ካብ ባሕቲ መስከረም፡ ክሳብ 24 ጉንበት

2021-05-23 17:08:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1870 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ከቢድ ዋጋ ኣኽፊሉና ኢዩ። በዚ ኢዩ ድማ እዚ ክንዲዚ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ናጽነት ተሓሊዩን ተኸቢሩን ክነብር ወትሩ ጥንቁቓት ክንከውን ዝህልወና። እቶም በዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይህዝባዊ ምምሕዳር ተማሪሮም፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቆናጽቡ፡ ነቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከም ከንቱን ትርጉም ዘይብሉን ገይሮም ዝቖጽሩ ወገናት፡  ሃገር ማለት እንታይ ምዃኑ ዘይርድኡ ኢዮም።  

መሰረታዊ ዕላማ ቃልስና፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስና ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ሃገር ምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ዝቕጽል ቃልሲ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለዝነበረ ቅሩብን ትስፉውን ኢዩ ነይሩ። ዘተሓባብሮን ዝመርሖን እንተዝረክብ፡ ባሕቲ መስከረም 1961ን 24 ጉንበት 1991 ክልቲአን ታሪኻውያን ዕለታት እየን። እታ ቀዳመይቲ ሰውራ ብምእዋጃ እታ ካለኣይቲ ከኣ ናጽነት ኤርትራ ብምብሳራ። እቲ ኣብ መንጎ እዘን ሕቡናት ዕለታት ዝነበረ ናይ 30 ዓመታት ጉዕዞ ብኣዝዩ ብዙሕን ረቀቕትን ውረድ ደይብ ዝተመልአ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ኩሉቲ ኣብ መንጎ እዘን ዕለታት፡ ዝተወስደ ግዜ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዝተወፈየ መስዋእትነት፡ ዘጋጠመ ዕንወትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትን ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድን  ስለዝነበረ ከኣ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩነትን ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምትበጽሕ ዓቢ ተስፋ ነይርዎ። ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት፡ ካብቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝተፈልየን ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትትን ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት እምነት ንከሕድር ምኽንያታቱ ብዙሕ ነይሩ።

 ካብቲ ምኽንያታት ብውሕዱ ንምጥቃስ፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ኣብ ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ተጠቀምቲ እዮም ዝበል እምነት ስለ ዝነበሮን። ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንኤርትራውያን ዘዋስን ኣመራርሓ ክህሉ  ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ሓደን ዝድግፈሉ እቲ ካልእ ዝጻረረሉ ኣሰላልፋ ክህሉ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ነጻነት ኣብ ምምጻኣ ዓብይ ግደ ዝነበሮም ተጋደልቲ ኩነታት ከምቲ ዝኾኖን ዝኸውን ዘሎን ከጋጥም እዩ ዝብል ስግኣት ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ።  እንተኾነ ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግተኡ ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ዉልቀ-ሰባትን ነይሮም ኢዮም።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ስልጣን ምንባር ዝሰርዐ፡ ንህዝቢ ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምህናጽ ሃገርን ምትካል ቅዋማንውን ዲሞክራስያውን ምምሕዳርን “ዘይበልናዮ ኮነ” ከም ዝበሃል መልክዑ ቀይሩ። ወዮ ኣብ ሓጺር ግዜ ራህዋ ከምጽእ ዝተጸበናዮ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ክንድቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ግዜ፡ 30 ዓመታት መሊኡ። ኣብ 30 ዓመታትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን ንዝብል ከኣ ጌና ሎሚ ዘበን ዝረአ እዩ። ምልክታቱ ግና ደፊርካ ምህናጽ ሃገርን ምትካል ዲሞክራስያዊ ምምሕዳርን ኣብ ኤርትራ ዝወሰዶ ግዜ ክንድቲ ንናጽነት ዝተወስደ ግዜ ጥራይ እዩ ዘብል ኣይኮነን።  ብመንጽር ዝተኸፍለ ዋጋ እውን ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጉደ፡ ከምኡ ክኸውን ግድን ዘይነበረ ውግኣት ካብቲ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና  30 ዓመታት ዝተኸፍለ ምናልባት ዝያዳ  እዩ። እሞ ክኣ ብዝመረረ መልክዑ ኣብ ዓዲ ጓና ጣልቃ እናኣተኻ ከይተረፈ።

