ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ
ኤርትራዊ ልኡላውነትና፡ ብነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዝተረጋገጸ፡ ሰፍ ዘይብል፡ ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ዝተኸፍሎ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ እዩ። እቲ ንልኡላውነትና ቅድሚት ሰሪዕና ከም ብሌን ዓይንና እንሕልወሉ ካልእ ምኽንያት ከኣ መሰረት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቃልስናን ምእንታኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ እውን ናይ ኩሉ ዓውትና መሰረትና ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ።
ብተረድኦና ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ መሪር ናብኡ ዘብጸሐ መስርሕ ኣብ 1991ን 193ን ንድሕሪት ብዘይምለስ ተረጋጊጹስ፡ ህዝብና ናብ ሕድሽ ሃገር ናይ ምህናጽ ምዕራፍ ሰጊሩ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ናይ ህዝብና ሕድሪ ጠሊሙ፡ ናቱ ዝናን ትምክሕትን ዘቐድም ጉጅለ ኢሳይያስ ህዝብና ኣብ ሓዲሽ፡ ብምረቱን ክብደቱን ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ ዘይድሕር፡ ምናልባት እውን ዝመረረ፡ ምዕራፍ ክኣቱ ተገዲዱ። ናይ ሎሚ ቃልስና ኣብታ ብሳላ መስዋእቲ ደቃ፡ ህልውነኣ ዘውሓሰት ልኡላዊት ኤርትራ፡ ልዕልና ሕግን ማዕርነት ደቃን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ኮታ ኩሉ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዜጋታታ ዝኽበረላ ሕገመንግስታዊት ኤርትራ ንምህናጽ ንቃለስ ኣለና። ናብዚ ቃልሲዚ ወፊርና እንዕወት ከኣ ኣብ ዘተኣማምን ፖለቲካዊ ሜዳ ልኡላዊት ሃገር ኤርትራ እንተ ረጊጽና ጥራይ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን ዝንባለታት ክቀላቐል ክንዕዘብ ጸኒሕና። ዘይቅርዑይ ንቕሎ ኣግኣዝያን ናይዚ ምልክት እዩ። በብኹርናዑ ክቀላቐል ዝጸንሐ ንቃልስና ምእንቲ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራን መስዋእቲ ጀጋኑናን ዘራኽስን ዘነውርን ዝንባለታት ክንዕዘብ ጸኒሕና። ድሕሪቲ ዲክታቶር ኢሳይያስ “ብውንኡ ድዩ ወይስ ጥዕና ስኢኑ እዩ” ዘበለ፡ ምስ ብዙሕ ዘይንቡር ኣካላዊ ምዕልባጥን ቀበጥበጥን ኣብ ኣደባባያት ኢትዮጵያ፡ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም” ምስ በለ፡ ብዙሓት ንኣእዛኖም ክኣምኑ ኣይከኣሉን። እንተኾነ ከምቲ “ወሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ብልበይ እየ” ብዝብል ሓረግ ምስ ኣድመቖ፡ ብዙሓት ተጠማሚቶም ማይሕነ ውሒጥዎም። እንተኾነ ነቲ ዝተባህለ ክቕይርዎ ኣይከኣሉን። ኢሳይያስ ብዛዕባቲ ኣፉ ደም ክሳብ ዝወጽእ “ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር እዩ” ክብሎ ዝጸንሐ ምስ ኣጽቀጠ፡ ጋዜጠኛታቱ ብዛዕባኡ ሓሳቡ ክህብ ምስ ሓተትዎ፡ “ሎሚ ጉዳይ ዶብ ዘልዕሉ ወገናት ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ሰላም ክስምሙ/ክዘርጉ ዝደልዩ እዮም” ዝብል ዘደንጹ መልሲ ምስ ሃበ “ኣማን ብኣማን ሰብኣይሲ ጠሊሙ እዩ” ዝበሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ብዙሓት እዩ። እንተኾነ እቲ ኩነታት ብጥልመትዚ ዲክታተር ብምግራምን ከንፈርካ ብምርምጣጥን ጠጠው ኣይበለን። እንሀ’ኳ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ልውጢ ማዕበል፡ መሊሱ ዘጐሃህር “ይኣክል” ወሊዱ።
ስለዚ ከምቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያውን ሕገመንግስታውን ስርዓት ንክንተክል፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ሓጺናዊ መሰረቱ ጸኒዑ ንኽቕጽል ምስቲ ህዝባዊ ስርዓት ናይ ምህናጽ ዕማምና ኣጐዝጒዝና ከነቕልበሉ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ከምቲ “ዝብኢ ብዝጠሓሶ ኣኽላባት’ውን ይኣትዉ” ዝበሃል፡ በቲ ኢሳይያስ ተጠሊዑ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ሰነከልከል ከም ዝበለ ምስ ዝደርጉሖ፥ ብኣኡ ተተባቢዑም፡ “ኢትዮጵያ ኣብ ወድባት ኤርትራ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት” እያ ዝብል ዕላል ናይ ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ። “ኢትዮጵያ ብወገን ኤርትራ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕጋዊ መሰል ኣለዋ” እንዳበሉ ዝምድሩን ዝጽሕፉን’ውን ብዙሓት እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምንጻፍ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ባቡር ምስ ለገስቲ ሃገራት ተፈራሪሞም ዝብል ሓበሬታ ብዓባይቲ ናይ ዓለምና ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ሰሚዕና። ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብቲ ነዊሕ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ተዋጊኦም ዝተሳዕሩ ናይ ቀደም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ማሕበር መስሪቶምስ ኣብ ኣስመራ አንፈር ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈቱ፡ ብማዕከናት ዜና ሰሚዕና። ኮታ ኢሳይያስ ንዝኸፈቶ ጥልመት ዘራጉዱ ወስታታት ብዙሓት እዮም። እምበኣር እዚ ኩሉ ተደሚሩ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ “ሓንሳብ ተረጋጊጹ እንድዩ” ኢልና እነራጥጠሉ ዘይኮነ፡ ሎሚ እውን ንቑሕን ጥንቁቕን ሓለዋ ከም ዘድልዮ ዘረድእ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉባአኡ ክዛዝም እንከሎ ካብ ዝወሰኖም ኣገደስቲ ውሳነታት ሓደ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ነይሩ። ከምዚ ዝስዕብ ድማ ይብል። “ጉዳይ ኤርትራዊ ልኡላውነት መሰረታዊ ጉዳይ ህልውናናን መንነትናን እዩ። ኩሉ’ቲ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ መሰላትን ነጻነታትን እውን ኣብ ልኡላውነታ ዘውሐሰት ኤርትራ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ። እቲ ብዓለም-ለኸ ሕግታትን ውዕላትን ዝፍለጥ ናይ መሬት፡ ናይ ባሕርን ናይ ኣየርን ዶባት ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይቀርብ መግለጺ ሉዓላውነትና ምዃኑ ሰዲህኤ ይኣምን። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ህዝብና ኣብ ኤርትራ ሰፊሮም ዘለዉ ናይ ግዳም ሰራዊታት ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ብህጹጽ ክወጹ ጕባኤ ይጽውዕ።
ጕባኤ፡ ነቲ ብደም ኣእላፍ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ሉኣላዊነት ሃገረ ኤርትራ ዝድግፉ ሓይልታት እናኣመጐሰ፣ ነቶም ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይተዋሕጠሎም ጸረ ሰላም ሓይልታት ድማ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ክምሃሩን ካብ ተዅታዂ ተግባራቶም ክቝጠቡን የጠንቅቕ።”
ስለዚ እቲ መሕብኢ ክጥቀመሉ ንዝጸንሐ ውድብን ግንባርን ከምኡ እውን፡ ስማዊ መዝነት ክህቦም ዝጸንሐ ዕዙማት ባእታታት ጠሊሙ፡ በይኑ ተሪፉ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ዲክታተር፡ ገበኑ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና ምንፋግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ እውን ንኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ጠጠው ኣቢልዋ ምህላዉ ኣስተብሂልና፡ ሕሳብ ኩለመዳያዊ ቃልስና ንግበር።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሳዋ ካብተን ክልተ ግዜ ዝተራእያ ከባብታት ሃገርና ሓንቲ እያ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ከም መደበር ርብዳን ካለኦት መሓዙታን፡ ብዙሓት ሓርበኛታት ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስንቂ ኣስኒቓን ኣዕጢቓን ዘሰለፈት ታሪኻዊት ቦታ ነይራ። ድርሕሪ ናጽነት ግና፡ ስሙን ግብሩን ዘይሰማማዕ ሓላፍነት ተዋሂብዋ መሰረታዊ መሰላት ኤርትራውያን ዝገሃሰላን ናብ ባርነት ዝገማገም ምዝመዛ ዝካየደላን ብሕማቕ እትለዓል ቦታ ኮይና ኣላ።
ህልዊ መደብ ሳዋ ብ1994 ክጅመር እንከሎ፡ ሕገመንግስቲ ዝመሰረቱ ትካላዊ መሰረት ኣይነበሮን። ብዙሓት ወገናት ካብ ሽዑ ጀሚሮም፡ መቆጻጻሪ ንጹር ፖሊስን ግሉጽነትን ብዘይብሉ ኣገባብ ውልቀ-መላኺ ብዘንቀዶ ስለ ዝነቐለ፡ ናብዚ ደሓር ዝኾኖ ከም ዝምዕብ ስግኣት ነይርዎም እዩ። ከም ዝኽበር’ኳ ርግጸኛታት እንተዘይነበሩ ኣብቲ፡ “6 ኣዋርሕ መሰልጠኒ፡ 12 ኣዋርሕ ድማ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ብድምር ናይ 18 ኣዋርሕ ዕድመ ክህልዎ እዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ቃል ተስፋ ዘንበርሉን ብሓጐስ ዝተቀበልዎን እውን ነይሮም እዮም። ደሓር ግና ዝተፈላለዩ ምስምሳት እንዳተፈጥረ፡ ኩሉቲ ዝተባህለ ተጣሒሱ ናብ “ደረት ዘየብሉ ግዱድ ኣገልግሎት” ማዕቢሉ። በዚ ከኣ ኣብ ርእስቲ ኩሉ ዘይቅርዑይ ኣካይዳ ህግዲፍ፡ መድብ ሳዋ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም መርኣያ ሕማቕ ምስሊ ጉጅለ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኮይኑ ቀሪቡ።
