EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ዘይተጸበዮ፡ ኣዝዩ ደማዊ ውግእ ሓቀኛ ጠንቁ ብንጹር እንታይ ከም ዝነበረ ክሳብ ሕጂ ይግመት’ምበር ኣይፍለጥን። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ክሳብ ዘይተፈልጠ በቲ ዝመስል “ውግእ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን” ብዝብል ተሰይሙ። ብዙሓት ወገናት ነዚ ዶብ ዝብል ጠንቂ ዘይቅበልሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ውግእ ዝተባርዓሉ ግዜ ህዝቢ ዝፈልጦ ዶባዊ ምስሕሓብ ዘይነበረ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጉዳይ ዶብ ዝፍተሓሉ ልሙድ መስርሕ ስለ ዘይተኻየደ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና ኣብ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ቀሪቡ “ቀያድን ናይ መውዳእታን” ብይን ዝተዋህበሉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ እዩ ተመዝጊቡ። እቲ ጉዳይ በቲ ዝተዋህበ ብይን ስለ ዘይተተግበር ከኣ እነሆ ክሳብ ሎሚ ንሓንሳብ ብእግሩ ንሓንሳብ ብርእሱ እንዳተታሕዘ ኣይተወደአን።

ብሰንክ’ቲ ክእጐድ ዘይግበኦ ዝነበረ ውግእ፡ ብሓፈሻ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝተሃስየ ርኡይ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ክሳብ ሕጂ ስንብራቱ ዘይጠፈአ ማህሰይቲ ግና ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን እዩ። ክልቲኡ ኣብቲ ዓውዲ ውግእ ዝነብር ህዝቢ ዝያዳቲ ኣብ ርሑቕ ዝነብር ህዝቢ፡ ሞይቱ፡ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ፡ ንብረቱ ዓንዩ፡ እንስሳ ዘቤቱ ሃሊቐን፡ ኣግራቡ ባዲሙ፡ መሬቱ ሓዲሩ፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ብሰንኪ ኣብ ግዜ ውግእ ዝተቐብረ ነታጒታት ይመውትን ይቖስልን ኣሎ።

ብሓፈሻ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ጉዳይ ዶብ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ ኣብ መሬት ክምልከት እሞ ቅድም ዘተኣማምን ሰላም ክረክብ፡ ድሕሪኡ ድማ “ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ” ኮይኑ ምዉቕ ጉርብትና ክዕንብብ ሃንቀው ክብል ከም ዝጸንሐ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል ከኣ እቲ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ከምቲ በቲ ውግእ ዝያዳ ዝተሃስየ ንሰላምን ጉርብትና ናብ ንቡር ምምላስን ከም ዝብህጋ ምሕጽንታኡ ከቕርብ ጸኒሑን ኣሎን።

ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ልቢ ዘይነቐለ ናይ ልኡላውነት ድምጺ እንዳስመዐ ንጉዳይ ዶብ ከም መጽንሒ ኣብ ስልጣን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ደሓር ዝተረኹመሸ መርገጽ ሒዙ’ዩ ከደናግር ጸኒሑ። ብዙሓት ብናይቲ ጉጅለ ናይ ልኡላውነት ሜላዊ ጭረሖ ዝተጸልዉ ወገናትና ነቲ ጉጅለ ምስ ኩሉ ኣበስኡ ይድግፍዎ ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ጉጅለ ጉዳይ ልኡላውነት ጉዳዩ ከምዘይነበረ ብተግባሩ ምስተቓለዐ ዳግማይ ኣብ ዝሓስብሉ በጺሖም እነሆ። እዚ ዳግማይ ምሕሳብ ኣብ ዲያስፖራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና’ውን ዝሕንሕነሉ ዘሎ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ መሪጽዎ ዘሎ ስልቲ ነቲ ክንየተሉ ዝጸንሐ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ዶብ ዕሽሽ ኢልካ ናብ ኩነታት ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላስ ምንጣር’ዩ። ነቲ ዝምድና ኣብ ክንዲ ምስቲ መላምንቲ ሓዊ ዝኾነ ጐረባብቲ ኣብ ርሑቕ ምስ ዘለዉ ወገናት ምስዕሳዕ፡ ንሓላፍነት መንግስታት ዘንጊዕካ ከኣ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምጉርባስ ምዃኑ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ስለዚ እዚ ሕጂ ኣብ ዶባት ዝረአ ዘሎ ናይ ሰላምን ጽቡቕ ጉርብትናን ጽምኣት ዝደረኾ ገልታዕታዕ ውጽኢት ናይቲ ግጉይ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ።

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እውን ደጋጊምና ዝበልናዮ፡ ብጽሒት ህዝቢ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ጽቡቕ ጉርብትናን ዘይስገር’ኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ዲክታተር ጅሆ ዝተታሕዘ ህዝቢ ብዘይፈቓድ ናይ ገዛኢኡ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ገዛኢ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ ንህዝብና ዘርዕዶን ናብቲ ዝደለዮ መንገዲ ኣገዲዱ ዝወስዶን እምበር፡ ህዝብና ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ተጽዕኖ ፈጢሩ ባህጉ ኣብ ዘረጋግጸሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ። ነዚ ሓቢእካ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሰላም ከረጋግጽ ይኽእል እዩ ምባል ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይምቅዳው’ዩ ዝፈጥር። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ብህዝቢ ይርአ ንዘሎ ድሌት ዝደረኾ ተበግሶታት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከም ድላዮም ዝቕልስዎ ዘለዉ። ገሊኦም ክፈቕዱ ገሊኦም ክኽልክሉ እንከለዉ ከኣ፡ እቲ ጉጅለ ምእኩል ኣካይዳ ጠፊእዎ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ።

እስኪ ሓደ ነገር ነስተውዕል፡ እቲ ካብ ሑመራ ናብ ኦሞሓጀር፡ ካብ ከባቢ ባድመ ኣብ ጋሽ ናብ ዝርከባ ዓድታት፡ ካብ ራማ ናብ ክሳድ ዒቃን ካብ ዛላንበሳ ናብ ሰርሐን ዘመዓዱ ናይ ሰላም ድሌት ኩሉ ብወገን ትግራይ ዝብገስ ብወገን ኤርትራ ግና ንጹር መርገጽ ዘይርአ። ኣብዚ ጉዳያትዚ ብወገን ኤርትራ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ዝስማዕ ዝነበረ ድምጺ ጠፊኡ ኣብ ዶባት ምጽቃጥከ ምስ ምንታይ ይቑጸር። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ኣቶ ኢሳይያስ ኣዲስ ኣበባ ሓሊፉ ኣብ ኣዋሳ ክስዕስዕ ቀንዩ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ባህርዳር ከይዱ ከኹድድ እንዳተዳለወ ንምንታይ እዩ ብዛዕባቶም መላምንቲ ሓዊ ብጩቕ ምባል ኣብዩ። ምናልባት ዶብና ብንጹር ተፈሊጡ እቲ ርክብ ምእኩል ንክኸውን ምጽባይ እንተኾይኑ፡ እዚ ባዕሉ እቲ መንግስቲ እየ ዝብል ጥሒስዎ’ስ፡ ኣብ ሕንብርቲ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዋልታን ኲናትን ኣግማልን ኣፍራስን ክስለም ርኢናዮ እንዲና። ኣብቶም ኣብ ዶብ ዝነብሩ ወገናት በጺሑ ኣብ ጉዳይ ልኡላውነትን ምእኩል ዝምድና ከም ዝግደስ አምሲሉ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እዚ ኣብ ዶብ ዝረአ ዘሎ ናይ ህዝቢ ሓፍኮፍን ምኹላፍን መርኣያ ናይቲ ጉጅለ ህግደፍ መሪጽዎ ዘሎ ግጉይ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

በዚ ኣጋጣሚ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ሰላም ጽምኢ ጽምእና፡ ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ናይ ሰላም ርውየት ከኣ ርውየትና ምዃኑ ደጊምና እንዳኣነጸርና፡ እቲ ርውየት ቀጻልን ዘተኣማምንን ክኸውን ዝኽእል ኣብ ንጹር ልኡላዊ መትከላት ክስረት እንከሎ ምዃኑ ህዝብና ክርደኦ ንጽውዕ። እዚ ክረጋገጽ ዝኽእል ከኣ የመነ-ጸጋም ከይበልካ ጉዳይ ዶብ ኣመልኪትካ ልኡላዊ መሬት ምርግጋጽን ምምላስ ጽቡቕ ጉርብትናን እንዳተናበቡ ክትግበሩ እንከለዉ ምዃኑ እንዳነጸርና፡ ህዝብና እውን ኣብዙርያዚ ቃልሱ ከሕይል ንጽወዖ። እቲ ጀኦግራፍያዊ ኣቐማምጣ ዝፈጠሮ ጉርብትና ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ መንጉኡ ልኡላዊ መስመር ከምዘሎ ከኣ ምስትብሃል የድሊ።

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

እቲ ነዊሕ ተጓዒዙ ቀዳማይ ዕማሙ ነጻነት ዘረጋገጸን ጌና ሕጂ እውን ቀጻሊ ዕማሙ ንምርግጋጽ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ካብ ዝጅመር እነሆ መበል 57 ዓመት ኣብ ምዝካር በጺሕና። ቃልስና ክጅምር እንከሎ ዝነበሮ ዕማምን ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታትን ስለ ዘየሳኒ’ኳ ቅር ዘብል እንተኾነ፡ እቲ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ነጻነት፡ ቀጻሊ ዓወት ንምምዝጋብ መሰረት ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይንካ እንኳዕ ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና ምብህሃል ዘምሕረልና እምበር ዘኽፈኣልና ኣይኮነን። ስለዚ እንኳዕ ናብ መበል 57 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ባሕቲ ቃልሲ ኣብጸሓኩም ንብል።

እዚ ብባሕቲ መስከረም 1961 ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ተጓዒዙ፡ ብዙሕ ማሕለኻታት ሰጊሩን ክቡር ዋጋ ከፊሉን ኣብ ነጻነት ዝበጸሐ ስለ ዝኾነ፡ ብብዙሕ መሰጥቲ ሓረጋት ዝነኣድ እዩ እሞ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ኣኽኢሉ፡ ንብዙሓት ምእንቲ ነጻነትን መሰልን ዝቃለሱ ወገናት ዘተባብዐ ተመኩሮ ነይሩን እዩን” እንተበልናዮ ተዘይንኢስዎ ኣይዓብዮን እዩ። ነቲ ቃልሲ ዘይከኣል ዘምስሎ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ዓይነትን ዓቐንን ዘይምምጥጣን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዝነበሮ ተፈልጥነትን ተቐባልነትን ድሩት ምንባሩ’ዩ። እንተኾነ እቲ ንቕሎ ቅኑዕን ኣብ ግዜኡ ዝወፈረን ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሕጽረታት ብኤርትራዊ ኒሕን ጽንዓትን ተሰንዩ ብዓወት ከኣ ተደምዲሙ።