ኣብዚ ንዝክሮ ዘለና መበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኮይና፡ ርሑቕ ከይከድና ብዛዕባ እዚ ዝሓለፈ ናይ 60 ዓመታት ቃልሲ ከነስተንትን ናይ ግድን እዩ። ምስትንታን ብድፍኑ ዘይኮነ፡ “በየን መጺእና?፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለና?፡ እንታይከ ይጽበየና ኣሎ?” ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ቀንዲ ጠመተና ከኣ እተን፡ “ኣበይ ኣለና? እንታይከ ይጽበየናሎ?” ዝብላ ሕቶታት ክኾና ይግበአን። ምስ ቃልሲና ምንውሑን ብሰንኩ ሃገርናን ህዝብናን ንቑልቁል ይንቆቱ ምህላዎምን ሻቕሎት ኩልና፡ ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዝያዳ ኣብ ዝዓረገሉ ደረጃ ኢና ዘለና። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምውጋድ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ ኮንደኾን ካብዚ ዘለናዮ ናብ ዝሓሸ የሰጋግረና ብዝብል  መዋጽኦ ዝብልዎ ይእምሙ ኣለዉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮ ምሕዝነትን ኪዳንን ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ንቕሎ ለንደን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ መስርሕ ኣሎ።  ፖሓኤ፡ ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባትን ግንባራትን ሰፊሕ መድረኽ ንምፍጣር ቃልሲ ዘካይድ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕድ ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ቀጻሊ ናይ ሓባር ድልዱል መቃለሲ ጽላል ንምፍጣር ሒዝዎ ዘሎ መስርሕ እውን ኣብ ደሓን ደረጃ በጺሑ ዘሎ እዩ። እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ኣብ ፖለቲካዊ ውዳበታት ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነ፡ ኣብ መስርሕ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ናይ ልውጢ ሓይልታት ዝሳተፍሉ ናይ ምስፋሕ ትልሚ ዘለዎ እዩ። ጐኒንጐኒዚ መስርሕ ምፍጣር ሰፊሕ ጽላል፡ ክካየድ ዝጸንሐን ጌና ቀጻሊ ዘሎን  ናይ መሰረታዊ ፍልልይ ዘየብለን ውድባት ምሉእ ሓድነት ምፍጣር እውን ኣብዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ንምብጻሕ ሓጋዚ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድር (ሃግኤ-ሕድር)ን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ዝመስረትዎ ሓድነት ከኣ ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክረኣዩ ካብ ዝጸንሑ ድኽመታት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝሓዝካዮ መስርሕ ስንኻ ነኺስካ ኩሉ ዓቅምኻ ጸንቂቕካን ኩሉ ዕድላት ተጠቒምካን ኣብ ዝብጻሕ ምብጽሑ፡ ናይ “ሕዝ ግድፍ” ኣገባብ ምኽታል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ካብዚ ንምውጻእ፡ ሒዝካዮ ዝጸናሕካ ብምፍራስ ዘይኮነ፡ ንጉዳያት ቅደም ተኸተል ኣትሒዝካ፡ ቅድም ኣብ ሓደ ምድማዕን ነቲ ዝመጽእ ምዕባለ ነቲ ዘመዝገብካዮ ብዘይሃስን ሓቢርካ ብምግጣሙ ክኸውን ይግበኦ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝረአ ዘሎ ተበግሶታት ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ጽላል ናይ ምምስራት ጻዕሪ ብዘይጻረር  ክሕዞ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ትቕበሎዶ ኣይትቕበሎን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ዝኾነ መማረጺ ክቐርብ ሓጋዚ እምበር ጐዳኢ ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ንመበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ውግእ እዩ። እዚ ብቐንዱ ጉዳይ ጐረቤት እዩ። ጽልዋኡ ኣብ ጉዳይና ግና ምስቲ ሃገርና ክሕምስ ዝጸንሐ ጉጅለ ተሰታፋይ ናይቲ ውግእ ምህላዉ ከም ታራ ናይ ጐረቤት ዋኒን ንወስዶ ዘይኮነ፡ ፍሉይ ግምት እንህቦ እዩ። ብሰንክዚ ናይ ትግራይ ጉዳይ ኣብቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ጉዳይና ከይንፈላለ ከኣ ውሕልነት ክሓተና እዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ 30 ዓመታት ካብ ሓደ ምዕራፍ ናብ ካልእ ሞዕራፍ ምስጋር ዝተለምደ እዩ። ኣብ መንጎ 1961ን 1991ን ዘሎ ዝምድና ርኢናዮ ኣለና። 1991ን  2021ን ዘሎ 30 ዓመታት እንታይ ከርእየናዩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኮይኑ፡ ባህግን ድልየትን ህዝብና ንምዕዋት ከኣ ዝያዳ ጻዕርን ተወፋይነትን  ዝሓተና ክኸውን   እዩ።

ብናጽነትና ንሕበን፡

ናጻን ላኡላዊትን ኤርትራ ተኸቢራ ትንበር!

24 ጉንበት 2021

Last modified on Sunday, 23 May 2021 19:13