መደባት ሳዋ፡ ጉልበት፡ ግዜን ዕድመን መንእሰያት ዘባኽን ጥራይ ዘይኮነ ብመሰረቱ እውን መጻኢ ዕድል መንእሰይ ኤርትራ ዘጸልመተን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐን፡ ኮነ ኢልካ ኤርትራን ኤርትራውነትን ከዳኽም ዝተማህዘ ተንኮል ምንባሩ ሎሚ ብሩህ እዩ። ተስፋ መጻኢት ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት፡ ክንድቲ ዝኽእልዎ ሃገሮም ከገልግሉ ወፊሮም ኩነታት ካልእ ኮይኑ ምስ ረኸብዎ፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ክስደዱ ካብ ዘገደድዎም ጉዳያት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ሳዋ እቲ ቀንዲ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ስንብራት መደባት ሳዋ ኣብ ህይወት መንእሰያት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገር እውን ጽልዋኡ ከቢድ እዩ። ብዛዕባ መደባት ሳዋ ዘጽንዑ ክኢላታት ከም ዝጠቕስዎ፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ዝተሰደ ኣስታት 507,300 ኤርትራዊ፡ መብዛሕቱ ብዘይፍትሓዊ መደባት ሳዋ ዝሓለፈ፡ ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድመኡ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን “ጽባሕ ምስ ፈርዘና መደባት ሳዋ ከርክበናዩ’ሞ ከሎ ጋና ነብስና ከነውጽእ” ኢሎም ዝጠፍኡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ዋላ’ኳ ከምዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ህግዲፍ፡ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምጅማር ሳዋን ምምራቕ መበል 32 ዙር ተዓለምትን ብዝብል ምስሉ ኣብ ጉዳይ ሳዋ ከመላኽዕ እንተፈተነ፡ ነዚ ጉዳይ ብነጻን ሻራ ዘይብሉን ኣገባብ ከጽንዕዎ ዝጸንሑ ክኢላታት ግና ከም ሓደ መርኣያ ዘበናዊ ናይ ባርነት መክዕ ዘለዎ ወጽዓ እዮም ክገልጽዎ ጸኒሖም። ዋላ’ኳ ህግዲፍ ጸማም እዝኒ እንተሃቦ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን፡ እዚ መደባት ሳዋ ክስረዝ እሞ ኤርትራውያን ተላዚቦምን ረድዮምን ብዝሕንጽጽዎ ሕጊ ዝቕለስ ፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክወጽእ፡ ንሱ ክሳብ ዝኸውን ከኣ ናብቲ ዝነቐለሉ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ይጽውዑን ይምሕጸኑን ኣለዉ። ብዓብይኡ ከኣ ናይዚ ኣዕናዊ ተግባራት ግዳያት ዝኾኑን በቲ መደብ ዝሓለፉ ኤርትራውያን መንእሰያት ብዛዕባቲ ሓቀኛ ኩነታት ሳዋ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ምስክርነቶም ይህቡ ኣለዉ። ህግዲፍ ግና ነቲ “ካብ ዝቐበረስ ዘላቐሰ” ወይ “መን ይንገር ዝነበረ፡ መንከ የርድእ ዝቐበረ” ዝብል ኣበሃህላ ዘንጊዑ ክሽፈን ዘይከኣል ክሸፋፍን ንዕዘብ ኣለና። በዚ ዘይወድዓዊ ኣበሃህላኡ ናይ ዝኾነ ልቢ ከረስርስን ኣተሓሳስባ ክቕይርን ከምዘይክእል ግና ርግጸኛታት ኢና።
ህግዲፍ ናይቲ ዘካይዶ ዘሎ ግዱድ ውትህድርና ርትዓውነት ንምግላጽ፡ ክሕበኣሎም ካብ ዝጸንሐ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት “ኣይውግእ ኣይሰላም”ን ምስኡ ምትእስሳር ዘይነበሮ ማዕቀብን ምንባሩ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። እንተኾነ እነሆ እዞም ህግዲፍ ካብ ብዙሕ ጉዳያት ክሕበኣሎምን ክሃድመሎምን ዝጸንሑ በዓትታት ካብ ዝፈርስዎ ዝያዳ ዓመት ኮይኑ። ብዙሓት ንህግዲፍ ብግርህናን የዋህነትን ዝርእይዎ ዝነበሩ ወገናት፡ ድሕሪ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኩነታት ምቕያሩን ማዕቀብ ምልዓሉንስ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ኩነታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ግዱድ ውትህድርና ለውጢ ክገብር እዩ ኢሎም ተጸብዮም ነይሮም። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ሳዋ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተርፍን ንኹሉ ዝምልከትን ስለ ዝኾነ ማሕበራዊ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ክቕጽል’ዩ” ኢሉ። እዚ ማለት ከኣ ኢሳይያስ ክሳብ ዘሎ ክቕጽል እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ብኢሳይያስ ዝምስረት ማሕበራዊ ፍትሒ ስለ ዘይህሉ። እዚ እምበኣር መደባት ሳዋ ብጉልባብ “ሃገር ምሕላውን ምምዕባልን” ንመንእሰያት ኤርትራ ብሞራል ድሂኽካ፡ ብትምህርቲ ኣደንቊርካ፡ ጉልበቶም መዝሚዝካን ክብርታቶም ግሂስካን ኤርትራ ተረካቢ ዘይብላ ንወራርን ድሕረትን ዝተቓለዐት ሃገር ከም እትኸውን ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ ውዲት ምንባሩ እዩ ዘረድእ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትምህርታውን ፖለቲካውን መዳያት ዘይርሳዕ ግደ ንዝነበረን 2ይ ደረጃ ኣያተ-ትምህርቲ ሃገርና ጨፍሉቑ፡ “2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ” ብዝብል ብወተሃደራት ብእትምራሕ እንኮ ማእከል ምትክኡ ናይቲ ትውልዲ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ናይ ምቕታል ተግባሩ ኣብነት እዩ። እቲ ተስፋ ዝህብ ግና ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ኤርትራዊ ነዚ ውዲት ነቒሕሉ ክቃለሶ ድልዊ ምህላዉ እዩ።
መንእሰያት ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኢደ-ወነናውያን ከም ድላዮም ብዝሰርሕዎን ዝፍንጥሕዎን ሕግን ኣፈጻጽማን ዘይኮነ፡ ብንጹር ሕግን ቅዋማዊ ኣተሓሕዛን ኣብ ህንጸት ሃገሩ ክሳተፍ ግቡእ እዩ። ብመንጽርዚ እዩ ሰዲህኤ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብሞያውያን ሰራዊትን ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ክቐውም ተደላይነት ከም ዘለዎ ብምግንዛብ: ቅዋም ዘፍቅዶ ስሩዕን ዝተጸንዐን መደባት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝህሉ ክገብር ክጽዕት እዩ” ብዝብል ኣስፊርዎ ዘሎ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እቲ ንነዊሕ ግዜ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና 3ይን ሓድነታውን ጉባአና በቲ ኣቐዲምና ዝተለምናዮ ግዜን ኣገባብን መሰረት ከም ዝተዓወተ ብደምዳሚ ኣዋጅን ውዑይ ዜናታትን ገሊጽናልኩም ኢና። እዚ ጉባአ ንሓድነታዊ ጽምኢ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ብምዃኑ፡ ብዙሓት ናይ ሓድነት ናፈቕቲ ኤርትራውያን ናይ “እንኳዕ ኣመጐሰኩም፡ ከማኹም የማስለና” መልእኽቲ፡ በበቲ ዝጥዕሞም መንገዲ ይገልጹልና ኣለዉ። እዚ ኣብ ርእሲ እቶም ኣብቲ ጉባአ ዝተሳተፉ ብኣካል ተረኺቦም ዘስምዕዎ ናይ “ኣገናዕ’ መልእኽቲ ተወሳኺ እዩ።
ርግጽ እዩ እቲ ብዘይምስልካይ ንልዕሊ 9ተ ኣዋርሕ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና መስርሕ ሓድነታዊ ጉባአ፡ ምስ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ደንበ ተቓውሞና ናይ ሓድነት ኣተገባብራ ተመኩሮ ክወዳደር እንክለሎ፡ ልዑል ግምት ብዝወሃቦ ኣገባብ ብምፍጻሙ ነቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ሓበን እዩ። ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ኤርትራዊ ክብደትን ሓበንን ዘለዎ እዩ። ጉባአና ኣብቲ ዝቐነዮ፡ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ኣጽዲቑ። ነዚ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ኣብ ዘተግብረሉ ነቲ መስርሕ ግቡእ ቀጥዒ ዘትሕዝ ሰልፋዊ ቅዋም እውን ኣጽዲቑ። ካብዚ ሓሉፉ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ተመያይጡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛዕባ ከኣ ንጹር ውሳነታት ወሲኑ ኣሎ። “ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ሉኣላውነታን፡ ጭረሖ ይኣክልን ኣተሓሕዛኡን፡ ኢድ ኣእታውነት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሃገርና፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሃንደበታዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዝያዳ ድማ እዋናውነትን ወሳንነትን ሓቢርካ ምቅላስ፡” ካብቶም ጉባአና ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ፡ ኣዕሚቑ ዝተላዘበሎም ረዘንቲ ዛዕባታት ምንባሮም ኣብቲ ናይቲ ጉባአ ደምዳሚ መግለጺ ተነጺሩ ኣሎ።
ንጉባአና ወሲኽካ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝወሰኑ ውሳነታት ግቡእ ኣድህቦ ክወሃቦም ይግባእ። እዞም ውሳነታ ዝያዳ ግቡእ ትርጉም ዝረኽቡ ግና፡ ክትግበሩ እንከለዉ ጥራይ እዩ። ጉባአና ኣገደስቲ እዋናዊ ውሳነታት ምሕላፉ እንሕበነሉ ኣውንታዊ መለለይና እዩ። እንተኾነ ዝያዳ እንሕበን እዞም ዝወሰናዮም ውሳነታት ተተግቢሮም፡ ኣብቲ ኤርትራውያን ሒዘምዎ ዘለዉ ናይ ለውጢ መስርሕ ከንጸባርቑ እንከለዉ ጥራይ እዩ። ውሳነ ክውሰን እንከሎ ምስ ናይቲ ውሳነ መተግበሪ ዓቕሚ እንተዘይተመጣጢኑ፡ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ። እዚ ምምጥጣን እንተዘይሃልዩ፡ ውሳነታት ዘይፍታሕ ሕልሚ ኮይኖም እዮም ዝተርፉ።