እዚ ቅድሚ 57 ዓመታት ዝጀመረ ቃልሲ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዝቕጽል ዘሎ ዘይዛረየ ናይ ቃልሲ ዋሕዚ፡ ኣብ ኤርትራ ነጻነት ጥራይ ኣይኮነን ኣውሒሱ። ምትራር ኤርትራዊ ሃገርንትን ሓድነትን ከምኡ እውን ህዝባዊ ሓድነትን ምክብባርን ውጽኢት ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልሲ እዮም። ስለዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ናይቲ ባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ቃልሲ “ናጽነት እዩ” ኢልካዮ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ፡ መስዋእቲ ኣእላፍ ኤርትራውያን ዝተኸፍሎ ኩለመዳያዊ ዓሚቝን ረቂቕን ትርጉም ዘለዎ መስተንክር ቅያ እዩ። እቲ ጉዕዞ ብግዳማውን ውሽጣውን ቅልውላዋትን ነውጽታትን ክሓልፍ ዝጸንሐ መረርቲ ምዕራፍት ዝነበርዎ ምዃኑ ምስትብሃል ናይ ግድን እዩ። ስለምንታይ ናይቲ ምረት ሃፈጽታ ሕጂ’ውን መሊኡ ዘይሓወየ በሰላ ስለ ዝኾነ። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከኣ ሎሚ እውን ከምቲ “ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱንከ ተደቢሩ ይስዕስዕ” ዝበሃል ሕጂ ከኣ ነቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ልኡላውነት ኤርትራ ከይህድዶ ዘስግእ ምልክታት ይቀላቐል ምህላዉ እዩ።

“ነጻነት ኤርትራ መንዩ ኣምጺእዎ?” ዝብል ሕቶ መልሱ “መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ” ክነሱ፡ ነቲ ዝተኸፍለ ዋጋ እንተኽኢሎም ናቶም ጥራይ ክገብርዎ፡ እንተዘየለ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ሰብ ፍሉይ እጃም ምንባርም ንምርኣይ ዝደናደኑ ወገናት ብዙሓት እዮም። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብዚ ታሪኽ ጠምዚዝካ ናይ ምዕማጽ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ከም ዝስራዕ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ከይሓተትካዮ ባዕሉ ዝምልሶ እዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝያዳ ንምብርሁ ህዝቢ ኤርትራ ፍረ’ቲ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ብህግደፍ ተጠሊሙ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቅድም ምስ እተጠለመ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም ብዝወለዖ ቃልሲ ዝተዓወተ፡ ሎሚ እውን ኩሉ ዝተገፈ መሰላቱ ንምምላስን ዝተመዝገበ ልኡላውነቱ ንድሕሪት ከይምለስን፡ ኣንጻር ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ካብ ምቕጻል ሓሊፉ ካልእ መተካእታ የብሉን። ከምኡ ከኣ ይገብር ኣሎ። እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ዝጀምርናዮ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነትን ምዕቃብ ልኡላውነትን ኩሉ መሰላትን ከነሕይል ቃል ንኣትወሉ ክኸውን ይግበኦ። ነቲ “ከይረገምካዮ ዝተረግመ” ጉጅለ ህግደፍ መመሊስካ ምርጋም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩልና ነቲ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ዓወት ዓቂብና ነቲ ዝተርፈና ክንምልእ ናይ ቃልሲ መንፈስና ኣሕዲስና እንብገሰሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ዓመት፡ መጸት ባሕቲ መስከረም፡ ባሕቲ ቃልሲ ክንዝክር እንከለና ኣብ ክሊ በብዓይነቶም ምዕብልናታት ኮይና ኢና። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ብመሰረቱ ኣብ ደንበ ህግደፍ ኮነ ኣብ ደንበ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምስ ናይ ዓሚ ክወዳደር እንከሎ ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ንኣትወሉ ዘለና እዩ። ንሱ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ሰንፈልላል ኩነታት ህዝብና ብዘይፈልጦን ግሉጽነት ዘየብሉን ክነታት ዝያዳ ጥንቁቕ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝሓተሉን መስርሕ ይምዕብል ምህላዉ እዩ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐ ጭቆና ውሒድዎስ ሕጂ ከኣ ንድሕሪት ተመሊሱ ንልኡላውነትና ዝህድድ ኣብ ዝመስል ቁማር ይኣቱ ኣሎ። ንሕና ደለይቲ ለውጢ ከኣ ዝሓዝናዮ ዕማምን ኣቕጣጫን ህዝባዊ፡ ወድዓውን ርትዓውን ክነሱ፡ ብሰንኪ ጉዳይና ብግቡእ ከነመሓደርን ፋሕ ዝበለ ዓቕምና ክንእክብን ዘይምብቃዕና ብመንጽር ትጽቢት ህዝብና ንቕድሚት ክንስጉም ኣብ ዘይክኣልናሉ ህሞት እናሃለና ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክም ህዝብን ሃገርን ኣትሪርካ ናይ ምድሓን ዕማም ተደሪቡና እነሆ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ምስቲ ኣሚሙ ዝሰርሓሉ ዘሎ መደብ ምስ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ሓቢርካ ምቅላስ፡ ወጢንዎ ዘሎ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፍን ካለኦት እዋናውያን መደባቱን ጐኒንጐኒ፡ ምስ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኮይኑ ነቲ “ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዶብ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ክውዳእን መስርሕ ምምላስ ዝምድና ክልቲኡ ሃገራት ከኣ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ማእከል ገይሩ ኣብ ንጹርን ግሉጽን ስምምዓት ኣትኪሉ ክትግበርን” ዝብል ጭረሖ ኣጉሊሕና ክንቃለስ ምዃና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ንገልጽ።

ክብሪ ንባሕቲ መስከረም፡ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ

1 መስከረም 2018

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ጽቡቕ ከምዘይነበረ ጌና ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከይበጽሐ ዝተረዳእናዮ እዩ። ኣብቲ ከምዚ ሎሚ ከይገዘፈ ውሱን ምልክት ዘርእየሉ ዝነበረ በብዝጥዕመና ኣገባብ ክንገልጾን መተካእታ ከም ዘድልዮን ክንሕብር ጸኒሕና። ምሕባር ጥራይ ዘይኮነ መተካእታ ሓሳብ ንምምጻእ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ማሕበራት ካብ እንውደብ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። እቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ስቓይ ቅጭጭ ከይበሎ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ብወገኑ ብዘይሕብእብእ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ዘረድእ “ኣነ እየ ህዝብን ሃገርን” ዘስምዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት መርተዖታት ክህበና ጸኒሑ እዩ።

ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ መተካእታ ምምጻእ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነ ናይ ህልውና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ። ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ዝበቅዕ ቅሩብነት ኣርኢና ካብ እንንቀሳቐስ’ውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ 2001 እቲ ስርዓት ጸረ-ህዝብነቱ እምብዛ ሳዕሪሩ ንወጻዒ ባህርያቱ ብሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ለበዳ ምስ ኣረጋገጾ ብዙሓት ኣብ ሕቑፍኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ደንበ ተቓውሞ ተጸንቢሮም እቲ ናይ ለውጢ ደንበ ኣዝዩ ዝመቖሉን ናይ ህዝብና ናይ ለውጢ ባህጊ ሰማይ ዝዓረገሉን ደረጃ በጺሑ ነይሩ። እቲ ባህጊ ግና ብዝድህሰስ መተካእታ ኣይተሰነየን።

ወጻዒ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ብናትና ዳህሳስ ድዩ ብናቱ ቅሉዕ ትዕቢተኛ ተግባራት ንጹር ምንባሩ ንቐጻሊ ቃልስና ኣገዳሲ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዝኸበደ ነቲ ሕማቕ ባህሪኡ ምርዳእ ዘይኮነ፡ መተካእታ ምቕራብ ምንባሩን ምዃኑን ከኣ ህልዊ ኩነታትና መስካሪ እዩ። ሓደ ጸገም ጠንቁ ምስተፈልጠ መድሃኒት እንተረኺብካሉ ሓጋዚ እዩ። እንተኾነ ነቲ ጸገም ፈሊጥካዮ ክንስኻ መተካእ እንተ ዘይረኺብካሉ ፋይዳ የብሉን። እዚ ከኣ ንሕና ንዘለናዮ ሃለዋት ዘመልክት እዩ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ብኹሉ ማኣዝናት ክረኣይ እንከሎ፡ ኣብ ዝርዝር ከይኣተኻ ኣስካሕካሒ እዩ። ናይቶም መተካእታ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዘለና ወገናት ንጥፈት ብኣንጻር’ዚ ክንህር ዝግበኦ ኣይከኣለን። ብኻልእ ኣዘራርባ ንሕናን ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍን ብማዕረ ንደኽመሉ ዘለና ዘይንቡር ኩነታት ንዕዘብ ኣለና።

ተልእኮን ዕላማን ሓይልታት ለውጢ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓጺር ጸሚቝካ ክቐርብ እንከሎ ንወጽዓ ህግደፍ ዓጺፍካ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ መተካእታ ኮይንካ ምቕራብ እዩ። እዚ ዕማም’ዚ ቀሊል ከምዘይኮነ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ከም ዝከኣል ግና ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ መስርሕ እዩ። ኣብ ከምዚ ንሕና ዘለናዮ ብብዙሓት ኣገባብ ውዳበታት ዝግለጽ ሃለዋት ብቑዕ መተካእታ ንምዃን ካብ ዘኽብድዎ ምኽንያታት እቲ ዕማም ናይ ብዙሓት ሰብ ጉዳይ ብምዃኑ፡ እቶም ሰብ ጉዳይ ኣብ ሓደ ርኢቶ ክጽመዱ ስለ ዝኸብድ እዩ። እንተኾነ እዚ እውን ፍልልያትካ ወጊንካ ኣብቶም ዘሰማምዑኻ ብሓላፍነት ክትሰርሕ እንተተቢዕካ ስለ ዝከኣል ምኽኑይ መህደሚ ጌርና እነቕርቦ ኣይኮነን። ነዚ ብዙሓት ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዘተኸተላ ሃገራት ዘረጋገጸኦ እዩ። ስለዚ ነቲ ዝከኣል ናይ ዘይምኽኣልና ናትና ድኽመት ዘመልክት ምዃኑ ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ።

ካብዚ ዘለናዮ ሓላፍነታዊ መልክዕ ዘይሓዘ ኣተሃላልዋ ንምውጻእ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ፈተነታት ኣካይድና ኢና። ብዘይካቶም ብዙሓት ውድባት፡ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ዝተሳተፍሎም፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እንብሎም፡ ኣብ ሕድሕድ ክልተ-ሰለስተ ውድባት ክፍተኑ ዝጸንሑ ዝምድናታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ኣብ ውጽኢት ክንመጽእ እንከለና ግና ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሕጂ ሓቢርካ ናይ ምስጓም ፈተነታትና ኣይተዓወቱን። ናይዚ ዘይምዕዋት ጠንቂ ኩልና በብደረጃና በብጽሒትና እንወስደሉ ድኽመታት እዩ። ንድኽመታትና ጉጅለ ህግደፍ እውን ዕድል እንተረኺቡ መሊሱ ከም ዘጋድዶ ፍሉጥ እዩ። እቲ መተካእታ ናይ ምዃን ዕማምን ሓላፍነትን ግና ሕጂ እውን ንዓና እዩ ዝጽበየና ዘሎ። እቲ መዋጸኦ ከኣ ካብ ሰማይ ዝወርድ ህያብ ዘይኮነ፡ ንሕና ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ተማሂርና እነዕርዮ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሓንሳብ ሕማቕ ምስ በልካዮ ኣብኡ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ ኣብ ቀጻሊ ዕቤት ዘሎ እዩ። እቲ ዕቤት ናበይ ገጹ’ዩ ንዝብል ኣብቲ ቅድም ዝሓዞ ናብ ቁልቁል ዝንቆት ዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እውን ነቲ ናይ ጥፍኣት ኣቕጣጫ መመሊስካ ምትራሩ እንተዘይኮይኑ መተካእታ ከምጽእ ዘበት እዩ። ሎሚ ንሕና ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ብኸመይ ከም ዝረጋገጽ እንዳሻቐለና ካልእ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ዝመስል ተርእዮ ምቕልቃሉ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ማዕረ ማዕረ’ዚ ሻቕሎት ሓይልታት ለውጢ ይንህር ከምዘሎ ዘዳዲ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ጀነቫ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ናይዚ ናህሪ መርኣያ እዩ። እቲ ፍታሕ ግና በቲ ኩነታት ምሽቓልን ምንሃርን ዘይኮነ፡ ነቲ ሻቕሎት ናብ ራህዋ ዝቕይር ውዱብ መተካእታ ኮይንካ ክትቀርብ ምብቃዕ ጥራይ እዩ። እሞ ብመንጽርዚ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለና? ንዝብል ሕቶ መልስና “ጌና ነቲ ብቑዕ መተካእታ ናይ ምዃን ፈተና ኣይሓለፍናዮን” ዝብል ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ዕንክሊል ዘባኸናዮ ግዜ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እንተኾነ ሕጂ እውን እቲ መተካእታ ናይ ምዃን ዕድልና ኣይተዓጽወን። እቲ ወጽዓ ኣይኮነንዶ ክውገድ መመሊሱ ኣብ ዝገደደሉ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ዘባኸናዮ ግዜን ዕድልን ናይ ምምላሱ ዕድል ኣሎ’ሞ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ቅድሚ ኩሉ ሰሪዕና ብመግለጽታትን ኣዋጃትን ዘይኮነ፡ ብተግባር ሓቢርካ ብምስጓም “ኣለናልካ” ንበሎ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብፍላይ ካብቲ ብ4 ሰነ 2017 ናይ ሓቢርና ንስራሕ እማመ መጸዋዕታ ምቕራቡ ንነጀው፡ ብዘይምቁራጽ ይጽውዕን ቅርቡነቱ ይገልጽን ኣሎ። ማዕረ ትጽቢቱ’ኳ እንተዘይኮነ ሰማዒ እዝኒ ኣይሰኣነን። ስለዚ ሕጂ እውን ነቲ ረኺብዎ ዘሎ ኣውንታዊ ምላሽ ብግቡእ ዓቂቡ እንዳሰርሓሉ ነቲ “ሓቢርና ብቑዕ መተካእታ ንኹን” ዝብል መጸዋዕታኡ ክቕጽሎ እዩ።

ርእስ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ ኣሻቓሊ ኮይኑ ካብ ዘሎ፡ እቲ ንድሕሪት ብዘይምለስ መስርሕ ስለ ዝተረጋገጸ ኣየሰክፈናን እዩ ክንብሎ ዝጸናሕና ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርና እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ቀረባ ግዜ ሒዝዎ ዘሎ ግልጹነት ዝጐደሎን ትካላዊ መስርሕ ዘይተኸተለን ወስታታት ጀሚሩ ስለ ዘሎ እዩ። እዚ ወስታታቱ ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ሕጂ”ኳ ውዱእ እንተዘይኮነ፡ በቲ ሓሓሊፉ ዘንጸባርቖ ዘሎ ስጉምትታት ኣብ ጉዳይ ክብርን ልኡላውነትን ኤርትራ ክትሻቐል ዘገድድ ምልክታት እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ሃወኽሃወኽ ምዃኑ ባዕሉ ዝዛረብ ዝምድና ዝምልከት ንጹር መብርሂ ክህብ ዘይምድላዩ፡ መርኣያ ናይቲ ዝኸዶ ዘሎ መስርሕ ዘይምዕራይ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ዝመረጾ መስርሕ ወትሩ ዘይብሩህ ምዃኑ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ንሉኡላውነት ሃገር ዝህድድ ዓብይ ዛዕባ ከርኣይ እንከሎ ግና ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን ንሕብረሰብ ዓለም እውን ዘገርም ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ነቶም ብድሕሪት ኮይኖም ነቲ መስርሕ ዝኹብኩብዎ ዘለዉ ናይ ግዳም ሓይልታት ግና፡ መሃዝቱ ስለ ዝኾኑ ዘይክሕድሶም ይኽእል። ለኣኽቲ ህግደፍን ስለ ዝተማእዘዞም እንተነኣድዎን ወርቂ እንተሰለምዎን’ውን ክገርመና ኣይግባእን። ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክንዲ ግሉጽነት መሪጽዎ ዘሎ ካልእ ኣገባብ ነቲ ጉዳይ ብመሰረታዊ ዘይኮኑ ምስምሳት ምድፋን እዩ።

ምስ ኢትዮጵያ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ብጉጅለ ህግዲፍ ወግዓዊ መብርሂ ዘይምሃብ ናይቲ ምስምሳት ቀንዲ መግለጺ ኮይኑ፡ “ምምልካት ዶብ ናብ ዝኸደና የብሉን፡ ንምሕዳስ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ክንህብ ንደሊ ኢና፡ ናብ ዞባዊ ዝምድና ዝያዳ ከነድህብ ይግበኣና … ወዘተ” ዝብሉ ሓረጋት ከኣ ናይቶም “ቅድሚ ኩሉ ምርግጋጽ ልኡላውነት ሃገር” ክብሉ ዝጸንሑ ህግደፍን ውሑዳት መጋበርያታቱን መውጽእ ኣፎም ኮይነን ኣለዋ። እቲ ዝምድና ምስ ጐረቤትካ ኮነ ኣብ ርሑቕ ዝርከቡ ወገናት ብዘይምግናን ዝያዳ ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ይድግፍዎን ይቃለስሉን። ከምዚ ሰለ ዝኾነ ከኣ ንምሕዳስ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ክቃወምዎ ባህርያዊ ኣይኮነን። እዚ ግና ብዋጋ ልኡላውነት ኤርትራን ምድፋን ዘይተመለሰ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራን ኣይኮነን። ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላም፡ ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፤”ዝብል ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ከኣ ነዚ ዘነጽር እዩ።

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ጽቡቕ ኩለመዳያዊ ዝምድና ዶባት ካብ ምሕንጻጽ ዝህድም ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ይኹና ካብኡ ንላዕሊ ልኡላዊ ሃገራት ዝግበር ኣብ ንጹር ስምምዓት ዝምስረት ዝምድና እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ዝምድና ንድሕሪት ከይተመለሰና፡ ንምምልካት ዶብ ብመስረት እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክንህወኸሉ የብልናን ዝብል ብሂል መዳህለሊ ከይከውን ህዝቢ ኤርትራ ብጽሞና ክከታተሎ ዝግበኦ እዩ። ምናልባት ጉጅለ ህግደፍ ንናይ ህዝብና ናይ ሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን፡ ጽምኣትን ናፍቖትን መዝሚዙ ከረሳስዕን ከዳህልልን መደብ ከይህልዎ እቲ ሕቶ ናይ ጽባሕ ዘይኮነስ ሱር ከይሰደደ ክምለስ ዝግበኦ ናይ ሎሚ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እዚ ክንብል እንከለና ህዝብና ብኸምዚ ዓይነት መዳህለሊ ምስምሳት ዝሓለፈ ተመኩሮ ስለዘለዎ፡ ጉጅለ ህግደፍ እንዳሰሓሓቐ ናብ ዘይድለ ኩርናዕ ክወስዶ እዩ ዝብል ስግኣት’ኳ እንተዘየብልና ምዝኽኻሩ ከምዘይሓስም ንምርዳእ እዩ።

ካብ ተመኩሮና ከም እንርደኦ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ዘይግሉጽ ኣካይድኡ መሊሱ ንምሽፋኑ ኣብቲ ናይ ሓባር ረብሓን ተረድኦን ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ምክፍፋል ክፈጥር ድሕር ከምዘይብል ብዓንተቦ እንግምቶ እዩ። ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዘይፈላለየሉ ምዕቃብ ልኡላውነትን ምርግጋጽ ብኤርትራዊ ውድዕነት ዝተቓነየ ለውጥን ሓደ ኮይኑ ንቕድሚት ክደፍእ ግዜኡ ሎሚ እዩ። ወዮ “ምምላስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪኡ ነርክበሉ ቅድም ልኡላዊ መሬትና ነረጋግጽ” ክብል ዝጸንሐ ህግደፍ፡ ብጸቢብን ተበላጽን ጉጅላዊ ረብሓ ተደፊኡን ሰዲዑን ማእዝኑ ክቕይር እንከሎ ህዝብና ኣብ መትከሉ ገጥ ክብል ኣለዎ። ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ካልእ ማይ ዘይጠዓመ ማእዝን ኣብ ዝሓዘሉ “ደጋፊ ህግደፍ’ባ ተቓዋሚ ህግደፍ’ባ” ከይተበሃሃልና ዓቀብቲ ልኡላውነትናን ኣኽበርቲ ሕድሪ ናይቶም ምእንቲ ልኡላውነት ዝሓለፉ ሰማእታትናን ክንከውን ግዜ ይሓተና ከም ዘሎ ክንዝንግዕ ኣይግበኣና።

ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ መሳርሒ ናይቶም ጅቡኡ ዝመልእሉ ናይ ዞናና ሃብታማት እዩ ኮይኑ ዘሎ። እቶም ለኣኽቲ ስለቲ ዝተላእኮም ከም ዘሻህርትዎን ዘርስንዎን ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። ዓበይቲ መሰረታዊ ናይ ገዛ ዕዮኡ ከይዓመመ ናይዚ ከባቢ “ናይ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራስን” ክኸውን ሃንደፍደፍ ይብል ብምህላዉ ከም ዝዕዘብዎ ክንርዳእ ይግበኣና። እዞም ንጉጅለ ህግደፍ እንዳለኣኹ ዞናዊ ጽልዋኦም ዘበርኽሉ ኣካላት፡ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይና ከቐድሙልና ከምዘይኮኑ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ጉዳይና እቲ ካልእ መመላእታ ኮይኑ፡ ብኣና ኤርትራውያን ከም ዝውዳእ ተረዲና ባዕልና ሓላፍነት ክንወስድ ይግበኣና። ምናልባት እንተደኣ “ግድን ዶብ ይመልከት፡ ዝግበር ስምምዓት ንጹርን ኤርትራዊ ረብሓ ዘውሓሰ ይኹን” እንተ ኢልና እቲ ክነፍስ ጀሚሩ ዘሎ ጽቡቕ ዝምድና ከይኩለፈና ዝብል ስግኣት ዘለዎ ኤርትራዊ ኣካል እንተል’ዩ፡ እኳደ ጽቡቕ ዝምድና ዝስውድ ነናትካ ሒዝካ ምስ እትከባበር ምዃኑ ክበርሃሉ ይግባእ።

