ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ፡ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን

2020-11-09 08:31:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1783 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝኣተዎ ቃል እንዳዓጸፈ ዝመጸን ብኣኡ ዝቕጽል ዘሎን እዩ። በብእዋኑ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘለዎ ትብዓት፡ ሕገመንግስታውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ዘለዎ ቅሩብነት፡ ንኤርትራ ብቁጠባ ንምምዕባላ ዘኽእል ፖሊሲ ከም ዘለዎ ኣምሲሉ ደጋጊሙ ክመባጻዕ ጸኒሑ። በብእዋኑ ናይ ህዝቢ ጸገም ከም ዝፈትሕ ንሓንሳብ ናይ ኣዋርሕ ንሓንሳብ ድማ ናይ ዓመታት ቆጸራ ክሕዝ’ውን ይስማዕ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ንኤርትራ ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ክብል ከም ዝጸንሐ እውን ዘይርሳዕ እዩ። ብግብሪ ግና እዚ ኩሉ ተጠሊሙስ፡ ኤርትራ ከምቲ ዝጸናሓቶ ምቕጻልስ ይትረፍ  መሊሳ እያ ዓንያ።

እዚ ጉጅለ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገር ከይድፈር ብቐዳማይ ደረጃ ከም ዝሰርሕ ብተደጋጋሚ ቃል ኣትዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ብቑዕ ዓቕሚ ሰብ ንምድላብ ብዝብል’ውን፡ ነቲ ደሓር ናብ “ግዱድ ዕስክርናን ባርነትን” ዝማዕበለ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣውጁ፡ ነቲ ሎሚ ናብ ዓብይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይሩ ዘሎ፡ መደበር ታዕሊም ሳዋ መስረቱ። ድሒሩ ከኣ ብምስምስ “ልኡላውነት” ምስ ኢትዮጵያ ውግእ ከፊቱ፡ ዓሰርተታት ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣወዲኡ። እዚ ብዙሕ ናይ ውዲት ኣጀንዳታት ዝነበሮ ክነሱ፡ “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን” ዝተሰየመ ወግእ ምስተወደአ፡ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ክኸዶ ዝነበሮ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ከይዱ። በቲ ቤት ፍርዲ ከኣ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ተዋሂብዎ። ኣብቲ ብይን እታ ውግእ ዝተጀምረላ ባድመ ንኤርትራ ስለ ዝተዋበት፡ ኤርትራ ዝረተዓትሉ መሲሉ ቀሪቡ እምበር፡ ዝኸሰረቶ’ውን ኣለዋ። እንተኾነ ናይ መወዳእታን ቀያድን እንከሎ ኣብቲ እዋኑ ኣይተተግበረን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኢስያስ ኣፈወርቂ ብዘይምትግባር እቲ ብይን ብውሽጡ ሕጉስ ክነሱ፡ ናይ ዘይምትግባሩ ጠንቂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ሓላይ መሲሉ ክረኤ ፈቲኑ። ብዙሓት ውሽጡ ዘይፈለጡ ግሩሃት ኤርትራውያን ከኣ “እዚ ሰብኣይ ብህይወቱ እንከሎ እዛ ዶብ እንተዘይ ተመልኪታ ደሓር ኣይክንረኻብ ኢና” ክብሉ ይስምዑ ነይሮም።

ኢሳያስን ጉጅለኡን ነዚ ብውሽጦም ዘይኣመንሉ ልኡላውነት ኤርትራ ሸፊጦም፡ ንኹሉ ናይ ህዝብና ሕገመንግስታዊ፡ ዲሞክራስያዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ናይ ለውጢ ጠለባት፡ “ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ኣይሰላም ኣይውግእ መድረኽ ስለ ዘለና ቀዳምነትና ኣይኮነን” ክብልዎ ጸኒሖም። ህዝብና ከኣ እዚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንመሸፈንን መህደምን ከይከውንኳ ስግኣት እንተነበሮ፡ ንክብሪ እቲ  ብሓያል ህዝባዊ መኸተ ዝመጸ ልኡላውነት ዕንቅፋት ንዘይምዃን ልቡዝልቡ “ሕራይ ክሳብ ኩነታት ዝቕየር ንጽምም” ብዝብል ተጸብይዎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ መስርሕ ለውጢ ተቐልቂሉ። እቲ ለውጢ ዘምጸአ ሓይሊ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ቃል ኣትዩሉ። እቲ ዝኣተዎ ቃል ኣተግቢርዎዶ ወይስ ከም ኢሳያስ ይጠልሞ ኣሎ፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጸባጸበሉ ዘሎ እዩ። እቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ፡ ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት “ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢለዮ ኣለኹ” ኢሉ። ኣብ መንጎ “ተቐቢለዮ ኣለኹን” “ኣተግቢረዮን” ፍልልይ ስለ ዘሎ’ኳ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ውዱእ ሓቂ እንተዘይወሰድዎ፡ ገለ ወገናትና ግና ንኢስያስን ጉጀለኡን ኣብ ኣጀንዳ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዘየለዉ ክንሶም፡ ጉዳይ ዶብ ናብ ሓድሽ ኢሳያስ “ክቃለሰሉ” ዝጸንሐ መድረኽ ከም ዝሰገረ ገይሮም ክወስድዎ ተራእዮም።

