ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀንድን መሰረታውን ዕላምኡ ዝገበርካ ገይርካ፡ ኣብ ስልጣን ምንባር ምዃኑ ዘየማትእ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነዚ ከውሕስ ክብል ኩሉ ካብ ምግባር ንድሕሪት ከም ዘይብል ከኣ ተመኩሮኡ ይምስክር። ኣብቲ መስርሕ ቀንዲ ግዳይ ዝገብሮ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንብል እንከለና፡ ምስ ኩሉ መሰላቱ፡ ባህሉ፡ ቋንቋኡን ክብሩን፡ ዋጋ መስዋእቱ፡ ጸጋታቱ ማለትና ኢና።
እዚ ዲክታተር ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እኩይ ተግባሩ ንከዐውት ዝጥቀሞ ሜላታት ብዙሕ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዓቲቡ ምእንቲ ከይርእን መፍትሒ ሃሰው ኣብ ምባል ከየድህብን ሻቢብካ ምሓዙ እዩ። ነዚ ንምዕዋት ኣብ ክንዲ ምስ ዝሓሸን ብሩህ መጻእን ምውድዳድ ምስቲ ዝሓለፈ ህዝብና ተቓሊሱ ዝሰዓሮ ናይ ግዜ መግዛእቲ ህይወት እንዳወዳደረ “ሎሚ ኣብ ትሕቲ መግዛእተይ ይሕሸካ” ዘስምዕ መዝሙር ይዝምር። ካብዚ ሓሊፉ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት መግዛእቱ ድሕሪ ናጽነት፡ ንኹሉ ሓጥያት ነቶም ገዛእቲ እንዳላገበ ናይ “ግዜ ይወሃበኒ ከዕሪ’የ” ምሕጽንታ ምቕራብ ልሙድ መመኽነይታኡ ነይሩ።
እቲ ቀንድን ክሳብ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላኡ ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ውሽጣዊ ጉዳዩ ዝርኢ ተሰናቢዱ ደገ-ደገ ንከመዓዱ ዘገደድዎ መሰናበዲ ኩነታት ምምሃዝ እዩ። ነዚ ብኣብነት ንምድጋፍ ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምሽቓልን ኣድህቦኡ ንምጥምዛዝን፡ ካብ ኣንጻር የመን ጀሚርካ ክሳብ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝኸፈቶን ከምዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘጸገም ማህሰይቲ ዘስዓበን ውግኣት ምዝርዛር ከይተገደድና ናይ ቀረባ መመሳመሲ ተረኽቦታት ምቕራብ ይከኣል። ናይ ኣሜሪካን እስራኤልን ናይ ጸጥታ ትካላት ብ2011 ኣብ ልዕሊ ግዝኣተይ ዕልዋ ተሊሞም ነይሮም ክብል ሰሚዕናዮ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ እታ ጁብኡ ትመልኣሉ ዝነበረት መንግስቲ ቐጠር፡ ኣብ ልዕለይ ትምህዞ ዘላ ኢሉ ዓሰርተ ነጥብታት ዝሓዘ ክሲ ዘርጊሑ። ኣብዚ ክሱ ዋላኳ ብዙሕ ዘይናቱ ሕብርታት እንተቐባብኦ ህላወ ተቓውሞ ኣብ ኤርትራ’ኳ ተኣሚኑ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ናይቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ቅልውላው ሰዳን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ብዘቕረብዎ እማመ ዝተሳዕሮ ሕነ ንምፍዳይ ብዝመስል መልክዑ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ውጥም ቅልቅል ክብል ምጅማሩ እውን ህዝብና ብውሽጣዊ ጉዳይ ሃገሩ ንኸይሓስብ ንምድህላሉ ዝመሃዞ እምበር፡ ካልእ ኣይኮነን። ኣብዚ ክንጸር ዝግበኦ ሓደ ጉዳይ ከምቲ “ደርሆ ነቅዩ ዘበራብር፡ ንርእሱ ምስተበራበረ እዩ” ዝበሃል እዚ ንገዛእ ርእሱ ምስ ህዝቢ ዘይተዓርቐ ሰብኣይን ጉጅለኡን፡ ንኽዘርጉ እምበር ንክዓርቁ ዘይገሹ ምዃኖም እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ እዚ ዕቡድ ሰብኣይ፡ ኣብዚ ዘራጊ ስረሓት ኮለል ክብል ዝውዕል፡ ካብ ስሩዕ ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃን ከባብያዊ ምትሕብባር ኢጋድን እንዳበኾረ ምዃኑ እዩ። መብኮሪኡ ምኽንያት ንጹር እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መገባእያታት ዘቕርብ ስብእና ዘየብሉ ንርእሱ ተናዒቑ ንሃገር ዘንዕቕ ፍንፉን ምዃኑ ነብሱ ይነግሮ ስለ ዘሎ እዩ። ከምቲ “ኣብ ጥቓ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋል ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብኣቶም ዝፈስስ ጸይቂ ተግባራቱ፡ ናይዚ ከባቢ መራሕቲ እውን ሎሚስ ጉዳይዚ ንህዝብና ደም ዘንብዕ ዘሎ ዲክታተር ፍጊዕ ከም ዝበሎም ምልክታት ንርኢ ኣለና። እቲ ፍጊዕ ምባል በቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ቅብጥሮት ሳጓታት እናሃበ፡ ዘመላኽዖ ዝነበረ መራሒ ኢትዮጵያ ምጅማሩ ከኣ የገርም።
እምበኣር እቲ ቀንዲ ጉዳይና ክፋእ እዚ ዲክታቶር ምዝርዛር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ደጊም ኣብ ቀረባ ይሃሉ ኣብ ርሑቕ፡ ኤርትራዊ ይኹን ዘይኤርትራዊ ጸይቂ ተግባራቱ ዘይተረደአ ኣካል ስለ ዘየለ። ንሱ እውን ድሕሪ ሕጂ ነብሱ ሓኹኹ ወይ ምኽሪ ለባማት ሰሚዑ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣትን ክሕደትን ክምለስ ኣይኮነን። ስለዚ ንሱ ህዝብና ንምድህላል ሕብሩ እንዳቐያየረ ክምህዝ እንከሎ ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ቁምነገር “ንሱስ ሕራይ ከም ቀደሙ እዩ፡ ንሕና ሰብ ፍሉይ ዋኒን ከ እንታይ ንግበር?” ዝብል ሕቶ ምምላስዩ ዝኸውን።
ኢሳይያስ መንዩ፡ ንምንታይከ ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ኣርዑት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይጽዕንን ኣብ ኣራዊታዊ ተግባራት ይዋፈርን፡ መፍትሒኡ ምውጋዱ ጥራይ ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ግቡእ ግንዛበ ረኺቡ እዩ። ግናዛበ ጥራይ ዘይኮነ ክንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ ዘየድመዐ ግብራዊ ምንቅስቓሳት ይካየድ ከም ዘሎ እውን ኣይኮነንዶ ንዓና ዋናታቱ ንህግዲፍ እውን ዝረኣዮ ዘሎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ነዚ ዲክታቶር ምስ ኩሉ ግናይ ምናዩ ሓጢጥካ ጉሒፍካ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ነጊሱ ህዝባ ንክርህዎ ዘኽእል ኩነታት ንክፍጠር ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኬድናዮ ዘለና ዘይንእስ ዕማም ይጽበየና ከም ዘሎ ከነስተውዕል ይግበኣና። ምስትውዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘስተውዓልናዮ ናይ ምትግባሩ ትብዓትን ተወፋይነትን ክንውንን ይግበኣና።
እቲ ክንሰግሮ ዝግበኣና ዘይሰገርናዮ፡ ምስጋሩ ስለ ዝኸበደ ዘይኮነስ፡ ንሕና ሰለ ዘይበቓዕናዮ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ራእይና፡ ትጽቢትናን ሸቶናን ሓደ ክነሱ፡ ኣብዚ ሓደ ዝገብረና ኣትኪልና ብሓባር ምቅላስ ከቢድ ኣይኮነን፡ ግና ኣይተግበርናዮን። ብዙሕነትና ህያብ ብምዃኑ፡ ሓቢርና ኣንጻር ህግዲፍ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ጠንቂ ዘይምትእምማን ከምዘይከውን ጌርካ ምምሕዳሩ ከቢድ ኣይኮነን፡ ግና ከምቲ ዝድለ ኣይራዓምናዮን። መስርሕ ቃልስና ብምዕራፋት ኣዋዲድና ቀዳምነታትና ሰሪዕና ምቕጻል ኣባና ዘይተጀመረ ዝከኣል ኣካይዳ እዩ፡ እንተኾነ ንሕና ኣይሰግርናዮን። ብሓፈሻ ንፍልልያት ኣብ ዝጸውር መስርሕ ሓድነት ክንጽመድ ዘይምኽኣልና ማእከላይ ነጥቢ ናይዘይምብቃዕና ኮይኑ ኣሎ ኢልካ ምጥቕላል ዝከኣል እዩ። ስለዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓብይ ዋኒን ነቲ ዝከኣል ክነሱ ዘይከልናዮ ክንክእሎ ምብቃዕ ይኹን።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እዚ እዋንዚ፡ ምናልባት ናይ ሓደ መስርሕ ናይ መወዳእታ ጫፍ “እዚ እዩ” ምባል’ኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዝለዓለን ዝመረረን ናይ ጭቆና ደረጃ እዩ ዝርከብ። እቲ ጭቆና ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራውን ዝወርድ ዘሎ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ንኹሉቲ ንመመላኽዒ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ስማዊ ትካላቱ ኣዕንዩ፡ ኣብ ደረጃ ውልቀ-ሰባዊ ገባሪ ሓዳግነት በጺሑ ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝበለሐ ናይ ጨቋንነት ኮረሻ ተወጢሑ መወዳእትኡ ብውድቀት ክዛዘም ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ ማለት እቲ ወጻዕን ተወጻዕን ዘራኽብ ገመድ እምብዛ ተሳሒቡን ተወጢሩን ምብታኹ ዘይተርፍ ምዃኑ ብብዙሕ ኣብነታት ምቕራብ ኣብ ዝከኣለሉ ደረጃ ከም ዘለና ዘመልክት እዩ።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ዝነበሮ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ ተጸንቂቑ እዩ። ህግዲፍ እውን ዋላኳ ኣፉ መሊኡ ብእዉጅ “ኣላሽ” እንተዘይበለ፡ ደጊም ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ልማዱ ንህዝቢ ኤርትራ ብምፍርራሕ ኮነ ዘይትግበር መብጸዓታት ብምእታው ዘዕሽወሉ መንገድታት ዕጽዊ ምዃኑ ኣብ ዝተረደኣሉ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ብዙሓት ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል። በብኹርንዑ ብዝህቢ ዝለዓል ሕቶታት ክምልስ ፍሑኽ ክብል ዘይምኽኣሉ፡ ብኣንጻሩ ካብ ንቡር ኣካይዳ ወጺኡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ኮንተይነር ምሕብኡ ናይ ተሰዓርነቱ ዓብይ መረዳእታ እዩ። ህዝቢ ብብዙሕ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት እንዳተሳቐየ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ፡ ታራ ተዓዛይባይ ምዃኑ’ውን ካልእ ናይ ስዕረቱ ምልክት እዩ።
እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ፍልልያት ክፍጠር እንከሎ መፍትሒኡ ብመንገዲ ሰዓራይን ተሰዓራይ ዘይኮነ፡ ኩልኻ ሰዓራይ ብእትኾነሉ ምውጋን ልሙድ ኣሰራርሓ ዝኾነሉ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ናይዚ መስርሕዚ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ከኣ ብዙሓት እዮም። እዚ ንክኸውን ግና ናይቶም መሪሕ ተዋሳእቲ ንኣብነት ኣብ ጉዳይና ህዝቢ ኤርትራን ገዛኢ ጉጅለ ህግዲፍን ካብቲ ዝተሰቐልካሉ ጫፋት ወሪድካ ኣብ ማእከላይ ናይ ሓባር ተረድኦ ናይ ምምጻእ ቅሩብነትን ምቕሉልነትን ክረአ ግድን እዩ። ናይ ሓደ ካብ ክልቲኦም ቅሩብነት ኣብ ዝበኾረሉ ግና “ብሓደ ኢድ ጥራይ ምጥቓዕ” ከምዘይከኣል ሓቢርካ ናይ ምዕዋት ዕድል ኣየጋጥምን። ብመንጽርዚ ክርአ እንከሎ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ማዕርነት፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ሕገመንግስታውን ብዙሕነታውን ዲሞክራስን ፍትሕን ፍትሓውነትን ክወሓስ ናብ ህግዲፍ ከቕርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ፡ ብሰንኪ ናይቲ ጉጅለ፡ ንዕቀት፡ ብደዐ፡ ትምክሕትን ድርቅናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኮታ ብሰንኪ ድሑር ኣተሓሕዛኡ ኣብ ጉዳያት፡ ክዕወት ኣይተኻእለን። ስለዚ ህዝብና እነሆ ኣብ መስርሕ ሰዓራይን ተሰዓራይ ክኣቱ ተገዲዱ ኣንጻርቲ ወጻዒኡ ይጠማጠም።
ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ተዓዊቱ፡ ርእሱ ኣቕኒዑ፡ እግሩ መሊኡ ዝረግጸላ፡ ኣፉ መሊኡ ዝዛረበላ ሃገር ክውንን ዘይተርፍ እዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ሕድሕዱ ዝነበረ ምፍርራሕ ተወጊዱ፡ ካብ ሰለይቲ ናይቲ ጉጅለ ዝነበሮ ስግኣት በኒኑ ብድፍረት፡ ኣፉ መሊኡ ኣብ ኣደባባያት ኣስመራ ከይተረፈ፡ ብትሪ ዝነቕፈሉ ዘሎ ህሞት ናይቲ ዘይተርፍ ስዕረት ህግዲፍ ዋዜማ ዘርኢ እዩ። ብኣንጻሩ ህግዲፍ ተሳዒሩ ርእሱ ዘድንነሉ ኩነታት ምምጽኡ ከምዘይተርፍ ብዙሓት ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። ህግዲፍ ኤርትራዊ ጉዳይ ምትንካፍ ፈሪሑ ንሓንሳብ ብዛዕባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ንሓንሳብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከኮማስዕ ዝውዕል ዘሎ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ከም እተሳዕረ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ቅድሚ ወጋሕታ ዘሎ ትስፉው ድቕድቕ ጸልማት ኢና ዘለና። እቲ ዝስዕብ ንህዝብና ዝበርሃሉ ንህግዲፍ ግና ንሓዋሩ ዝጽልምቶ ከም ዝኸውን ከኣ ክንተኣማመን ይግበኣና።
እንተኾነ ከምቲ “ክሳብ ዝሓልፍ፡ ትንፋስ የሕልፍ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ ክሳብቲ ዘይተርፍ ስዕረቱ ዝያዳ ከይልክም፡ ግዜ ውድቀቱ ንምቅልጣፍ ህዝብናን ዝተወደቡ ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ክፈጥርዎ ዝግበኦም ድፍኢትን ክኸፍልዎ ዝግበኦም ዋጋ ምኽፋልን ዘይስገር እዩ። ህግዲፍ ሎሚ ከምቲ ሰራውሩ ብፍልሖን ካልእ በላዒቶን ዝነቐጸን ዝቆንቆነን ኦም ዳግማይ ናይ ምጥጣዕ ዕድል ዘየብሉ፡ ፈጺሙ ጽቡቕ ዘይወጾን ናይ ለውጢ ንፋስ ዘይነፍሶን ንቑጽ ኣካል ኮይኑ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህዝብና እዚ ጉጅለ ተሳዒሩ ክውገድ እምበር፡ ናብ ልቡ ንክምለስ ፈጺሙ ክጽበዮ ዘይግባእ። ንህግዲፍ ናብ ልቡ ክምለስ ዘይምጽባዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ሰራውሩ ተበሊዑ ነቒጽዎ ዘሎ ደፊእካ ዓነው ናይ ምባሉ ሓላፍነት ኣብ ቅድምቶም ናይ ለውጢ ተጠቀምቲ ኤርትራዊ ወገናት ከም ዘሎ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ከምይነትን እንታይነትን ህግዲፍ ናይ ሓባር ሚዛንን ኣተሓሳስባን ወኒኑ እዩ። እቲ ኣብዚ መስርዕ ዘይኣተወ ከምቲ “ካብ ብሱል ጥረ” ዝበሃል ንጣር እዩ። “እሞ ከምዚ ካብ ኮነ ደኣ እንታይ ይገበር?” ዝብል ሕቶ ንምምምላስ እውን፡ ነቲ “ህግዲፍን ናይ ጭቆና ኣካላቱን ይወገዱ” ዝብል ከም ናይ ሓባር ማእከላይ መረዳድኢ ወኒንዎ እዩ። ኣብ ተካኢ ናይ ድሕሪ ህግዲፍ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ከኣ ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ሓሳባት የቕርብ ኣሎ። ነዚ ንምትግባር ከኣ መዓርፈኦምን ሸተኦምን ሕባራዊ ወጽዓ ምውጋድን ሃገር ዳግማይ ምህናጽን ኮይኑ፡ ብደረጃ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ተወዲቡ ሓይሉ ንምድልዳልን ኣተሓሳስባኡ ንምስጣምን ይቃለስ ኣሎ። እዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ቃልሲ መዛርዑ ዘርጊሑ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ነዚ ናብ ሓደ ሸቶ፡ ብዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝወፍር መዛርዕ ቃልሲ ኣረዳዲእካን ኣወሃሂድካን ሓያል ቀያሪ ዓቕሚ ከም ዘጥሪ ናይ ምኽኣሉ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ዘሎ ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ። ብመንጽር እዚ ሎሚ ነቲ “ከይረገምካዮ ርጉም” ጉጅለ ህግዲፍ ክንራገም ግዜ ነባኽነሉ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ክሳብ ክንደይ ከምቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ንኸውን ኣለና ንምፍላጥን ንምምዛንን ብሓላፍነታዊ ስምዒት ናብ ውሽጥና ክንቋመተሉ ኣብ ዝግበኣና ግዜ ኢና ዘለና። ናይ ህግዲፍ ቆንቊኑ ረይረይ ምባል፡ ናትና ድፍኢት እንተተወሲኽዎ ህዝብና ርእሱ ናብ ዘቕንዓሉ፡ ህግዲፍ ከኣ ርእሱ ኣድኒኑ ናብ ዘብቅዓሉ ደረጃ ምብጻሕና ዘይተርፍ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ዘይቅሱን ኩነታት ንክበጽሕ ብዝተፈላለዩ ምዕራፋትን ውረድ ደይብን እዩ ሓሊፉ። እቶም ዝሓለፎም ምዕራፋት ኩሎም ናይ ቃልስን ብደሆን ኮይኖም፡ ከከም ኣመጻጽእኦም ክምክቶምን ክስዕሮምን እዩ ጸኒሑን ዘሎን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ቃልሲ ዘጋጠምዎ ገዛእትን ጨቆንትን ከኣ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣንበርኪኽካ ናይ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታታን እስትራተጅያዊ ሰሓብነታን ተጠቃሚ ክትከውን ምድላይ ከም መሰረታዊ ጉዳይ ወሲዶም ኩሉ ዝከኣሎም ሰሪሖም እዮም። እንተኾነ ናይ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ተኸታተልቲ ገዛእቲ መደብ ተዓዊቱ ንኤርትራ ከምቲ ዝደለዮ ኣራጢጡ ዝገዘኣ የለን።
ገዛእቲ፡ መግዛእታዊ ሕልሞም ንምዕዋት፡ ነቲ መግዛእቲ ዘይቅበል ህዝቢ ንምንብርካኽ ዝተጠቕምዎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ጽላታት ጥራይ ዘይኮነ ረቀቕቲ ናይቲ ህዝቢ ልምዲ፡ ሕግን ባህልን ዝብርዙ ውዲታትን ፍሕሶታትን እውን ተጠቒሞም እዮም። ኣብ ሓደ እዋን ኤርትራዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ኣብ ሕጋውን ትምህርታውን መዳያት ከም ዝሃስሱ ዝተገብረ ዘይዕዉት ሃቐነ ናይዚ ኣብነት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ዘየናሕስን መንነቱ ዘጥፍእን ምዃኑ ኣደልዲሉ ምስ ተረደ፡ ካብዚ ዕንወትን ብርሰትን ንምድሓን ዝመረጾ መተካእታ ዘየብሉ መዋጸኦ በቲ ዝበለሐ ኣገባብ ምቅላስ ጥራይ ነይሩ። ናይቲ ከም መቐጻለታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዘይጐነጻውን ፖለቲካውን ቃልሲ ብ1961 ብረታዊ ቃልሲ ምጅማር ከኣ ምስጢሩ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ከቢድ፡ ግና ቀያሪ ቅዲ ቃልሲ ክነቅል እንከሎ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝኽፈል ዋጋ ከቢድ፡ ዝወስዶ ግዜ ከኣ ነዊሕ ምንባሩ ስሒትዎ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ነቲ ነዊሕ ግዜን ከቢድ ዋጋን ስኑ ነኺሱ ከፊልዎስ ንዋጋኡ መስዋእቱ ዝምጥን ዓወት ናጽነት ጨቢጡ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ንመስዋእቲ ጀጋኑና ኣብ መዓላኡ ዝወዓለ ሰማእትነት እዩ እንብሎን ነዚ መስዋእትነት ንዘራኽሱ እንኹንን።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ቃልሲ ናብ ናጽነት፡ ንዓኡ ጥራይ ዘይኮነ ንኻለኦት ምእንቲ መሰሎም ክቃለሱ ዝግበኦም ኣህዛብ ኣብነት ዝኸውን ግዜ ዘይስዕሮ ናይ ጽንዓትን ትብዓትን ተመኩሮ ኣመዝጊቡ እዩ። ብድምር ከኣ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ከም ዝከኣል ዘመስክስረ ጽኑዕ ህዝቢ” ዝብል ኣኽሊል ጽንዓት ደፊኡ። ኣብዚ ምዕራፍ ቃልሲ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ንብዝሒ ሰራዊትን ዘመናዊ ዕጥቅን ዓበይትን ሓያላትን ኢና ንዝብሉ መንግስታት ከይተረፈ፡ ብጽንዓትን ትብዓትን ብምስዓሩ ስሙ ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ከይተረፈ ገኒኑን በሪኹን ሰፊሩ። ካብዚ ፈሊኻ ዘይረአ ግና ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ጅግንነት ክፍጽም እንከሎ፡ “ጽባሕ ድሕሪ ናጽነትከ እንታይን ከመይን ክንገብር ኢና?” ዝብል ተረድኦኡ ምስቲ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ብቕዓቱ ይመጣጠን ከምዘይነበረን ሕጂ ዋጋ የኽፍሎ ከም ዘሎን ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ።
