ቅሩብነት እንተልዩ መዋጸኦ’ውን ኣሎ

2021-06-10 06:17:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1683 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ 

ኣብዚ እዋን’ዚ መሰረታዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ክቱር ጭቆና ጉጅለ ህግደፍ ምንጋፍ እዩ። እዚ ምንጋፍ ብጥሪኡ ዘይኮነ፡ ኣብ ክንድቲ ጭቆና፡ ሰላም፡ ሓርነት፡ ልዕልና ሕግን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ብዘረጋግጽ ብዓብይኡ ከኣ ብሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ምትካእ እውን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ናይ ህዝቢ እዩ እንብሎ፡ እቲ ካብ ጭቆና ምንጋፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዚ ንምዕዋት ዝግበር ቃልሲ እውን ናይ ህዝቢ እዩ። ግደ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት እውን ንግደ ህዝቢ ዝትክእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዕዙዝ ቦታ ዝወሃቦ ምዃኑ ዘይዝንጋዕ እዩ።

ነዚ “መሰረታዊ ትጽቢት ህዝብና እዩ” ዝበልናዮ ራህዋ ንምዕዋት ነቲ መግለጺና ዝኾነ ብዙሕነትና በብመልክዑ  ኣብ ግምት ዘእተወን ንናይ ሓባር ረብሓና ዘዕዝዝን መንገዲ ምጽራግ ናይ ግድን እዩ። ኤርትራውያን ካብ ኤርትራውነትና ዝነቅል ዘሰማመዓናን እቲ ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነታዊ  ኣካውናና ዝፈጥሮ ዝፈላሊ ከም ዘለና እንእመነሉ እዩ። እቲ ዘዋጸናን ናብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ዓወት ዘብጸሓናን ከኣ ወይ ነቲ ዘሰማምዓና ወይ ድማ ነቲ ዝፈላልየና መዚዝካ ሓዲኡ ምውሳድ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ንክልቲኡ ዘከኣእል ሓቛፊ ሓላፍነታዊ መንግዲ ምሓዝ መተካእታ የብሉን። ብዙሕነትና ናይ ብሓቂ ጸጋናን ምንጪ ሓይልናን ዝኸውን ከኣ ኣብ ከምዚ ኩነታት እዩ።

ንጉዳያት ኣከኣኢልና ከነድምዕ ክንስጉም እንከለና፡ ዝያዳ ከነትኩረሉን ፍሉይ ግምት ክንህቦን  ዝግበኣና  ኤርትራዊ ህልውናን ረብሓ  ህዝባን ልዕሊ ኩሉ ምስራዕ እዩ። ናይዚ ምስጢር ንጹር እዩ። ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ዘይተዓቀበሉ ካልእ ድሌት ምዕዋት ስለ ዘይከኣል። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ነናይ ውዳበኻ ኣተሓሳስባ ምንጽብራቕ ግና መሰል እምበር ሓጥያት ኣይከውንን። ብጉዳይ እምነትካ፡ ቋንቋኻ፡ ከባቢኻ፡ ባህልኻን ካልእን ምግዳስ እውን በመንጽርዚ እዩ ክምዘንን ክተሓዝን ዝግበኦ።

እዚ ንዘሰማምዕን ዝፈላልን ምክእኣልን ንብዙሕነት ምምሕዳርን ዝምልከት፡ ንኤርትራውያን ከም ሓድሽ ዝንገረና ዘይኮነ፡ ፍልልይካ ዓቂብካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ብሓባር ክትቃለሰ ናይ ምብጋስ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዘለና ኢና። እንተኾነ ኣብዚ መዳይዚ ክሳብ ሕጂ ክንድቲ ንደልዮ ኣየድማዕናን። ናይ ዘይምድማዕና ምስጢር ከኣ ብግብሪ ከምቲ ንሓስቦ ናይ ዘይምዃን ሕጽረትና ምዃኑ ዘሰማመዓና እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ሕጽረትዚ ከኣ ኩሉና አእጃምና ነልዕለሉ እምበር፡ ሓደ ኣካል ነቲ ካልእ ኣላጊቡ ተዓዛባይ ዝኾነሉ ኣይኮነን። ንዘይምድማዕና እቲ ቀንዲ ጠንቂ እቶም ንመርጾምን ንምስርቶምን መድረኻት ዘይኮኑ፡ ናይቶም ተዋሳእቲ ነቶም መድረኻ ዘይምብቃዕ ከይከውን ብደቂቑ ክምርመር ዝግበኦ እዩ። ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ተበግሶ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ውጽኢት ከተመዝግብ ትብህግ እሞ በቲ ዝደለኻዮ ቅልጣፈ ዘይክትረኽቦ ትኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ጠንቂ እቲ ዝመረጽናዮ መራኸቢ መድረኽ ጥራይ ጌርካ ኣብ ምውሳድ ክንህወኽ ኣይግበኣናን። እኳ ደኣ እቲ ጸገም ካብቲ መዋስኢ ኣዳራሽ ዘይኮነ፡ ካብ ናይቶም ተዋሳእቲ ዘይቅሩብነትን ዘይምብቃዕን ከይከውን ተጠንቂቕካ ምምርማር የድሊ።