“ቀራና” እንብል ኣብ ቅድሜና ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ካብኣቶም ሓደ ምምራጽ ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ክገጥሙና እንከለዉ እዩ። ካብዞም ምርጫታት እቲ ሓደ ዘልምዕ እቲ ካልእ ከኣ ዘጥፍእ ስለ ዝኾኑ፡ ነየናይ ክትወስድ ክትውስን እንከለኻ ኣዝዩ ኣጸጋምን ጥንቁቕን መስርሕ እዩ። ኤርትራ ሃገርናን ህዝባን እምበኣር ብብዙሓት ከምዚ ዝኣመሰሉ ናይ መጻብቦ ቀረናታት እዮም ክሓልፉ ጸኒሖም።

ኣብ ኣርበዓታት ንሃገርና ናይ ቀረባ ንጠቕሞም ዝሃርፍዋ ሓይልታት ጥራይ ዘይኮኑ፡ እንተላይ ናይ ርሑቕ ክሳዳዊ ኣቀማምጠኣ ዘብሃጎም ሓይልታት እውን ከይተረፉ ምስ ዘረይዋ ኣብ ኣጸጋሚ ናይ ቀራና መንገዲ ሃለዋት ኣትያ። እቶም ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ሓይልታት ከኣ ካብቲ ቀራና ንምውጻእ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ንረብሓኦም ከምዝውዕል ንምግባሩ ኩሉ ናይ ሓይልን ምፍልላይን ሜላታትን ጸቕጥታትን ኣካይዶም። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ወይ ተቓሊስካ መሰል ርእሰ ውሳነኻ ምርግጋጽ ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ወጽዓን ባርነትን ምንባር ዝብል ቀራና መንገዲ “ ቃልሲ ምእንቲ መሰል ርእሰ ውሳነኻ” ዝብል ውሕሉል ግና ድማ ክቡር ዋጋ ዝሓተተ ምርጫ ዛዚምዎ። ሳላ ውሕሉል ምርጫ ዝመረጸ ከኣ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፈለ መስርሕ ቃልሲ ብምሕላፍ ናይቲ ካብ ቀራና ንምውጻ ዝወሰዶ ምርጫ ቅንዕና ኣረጋጊጹ ናጽነቱ ዓቲሩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን በብግዜኡ ብዙሓት ቀራናታት ኣጋጢመምዎ። እቲ “ኣወ ወይ ኣይፋል ንናጽነት” ዝብል ሕቶታት ዝሓዘ ቀራና’ኳ ኣቐዲሙ ብናይ 30 ዓመታት ቃልሱ ኣረጋጊጽዎ ስለ ዝጸንሐ እምብዛ ንምውሳኑ ዘጸገም ቀራና ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝነበረ ከኣ ኣብ ረፈርንዶም ልዕሊ 98 % ካብ ህዝቢ ኤርትራ “እወ ንናጽነት” ብዝብል ውሳነኡ ደምዲምዎ።

ልኡላዊት ኤርትራ “ብኸመይ ትመሓደር” ዝማእከሉ ብዙሕ ዝርዝራት ዝሓቖፈ ቀራና እውን ካልእ ብደሆ ነይሩን ኣሎን። እቲ ምርጫታት፡ ብሓደ ወገን፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝዋንኡ “ኤርትራ ኣብ ዕጽው ፖሊሲ፡ ኩሉ መሰላት ዝተሓረማ፡ ውልቀ ሰብ ልዕሊ ሕግን መንግስታዊ ትካላትን ዝስረዓሉ” ነይሩ። በቲ ካልእ ከኣ እቲ ተቓሊሱ ነጻነት ሃገሩ ዘውሓሰ ህዝቢ ኤርትራ ዝዋንኡ “ደጊም ኤርትራ ብሕገመንግስታዊ፡ ኩሉ መሰላት ዘኽብር፡ ልዕልና ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዘረጋግጽን ሕጊ ልዕሊ ሰብ ዝኾነሉን ስርዓተ መንግስቲ ይሃልዋ” ዝብሉ ሓሳባት ዝተፋጠጥሉ ቀራና ነይሩ። እንተኾነ ህግደፍ ህዝቢ ንዝብሎ ክርዕመሉ እምበር ድሌትን ጠለብን ህዝቢ ዝርዕም ባህሪ ስለ ዘይነበሮን ዘየብሉን፡ እቲ ቀራና ከምቲ ናይ መድረኽ ሪፈረንዱም ብቐሉሊሉ ኣይተሰግረን። ኣብዚ መዳይዚ ሕጂ’ውን ጌና ኣብቲ ቀራና ኢና ዘለና። ኣብዚ ቀራናዚ ዝውሰድ ግጉይ ምርጫ ከኣ ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ምልክታቱ ካብ እንርኢ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ግዜ ነቲ ካብ ቀራና ዘውጽእ ናይ ህዝቢ ምርጫ ንምኹላፍ፡ ብዘይካቲ ምኽንያታት እንዳፈጠረ ንህዝቢ ዝኣስሮ፡ ዝቐትሎ፡ መሰል ሰሪሕካ ምንባር ዝኸልኦ፡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኩነታቱ ዝርኢ፡ ናብ ግዳም ከም ዘመዓዱ ንምግባር ዝሕግዝዎ ተንኮላት ካብ ምምሃዝ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ነዚ መዳህለሊ ሜላ ብሃንድበት ዝወስዶ ዘይኮነ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ምስ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ህዝቢ ዘየሳትፍ፡ ብትካላዊ መስርሕ ዘይክተል ርቡጽ ናይ ሰማይሰማይ ዘመዓዱ ዝምድና ነቲ ናይ ህዝብና ናይ ሰላም ክቱር ህርፋን ብምምዝማዝ ዝተማህዘ መዳህለሊ እዩ። ኣብዚ ሰላም ከምዘይጽላእ ርዱእ ኮይኑ፡ ብዛዕባቲ ሰላም ሓዚልዎ ዝመጽእ ሳዕቤናት ምስትብሃል ከኣ ኣዝዩ ኣድላይ እዩ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ቀራና ኣብ ልዕሊ ቀራና ዘጋጠመሉ እዩ። ጌና ንኤርትራ ብኸመይ ንመሓድራ ካብ ዝብል ቀራና ከይወጻእና፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንኤርትራ ከም ሃገር ናበይ ገጹ ይወስዳ ከምዘሎ ዘይንረደኣሉ ተደራቢ ቀራና ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እነሆ። ነዚ ሓድሽ ቀራና ናይ ብሓቂ ቀራና ምዃኑ ዝምስክሩ ጉዳያት ብዙሓት ኮይኖም፡ ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ዶ/ር ኣብይ ክመርሓና ወኪለዮ ኣለኹን ዋዛ ዝመስል መልእኽቲ፡ ከምኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም ዝበሎ መርዛም ሓሳብ፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና ዝበሎ ሓረግ፡ ኣቶ መስፍን ሓጐስ ኢሳይያስ ኣብ ድሮ ነጻነት ኤርትራ ምስ ኢህወደግ ሓደ መንግስቲ ክምስርት ይደናደን ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ብጉዳይ ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓቲቱ፡ ክሳብ ሕጂ ጉዳይ ዶብ ኣየዓልናዮን፡ ካልኣዊ ደረጃ እዩ ብዝብል ዝሃቦ መልስን ደጋጊሙ “ነቲ መንደቕ ኣፍሪስና ድንድል ሃኒጽና” ዝብሎን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ናይዚ ዘለናዮ ቀራና ህሞት ኣገረምቲ ብሂላት እዮም።

ነዚ ሓድሽ ቀራናታት ክንመምዮ እንከለና፡ ነቲ ኣብቲ ብናይ ዶብ ምስሕሓብ ምስምስ ዝተኸፍለ መሪር መስዋእቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንክብሪ’ቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ዝተኸፍለ መስዋእትነት እውን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትው እዩ። ስለዚ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብናይ ደገ ሓይልታት ተስፋታትን መብጸዓታትን ሰኺሩ፡ ካብ ብዙሓት ዘህርፉ ምርጫታት ነየናይ ከም ዝወድ ዓዊኑ ከለፍለፍ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ወሳኒ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስኡ ከይዓብድ ክጥንቀቕ ይግበኦ። እዚ ግዜዚ እቶም “ዓገብ ኣንጻር ወጽዓ” ኢሎም ክቃወሙ ዝጸንሑ ብግዝያዊ ዘብለጭልጩ ጭረሖታት ከይሰድዑ ዝያዳ ቃልሶም ክሕይሉ፡ እቶም ንህግደፍ ክድግፉ ዝጸንሑ ወገናትና ከኣ “ክሳብ እትኣምን ኪድ፡ ካብዘይተኣምን ግና ተመለስ” ኢሎም ናብ ልቦም ክምለሱ ኣብ ዝግደድሉ ወሳኒ እዋን ኢና ንርከብ ዘለና።