ውሳነታት ጉባአና ኣብ ድሩት ሰልፋዊ ባህግን ስምዒታን ዝሕጸሩ ዘይኮኑ፡ ብዝከኣል ደረጃ ንኤርትራዊ ውድዕነት ዝዳህሰሱን ዝምጥኑን እዮም። ምትግባሮም እውን መሪሕ ግደ ኣባላት ሰልፍና ህያው ኮይኑ፡ ኣብ ውሱን ዓቕሚ ሰልፍናን ኣካላቱን ጥራይ ዝጸዓን ዘይኮነ፡ ናይ ዝኾነ ፍትሓውን ወድዓውን ኣረኣእያ ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ውድብ ሰልፊ፡ ማሕበርን ቅሩብነት፡ ኣጀኹም በሃልነትን ኣበርክቶን ዝሓትት ግዜ ዘይህብ መሰረታዊ ዕማም እዩ። ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ኤርትራዊ ረብሓ ዘለዎ ክነሱ፡ ካብ ጸቢብነት ነቒልካ ዘይምርዓሙ ሎሚ ተሰጊሩ እዩ። ከምቲ ዝተገልጸ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ወገናት ካብ ቀረባን ርሑቕን ሓድነታዊ ጉባአና ብምድጋፍ ናይ “እንኳዕከ ከምዚኣ በለትየ” መልእኽቲ ይሰዱልና ምህላዎም ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ “ኩሉ ገድላዊ መሳርሕታትና ንምህሃድ ብሓባር ንለዓል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ዜናኡ ብ3 ነሃሰ 2019 ኣብ ዝወጸ ሓተታኡ “ዝተፈላልዩ መልከዓት ጽላላት ዝሓቚፍ ኤርትራዊ ተቓውሞ ከደን ኣካቢ ጽላል ክሳብ ዝፍጠር፡ ኣብ ቅድሚ ህዜቢናን ኣህጉራዊ ዓውድን ስሙር ልሳን ንክህልወና ምእንቲ፡ ናይ ሓባር ልኡኽ ጉዲያት ወጻኢን፡ ናይ ሓባር ዛናን (ሚድያ)፡ ናይ ሓባር ህዜባዊ ምልዕዓልን ኣሊያታት ምቋም።” ዝብል ሓሳብ ምስፋሩ ዘተባብዕ ኣብነት እዩ። እዚ ብካለኦት ናይ ለውጢ ኣካላት ክድገም ከኣ መድረኽ ዝጠልቦ እዩ።
ናይ ሓቢርና ንቃለስ ከነድምዕ፡ መልእኽቲ 3ይን ሓድነታውን ጉባአና ብፍላይ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ብሓፈሻ ከኣ ናብ ኩሉ ምእንቲ መሰረታዊ መሰልን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ዝሕለቕ ሓይሊ ዘቕነዐ እዩ። ኣብ ምትግባሩ’ውን ነናትና ብጽሒት ከም ዘለና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውሳነታት ጉባአና ንኹሎም ኤርትራዊ ወገናት ናይ ሓድነት ኣብነት ንክኸውን ናይ ምትግባሩ ከቢድ ሓልፍነት ኣለና። ኣጻብዕትና ናብ ካለኦት ቅድሚ ምምልካት ከካብ ገዛእ ርእስና ክንጅምር ኢና። መሓዙት ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን፡ ከምቲ፥ “ጽቡቕ ሓድነታዊ ስጉምቲ ወሲድኩም” ዝበልኩምና ኣብ ምትግባሩ’ውን እጃምኩም ከተልዕሉ ትግሁ። ሎሚ ካብ “ከምዚ ክግበርን ክኸውንን ይግበኦ” ሓሊፍና ኣብ “ከምዚ ክገብር ይግበኣኒ” ክንጽመድ መድረኽ ይሓተና ኣሎ። ንምንጽጻግ ኣወጊድና ኣብ ምምልላእ ካብ ምጽማድ ሓሊፍና ካልእ መዋጸኦ የብልናን።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና፡ መተንፈሲ ስኢኑ ኣስናኑ ዝሕርቅመሉ ዘሎ ኩነታት፡ መሰረቱ ሓያልነት መላኽን ጸቢብን ኣካይዳ ህግዲፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓብይኡ ናይ ህዝብና ኣብ ርኢሱኡ ድማ ናይቲ ዝተወደበ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘይምብቃዕ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ኣብዚ ድኽመትና እንተዘይተኣማሚና ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕድልና ውሑስ ኣይኮነን። ንጸገምና ኣብ ክንዲ ካባኻ ንክርሕቐልካ ካብቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ኩርናዕ ምሽንጓጉ፡ ኩልና ሰብ ብጽሒት ምዃና ብምእማን፡ ዓትዒትና ሒዝና ክንገጥሞ ይግበኣና።
በዚ ኮነ በቲ፡ 3ይን ሕድነታውን ጉባአና ተዓዊቱ ኣሎ። እቲ ዓወት ናይ ብሓቅን ቀጻልን ንክኸውን ግና እቲ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። እቲ መንገዲ ሒዝናዮ ኣለና። እቲ ጉዕዞ ከኣ ይጽበየና ኣሎ። ከምቲ ሓደ ፈልሲ ኣብቲ እትደልዮ ከባብያዊ ኩነታት ኣየር ምህዳእ ወይ ፍረ ኣብ ምሃብ፡ ምእንቲ ከበርክት ክንክን ዘድልዮ፡ መስርሕ ሓድነት እውን ከምኡ ሓለዋን ኮስኳስን የድልዮ እዩ። ንሕና ነዚ ተዓጢቕናሉ ኣለና። ካልኦት ነዚ ሓድነትና ከም ሞዴል ወሲድኩም፡ ምሳና ኮነ ምስ ካልእ ዝምእመኣኩም ወገን ክትሰርሕሉ ከኣ ኣፍደገ ከፊትና ኣለና እሞ “እነሀ ፈርስ፡ እነሀ ናይ ሓድነት ሜዳ” ንብል።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ብዛዕባ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ክንጠቅስ እንከለና፥ እቲ ሓያል፡ ጸዋርን ተስፋ ዘይቆርጽን ጐንና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ድኹም ጐድኒ ከም ዘለና እውን ከምቲ “ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ዝበሃል፡ ዝሕባእ ኣይኮነን። ናይቲ ድኽመትና ቀንዲ ማእከል ከኣ ሚዛና ኣብቲ ንኤርትራ ኣብ ደልሃመት ኣእትይዋ ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለን ኣወጋግዳኡን ዘይኮነ፡ ናብቲ እንጽበዮ ዓወት ንምብጻሕ ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ክንፈጥር ዘይምኽኣልና እዩ። ኣድላይነት ብሓባር ኣንጻር ጨቋኒ ጉጅለ ህግዲፍ ምቅላስ ብሓሳብ ደረጃ ካብ እንርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ብዙሓት ናብዚ ከብጽሑና ዝበልናዮም ፈተነታት እውን ኣካይድና። ምሕዝነት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ ኣብ መንጎ ውሱናት ውድባትን ማሕበራትን ክካየዱ ዝጸንሑ ሓድነታዊ ፈተነታትን ካብቶም ናይ ሓባር ንቕሎታት ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።
ምስዚ ኩሉ ፈተነታት ግና፡ ሕጂ እውን ኣብ ሓድነታዊ ዛዕባ፡ ኣብቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ኣይበጻሕናን። ጻዕርና ናብኡ ንምብጻሕ ግና ሕጂ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ምኽንያቱ ካብዚ ወጻኢ መዋጸኦ ስለ ዘየብልና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እዚ ጉዳይዚ መሰረታዊ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ነጻ፡ ርትዓውን ኣርሒቑ ዝጥምትን ናይ ሓባር መድረኽ ንክፍጠር ከይሰልከየ ክሰርሕ ጸኒሑ። ከም ኣካል ናይዚ ጻዕሩን ባህጉን ከኣ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ብዛዕባ ሓቢርካ ምስራሕ ዝእምት ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓቖፈ ንድፊ ቀሪጹ ናብ ኩለን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዘርጊሑ። ዝረኸቦ ግብረ መልሲ ተጻባኢ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ሰጓሚ ኣይነበረን። ኣብዚ መስርሕ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ-ሕድሪ (ሃግኤ-ሕድሪ) ኣብ 2ይ ጉባኤኡ፡ ምስቲ ናይ ሰዲህኤ ብዝመሳሰል መልክዑ ናብ ኩለን ውድባት ኤርትራ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ድልዉነቱ ዘንጸባርቕ መልእኽቱ ኣቕሪቡ።
ክልቲኡ ውድባትና ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ኣብዚ ሓድነታዊ ርኢቶታቱ ብግቡእ ተናቢቡ። ምንባብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሓድነት ንክመጽእ ድልዉነቱ ኣርእዩ። ድልውነቱ ኣድማዕን ግብራውን ንክኸውን ከኣ ከም መሰረታዊ መበገሲ ርኢቶታቱ ኣብ ምውጋድ ህግዲፍ ኮነ፡ ናይ ድሕሪኡ ኤርትራ ዕድል ዘንጸባርቑ ሰነዳቱ ምስ መርመረ፡ ሓደ ኮይንካ ምስራሕ ዘየኽእሉ መሰረታዊ ፍልልያት ከም ዘይነበሮም ኣረጋጊጾም። ቅሩብነት፡ ሕድገትን ሓልዮትን እንተወሲኸምሉ ምሉእ ብምሉእ ሓደ ሰልፊ ካብ ምዃን ዝኽልክሎም መትከላዊ ፍልልይ ከም ዘየብሎም ከኣ ዓጊቦም።
ድሕሪ እዚ ነቲ ናብ ምሉእ ሓድነት ዘብጽሕ መስርሕ ብትብዓትን ቅሩብነትን ተተሓሒዘምዎ። እዚ መስርሕ ኣገዳስን ንድሕሪት ብዘይምለስ ኣብነታዊ መልክዕ ምትሓዙ ከም ዘድሊ ብምርዳእ ከኣ፡ ናብ ጉባአ እተብጽሖም ናይ ሓባር ኣሰናዳኢት ሽማግለን፡ ካለኦት ነቲ መስርሕ ሓድነት ዘሳልጣ ናይ ሓባር ኣካላትን ኣውጺኦም ንኣስታት 9 ኣዋርሕ ብዘይምስልካይ ክሰርሑ ጸኒሖም። ኣብቲ መስርሕ ከኣ ወነንቲ ናይ ሓባር ባህግን ድሌትን እምበር፡ ህዝባውን ሃገራውን ሓልዮት ዝያዳ ከኣ ብምጽውውዋር እንተሰንየምዎ ንኹሉ ክሰግርዎ ከም ዝኽእሉ ብምትእምማን፡ ናብ ሓድነታዊ ጉባአ ከቕንዑ ተባዕን እዋናውን ውሳነ ወኒኖም። እነሆ ከኣ እቲ ሓድነት ንዝብህጉ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንኣባላት ክልቲኡ ውድባትና ክሕበርን ክእውጅን ዝጸንሐ ሓድነታዊ ጉባአ ዝካየደሉ ግዜ፡ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ከተፍ ኢሉ።
እዚ ብጉባአ ክትጽንበል ሒዶት መዓታት ተሪፍዋ ዘሎ ሓድነት፡ ሃድኤ-ሕድርን ሰልዲህኤ፡ ካብቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ውድባትና ምስማርን መሊስካ ምብታንን ተመኩሮ ቀሲሙ ብግቡእ ተቐይሱ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ዝተሰረተ ስለ ዝኾነ ኣብ ጽንዓቱን ቀጻልነቱን እንተኣማመነሉ እዩ። እዚ ሓድነታዊ ጉባአና፡ ሃገርና ናብ ኣዝዩ ፍሉይ ዘየደቅስ ኩነታት ኣብ ዝኣተወትሉን ብዘይካ ሓቢርካ ምስራሕ ካልእ መንገዲ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ከምዘየለ ኣብ ዝተነጸረሉን ዝካየድ ዘሎ ስለ ዝኾነ ንናይ ምዕዋቱ ርግጸኛነት ተወሳኺ ዓቕሚ እዩ።
