመ-ኩነታት እውን ደጋጊሙ ክነግረናን ክምሕጸነናን ጸኒሑ እዩ። ምሕጽንታኡ ሕጂ’ውን ቀጻሊ ኣሎ። ካብቲ ብዙሕ ምሕጽንታታቱ፡ “መሰረታዊ ንዘይኮኑ ፍልልያት ኣተዓባቢኹም  ዘይምኽኑይ ውዳበታት ፈጢርኩም ዓቕምኹም ኣይትበትኑ፡ ንፍልልያት ከም ዘለዎ ምውሳዱ ዘይኮነ፡ ንምጽባቡ ጽዓሩን ባህሊ ምክእኣልን እሂንምሂንን ኣማዕብሉ፡ ብቅዋማዊ ኣገባብ ጥራይ ዝፍትሑ መሰረታዊ ፍልልያት  ሃልይኩም ካብ ሓደ ንላዕሊ ውድባት ወይ ሰልፍታት ካብ ኩንኩም ከኣ ኣብቲ ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ዘብጽሕ ጉዕዞ ዘሰማምዓኩም ጨቢጥኩም፡ ተኸኣኢልኩም ብሓባር ተቓሊስኩም ስገርዎ” ዝብሉ ይርከዎም።” እዚ ዘረደኣና ከኣ፡ እቲ ህዝብና ዘይደልዮ ውድባት ምብዛሕ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ኮይንካ ተኸኣኢልካ ክትቅጽል ዘይምብቃዕ እዩ።

ብዛዕባ ተኸኣኢልካ ብሓባር ምቅላስ፡ ኣብ ርእሲቲ ህዝብና ወገሐ ጸብሐ ዝምሕጸነናና ዝመኽረናን ምዃኑ፡ ኣብ ናይ ብዙሓት በዚ ንሕና ዘለናዮ ኩነታት ሓሊፎም ዝተዓወቱ ተመኩሮ እውን ስለ እንረኽቦ፡ ከም ሓሳብ ኣብ ምቕባሉን ነዓኡ ዝምልከት ኣብ ምውሳንን ምእዋጅን ጸገም ኣይጸነሓናን። ጸገምና ካብ ጨረሖ ሰጊርና ኣብ ተግባር ዘይምድማዕ እዩ። ብሓባር ተቓሊስና ከነድምዕ ከኣ እቲ ወሳኒ ተግባር እምበር ጭረሖ ኣይኮነን። ካብዚ ንሓቢርና ምስራሕ ብተግባር ዘይኮነ ብጭረሖ ናይ ምንጽብራቕ ዘይውጽኢታዊ መስርሕ ክንወጽእ ግድን እዩ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ኣብ ኣድላይነት ምጽውዋር፡ ናይ ዝሓለፈ ጸገማት ምጽብጻብ ዘይኮነ ዝያዳ ንቕድሚት ኣብ ምምዕዳው፡ ንዝፈላልየና ዘይኮነ ንዘቀራርበና ዝያዳ ቦታ ምሃብን ምሕብሓብን ንናይ ካለኦት ኣበርክቶ ግቡእ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብን ብቑዓትን ጸዋራትን ክንከውን ይግበኣና። ኣብዚ ጸኒዕና እንተተቓሊስና ንባህጊ ህዝብና ብጭረሖ ዘይኮነ ብተግባር ካብ ምዕዋት ዝዓግተና ኣይህሉን።

ካብዚ ሓሊፉ ብስሰዐ ተዋሒጥካ፡ ብናተይ ርኢቶ ጥራይ እዩ ቅኑዕ ተሻቢብካ፡ ንናይ ካለኦት ህዝባውነት፡ ሃገራውነት፡ ልኡላዊ ተገዳስነትን ተበግሶታትን  ደፊንካ፡ ኣብ ባይታ ካብ ዘየለ ክውንነት ነቒልካ ጐብለል ክትከውን ምምናይ፡  ካብ ጭረሖ ሓሊፉ ዘዕውት ምርጫ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ዝሓለፍናዮ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዓመታት፡ ትጽቢትና ኮነ ትጽቢት ህዝብና ብዝምጥን ከም ዘይተዓወትናሉ ኣብ መዛግብትና ዘሎ ሚዛን እዩ። እንተኾነ ከምቲ ገለገለ ዘይወዓልሉ ወገናት ኣምሪሮም ዝረግምዎ፡ “ዋላ ሓንቲ ኣወንታ ዘይተመዝገበሉ መኻን ግዜ ነይሩ” ዝብልዎ ጌርካ ዝድምደሞ ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ክቕጽል እሞ ዝሓሸ ዓቕምን ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባን ወኒንና ዘዋጽእ መንገዲ ክንመርጽ ዘኽኣለና እዩ። ዝሓሸ መዋጸኦ ኣለና ኢሎም ናብ መድረኽ ቃልሲ ዝመጹ ሓደስቲ ውዳበታትን ምልዕዓላትን መንጠሪ ክገብርዎ ምኽኣሎም’ውን። ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ክሕቆኑ ዝጸንሑን ካብቲ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝተመኮሩን ሓድነታትን ብሓባር ናይ ምስራሕ ጽላላትን ይዓኩ ምህላዎም እውን እቲ ቃልሲ ብድብድቡ መኻን ከምዘይነበረ ካብ ዘመልክቱ ሓደ እዩ። ናይ  ኤርትራ ፖለቲካዊ ሓይልታት (ኤፖሓ) ምጥርናፍ ኣበጋግሳን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል።  ነዚ ሓቂዚ ጓሲኻ ብፍላይ ኣብቲ ቃልሲ ብተግባር ዘይተፈተንካ ጀማሪ ክንስኻ፡ መድረኽ ኣብ ዘዝረኸብካሉ ምስቲ ክትመሃረሉ ዝግበኣካ ዝሓለፈ መስርሕ  ምርጻም ግና ብዝኾነ ኩርናዕ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ዓመታት ካብ ዝተመዝገቡ ንመጻኢ ቃልሲ መንጠሪ ዝኹኑ ባይታታት ሓደ፡ እቲ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ናይ ተሓኤ ነበርን ህግሓኤን ነብርን ድሕረ-ባይታታት ቀይሕ መስመር፡ ክስገር ምኽኣሉ እዩ። እዚ በቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልሲ፡ ናይ ምትእምማን ባይታ ምፍጣሩ ዘመልክት እዩ።  ኣብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ መድረኽ እውን ሓጋዚ ቅድመ ተደላይነት እዩ።  እዚ ማለት እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዘዳመየ ፍልልይ ኣናብባ ታሪኽ  ተሓኺኹ ማለት ዘይኮነ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ንዘሎ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ዲሞክራሲ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ዕንቅፋት ብዘይከውን ኣገባብ ተመሓዲሩ ማለት እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ምናልባት ደኣ መጽናዕቲ የድልዮ ይኸውን እምበር፡ ኣብዚ እዋንዚ ብተሓኤ ነበር ወይ ብህግሓኤ ነበር ጥራይ ዝቖመ ኤርትራዊ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ህዝባዊ ምልዕዓል ዘሎ ኣይመስለናን። ስለዚ እዚ ኩቦዖ ዚዘለለ ለውጢ  ዝያዳ ክድልድል እምበር ፡ ነቲ ብግዜን ተመክሮን ወገኑ ዝሓዘ ፍልልይ ሎሚ ተመሊስና ህይወት ክንሶኽዓሉ ኣይግባእን። ኤርትራዊ ብዙሕነትና ዝወለዶ ፍልልያትና ንምምሕዳርን ጸጋታትና  ንምምቕራሕን ዝምልከት እንተኾይኑ፡ ዝሓሸን ዘሳንን ኣገባብ ምርካብ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እሞ ከኣ ዝከኣል ዕማም እዩ።

እዚ ንርከበሉ ዘለና ኤርትራዊ ኩነታት ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። እቲ ሻቕሎት ናይ ኩልና እምበር ናይ ውሱናት ኣይኮነን። ዝተፈላለዩ ወገናት ካብዚ ሻቕሎትዚ ነቒሎም ዝተፈላለየ መዋጽኦ ይኸውን ዝብልዎ ሓሳባት ከቕርቡ ባህርያዊ እዩ። እቲ ዝውሰድ ተበግሶ ግና ነቲ ክሳብ ሕጂ ተሃኒጹ ዘሎ ኣውንታ መሊሱ ዘራጉድ እምበር ኣፍሪሱ ክሃንጽ ዝህንጠ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብዚ ኩነታት ብሓደ ወገን ንዝረአ ተበግሶ፡ ናትካ ስለ ዘይኮነ ጥራይ ብማዕዶ ምኹናኑ ቅኑዕ ኣይኮነን። ትሕዝቶኡ ተገንዚብካ መሰልካ ተጠቒምካ መተካእታኻ ኣቕሪብካ ናብ ምትፍናን ብዘይወስድ መልክዕ፡ ነቲ ዝቐርብ ሓሳብ፡ ምቕባሉ ወይ ምንጻጉ ግቡእ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ በብመዓልቱ ዝፍጠሩ ኤርትራዊ መዛተዪ መድረኻት ብዙሓት እዮም። ዓቕምን ዕድልን ክርከብ እንከሎ እዞም መድረኻት ኤርትራዊ ዛዕባታት ዝዝተየሎም ብምዃኖም ምክትታሎምን ምስታፎምን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ድሕሪኡ ክትገዝኦ ናይ እትደልዮ ሓሳብ ናይ ምግዛእ  ነቲ ዘየድልየካ ከኣ ናይ ምንጻግ መሰል ናይቲ ተሳታፊ እዩ። እቲ ሓሳብ ሒዙ ክስመዓሉ ዝዕድም ኣካል ከኣ ሓሳቡ ዓዳጋይ ዝረኽበሉ ኩነታት ካብ ምጥጣሕ ሓሊፉ “ንምንታይ ዘይገዛእኩምለይ?” ብዝብል ናብ ዘየድሊ ኣሉታዊ መደምደምታ ክኸይድ ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ኩነታትዚ ኣብ ዝፍጠረሉ እዩ እምበኣር “ብጭረሖ ዘይኮነ ብተግባር፡ ሓቢርካ ምቅላስ፡” ዝዕወት።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ወዮ ካብ ቀደሙ እውን ዘየቕስን ዝነበረ ከባቢና ሎሚ ከኣ እነሆ ብዝለዓለ ደረጃ ይሕቆን ኣሎ። እቲ ሻቕሎት ካባና ሓሊፉ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት ስክፍታ ኮይኑ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። ምስ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሰሜን ናብ ባሕሪ መዲተራንያን ዘእቱ መትረብ ስዌጽ፡ ብደቡብ ድማ ምስ  ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘራኽብ መጻብቦ ባበኤልመንደብ ቀንዲ ናይ ዓለም ንግዲ ዝመሓላለፈሉ መስመር እዩ። ከምኡ ብምዃኑ ከኣ ነቲ ዝሕቆን ዘሎ ማዕበል ነናብ ረብሓኦም ከውዕልዎ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ሓያላት ብዙሓት እዮም። ነዚ ሕሳባቶም ኣብ ግብሪ ንምውዓል መርገጽ እግሪ ክረኽቡ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ ከኣ በብናቶም መዕቀኒ  “ፈተውትና ወይ ጸላእትና” ዝብልወን ሃገራት እንዳመረጹ፡ ንገሊአን ኣጆኺ ንገሌአን ከኣ ወይለኺ ዝብሉ ዘለዉ ሓያላት ብዙሓት እዮም።

እቲ ማዕበል ዝሽፍኖ ከባቢ’ኳ ሰፊሕ እንተኾነ ካብኡ ናቡኡ ግና ኣብዚ እዋንዚ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ ቀንዲ እዋናዊ ኣጀንዳ ኮይነን ዘለዋ እየን። ኤርትራ እሞኸኣ ወዮ ደኣ ድምጺ ህዝባ ክንድቲ ክብርኾ ዝግበኦ ሰማዒ እዚኒ ከይረኸበ ጸኒሑ እምበር፡ ሎሚ ዘይኮነስ ቅድም እያ ኣጀንዳ ክትከውን ዝነበራ። ስለዚ ኣካልዚ ሓደገኛ ከባብያዊ ማዕበል ከም ዘላስ ርኡይ እዩ። ናይ ከባቢና ጸገም ገለጽቲ ተርእዮታት፡ ንውግእ ከም መፍትሒ ምቕዳም፡ ብሄራዊ ምትፍናን፡ ዘይተጸንዑን ናይ ውሑዳት ረብሓ ዝማእከሎምን ምርጫታትን ምግባት ስልጣንን ዶባዊ ምስሕሓባት ካብቶም ብዙሓት ጠንቅታት ዝጥቀሱ ኮይኖም ኣለዉ።