ደራሲ መጽሓፍ ሃገረይ ኤርትራ፡ ካብ 2000 ክሳብ 2012 ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ፡ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኪዳነ ውሉደ-ኳንድባ፡ ኣብ መጽሓፎም፡ “ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ናጽነት ኤርትራ ንከምጽእ ክቃለስን ክስዋእን ዝብል እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ድሕሪ ምምጻእ ናጽነትና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት እንታይ ክግበር ከም ዝኾነ ብንጹርን ብዕምቆትን ፈሊጡ ዝቃለስ ተጋዳላይ ህግሓኤ ዳርጋ ኣይነበረን እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣበሃህላ ኣይኮነን” ብዝብል ኣስፊረምዎ ኣለዉ።
ብኣንጻርዚ ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ውፉይ፡ ተባዕን ኩለ-መዳያዊ ተሳታፍን ክኸውን፡ ድሕሪ ናጽነት ግና ፈራሕ፡ ምእዙዝን ከም ድላዩ ዝዕንድረሉን ግኡዝን ንክኸውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣድብዩ ተንኮላት ይምህዝ ከም ዝነበረ ንምግላጽ፡ እዞም ኣቐዲምና ስሞም ዝጠቐስናዮ ሎሚ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ተባዕ ደራሲ፡ “ድሕሪ ናጽነት ፍረ ናጽነት ኤርትራ ምእንቲ መሊኡ ከይምቅር፡ ኣቶ ኢሳይያስ ከም ኣመሉ ንናይ ሰራዊት ይኹን ናይ ሲቪል ላዕለዎት ሓለፍቲ እናመቓቐለ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ክኽእል እሞ ንኤርትራ ብዘየዳግም ንከዳኽማ ዘኽእሎ ዕድል ክረክብ ሃቂኑ” ዝብል ብሱል ትዕዝብቶም ኣስፊሮም ኣለዉ።
ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘርኣዮ ንድሕሪት ዘይብል ተሳትፎን ተወዳዳሪ ዘይነበሮ ትብዓትን ፍቕሪ ሃገርን ክርእአ እንከሎ፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነትና ግና ነኪዩ ኣሎ። ነክዩ ክንብል እንከለና ነቲ ምእንታኡ ዝተቓለሰሉ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ሕገመንግሳታዊ ስርዓትን ማዕረ ተጠቃምነት ጸጋታት ሃገርን ኣዋዲቕዎ ማለትና ዘይኮነ፡ በቲ ብግቡእ ተወጢኑ ብህግዲፍ ዝስረሓሉ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምድንዛዝን ምክፍፋልን ውዲት ተሃስዩን ክልተሻዕ ተራእዩን ንምባል ዝኣክል እዩ። ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብዚ መዳይዚ’ውን “ሓቂ ስለ ዝኾነ ብዘይቃለ-ዓለምን ብጋህድን ክብሎ፡ ህዝብና ብሓፈሻኡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዘለዎ ንቕሓት ትሑት ኮይኑ ረኺበዮ” ይብሉ። ምስዚ ኩሉ ግና ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብኢሳይያስ ዝመሃዝ ዘሎ ልኡላውነት ናይ ምሕሻሽ ውዲታት ከምዘይዕወት ንምብራህ እዞም ዝጠቐስናዮም ተባዕ ደራሲ “ታሪኽ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናይ ኢሳይያስ ዓይነት ሕሱራት ጸወታታት ንኽዕወቱ ዲልን ዕድልን ኣይህብን እዩ” ብዝብል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕጸፍ ጽንዓትን ዘይተርፍ ዓወትን ንምግላጽ ኣስፊረምዎ ኣለዉ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተቓለሰ፡ ኣንጻርቲ “መግዛእቲ” ዝብል ሓፈሻዊ ቃል ዘይኮነ፡ ኣንጻር ኩሉ እቲ ገዛኢ መንዩ ብዘየገድስ ምስኡ ተሓዚሉ ዝመጽእ ጥልመታትን ግህሰታትን እዩ። ወረ ህዝቢ ኤርትራስ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝወርዶ ዝነበረ እቲ ካብ ባዕዲ ዝተጸበዮ እዩ። ከምቲ “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ዝበሃል ደኣ፡ ብመስዋእቱ ኣብ ዘውሓሳ ሃገር፡ እሞ ኣብቲ ቃልሲ “ናትካ ኢና” እንዳበሉ እቲ ግናዮም ሓቢኦም ብልኡም ቃላት ክሽህጥዎ ብዝጸንሑ ወገናት፡ ካብ ናይ ግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝገደደ ጭቆና ክወርዶ እንከሎ ግና ዝያዳ ከምዘጉህዮን ከም ዝመሮን ፍሉጥ እዩ። መፍትሒኡ ከኣ ከምቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ትስፉውን ጽኑዕን ኮይንካ ምቅላስ ጥራይ እዩ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና እቶም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኤርትራ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ከም ዝከኣል ዘመስከረ ጽኑዕ ህዝቢ” ኢሎም ዝነኣድዎ፡ ተመሊሶም “ህዝቢ ኤርትራ ሎምስ ክልተሳብ ተራእዩ” ኢሎም ክሓምይዎ እዮም።
ርእሰ-ዓንቀጽ
ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኣበራቱ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ካብቲ ኣበራቱ እቲ ቀንዲ ከኣ ናቱ ኣቐሚጡ ደገደገ ከመዓዱ እምበር፡ ውሽጡ ክርኢ ዘይተዓደለ ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብዛ ለዋህ ናይ ኢዳ ዘይረኸበት ሃገርና ንዘጋጥም ጸገማት፡ ቀሪቡ ክፈጥሕን ከማሓድርን ዘኽእል ብቕዓትን ትብዓትን ስለ ዘየብሉ፡ ንዓኡ እቲ ዝቐለለ መዋጸኦ ነቲ ጸገማት ምሕባኡ ወይ ናይ ሓሶት ግዳማዊ ተሓታቲ ምፍጣር እዩ። ናይዚ ሸንኮለል ቀንዲ ዕላማ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ዝርኢ ብናይ “መጹና መጹኻ” ልብወለዳዊ ኣውያት ተሰናቢዱ፡ ነቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳዩ ኣወንዚፉ፡ ናብ ግዳም ከም ዝቋመት ንምድፋኡ እዩ።
ጉጅለ ህግድፊ ከምዚ ዝኣመሰለ መዳህለሊ ውዲት ክምህዝብ እንከሎ፡ ብሃታሃታን ገርህን ዘይኮነ፡ ኣብ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ይረክብ እዩ ዝብሎ፡ ዛዕባ መሪጹ እዩ ኣብኡ ዘትክል። ንኣብነት እቲ “ብደገ መጸና” ኢሉ ኣሰይጥኑ ዝስነዖ፡ ንህልውና ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቕ ገይሩ ይስእሎ። ነዚ ንምዕዋት ከኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብጉዳይ ሃገሩ ኣብ ጽመጾ፡ ዓይኒ ዘይሓሲ ምዃኑ ንሓያሎ ግዜ መዝሚዝዎ እዩ። እዚ ጉጅለ ቀልቢ ህዝቢ ንምቕያር ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ናይ ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ህይወት በሊዑ። ብዙሓት ብዛዕባዚ መዳህለሊ ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ ናይ ቀረባ ምክትታልን መጽናዕትን ዘካየዱ ወገናት ከም ዝምስክርዎም፡ ብሓላፍነትን ብልቦናን እንተዝተሓዙ፡ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን ዕሸላት ዝወሓጡ ውግኣት፡ ህግዲፍ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምቕያር ኮነ ኢሉ እንተዘይጥቀመሎም፡ ብዘይ ደም ምፍሳስ ክውገኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ውግኣት እዮም። ንኣብነት ህግዲፍ ንዝተወሰነ ግዜ ውግእ ኣሳዊሩ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ምስተጠቕመሎም፡ ምስ የመንን ኢትዮጵያን ዘጋጠመሙ ጸገማት ናይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም እዮም ተበይኖም። ኣብ ክልቲኡ ተመኩሮታት ከኣ ህግዲፍ ጻሕታሪ ከም ዝነበረ ብሳልሳይ ኣካል ተረጋጊጹ’ዩ። መስርሕ ቤት ፍርዲ ብዘይውግእ ክብጻሕ ይኽእል ዝነበረ መዕለቢ እዩ።
ህግዲፍ ኣቓልቦ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ናብቲ ቀንዲ ጉዳዩ ናብ ደገ ከም ዝርኢ ዝምህዞ ተንኮላት ስምዒታውን ቀጻሊ መሰረት ዘየብሉን ብምዃኑ፡ እቲ ሓደ ምስምስ ክበልዮ እንከሎ ካልእ ክምህዝ ናይ ግድን እዩ። ከም መፈራርሒ ዝጥቀመሎም ጸላእቲ ዝብሎም፡ ደሓር ከድልዮ እንከሎ ብርኮም ስዒሙ ዝተዓረቖም ናይ ሓሶት ጸላእቲ ከምኡ ብዙሓት እዮም። ምምሕዳር ዋሽንገትን፡ መንግስቲ ወያነ፡ ሃገራት ዓረብ፡ ምዕራባዊ ዓለም በብግዜኡ እንዳቐያየር ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ኣካላት እዮም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ቀልቢ ህዝቢ ስሒቦም ይኽውሉኒ እዮም ዝብሎም፡ ከም ማዕቀብ፡ ምጥራር ዶብ፡ ምጉስጓስ መንእሰያት ሃገር ገዲፎም ንክስደዱ፡ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ብዙሕ ሸቂጥሎም እዩ። ሎሚ ግና ነቲ ንሱ ዝቃወሞ ዝነበረ ባዕሉ ክርዕሞ፡ ነቲ ዝድግፎ ዝነበረ ከኣ ባዕሉ ክጸልኦን ክረግሞን ምስ ጀመረን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ከዓቦን፡ ሓድሽ መኸወሊ ኣጀንዳ ክፈጥር ኣብ ዝተገደድሉ እዋን ኣሎ።
ድሕሪ ደጊም ግና ንህዝቢ ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር፡ ንሓዋሩ ምዕሻው ስለ ዘይከኣል፡ እቲ “ኣተሓባባእ” ከምቲ ናይ ቅድም ኣይክቐሎን እዩ። ደጊም ህዝቢ ኤርትራ “ደርጓዕ” ስለ ዝሰምዐ ጥራይ ናይ ህግዲፍ መዳኸሪ ክኸውን ኣይኮነን። እቲ በብኹርንዑ ዝስማዕ ዘሎ “ሓቂ መሲሉናባ ተዓሽና ጸኒሕና” ዝብሉ ናይ ጣዕሳ ድምጽታት ውጽኢት ሃብታም ተመኩሮ ኣብቲ ጋዕጋዕ ኣካይዳ ህግዲፍ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል ህግዲፍ ካብ ተመኩሮ ዝመሃር ሕልና ስለ ዘየብሉ፡ “ኮንደኾን ይኾነለይ” ብዝብል ሓድሽ ቅዲ መታለልን ሓድሽ ጸላእን ካብ ምዕዳግ ከቶ ዓዲ ኣይክውዕል እዩ። ኣብዚ ለንቅነ “ብ2011 ኣብ ልዕለይ ዝተማህዘ ዕልዋ ነይሩ” ዝብል ብላይ መዝገብ ክገናጽል ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብዚ “ምስጢራዊ” ተባሂሉ ተሰኒዑ ቀሪቡ ዘሎ ብውሽጢ እንዳሓዘንካ ብደገ ዘስሕቕ ሰነድ፡ ብዙሓት ሓሳባት ሰፊሩ ኣሎ። ህግዲፍ “ስለምንታይ ደኣ ኣብቲ እዋኑ፡ ብዛዕባዚ ሲኣይኤ ወዲበምዎ ዝበሃል ዘሎ ፈተነ ዕልዋ ንህዝቢ ዘይሓበርካ”? ተባሂሉ፡ እንተ ዝሕተት እንታይ መመለሰ እንድዒ። ኣብቲ ጥዕናኡ ዘይተፈልጠ ሰነዱ፡ ወዮ ኤርትራዊ ዋኒኑ ወዲኡስ፡ ዞባዊ ጉዳያት ክዓምም ከም ዝኾነ ክፍክር ጀሚሩ ዝነበረ ጉጅለ ብኬንያ ጀሚሩ ጉረባብቲ ጸላእቲ ሃገራት ክኸስስ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሓደ ገጽ ናይቲ ጸላኢ ናይ ምዕዳግ ሕዱር ባህሪኡ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ “ብመንገዲ ኬንያ ኣቢልካ ናይ ሃይማኖት ሰባኺ ኣዋፊርካ ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ሓደ ናይ ምግባረን ፈተነ ነይሩ” ዝብል ክሲ ኣብዚ ናይ ድሮ ሞት ምምጽዳቕ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።