ንሕና ነዚ ሓድነትዚ ኩሉ ምእንታኡ ክኽፈል ዝግበኦ ከፊልና ከነዕውቶ ክኢልና ኣለና። እቲ ቀንዲ ዕማም ኣብ ሓድነት ምብጻሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ሓድነት ዝፈጥሮ ዓቕሚ ተደሪኽካ ምድንፋዕ ምዃኑ ከኣ ይርደኣና’ዩ። ምስዚ ኩሉ ናብዚ ደረጃዚ ምብጻሕና፡ ኣብነትን ፈለምትን ንምዃን እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ሓድነት ጉዕዞና መወዳእታ እዩ ካብ ዝብል እምነት ኣይኮነን። ዝጀመርናዮም፡ ድሕሪ ጉባአና እንቕጽሎም ምስ ብዙሓት ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓድነት ጅማሮታት ኣለዉና። እዚ ሓድነታዊ ጉባአና ነቲ ቀጻሊ ሰፋሕቲ ናይ ሓድነት መስርሕና ደፋኢ ዓቕሚ ክኾነልና ከኣ ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ደረጃታቱ፡ ምሉእ ሓድነት ወይ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ነጥብታት ኣትኪልካ ኣብ ዝተሓተ ፖለቲካዊ መደባት ጽላል ምፍጣር ክኸውን ይኽእል፡ ምስ ዝኾነ ቅሩብ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ሓባራዊ መቃለሲ መድረኽ ክንሃንጽ ዝህልወና ድልዉነት ኣብዚ ጉባአና ደጊምና ካብ ነድምቖም ዕማማት ሓደ ክኸውን ትጽቢት ኣንቢርናሉ ዘለና’ዩ። ስለዚ ጉባአና መነየቲ ዘይኮነ፡ ንዝያዳ ሓድነታዊ ዕማም እንነቕለሉ መንጠሪ መድረኽ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ናይ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ዕማም ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሓቀኛ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ቅቡል እዩ ዝብል ዘይዕጸፍ እምነት ኣለና። ጭረሖ “ይኣክል” እውን ከም ብሓድሽ “ሀ” ኢሉ ቃልሲ ዝጅምር ዘይኮነ፡ ነቲ ከነካይዶ ዝጸንሕና፡ ቃልሲ ብሓድነታውን ሓልዮት ዘጐልብት’ዩ ዝብል እምነት ኣለና። ብኣንጻሩ እዚ ካብ ኣድላይነት ሓድነት ፈሊኻ ዘይርአ ንቕሎ “ይኣክል”፡ ዕድመ ህግዲፍ ኣብ ምሕጻር ግደኡ ዕዙዝ ስለ ዝኾነ፡ ህግዲፍ ነዚ ዘይምሕሮ መስርሕ ንምዕንቃፍ ዘይፍንቅሎ ግሁድ ኮነ ስዉር እምኒ ከምዘይህሉ ርግጸኛታት ኢና። ምልክታቱ’ውን ንርኢ ኣለና። እንተኾነ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ደጊም ብተንኮላት ህግዲፍ ፈሊሑ ዝገረረ ስለ ዝኾነ፡ በታኒ ፈተነ ህግዲፍ ክዕወት’ዩ ዝበል ስግኣት የብልናን። መን ይፈልጥ ምጥንቃቕን ሓቢርካ ብንቕሓትን ምክትታልን ግና ኣዝዩ ኣድላይ እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ህግደፋዊ ኣተሓሳስባ ተቢዖም ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናት፡ ናብዚ ንክበጽሑ ነናይ ገዛእ ርእሶም መንቀሊ ኣለዎም። ማእከላይ መራኸቢ ሸቶኦም ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንቡር ዘየብሉ ወጽዓ ኣወጊድካ ብሕገመንግስታዊ፡ ዲሞክራስያውን ብዙሕነታውን ስርዓት ምትካእ እዩ። እዞም ናይ ለውጢ ወገናት ኣብዚ ናይ ቃልሲ መስርሕ ናይ ምስታፍ ዕድመኦም ዝተፈላለየ እዩ። ገሊኦም ከሎ ጋና ኣቕጣጫ ናይ ሽዑ ህዝባዊ ግንባር ናይ ትማሊ ህግዲፍ፡ ናይ ሎሚ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣሰኪፍዎም፡ ካብ ቅድመ-ናጽነት ኤርትራ ጀሚሮም ተቓውመኦም ዘሰምዑን ክሳብ ሎሚ ዝቐጸሉን እዮም። ኣብዚ ተመኩሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ደሓር ካብኣ ዝወጻ ውድባትን ንኣብነት ዝጥቀስን ነዚ ሕጂ ዘሎ መቃወሚ ባይታ ዘንጸፈን እዩ። ገሊኦም ከኣ ክሳብ ናጽነት ኤርትራ መሬት ኣማን ኢሎም ክጐዓዙ ዝጸንሑ ደሓር ግና ግፍዕን ጥሕሰታትን ህግዲፍ መመሊሱ እንዳሳዕረረ ምስ ከደ፡ “ክሳብ ትኣምን ኪድ፡ ካብ ዘይተኣምን ተመለስ” ኢሎም ነብሶም ወዲቦም ክቃወሙ ዝጀመሩ ኣለዉ።
መን መዓስ ምቅዋም ጀሚሩ ብዘየገድስ፡ “ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን ስለምንታይ ንህግዲፍ ይቃወምዎ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ፡ “ምቅዋም ኣየድልን’ዩ” ካብ ዝብል ርኢቶ ጀሚርካ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናይ ገዛእ ርእሶም መልሲ ነይርዎም። እቲ ካልእ ነዚ ሕቶዚ ዝወሃብ ዝነበረ መልስታት ገዲፍካ፡ ድሕረ ባይተኦም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝኾኑ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ መድረኽ ቃልሲ ዘይበኾሩ ውድባት፡ ቀንዲ ድርኺት ተቓውምኦም ናይ ዝሓለፈ ቂምን ቅርሕንትን ሕነ ንምፍዳይ ከይከውን ዝጠራጠሩ ወገናት’ውን ነይሮም እዮም።
ከነካይዶ ዝጸናሕና፡ ነካይዶ ዘለናን ንመጻኢ እውን ክሳብ ዓወት እንቕጽሎ ናይ ምቅዋም ቃልሲ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ከይከውን ዝጠርጠሩ፡ ጥርጠራኦም ምስቲ ብብዙሕ ውረድ ደይብን ምድማይን ዝሓለፈ ቃልስና፡ መሰረት ዘይብሉ ኣይኮነን። ንድሕሪት ተመሊስና ጉዳያት ክንጽብጽብ እንከለና ኤርትራዊ ውድባት ዝካሰስሉ ክሳብ ሕጂ መዕረፊ ዘይረኸበ ጉዳያት ክህልወና እዩ። እንተኾነ እዚ ግዜ ዝበልዐ ዘይተዓጽወ ፋይላት ንተመራመርቲ ዝግደፍ እምበር፡ ሎሚ ካብኡ ዝዓቢ ብሓባር ንቃወመሉ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን፡ ኣጀንዳታትን ምኽንያታትን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እንዳሃለወ መፍደይ ሕነን ቅርሕንትን ክንገብሮ፡ ብኹሉ መለክዕታት ቅቡል ኣይኮነን።
እምበረከ እቲ ናይ ቅድም ሕነ ንምፍዳይን ሕዱር ቂምን፡ ዝብል ሃበስቀደስ ይጽናሕ እሞ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘስካሕክሕ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግዲፍከ፡ ንክትቃወም ዝዕድምን ተቓሊስካ ንክትቅይሮ ሓላፍነት ዘሰክምንዶ ኣይኮነን እዩ? ነቲ ብናይ ቀደም ጉዳያት ምጽብጻብ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ንታሪኽ ገዲፍና፡ ብሰንኪ ግጉይን ስሱዕን ባህርያት ህግዲፍ፡ ኣብ ኤርትራ፥ ሕገመንግስትን ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ዘይምህላዉ፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ዘይክበር ምዃኑ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ ምዝንግዑ፡ ኤርትራዊ ዓዱ ገዲፉ ይፈልስ ምህላዉ፡ ሃገርና “ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝብል ሳጓ ኣብ ዝተዋህበትሉ፡ ኮታ ልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን ተጋሂሱ መስሓቕ ሸራፋት ምዃናኸ፡ ንክንቃወምዶ ኣይድርኸናን እዩ? ነዚ ባዕሉ ዝዛረብን ኣብ ባይታ ዝረአን ከም ዜጋ ክትቃወሞ ሓላፍነት ዘሰክም ሰፍ ዘይብል ጸገም ርእዮም ኣንጻር ህግዲፍ ዘይስለፉ፡ ኤርትራውያን እንተልዮም፡ “ፈሊጦም ዘጽቀጡ፡ መመላኻዕቲ ምልኪ” ምዃኖም ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።
ሎሚ ድሕረ-ባይታኦም ተሓኤ ድዩ ህግሓኤ፡ ብዘየገድስ ነባራትን መንእሰያትን ኤርትራውያን፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ህግዲፋዊ ምልክን ኣተሓሳስባን፡ ብሓባር ክወፍሩ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ፡ ድሕረ ባይታዊ፡ ሜላውን ናይ ዕድመን ፍልልይ፡ ተቐንጢጡ “ኣጆኻ ኣለኹልካ” ተበሃሂሎም ከይተመላልኡ፣ ኣንጻር ህግዲፍ ምዕዋት ዘበት ምዃኑ ብግብሪ ይረአ ኣሎ። ድሕረ-ባይታናን ተመኩሮናን በበይኑ፡ መርኣያ ብዙሕነትና ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ንጉዳያትና ብሓላፍነት፡ ብምክኣልን ምጽውዋርን ኮታ ብውሕልነትን እንተዘይሒዝናዮ ከረሓሕቐና ዝኽእል ብዙሕ እዩ። ሎሚ ዝሓለፈ ቁስልን ስንብራትን እንዳጐዳእካ ምቑዛም፡ ንቕድሚት ስለ ዘየስጉም፡ ብዛዕባኡ ከመራመሩ ንዝደልዩ ንግደፈሎም እምበር፡ ኣብ ርሑቕ ዝተቐመጠ ፋይላት እንዳኸፈትና መፍቶ ህግዲፍ ክንከውን ኣይግበኣናን። ካብ ቀደሙ እውን ቃልስና፡ ሰላም፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ምእንቲ ክረጋገጽ፡ እምበር፡ ሕነ ንምፍዳይን ቅርሕንቲ ንምጽሕታር ኣይኮነን ንመጻኢ እውን ኣይክኸውንን እዩ።
ህግዲፍ ነቲ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባኡ ንክሓብእ፡ ነቶም ዝቃወምዎ “ኣበይ ዝነበሩ እዮም” ብዝብል ትዒቢት ተሰንዲሑ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ እዩ ዝኸሶም። ነቲ ከም ተቓወምቲ ክሳብ ሕጂ ዘይከኣልናዮ፡ መተካእታ ዘየብሉ ኣብ ሰፊሕ ጽላል ኣንጻሩ ምስላፍ፡ ንከይንበቕዖ ናተይ ኢሉ ዝሰርሓሉ በታኒ ስልቱ እዩ። ንቃልስና ብዓይኒ ሕነ ምፍዳይ ከም ዝረአ ገይሩ ከቕርቦ ምፍታን ከኣ ካልእ ካብቲ ንምርሕሓቕና ዝምህዞ ርጉም ሜላኡ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከከም ዝሰለጦ ብሃይማኖት ድዩ ብኸበሳን መታሕትን ወይ ብኻልእ ተቓወምተይ ይብትነለይ ብዝብሎ ክመጸና ከም ዝፍትን ተረዲእና ብጽንዓት ክንምክቶ ይግበኣና።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ተደጋጊሙ ከም ዝግለጽ ልዕሊ ህዝቢ ሓያል የለን። እቲ ካልእ ትካላት፡ ካብ ህዝቢ ዝወጽእ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ መመላእታ ወይ መቀላጠፊ እምበር ምስ ናይ ህዝቢ ዝዳረግ ቀያሪ ዓቕሚ የብሉን። ካብ ፈቓድ ናይዚ ሓያል ዓቕሚ ዝውንን ህዝቢ ዘይወጽእን “ድሌትካ ድሌተይ ዓቕምኻ ዓቕመይ” ኢሉ ዝለዓል ዝኾነ ውዳበን ትካልን ምናልባት ደኣ ምድንጓይን ሓጐጽጐጽን ይገጥሞ እምበር፡ ምዕዋቱ ዘይተርፍ እዩ። ብኣንጻሩ ንህዝቢ “ኣበይ ከይበጽሕ” ብዝብል ትዕቢት፡ ወይ ድማ “ኣበይ ከይርደኦ” ብዝብል ጉርሒ ናይ ህዝቢ ወሳኒ መሰል ዘስተናዕቕ ውዳበ ወይ ትካል ውድቀቱ ዘይተርፍ እዩ።