ርእስ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ፖለቲካዊ ጉዕዞ ሃገርና ርግኣት ዝሓረሞ ኣብ ሓፍዞቕ ዝተመስረተ ምዃኑን ምንባሩን ተመኩሮና ይምህረና። ካብቶም ከምዚ መልክዕ ክሕዝ ዝድርኽዎ ምኽንያታት ወትሩ ኣቀማምጣ ሃገርና ናይ ዝመስጦም ሓይልታት ግዳም ረብሓ ዘንጸላልዋ ምንባሩን ምዃኑን እዩ። እዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ቀንዲ መርኣያ ታሪኽና ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለም፡ ኤርትራ ከም ኩለን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸነሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ግቡእ ናጽነታ ከይትረክብ ዝደረኸ ጠንቂ ከኣ እዚ ነዊሕ ኢድ ናይ ግዳም እዩ። ናይ ሽዑ ኮነ ናይ ሎሚ ሰብ ነዊሕ በትሪ ሓይልታት ወጻኢ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ነነብሰን ኣኽኢልካ ዘይኮነ ንኤርትራን ህዝባን ግዳይ ብዝገብር ጐባጢ መልክዕ ዓምጺጽካ ምሓዝ ዝብል እምነት ከም ዝነበሮም ሎሚ’ውን ከም ዘለዎም ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ብዙሕ ምዕራፋት ቃልስና ከም ዝይተራእየ፡ እቶም ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ እንዳሃለወ “ንሕና ኣለናልካ” እንዳበሉ ናብቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ዝጐትዎ ናይ ግዳም ሓይልታት ጥራይ ኣይነበሩን። ከምቲ “ገረብ ብሓኽላ ወይ መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ” ዝበሃል ህዝቢ ንምትላል ዝዋፈር ኤርትራዊ ሓይሊ እውን ነይሩ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ምናልባት ደኣ ድምጹ ዝሰምዓሉ ዓቕሚ ይስእን ነይሩን ኣሎን እምበር፡ ከቶ ረብሓኡን ዕላምኡን ካብ ልኡላዊ ክብሪ ሃገሩ ከምዘይፍለ ዘንጊዑ ኣይፈልጥን። ብሰንኪ ዕድል ምስኣኑ ግና ክሳብ ሕጂ ባህጉ ኣይሰመረሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ቃልሱ ምእንቲ ናጽነት ካብ ዝጅምር፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ናጽነት ሃገሩን ክብራን ከም ብሌን ዓይኑ ክሕሉ ዝጸንሐ ህዝቢ እዩ። እቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድሕሪ ናጽነት ንኤርትራ ዝመረሓ ናይ ሎሚ ህግደፍ ነዚ ሕኑን ኤርትራዊ ስምዒት ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ብጉርሒ ክኸይድ ዝጸንሐ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ናጽነቱ መሰረታዊ መሰላቱ ንክሕለወሉ ዘቕርቦ ዝነበረ ጠለባት ምስ ባህሪ እቲ ገዛኢ ጉጅለ ስለ ዘይሳነ፡ እቲ ጉጅለ ካብኡ ንምህዳም ብዙሕ መዳህለሊ ተንኮላት ክምህዝ ጸኒሑ። ካብቲ ተንኮላቱ እቲ ብዝጐልሐ ክትርጎሞ ዝጸንሐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ምእንቲ ከይርኢ ብጉዳይ ፍቕሪ ሃገሩ ኣሰናቢድካ ናብ ግዳም ጥራይ ከም ዘመዓዱ ምግባሩ እዩ። ናይቲ ብየመንን ብሱዳንን ጀሚርካ ክሳብ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየድ ውግኣት ከኣ መልእኽቱ እዚ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣዞም ምስ ጐረባብቲ ዝተኻየዱ ውግኣት ምስቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ውግእ ኣወዳዲርካ ክካየዱ ዘይግበኦም ከምዝነበሩ ደጋጊምና ክንብሎ ዝጸናሕና እዩ።

መንግስቲ ህግደፍ ድሕሪ’ቲ መሪር፡ ኣዝዩ ዘስካሕካሕ ጉድኣት ዘውረደን ዘይናይዶብ ክንሱ “ናይ ዶብ” ዝብል ስም ዝተዋህቦን ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ጠጠው ኢሉ፡ ናብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ምስ ተመርሐን ምስ ተወሰነን፡ ቀራን ተሓላቓይ ናይቲ ውሳነ ኮይኑ ጸኒሑ። በቲ ካብ ልቡ ዘይነቐለ “ቅድሚ ኩሉ ጉዳይ ዶብ ተመልኪቱ ልኡላውነት ክዕቀብ ኣለዎ” ዝብል መኸተ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዝዎ ጸኒሑ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ እቲ ጉጅለ ከምኡ ኢሉ ስለ ዝጨረሐ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕልቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዋጋ ዝኸፈለሉ ልኡላውነት ዘለዎ ክቱር ፍቕሪ፡ ንኩሉ ሳዕቤናቱ ክኢሉ ንናይ ሓሶት መርገጽ ጉጅለ ህግደፍ ክድግፎ ጸኒሑ። እዚ ከኣ ዝያዳ ኩሉ ህዝብና ሕጉግ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ብዘይህዝባዊ ወኸሳ፡ ብኣዝዩ ቅልጡፍ ፍጥነት፡ ብፍጹም ህዝብና ዘይተጽበዮ “ጉጅላዊ ረብሓይ ይሕልወለይ” ኣብ ዝበሎ ኩርናዕ ተኾይጡ እነሆ።

ኣቀያይራ መርገጽ ህግደፍ ቅልጡፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉዳይ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከይከውን እውን ዓብይ ስኽፍታ ኣሕዲሩ ዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕልቲ ናይ ቅድም ኣሰካፊ ቀልባዕብዑ፡ ልኡኻቱን መራሒኡን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ እዩ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምቕሉል መራሒ ረኺብና፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም፡ ሓድሽ ታሪኽ’ዩ ዝስራሕ ዘሎ፡ ዶር ኣብይ ክመርሓና ኣረኪበዮ ኣለኹ” ዝብሉ ሓረጋት ህግደፍ ብ “ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ስረሓት ክሰርሕ ሓላፍነት ተረኪበ ኣለኹን ናይ ወሰን ጉዳይ ብናይ ፍቕሪ ድንድል ሰጊርናዮ ኢናን” ዝብሉ ጥቕስታት መራሒ ኢትዮጵያ ተቓሚሞም ምቕራቦም ከኣ ዓሚቝ ስግኣት ፈጢሮም ኣለዉ። ገለ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ መራሒ ህግደፍ ይፈልጡ ዝበሃሉ ወገናት፡ እዚ ጉዳይ ሓድሽ ዘይኮነስ ተሓቢኡ ግዜ ክጽበ ምስ ጸንሐ፡ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎ ስምዒት ከም ዝመስል ምጥቃሶም ከኣ ነቲ ስኽፍታ ናብ ሓደገኛ ሻቕሎት ከምዘዕርጎ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ኩሉቲ ካልእ ገዲፍካ ነቲ ናይ መራሒ ህግደፍ ንቡር ዘይኮነ ቀልባዕባዕ፡ ካብ ኣካይዳኡ ጀሚርካ ክሳብ ኣሰሓሕቓኡ፡ “እገለ ካባይ ይሓይሽ” እትብል ቃል ወጺኣቶ ዘይትፈልጥ፡ ሕጂ ዶ/ር ኣብይ ይምረሓና ክብል ዝሰምዑ ወገናት፡ ኩሉ እቲ ዲክታቶር ክገብሮ ዝቐነየ ናቱ ዘይኮነስ፡ ናይቶም ምስ ኣብይ ጸሚዶም ዝሓርስዎ ዘለዉ፡ ካሮትን በትርን ዝዓተሩ ሓይልታት ድፍኢት እዩ ኢሎም ዝድምድሙ ብዙሓት እዮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኣስመራ 5 ነጥብታት ዝሓዘ ኣቐዲሙ ብካለኦት ወሓላሉ ክኽሸን ዝጸንሐ ስምምዕ ተፈራሪሞም። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ከቕረቦ ዝጸንሐ ኣብ ኩነታት ናብ ንቡር ምምላስ ዘድሃበ እማመ ኮይኑ፡ እታ ንውሳነ ኮሚስሽን ዶብ እትምልከት እሞ ኢሳያስ ንዝሓለፈ 17 ዓመታት ከም ሽግ ዓቲሩዋ ዝጸነሓ ሓሳብ ግና ኣብቲ ሓደሓደ ዝተርፉ ንኡሳን ጉዳያት ዝሓዘ ዘንቢል ምስፋራ መመሊሱ የገርመካ።

እቲ ቀንዲ ጉዳይ እምበኣር ኢሳያስ ብዛዕባ ሕንኩ ቀንጢጡ ዝመረጾ ርቡጽ መንገዲ ደጋጊምካ ምዝንታውን ምግራምን ኣይኮነን። እቲ ቀንድስ ንሕና እቶም ክብሪ ህዝብናን ሃገርናን ብሓደ ወገን ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ከኣ በቲ ካልእ ወገን ዝምልከትና ወገናት ክንገብሮ ዝግበኣና ክንገብር ምብቃዕ እዩ። ስለዚ ዓው ኢልና እሞ ከኣ ንህግደፍ ብዝምችእ ፋሕፋሕ ኢልና ዘይኮነ፡ ብስሙርን ሕቡርን ሓላፍነታዊ ድምጺ፡ “ኤርትራ ብቕዋምን ግዝኣተ-ሕግን ክትመሓደር፤ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፤ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተርፍ ብሕግን ብግዜን ዝተወሰነ ኣገልግሎት ጥራሕ ክኸውን፤ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራዊ ዜጋ ከይተሽራረፉ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ፤ ተቓወምቲ ስርዓት ህግዲፍ ብናጻ ኣብ ሃገሮም ዝንቀሳቐስሉ ባይታ ምፍጣር፤ ናይ ዕርቅን ይቕረ ምብህሃል መድረኽ ምኽፋት።” ናብ ዝብሉ ህልውና ሃገር ዘውሕስን ለውጢ ዘረጋግጽን ቃልሲ ከነሕይል ይግበኣና።

ህልዋት መራሕቲ ህግዲፍ ይኹኑ ቀዳሞት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንጸላእየይ ጸላኢኡስ ፈታውየይ ኢዩ ዝብል ፖሊሲ እዮም ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ጸኒሖምን ጌና እውን ዘውዕሉ ዘለዉን። ኣብ 1980ታት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ነታ ሽዑ መቓናቕንቶም ዝነበረት ሃገራዊት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምድምሳስ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተመሓዝዮም ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ኣካየዱ።

ቅድሚ ሰማንያታት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ተሓኤ ኢያ ነይራ። ንተሓኤ ንምጥቃዕ ኣብ ዝወጠንሉ እዋን ግን፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ክትኣቱ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኩሉ ዝከኣሎም ገበሩ። ሃይለማርያም ማሞ ዝተባህለ ናብ’ቲ ከባቢ ዝተመደበ ካድር ህዝባዊ ግንባር፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ባድመ እንተፈቲኹም ስቕ ኢልኩም ብወያነ ተመሓደሩ፡ እንተጸሊእኩም ድማ መሬቶም ለቒቕኩም ናብ ዝደለኽምዎ ቦታ ኪዱ እናበለ ንብዙሓት ኤርትራውያን ንስደትን ምፍንቃልን ከምዘዳረጎም ነበርቲ ባድመ ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ባድመ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ወያነ ምስ ኣተወት እውን እቶም ዝተረፉ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ሜላታት ካብ ባድመ ከምዝባረሩ ተገይሩ ኢዩ። ኣብ መደበራት ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ደቂ ባድመ ድማ ህያው ምስክርነት ናይ’ዚ ታሪኽ’ዚ እዮም። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ተገዲዶም ንውሽጢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግዓዙ ኤርትራውያን ተቐማጦ ባድመ ድማ ማእለያ የብሎምን።

ምሕዝነት ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ጽቡቕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ደገፍቲ ህዝባዊ ግንባር ህወሓት ኣብ ውግእ ኣይተኽፈለን እናበሉ ብመራሕቶም ዝተዋህቦም ፕሮፓጋንዳ ክደጋግሙ ንተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ከም ሓሰውቲ ክገልጹ እዮም ዝውዕሉ ነይሮም።

ኣብ’ቲ ክሳብ 1997 ዝቐጸለ ምሕዝነቶም ከኣ ኣብ መንጐኦም ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ስምምዓት ገይሮም ምንባሮም እውን ዝዝከር ኢዩ። ዶባትና ናብ ትርጉም ዘይብሉ ብርኪ ተሰጋጊሩ ኢዩ እናበሉ ክጅሃሩ እውን ተሰሚዖም እዮም። ኢሳያስ ኣፍወርቂ መራሒ ናይ ዝሓበራ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኸውን ባህጊ ከምዝነበሮ ክንፈልጥ ምኽኣልና ድማ “ምቕናይ ግርም” ዝብል ኣበሃህላ ጥራሕ እዩ ዘዘኻኽረካ። ነብስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊኸ፡ እንታይ ኮን ተሰሚዕዎ ይኸውን?