እዚ ጉጅለ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተጠሊዑ ኣብ ብዙሕ ኢትዮጵያዊ መድረኻት ነቲ ''ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኣብ ባይታ ከይተመልከተ፡ ዘተ ዝባሃል ዘይሕሰብ እዩ'' ኢሉ ንሓያሎ ዓመታት ዝገዓረሉ ጠንጢኑ ጐረርኡ ክሳብ ዝደርቕ፡ ''ቀዳማይ ዕማምና፡ ውሽጣዊ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ምርግጋጽ እዩ፡ ንዶ/ር ኣብይ ንስኻ ክትመርሓና ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፡ ንቓል ዓለም ዝዛረቦ ዘሎኹ ኣይኮነን፤ ንዓኻ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ እዮም፤ ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብል እንተሃልዩ፡ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጥ እዩ'' ክብል ከም ዝጸንሐ ዘንጊዕዎ ማለት ድዩ። ስለዚ ነዚ ኣቐሚጥካ፡ ነቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደ ናይ ምግባር ፈተነ፡ ናብ ቀሺዶ ናብ ሸኽ፡ ናብ ሲኣይኤዶ ሞሳድ ዘላግበሉ ምኽንያትከ ከመይ እዩ። ምናልባ ነቲ ንሱ ገጽ ምስ ኣርኣዮ ኣብ ዕላዊ መድርኽ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት “ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ክንደኦም ኮይነ ቃል ክህብ ወኪሎምኒ ስለዘለዉ፡ ናይ ክልቴና ብሓደ ጠሚረ ከቕርቦ እየ፤ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ደረጃ ምውኽኻል በጺሑ ስለዘሎ እንኳዕ ደስ በለና'' ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ውላ ከምቲ ኣመሉ ተሰልቢጡ እንተዝኸሶ’ኳ ቁሩብ መመልከዓሉ። እንተኾነ ኢሳይያስ ኣብ ከምዚ ጉዳያት መልሲ ክህብ ዘኽእል ሞራልን ድፍረትን ፈጺሙ የብሉን።
ስለዚ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ፡ እንተ ኢሳይያስ፡ ሓደ ተንኮል ክፍተሖ እንከሎ ካልእ ተንኮል ካብ ምእላም ዓዲ ክውዕል ዕደ። ንሕና ከም ህዝዝብ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ግና፡ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና መንገድና ክንሕዝ ክንበራበር እምበር፡ ህግዲፍ ኣብ ዘዝሃንደሰልና መንገዲ ጥፍኣት ክንነብር ከምዘይብልና ሰዲህኤ ብኣጽነኦት የዘኻኽር።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎን ዝሓልፎ ዘሎን ኩለ-መዳያዊ ህይወት፡ ነጸብራቑን ስንብራቱን ኣብ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ እዩ። እዚ ርዱእ ኮይኑ፡ ከምቲ ወለድና “ኣብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ፡ ኣብ ርእሲ ዘለካንከ እንተዝህቡኻ” ዝብልዎ እምተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ዝሓለፈ፡ ዘሎን መጻእን ጉዳዩ ኣይፈልጥን እዩ ካብ ዝብል ኣይኮናን መዘኻኸሪ መልእኽቲ ክንሰደሉ ዘንቀድና።
ኤርትራን ህዝባን “ሕማመይ ሕማምካ፡ ቅሳነተይ ቅሳነትካ” ዝበሃሃሉ እምበር፡ ሓዲኦም ክሳቐ እንከሎ እቲ ካልእ ዝቐስነሉ፡ ፈላሊኻ ዝረአ ተመኩሮ የብሎምን። ህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ሃገሩ እዩ። ሃገሩ ክፈቱ እንከሎ ከኣ ምስ ልኡላውነታ፡ ናጽነታን ህዝባን እምበር፡ ስማዊ ኣፈታትዋ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሃገር ማለት ሩባ፡ ኩርባን ጐልጐልን ብዘይህዝቢ፡ ወይ ህዝቢ ብዘይ ተነጺሩ ዝተኸለለ መሬታዊ ክሊ ማለት ከምዘይኮነ ስለ ዝርዳእ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ህግዲፍ ህዝቢ እንዳብረሰ፡ ፈታዊ ኤርትራ መሲሉ ንምቕራብ ዘካይዶ ዝነበረ ፈተነ ዘይተቐበሎ። ኣብ ክሳብ ናይ ሕጂ ጉዕዞ ቃልስና ህዝብና “ሃገረይ ወይ ሞት” እንዳጨረሐ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ኣብዚ ሎሚ ኣብ ናጻ ሃገር ኮይንካ ክትዝክሮ እንከለኻ ምእማኑ ዘጸግም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ነዊሕ፡ መስተንክራዊ ቃልሱ ምእንቲ ናጽነት፡ ንኹሉ ብጸላኢ ዝወርዶ ዝነበረ ተጽዕኖን ጸቢብ ምቁጽጻርን ተጻዊሩን ገጢሙን፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ምምሕዳራውን ሰብኣውን መዳያት ታሪኽ ዘይርስዖ ዋጋ ከፊሉ እዩ። ዝኸፈሎ ዋጋ ግና ከንቱ ኣይተረፈን፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝኣክል መሰረታዊ ዓወት ጨቢጡ። እንተኾነ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘመግዝገቦን ንቃልሲ ክብገስ እንከሎ ዝዓለሞን ጋና ከምዘይመጣጠን ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ባዕሉ መስካሪ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ “ኤርትራ ኣይኮነንዶ ህዝባ እምና’ውን ይዋጋእ” ዝብል ናይ ጽንዓት መግለጺ ሒዙ ክጽዕት እንከሎ፡ ኣንዊሑ ዝጥምት ሕልሚ እዩ ነይርዎ። ሕልሙ ንጹር እዩ ነይሩ። ብዋጋ ደሙን ረሃጹን ዝተረኽበት ኤርትራ ንብዓታ ብደቃ ዝሕበስ እምበር፡ ተመሊሳ ዘይትነብዓሉ ውሑስ ኩነታት ምፍጣር ትጽቢቱ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕልሙ ንምውሓስ ናይ ካልእ ኢድ ከይተበጸበየ፡ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተኣማሚኑ ብጽፍሩ እዩ ተቓሊሱ። ኤርትራ ከኣ ቀዳማይ ምዕራፍ ሕልማ ተጋሂዱ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይና። እቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ንኤርትራ ዘተኣማምን ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ናይ ምልባሳ ዕማም ግና ብኸምቲ ብዝህቢ ኤርትራ ትጽቢት ዝተገብረሉ ክረጋገጽ ኣይከኣለን። እዚ ክሳብ ሕጂ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣጸጋሚ ክኸውንን ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቓን ዘይተገመተ ነይሩ ዘይተገመተሉ ምኽንያት ከኣ፡ “ደቃ ኢና” ዝብሉ፡ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ቃልሲ ህዝቢ ጨውዮም ስልጣን ዝሓዙ ውሑዳት ከም ገዛእቲ ኣይጭክኑን እዮም ዝብል የዋህ ግምት ስለ ዝነበረ እዩ። እንተኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ልዕሊ ባዕዳውያን ወጻዕቲ ኮይኖም። ህዝቢ ኤርትራ ባዕዳውያን ዘንብዕዎ ንብዓት ሓቢሱስ ዳግማይ ብደቁ ክነብዕ ምርኣይ ከኣ ዘሕዝንን ዘገርመን ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ዝበሃ ከኣ እዚ ዳሕረዋይ ንብዓት ዝያዳ ዘሕዝን እዩ።
ቃልሲ ኤርትራ ካብ ቅድም እቲ ካልእ ኣበርክቶታት መመላእታ ኮይኑ፡ ናይ ህዝባ እዩ። እቲ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ዝመጽእ ለውጢ እውን ብህዝቢ እዩ። እቲ “ለውጢ ኣብ ኤርትራ ካብ ውሽጢ ብህዝቢ ዝመጽእ እዩ” እንብሎ ከኣ ነዚ ንምዕዛዝ እዩ። ህዝብና ለውጢ ከምጽእ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣጸጋሚ ኩነታት ይጥለብ ከምዘሎ ይርደኣና እዩ። እንተኾነ እዚ ዘሎ ጸገም ነቲ ለውጢ ናይ ምምጻእ ሓላፍነትን መስርሕን ከኽብዶን ከደናጉዮን እምበር፡ ከቶ ክዓግቶስ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ሓይሊ ህዝቢ ጠጠው ዝብል የለን። እዚ ኣብ ቀረባ ጐረባብትና ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ እምበር ኣብ ኤርትራ ዝጅመር ሓድሽ ቅዲ ኣይኮነን።
ኣብ ኤርትራ ከም ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ዝፈኩስ ዘሎ ሓይሊ ህግዲፍ፡ ካብ ዝልለየሉ ባህርያት ሓደ፡ ብሓያልነትን ወሳንነትን ህዝቢ ዘይኣምን ምዃኑ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ንጸገማት ህዝብና ቅጭጭ ከይበሎ ርእዩ ከምዘይረኣየ ዝሓልፎ፡ ንኣውያቱ እውን ጸማም እዝኒ ዝህቦ። እዚ ንወሳንነትን ርዝነትን ህዝቢ ትርጉም ዘይህብ ጉጅለ፡ ኤርትራ ክትበርስን ክትባድምን እምበር ክትስስን ከምዘይደሊ ብዙሕ ምልክታት ኣርእዩና እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ ዝገብሮ ድፍኢታትን ኣብቲ መስርሕ ዘካይዶ ንግድን ከም ሓደ ኣብነት ዝውሰድ እዩ። ስለዚ መንእሰያት ዓዲ ክገድፉን ወለዲ ነዚ ተግባር ከተባብዕዎን እንከለዉ ኣንጻር ህግዲፍ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ክርድኡ ኣይግባእን። ህግዲፍ እሞ ኤርትራ ናይ ምብራስ መደቡ ኣዕዊቱ እዩ ብኩርምቱ ዝስሕቕ።
ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ንለውጥን ፍትሕን ዝቃለሱ ኣብ ኤርትራ ይኹን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣካላቱን፡ ኤርትራ ንምድሓን ኣብ ቅድሚኦም ዘላ ምርጫ ሓንቲ እያ። ንሳ ኸኣ ተቓሊስካ ንህግዲፍ ምውጋድ’ያ። እቲ ክሳብ ሎሚ ዘካየድናዮ ቃልሲ ክንድቲ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተዘየድመየ ዝመኸነ ኣይኮነን። ሎሚ ህግዲፍ ደሓን ከምዘሎ መሲሉ ክቐርብዩ ዝፍትን ዘሎ እምበር ደሓን ኣይኮነን። ሓደ ጉዳይ የልዕል ሓደ ነገር ይወድቆ። ምስቲ ሓደ ይዕረቕ ምስቲ ካል ይበኣስ። እቲ ቀንዲ ስዕረቱ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሕልና ህዝብና ተሓጢጡ ምውጻኡ እዩ። ሎሚ ብስዉር ድዩ ብግሁድ ንህግዲፍ ዝረግም እምበር “ደሓን እቶ” ዝብል ኤርትራዊ ሕልና የለን። እዚ ማለት ግና ኣብቲ ዝድለ ዓወት ህዝቢ ንምብጻሕ ንህዝብና ኮነ ንዓና ዝጽበየና ዘሎ ቃልሲ ቀሊል’ዩ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ነዊሕ ዝተጐዓዝናሉ ቃልሲ ኣብ መወዳእቱ ንምብጻሕ ከኣ ብሩህ ተስፋ ሰኒቕና ብዘይምቁራጽ ክንቅጽሎ ናይ ግድን ምዃኑ ንህዝብና ከም ወትሩ ነዘኻኽሮ።
ዝብእስያ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ፡ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ ድዩ ዝበሃል”
Wednesday, 16 October 2019 13:02 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋንዚ ንኹሉ መሰላት ህዝብና ጓዕጺጹ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘይኮነስ፡ ዝገዝእ ዘሎ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ገበነኛ እዩ። መን ይፈልጥ ኣብ ቅድሚ ካለኦት ንዓቶም ብዝኽድሞ ሰይጣን ዘይኮነ መልኣኽ መሲሉ ይሰኣል ይኸውን። እቲ ብገለ ጉዳይ ኤርትራ ውራዮም ዘይኮነ ወገናት ዝትኮበሉ መዳልያታት ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ንሕና ንዲክታቶር ኢሳይያስ “ዕሉል ገበነኛ” እንብሎ ብስምዒትን ጽልእን ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ብሰንኩ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ፡ ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ ኢና።
ኢሳይያስ ብቁንጣሮ “እንተለና ምስኡ፡ እንተሞትና ምስኡ” ዝመዝምሮም ድኑሳት ተሰንዩ፡ ብዘይ ሕገመንግስቲ ዝገዝእ፡ ሕድርን መስዋእትን ኤርትራውያን ዝጠልም፡ ድምጺ ህዝብና ይሰማዕ ንዝበሉ ዝኣስርን ዝስውርን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ዝገፍፍ፡ ናይ ዜጋታት ዝመረጽዎ እምነት ናይ ምስዓብ መሰል ዝነፍግን ብሰንክዚ ብዙሓት ዝኣሰርን ዝሕይርን፡ ንውልቃዊ ትዕቢትን ጉጅላዊ ረብሓን ልዕሊ ሕጊ ዝሰርዕ፡ መወዳእታ ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ዘዘውትር፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰል ህዝቢ ዝግህስን ካብዚ እኩይ ተግባራቱ ንክወእ ንዝተገብረሉ ዓለም ለኻዊ መጸዋዕታ ዝነጽግ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ዓዶም ከይቅበሩ’ውን ዘይፈቅድ፡ ብኤርትራውያን ግዳያት ሓደጋ ባሕርን ምድረበዳን ዝባጩ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ኣብ ድሑር ኣተሓሳስባ ምፍዳይ ሕነን ቂምን ዝነብር፡ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ብዛዕባ ጽባሕ ዘይኮነ ብዛዕባ ትማሊ ጥራይ ዝሓስብ ድንዙዝ እዩ። ስለዚ ንዲክታቶር ኢሳይያስ “ዕቡድ” ዝውሕዶ እምበር ዝበዝሖ ኣይኮነን።
ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብውሽጣዊ ንቕሎኡ ዘይኮነ፡ ብግዳማዊ ተልእኾ ብዝተሃንደሰ ወዘኽዘኽ ተሰንዩ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝተዓርቀ ዘምስል፡ ሓድሽ ምስሊ ሒዙ ከውደኽድኽ ተኸታቲልናዮ ኢና። ምክትታል ጣራይ ዘይኮነ ኣዕሚቑና እውን ተዓዚብናዮ። ተግባራት ኢሳይያስ ኣብቲ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ርክባቱ ዘርኣዮ ክሳብ ብነጻነት ኤርትራ ምጥዓሱ ዘመልክት ምንቅስቓስ ዝተገረሙ ወገናት ብዙሓት እዮም። ምስቲ ፍኹሰቱን ካብቲ ንልኡላውነት ኤርትራ መጢጡ ህዝቢ ኤርትራ ከዕሽወሉ ዝጸንሐ መርገጹ ሃንደበት ሸታሕ ምባሉን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገሪምዎ፡ ኣሻቒልዎን ኩነታት ናበይ ገጹ ይምዕብል ከምዘሎ ክርዳእ ኣኽኢልዎን እዩ።
ኢሳይያስ በዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ክንዲ ዝሓፍር፡ ብጹእ መሲሉ ክቐርብ ዝፈተነሉ፡ እንተኾነ ዕዳጋ ዝሰኣነሉ ኩነታት ክንዕዘብ ጸኒሕና ኢና። ንኣብነት ናትካ ዕዮ ገዛ ከይዓመምካ ናይ ዞባና ኣታዓራቒ ክትከውን ምህቃን። እንተኾነ ሓሓሊፎም ኤርትራዊ ዛዕባ ዘይኣጀንዳኦም ወገናት፡ ከሻህርትዎ ኣይጸንሑን ማለት ኣይኮነን። ግደ ሓቂ ግና ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ኣብኡ ደኣ የብጸሓና እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝሕተት ብናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ንጹህ ደም ዝተሓጽበ ገበነኛ እዩ።
ከምቲ ወለድና “ ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ፡ ንሓመድ ድጉሪ የውጸኦ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ናይ ከባቢና ኣጀንዳ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ዓመተ-2019 ናይ ሰላም ኖበል ተዓዋቲ ምዃኖም እዩ። ንኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ብመንጽር ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት፡ እዚ መዓርግዚ “ይምልከቶ ድዩ ኣይምልከቶን” ኣብ ኢትዮጵያውያን ውዑይ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ነዚ ኖበል ዝሃበ ኣካል እውን፡ እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ነዚ ዝበቕዑ ክሳብ ሕጂ ብዝሰርሕዎ ዘይኮነስ፡ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ንክሰርሑ ንምትብባዕ እዩ ብዝብል ስኽፍታኡ ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ዝርካቡ ነዚ መዓርግ ዘብጸሖም ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ህሞት ምጥሓሶም ምዃኑ ክግለጽ ሰሚዕና ኣለና፡
እዞም ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዝገበርዎ ኣስተዋጸኦ ነዚ የብቅዖም ድዩ ኣየብቅዖም ንግዜኡ ንኢትዮጵያውያን ንግደፎ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን “ዝብእስ ኣብ ዘይዓዱ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል” ዘብልን ግና፡ ገለ ኤርትራዊ ሓልዮት ኣዝዩ ዝረሓቖም ኤርትራውያን፡ “ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ዝዕጾን ዝኽፈትን ዘሎን መጻኢኡ ዘይፍለጥ፡ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ዝተቓልዕሉ፡ ሓድሽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣበርክቶ ኣለዎ። ስለዚ ከምቲ ኣብ 1979 ንግብጻዊ ፕረሲደንት ኣንዋር ኣልሳዳትን እስራኤላዊ ቀዳማይ ምኒስተር መናቸም በጊን፡ ኣብ 1994 ድማ ኣቦመንበር ውድብ ሓርነት ፍልስጥኤም ያሲር ዕራፋትን እስራኤላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢሳቕ ራቢንን ብሓባር ዝተዋህበ፡ ኣብዚ ናይ 2019 ከኣ ኢሳይያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ክማቐል ይግበኦ ነይሩ ክብሉ ይደናደኑ ኣለዉ።” ከምዚኦም ዝኣመሰለ ድምጺ “ዓይኖም ብጨው ካብ ዝተሓጽቡን ሕንኮም ዝቐንጠጡን” ኤርትራውያን ምስማዕና እምበኣር ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ንሕናን ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን እንቃለስ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያን ተጣበቕቲ ፍትሕን መሰረታዊ መሰላትን ግና፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ናይ ሰላም ኖበል ክስለም ዘይኮነስ፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ቀሪቡ ክፍረድ ኢና እንጽበን እንቃለስን። ንጹህ ደም ኤርትራውያን ፈሲሱን መሰሎም ተገፊፉን ስለ ዘይተርፍ ከኣ፡ እዚ ከም ዝኸውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ዝዘራእካዮ ክትሓፍስ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ።
ኢሳይያስ እቲ ከምስል ዝብሎ ዝነበረ ቃሉ ዓጺፉ፡ ልዕሊ ክብሪ ኤርትራ ብሕታዊ ረብሓኡ ክብሩን ኣቐዲሙን፡ ቃል እስትራተጅያዊ ተረባሕቲ ለኣኽቱ ከየዕብር፡ ኢዱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘርጊሑ ኣብ ኣስመራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ፡ ፍሽኽታን ዕልልታን ብክልቲኡ ኣእዳዉ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ ኣርእዩ። ሰላም ዝጸምኦ ህዝብና ከኣ ነቲ ወትሩ ዘይእመን ጠላም ዲክታቶር ኣሚኑን፡ ሓቂ መሲልዎ፡ ኣጣቒዑን ዓሊሉን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ኢሳይያስ ዝድርጐሖ ቅድም ናይ ስምዒት ዝመስል ዝነበረ፡ ደሓር ግና ናይ ልቡ ምዃኑ ኣፉ መሊኡ ዝረጋገጾ “ክድዓት” ኣየቕለበሉን። ሕጂ እውን ኣብ ክንዲ በዚ ገበኑ ክሕተተሉ ምቅላስ፡ ኢሳይያስ ያኢ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ክኸውን ጭልም ዝብሉ ኤርትራውያን ምህላዎም ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እንተ ኢሳይያስ ሎሚ ገበነኛ ምዃኑ ዓለም ብዓለማ ስለ ዝፈለጠቶ፡ ብቕኒት “ዝብእስያ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ፡ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ዝሕበኣሉ ዕድል ዕጹው እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ሰዲህኤ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።” (ካብ ፖለቲካዊ ውሳነታት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወስደ)