ናይ ዝኾነ ሃገር ዘመሓድር መንግስቲ ብርታዐን ድኻምን ዝልከዓሎም ብዙሓት መምዘንታት፡ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራውን ጸጥታውን ወይ ኣህጉራዊ ዝምድና እንዳበልና ነዊሕ ዝርዝር ምስፋር ይከኣል። እቲ ቀንዲ ግና ናይ ገዛእ ርእሱ ህዝቢ ተቐባልነትን እምነትን እዩ። ኣብዚ መሰረታዊ መምዘኒ ዘድመዐ ስርዓት ወይ ምምሕዳር ዝመጸ እንተመጾ ፈንጢስካ ናይ ምሕላፍ ዕድሉ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ምኽንያቱ ጽኑዕ መጸግዒ ዓንዲ ስለ ዝወነነ። ብኣንጻሩ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣነኣኢሱ፡ ብዝሃነጾ ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላት፡ ካብ ኣፍ ህዝቢ መንጢሉ ብዘህጠሮ ካዝናታት፡ “ኣለናልካ” ብዝብልዎ ዓንገልቱ ናይ ግዳም ሓይልታት ተነይቱ፡ ተሰንዳሕኩ ዝብል ኣካል ውድቀቱ ዘይተርፍ እዩ።
ህልውናኻን ቀጻልነትካን ንምውሓስ ናይ ህዝቢ ደገፍ ምርካብ ማለት፡ እንተ ብፍቶት ወይ ብምግዳድ ምስቲ ህዝቢ ተላሒግካ ብምንባር ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ወገን ንምዃን መሰረታዊ ሕቶ ናይቲ ህዝቢ ብዘይደረት ክትምልስን ተሳትፎኡ ከተረጋግጽን ናይ ግድን እዩ። እዚ መሰረታዊ መሰል እንብሎ ሓደ ንገዛእ ርእሱ “ኣነ እየ ዝመርሓካ” ኢሉ ዝተኾደጨ ከምዚ ናይ ሃገርና ህግዲፍ ፊን ከም ዝበሎ እንዳቖንጠረ ዝህቦ፡ ክጸልእ እንከሎ ዝዓጽዎ፡ ክፈቱ እንከሎ ከኣ ዝኸፍቶ ዘይኮነ ብዘይገደብ ዝውሕዝ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብዝረአ ተሳትፎ ዝረጋገጽ፡ ብውልቀ ሰባት ዘይኮነ ብሕግን ስርዓትን ዝቕለስ ልዕልና ሕጊ ዘውሕስ መሰል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከምዚ ናይ ህግዲፍ ዝተወሰኑ ጐሓላሉ ጉጅለ ፈጢሮም፡ “ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር” እናዜሙ፡ “ምርጫን ዲሞክራስን እንጀራ ኣይከውንን እዩ” ኢሎም እንዳሽካዕለሉ፡ ደገፍ ህዝቢ ክረኽቡ ማለት ዘበት እዩ።
ኣብ ሃገርና ዘሎ ካብ ህዝቢ ከም ዝወጸ ዝረሰዐ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓያል፡ ዕጉስን ዘይሕለልን ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን በደልን ብጥሪኡ “መሰል ህዝቢ ዘየኽብር” ኢልካዮ እትሓልፍ ጉዳይ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ ዓሚቑ ጥልመት እዩ። ኣብ ኤርትራ ትካላት ፍትሒ ኣሎ እንተኾነ ኣድልዎ ኣሎ ዝበሃሎ ዘይኮነ፡ ጠቕሊሉ ትካላት ፍትሒ የለን። ገለ መሰል ይኽበር ግና ምሉእ ኣይኮነን ዝበሃሎ ዘይኮነ፡ ፈጺሙ ዝሕለው መሰል የለን። ቁጠባዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ድሩት እዩ ዝበሃሎ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ዝኾነ ይኹን ተሳትፎ የብሉን። ጉዳይ ሕገመንግስቲ፡ ጉዳይ ምርጫን ናጻነት ሓሳብካ ምግላጽን፡ ጉዳይ ግዱድ ውትህድርናን ኣተሓሕዛ እሱራትን፡ ጉዳይ ፍልሰት፡ እንተዘርዚርና እውን እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ዝገደደ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ።
ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ፡ ህዝቢ ከምቲ መለኽቲ ዝግምትዎ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ርእሲኡ ዝወርድ በደልን ናይ መሰል ምጭዋይን ዘይርዳእ ኣይኮነን። ንመለኽቲ ቀልጢፉ ከም ዝፈለጦም ብዘይምንጽብራቑ ዘይፈለጦም ይመስሎም እሞ፡ ንሓዋሩ ክሳዱ ኣድኒኑ ዝነብር ይመስሎም። ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ናይ ህዝቢ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ምሃብን ምዕጋስን ይፈላለ እዩ። ብመንጽር እዚ እቲ ኤርትራዊ ናጽነትን ልኡላውነትን ዝተረጋገጸሉ መስርሕ ነዊሕን መሪርን ምንባሩ ስለ ዝርዳእ ህዝቢ ኤርትራ ንህግዲፍ ኣዝዩ ተዓጊስዎን ዕድል ሂብዎን እዩ። ብኣረዳድኣ እንዳ ህግዲፍ ግና እቲ ትዕግስቲ ፍርሃትን ተንበርካኽነት ተገይሩ ከም ዝተወስደ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ሎሚ ግና ክልቲኡ መሊኡ ይፈስስ ኣሎ። ናይ ህዝቢ ትዕግስቲ ተወዲኡ፡ ኣብ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻእን ብኤርትራውያን ተቓንዩ ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ውህሉል “ይኣክል” ወሊዱ። በቲ ካልእ ወገን ወዮ ህዝባዊ ማዕበል ከምዘይምሕሮ ዝተረደአ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ነቲ ከም ትካል ናተይ ዝብሎ ህግዲፍ እውን ዝጠለመ መላኺ፡ ውሑዳት መጣፍእቱ ሒዙ ከም ዕቡድ ኩሉ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ኣእማን ይድርቢ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣንጻር መስረታዊ መሰላት ህዝቢ ምዃኑ ነብሱ ንምቅላዕ፡ እቲ ካብኡ ተስፋ ዝቖረጸ ህዝቢ ዝእለየለን ዝነበረ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ምርሳይ በጺሑ ኣሎ። ሓድነትና ንምብታን ዝሰለጦ፡ ሃይማኖታዊ ድዩ ወገናዊ መርዚ ክነዝሓልና ከም ዝፍትን ከኣ ኣይንዘንግዕ።
ጉዳይና ቀንዲ ንዓና ኤርትራውያን ከም ዝምልከት ርዱእ ኮይኑ፡ ንካለኦት ምእንቲ ደሞክራስያውን ሰብኣውን ይምልከት እዩ። እቲ ካብ ቅድም ዝጸንሐ ሎሚ ከኣ ዝያዳ ዝምዕብል ዘሎ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ ብዙሓት ሃገራት ኣንጻር ኢሳይያስ ኣግሂዶም ናይ “ዓገብ” ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። እንተኾነ ብሓፈሻ ኩሉቲ ኣንጻር ኢሳይያስ ዝቐንዕ ዘሎ ብልሕታት ብፍላይ ከኣ እቲ ኤርትራውያን በብደረጃኡ ዝዋስእሉ ዘለዉ “ይኣክል” ምእንቲ ንድሕሪት ብዘይምለስ፡ ዝያዳ ክሕይልን ክውደብን ከም ዝግበኦ ክንዝንግዕ ኣይግበአናን። ነዚ እንተዘይበቒዕናዮ ግና እቲ ክቕልጥፍ እንደልዮ ጉዕዞ ህግዲፍ ንቑልቁል ክንዲ ትጽቢትና ዘይክኸውን ይኽእል።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ንሓደ ጉዳይ ምቅዋም ኮነ ምድጋፍ መሰረታዊ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምንጽብራቕ መሰል እዩ። እንተኾነ እቲ ተቓውሞኻ ኮነ ደገፍካ ቀጻልን ተቐባልነት ዝረክብን ምእንቲ ክኸውን ምኽንያታዊ ክኸውን ተደላይነት ኣለዎ። ምኽንያት ብምኽንያቱ ከኣ፡ ኣብ ባይታ ዝድህሰስን ዝረአን ክኸውን ይግብኦ። ኣብዚ ናይ ምቅዋምን ምድጋፍን መስርሕ፡ ነቲ ምቅዋም ኮነ ነቲ ምድጋፍ ዘሰጉሙ ኣካላት ክከባበሩ ይግበኦም። ምክብባር ማለት እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ርኢቶ ይፍተዎ ኣይፍተዎ ክቕበል ምቕሳብ ማለት ዘይኮነስ፡ ምስ ኩሉ ዕቃበታቶም፡ ኣብቲ ዘይፈላላዮም ብሓባር ክጐዓዙ ምብቃዕ ማለት እዩ። ኩሉ ግዜ ወሲዱ ናቱ ርኢቶ ቅንዕና ናይ ምርዳእን ምጽላውን እምበር፡ ነቲ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘለዎ ኣካል፡ ኣመንጊጉ ከውሕጦን ከገድዶን መሰል ከም ዘይብሉ ክግንዘብ ይግበኦ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ሓደ ጉዳይ ተፈላሊኻ ተቓዋምን ደጋፍን ምዃን ናብ ናይ ሓሳብ ፍልልይን ውድድርን እምበር ናብ ጽልኢ ዘምርሕ ክኸውን ከምዘይግባእ ምግንዛብ የድሊ። ፍልልያት ናብ ጽልኢ እንተ ማዕቢሉ እቲ ዘየፈላሊ ዝነበረ’ውን መምለሲ ብዘየብሉ ክጠፍእ ይኽእል። ኣብዚ መስርሕ ምቅዋምን ምድጋፍን፡ ጹረት ስኢኑ ዘዕለብጥን ጽልኢ ንምብላሕ ዝጐይን እቲ ኣብ ሓቅነት ናይ ዘቕርቦ ምኽንያት ዘይተኣማመን እዩ።
ኤርትራውያን፡ ጉዳይ ናይዚ ንሃገርና ዝሕምሳ ዘሎ ዘራጊቶ ጉጅለ ህግዲፍን ምሕደርኡን ክለዓል እንከሎ፡ ተቓወምትን ደገፍትን ኮይና ካብ እንስለፍ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ሓቀኛ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ከምዚ ናይ ሎሚ ከይተቓለዐ እንከሎ፡ እቶም ደገፍቱ ካብቶም ተቓወምቱ ዝበዝሑን ዝሓየሉን ከም ዝነበሩ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ጉጅለን ስርዓተ- ምምሕዳሩን ምቅዋም ማለት ክሳብ ከም ንዝህቢ፡ ሃገርን ሰማእታትን ኤርትራ ኣሕሊፍካ ምሃብን ክብሪ ምንፋግን ዝቑጸረሉ ግዜ ከም ዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቶም ካብ ንግሆኡ ዝቃወምዎ ዝነበሩ ኤርትራዊ ወገናት ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ እቶም ደገፍቱ ሓደ እዋን ክርሕርሕዎ ምዃኖም ርግጸኛታት ነይሮም። ጸኒዖም ተቓውመኦም ንክቕጽሉ ዘተባብዖም ከኣ እዚ ዘይተርፍ ምኽንያት ነይሩ። እዞም ዝቃወሙ ኮነ ዝድግፉ መነኦም እዩ ሓያልን ርትዓውን ካልእ ኮይኑ፡ ነናቶም ምኽንያት ነይርዎምን ኣለዎምን። ናይቶም ዝቃወሙ ምኽንያት ካብ ናይቶም ዝድግፍዎ ምኽንያት ዝሓየለን ሓቀኛን ምንቡሩ ከኣ እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኤርትራዊ ኣሰላልፋ ዝምስክሮ እዩ።