ጽንሕ ኢሎም ግን፡ እቶም መሓዙ ዝነበሩ ክልተ ውድባት ንዝገበርዎ ስምምዓትን ውዕላትን ገዲፎም ብዶብ ኣመሳሚሶም ናብ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ናይ 1998-2000 ዓ.ም ኣዕናዊ ውግእ ኣተዉ። ኣብ’ዚ ውግእ’ዚ ዝሃለቐን ዝሰንከአልን ሰብ፡ ዝበረሰ ንብረት፡ ዝጠፍአ ገንዘብ፡ ዝተሰደን ዝተፈናቐለን ህዝቢ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ማእለያ የብሉን።

ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ደው ድሕሪ ምባሉን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀያድን ናይ መወዳእታ ብይን ድሕሪ ምሃቡን ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ …..ብይን ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያ ቀያድን ናይ መወዳእታን ስለዝዀነ፡ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ…. ዶባትና ከይተመልከተ፡ ኣብ ልዝብ ኣይንኣቱ ኢና…ብይን ኮሚሽን ዶብ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ግን፡ ንሕና ንጽባሒቱ ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያ ከነሐድሶ ኢና… ክብል ከሎ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ንሕና ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብመርህ ደረጃ ተቐቢልናዮ ኣሎና ንምትግባሩ ግን ቅድም ናብ ልዝብ ክንኣቱ ኣሎና ይብል ነበረ። ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት በዚ ሓሓሊፉ ተዅሲ ዝኽፈተሉ፡ ንዕምሪ ስልጣን መራሕቶም ንምንዋሕ ዝዓለመ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኣሰልቻዊ ፖሊሲ ን20 ዓመታት ዝኣክል ብናይ ጽልኢ ዓይኒ እናተጠማመቱ ክኸዱ ተገደዱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ህዝባዊ ማዕበል ዘስዓቦ ለውጥታት፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፡ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክለዓል፡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ዘኽእል ማዓጹ ከፈተ። ብ5 ሰነ 2018 ድማ፡ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ድልዊ ምዃኑ ኣፍለጠ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ብ8 ሓምለ 2018 ድማ ናብ ኤርትራ ብጽሖት ገበረ። ብወገን ህወሓት ድማ፡ ጕንጺ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላም ክፍታሕ ንድግፍ፡ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላኡ ግን ብልዝብ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ምስ’ቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘይሳነ፡ ናይ መርገጻት ከንጸባርቕ ተሰምዐ።

ስርዓት ኤርትራ፡ ነቲ ጸላኢ ጸላኢየይ ፈታውየይ ዝብል ስልቱ ኣብ ግብሪ ዘውዕለሉ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ነቲ ዶብና ከይተመልከተ ወይ ከይተሓንጸጸ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይንላዘብን ዝብል እውጅ መርገጹ ገዲፉ፡ ብመንጐኝነት ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ብምስጢር ክራኸብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ20 ሰነ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ክሰድድ ምዃኑ ኣፍለጠ። ንኻልኣይ ግዜ ድማ፡ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ካብ ዝብል ፖሊሲኡ ተበጊሱ፡ ብዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራን የማነ ገብርኣብ፡ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኤርትራን ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ለኣኸ።

ስዒቡ ድማ፡ ንኢትዮጵያ ብጽሖት ድሕር ምግባሩ፡ ብዘስደምም ፍጥነት፡ ኤምባሲታት ክኽፈት፡ ነፈርቲ ካብን ናብን ክልቲኡ ሃገራት ክበራ፡ ወደባት ኣብ ኣገልግሎት ክልቲኡ ሃገራት ክውዕል፡ ጽርግያታት ክሕደሱ፡ ተጓዓዝቲ ክልቲኡ ሃገራት ቪዛ ኣብ ኣየርፖርት ናይ’ቲ ዝኣተውሉ ሃገር ክወስድ ወዘተ ዝብል ስምምዓት ኣብ ግብሪ ክውዕል ይርአ ኣሎ።

ጕዳይ ምምልካት ዶብ ግን ኣብ’ዚኣ ዝብሃል ዘይብላ ህጥም ኢላ ተረፈት። ብኣንጻሩ፡ …ዶብ ወይ ድንበር ኣይዓግተናን ኢዩ…፡ ብፍቕርን ይቕሬታን ሰጊርናዮ ኢና፡ …እናተባህለ ብዳንኬራን ብጫውጫውታን ኢዩ ዝሕለፍ ዘሎ።

ዘበን ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ እዩ ኮይኑ ነገሩ። ዶብ ከይተሓንጸጸ ምምሕያሽ ዝምድናታት (normalization) ብዘስደምም ፍጥነት ንቕድሚት ክውንጨፍ ኢዩ ዝርአ ዘሎ። እቲ ን20 ዓመታት ኮለል ዘበለና ጭርሖታት ደኣ ኣበይ ኣተወ?

እዚ ናይ ዳንኬራ መድረኽ፡ ልክዕ ከም’ቶም ቀዳሞት ናይ ዳንኬራ መድረኻት ምስ ሓለፈ፡ እቲ ዝናብን ማዕበልን ምስ ሃደአ፡ እቲ ፍታሕ ዝደሊ ጕዳያት ባዕሉ ኣብ ቅድሚ ክልቲኦም መራሕቲ ክድቀን ኢዩ። እቲ ሰይጣን ኣብ ዝርዝር ኢዩ ዘሎ ዝብሃል ምስላ ድማ ክመጽእ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብኸመይ ንተግብሮ ምስ ተባህለ፡ ፍልልያትን ዋጢጥን ዘይተርፍ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ሽዑ’ኸ፡ ክልተ ጐርሓት ሓሙኽሽቲ ስንቆም እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝፍለጥ የለን። ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብሪ እሙ ኢልካ ጥራሕ ምሕላፉ ኢዩ ዝምረጽ።

ስለ’ዚ፡ ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ስለዝዀነ፡ ብመጀመርያ ዶባትና ምምልካትን ወይ ምንጻርን ልዑላውነት ሃገርና ምውሓስን ዕሽሽ ዘይብሃሎ ዕላማ ህዝብናን ሰማእታትናን ስለዝዀነ፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ ኢልና ክንድርኽ ይግብኣና። ኣብ ርእስ’ዚ ድማ፡ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ጕዳይ ዶብ ጥራሕ ስለዘይኰነ፡ ነቲ ህዝብና ብድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ምጕንጻፉ ተሓሪምዎ ዘሎ መሰረታዊ ሓርነታትን መሰላትን ንምርግጋጽ ህዝቢ ኤርትራ ልክዕ ከም’ቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዓው ኢሉ ድምጹ ከስምዕን ንምርግጋጹ ዘድሊ ዋጋ ክኸፍልን ክብገስ ኣለዎ።

ስለ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከልዕሎም ዘለዎ እዋናዊ ጠለባት፡-

  1. ኤርትራ ብቕዋምን ግዝኣተ-ሕግን ክትመሓደር፤
  2. ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፤
  3. ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተርፍ። ብሕግን ብግዜን ዝተወሰነ ኣገልግሎት ጥራሕ ክኸውን፤
  4. መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራዊ ዜጋ ከይተሽራረፉ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ፤
  5. ተቓወምቲ ስርዓት ህግዲፍ ብናጻ ኣብ ሃገሮም ዝንቀሳቐስሉ ባይታ ምፍጣር፤
  6. ናይ ዕርቅን ይቕረ ምብህሃል መድረኽ ምኽፋት።

ላም ፍርቂ ጐድና ኣይትዓብር፡ ፍርቂ ጐድና ኣይትሃጥር ከምዝበሃል፡ እቶም ኣብ ሃገሮም ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ከረጋግጹ ዝደልዩ መንግስታትን መራሕትን ድማ ኣብ ኤርትራ እውን ንኽረጋገጽ ካብኦም ዝጥለብ ሓገዛት ከበርክቱ ይግባእ።

“…. መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናጽነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ክረጋገጽ ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዱም ዝወሰዶ መርገጺ፡ ብትግባረ ውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ከረጋግጾን፡ ብምስረታ ጽቡቕ ጉርብትናዊ ዝምድናን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ክዛዝሞን ይጽውዕ።

መንግስቲ ህግደፍ፡ ምርግጋጽ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት፡ ምስረታ ቅዋማዊ መንግስትን ግዝኣተ ሕግን፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ርግኣትን ኣብ ኤርትራ ከይረጋገጽ፡ ንኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምልካት ዶብ ከም ረቛሒ ጌሩ ዝህቦ ምስምስ ይዅንን።” (እዚ ካብቲ ኣብ 2ይ ጉባአ ሰዲህኤ ንኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝወሰኖ ውሳነ ዝተወስደ’ዩ")

መራሒ ህግደፍ ኣብ 20 ሰነ 2018 መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስመዖ መደረ ካብ ዝጠቐሰን ብዙሓት ኣዛረብት ሓረጋት “ጸወታ ተወዲኡ (Game is over )” እትብል እያ። ንሱ ብዛዕባ ናይ መን ጸወታ ይሕጭጭ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸወታ ተወዲኡ (Game is over) ክበሃል ዝግበኦ ግና እቲ ንሱ በቲ “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዳግማይ ኣይክትበርቕን እያ” ዝበሎ እሞ ደሓር መልሓሱ ዝሓየኸሉ ከይተማህረ ሎሚ ድማ እቲ “ዶብና ከይተሓንጸጸ ኣብ መኣዲ ዘተ ኣይንቐርብን ኢና” እንዳበለ ህዝቢ ከዕሽወሉ ዝጸንሐ ደሓር ከም ኣመሉ ዝጠንጠኖ ጸወታኡ እዩ።

ዝርዝር ናይቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈረመ ሓድሽ ስምምዕ ክንዕዘብ እንከለና ዋላ’ኳ እታ ንውሳነ ኮሚሽን እትምልከት ሓሳብ ንፍርዲ ኣይርትዑና ጽግዕ ኢላ እንተተጠቕሰት እቲ ዝርዝር ብትሕዝቶኡ እቲ ኣቶ ኢሳይያስ ክሕሰሞ ዝጸነሓ ናይ ኢትዮጵያ በዓል 5 ነጥቢ ፖሊሲ እዩ። ኢሳይያስ “ዶብ ከይተመልከተ ኣይንዛተን ኢና” ንዝብል ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ መኸተ “ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ ኢና ኢሎምና እንድዮም” ብዝብል መህደሚ እንተደበሶ ምስልባጥ ናይ ቀደሙ ስለ ዝኾነ፡ እምብዛ ንህዝብና ሓድሽ ኣይመኾኖን። እቲ ዘገርም ነዚ ከም ሓቂ ወሲዶም ከመላኽዕዎ ዝፍትኑ ኤርትራዊ ወገናት ክትረክብ እንከለኻ እዩ።

ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብርታቱን ልኡላውነትን ተሓልዩ ኩለመዳያዊ ሰላማዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክፍጠር ይድግፎ‘ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክቃለሰሉ ከም ዝጸንሓ እቲ ኣብ መቕድም ናይዚ ርእሰ-ዓንቀጽ ካብ መደብ ዕዮኡ ተቐንጭቡ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ብቑዕ መረዳእታ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሰዲህኤ እቲ ዝምስረት ዝምድና ቀጻልን ዘተኣማምንን ንክኸውን ኣብ ሃወኽሃወኽ ዘይኮነ ኣብ ድልዱል ባይታ ክስረት ኣብ ድሌት ህዝቢ ዘድሃበ ክኸውን ከም ዝግበኦ ይኣምን።

ኩልና ከምዘይንስሕቶ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰላማዊ ዘይኮነ ስርዓት ምስ ጐርባብቱ ዝምስርቶ ሰላም ዘተኣማምን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብመንጽርዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዓዱ እንዳመቑሐን እንዳቐተለን፡ ቅርዑይ ምምሕዳር እንዳነፈገ፡ ፍትሒ እናኸለአ፡ ብዘይሕገመንግስቲ እንዳገዘአ፡ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰል ዜጋታቱ እንዳጋሃሰ ከመይ ዓይነት ዓርኪ ክኾኖ ይሓስብ ከም ዘሎ እንድዒ።

ሰዲህኤ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውዳእ ዝደልየሉን ዝቃለሰሉን ምኽንያት፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ለውጢ ንክሃድም ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ ብምዃኑ እዩ። እቶም ንህግዲፍ ከመላኽዕሉ ዝጸንሑ ደጊም ዝብልዎ እንድዒ። ክሳብ ሕጂ ኣገዳስነት ለውጢ ኣብ ኤርትራ ከተምጸኣሎም እንከለኻ “ኣብ ደረጃ ኣይውግእ ኣይሰላም እንከለኻ ከይመይ ጌርካ እዚ ሕቶ’ዚ ይለዓል” ዝብል መመሳመሲ ምኽንያት እዮም ከቕርቡ ጸኒሖም። ድሕሪ ሕጂ’ውን ዝስናዕ መመሳመሲ ኣይሰኣንን ይኸውን። እንተኾነ ድሕሪ ሕጂ ዝመሃዝ መሕብኢ በዓቲ እምብዛ ከምዘየዕቅል ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ “ደጊም ናይ ምስምስ መጋረጃ ተቐሊዑ እዩ” እንብል።

ኣብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ቃልሲ፡ ምእንቲ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት ፍትሒ፡ ልዕልና ህዝብን ፍትሕን …. ወዘተ ምስቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ጸገም ክደባለቕ የብሉን። ብዙሓት ነቲ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ተዳዕኒኑ ዘሎ ከቢድ ጸገም ጋሊሆም ክርእዩ ዘይከኣሉ ወይ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ክኾኑ ዝደልዩ፡ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ዘሎ መዓልብኡ ዘይፍለጥ ዝምድና ተተርኢሶም ኤርትራን ህዝባን ኩሉ ጸገሞም ከም ዝተገፈፈ ገይሮም ክወስድዎ ትዕዘብ ኢኻ። ግደ ሓቂ ግና ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳን ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይጸላለዉ ደኣ እምበር ናይቲ ሓደ ፍታሕ ንናይቲ ካልእ ፍታሕ ኣይትከኦን እዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዘሎ ሰላም “ሓደ በለለይ” ኢሉ ዓቂቡ፡ ናብቲ ቀንዲ ዜቤታዊ ጉዳዩ ከድህብ ኣለዎም። ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ግቡእ ክብደቱ ሂቡ ከይተዛነየ “ደጊም ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና” ክብል ይግበኦ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብኢትዮጵያ ዝቕረበ ሓሳብ ሰጥለበጥ ኢሉ ዝተቐበሎ ፈትዩ ዘይኮነስ፡ ካብቲ እምቢ እንተ ኢሉ ዝወርዶ መቕጻዕትን ተነጽሎን፡ ተቕቢልካ ዝመጽእ መዓት ምቕባል ይሓይሽ ብዝብል ናይ መጻብቦ መንፈስ እዩ። ጥዑይ ምምሕዳር መንግስቲ እንተዝነብር ግና ካብ ተጽዕኖ እቲ ጸሚዱ ዝሓርሶም ዘሎ ሓይሊ ወጻኢ፡ ተጽዕኖ ህዝቡ ክኸብዶን ከፍረሖን መተገበአ። ጉዳይ ህግደፍ ግና ብግልባጡ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና ህሞት፡ ህዝቢ ኤርትራ “ደጊም ናይ ምስምስ መጋረጃ ተቐሊዑ እዩ” ዝብል መኸትኡ ከተርንዕ ዝጥለበሉ ዘሎ ውሳኒ ወቕቲ እዩ።

15.07.2018

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“”ብደረጃ ፖሊሲ ናይዚ ዘሎ ስርዓት ‘ውን ብግጉይ መንገዲ እናተኣልየ ስለ ዝመጸ፡ ካብ ውግእ ናብ ውግእ፡ ህዝብና ኣብ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ኩነታት ይርከብ ኣሎ ማለት እዩ። ሎሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ንሱ፡ እቲ “ኣይውግእ ኣይሰላም” እዩ።

ኣህጉራዊ ኮሚስዮን፡ በቲ ክልቲአን ሃገራት ዝኣመናሉ ናይ ዶብ ኩነታት በይንዎ እዩ። እንተኾነ ተበይኑ እምበር ክሕንጸጽ ኣይከኣለን። እቲ ከም ኣውራ ምኽንያት ናይ ዶብ ጐንጺ ውግእ ዝተባህለ ክሳብ ዘይተፈጸመ ከኣ ኣብ ኤርትራ “ኣይውግእ ኣይሰላም” እዩ ክቕጽል።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ “ኣይውግእ ኣይሰላም ኩነታት” እዩ ክሕባእ ዝደሊ። ጉዳይ ዶብ ናይ መሬት ክሳራን መኽሰብን ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ናይ ሰላም ሕቶ እዩ። ናይ ሰላም ሓላፍነት እዩ። ዶብ ይተሓንጸጽ ክንብል እንከለና ከኣ ናይ ህዝብናን ህዝቢ ኢትዮጵያን ናብ ሰላም መእተዊ ዝኸውን ንምርግጋጽ እምበር፡ መሬት ምኽሳብን ምኽሳርን ከም ቀንዲ ባእታ ዝውሰደሉ ኣይኮነን።

ብርኢቶና ፡ ኣህጉራዊ ኮሚስዮን ወሲኑ እዩ። መሬት ከኣ ከምቲ ኣብ ወረቐት ዝበየኖ ኣብ ባይታ ክሕንጸጽ ኣለዎ። እቲ ዘሕዝን ግና፡ ሎሚ እቲ ዝዓዘዘ ናይ ሰላም ሕቶ ኣብ ዞናና ጐሊሁ እንከሎ፡ ህሉዋት መንግስታት ናይ ሰላም መሓዙት ክኾኑ ኣይበቕዑን። ምእንቲዚ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ዘድሊ ተራ ክጻወትን ዘድሊ ድፍኢታት ክገብርን ኣለዎ። ክብደት ተጽዕኖታቱ ከረጋግጽ ክኽእል ኣለዎ። ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ክረጋገጽ እሞ፡ ናብ ሰላም መእተዊ ዝኸውን ምእንቲ ክፈጥር ክኽእል።”” (እዚ ብ17.12.2005 ዝተሰወአ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባምካኤል ሓረስታይ ኣቦ-መንበር ተ.ሓ.ኤ - ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ካልባኽ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2005 ካብ ዘስመዖ መደረ ዝተወስደ እዩ።)

