ነቲ ዘራኽበና፡ እንተነቐድምን እንተነሐይልን

2021-07-08 07:21:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1759 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እያ። ምእንቲ ናጽነታ ብሓባር ሳላ ዝተቓለስና ተዓዊትና። ንቐጻልነታን ሓለዋኣን ሓቢርና ክንስለፍ ድማ ናይ ግድን እዩ። ንዕቤታ፡ ሰላማ፡ ልምዓታን ክብሪ ህዝባን  ከኣ፡ ብዘይካ ውሑዳት ኣብ ክንዲ ናይቲ “ኣነ ምእንታኺ ኤርትራ” ዝበለ መላእ ህዝባ፡ “ናይ ውሑዳት ዘረግቲ”  ክትከውን ዝድግፉ፡ ኩልና ንቃለሰላ ኣለና። ክሳብ ሎሚ ኣብ ክንዲ ድሌት፡ እምንቶን ምርጫን ናይ ህዝብና ናይቶም ውሑዳት ጸበብቲ ህርፋን ክብርኽ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ሎሚ እውን ጌና እዚ ብቃልሲ ክቕየር ዝግበኦ ንኤርትራና ዘይምጥን ሚዛን ኣይተቐየረን። እዚ ክኸውን ዘይነበሮ ሚዛን ብሰንኪ ናይቶም ብዙሓት ነቲ ዘራኽበና ኣቐዲምና ከነሕይሎ ዘይምኽኣልና ዘጋጥም ዘሎ ዘይንቡር እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ሳዕቤን ናይቲ ከምቲ ክንኮኖ ዝገባና ዘይምዃና እንታይ ከም ዝኸውን እንዳተረዳእናዮ ከነእርሞ ዘይምብቃዕና እዩ።

ኤርትራውያን፡  ለውጢ ንደልየሉን ምእንታኡ ንቃለሰሉን ዘለና ምኽንያትን  ኣብዚ እዋንዚ ምምርማር ዘድልዮ ዘይኮነ፡ ኣብ ገገዛናን ዕለታዊ ህይወትናን ዘሎ ሓቂ እዩ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ዝድርኽ ሓቂ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ንቃለሰሉ ዘለና ሰብ ዋኒንን ህዝብናን፡ እቶም ክሓብእዎ ዝደልዩ ጸረ ለውጢ ሓይልታት እውን ክኸውልዎ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ዝበጸሐ ምዃኑ ንጹር እዩ። ሎሚ “ደጋፊ ህግደፍ እየ” ዝብል ኣካል እውን ካልእ ኮለልን ዕባራ ምኽንያትን ደኣ የምጽእ እምበር፡ ኣፉ መሊኡ “ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኤርትራን ህዝባን ጽቡቕ ኣለዉ” ዘብል ሞራልን ድፍረትን የብሉን። ሓደ ካብቲ ዕባራ ምኽንያታት ከኣ፡ ንኤርትራ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣጣቢቕካ ምርኣይን፡ ህግደፍ ዝፍጽሞ ንረብሓ ኤርትራዊ ልኡላውነት ከም ዝኾነ ኣምሲልካ ምቕራብን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ናይ ግሩሃት ዕባራ ምኽንያታት መዝሚዙ ካብቲ ርኡይ ገበናቱ ንምህዳም፡ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝቀያየር መዳህለልታት ኣብ ምምሃዝዩ ዝጽመድ። ህዝብና ኣብ ክንዲ ኣብቲ መሰረታዊ ብቐጥታ ዝምልከቶ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባኡ ኣትኪሉ ስኑ ነኺሱ ዝቃለስ፡ ካልእ መላገሲ ምፍጣር ሓደ ካብ ሜላታት ናይቲ ጉጅለ እዩ። ህዝቢ ቀዳምነቱ ዘይኮነ ጉዳይ ጐረቤት ከቐድም ዝግበር ድፍኢት እውን ብመጽርዚ ዝረአ እዩ። እዚ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ተሸኺልዎ ዘሎ ከኣ ንኣብነት ዘይጥቀስ ኣይኮነን። እቲ ዘሕዝን ከኣ ነቲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ እቲ ጉጅለ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ሰለምንታይ ከምዚ ዓይነት ካብ ኤርትራዊ መስርዕ ዘውጽእ መንገዲ ይመርጽ ኣሎ፡ መግለጺ ጸረ ህዝብን ኣብ ዘይጉዳይካ ምድኻርን ባህሪኡ ስለ ዝኾነ፡ እንቃለሶ እምበር፡ ከም ሓድሽ ተርእዮ እንግረመሉ ኣይኮነን። እቲ ክንግረመሉ ዝግበኣና ናይቶም ምእንቲ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ኣብ ክንዲ ነቲ ዘራኽበና እነቐድምን እነሕይልን ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ቀዳምነትና ክኸውን ዘይግበኦ ኣጀንዳታት ከነቐድም ተረሓሒቕና ኣደዳ ናይቲ ጉጅለ ንኸውን ምህላውና እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ናይ ህልውናኡ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ከይደቀሰ ዝሓድር ምዃኑ ብሩህ እዩ። ቀንዲ ዋሕስ ቀጻልነቱ ግና ናትና ናይቶም ተቓሊስና ክንስዕሮ ዝግብኣና ናይ ለውጢ ሓይሊ ድኽመት ምዃኑ  ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ። ነዚ ብዘይዕጥይጥይ ክንእመን ምኽኣል ኣብ ኣሳልጦ ቀጻሊ ቃልስና ቦታኡ ዕዙዝ እዩ። ከምቲ “ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ዝበሃል ናትና ሕጽረት ኣቐሚጥና ኣብ ምርጋም ነቲ ባዕሉ ጸረ ህዝባውነቱ ዝኣወጀ፡ ዓቕምናን ግዜናን ምብኻን መፍትሒ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ሃገር ከድሕን ዝኽእል እጃምና ንግበር ንምባል እንተዘይኮይኑ፡  ገበናት ናይቲ ጉጅለ እናተኸታተልና ምቅላዕ ኣይጉዳይናን’ዩ ማለት ኣይኮነን።