እቶም ንጉጅለ ህግደፍ ዝቃወሙ ኤርትራዊ ወገናት ነቕርቦ ዝነበርናን ዘለናን ምኽንያት፡ ሎሚ ነቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ቅቡልን ሓቀኛን ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ብሰንክዚ ንክቡር ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝጨወየ ጉሒላ ጉጀለ፡ ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ዘይምህላዉ፡ ኩሉ መሰረታዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰል ዘይክበር ምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይፈልጦ ፖሊስን ዘይመረጾ መሪሕነት ይግዛእ ምህላዉ፡ ልዕልና ሕግን ሕጋውነትን ምብኳሩ፡ ክቡር ዋጋን ነዊሕን መሪርን ግዜ ዝተኸፍሎን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ክብርን ይገሃስ ምህላዉ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ደረጃ ህዝብና ባይታ ምዝባጡ…… ወዘተ ካብቶም እቲ ተቓውሞ ዝምስረተሎም ዝድህሰሱን ባዕላቶም ዝዛረቡን ምኽንያታት እዮም። ነዚ ርኡይ ምኽንያታት ዋላ ሓደ ዝኽሕዶ ኣይኮነን። ህግደፍ እውን ነዚ ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ ህዝቢ ኣሜን ኢሉ ንከይርዕሞ እዩ ምስምሳት ዘብዝሕን ንካለኦት ከላግበሎም ዝፍትንን እምበር፡ ኣፉ መሊኡ “ ጸገም የለን” ዝብለሉ ሞራል የብሉን።
እቲ ነዚ ጉጅለ ክድግፍ ዝጸንሐን ዘሎን ኤርትራዊ ወገን፡ ሎሚ ኣብ ሓዊ ከም ዝእተጠብሰ ቋንጣ ዝቖሪ ዘሎ፡ ሚዛን ዝወሃቦ መደገፊ ምኽንያት ዘየብሉ፡ ኣብ እንዳ ህግደፍ ዝተቓመመ መርዚ ተጸሚሙ ኮሶ ይሰቲ ከም ዘሎ ሰብ ዝምሰል እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ምስ ውልቃዊ ረብሓን ግዝያዊ ማሕበራዊ ዝምድናን ዝተኣሳሰር ምኽንያት ዝሰዓሮም ጥራይ እዮም ብዝላሕተተ ድምጽን ዝማህመነ ፍናንን “ኣለና ምሳኻ” ዝብልዎ ዘለዉ። ምስ መሰረታዊ መሰልን ክብርን ሰባት ክወዳደር እንከሎ፡ ምእንቲ ዝኾነ ግላዊ ንብረት ከይውሰደካ፡ ናብ ቀብርን መርዓን ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያት ኢልካ ምጋሽ ከይትኽላእ ዝኣመሰሉ ካብቶም ናይ ደገፍቲ ህግዲፍ ምኽንያታት እዮም። እዚኣቶም ምኽንያታት ኣይኮኑን’ኳ እንተዘይተባህለ ኣዝዮም ዕባራን መህደምን ምኽንያታት ምዃኖም ግና ዋናታቶም’ውን ክእመንሎም ዝግበኦም እዮም። ደሓር ከኣ ካብቶም ተረዲኦም ንህግዲፍ ዝድግፉ፡ ክድግፉ ርእዮም ከየመዛዘኑ ዝድግፉ ይበዝሑ።
ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ፍትሓዊ ዕዳጋ ወሪዱ ገዛኢ ዝረክብ ምኽንያታዊ መንነት ኮነ ኣተሓሳስባ የብሉን። ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ሓቀኛ ባህሪኡ ሓቢኡ ብናይ ሓሶት መንነት ክሽቅጥን ዕድመኡ ከናውሕን ዝጸንሐ። እንተኾነ እቲ ሓቀኛ መንነት ናይቲ ጉጅለ ኣቃሊዕካ፡ ነቶም ብዕባራን ዝኣረጉን ምኽንያታት ክግድፉዎ ዝጸንሑ ናጻ ንምውጻእ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ ናይቲ ዝቃወም ወገን ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ግዜ እውን ነቲ ጉጅለ “ብሓሳዊ ምኽንያት ምትላል ይኣኽለካ” ኢልዎ እዩ። እነሆ ከኣ ህግደፍ እቲ መዕሸዊ ቁርበቱ ተገፊፉ ሓቀኛ ምስሉ ምምጻኡ ብቓሉ ክምስክር ኣብ ዝግደደሉ ደረጃ በጺሑ። እቲ ኩሉ ግዜ እንደጋግሞ ናይዚ ዝሓለፈ ዓመት መደረታት መራሒ ህግዲፍ ፈትዩ ዘምጸኦ ዘይኮነ መዓልቱን ብስለቱን ሓልዩ ዝመጸ እቲ ጉጅለ ዝተቓለዓሉ ተረኽቦ እዩ። እቲ መጋረጃ ተቐንጢጡ ሓቀኛ መንነት መራሒቲ’ቲ ጉጅለ ብግብሪ ዝረአዩን ዝሰምዑን ወገናት ከኣ፡ ከምቲ “ገ ክብሉኻዶ ትጋገ” ዝበሃል፡ እነሆ ደጊም “ብዘይምኽኑይ ኣካይዳ ህግዲፍ ኣይንታለልን” ኢሎም ኣብ መድረኽ “ይኣክል” ይኣልዩን ይቕልሱን ኣለዉ።
ህግዲፍ ናይ ሞትን ሕየትን መድረኽ ገጢምዎ ስለ ዘሎ፡ ፈትዩ “ኣላሽ” ኢሉ ኢዱ ኣይክህብን እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪኡ ህይወት ከምዘይህልዎ ስለ ዝፈልጥ። ደጊም ጉዕዝኡ ንቁልቁል ምዃኑ ግና ኣይኮነንዶ ንሕና ንዓኡ’ውን ነብሱ ነጊርዎ ኣሎ። ንሕና ከኣ ተቓውሞና ኣንጻር ህግዲፍ ምኽንያታዊ ምዃኑ ንቃልስና ዘተኣማምን ባይታ ዘትሕዝ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ዓወትና ከምዘይኮነ ክንኣምን ናይ ግድን እዩ። ንክንዕወት ኣብቲ ምኽንያታዊ ጉዕዞና ግብራዊ ውጽኢት ከነመዝግብ ይግበኣና። ናብዚ ንክንበቅዕ ከኣ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ምክብባር፡ ቀዳምነትካ ብግቡእ ምስራዕ፡ ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ብጽልኢ ዘይኮነ ብዓይኒ ሰላማዊ ውድድር ምርኣይ፡ ዝሕመረቱን ህዝቢ ዝማእከሉን፡ ብመትከል ፍልላያዊ ሕድነት ዝተቓነየ ናይ ሓባር ቃልሲ ከነካይድ ክንበቅዕ ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ወዮ ህግደፍ ብምርሕሓቕና ተደሪሩ ክሓድር ኩሉ ዝኽእሎ ፋላላይ ኣእማን እንዳፈንቀለ፡ ንሕና ንኡሳን ዝፈላልዩና ጉዳያት ኣባሊሕና፡ ነቲ ዘሰማመዓና ዓበይቲ ዛዕባታት ኣዳኺምና፡ በበይንኻ ምውፋር እንተቐጺልና፡ ንመላእ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ነውድቕ ከም ዘለና፡ ደሓር ከየጣዕሰና ከሎ ጌና ከነስተብህለሉ ዝግበኣና መሰረታዊ ጉዳይ’ዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ
20 ሰነ፡ ህግዲፍ “ስዉኣት እዝክር እየ” ዝብለላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት ሕገመንግስቲ ኣብ ዘየብሉ ሃገር፡ ስለምንታይን ብመንን ነዚ ዓብይ ሓላፍነት በቒዓ፡ ዘዛርብ’ኳ እንተኾነ፡ እዞም በጃ ህዝቦም ዝተበጀዉ ሰማእታት ኣይኮነንዶ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት፡ ወትሩ እንተዘከርናዮም እውን እንተዘይ ውሒድዎም ኣይበዝሖምን እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ግና ከምስል “ሕድሪ ስዉኣት ኣይጠልምን እየ” እንዳበለ ኣብዛ ኣጋጣሚ ብተደጋጋሚ ጥልመት ኣንጸባሪቑ እዩ። ኣብታ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ዘኽበረላ ብ1991 “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን” ዝብል ሕድሪ ስዉኣት ዝጠልም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ብ2018 ኣብዛ ዕለት እዚኣ ከኣ፡ ህዝቢ ከተዓሻሽወሉ ዝጸንሐ ጃህራን ዓዘፍዘፍን ዓጺፉ፡ ግሉጽነት ዘየብሉ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝበኹዐ ሃንደበታዊ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ኣውጁ፡ ካልእ ስዉኣት ናይ ምጥላም ነጋሪት ደሲቑ።
ስዉኣት ሕድሮም ዝኽበርን ዝቐስኑን፡ ስሞም እናጸዋዕካ ጅግንነቶም ብምዝንታው፡ መስዋእቶም ዘጉድፍ መደረታት ብምስማዕ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ብምቑዘም ኣይኮነን። ሕድሮም ዝኽበር ወዮ ምእንታኡ ዝተሰውእሉን ኣዕጽምቶም ከስኪሶም ደሞም ዘፍሰስሉን ህዝባዊ ዕላማ ፈርዩ ህዝቦም ተጠቃሚ ክኸውን እንከሎ እዩ። ሎሚ “ወዮ ምእንታኻ ኢና ተሰዊእና” ዝበልዎ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መሰላቱ ተጋሂሱ፡ ፍትሒ፡ ሰላምን ዕቤትን ተሓሪምዎ ኣብ ስግኣት ይነብር ኣሎ። ስለዚ ወዮ ዘይንሰምዖ ድምጺ ስዉኣት ወትሩ የእዊ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ኣብዛ ብስሞም እትጽዋዕ ግና ሕድሮም ዘይክበረላ ዕለት ኣውያቶም ዝያዳ ከም ዝዓርግ ፍሉጥ እዩ። ወያ ብኣዕጽምቶም ዝተሓጽረትን ብደሞም ዝጠለለትን መሬት ከኣ ከምቲ ከቢድ ዋጋ ሰማእታት ዝተኸፍለላ፡ ንህዝባ ኮይና ንካለኦት ክትከውን እናተገበኣ “ስዉኣት ሕድሩኹም ይጥለም ኣሎ” ዝብል ስምዕታ ናብ ህሉዋት እንዳቕረበት ተንቆልቁልን ትባድምን ኣላ።
ኢሳይያስን ጉጅለኡን ሒዘምዎ ዘለዉ ናይ ጥፍኣት መንገዲ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ልዕሊ ህዝብና መዓትን ብርሰትን የውርድ ከምዘሎ እቶም ህሉዋት ንርእዮ ኣለና። ሰማእታት እውን ከማና’ኳ ንኢሳይያስ ብኣካል ቀሪቦም ዝምጉትሉ ዕድል እንተዘይረኸቡ ብመንፈስስ ወትሩ ሓያል ናይ “ሕድርና ይከበር” ምሕጽንታ የቕርቡ ኣለዉ። ኢሳይያስ ግና ንድሕሪት ብዘይምለስ ናይ ስዉኣት ኮነ ናይ ህሉዋት ድምጺ ከይሰምዕ ልቡ ምድረበዳ ኮይኑ’ዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እዮም ከኣ ሕድሪ ስዉኣት ምስካሙ ዝኸበዶም ኣካላት “ብኻ ከምቶም ዝተሰውኡ ምሓለፍና” ክብሉ እንሰምዖም። ስዉኣት ዓው ኢሎም ደኣ ኣይዛረቡ እምበር ነቲ ካብኦም ዝተኸወለ ዝመስሎ ጠላሚ ተግባራት ይሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይርእይዎን ይሰምዕዎን እዮም።
ካሕሳን ሞሳን ስዉኣትና ጥልመት ሓቢእካ “ስጋ ስዉኣት” ኢልካ ብምምሓል ዝኽፈል ኣይኮነን። ነቲ ብስሞም ምምሓል ዝምጥን ግብራዊ ዋጋ ምኽፋል የድሊ። እቲ ዝኽፈል ዋጋ ሕድሮም ንምኽባር ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ክንድቲ ናታቶም ክቡር ህይወት ዘይኮነ፡ ምጡን ዋጋ’ዩ ዝሓትት። ንሳቶም ብጥሪኡ መተክእታ ዘየብሉ ክቡር ህይወት እዮም ከፊሎም። ንሕና ህሉዋት ግና ርሃጽ፡ ዘይቅዱስ ዝምድና ምስ ጉጅለ ህግደፍ ምብታኽ፡ ግዝያዊ ናይ ንዋትን ንብረትን ክሳራ ዘስዕብ ዋጋ’ኳ ክንከፈል ኣይበቓዕናን። ዝሃነጽካዮ ገዛ ወይ ካልእ ንብረት ከይውሰደካ ምስ ህግዲፍ ተመሳሲልካ ሕድሪ ስዉኣት ኣብ ዝጠልም ጓይላ ምስዕሳዕ ብውሱናት ኤርትራውያን ይረአ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓንቲ ኣብነታዊት ኣደ ኣብሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ንህግዲፍ ዘወግዝ ህዝባዊ ናይ ክተት ኣኼባ “ኣብ ኤርትራ ዝሃነጽናዮ ገዛ ከይውረሰና፡ ናይ ህግዲፍ መዳኸርቲ ኣይንኹን። ገዛ ምስ ዝጠፍኡ ዝጠፍእ ነይሩ እንተዝኸውን እዚ ክሳብ ሎሚ መልክዕን ግርማን ኣስመራ ኮይኑ ዘሎ ህንጻታት መግዛእቲ ኢጣልያ ሒዝዎ መኸደ” ዝበለኦ ቃል ኣብ ባይታ ዝወድቕ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራውያን “ንሓላፋይ ረብሓ ክንብል ንዘይሓልፍ ቃል ሰማእታት ኣይነዕብር” ክንብል ይግበኣና። ከምኡ ምባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ሕድሮም ከይክበር ጋሪዱ ዘሎ ጸሊም ህግዲፋዊ መጋረጃ ኣብ ምግላህ ብግብሪ ግቡእና ከነበርክት ይግበኣና። ብዙሓት ወገናትና ምስ ህግዲፍ ዝደናገጹ፡ ሕድሪ ሰማእታት ንዘይምጥላም ምዃኑ ክገልጹ ንሰምዕ ኢና። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ሕድሮም ምስ ዝጠልም ህግዲፍ ተሰሊፍካ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ኣይከበርን እዩ።
ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ሰማእታት እውን፡ ብፉሉይ ንህግዲፍ ዝህድዱ ምዕብልናታት ተሰንያ እያ ትዝከር ዘላ። ብኹሉ ማዕከናት ዓለም ንሕድሪ ስዉኣት ዘበርኽን ዘለምልምን፡ ጥልመት ህግዲፍ ዘቃልዕን ዝኹንን ድምጺ “ይኣክል” ኣብ ዝዓመረሉ ህሞት ኢና ንዝክራ ዘለና። ህግዲፍ ንህዝብና ኣዳህሊሉ፡ ካብቲ ተሓቢእሉ ዝጸንሐ ጉድጓድን ተነጽሎን መውጽኢ ንክኾኖ፡ ዞባዊ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ኣጐልቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ወዛሕዛሕ ናህሩ ወዲኡ፡ ክስጉም ኣብ ዘይከኣለሉ ኩነታት ኢና ንርከብ ዘለና። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ወዮ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፍራሕ ዝነበረ ህግዲፍን ናይ ስለያ መሓውሩን ተዳሂሎም ኣብ ዝሕብእሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ብዙሓት ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን ድሙቕ ናይ “ዓገብ” መጸዋዕታኦም የስምዑ ኣለዉ። ኮታ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣብ ዝተጋህደሉን ሕድሪ ስዉኣት ዘድምቑ ድምጽታት ኣብ ዝበረኸሉን እዋን ኢና ንርከብ ዘለና። ምስዚ ኩሉ ንሕና ኤርትራውያን ኢድ ካልኦት ከይተጸበና፡ ሓርነትና ብቃልስና ናይ ምርጋጽ ሓላፍነትና ጌና ከቢድን ወሳንን ምህላዉ በዚ ኣጋጣሚ ክንርዳእን ሓድሽ ንቕሎ ክንእንፍትን ይግበኣና።
ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮና፡ ብዙሓት ወገናት ኣብ ከምዚ መዓልቲ ሰማእታት ዝኣመሰለ ፍሉይ ኣጋጣሚ፡ ንህግዲፍ “ሎምስ ገለ ደኾን ይብል ይኸውን” ኢሎም ክጽበይዎ ልሙድ ጸኒሑ። ሎሚ እንተኾነ ግና ኣፉ ክኸፍት ዝጽበዮ የብሉን፡ እንተ ተጽበዮ’ውን ነቲ ዝጸንሐ ጸገም ከጋድድ እምበር፡ ራህዋ ከምዘየምጽእ ኩሉ ፈሊጥዎ እዩ። ንሕና ንብዓት ህዝብና ናይ ምሕባስን ሕድሪ ሰማእታትና ናይ ምዕቃብን ሓላፍነት ዘለናኸ፡ ሎሚ እውን ንመዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ በቲ ሕድሮም ኣብ ምኽባር ኣበርክቶ ዘየብሉ፡ ሽምዓ ኣብሪህካ ርእስኻ ምንቕናቕን ከንፈርካ ምርምጣጥን ጥራይ ዲና ክንዝክራ፡ ወይ ነቲ ሕድሮም ከይክበር ጋሪዱ ዘሎ ህግዲፋዊ ጸሊም መጋረጃ ኣብ ምቕንጣጥ ብዝሕግዝ ዕቱብ ስጉምቲ ንምውሳድ ብምውሳን ኢና ክንዝክራ። ምርጫና ምእንቲ እቶም ዘይቀሰኑ ስዉኣት ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ነቶም ዘይጠዓመና ህልዋት ዘርሁ መንገዲ ምሓዝ ክኸውን ይግበኦ።
ሕድሪ ሰማእታትና ንምኽባር ኩሉ ዋጋ ካብ ምኽፋል ድሕር ኣይንበል!
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብቲ ኤርትራዊ ጉዳይና ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ንሕና ኤርትራውያን ምዃና ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ኣይኮነን። እንተኾነ ከኣ ነቲ ዕማም ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ተነጺልና በይንና እንዓሞ ከምዘይኮነ ንኹላትና ብሩህ ኣዩ። ኣብ ኤርትራ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ፡ ወጽዓ፡ ምልኪ፡ ትዕቢት፡ ዘመናዊ ባርነት፡ ግህሰት መሰረታዊ ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት፡ ሎሚ እውን ኣብ ክንዲ ዝንኪ መመሊሱ እናገደደ መለለይኣ ኮይኑ፡ እቲ “ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝብል ሳጓኣ ብግብሪ ይገሃድ ኣሎ። ምናልባት ኣጉል ኒሕ ሓዲርዎም ነዚ ሕማቕ ምስሊ ኤርትራ ክሓብኡ ዝፍትኑ ኤርትራውያን እንተ ልዮም ሎሚ ባዕሉ እምብዛ ዓው ኢሉ ኣብ ዝዛረበሉ ደረጃ በጺሑ ስለ ዘሎ ተቓሊስካ ክትቅይሮ እምበር ክትሓብኦ ከምዘይከኣል ክርድኡ ይግበኦም። ከምቲ ክቡራት ወለድና “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይኒ ኣይትሓብእን” ዝበሃል ግዕዘይ ተግባራት ህግዲፍ ምኽንያታት ሰናኒዕካ ክትሓብኦ ኣብ ዘይከኣል ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ ኮይኑ እዩ።
ጉዳይና ካባና ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኻዊ ቅርዓት ካብ ዝወጽእ ነዊሕ ኮይኑ። እንተኾነ ነቲ እናሰምዐ ዝጸመመ ጉጅለ ህግዲፍ ነብሱ ንክሓክኽ ግዜ ንምሃቡ ግዲ ኮይኑ፡ ብዘይቃለ-ዓለም፡ ክምዕዱ ከጠንቅቑ፡ ክግስጹ ኣብ መወዳእታ ከኣ ክቐጽዑ ዝግበኦም ኣካላት ርእዮም ከምዘይረኣዩ ብምዃን ከሻድንዎ ከም ዝጸንሑ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ንሕና ኤርትራውያን በሃግቲ ኩለመ-ዳያዊ ናይ ሓርነትን ለውጥን ሓይልታት ወትሩ ናይ ለውጢ ኢና። ክፉእ ምስልን ተግባርን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክዕንድር ዝጸንሐ፡ ሎሚ ግና ናይ ሓሶት ሕሩጩ ወዲኡ ሰንከልከል ምባል ጀሚሩ ዘሎ ውጹእ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ቅድሜና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ተነጺሩ ኣዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ብዝተፈላለዩ መዕቀንታት፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ንኡዳትን ፍሉጣትን ዝኾኑ ልዕሊ 100 ኣፍሪቃውያን እቲ ዝርዝሩን ዕምቆቱን ገዲፍና ነቲ ኤርትራውያን “ይኣክል” ንብሎ ዘለና ዘራጉድ ናይ “ዓገብ” መልእኽቲ ናብቲ ህድኣት ርሒቕዎ ዘዕለብጥ ዘሎ ሰብኣይ ሰዲዶም ኣለዉ። ንሳቶም ኣብቲ መልእኽቶም፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ቅትለትን ምስዋርን፡ ብኩራት ልዕልና ፍትሕን ሐገመንግስታዊ ምምሕዳርን፡ ምንፋግ ሓሳብካ ምግላጽን ብዙሕነታዊ ውደባን ጠቒሶም፡ ዝሰምዕ እዚኒ ዘለዎ ያኢ መሲልዎም ካብዚ ደልሃመት ንምጻእ ክምዕዱን ክመኽሩን ቅሩባት ምዃኖም’ውን ኣስፊሮም።
ካብዚ ሓሊፉ ብዙሓት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፣ ዝነጥፉ ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ትካላት ዓው ኢሎም ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ግህሰት ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ከብቅዕ ብቐጥታ እቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መልእኽቲ ሰዲዶም ኣለዉ። እቲ ናይ ልዕሊ100 ብዝተፈላለዩ መለክዕታት ፍሩያት ኣፍሪቃውያንን ካለኦት ግዱሳት ማሕበራትን መልእኽቲ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እውን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ህልዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ ሓጺር ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ብኣዝዩ ውሕሉል ኣገባብን ምሳልያዊ ኣቀራርባን፡ ነቲ ኢሳይያስ ንቅድሚት ምሱጓምን መጻኢ ምእማትን ስኢኑ ኣብ ኣብ ሕሉፍ ምኹዳድ ጥራይ ዝመርጾ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን መንገዲ ዘቃልዕ ትሕዝቶ ነይርዎ። ዝምድና ናይ እንዳዓበየ ዝኸይድ ኣካላት ወዲ ሰብን ሓንሳብ ምስ ተሰፍየ ዘይዓቢ ክዳንን ሳእንን ከኣ ከም ኣብነት ጠቒሶም። ወረ ካብ ናይ ህዝቢ ሕቶ ሓንቲ ምስ መለስካ፡ ደሓር ካልእ ሕቶ ካብቲ ህዝቢ እንተመጸ “እቲ ቀደም ዝመለስኩልካ ይኣኽለካ ደጊም ኣይትሕተት” ምባል ዘምጸኦ ጸገም ብዝምልከት እውን መብርሂ ሂቦም። ዲክታቶር ኢሳይያስ ብወገኑ ኣብቲ ኣብ መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዘስመዖ መደረ፡ ካብተን ናይ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጅማን ጐንደርን ናይ ሸንዳሕዳሕ ቃላቱ ሓንቲ’ኳ ከይጠቐሰ ምሕላፉ፡ ኣብ ብዙሓት ወገናት “ወያ ናብ ካልእ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ለውጢ ክትመርሕ ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ እውን ግዲ እንድዕላ እያ” ዝብል ጨንጭንታ ኣሕዲሩ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ወዮ ካብ ቀደሙ “ዓገብ” ክበሃል እንከሎ ዘንጸርጽር፡ ነቲ ናይ ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ውሕሉልን ሓላፍነታው መልእኽቲ መሊስሉ። እቲ ቀልጢፉ ምምላሱ ናይ ምስንባዱ ምልክት ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ካብቲ ናይ ምጽቃጥ ባህሪኡ ኣይመተበራበረን። ኣብቲ ዝሃቦ መልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ዝኸፈሎ ዋጋ ብኣሃዛት ኣሰንዩ ዘርዚሩ ኣሎ። “እሞ ክንድዚ ዋጋ ስለ ዝኸፈለ፡ ናይ መስዋእቱ ጸጋ ኣብ ክንዲ ዝሓፍስ፡ ካብ ናይቲ ብቓልሱ ዝሰዓሮ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኣብ ዘይፍለ ወጽዓ ምእታዉ ደኣ እንታይ ኣምጸኦ? ዝብል ሕቶ ዝምልስ ግና ኣይኮነ። ብሓጺሩ እቲ መልሲ ዓቕሊ ጽበት ዝወለዶ ብዓብይኡ ድማ መጻኢ ዘይእምት ቀደም ኣብ ዝተሰርሐ ከኹድድ ዝፍትን፡ ብ”ኣበይ ዝነበሩ እዮም” ዝተቓነየ ካብ ህልዊ ዝረአ ኩነታት ዝሃድም እዩ ነይሩ። ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ግና “ከምዚ ነይሩኒ” ኢልካ ትጸባጸበሉ ዘይኮነ “ከምዚ ኣለኒ” ኢልካ እትዋሰኣሉ ግዜ ዘይህብ እዋን’ዩ።