ከምቲ እትምነዮን እትጭረሓሉን ክትከውን ንክትበቅዕ፡ ቅድሚ ኩሉ ንገዛእ ርእስኻ ነቲ እትደልዮ ብቑዕን ቅሩብን ክትከውን ይግበኣካ። ንስኻ በቲ ክኸውን ዝግበኦ ዘይኮነስ፡ በቲ ክኸውን እትደልዮ ፍኑው መንገዲ እንዳኸድካ ናይቲ ቅኑዕ ውጽኢት ባእታ ክትከውን ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ንሓደ ተረኽቦ ክትንእድ ኮነ ክትነቅፍ ካብ ገዛእ ርእስኻ ክትጅምር እንተዘይበቒዕካ ኣብ ውጽኢት ክትበጽሕ ኣይትኽእልን። ካብዚ ሓሊፉ ናትካ ኣቐሚጥካ ንካለኦት እንዳሓመኻ ደገደገ ጥራይ እተመዓዱ እንተኮይንካ፡ ተልእኮኻ ካብ ሓቅን ክውንነትን ካብ ምርሓቕ ሓሊፉ፡ ኣውንታዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ልኡኽ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዑደት ብብዙሕ መልከዓቱ ናይቲ ጉጅለ እንታይነት መሊሱ ዘቃለዐ፡ ኣዝዩ ኣዛራቢ ኮይኑ ቀንዩ። ሓደ ካብቲ ኣዘራራቢ ጐድኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንገዛእ ርእሱ ምስ ህዝቡ ዘይተዓርቐ ጸረ-ሰላም ሓይሊ ክንሱ፡ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ፡ ንደ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምቕሉል መራሒ ፈጢሩልና፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ትርጉም የብሉን” ዝብል ድምጺ ምስምዑ እዩ። ኩሉ ከም ዝፈልጦን ባዕሉ እቲ ጉጅለን ደገፍቱን እውን ከምዘይስሕትዎ ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ከብድን ሕቖን እዮም። እቲ ዝምድና ክሳብ ክንድዚ ዘይቃዶ ምዃኑ ዝሕተተሉ ከኣ ባዕሉ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ፍልልይ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዘይዕረቕ ደረጃ ዝበጸሐ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ዋላኳ እቲ ጉጅለ ርእዩ ከምዘይረኣየ ክሰግሮ ዝደሊ እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣብ ህግደፍ ቅዩም ከምዘሎ ብብዙሕ ኣገባባት ዓው ኢሉ ዝገልጾ ዘሎ እዩ። ገደብ ዘየብሉ ስደት ኤርትርውያን ከኣ ናይዚ መርኣያ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ግና ነዚ ክትሓብኦ እንተደለኻውን ክሕባእ ዘይክእል፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽልእን ቅርሕንትን ከዊሉ ደላይ ሰላም መሲሉ ንምቕራብ ልኡኹ ኣብ ኢትዮጵያ ወዛሕዛሕ ክብል ቀንዩ። ብእምንቶና ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክዕረቕ መተገብኦ። ቅድሚቲ ኣብ ልዒኡ ተነቢሩ ዘሎ ንውሽጣዊ ኤርትራዊ ኩነታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ማዕቀብ ክለዓለሉ ንሕብረተሰብ ዓለም ምምሕጻኑ፡ ንሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጽዒንዎ ዘሎ በብመልክዑ ዝግለጽ ሰ ዘይብል ማዕቀብ ከልዕሎ መተገብኦ። ብዛዕባቲ “ ከም ጠንቂ ውግእን ዓንቃፊ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ መስርሕን መሲሉ ክጥቀስ ዝጸንሐ፡ ናይ ኣሸሓት መንእሰያት ህይወት ዝበለዐ፡ እሞ ብኣህጉራዊ ኮሚስዮን ዝተወሰነ ጉዳይ ዶብ ደኣ ናበይ ኣበለ?” ናብ ዝብል ባሕሪ እንተኣቲና ከኣ ብዙሕ ከም ዘዛርበና ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ሓደ እዋን “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዳግማይ ኣይክትበርቕን እያ” ዝብል ዝነበረ ምኩሕ ጉጅለ፡ ሎሚ ነቲ “መሬት ኣብ ባይታ ከይተሓንጸጸ ልኡላውነትና ተደፊሩ እንከሎ ኣይንዛተን ኢና” ዝብሎ ዝነበረ እንተዘይዘከሮ ዘተዓዛዝብ እምበር ሓድሽ ጥልመት ኣይከውንን እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ብኸምዚ ንዕዘቦ ዘለና ሸንኮለል እንተበለ ጉዳይ ህዝቢ ራሕሪሑ ስራሑ ይሰርሕ ከምዘሎ ክንርዳእ ይግበኣና። ብዘይፍላጥ ዘይኮነ ንድሌታትን መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣብ ዘየእተወ ወፍሪ ከም ዘሎ ነስተብህል። ቀንዲ ዕማምና ክኸውን ዝግበኦ ከኣ በቲ ናቱ ጭንጭረዓብደ ምስንባድን ምግራምን ዘይኮነ ሎሚ’ውን ክንሰርሖ ዝግበኣና ክንሰርሕ ምብቃዕ እዩ። ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣካይዳና ትሕቲ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ምንባሩ ክንእመን ይግበኣና። ህዝቢ ኤርትራ ደጊም እቲ ጉጅለ ዘዝመተረልካ ምብላዕ ገዲፍካ ንባህግታትካ ንዘይምጥን ብብደዐ ዝተላዕጠጠ ኣካይዳ ህግደፍ ዝብድህ ናይ ሓሳብ ቀንዴል ከተልዕል ይግበኣካ። ንስኻ ደድሕሪ ህግደፍ እንዳኸድካ ካልእ ኣካል ካብ ጭቆና ህግደፍ ናጻ ከውጸኣካን ክብርኻ ክሕልወልካን ኣይትጽበ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንኣቶ ኢሳይያስ ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ ንልኡኹ ተቐቢሎም፡ ህያብ ክሳብ ምልኣኽ ምብጸሖም ተዓዚብና ኣለና። ግርም ወዮ ቀንዲ ዕላማና፡ ሰላምን ስኒትን እናሃለወ ሕማቕ ገይሮም ኣይንብልን። እንተኾነ ከምቲ ባዕሎም ኣብ መንጎ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፍን ህዝብን ዘሎ ዝምድና ክገልጹ እንከለዉ ዝሰማዕናዮም፡ ምስ ልኡኽ ህግደፍ ወኻዕካዕ ክብሉ እንከለዉ ምስቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ሓሪምዎ ኣብ ዓሚቕ ጭንቂ ዘሎ ህዝብና ዝተዓረቑ ዘለዉ ኮይኑ ከይመስሎም ሓደራ ንብሎም። ምኽንያቱ ልኡኽ ጉጅለ ህግደፍ ንሓቀኛ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይውክል። በዚ ኣጋጣሚ እቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝብህግሉ ቅሳነት፡ ሰላምን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ንህዝቢ ኤርትራ እውን ከይነፍግዎ ከኣ ነተሓሳስቦም።

http://harnnet.org/index.php/epdp-radio-video/item/4756-2018-06-28-11-08-37

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከም ብሓድሽ ናይ ንዛተ መጸዋዕታ ምስ ቀረበ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ደሃይ ምጥፍኡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ጸኒሑ። ናይቲ ምጽቃጥ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ ብዙሓት ወገናት ግምታቶም ክህብሉ ዝጸንሑ ኣዛራቢ ዛዕባ ነይሩ። ድሕሪ 15 መዓልታት ምጽባይ ከኣ እነሆ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ 2018 ኣብ ዝተሰናደአ ጽንብል “ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣውንታይ ኩነታት ንምርዳእ ልኡኽና ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሰድድ ኣለና” ብዝብል ሓረግ መሊስዎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ “ሓቂ ድዩ ካብ ሕጂ ጀሚሮም ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክፈልጥዎ ወይስ ኣቐዲሞም ዘዳለዉዎ ሕብስቲ ክቖርሱ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ?” ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቐዲሙ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ሃገራት እተፈጥረ ጐንጺ ሰላማውን ሕጋውን መዓልቦ ክግበረሉ ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኢዩ። ብመንጽር’ዚ እዚ ናይ ንዛተ ቅሩብነት ጠቓሚ፡ ዘተኣማምንን ነባርን ክኸውን፡ ንሓባራዊ ረብሓታት ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ዘውሕስ ምስ ዝኸውን ጥራሕ ኢዩ ኢሉ ይኣምን።

ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፤ ምስ ኵለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር፤” ብዝብል ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ንኣህጉራዊ ዝምድና ኣብ ዝምልከት ክፍሊ ኣስፊርዎ ዘሎ።

ስኣን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ልቦናን ሕድገትን ምግባር ኢዩ ከኣ፡ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ከቢድ ማህሰይቲ ኣብ ዘውረደ፡ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኩነታት ዝጸንሐ። ብሰን’ዚ ናይ ሰንፈላል ኩነታት ከኣ እዩ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ሸነኻት ስቓይን ሰንፈላልን ሳዕሪሩ ዝጸንሐ። ሕጂ “ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዘይ ቅድመ-ኩነትን ክንዛረብ ንኽእል ኢና’” ዝብል ሓሳብ ምምጽኡ ድማ፡ ነቲ ክልቲኡ ህዝብታት ክሳቐየሉ ዝጸንሐ ኩነት ናይ ምቕያር ኣንፈት ዝህብ እዩ።

ብመሰረቱ ኣቶ ኢሳይያስ ንዝኾነ ስጉምቲ ምስ ናቱን ጉጅልኡን ኣብ ስልጣን ምቕጻል ከም ዝዕይሮ ዘዛርብ ኣይኮነን። ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን መከራን ዝገብረሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት’ውን ንሱ እዩ። ሎሚ ነቲ ቅድም ዝሕሰሞ ዝነበረ ሕራይ ንዛተ ናይ ምባሉ ምኽንያት’ውን ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳይያስ መናሕሰዪ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ነቲ ዓፊንዎ ዘሎ መሰላት ውሕስነት ብዘለዎ ኣገባብ ፈቒዱ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣውሪድዎ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ዘቤታዊ ናይ ማዕቀብ ኣርዑት ሓጺን መልዓሎ። ኣብቲ ነቲ መጸዋዕታ ናይ ምቕባል መደረኡ በዚ ኣጋጣሚዚ ኣቢሉ ምስ በዓል ኣሜሪካ ክዕረቕ እሞ ንሳቶም ድማ “ዕድመኻ ኣብ ስልጣን ይንዋሕ” ኢሎም መሪቖም ዝትኮብ ክተኹብሉ ዝወጠኖ ምዃኑ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ክመጽእ ዝኽእል ሰላም ተጠቃሚ’ኳ እንተኾነ በየናይ ሕሳብ ይመጽእ ኣሎ ግና ክርደኦን ክከታተሎን ይግበኦ።

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝገለጽናዮ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንምምሕዳር ኢሳይያስን ናይ ጭቆና መሓውሩን ክንቃወመሉ ዝጸናሕና፡ ንቃወመሉ ዘለናን ንመጻኢ’ውን ክሳብ ዓወት እንቃወመሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ምስ ኢትዮጵያን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ውግኣት ከፊቱ ህልቂት ስለ ዘስዓበ ጥራይ ኣይኮናን። ውድባትናን ተቓውሞናን ቅድሚ’ቲ ጉጅለ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ ኮነ ምስ ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራት ውግኣት ምኽፋቱ ዝነበረ ምዃኑ ከኣ ናይዚ መረጋገጽን መርተዖን እዩ። ስለዚ ቀንዲ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ እንቃወመሉ ምኽንያት ኣብታ ብመስዋእቲ ደቃ ህያው ዝኾነት ኤርትራ በዂሩ ዘሎ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራሲ፡ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ምኽባር ኩሉ መሰላትን ምውሓስን ኣብ ሃገርካ ብሰላም ናይ ምንባር ናጽነትን እዩ። መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ተፈቲሑ ዝበሃል ከኣ እዞም ዝተዘርዘሩን ካለኦት ኣብ ኤርትራ በዂሮም ዘለዉ መሰላትን፡ ህዝቢ ብዲሞክራስያዊ ተሳትፎኡ ብዘጽደቖ ሕገ-መንግስቲ ውሕስነት ምስ ረኸቡ ጥራይ እዩ። ምስዚ ግና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ጉዳይ እንተተፈቲሑ፡ ልብና መሊእናን ኩሉ ዓቕምና ወዲብናን ናብ ውሽጣዊ ጉዳይና ከነድህብ ስለ ዘኽእለና መሰረታዊ ዓወት ከነመዝግብ ጽልዋ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ብኽንድኡ ደረጃ ንገለ ጉጅለ ኢሳይያስ ካብ ለውጢ ንምህዳምን ህዝቢ ንምድንጋርን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ መመሳመሲ መሳዂቲ ስለ ዝዓጹ ከኣ ተወሳኺ ኣውንታዊ ነጥቢ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ጉርብትናዊ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ውሕስነት ዝረክብ ምስ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ፍትሓዊ ምምሕዳር ብምጉርባት ምዃኑ ከይዝንግዕ ነዘኻኽሮ። ካብዚ ሓሊፉ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ምስ ዘይኮነ መንግስቲ ዝግበር ዝምድና ውሕስነትን ቀጻልነትን ከምዘየብሉ ይስሕቶ’ዩ ዝብል እምነትኳ እንተዘይብልና፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ጸረ-ዲሞክራሲ ኮነ ዲሞክራስያዊ ምዕባለ፡ ካብ ኤርትራ ገንፊሉ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝፈስስ ከስተብህል ነዘኻኽሮ። እቶም ንጉጅለ ኢሳይያስ ንሓንሳብ ዝቐጽዕዎ ንሓንሳብ ከኣ ዝምርቕዎ ናይ ግዳም ወገናት ከኣ ኩሉ ግዜ ነቲ ህዝብና ብሰንኩ ዝሓልፎ ዘሎ መዳርግቲ ዘየብሉ ጭቆና ኣብ ግምት ከእትውዎ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽሮም።

ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ፡ ብሓባር ነድምጽ ክንስማዕ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!