 ኣብዚ ዞናና እናሓደረ ዝብእስ  ዘሎ ኣሉታዊ ምዕባለታት፡ ዋናታቱ ዘይምብቅዖም እንተዘይኮይኑ፡ ብዘይ ሓድሕድ ደም ምፍሳስን  ናይ ግዳም ኢድ ኣእታውነትን ክውገዱ ዘይክእሉ ኣይነበሩን። ዋናታቱ ቅሩብነትን ሓላፍነትን ሃልይዎም፡ ኣብ ቀዳምነታትካ ብግቡእ ምስራዕ፡ ህዝባዊ ረብሓ ምዕዛዝን ምቕዳምን፡ ናይ ዜጋታት መሰል ምኽባር፡ ህዝቢ ምንጪ ኩሉ ስልጣን ምዃኑ ኣብ ምእማን እንተዝተብዑ፡ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ጸገማት እንተኾነ ኣይመተፈጥረን፡ እንተተፈጥረ እውን ዘይፍተሓሉ ዕድል ኣይምነበረን። እቲ ጸገማት ብዋናታቱ እንተዝፍታሕ ከኣ ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ኳሕኲሖም ኣትዮም ኣብ ዘይጉዳዮም ከኹዱዱ ክንድዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘለና ቀሊል ኣይመኾነሎም።

እዚ ኣብ ከባብና ተፈጢሩ ዘሎ ማዕበል፡ ንሓንቲ ሃገር ዝግደፍን ብናይ ሓንቲ ሃገር ጸገም ምፍታሕ ዝውገድን ኣይኮነን። ምናልባት ካብኡ ናቡኡ ግና ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ሓንቲ ሃገር ጉዳይ ቁሩብ በሪኹን መሪሩን ክረአ ይኽእል። ከምዚ ኣብዚ እዋንዚ ኰነታት ኢትዮጵያ ዝያዳ ተወጢርዎ ዘሎ ማለትና እዩ። እዚ ከምቲ “ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸስ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ዝበሃል፡ ንጐረባብቲ ኢትዮጵያ ናይ ተጠንቀቓ ደወል እምበር፡ ናይ ስቕ ኢልክን ተዓዘባ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዘሎ ኣይኮነን። ናይ ኤርትራና ጉዳይ  እቲ ጽዕነትን ተሓታትነትን ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዝያዳ ዝኸበደ እንተዘይኮይኑ ዝፈኾሰ ኣይኮነን። ብደረጃ “ናይ እንዳማታ ዶብ ጥሒሳ ኣትያ ትዋጋእ ዘላ ሃገር” እያ ትኽሰስ ዘላ። ስለዚ እዩ ከኣ እቲ  ሳዕቤን ዝኸብድ። ሓቀኛ ምልክታቱ ከኣ ይረአ ኣሎ። እቲ ቅድም ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ጥራይ ዘድህብ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ክስን ውግዘትን ሎሚ ኩለመዳያዊ ኮይኑ ኣሎ።  ኣብ ሱዳንን ሶማልያን ገሊኡ ናይ ውሽጠን ገሊኡ ከኣ ምስ ጐረባብተን ብዘለወን ጸገማት ተንጠልጢልወን ዘሎ ጸሊም ደበና እንታይ ከም ዝዘንብ ፍሉጥ ኣይኮነን። ማና ከዝንብ እዩ ኢልካ ትጽበዮ ግና ኣይኮነን።

ጉዳይ ናይ ቀረባ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ሎሚ ውዕዉዕ ናይ ዓለም መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ወገናት ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ጉዳይ ዓዚዝዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ኣካል ናይ ግሎባላዊ ውድድሮም ወሲዶም ይንቀሳቐስሉ ኣለዉ። ብዘይካቲ ሃገራት በብውልቀን ዝገብረኦ ዘለዋ ሸበድበድ ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ብጉዳይ ኢትዮጵያ ኣኼባታትን መገሻታትን የዛይዳ ኣለዋ። ንሓንሳብ ዝመደበኦ ሓገዝ ይስርዛ ንሓንሳብ ከኣ ዝሰረዘኦ ደገፍ የሕድሳ ኣለዋ። ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ልኡኻተን መዲበን ንጉዳይ ኢትዮጵያ ይከታተለኦ ኣለዋ። ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራ ንሓያሎ ዓመታት  ቀልቢ ሓያላት ዘይሰሓበ፡ ቀሊል ጸገም ስለ ዝኾነ ድዩ? ዕድመ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ሓጺር ስለ ዝኾነ ድዩ? እስትራተጅካዊ ተደላይነትና ካብ ናይዘን ሎሚ ኣጀንዳ ኮይነን ዘለዋ ሃገራት ንታሕቲ ስለ ዝኾነ ድዩ? እንዳበልካ ብዙሓት ሕቶታት ምድርዳር ይከኣል።

ውሑዳት ህዝብን ሓዳስ ሃገርን ምዃና ጉዳይና ክንድቲ ዝድለ ንከይወዓዋዕ ግደ ይነብሮ። ዕጽዊ ዲፕሎማሲን፡ ኩሉ መራኸቢ ኣገባባት ዘየፍቅድን  ፈራሕን ጸዋግን ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ ጉዳይና ቀልቢ ንከይረክብ ብጽሒት ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግና እቶም ሰብ ጉዳይ ንጉዳይና ኣብቲ ብብዙሓት ክስማዕን ክረአን ዝኽእለሉ በሪኽ ቦታ ከነብጸሖ ዘይምኽኣልና እዩ። ኣብዚ ብራኸዚ ከይንበጽሕ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኣይኮነን። እቲ ጠንቂ ነቲ ዝርካቡ ዓቕምና፡ በቲ ምእንቲ ሃገር ዝኸፈልናዮ ክቡር ዋጋን ሓርበኝነትን ቀሚርና፡ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ቅድሚት ብዝሰርዐ ኣገባብ ኣመሓዲርና ከነዋፍሮ ዘይምብቃዕና እዩ። ከምዚ ብሰንኪ ምዃና፡ መፈቶ ወጻዒ ጉጅለ ኮይንና ጸኒሕና። ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተ ኣማዕዲና፡ ተመኩሮና ካባና ሓሊፉ ንካለኦት እውን መምህር ክኸውን ዝኽእል ሃብቲ እዩ። ኣብ ኢድካ ብዘሎ ተመኩሮ ክትመሃር ዘይምኽኣል ከኣ  እንዳሓደረ ዘጣዕስ ድኽመት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ  ዝረአ ዘሎ ክብ-ለጠቕ “ክንመሃረሉ ዝግበኣና ከባብያዊ ምዕባለ” ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ድሕሪዚ ሓድሽ ዝኸውን ክንመሃረሉ ዝግብኣና ከባብያዊ ምዕባለ ምርካብ ኣይኮነን። እቲ ሓድሽ ዝኸውን ካብቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝመሃር ሓላፍነታዊ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪና እንተሊና እዩ። ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ “ውሕጅ እንዳወሰደካ” ስቕ ኢልካ ናይ ምዕዛብ ክድገም ዘይግበኦ ተመኩሮ  እንተዘይወጺና ግና፡ ነዚ  “ነዓይ ርኢኹም ተቐጽዑ” ዝብል ዘሎ ተመኩሮ ከባቢና እውን ከነባኽኖ ኢና። ኣብ ክንዲ በቲ ንኹልና ኣብ ዘሰማምዓና ብምጽማድ፡ እንዳሓደረ ዘሕብን ኣገባብ ንኽተል፡  በቲ ዝፈላልየናን እሞ ንዓኡ ብምምራጽና ጽባሕ ዘጣዕሰና መንገዲ ካብ ምጅማር ዘውጽኣና መንገዲ ንምረጽ። ትርጉም ምምሃር ካብ ምዕባለ ከባቢኻ ከኣ ካብዚ ወጻኢ ኣይኮነን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓደ ተርእዮ ክኽሰት እንከሎ፡ ከከምቲ ኣብ ጉዳይካ ዘሕድሮ ጽልዋን ዝፈጥሮ ተጽዕኖን ምምዛኑ ንቡር እዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብቶም ነቲ ምዕባለ ዘሳወሩ ኣካላት ካብ ዘለካ ናይ ምድጋፍን ምቅዋምን ስምዒት ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሌኻ እውን ዘሕድሮ ዘይስገር ጽልዋ ስለ ዝህልዎ እዩ። እዚ ጽልዋ ኣብ ጥቓ እቲ ምዕባለ ዝፍጠረሉ ከባቢ ክትህሉ እንከለኻ ዝያዳ ይዓዝዝ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ብዛዕባ ኣብ ጐረባብትና ሃገራትን ህዝብታትን ዝፍጠር ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ክንግደስ እንግደድ። እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣዝዩ ዘስደምምን ዘሕዝንን ጉድኣትን ብርሰትን ዘኸትል ዘሎ ውግእ እዋናዊ ኣሻቓሊ ኣጀንዳና ምዃኑ ከኣ ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። በቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ርእስቲ ጀኦግራፍያዊ ጉርብትና፡ ዘሎ ሕውነትን ብዙሕ መዳያዊ ምቅርራብን ከኣ ዝያዳ ቆላሕታ ክንህቦ ዘገድደና እዩ።

ሓደ ከምዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ዝኣመሰለ ተርእዮ ምስ ተፈጥረ፡ ኣብ መንጎ ነቲ ተርእዮ ዘንብቡ ኣካላት ኣይኮነንዶ ኣባና ኣብ ዞባና እውን ፍልልያት ከም  ዝፍጠር ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። እዚ ነቲ ተረኽቦ ኣብ ኣመዛዝና ዝፍጠር ፍልልይ ናይ ብዙሓት ፍልልያት መንቀሊ ክኸውን ዝኽእል እዩ። ካብ ተመኩሮና ክንነቅል እንከለና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት በብእዋኑ ብዙሓት ጉዳያት ኣብ ምምዛን ፍልልያት ከነመዝግብ ጸኒሕና ኢና። መሰረታዊ ባህርያትን መቖሚታትን ናይቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምልላይ’ኳ ፍልልይ ኣለና። ገሌና ብዓይኒ ሃይማኖት ንርእዮ። ገሌና ብዓይኒ ብሄር ንገልጾ። ገሌና ከኣ ካብዚ ጫፋትዚ ወጻኢ ብዓይኒ ወጽዓ፡ ጸረ ህዝባውነትን  ዲክታተርነትን ንዕቅኖ። ኣብ ኣወዳድባና ብዙሓት ክንከውን ካብ ዝድረኹ ምኽንያትት ሓደ ከኣ እዚ ኣብ ኣመዛዝና  እንታይነትን ባህርያትን ናይቲ ሓሙስ ሓሙስ ዝብል ዘሎ ጉጅለ ዘለና ፍልልይ እዩ።

በብእዋኑ ኣብ ከባቢና ክምዕብሉ ኣብ ዝጸንሑ ምዕባለታት እውን ከምዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ዝተፈላለዩ ጫፋት ብምሓዝ ክንዋጠጥ ጸኒሕና ኢና። እቲ ተርእዮታት ኣብ ምምዛን ፍልልያት ምምዝጋብና እምብዛ ዘሰንብድ ኣይኮነን። እቲ ከጸግመና ዝጸንሐን ክሳብ ሕጂ ዘይገደፈናን፡ ነዚ ጫፋት ኣማእዚንካ ናይ ሓባር ሚዛን ናይ ምውናን ዓቕምና ኣዝዩ ድሩት ኮይኑ ምጽንሑን፡ ክሳብ ሕጂ እውን ክንሰግሮ ዘይምኽኣልና እዩ። እዚ ከኣ ከም ሓደ ናይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ብቕዓት ውሱንነት መርኣያ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ እዚ፡  ፍልልያት ናይ ምክእኣል፡ ንመፍትሕታት ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ፡ ንናይ ሓሳብ እንካን ሃባን ግቡእ ቦታ ዘይምሃብ፡ ንናይ ተወዳዳሪኻ ርኢቶ ቦታ ናይ ምሃብ ክእለትና ዝብድህ ስለ ዝኾነ።

