“ሕልሚ ፈሪሕካ፡ ከይደቀስካ ኣይሕደርን“

2021-08-04 21:26:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2114 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ብመሪር ቃልሲ ዝተዋሕሰት ናይ ኩሎም ደቃ ጽላል እያ። ኤርትራውነት ከኣ ኩሎም ደቃ ብሓባር ዝረዓምዎ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ኤርትራ ካብዚ ሃገራዊ ክብሪዚ ዝምንጩ  ጠርናፊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ህዝቢ ዝሓቖፈት ሃገር ኢያ። ንጽባቐኣ ዘንጸባርቑን ንብዙሕነታ ዝገልጹን ውህብቶኣ’ውን ጸገኣ እዮም። ካብዞም መለለዪ ህዝባ ዝኾኑ፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት ብሄር……ወዘተ ዝምንጩ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ከተንጸባርቕ ባህሪያዊ ኢዩ። እዞም ኣተሓሳስባታት’ዚኦም ንኤርትራዊ ሃገራውነት ዝያዳ ብዘራጉድ ክተሓዙን ክዓብዩን እንከለዉ፡ ሃብቲ እምበር ስግኣት ኣይኮኑን። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል ኤርትራውነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ምውዳብን ብዙሕነትካ ከተንጸባርቕ ብመሰልካ ናይ ምጥቃም  መሰረታዊ እዩ ኢልና እነተባብዖን  ጽባሕ ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ክረክብ እንቃለሰሉን።

ሃገርነት ኤርትራ ብመሪር ቃልሲ ዝተረጋገጸ፡ ማእከላዊ መለለይና እዩ። እዚ ከኣ ምስ ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝረጋገጽ እዩ። ካለኦት ሃገራት ከከም ተመኩሮኦምን ሚዛኖም ኣብ ህልዊ ምዕባለ ሃገሮምን  ስምዒታት ህዝቦምን ካልእ መልክዕ መለለይ ክህልዎም ይኽእል። ንኣብነት ኣብ ሱዳን ብፍላይ ኣብቲ ዝሓለፈ ስርዓት ንሃይማኖት ዝወሃቦ ዝነበረ ግምት ዓቢ ምንባሩ ምዝካር ይከኣል። ከምኡ ውን ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ንብሄራውነት ዝያዳ ሃገራውነት፡ ግምት ከም ዝወሃቦ ምርኣይ ይከኣል። ግምት ምሃብ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ገዛኢ ኣተሓሳስባን ምምሕዳራዊ ኣወዳድባን ንብሄር ዘበርኽ እዩ። እተን ዓሰርተ ግዝኣታት ኢትዮጵያ በብስመን “ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ”  እናተባህላ እየን  ዝጽዉዓ።

ነተን ሃገራት ዝመርሑ መንግስታት እቲ ዝኽተልዎ ኣተሓሳስባ ኣብ ከባቢኦም ኣስፋሕፊሑ ጸላዊ ክኸውን ክደልዩ ንቡር እዩ። ነቶም ዘቤታዊ ጉዳዮም ቀዳምነት ሂቦም ዝሰርሑ፡ ከምኡ ምሕሳቦም እምብዛ ኣይመኽፈኣሎም። ንከም በዓል ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኣመሰሉ ኣብ ከምዚ ዓይነት ድራማ ኣትዮም ኣብ ሃገሮም ዝለመድዎ ኣብ ካልእ ከይዶም ክሓናኽሩ እንከለዉ ግና  ዘገርም እዩ። እቲ ኣብ ቃልሲ ተፈቲኑ ዘዐወተና ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣብ ህንጸት ዲሞክራስን ልምዓት’ውን ወሳኒ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለና ኣብ ከባቢና ሓያል ጸላዊ ክኸውን ክንቃለስ ይግባኣና።

ብወገን ጐረቤትና ትግራይ ብሄር ዝማእከሉ ኣተሓሳስባ ናብ ኤርትራን ካለኦት ጐረባብትን ከስፋሕፍሕ ይደልዩ፡  ይጽዕሩን የተባብዑን። ንሳቶም ዝገበሩ ይግበሩ: እቲ ናይ መወዳእታ እንኮ ወሳኒ ዝኸውን እቲ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ። እቲ “መሰረታዊ ለውጢ ዝመጽእ ብህዝቢ እዩ” እንብሎ ድማ፡  ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ከምቲ ኩሉ ንከጸብቐሉ ከከም ዓቐኑ ክዳኑ ከስፊ ግድን ዝኸውን፡ ኣብ ሃገርካኳ ክሰርሕ ዘይበቐዐ ፖሊሲ ምልክን ቂምን፡ ካልእ ንክቕበሎ ኢልካ ምጽዓር ከንቱ ፈተነ ኢዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ንዝምድና ኤርትራ ብሓፈሻ ምስ ጐረባብታ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ መጻኢና ምስ ትግራይ ብዝምልከት ቅድሚት ኣምጺእካ ምዝራብን ምክታዕን እዋናዊ ኣጀንዳ ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብ ኤርትራን ትግራይን  ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝዛረቡ፡ ናይ ሓባር ሃይማኖት ዝኽተሉ፡ ተመሳሳሊ ባህሊ ዘዘውትሩን መዋስብትን ህዝብታት ስለ ዘለዉ፡ ነቲ ኤርትራዊ ሃገርነት ዘቖመ ቀይሕ መስመር ጓሲኻ፡ ንብሄራዊ ስምዒት እምብዛ መጢጥካ “ሓደ ኢና’ሞ ብሓደ ንኹን” ዝብል ድምጺ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ግጉይ ኣተሓሳስባዚ ዘስዕቦ ሓደጋ ብዙሕ ኮይኑ፡ ንኤርትራውያን፡  ኤርትራዊ ሃገርነትን ልዑላውነትን ናብ  ዘዳኽም ንገሌና ናብ ትግራይ፡ ንገሌና ናብ ዓፈር ኢትዮጵያ፡ ንገሌና ከኣ ናብ  ሱዳን ዝወስድ  ስለ ዝኾነ፡ ህልውና ሃገርና ዝፈታተን ሓደገኛ ሃቐነ እዩ። እቲ ሓሓሊፉ ዝስማዕ “ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝበሃል ቃል ኣይተስምዑኒ” ዝሕመረቱ ጉጅምጅም ከኣ እሞ፡ ክበሃል ዘይግበኦ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀይሕ መስመር ዝጥሕስ ሓደገኛ ግህሰት እዩ።