ብሓባር ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንሰለፍ ክንብል እንከለና ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክንክተል ንኽእል። ወይ ምሉእ ምትሕንፋጻዊ ሓድነት ኣረጋጊጽና ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንኸውን። ኩነታት ኣብ ዘይበሰለሉ ተሓናፊጽካ ሓደ ኣብ ክንዲ ምዃን ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን ብግቡእ መሚኻን ኣነጺርካን ኣብቲ ዘሰማመዓካ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል ተወሃሂድካ ክትሰርሕ ትኽእል። እዚ ከምዚ ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)  ዝጽዕተሉ ዘሎ ኣገባብ ማለት እዩ። እዚ ብፖሓኤ ተታሒዙ ዘሎ ብሓባር ናይ ምቅላስ መንገዲ በቲ ሓደ ወገን ኣብዚ እዋንዚ  ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ንቃለሰሉ ናይ ሓባር መሳርሒና እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጽባሕ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንምዃን ምትእምማን እነጥርየሉን ኣጸቢቕና እንላለየሉን መስርሕ እዩ።

ኣብ ሰፊሕ ጽላል እንዳተቓለስካ ካብቶም ኣብቲ ጽላል ዘለዉ ኣካላት “ንበቕዖ ኢና” ኢሎም ክሳብ ዝወሰኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ክሰምሩ ዘተባብዕ እምበር ዝኽልክል ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብቶም ተበግሶ ፖሓኤ ንምዕዋት ክቃለሱ ዝጸንሑ ሓይልታት ሰለስተ ውድባት ሓድነት ምፍጣሮም ናይዚ መርኣያ እዩ። እቶም ካለኦት ውድባት “ንዓኻትኩም የማስለና” ብዘስምዕ ሰናይ ትምኒትና ዝገለጽናሎም እውን ካብዚ ተረድኦዚ ብምንቃል እዩ። ኩልና ኣብ ሓደ እዋን ተገዲድና ሓደ ክንከውን ግና ናይ ግድን ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ናብዚ ዘብቅዕ ዕግበትን ድልዉነትን ኣብ ኩለን ውድባት ብሓንሳብ ክመጽእ ናይ ግድን ስለ ዘይኮነ። ካብዚ ነቒልና ኢና ከኣ ካብ መለለይታት ናይቲ ሎሚ ንቃለሰሉ ዘለና ናይ ጽባሕ ምምሕዳር ኤርትራ ሓደ “ብዙሕነታዊ”  ክኸውን እዩ እንብል።

ነዚ ጀሚርናዮ ዘለና ሰፊሕ ጽላል ንምዕዋት ጌና ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓተና እዩ። እቲ ጻዕሪ ንውሱናት መራሕቲ ውድባትን ሰልፍታትን ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ዘይስገር ተሳትፎን ኣበርክቶን መሰረታት ናይተን ዝዋሰኣ ዘለዋ ውዳበታትን ሓፋሽ ህዝብን ዝሓትት እዩ። ኣብዚ ብብዙሕ ተኣኪብካ ናይ ምብታን ተመኩሮታት ዝሰከሐ ኤርትራዊ መድረኽ፡ እቲ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ መስርሕ ተቐባልነት ክረክብ ቀሊል ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ቅሩብነትን ናይ ምዕዋት ጽምእን ክሳብ ዘሎ ቀጻሊ መዋጸኦ ዘይርከበሉ ኣይኮነን። እምበኣር ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ዘይህብ ኩነታት እቲ ዝሓሸ ምርጫ፡  ኣብ ክንዲ ኩነታት ከየብሰልካ “ግድን ኩሉና ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ክንከውን ኣለና” ምባል፡ ወይ ናብ ሓደ ዘምጽእ ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር ምጽባይ፡ ኣብቲ በቲ ሓደ ወገን ህግደፍ ነወግደሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንድሕሪት ዘይምለስ ምትእምማን ነጥርየሉ ኣብ ተስፋ ዝህብ ደረጃ ዘሎ መስርሕ ምውህሃድ ኣጽኒዕካ ምሓዝን ምዕዋቱን እዩ።

Last modified on Thursday, 10 June 2021 08:24