ኣብዚ እዋንዚ እውን ከም ወትሩ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ጐረቤትና ኢትዮጵያን ዘንጸላልዋ ዘሎ ስግኣታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ውግእ ዝተፈላለየ ሚዛናት ነንጸባርቕ ኣለና። ኣብዚ ጉዳይዚ ብጽሒትና እንታይ ይኹን ኣብ ዝብል እውን ከምኡ ኣብ ሓደ ኣንፈት የለናን። እዚ ፍልልያትዚ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣጥሪናዮ ዘለና ምቅርራብ ብኣሉታ ከይጸልዎ ዘየስግእ እውን ኣይኮነን። ንጉዳይ ትግራይ ልክዕ ከም ጉዳይና ወሲድና ጠቕሊልና ኣካሉ ኮይና፡ ብኽንድኡ ደረጃ ነበርክተሉ ዝብል ርኢቶ ኣብ ብዙሓት መድረኻት ይንጸባረቕ ኣሎ። ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ጉድኣት ዘውርድ ዘሎ ውግእ ዝድግፉን በቲ ዘለዎ ክቕጽል ዝደፍኡን ኣካላት እውን ኣለዉ። ክልቲኦም ኣካላት ናብዚ ጫፋትዚ ወሲዱና ዝብልዎ ምኽንያታት ኣለዎም። እዚ ጫፋትዚ በበይኑ ኣብ ዘዘለዎ እናተመዓዳደወ፡ ዘምጸኦ ኤርትራዊ ኮነ ትግራዋይ ፍታሕ የብሉን። ክልቲኡ ማዕረ ሓቂ ክኸውን እውን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሓቅታት ክህሉ ስለ ዘይክእል። ቅሩብነትን ርትዓውነት እንተልዩ ግና፡ ነዚ ጫፋት ብዝተፈላለየ ኩርነዓቱ መዚካን  ኣማእዚንካን ብሓባር ከሰልፍ ዝኽእል መዋጸኦ ምርካብ ዘይከኣል ኣይምኾነን። ኮታ “ጉዳይ ትግራይ ጉዳይና ድዩ፡ ጉዳይ ጐረቤትና?” ዝብል ሕቶ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ እዩ ዝመስል። ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝወርድ ዘሎ፡ እቲ ጉጅለ እምበር ህዝብና ዘይሕተተሉ ጉድኣትን ቀጻሊ ኣሉታዊ ስንብራቱን “ተራ ጉዳይ ጐረቤት እዩ” ኢልና ክንሓልፎ ዘኽእለና ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ትግራይ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወረደ ግህሰታት እውን ተራ ጉዳይ ጐረቤት ጌርና ከይንወስዶ ዘገድደና እዩ።

እዚ ጫፋትዚ ደድሕሪ ዘዝተፈጥረ ሓድሽ ምዕባለ እንዳጐየኻ ዝውገን ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ  ትካላዊ መስርዑ ሓልዩ ብዝተሓንጸጸ መትከልን ካብኡ ብዝምዕብል መጽናዕትን እዩ ክግራሕ ዝግበኦ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንኣብነት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ካብ ዝብል መሰረታዊ መበገሲ ነቒሉ፡ 10.3 ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር፤ 10.6 ኣንጻር ዝዀነ ይኹን ኣድልዎን ጭቆናን ዝቃለስ ፖሊሲ ምኽታል፤” ዝብሉ ዝርዝራት ኣስፊሩ ኣሎ። ስለዚ ከምዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ክረአ እንከሎ፡ በዚ ንዝምድናኡ ዝቕይስ ፖሊሲኡ ክጥምቶ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ጨቢጡ ከኣ ምስ ካለኦት ኣብ ናይ ሓሳብ እንካን ሃባን መድረኽ ይኣትው።