ኤርትራ ኩሉ ዝረአ ኮነ ዘይርአ ሃብታ እንተላይ ባሕራን ወደባታን ናይ ደቃ እምበር፡ ዝኾነ ኣካል ስለ ዝሃረፎ ቆቆንጢሩ ዝወስዶ ኣይኮነን። ኤርትራውነት ናይ ቅድመ-መግዛእቲ ወለዶ ዝቖጽሩ፡ ንምምስሳል ቋንቋን ባህላዊ ምቅርራብን ናይ ዘቐድሙ ዘይኮነት፡ ናይቶም ድሕሪ ብመግዛእቲ መልክዕ ሃገርነት ምሓዛ ዝነበርዋን ብቓልሶም ልኡላውነት ዘልበስዋን ደቃ እያ። ብኻልእ ኣዘራርባ ናይቶም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበረ-ባህላውን ታሪኻውን ምትእስሳር ዘለዎም፡ ጉዳይ ሃገርነትን ዜግነትን ክለዓል እንከሉ፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሱዳናውያ፡ ጁቡታውያን ወይ ግብጻውያን ዝኾኑ ኣይኮነትን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ታሪኽ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ጉርብትናዊ  ምትእስሳርን ዘህብተሞ ምቅርራብን ምድግጋፍን ትርጉም ኣይወሃቦን’ዩ ማለት ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ምዕልባጥን፡ ኣብ እተማዕድዎ ራህዋ ንምብጻሕ ምድግጋፍት ዘይስገር እዩ። ንክትደጋገፍ ድማ ናይ ሓባርካ ዝኾነ ረብሓ ኣለሊኻ ንናይ ሓባር ተጠቃምነት ንምስራሕ እምበር፡ ብስምዒት ሃንደፍ ኢልካ ዝእተው ዝምድና  ኣይኮነን። ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ውሑስ ሰላማዊ  ጉርብትና ምፍጣርን ተደጋጊፍካ ምዕባይን ናይ ሓባሮም እዩ። ኣብዚ ንምብጻሕ ከኣ ኣንጻር ዝዓንቀጾም ተጻባኢ ሓይሊ ምድግጋፎም ቅቡል እዩ። ድሕሪ ምውጋድ እዚ ናይ ሓባር ጸላኢ፡  ኤርትራውያን ናብ ምህናጽ ሃገርና ኢና። ተጋሩ ከኣ ጉዳይ ትግራይ ናብ ምውጋን እዮም ክኣትዉ። ኣብዚ ንምብጻሕ ከኣ ሎሚ ኮነ  ድሕሪ ምውጋድ ናይ ሓባር ጸላኢ ብንጹር ፖሊስን  ትካላዊ ኣተሓሕዛን ዝቅለስ ዝምድናን ምድግጋፍን ኣየድልን ማለት ኣይኮነን። እቲ ክኸውን ዝገበኦን ዝከኣልን እዚ እንዳሃለወ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣዝዩ ዘይግብራዊ ሕሉፍ ጫፋት ምጉታት ዝተለምደ ኮይኑ ኣሎ። “ኣብዚ መዳይዚ ሎሚ እንተተዛሚደዮ፡ ጽባሕ ብኸምዚ እንተጠለመናኸ?” ዝብሉ ዘይምትእምማን ዝመሰረቶም፡ ህግደፍ ነብሱ ንምድሓን ክምዝምዞም ዝኽእል ስግኣታት ምስማዕ እውን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

ንኣብነት ”ኣብ መንግስቲ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓት፡ ናይ ሓባር ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ምውጋን፡ ዋላኳ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ንጹር መርገጽ እንተሃለዎ፡  ደሓር ቃሉ ዓጺፉ ኤርትራን ንምግዛእ እንተደንደነናኸ?”  ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ስግኣት እዩ። እሞ በቲ ሓደ ወገን ናይ ሓባር ጸላኢ ሓቢርካ ምውጋድ መተካእታ ዘየብሉ ካብ ኮነ፡ በቲ ካልእ ገጽ ከኣ “ኣእትወኒ እምበር ውጸለይስ የዳዲ” ከም ዝበሃል፡ ስግኣት ዘሕድር ካብ ኮነ ደኣ እንታይ ይገበር። እቲ ስግኣት በቲ ካልእ ወገን እውን ከም ዝህሉ ምስትብሃል  ኣገዳሲ’ዩ። ካብዚ ኩሉ እቲ መዋጽኦ ቅድሚ ኩሉ ነብሰ ተኣማንነትካ ምዕቃብ እዩ። እንተኾነ ኣይተሕልመኒ፡ እንተሓለምኩ ከኣ ጸጽብቑ ኣሕልመኒ ኢልካ እዩ ዝድቀስ እምበር፡ ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን’ዩ። እንተሓለምካ’ውን፡ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ነቲ ሕልሚ ብጥበብ ምፍታሕ  እምበር ከይትሓልም ከይደቀስካ ምሕዳርስ መፍትሒ ኣይኮነን።

Last modified on Wednesday, 04 August 2021 23:31