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ነባራት ናይ ግዜ ናጽነት ተጋደልትን ደሓር ዝተሰለፉ መንእሰያትን ዝቖመ እዩ። ነዚ ንምንጽብራቕ እዩ ከኣ “ይከኣሎን ዋርሳይን” እንዳተባህለ ዝጽዋዕን ዝዝመረሉን። እቲ ይከኣሎ እቲ ነባር እዩ። እቲ ዋርሳይ ድማ እቲ ድሕሪ ናጽነት ሕድሪ ክርከብ ወይ ክወርስ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተሰለፈ’ዩ። ይከኣሎ ነቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብናጽነት ኣጸንቢሉ፡ ንካልኦት ኣካላት ጅግንነታዊ ኣብነት ብዝኸውን ደረጃ ግብኡ ኣረጋጊጹ፡ ባህጊ ህዝቡ ኣውሒሱ እዩ። ድሕሪኡ ግና ኣይኮነንዶ ከምቲ ቃል ዝኣተዎ ሕድሪ ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጽ፡ ንገዛእ ርእሱ እውን ግዳይ ናይቲ ዋጋ ከፊሉ ዝደኮኖ ምሕዳርን ሓለፍትን ህግዲፍ ኮይኑ እዩ። ናይ 1994 ናይ ማይ ሓባር መቕዘፍቲ ናይ ሓርነት ውጉኣትን ናይ 2001 ማእሰርቲ “ቃልና ኣይንዕብር” ዝበሉ ላዕለዎት ኣዘዝቱን ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ደልሃመት “ይከኣሎ ንዋርሳይ እንታይ እዩ ኣውሪስዎ?” ዝብል ኣዛራቢ እዩ። ዋርሳይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ይከኣሎ ዝተወስደ ናይ ምብታኑን ምድኻሙን ወስታታት ህግዲፍ ስለ ዝተዓዘቦ ብትግሃት ክወርስ ኣይከኣለን፡ ንምውራስ ዝሕግዝ ዝተጣጥሔ ባይታውን ኣይተነብረሉን። ። እቲ ኣብ ልዕሊ ይከኣሎ ዝወረደ በደል ኣብ ልዕሊኡ ከም ዝድገም ስለ ዝሰገአ ነቲ ንተሳትፎኡ ዝጽውዕ ዝነበረ ኣዋጃትን ጐስጓስን ብዓይኒ ጥርጠራ ክርእዮ ናይ ግድን ነይሩ። ህግድፍ ዝሓዞ ሸፋጢ መንገዲ እውን ነዚ ጥርጠራኡ ዘራጉድ እምበር፡ ዘቕስን ኣይነበረን። ዋላ’ኳ ዝተፈላለየ ኣስማት እንተተዋህቦ፡ ብግብሪ ግና ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝሕመረቱ መደብ ሳዋን ኣተገባብራኡን ንጥርጠራ ይከኣሎን ቤተሰቡን ግብራዊ መልሲ ዝሃበ እዩ ነይሩ። ወዮ ንውሱን እዋን ወተሃደራዊ ትምህርቲ ወሲዱን ኣገልጊሉን፡ ድሕሪኡ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይዚ “ተጠባባቒ ሓይሊ” ኮይኑ; ናብ ትምህርቱን ስሩሑን ክምለስ ዝነበሮ ትጽቢት፡ ስርዓት ኢሳይያስ ምስምሳት ብምፍጣርን ዘይተደለይቲ ውጉኣትን ስግኣታትን ብምኽፋት ብዝወሰዶ ሸፈጥን ጥልመትን መኺኑ። ምምሕዳር ኢሳይያስ ነዚ ስጉምቲ ስለ ዝወሰደ እዩ ከኣ እቲ ኣገልግሎት “መወዳእታ ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና” ዝብል ስም ዝተዋህቦ።
በደላት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትን ሕብረተሰብኣዊ ክፍልታትን ኤርትራ ዝፍጸም እዩ። ካብዚ ሓደ ከኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ይከኣሎ ኮነ ዋርሳይ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን እቲ ዝመረረ እዩ። ህግዲፍ በደሉን ወጽዓኡን ዝያዳ ኣብ ልዕሊዚ ትካል ዘዛየደሉ ምኽንያት ከኣ፡ ዝተወደበን ዝተዓጥቀን ሓይሊ ስለ ዝኾነ ኣብ ስልጣኑ ስለ ዘስግኦ ኣቐዲሙ ክድህሎ ካብ ዘለዎ ሕዱር ተንኮል እዩ። ውሱናት ብሳላዚ ሓፋሽ ይከኣሎን ዋርሳይን ዝኸፈሎ ዋጋ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝተቐመጡ ሰብ ጽሩራ፡ ኣብ ክንዲ ምእንቲ መሰል እዚ ዋጋ ከፊሉ መዓርግ ዘልበሶም ሰራዊት ዝሕለቑ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ክፍለ-ዘመን ይዝውተር ኢልካ ክትግምቶ ብዘጸገም፡ ናይ ግሎም ኣገልጋሊ ገይሮም ብዘይክፍሊት ኣባይቶም ክሃንጽን ጀራዲኖም ክኹስኩስን ፈሪደምዎ። እዚ ከይኣክል ከኣ ምድረሰማይ ጸቢብዎ ሃጽ ኢሉ ክስደድ እንከሎ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ፈቐዶ ክሳዳዊ ዶባት ረሽነምዎ። እቲ ኣብ ሸዊት ዕድመኡ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ዝእሰርን ዝሳቐን ኣባል ሓይልታት ምክልኻል እሞ ድማ ኣዲኡ ትቑጸሮ።
ሓይልታት ምክልኻል ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ዝወርድ ዘሎ ጸገም፡ ዝርኣዮን ዝሰምዖን ስለ ዝኾነ ምዝርዛር ኣየድልዮን’ዩ። ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ግፍዒ እውን ባዕሉ ደኣ ይፈልጦ እምበር ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምእንቲ ገዛእ ርእሱ ክብል’ውን ዓይኑ ከንቁሕ ግዜ ይጠልቦ ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣገዳዲ ዕጥቂ ዘለዎ፡ ብዝሓሸ ዝተወደበን እሂን-ምሂን ናይ ምባል ዝሓሸ ዕድል ዘለዎን፡ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ዝወጸን ስለ ዝኾነ፡ ካብዚ ሓሊፉ በቲ “ናተይ” ዝብሎ መንግስቲ እየ በሃላይ ምምሕዳር፡ ዝያዳ ዝተበደለ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ምቕያር፡ ከቢድ ሓላፊነት ከም ዘለዎ፡ ይዝንገዖ እዩ ዝብል እምነትኳ እንተዘይብልና ከነዘኻኽሮ ግና ናይ ግድን እዩ።
ኣሸሓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ በደል ኣስካሕኪሖም ሃገሮም ገዲፎም ናብቲ መሰረታዊ መፍትሒ ዘይኮነ ስደት ከም ዘምርሑ፡ ናይ ዝተፈላለያ መደበር ስደተኛታት መዛግብ ዝርዝር ዝምስክሮ እዩ። እቲ ቀዳማይ ናይ ለውጢ ምርጫ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ሜዳ ንህግዲፍ ገዲፍካሉ ምኻድ ክሳዱ ሓኒቕካ ምጥምጣሙ’ኳ እንተኾነ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኮይንካ እውን እቲ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ንገለ ውሱናት ከምቶም ኣብ ነርወይ ብሰንኪ ግፍዒ ህግዲፍ ዓዲ ዝገደፉ ክንሶም፡ ምስ የማነ ገብረኣብ ኮይኖም ኣብ መበል 25 ዝኽሪ ምጅማር መደብ ሳዋ ዝሳዕስዑ ገዲፍካ፡ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዝቃላሱ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝነበሩ ብዙሓት እዮም። ክቕጽልዎ ከኣ ህዝባዊ ሕድሪ ኣለዎም። ኣብ ስደት ኮይኖም ዘይመስረታዊ ኣብለጭላጪ ራህዋ ምስ ረኸቡ፡ ተመሊሶም ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ መሊኦም፡ ምስ ህግዲፍ ተዓሪቖም ህዝቦም ከይርስዑ ከኣ ደጊምና ነዘኻኽሮም።
ኣብዚ እዋንዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከም ትካልን ከም መንእሰይን ዝፍተነሉ ከምቲ ቀደም፡ ቡንባ ደርቢኻ ድፈዓት ብምፍራስ ዘይኮነ፡ እኩይ ኣተሓሳስባ ህግዲፍ ብምፍራስ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ከምቲ ይከኣሎ ኣንጻር ባዕዲ ተቓሊሱ ነጻነት ናይ ምርግጋጽ ኣብነት ዝኾነ፡ ዋርሳይ ከኣ ሕድሩ ጠሊሞም ህዝብና ይብድሉ ንዘለዉ ውሑዳት በዲሁ ሓርነት ኣብ ምርግጋጽ ህዝባውነቱ ከመስክር ግዜ ይጠልቦ ኣሎ። ኣብነት ሰራዊት ሱዳንን ካለኦት ንህዝቦም ዝተበጀዉ ሰራዊትን ክስዕብ ይግበኦ። ህዝቡ ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣብ ጭንቅን ጸልማትን እንከሎ፡ እንተ ኣጽቂጡ ግና ኣብ ርእሲ’ቲ ንገዛእ ርእሱ ምብዳሉ ኣብ ታሪኽ እውን ከሕትቶ እዩ። ካብዚ ተሓታትነት ንምድሓን እዩ ድማ ሰዲህኤ፡ ረብሓ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከም ዘይኮነ ብምግንዛብ፡ “ደሃይ ግበር” ዝብል መጸዋዕታ ዘቕርበሉ ዘሎ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ቃልሲ ከም ሓደ ኣገዳሲ መስርሕ፡ ኣብቲ ዝተዓለመሉ ሸቶ ንምብጻሕ ብቐጻሊ ዝካየድ ጉዕዞ እዩ። ቃልሲ ከም ስሙ ዕላማ ዘለዎን ናብቲ ዝሓሰብካዮ ንምብጻሕ ዋጋ ዘኽፍል ሓጐጽጐጽ ዘይፍለዮ እምበር፡ ደራኺ ምኽንያት ዘይብልካ ንዊንታ ዝካየድ ኣይኮነን።ቃልሲ ብሓንሳብ ኣብቲ ዝደለኻዮ ናይ ግዜ ገደብ፡ በቲ ዝመረጽካዮ ኣገባብ ዝብጻሕ ዘይኮነ፡ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ፡ ካብ ትጽቢትካ ወጻኢ ብደሆታት ዘጋጥመሉ ብውረድ ደይብ ዝስነ መስርሕ እዩ። ከምዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ጉዳያት ኣብ ቃልሲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምቁጽጻር ሓደ ወገን ዝውሰኑ ዘይኮኑ ናይቲ ኣንጻሩ እትቃለሶ ኣካል ኩነታት እውን ኣብ ግምት ዘእቱ ስለ ዝኾነ እዩ።
መስርሕ ቃልሲ ኣብ ናይቲ ኣንጻር ወጽዓ ዝቃለስ ወገን ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛን ጥራይ ዝድረት ጌርካ ምውሳድ ኣብ ጌጋ ዘውድቕ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ብዛዕባቲ ንስኻ ክትገብሮ ዝግበኣካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባቲ ኣንጻሩ እትቃለሶ ወገን እውን ኣፍልጦ ምሕዳር ኣገዳሲ ዝኸውን። ብዛዕባቲ ኣንጻሩ እትቃለሶ ወገን ዘለካ ኣፍልጦ ኣብ ጽፉፍ መጽናዕቲ ዝተሰረተ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከኣ ኣብ ዓወትካ ዓብይ እጃም ኣለዎ። ኣብ ጉዳይና እንተመጺእና “ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ብኸመይን ምስ መንን ክንቃለስ ኣለና” ኣብ ዝብል ምእንቲ ከነድምዕ፡ ብዝዕባ ህግዲፍን እከይ ተግባራቱን እውን ክንፈልጥ ናይ ግድን እዩ። ኣብቲ መስርሕ “ሕጂኸ ዝብል ሕቶ ክንምልስ እንከለና እምበኣር ናይቲ ጨቛኒ ስርዓት ባህርያትን፡ ናትና ጭቆና ናይ ምዕጻፍ ዓቕምን ቅሩብነትን እዩ ኣብ ግምት ዝኣቱ።