ኢሳያስ ሆየ፡ ኣብ ክንዲ “እምበኣር ነቲ ንዝምድናና ናብ ንቡር ምምላስ መሰረት ዝኾነና ጉዳይ ዶብ ናይ መወዳእታ መልክዕ ነትሕዞ” ኣይበለን። ብኣንጻሩ ነቲ ንህዝብና ጀሆ ሒዘሉ ዝጸንሐ ጠንጢኑ፡ ነቲ ገለ መንግስታት “ምስ ኢትዮጵያ ዝምድናኹም ናብ ንቡር ምለሱ” ክብልዎ እንከለዉ፡  “ዶብ ከይተጠረረ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ይመለስ ምባል ኣሽካዕላል እዩ” ዝብል ዝነበረ ልሳኑ ዓጺፉ፡ “ጉዳይ ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን” ኢሉ። በዚ ኣየብቀዐን፡ ነቲ ልኡላውነት ኤርትራ ቀዳምነትና ኣይኮነን ዝበሎ ዝያዳ ንምድማቕ፡ “ነቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኣብ ትርጉም ዘየብሉ ዝባኸነ ግዜ፡ ነቲ ኣብቲ ምእንቲ ልኡላውነት ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ውግእ ዝተኸፈለ ውጋ ኣይከሰርናን፡ ንኤርትራዊ ሃገርነት ክሒዱ ከኣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገራትን ህዝብታትን ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም” ኢሉ። እዚ ከኣ ናይቶም ብተኸታታሊ ክፍጽሞም ዝጸንሐ ጥልመታት መቐጸልታን ዝለዓለን እዩ።

እዚ ኹሉ ምዕልባጥን ሽንኮለልን ዘብረሃልና ሓቂ፡ ዲክታቶር ኢስያስ ንጉዳይ ልኡላውነት ከም መቃመሚ ንካልእ ውዲታቱ ዝጥቀመሉ ተዘይኮይኑ፡ ከም ነብሱ ዝኸኣለ ናይ ኤርትራን ህዝባን ናይ ህልውና ዓንዲ ዘይወስዶ ምዃኑ እዩ። ኢሳያስ ንጉዳይ ዶብ ዘገድሶ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ምስቲ “ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢለዮ ኣለኹ” ዝበለ መራሒ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ክተሓሳሰብን ኣትሪሩ ሒዙ ከተግብርን መተገብኦ። ኣብቲ መስርሕ ጉዳይ ዶብ ከተግብር ቅሩብ ዘይኮነ ኢትዮጵያዊ ወገን እንተኣጋጢሙ ናይ ምውጋኑ ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ መኾነ። ኢሳያስ ግና ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ጉዳይ ናይ ምትግባሩ ድሌት ስለ ዘይነበሮ ነቲ መስርሕ ናብ ሕንፍሽፍሽ ንምእታዉ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ (game is over ) ብዝብል ዓምጣሪ ኣተሓሳስባ ንጉዳይ ዶብ ምስ ሕዱር ቅርሕቱ ደዋዊሱ ከም ዘይትግበር ገይርዎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እቶም ሰብ ዋኒን ኢትዮጵያውያን’ውን እንታይ ዓይነት ኢሎም ከም  ዝስይምዎ ዘጸገሞም ኣብ መንጎ  ፈደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ሓደገኛ ውግእ ዝተኸፍተሉ ኩነታት ንርከብ ኣለና። ኢሳያስ ምዝራግ ሰላምን ኣብ ውግእን ወረ ውግእ ምንባርን ምርጭኡ ስለ ዝኾነ፡ ናይቲ ውግእ ተዋሳኣይ እዩ። መሰረታዊ መንቀሊ ተሳትፋኡ፡ ልኡላውነት ኤርትራን ረብሓ ህዝባን ኣገዲስዎ ዘይኮነ፡ ምስ መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝጸንሖ ቂምን ቅርሕንትን እዩ።  ሸቶኡ ከኣ ሓንሳብ ምስ እዚ ሓንሳብ ድማ ምስቲ እናሻረወ፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ብምእታው ሕነ ንምፍዳይን ሓዊ ንምእጓድን እዩ። እቲ ካልእ  ጎብለል ናይ ዞናና ናይ ምዃን ዘይሰምረሉ ሕዱር ሕልሙ’ውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።  

 እዚ ዕሉል ዲክታተር  ከምስል እታ ናይ ቅድም መጻወቲቱ ካርድ “ጉዳይ ዶብ” ሒዙ ናብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣጒዱ ዘሎ ውግእ ክኣቱ ይዳሎ ከም ዘሎ፡ ብዙሓት ወገናት ምልክታት ይህቡ ኣለዉ።  ከምቲ ግቡእ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነብሱ ክኢሉ፡ ብኣፍልጦን ተሳትፎን ናይቲ ዝበየነ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ክትግበር ዝግበኦ እምበር፡ ምስ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ዝደባለቕ ኣይኮነን። ብመንጽርቲ ናይዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት መስርሕ ዝምድናኡ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ፡ ኢስያስ ንኤርትራዊ ሉኡላዊነትን ምምልካት ዶብን  ንመዳህለሊ እምበር፡ ካብ ልቡ ዝግደሰላ’ዩ ምባል መጐታዊ ኣይኮነን። ኢስያስ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ኣእሾኽ ኣንዳዘረአ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ እምበር ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ጉዳዩ ኣይኮነን። ስለዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓድነት ከምቲ “ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ፡ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን” ዝበሃል፡ ኣንጻርዚ ህዝቢ ጠሊሙ መንገዱ ዝመረጸ ጠላም ጉጅለ ህግዲፍ ክትብገስን፡ ኣብ ከባቢና ዝለዓል ውግእ ንረብሓኻ ስለዘይኮነ፡ ንዕርቅን ሰላምን ክትስለፍን ኣበርክቶኻ ከተዛይድን ምሕጽንታና’ዩ። 

Last modified on Monday, 09 November 2020 09:43