ርግጽ እዩ ኤርትራውያን ብእምነታት፡ ኣውራጃታት፡ ብባህልታት፡ ብቋንቋታትን ካልእን ንፈላለ ኢና። ኩሉዚ ግና ብዙሕነታዊ ድምቀትናን መልክዕናን እምበር፡ ኣብቲ ንኹልና ዝምልከት ብሓባር ክንጐዓዞ ዝግብኣና መስርዕ ቃልሲ ከይንስለፍ ዝዓግተና ኣይኮነን። ብዙሕነትና ዘሕይለና ምእንቲ ክኸውን ድማ ብልቦናን ብሓላፍነትን ከነመሓድሮ ዘኽእለና ኣተሓሳስባ ክንውንን እንከለና ጥራይ እዩ። ድሌትና ካብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ጀሚርካ ክሳብ መድረኽ ድሕረ-ህግደፍ ብዙሕ ምዃኑ ንጹር እዩ። ከምቲ ብዝሑ ብሓንሳብ ዓትዒትና ሒዝና ከነዕውቶ ከምዘይንኽል ከኣ ክንግንዘብ ይግበኣና። ነዚ ክንበቅዕ ድማ  ናይ ዕማምና ቀዳምነታት ሰሪዕና፡ ዝተጸንዐ ንኹልና ዘማእክልን ዘሳትፍን ክኸውን ይግበኦ። ቀዳምነትና ከይሰራዕና ብሓንሳብ ናብ በበይኑ ኩርነዓት ኣብ እንቋምተሉን ግና ኣይክንዕወትን ኢና። ኣይንዕወትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዕንይንይ ብቐሊሉ ንህግደፋዊ ኣዕናዊ ንፋስ እንጥቃዕ ኢና ንኸውን።

ህዝባዊ ቃልሲ ምዕዋቱ ግድን’ኳ እንተኾነ፡ ዘይምኽኑይ ግዜ ነባኽን ምህላውና ዘሰክፍ ኢዩ። ህዝብና ከምዚ ክዕዘብ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሌና ዝነበሮ እምነት የጉድል፡ ቃልስና ይተሓላለኽ፡ ዓወትና’ውን ይደናጐ። ከምዚ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘለና  ጉጅለ ህግደፍ ንኤርትራዊ ኣጀንዳ ረጥሪጡ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ እንተዘይኮይኑ፡ ብመንጽር ባህጊ ህዝብና ምስ ዝረአ፡ ኤርትራዊ ፋይዳ ዘየብሉን ቀዳምነት ዘይወሃቦን መኣዝን ቃልሲ ዘስሕት፡ ዓንቃፊ ኣጀንዳታት ይድርብየልና። ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ኤርትራዊ ክብርን ንብረትን ከኣ ኣብ ዘይቦታኡ ይባኽን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝሃልቕ ዘሎ ኤርትራዊ ህይወት፡ ዝባኽን ዘሎ ንብረትን ዝጽየቕ ዘሎ ኤርትራዊ ምስልን ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ዘሕዝን ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ መዳይዚ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ምቅላዕ ማለት ኤርትራዊ ክብሪ ከም ምግሃስ  ወሲዶም ንተግባራት እቲ ጉጅለ ከጸባብቑ ዝደኽሙ ኤርትራዊ ወገናት ምህላዎም እዩ።

ከምቲ እንሓስቦ ኣንጻር ህግደፍ ተዓዊትና ህዝብና ሓራ ከነውጽእ ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር፡  ነቲ ዘራኽበና ከነቐድምን ከነሕይልን ዘይምብቃዕና ምዃኑ እሙን እዩ። ካብዚ መዋጸኦ ዝኾነና ከኣ ኣብ ኢድና ዘሎ እምበር፡ ካብ ካልእ እንጽበዮ ውህብቶ ኣይኮነን። “እሞ እቲ ሕማም ካብ ተፈለጠ፡ መድሃኒቱ’ውን ኣብ ኢድና ካብ ሃለወ ደኣ ተፈዊስና ዘይንሓውየሉ ምኽኒያት እንታይ እዩ?” ኢልና ንሕተት። መልሱ ነቲ ዘራኽበና ጉዳያት ከነቐድምን ከነሐይልን ዘይምኽኣልና ምዃኑ ድማ ንተኣመን።

Last modified on Thursday, 08 July 2021 09:28