ጣልቃ ህግደፍን ሳዕቤናቱን

2021-01-31 10:28:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1751 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ዓለምና ብረቂቕ ጥበብን ምዕባለን ኣዝያዳ ዝተቐራረበትሉ እዋን ዝምድናታት ምፍጣር ግደታ እዩ። ምዝማድ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ካብ ኮነ ካብኡ ብዘይፍለ፡  ምስመን፡ ብዛዕባ ምንታይን ኣበይ ንምብጻሕን ትዛመድ ኣብ እትውስነሉ ጥንቁቕ ምዃን ኣገዳሲ እዩ። ናይ ኩሉ ዝምድና መንቀሊ ረብሓ ስለ ዝኸውን ናይ ቀረባ ይኹን ርሑቕ መዛምድቲ ክትመርጽ እንከለኻ፡ በዚ መልክዕ ምርኣዩ ኣድላይ እዩ። እቲ ዝምድና ህያውን ቀጻልን ንክኸውን ከኣ ካብ “በይነይ ክረብሕ” ወጺእካ ኩልኻ እትርበሓሉ ማእዝን ምኽታል ኣገዳስነት ኣለዎ። እቲ ዝምድና ኣድማዕን ነዊሕ ዝጠመተን ንክኸውን ፍትሓውን ትካላውን ክኸውን ወሳኒ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ኣብ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ  ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር …….ምስ ዝዀነት ሃገር ዝግበር ንግዳዊ ውዕላትን ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታትን ፍትሓውን ሃናጽን ክኸውን ምቅላስ።” ብዝብል ሰፊሩ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዝምድናታቱ ዝኽተሎም ፖሊሲታት፡ ብቅዋም ዘይምርሑን ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘይተስረቱ ስለዝኾኑ ኩሎም ግጉያት እዮም። በዚ ድማ፡ መዳይ ፖሊሲ ዝምድናኡ ኣሉታ ምምሕዳሩ  ጐሊሑ ዝረአየሉ እዩ። ፖሊሲ ዝምድናኡ ሕገመንግስታዊ መሰረትን ግሉጽነትን ዘየብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ “ኣነ ጥራይ እየ ዝጥቀም” ዘኹድድ ብትካል ዘይኮነ ብድሌት ውልቀ መላኺ ዝዝወር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ኢደወነናዊ ዝምድናታት  ናይዚ ጉጅለ ኣፍልጦ ኮነ ተጠቃምነት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንክዚ ዘይትካላዊ ኣካይዳ ናይዚ ጉጅለ ፖሊሲ ዝምድና ብተደጋጋሚ ዝተጐድኣሉን ዝተነጸለሉን ተመኩሮ እዩ ዘለዎ። ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ናብ ውግእ ክኣትወሉ ካብ ዝጸንሐ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ኣብ “ኣነ በይነይ እየ ክጥቀም” ዝተመርኮሰ ናይ “ደው በለለይ ክብለጸልካ” ፖሊሲኡ እዩ።

እዚ ጉጅለ ሎሚ እውን መሊሱ ደኣ ገዲድዎ እምበር፡ ካብዚ ግጉይ መንገዱ ኣይወጸን። ብፍላይ  ካብቲ ብ2018 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ብዙሕ ዘዛረበ ጉልቡብ ዝምድና ንድሕሪት፡ እቲ ብዘይትካላውነትን ኢድ ኣእታውነትን ዝልለ ፖሊሲ ዝምድናኡ መሊሱ እዩ ሳዕሪሩ። እቲ “ንጉዳይ ኢትዮጵያ ስቕ ኢልና እንርእዮ ዘይኮነ፡ ኢድና እነእትወሉ እዩ”  ዝበሎ፡ ምስቲ “ ወያነ ካብ ጸወታ ወጻኢ ኮይና”  መዝሙሩ ተደሚሩ፡ ናይቲ ብዙሕ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከኸትል ዝጸንሐ ፖሊሱኡ መቐጸልታ እዩ ነይሩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን እዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ እሞ፡ ”መርሃ-ኣልባ/ ስርዓተ-ኣልቦ“  ዝተባህለ ዝምድና ኣብቲ ጉጅለ ተደሪቱ ዘይተርፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ዝበጽሕ ኣሉታዊ  ሳዕቤን ከም ዘኸትል ክእምቱ ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ወዮ ናብ ሕማቕ ከም ዝምዕብል ክግመትን ክፍራሕን ዝጸንሐ “ጣልቃነት” ዝሕመረቱ ዝምድና ህግደፍን ብልጽግናን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ እነሆ። ሰዲህኤ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ፡ ኩነታት መዚኑን ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሻቕል ምዃኑ ተገንዚቡን “ናይ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ  ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ናይ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ምስሕሓብ ስለ ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።” ኢሉ ነይሩ። እዚ ሚዛንን ጻውዒትን ሰዲህኤ ሎሚ ብብዙሓት ወገናት ዝድፈኣሉ ዘሎ እዩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ሓቅነት ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ  ኣዛራቢ ነይሩ። ሎሚ ግና ህግደፍ ኣብቲ ጉዳይቲ ኣትዩ ኣብ ዘይኤርትራዊ ኣጀንዳ ይሕንብስን ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ኮይንዎ የውጠጥን ከም ዘሎ ተረጋጊጹ እዩ። ምእታው ጥራይ ዘይኮነ ወተሃደራቱ ኣብ ስርቅን ራስያን ከም ዝተዋፈሩ እውን ንዙሓት ዘዛርብ ዘሎ ምጽራይ ዘድልዮ ተረኽቦ እዩ። ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብ ኢትዮጵያ ተመዲቦም ዝሰርሑ ነባራት ኣንበሳድራቱን ካብቶም ወተሃደራዊ ህልውና ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣረጋጊጾም ናይ “ብህጹጽ ውጹ” ስምዕታ ዘቕርቡ ዘለዉ እዮም። ብዓብይኡ ከኣ እቲ ደቁ ኣብቲ ውግእ ዝተጠብስዎ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳዕዲዑ ይፈልጦ እዩ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት እውን ናይ ኤርትራ ኣብ  ውግእ ትግራይ ምእታው ንልኡላውነት ኢትዮጵያ ዝፈታተን ብምዃኑ ኩነኔኦም የሰምዑ ኣለዉ።