ናብቲ ቀንዲ ንዓና ዝምልከት ክንምለስ። እንተ ካብ ህግዲፍ ክትኮበልና እንጽበዮ ጽቡቕ ነገር የለን። እቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣግሂዶም ምጽሓፎምን ምዝራቦምን ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ከምቲ ህግዲፍ ዝምነዮ ዘይናቱ ስም እናተዋህቦ ተሸጒጡ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ’ውን ይዕምር ከም ዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ንጉዳይ ኤርትራ ዝወሃብ ኣቓልቦ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምብራኹ እምበኣር ነቲ ባዕልና እነካይዶ ቃልሲ ዝያዳ ዘጐልብት እምበር ንናይ ህዝብናን ናትናን ዘይሕለል ቃልሲ ዝትክእ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ንጉጅለ ህግዲፍ ዝህውጾ ዘሎ ድፍኢታት፡ መሰረታዊ ተደላይነት ዓቕምኻ ምውዳብ ከይሰሓትና፡ ከም መሕየሊ ናይቲ “ይኣክል” ዝብል ህዝባዊ ምልዕዓል ክንጥቀመሉ ይግበኣና። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ኤርትራዊ ጉዳይና ዝያዳ ቆላሕታ ይረክብ ምህላዉ ጥራይ በይኑ ዓወት ኣይከኸውንን’ዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ህግዲፍ ንኹሉ ሓቅታት ናይ ሓሶት ድራማታት ብምህንዳስ እናሸፈነ ዝነብር ሃዳሚ ጉጅለ እዩ። ህድማኡ ዝግለጸሉ ሜላታት ብዙሕ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቢእካዮ ዘይሕባእ ባዕሉ ዝዛረብ ክትኣምኖ ዘጸግም ዘስካክሕ ኩነታት ክትደፍን ምፍታን እዩ። ኣብ ኤርትራ “ሕገመንግስቲ የለን፡ ምርጫ ተኻይዱ ኣይፈልጥን፡ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ህዝቢ ጠሊሞም ኣብ ስልጣን ዝተኾየጡ ባዕላውያን እዮም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣይክበርን እዩ……ወዝተ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ሓረጋት ህግዲፍ ከም ቁርን ኣሳሓይታን ዝፈርሖም ሓቅታት እዮም። ጠንቂ ፍርሑ ድማ ኣብ ናይ ፊትንፊት ግጥም ሓቅን ሓሶትን ንሱ ከም ዝርታዕ ስለ ዝፈልጥ እዩ።
እቲ ካልእ ንመህደሚ ዝጥቀመሉ መደናገሪ ጉልባብ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕዮ-ገዛ ዝዓመሉ ዓቕምን ባህርን ዘየብሉን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዓርቀን ክነሱ፡ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ምትሕብባር ዞባናን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ክዋሳእ ዝገብሮ ውጥም ቅልቅል እዩ። ኢሳያስ ዞባዊ ዛዕባታት ዘልዕል ዞባዊ ዓቕምን ተሰማዕነትን ሃልይዎ ዘይኮነ፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘየደቅሶ ሓቂ ከም መህደሚ ክጥቀመሉ ስለ ዝደሊጥራይ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ እቲ ዘራጊ ባህሪኡ ምስኡ ስለ ዝገይሽ ኣብ ዞባዊ መድረኽ እውን ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝለመዶ ዝዘርግ እምበር ዘዕሪ ውጽኢት የብሉን። ናብዚ ዝወድቕ ከኣ ኩሉ ሕልምታቱ ንጉዳያት ናብቲ ንሱ ኣብ ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ዘርጊ ክስሕቦ ስለ ዝፍትን እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ ከኣ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኣብ መጽሓፉ “ዘራጊቶ” ዝብል ናቱ ዝሃቦ።
ብዛዕባ ዞባዊ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ክንዛረብ እንከለና፡ ኣብ ሃገሩ ዘየድመዐ ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰል ኣካል፡ ኣብ ዞባዊ መድረኽ ከድምዕ ማለት ዘበት እዩ። ምናልባት ኣደናጊሩ ድዩ፡ ሓላዪ መሲሉ ኣብቲ ምትሕብባር እንተ ኣተወ’ውን ናይቶም ሓቒ መሲልዎም ድዩ፡ ወይ ተገሪሆም ዘዋስእዎ ወገናት ሰከም ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዕድል የብሉን። ሰከም ምዃን ጥራይ ዘይኮነ ከም ጉጅለ ህግዲፍ ዝኣመሰለ ኣብ ሸፈጥን ጭውያን ዝነብር፡ ዝሕግገሉ፡ ዝፍጽመሉ ኮነ ዝፈርደሉ ትካል ዘየብሉ፡ ምስኡ ዝግበር ምሕዝነት ድዩ ምትሕግጋዝ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ኣዝዩ ጸቢብ ምናልባት እውን ዘይከኣል እዩ። ቀንዲ ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ዝግበር ስምምዕ ድዩ ምሕዝነት ውልቃዊ እምበር ትካላዊ ስለ ዘይኮነ እዩ።
ንሕና ኤርትራ፡ ልኡላውነታን ክብራን ኣብ ዝተሓለወሉ፡ ትካላዊ ውሕስነት ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘትከለ፡ ኢድ ኣእታውነት ዘየፈቅድ፡ ረብሓ ህዝቢ ዝሕመረቱ ዝምዳና ኣይኮነንዶ ምስ ጐረባብታ፡ ምስ ዝኾነት ሃገር ክህልዋ ብዘይውልውል እንድግፎ ጥራይ ዘይኮነ እንቃለሰሉ’ውን እዩ። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተሰረተ ዝምድናን ውዑልን እዩ፡ ምስ ዝሓልፍ ስርዓት ኣብ ክንዲ ዝሓልፍ፡ ናይቲ ነባሪ ህዝቢ ዓንዲ ሕቖ ኮይኑ ክነብር ዝኽእል። ብኣንጻሩ ምስ ጉጅለ ኢሳይያስ እሞ ከኣ ካብ ህዝቢ ተሓቢካ ዝግበር ዘይትካላዊ ውዑላትን ስምምዓትን እቲ ጉጅለ ክሓልፍ እንከሎ፡ ብህዝቢ ተወሪሱ ክቕጽል ውሑስ ዕድል የብሉን። ኢሳይያስ ክዛመድ እንከሎ ዝመርጾ ኣገባብ ኣርሒቑ ዝጠመተ፡ መሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይኮነ፡ ንዕድመ ስልጣኑ ጥራይ ዝተዓቀነ ኣብ “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ዘኹድድ እዩ። ክሳብ ክንድዚ ኣርሒቑ ስለ ዘይርኢ እዮም ከኣ ብዙሓት ተዓዘብቲ ንተግባራት ህግዲፍ “ኣነ እንተመይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ብዝብል ዘየናሕሲ ኣበሃህላ ዝነቕፍዎ።
ንጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራን ህርኩት ህዝባን ብሂጎም፡ ምስ ዲክታተር ኢሳይያስ ስምምዓት ክገብሩ ዝደልዩ ወገናት፡ ኢሳይያስ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ከም ዘየብሉ ክርድኡ ይግበኦም። ካብዚ ዝዓቢ ከኣ ሕገመንግስታዊ ልጓም ኣብ ዘየብሉ ፊን ከም ዝበሎ ዝጋልብ፡ ዝነቕለሉን ዝዓርፈሉን ዘይፍለጥ ፍኑው ምዃኑ ከስተብህሉ ይግበኦም። እዚ ክግደስሉ ዝግደድሉ ምኽንያት ነቲ ባዕሉ ክገብሮ ዝግበኦ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንምሕላው ዘይኮነ፡ ኣብ ሰንፈላል ዝነብር ጉጅለ፡ ምናልባት ኣብ ውሱን ጉዳያት ንውሱን ሸቶ ይለኣኾም ይኸውን እምበር፡ ውሑስ ቀጻልነት ከረጋግጸሎም ስለ ዘይክእል እዩ።
ምስ ኢሳይያስ ናይ ሕጽኖት ግዜኡ ኣብ ምውዳእ ዝበጽሐ ዝመስል ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ከቕልበሉ ይግበኦ። ካለኦት ንህግዲፍ ኣሚኖም ክዛመድዎ ዝሓስቡ’ውን ከምኡ። ጉጅለ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ’ኳ ዘይኮኖ ንዓኣቶም ከሕንድየሎም ክሓስቡ ኣይግበኦም። እዚ ማለት ምስ ኤርትራ ዝምድና ኣይገበር ማለት ዘይኮነ፡ ተዛመድቱ ቅድሚ ዝምድና ጉጅለ ህግዲፍ ናብ ንቡር ክመጽእ ከገድድዎ ይግበኦም ንምባል’ዩ። ከምኡ እንተዘይገይሮም ግና እቲ ውጽኢት ቀለሙ ከይነቐጸ፡ ዘጣዕሶም ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ።
ከምቲ “ንሰፍላላስ ይፈጥረላ” ዝበሃል፡ ወያ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝጸንሐት ወዛሕዛሕን ምልፍላፍን፡ ኣብ ዝቐምሰለትሉ፡ ኣብ ሱዳን ከኣ ኢሳይያስ ዝስዕሰዓሉ ጓይላ ተተኺሉ’ሎ። ኣብ ሱዳን ዝእጐድ ሓዊ ንፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ከንድዶ እንከሎ፡ ንዲክታቶር ኢሳይያስ ከም ዝሽልብቦ፡ ኢሳይያስ ከኣ እቲ ሸልባቢ ሃፈጽታ ናብ ዝህምኾ ሃልሃልታ ከይበጽሕ ናይ ነፍሰ-ምክልኻል ጸፋዕፋዕ ከርኢ ባህርያዊ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ሱዳን ሰላምን ሲቪላዊ ምምሕዳርን ምእንቲ ከይትረክብ፡ ሰብ ሰፊሕ ከባብያዊ ረብሓ ጸሚዶም ክሓርስዎ ወጢኖም ቅርቡነቱ የርኢ ኣሎ። ምስ ግብጺ፡ ሳዑድ ዓረብን ኢምሬትን ኢድን ጓንትን ኮይኑ፡ ናይቲ ኣለሳሊሱ ስልጣን ክብሕት ትንዕምንዕ ዝብል ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ደጋፊ ኮይኑ ኣሎ። ኢትዮጵያ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተወሲዱ ዘሎ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል ኣባልነታ ምድስካሉ ክትድግፎ እንከላ፡ ኢሳይያስ ግና ይቃወሞ ኣሎ። ቀንዲ ምኽንያቱ ከኣ ሎሚ ህዝቢ ሱዳን ብቓልሱ ሲቪላዊ ስርዓት እንተተኺሉ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ናይ ምድጋሙ ዕድል ልዑል ምዃኑ ስለ ዝርዳእ እዩ። በዚ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ፕረሲደንቲ ዑመር ኣልበሽር ክወርድ እንከሎ ኢሳይያስ ዘይሕጉስ ጥራይ ዘይኮነ ሰንቢዱ ከም ዝነበረ ዘረድእ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ጉጅለ ኢሳይያስ ክሳብ ዘይተወገደ መህደሚ ምኽንያታት ካብ ምምሃዝ ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ እንብል።