ጉዳይና ሎሚ’ውን፡ ከይወጽእ ካብ ኢድና

2021-07-20 07:29:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2278 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ታሪኽና ነዊሕን ዝተሓላለኸን እዩ። መስርሕ ታሪኽና ናይ ብዙሓት ኢድ ኣእታውነት ዝተራእዮ ኮይኑ፡ እቲ ጠንቂ ናይ ጸገምና ግና ምሉእ ብምሉእ ናብ ካለኦት እንድርብዮ ዘይኮነ፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን ኣሉታዊ ግደ እውን ቦታ ነይርዎ እዩ። ደሓር ዝተራእየ ንኡስ ለውጢ እኳ እንተነበረ፣ ኤርትራ ካብ ባሕቲ ጥሪ 1890 ኣብ ትሕቲ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ካብ እትቑረን ኣትሒዛ ነዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ስምን ቅርጽን ተረኪባ። ኤርትራውያን ንመግዛእቲ ኢጣልያ ተገዲዶም’ምበር ሓንጐፋይ ኢሎም ኣይተቐበልዎን። ብፍላይ ኣብቲ ሕሱም ግዜ ናይ መግዛእቱ ብዙሓት ሓርበኛታት ጸረ ባዕዳዊ ስምዒት ኣሕዲሮም ናይ “ኣይንግዛእን” ድምጽታት ኣስሚዖም ኢዮም።

ኤርትራ ክሳብቲ 2ይ ውግእ ዓለም ብ1941 ተዛዚሙ፡ ገዛኢት ኢጣልያ ዝነበረቶ ወገን ዝሰዓር ኣብ ትሕቲ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ኩሉ ዓይነት ወጽዓታት ክወርዳ ጸኒሑ። ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም ምዝዛሙ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ናይ ዝነበራ ሃገራት ዕድል ክውሰን እንከሎ፡ ኤርትራ ግና ናጻ ሃገር ኮይና ክትቅጽል ኣይተዓደለትን። ከም ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ክትቅጽል ተወሲኑዋ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ዝነበረትሉ  ድማ መጻኢ ዕድላ ንምውሳን ኣዝዩ ውዑይ ፖለቲካዊ ጻዕርታት ተኻይዱ። እንተኾነ ከምቲ “ሓያልሲ ብድሕሪ ኣደኻ ኣይደቅስ” ዝበሃል፡ መንግስቲ ጐረቤትና ኢትዮጵያ ምስ  ምዕራባውያን ዝነበሮ ጽቡቕ ዝምድና ተጠቒሙ ነቲ ቅድመ-መግዛእቲ ኤውሮጳዊ ሓይልታት ዝነበረ ታሪኽ ብምልዓል፡ ናይ “ኤርትራ ትግበኣኒ እያ” ዝብል ጠለብ ስለ ዘቕረበ ጉዳይ ሃገርና ተሓላሊኹ። እቲ ጸገም ናይ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ትግበኣኒ እያ” ምባል ጥራይ ዘይነበረን። ብዙሓት ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ብምጉሳይ ብዛዕባ ረብሓኦምን ተጽዕኖኦም ኣብ ዞባናን ዘቐድሙን ንኢትዮጵያ ብዋጋ ኤርትራ   ከሕይሉ ዝወጠኑን ኢድ ኣእታውነት፡ ነታ ቀይሕ ባሕሪ ክበሃል እንከሎ ትጉምጅው ዝነበረት  ኢትዮጵያ ሓጊዝዋ።

ኤርትራዊ ጉዳይና ንክተሓላለኽን በቲ ክሳብ ሕጂ ኣሰሩ ዘይጠፈአ ሕማቕ ዘበን ክንሓልፍን እቲ ጠንቂ ናይ ገዛኢት ኢትዮጵያን ደገፍታን ሓጥያት ጥራይ እዩ ነይሩ ኢልካ ዝድምደም ኣይኮነን። ናይቶም ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣብ ምውሳን መጻኢ ዕድል ሃገሮም፡ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ተረዲኦም ሓቢሮም ኣብ ክንዲ ምቅላስ ምስዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ዝመሳሰል ፖለቲካዊ ምብትታንን ስርሕ ፍንጥሕን እውን ግደ ነይርዎም እዩ። ብሓፈሻ ንብዙሓት ኣብ ኤርትራ ህርፋን ዝነበሮም፡ መንግስታት ብፍላይ ከኣ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገኻ ከፊትካ ምሃብን ምስኣ ምትሕብባርን ኤርትራ ብዓንተብኡ ልኡላዊት ሃገር ከይትኸውን ግደ ከም ዝነበሮ ሸለል ኢልካዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ሎሚ እውን ክንመሃረሉ ዝግበኣና ተመኩሮ እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምናልባት በቲ ሓደ ወገን ነቲ ኤርትራውያን “ናጽነትና ይወሃበና” ዝብልዎ ዝነበሩ በቲ ካልእ ወገን ከኣ መግዛእቲ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ኣካል ግዝኣተይ እያ” ዝብሎ ዝነበረ ጫፋት ደኾን ማእከላይ ፍታሕ ይኸውን ብዝብል ጉልባብ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ እግራ ኣደልዲላ ንክትረግጽ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደረሽን ክቑረና ወሲኑ። እንተኾነ እቲ ፈደረሽን ኣብ ርእሲ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምንባሩ ስሰዐን ህዉኽ ተንኮልን ኢትዮጵያ ተወሲኽዎ ኣብዘይመዓልቱ ፈሪሱ። ኤርትራ ከኣ፡ ብዘይ ፍቓድ ህዝባ ተገዲዳ መበል 14 ጠቅላይ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኮይና።

ኣብቲ እዋንቲ “ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባርዶ ወይ ዝተነፍገካ ናጽነት ብቃልሲ ምምላስ?” ዝብል ምርጫ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ቀሪቡ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ተቓሊስካ መሰል ርእሰ-ውሳነኻ ምምላስ እምበር፡ ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ ንምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ እቲ ካብ ንግሁኡ ናቱ ጸገማትን ሕጽረታትን ዝነበሮ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ተጀሚሩ። ድሕሪ ኣህላኺ ቃልስን መስዋእትነትን ከኣ ብ1991 ብናጽነት ኤርትራ ተኸምቲኡ።

ብዓንተብኡ እውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ ካብ መሬት ኤርትራ ብምውጻእ ጥራይ ከምዘይውዳእ ርዱእ ነይሩ። ስለዚ ድሕሪኡ እውን “ናጻ ኤርትራ ከመይ ትመሓደር ናይ ምውሳን ቃልሲ” ቀጺሉ እነሆ ክሳብ ሕጂ ህያው እዩ። እዚ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበዮኳ እንተነበረ፡ ክንድዚ ዝወሰዶ ዘሎ ግዜ ክወስድን እቲ መስርሕ ክሳብ ክንድዚ ካብ ግዜ መግዛእቲ ብዝኸፈአ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳቐየሉ፡ ዝመዛበለሉ፡ ዝስወረሉን ኩሉ መሰላቱን ዝግፈፈሉን ክኸውን ግና ንመብዛሕትኡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ እዩ። ጉዳይና ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓለም ካብቲ እቲ ዝኸፈአ ተረኽቦታት ሓደ ክነሱ፡ ኣብ ኣደባባያት ዓለም ዘይስማዕን ዘይረአን ኩይኑ ጸኒሑ። ንሕና እቶም ዋናታት እውን፡ ውሱናት ሓደስቲ ተርእዮታት የጋጥሙ እሞ ንዝተወሰነ ግዜ ድምጽና ኣስሚዕና ደሓር ከኣ ክንሃጥም ኢና ጸኒሕና። ብሰንኪ ብኩራት ቀጻልነት ከኣ ኣየድማዕናን። ምእሳር መራሕትን ጋዜጠኛታትን 2001፡ ህልቂት ደሴት ላምፓዱዛ፡ ተበግሶ ወዲ ዓልን ምንቅስቓስ ኣኽርያን፡ ደሓር ድማ ምግሃድ ዘይትካላዊ ምሕዝነት ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድ ዓሊን ተኸቲሎም ዝተራእዩ ምብርባራት ከምቲ ዝድለ በርቲዖም ዘይምቕጻሎም ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ከባብና ብዙሓት ነውጽታት ኣለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ድማ ብዓብይኡ እዩ። ብፍላይ ንኤርትራ “እውክል እየ” ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ዝተሳተፎ ስለ ዝኾነ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ካብቲ ካልእ ዞባዊ ነውጽታት ዝያዳ ከም ዘገድሰና ብሩህ እዩ። ኢሳያስ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ገዛ ዓጽዩን ድምጺ ኣጥፊኡን ንምጽቃጥ ከም ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ወሲዱ፡ ህዝብና ክብድል ጸኒሑ። ሎሚ ግና ከምቲ “ኣድግስ ሃሊላ በላዒኣ ትጽውዕ” ዝበሃል ኣብ ዘይጉዳዩ ከዳኽር ምስ ጀመረን ብዝፈጸሞ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ውግእ ገበናትን ኣካል ዞባዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ስሙ ካብ ቅድም ብዝኸፍአ ክለዓልን ምስሉ ብሕማቕ ክሰኣልን ይውዕል ኣሎ።

ኢሳያስ ዞባዊ ኣጀንዳ ዝኸውን ዘሎ በይኑ ዘይኮነ፡ ኤርትራና’ውን ትልከም ኣላ። ስለዚ ኤርትራ እውን ኣካል ናይቶም ሓያላት ሃገራት ዞባዊ ሕሳባቶም ንክሰርዑ ሒዘምዎ ዘለዉ ትልሚ ትዂረት ዳግመ-ውደባ ኮይና ኣላ። ካብዚ ትልሚዚ ሎሚኸ ኤርትራ ከምቲ ናይ ቅድሚ 60 ዓመታት ክትጥለም ድያ ወይ ብመኽሰብ  በሪኻ  ክትወጽእ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ኩሉ ኣወንዚፍና “ንምህላውን ዘይምህላውን ልኡላዊት ኤርትራ” ኣቐዲምና እንተዘይተቓሊስና ሎሚ እውን ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ደጊሙ ግዳይ ዘይንኾነሉ ምኽንያት የለን። ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ዘይምስጣምና ጉዳይ ሃገርና ኣብ ኢድ ዘይዋናታቱ ዝወደቖ ከየጋጥመና’ሞ ዳግማይ ከይንጠዓስ “ጉዳይና ሎሚ’ውን  ከይወጽእ ካብ ኢድና” ብዝብል ክንስጉም ሓደራ ንብል።

Last modified on Tuesday, 20 July 2021 09:34