ኣቶ ልደቱ ኣያለውን ኢንጅነር ይልቃል ጌትነትን ዝተባህሉ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሰሚሩ ን6ይ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝዳሎ ዘሎ “ኣብሮነት” ናይ ዝበሃል ውድብ ኣባላት መሪሕነት ኣብዚ ቅንያት ዝበልዎ ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል። “ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቁጽሪ ሓደ ጸላኢ ኢትዮጵያ እዮም። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ዝጀመሩ ካብቲ “ወያነ ካብ ጸወታ ወጻኢ ኮይና” ዝበልሉ እዋን ጀሚሮም እዮም። ሎሚ ብግብሪ ኣብ ትግራይ ይረአ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዝገብርዎ ዘለዉ ኢድ ኣእታውነት ዘይኮነ ወራር እዩ። ዜጋታትና ይቐትሉን ንብረቱ ይወርሱን ኣለዉ። ሕጂ ኣብ ኢድ ኣእታውነት ኣቶ ኢሳያስ ዝምልከት ኢትዮጵያውያን ዝጽበየና ክልተ ነገራት እዩ። ወይ ኣትሪርካ ንተግባራት ኣቶ ኢሳያስ ምኹናን ወይ ድማ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይኮነትን ምባል።…… ኣነኳ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርድዎ ዘለዉ ግፍዒ ኣስመራ ከይደ ስለ ዝተዓዘብኩዎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጽምዎ ዘለዉ በደል እምብዛ ኣይተሓደሰንን። (ኣቶ ልደቱ ኣያሌው። “ኣቶ ኢሳያስ ዝመርሕዋ ሃገር ንኢሳቶም ዝጭነቑ እዩ ዝመስለኒ። ግና ድማ ነታ ንእሽቶ ሃገር እውን ብግቡእ ኣይመርሕዋን። ንሶም ናይ ፖለቲካ ፈላጥ እየ ይበሉ እምበር፡ ታራ መታለሊ እዮም። …….. እዚ ተግባሮም በቲ ሓደ ወገን ናይ ኢትዮጵያ መራሕቲ ዕሸልነትን ተዓሻውነትን ዘርኢ እዩ።”  (ኢ/ር ይልቃል ጌትነት)።

እዚ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ሳዕቤኑ ናብቲ ዘይወዓለሉ ህዝቢ ኤርትራ ቀሊል ከም ዘይኮነ ኩላትና ንግንዘቦ ኢና። እቲ ክሳብ ሕጂ ከይድዎ ዘሎ ክንመእልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ከምዚ ከይገድድ ናይ ምግባሩ ግና ኣብ መጻኢ ብእነካይዶ ቃልሲ ስለዝውሰን ብተወፋይነት ንመክቶ። ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ትግራይ፡ ብጉጅለ ህግድፍ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ንዓኡ ዝምልከት ዕዳ’ምበር፡  ህዝቢ ኤርትራ ዝሕተተሉ ከምዘይኮነ ንክርዳእ ጻዕርና ቀጻሊ ክኸውን ይግበኦ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ሽግራቱ ባዕሉ ክፈትሕ ክግደፍ ስለዘለዎ፡ ናይ ኤርትራ ጣልቃ ምእታው ከብቅዕን ሰራዊት ኤርትራ ከኣ ካብ ትግራይ ክወጽእን ምስቶም ነዚ ዝጽዉዑ ዘለዉ ወገናት ድምጽና ንሓውስ።

Last modified on Sunday, 31 January 2021 11:40