ኣብ ከምዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶን ዘካይዶ ዘሎን ቃልሲ እቲ መስርሕ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ እዩ። ምስቲ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ ምዃኑ ኣብ ሕድሕድ እቲ ምዕራፋት ዘሎ ምትእስሳርን ምጽልላውን ብግቡእ ክተሓዝ ዝግበኦ እዩ። እዚ ናይ ምዕራፋት ምትእስሳር እንተዘይተዓቂቡ እቲ መስርሕ ኣብ ኩሉ ግዜ ጀማሪ ምዃን እቲ ዝመጽእ ናይቲ ዝሓለፈ ጸጋን ውርሻን ዘይምጥቃምን እዩ ዝኸውን። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ ቀንዲ ጠመተ ናብ መጻኢ ምምዕዳው ክኸውን ከም ዝግበኦ ምዝንጋዕ ኣይግባእን። “ንሕሉፍ ኣይንረሰዓዮ፡ እንተኾነ መጻኢ ከነማዕዱ እንከለና ናይቲ ዝሓለፈ እሱራት ኣይንኹን” እንብል ከኣ ምእንቲዚ ኢና።
ሓደ ምዕራፍ ቃልሲ ኣሳሊጥካ ናብቲ ቀጻሊ ክትሰግር እንከለኻ፡ ዘሎ ብደሆ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብቲ መስርሕ ኣንጻርቲ ነቲ ቃልሲ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣሰጋጊሩ፡ ናብቲ ኣንዊሑ ዝጥምቶ ሸቶ ንምብጻሕ ዝቕጽል፡ ካብቲ ዘለዎ ናብ ካልእ ምዕራፍ ክቕጽል ዘይደሊ ኣካል የጋጥም እዩ። ኣብቲ ምቕጻል ዝሰማምዑ ኣካላት እውን እቲ ቀጻሊ ምዕራፍ በየናይ ኣቕጣጫ ይቐጽል ኣብ ዝብል ክፈላለዩ ልሙድ እዩ። ስለዚ ሓደ ምዕራፍ ወዲእካ ናብቲ ቀጻሊ ምስጋር ኩሉ ግዜ ልሙጽ ኣይኮነን። ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብናጽነት መስተረጋገጸ ተዛዚሙ። ናብቲ ናይ ህዝብና ኣርሒቑ ዝጥምት ሸቶ ንምብጻሕ ግና ቀጻሊ ምዕራፍ ቃልሲ የድሊ ነይሩ። ንሱ ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ሰላማዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ምዕብልትን እትኾነሉ ኩነታት ምውሓስ ነይሩ። እንተኾነ ነቲ ዝተረጋገጸ ህዝባዊ ዓወት ናብቲ ቀጻሊ ምዕራፍ ንምስግጋሩ ቀሊል ኣይነበረን ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ሕጂ እውን ቀሊል ኣይኮነን። ቀሊል ናይ ዘይምዃኑ ቀንዲ ጠንቂ ከኣ ህግዲፍ ነቲ ዝተመዝገበ ዓወት ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ኣብ ክንዲ ምስግጋር “እዚ ይኣኽለኒ እዩ” ዝብል ንባህጊ ህዝብና ዝጠለመ ምርጫ ስለ ዝወሰደ እዩ። እነሆ ከኣ እቲ ቃልሲ ኣብ መንጎ “ኣብዚ ይኣኽለና” ዝብልን “ኣይፋሉን እዚ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ዓወት መሰረታዊ ሸቶ ህዝብና ዘረጋገጸ ስለ ዘይኮነ ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ክሰጋገር ይግበኦ” ዝብልን ካብ ዝኸውን ናብ 30 ዓመታት ተገማጊሙ ኣሎ። ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እቲ ቀዳማይ ክሳብ ናጻናት ኤርትራ ዝነበረ ኮነ፡ እዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና ምዕራፍ ኣብ ውሽጦም ዝሕቆፉ ንኡሳን ምዕራፋትን ብደሆታትን ዘለዉዎም ምዃኖም እዩ።
እዚ ሎሚ ዘለናሉ መድረኽ ብብዙሓት ንኡሳን ምዕራፋት ክሓልፍ ጸኒሑ፡ ብይኣክል ደሚቑ ዘሎ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ኣብቲ ዝዓለሞ ሸቶ ንክበጽሕ ክምክቶ ዝግበኦ ብደሆታትን ክምልሶ ዝግበኦ ሕቶታትን ኣለዎ። እቲ ሕቶ ስለ ዘይተመለሰ ኢና ከኣ ”ሕጂኸ ናበይ? ሎሚ’ውን ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ” ብዝብል ነልዕሎ ኣለና እምበር ሓድሽ ሕቶ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። እዚ ሕቶ’ዚ ግድን ክምለስ ዘለዎ እምበር ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ነዚ ሕቶዚ መሊስና እንተዘይሰጊርና፡ እቲ ጸገም ክብደት ናይዚ ሕቶ ዘይኮነ፡ ናትና ነቲ ሕቶ ናይ ምምላስ ዓቕሚ ውሱንነት ምዃኑ ክንግንዘብ የድልየና። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ብናይ ውሱናት ወገናት ኣስተዋጸኦ ዘይኮነ፡ ብናይ ኩልና ንወጽዓ ህግዲፍ ኣወጊድና ራህዋ ከነውሕስ እንቃለስ ኣካላት ኣበርክቶ ዝረጋገጽ እዩ። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ክሰዓሩ ዝከኣሉ ክንሶም ዘይሰዓርናዮም ዓንቀፍቲ ስምዒታት ምስዓር እዩ። ዘይምክእኣል፡ ዘይምትእምማን፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮኻ ዘይምምሃር፡ ናይ ጺብብ ሃይማኖታዊ ኣውራጃዊ ስምዒታት ግዙእ ምዃን፡ ኣብ ክንዲ መጻኢ ምምዕዳው ኣብ ሕሉፍ ምጽብጻብ፡ ኣብ ክንዲ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንኡሳት ኣጀንዳታት ምቕዳምን ካለኦት ጸቢብነታትን ምኹዳድ፡ ብሓጺሩ ንብዙሕነት ኣብ ክንዲ መሕየሊ መዳኸምን መረሓሓቕን ጌርካ ምውሳድ፡ እንተሲዕርና እቲ ሕቶ መሊስናዮ ማለት እዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ብግቡእ መሊስና ድማ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ቅኑዕ ኣቕጣጫ ሒዝና ኣለና ማለት እዩ። ቅኑዕ ኣቕጣጫ ዝሓዘ ቃልሲ ከኣ ናይ ምዕዋቱ ምናልባት ውሑስ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሓደ ጉዳይ ኣብቲ እዋኑ ከተልዕሎ እንከለኻ ኣገዳስነት ኣለዎ። ካብዚ ነቒልና ኢና ድማ ኣብ ቅነ ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ሰላም፡ ብዛዕባ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክንድህስስ ዝመረጽና። ሰላም ከም ባሕሪ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣምር እዩ። ኣገዳስነቱ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ወሳኒ እዩ። ትርጉሙ ከኣ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ሰላም ኣብ ኩሉ ህይወት ደቂ ሰባት ቦታ ኣለዎ። ብዙሓት ወገናት ንሰላም “ውግእ ብዘይምህላውን ድምጺ ተኹሲ ብዘይምስማዕን” ጥራይ ይገልጽዎ። ብርግጽ ውግእን ወረ ውግእን ዘይምህላዉ ሓደ ምልክት ሰላም እዩ። እንተኾነ ውግእን ተኹስን ዘይምህላዉ ጥራይ ዘተኣማምን ሰላም ኣሎ ምባል ኣየኽእልን።
ሓቂ እዩ፡ ውግእን ድምጺ ጥይትን ዘይምህላዉ መርኣያ ሰላም እዩ። እንተኾነ ብኩራት ሰላም ብረቂቕ ድምጺ ኣልቦ ጨንቅን መከራን እውን ዝግለጽ እዩ። “ሰላም ማለት ውግእ ዘይምህላው’ዩ” ዝብል ትርጉም ዘየዕግቦም ወገናት ንሰላም፥ ምስ ርግኣት፡ ዕረፍቲ፡ ራህዋ፡ ስምምዕ፡ ሕብረት፡ ዕርቅን ልዋምን ኣሰንዮም ይገልጽዎ እዮም። እዞም ምቁራት ቃላት ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘይምህላዎም ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላም ዘይምህላዉ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሕልናን ኣተሓሳስባን ህድኣት የብሉን። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ከኣ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ሰላም ዘይምህላው እዩ። ኣብ ኤርትራ ሰላም ብዛዕባ ዘይምህላዉ ብዙሕ ምርምር ምክያድ ዘድልዮ ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና ነቲ ኩሉ ዝርእዮ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እንተዳህሲስናዮ፡ ሰላም ዘይምህላዉ ምርዳእ ኣይክጽግመናን።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሒ የለን፡ ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝኣመንካዮ ሃይማኖት ናይ ምስዓብ መሰል የለን። እዛ ብዛዕባ ሰላማ ንዛረበላ ዘለና ኤርትራ ኣብ ህልውናኣ ከም ሃገር እውን ሓደጋ ኣጋጢምዋ ኣሎ። ምኽንያቱ መሬት ኤርትራ ብዘይኣፍልጦ ህዝባን ብዘይግሉጽ ውዑላትን ይሽየጥን ይልወጥን ስለ ዘሎ። ብሰንኪ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዓዶም ምስራሕ፡ ምምሃርን ምውላድን ምዝማድን ዝሓረሞም መንእሰያት እግሮም ናብ ዝመረሖም ስለ ዝፈለሱ ዓድታት ኤርትራ ሰብ ኣልቦ ኮይነን እየን። እቲ ኣብ ዓድኻ ሓሪስካን ነጊድካን ምፍራይን ምዕባይን ይትረፍ እሞ፡ ሎሚ ብዙሓት ቁሸታት ሃገርና ሰብ ምስ ሞተ ጉድጓድ ዝኹዕትን መኣውይቲ ዝነግርን መንእሰይ ይሓርመን ከም ዘሎ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ። ወላድ መኻን ኮይኖም ዝጥውሮም ዝሰኣኑ ሽማግለታት ከኣ ብዙሓት እዮም። ካብዚ ዝዓቢ ምስኣን ሰላም ከኣ የለን።
ብዓብይኡ ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ስርዓት የለን። እታ ሃገር እትምረሓሉ ሕግን ዝመርሓ ዘሎ ኣካልን ኢደ-ወነናውያን እዮም። እቲ ናይ ወጻዕን ተወጻዕን ዝምድና ከኣ መመሊሱ ይኸርር’ዩ ዘሎ። እቲ ዝምድና ዝያዳ ክኸርር እንከሎ ከኣ እቲ ቃልሲ ብኽንድኡ ደረጃ እዩ ዝዓርግን ዝውጠርን። እዚ ከኣ ናይ ሰላም ምህላው ምልክት ኣይኮነን። ህግዲፍ ከይሓፈረ ጸረ-ሰላም ባህርያቱ ሓቢኡ፡ ኤርትራ ሰላም ዝሓረማ ክንሳ “ናይ ሰላም ደሴት” ክብላ ዝፍትን ምዃኑ ከኣ ዘገርም እዩ። ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብን ኣብ ክንዲ ዘንብቡን ዝድህስሱን፡ ነቲ ናይ ህግዲፍ ሸፋጢ ናይ ሰላም ኣተረጓጉማ ተኸቲሎም፡ ንኤርትራ ከም ብሰላም እትልለ ኣብ ገነት እትነብር ሃገር ክገልጽዋ ምፍታኖም ዘገርም እዩ። እሞ ኸኣ ኣብ ዘዘለዉዎ ናይ ስደት ሃገር ሓቀኛ ሰላም እንዳስተማቐሩ።
ንኤርትራ ምስ ኩነታት የመን፡ ሶርያን ሶማልያን ኣወዳዲርካ፡ ዝሓሸ ሰላም ዘለዋ ትመስል እያ። ናይዚ መበገሲ ከኣ ኣብ ኤርትራ ተኹሲ ዘይምስምዑን ኣብ ውግእ ሰባት ዘይምማቶምን እዩ። እቲ ቀንዲ ናብ ከምዚ መደምደምታ ዝወስድ መደዓዓሲ ምኽንያት እቲ ናይ ህግዲፍ ንኤርትራን ህዝባን ምስ ካብኣቶም ዝሓሸ ዘይኮነ፡ ምስ ካብኣቶም ዝኸፈአ ናይ ምውድዳር፡ ንቕድሚት ዘይኮነ ንድሕሪት ዘማዕዱ ኣካይዳ እዩ። ኣብዚ ሓደ ክበርህ ዝግበኦ ነጥቢ፡ ኣብ ኤርትራ ሰባት ኣብ ውግእ ዘይሞቱ ምዃኖም እዩ። ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ሰላም ዘይምህላዉ፡ ሰባት ኣብ ዓው ኢልካ ዘይዝረበሉን ዘይግሉጽን ውግእ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ እንከለዉ ኣብ ዶባት ኮነ ኢልካ ብትእዛዝ ሰብ መዚ መንግስቲ ዝቕንጸሉ መንእሰያት ብዙሓት እዮም። ኣንጻር ስርዓት ሓሲብኩም፡ ልኡኻት ናይ ወያኔ ኢኹም እናተባህሉ፡ ዝእሰሩን ዝቕተሉን፡ ናይ ላምፓዱሳ ተረኽቦ ወሲኽካ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝሃልቁ ዘለዉ’ውን ውጽኢት ኣብ ኤርትራ ሰላም ዘይምህላው እዩ። እዚ ከኣ ሰላም ማለት ውግእ ዘይምህላው ማለት ጥራይ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ። ብዓብይኡ እንዳ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ወሪዱ ዘሎ ናይ ሕልናን ሞራልን ሞትን ተስፋ ምቑራጽን ዓብይ ግምት ዝወሃቦ መርኣያ ብኩራት ሰላም እዩ።
ንሕና ንሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ኢና እንቃለስ ዘለና። ኣብ ሃገርና ሰላም እንተዝህሉ፡ ዘሎ ሰላም ከነምጽእ ኣይመተቓለስናን። ህዝብና ከኣ ወትሩ ንሰላም ዝሃርፍ እዩ። “ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ምምሕዳር ኣምጸኣልና” ዝብል ኣበሃህላ ህዝብና፡ ሰላም ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ እዩ። ምርግጋጽ ሰላም እቲ ሓደ “ህዝቢ ይመርሕ ኣለኹ” ዝብል ኣካል ከረጋግጾ ዝግበኦ መባእታዊ ሓላፍነት እዩ። ህግዲፍ ነዚ ከውሕስ ስለ ዘይከኣለ ጥራይ “ውዱቕ ምምሕዳር እዩ” ምባሉ እንተዘይውሒድዎ፡ ኣይበዝሖን እዩ። ኣብዚ ዓለም-ለኻዊ ሰላም ዝዝከረሉ ቅነን ሰላም ዓብይ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ ግዜን ብዛዕባ ሰላም ምዝራብና፡ ዓለም በይና ሰላምና ከተረጋግጸልና ንምጽዋዕ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ግዳም ጽልዋታት ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ብጽሒት ከም ዝህልዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ቀንዲ ሰላምና ካብ ኢድና እዩ። ብመሰረቱ ቃልስና ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ኣብዛ ሰላም ሓሪምዋ ዘሎ ኤርትራና ዘተኣማምን ሰላም ብምርግጋጽ’ዩ ክግለጽ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ንሕና: ኣዝዩ ዝዓዘዘ ዋኒን ዘለና ኤርትራውያን ኢና። “ንሕና” ንብል ዘለና፡ ወጽዓ ህግዲፍ ከይንቕበል ዝወሰና፡ ናይቲ ኣፍ እንከለዎ ዝተዓበሰን ዝተጠልመን ህዝብና ልሳን ክንከውን “ወጽዓ ህግዲፍ ዝቕበል ዝባን/እንግደዓ የብልናን” ኢልና ምስ ህዝብና ኣብቲ ንወጽዓ ኣወጊድካ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካል ቃልሲ ተጸሚድና ዘለና ኤርትራውያን ማለትና ኢና። ዕድመ ቃልስና ነዊሕን ሰንሰለታውን፡ ቅድም ኣንጻር ግዳማዊ ወራርን መግዛእትን ድሕሪኡ ከኣ ኣንጻር ወጽዓን ጭቆናን ናይቲ ኣስማቱን ስልቱን እንዳቐያየረ ሎሚ ግና ኣብ ሓደ ሰብ ዲክታቶር ተንጠልጢሉ ዘሎ ህግዲፍ እዩ።
እዚ ወጻዕን ጨፍላቕን ጉጅለ፡ ብሰንኪ ዝዘርኦ መርዛም ውዲታት ኣንጻሩ ሓደ ዓይነት ሚዛን ምሓዝ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ንኹላትና ንጹር እዩ። እቲ ጉዳይ ኣጸጋሚ ዝነበረሉ ምኽንያት እኩብ ድምር ናይቲ ብምክፍፋልና ዕድሚኡ ዘንውሕ ጉጅለን ናትና ንጉዳያት ብግቡእ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓ ዘይርዳእን ምንባሩ እንኽሕዶ ኣይኮነን። ሎሚ ግና ሳላ ዘይስልኪ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ፡ ህግዲፍ ሃይማኖቱ፡ ቋንቋኡ ኮነ ኣውራጃኡ ብዘየገድስ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ፈታውን ተሓላቕን ከም ዘይኮነ ተጋሂዱ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ዝድግፍዎ ኣምሲሉ ዘቕርቦም ዝነበረ ወገናት’ውን እንዳጠለምዎ፡ ትካላዊ መለለይ ናብ ዘየብሉ ርጉም ውልቀሰብ ወሪዱ ዘዕለብጥ ዘሎ። እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሓደ እዋን ሓላፍትን ኣብ ውሳነ ዝሳተፉን መሲሎም ዝርኣዩና ዝነበሩ’ኳ፡ ናይ ኣካል እምበር ናይ ሓሳብ መሰነይትኡ ከም ዘይኮኑ ተፈሊጡ እዩ። ሎሚ “ኢሳይያስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃገር ክገይሽ እዩ፡ ወይ ልኡኽ ክሰድድ እዩ” እንተተባሂሉ እቶም ዘሰንዩ ወይ ዝለኣኹ መቐየርታ ዘይብሎም ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ምዃኖም ዘተሓትት ኣይኮነን።
ምስዚ ኩሉ ግና እዚ ዲክታቶር ብዛዕባኡ ጸረ-ህዝቢ መራሕን ብዛዕባ ኤርትራ ከም ኣብ ቀራና መንገዲ ዘላ ሃገርን እንታይ ይበሃሎ ከም ዘሎ ኣብ ግምት ከእቱ፡ ፈጺሙ ቅሩብ ስለ ዘይኮነ፡ ብቕኒት “ንኺድ ጥራይ” ይጋልብ ኣሎ። ደጊም በቲ ሒዝዎ ዘሎ ክቕጽል እምበር መላሲ የብሉን። እዚ ኣካይዳ ኣብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ጥራይ ዝረአ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ከምኡ ዝኣመሰሉ ዲክታቶራት ዝሓለፍዎ ብውርደትን ውድቀትን ዝድምደም መንገዲ እዩ። እዚ ናባና ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ፡ ናይ ህዝብናን ሃገርናን መጻኢ ዕድል ኣብ ኢድ ህዝቢ እምበር ኣብ ኢድ ኢሳይያስ ዘየለ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ብጽሒትና ብጽሒት ሓይልታት ለውጢ እንታይ ምዃኑ’ኳ ዝጠፍኣና ኣይኮነን። እንተኾነ ብጽሒትካ ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። በቲ ዝፈለጥካዮን ዝመረጽካዮን መንገዲ “ድምጽኻ ኣበሪኽካን ስጉምትኻ ኣንዊሕካን” ብቐጻሊ ምጉዓዝ ናይ ግድን የድሊ። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ከኣ ነዚ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።
ህግዲፍ ንህዝብና መዘና ብዘየብሉ ኣገባብ ይውጽዖ ከም ዘሎን፡ ንሕና ከኣ ኣንጻርዚ ወጽዓ ንቃለስ ከም ዘለና ደጋጊምና ክንጠቕሶ’ኳ ባህርያዊ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ኣድህቦናስ ብዛዕባ ንዓና ዝምልከት ቃልሲ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ንሕና ሓንሳብ ህግዲፍ ጸላኢ ህዝብናን ሃገርናን ምዃኑ ካብ ተረዳእና ኣንጻሩ እንታይ ክንገብር ከም ዝግበኣና ኣጽኒዕናን ተሊምናን እንንቀሳቐስ እምበር፡ እቲ ጉጅለ በብዝጥዕሞ ነናብ ዘዝኸፈተልና ኣጀንዳ ክንኩብኮብ ኣይግበኣናን። ካብ ኩሉ ግዜ ተኻላኻላይ ምዃን ወጺእና ኣጥቃዕቲ እውን ክንከውን ይግበኣና። ክሳብ ከም ናይ ላምፓዱሳ ህልቂትን ናይ ኢሳያስ ክሕደት ኣብ መገሻኡ ናብ ኢትዮጵያን ዝኣመሰሉ ዘነድሩን ደምካ ዘፍልሑን ተረኽቦታት ዘጋጥሙ ከይተጸበና ተበግሶታት ክንወስድ ይግበኣና። ኣብ መስርሕ ቃልሲ፡ ክብን ለጠቕን ከጋጥም ንቡር’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ነናይ ውድባትና ኮነ ናይ ሓባር ንጥፈታትና ብዝከኣለና ካብ ናይ “ሕዝ ግድፍ” ኣካይዳ ክንወጽእ ይግበኣና። ቃልስና ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ዘተኣሳሰር ቀንዲ ቆላሕታኡ ንቕድሚት ዝጥምት እምበር፡ ወትሩ ጀማሪ ክኸው ኣይግበኦን። ኣብ ምዕራፋት ቃልስን ተዋሳእቱን ሓደ ካብቲ ካልእ ምብልላጽ ክህሉ ባህርያዊ ኮይኑ፡ ክንመዝን እንከለና ኣተሓሕዛና ንነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ነናቱ ሚዛን ዝህብ ርትዓዊ እምበር፡ ነቲ ሓደ ሓጢጡ ዝድርቢ፡ ነቲ ካልእ ከኣ ሰማይ ሰቒሉ ዝንእድ ዕሙት ኣገባብ ክኸውን ኣይግበኦን።
እቲ ኣውንታና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ መስርሕ ብቓልሲ ክንስዕሮ ዝግበኣና ድኽመታትና ብዙሕ መልከዓት ዘለዎን ብወድዓውን በዓል ቤታውን ዝግለጽ እዩ። ማለት ገሊኡ ፈውሱ ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ። ገሊኡ ከኣ ግዜን ዓቕምን ምውህላል ዝሓትት እዩ። እቲ እንውቀሰሉ እቲ ሰኣን ዓቕምና ዝተርፈና ዘይኮነ፡ እቲ ክንገብሮ `ንኽእል ክነስና ዘይንገብሮ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ሓቢርና እንቃለሰሉ መድርኽ ምፍጣር ክሳብ ክንደይ ኣድላይ መድረኻዊ ዕማም ምዃኑ ኩልና እንርደኦ እዩ። ኣድላይነቱ ስለ ዝተረደኣና ኢና ከኣ ዝተበተነ ዓቕምና ኣርኒብና ናብ “ተዛሪቡ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ከነበርኾ ንቃለስ ዘለና። በቲ ሓደ ወገን እዚ ወሳኒ ኣብ ሓደ መኣዲ ቃልሲ ናይ ምምጻእ ዕማም ግዜ ምርካብን ዓቕሚ ምድላብን ኣየድልዮን ማለት’ኳ እንተዘይኮነ ነቲ ዝዓበየ ክፋሉ ከነሰላስለሉ ዘኽእል ዓቕምን ግዜን ግና ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ። ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ክሳብ ሎሚ ኣብ መዓላ ከነውዕሎ ዘይምኽኣልና ከኣ ብሓቂ ከተሓሳስበና ዝግበኦ እዩ። ምትሕስሳብ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ተማሂርና ንመጻኢ ከም ደፋኢ ዓቕሚ ክንጥቀመሉ ይግበኣና። ስለዚ ኢና እምበኣር ወዮ ክሕቆን ጸኒሑ ክሳብ “ይኣክል” በጺሑ ዘሎ ድምጽና፡ ብራኸኡ ሓልዩ ይቐጽል” ንብል ዘለና።
ብሓባር ክንሰርሕ እንዳደለናን እንዳተገበኣናን፡ ከም ድሌትና ናይ ዘይምዃና ምኽንያት፡ ንዓና ነቶም ተዋሳእቲ ኮነ ኢልና ክንምስጥሮ እንተዘይደሊና ምስጢር ኣይኮነን። እቲ ዝርዝሩ ገዲፍና እቲ ጠንቂ መሊእና ካብ ጸቢብነት ክንወጽእ ስለ ዘይከኣልናን ካብ ናይቲ ጸቢብነት እንዳባለሒ ዝነብር ወጻዒ ጉጅለ ጽልዋ መሊእና ሰለ ዘይወጻእናን እዩ። ኣብ ብዙሕ ዝርዝር ከይኣተና፡ ንሃይማኖታውን ኣውራጃውን ጸቢብነት ተመሊሱ ከምዘይድገስ እንተስዒርናዮ ትርጉም ምውድዳርን ምትሕብባርን ተረዲእና ብቕንዕና እንተ ተንሲእና ከም እንስዕርን ድምጽና በሪኹ ከም ዝቕጽል እሙን እዩ። ነዚ ከነረጋግጽ እንተዘይበቒዕና ግና ከቶ፡ ሹሻይ ህግዲፍ ካብ ምዃን ኣይክንድሕንን ኢና’ሞ ነስተብህል።