ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣሽካዕላል ኢዩ

2021-02-18 22:05:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1880 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኢሳያስ ኣፈወርቅ ከምቲ ልማዱ ንነዊሕ ግዜ ካብ መራኸቢ ብዙሃን ርሒቑ ምስ ጸንሐ፡ ብ17 ለካቲት 2021  ምስተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ናይ ብሕቲ ንብረቱ ዝኾና ሚድያታት ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ መሓትት ኣካይዱ። ነቲ ኣቐዲሙ ኣዳልዩ ዝሃቦም ሕቶታት ዝሓተትዎ እቶም ልሙዳት ጋዜጠኛታቱ ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳውሎስ ነታባይን እዮም። እዚኣቶም ከምቶም መልእኽቲ ኢሳያስ ናብ ወጻኢ ኣብ ምምልላስ ሓንሳብ ምስተጸምዱ ዘይቅየሩ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ዘይትክኡ ሓተቲ ኢሳያስ ስለ ዝኾኑ፡ ቃለ መሓትት ኣሎ ምስተባህለ ንሳቶም ከም ዝመጹ ዘይገመተ ኣይነበረን።

ኢሳያስ ኣብዚ ቃለመጠይቑ  ዋላኳ ዞባዊ መልክዕ ከትሕዞ እንተፈተነ ብኢትዮጵያዊ ዛዕባታት እዩ ጀሚሩ። ኣብ ኣመዓባብላ እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብቲ ኢትዮጵያዊ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ዝብሎ ብዝመልከዐ ኣወቂቡ ኣቕሪብዎ። ካብዚ ሓሊፉ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጸላዊ ኣካል ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ዝያዳ ከኣ ብዛዕባ ትሕዝቶ  ሕገመንግስቲ ምዒዱስ ሰማዒ ከም ዝሰኣነ ገሊጹ። ነቲ ኢትዮጵያ ንዝያዳ 20 ዓመታት ዝተመርሓትሉ ሕገመንግስቲ ከኣ “ናይ ነታጒ ምቕባር ፖለቲካ መጻወቲ” ኢልዎ። ኣብዚ እውን እቲ ቃና ኣገላልጻኡ ካብቲ ንተመኩሮ ህወሓት ኣትሪሮም ዝነቕፉ ኣካላት ዝብልዎ እንተዘይገዲዱ ዝፍለ ኣይነበረን። እቲ ኣዝዩ ዝገርምን ዘተዓዛዝብን ከኣ ኢሳያስ ብናይ እንዳማቱ ሕገመንስቲ ዝወራዘ ዘሎ ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ ንኤርትራ ብዘይ ሕገመንግስቲ ይገዝኣ ኣብ ዝሃለወሉ እዋን ምዃኑ እዩ። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክዛረብ እንከሎ  ሃዲእካ ብምሕሳብ፡ ቀዳምነታት ሰሪዕካ ብምስራሕ…. ወዘተ ክተሓዙ ዝግበኦም ጉዳያት ከም ዝነበሩ እውን ጠቒሱ። “ክሳብ ክንዲ'ዚ ዝርዳእን ሓላይን ካብ ኮነ ደኣ ኣብ ኢርትራ ከምኡ ዘይገብር?” ዝብል ሓታታይ እንተዝረክብ እንታይ ምመለሰ እንድዒ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ በዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዞባዊ ናይ ምዃን ሰፊሕ ዕድል ዘለዎ ቅልውላው ስግኣት ከም ዘለዎ ኣይሓብአን። ነብሱ ካብቲ ጉዳይ ከርሕቕ  ብዘምስል ከኣ ደጋጊሙ ናይዚ ቅልውላው ዋናታት ናይ ምርሓቕ ምልክታት እውን ኣርእዩ።

ካብቲ ቀንዲ ዕላማታትን ትሕዝቶን ናይዚ ቃለ መጠይቑ ሓደ፡ ንሓቂ ሓቢእካ ነቲ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ኤርትራ ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብዘይቅድመ-ኩነት ብህጹጽ ሰራዊታ ክትስሕብ ዘቕርብዎ ዘለዉ መጠንቀቕታት ኣቕጣጫኡ ንምስሓት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ልሙድ ብተግባር ብዘይስነ ናይ ቃላት ተስፋ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ኣሽካዕላል ተልእኮ ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ኣብ ክንዲ ብኤርትራዊ ጉዳይ ዝጅምር ንዘይኤርትራዊ ዛዕባ ምቕዳሙ ከኣ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ ዘገርም እዩ። ከምዚ ምግባሩ በቲ ሓደ ወገን ካብቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ኤርትራዊ ባይታ ንደገ ብዝጥምት ዘይኮነ፡ ካብ ደገ ናብ ኤርትራ ብዝምዕብል ፍታሕ ናይ ምምጻእ ቀይናን ሃቐነ ከም ዘለዎ የርኢ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ በቲ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኤርትራ ዝተዛረቦ ዘይግብራዊ ባዶ ተስፋታት “ሰማዒ ኣይረክብን እየ” ኢሉ ኣገባብ ምቕያር  እውን ይመስል። በዚ ይኹን በቲ ቃለመሓትት ኢሳያስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን እዋናዊ ሕቶታቱን ተገዳስነት ከም ዘየብሉ ዘመልክት እዩ።

ኣብቲ ውሑድ ደቓይቕ ሂቡ ዝተዛረበሉ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባታት ዘቕረቦ ሓሳባት፡ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ግዜ ዝበሎን ኣብ ክንዲ ፍታሕ ዝሕብር፡ ነቲ ህዝቢ ዝፈልጦን ፍታሕ ዝጽበየሉን ጸገማት’ዩ ቃላት እንዳቀያየረ ደጋጊምዎ። ንኣብነት ብጉዳይ ኮቪድ-19ን ምክልኻሉን ኣብ ዝምልከት ከብርህ እንከሎ፡ ብትሑት ተገዳስነት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ብሩህ ክነሱ “ጥዕና ናይ ምሕላው ዓቕምና ዜሮ እዩ፡ ካብዚ ዜሮ ኢና ከኣ ክንጅምር” ኢሉ። ብዛዕባ መጻኢ መፍትሒ ክዛረብ እነከሎ ከኣ “መሳጢ ፖሊሲ ኣለና፡ ግና ከኣ ናይ ምትግባሩ ዓቕሚ የብልናን” ይብሎ። እዚ ንሰማዒኡ “እሞ ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ ዘሎ” ዘብል እምበር መፍትሒ ዘምጽእ ኣይኮነን። ነቲ ህዝብና ብጉልባብዚ ተላጋቢ ሕማም ኮረና ስለ ዝተዓጽወ ዝወርዶ ዘሎ ሕሱም ስእነት ኩሉ ዓይነት ቀረባት ስለ ዘይተሰመዖ ከኣ “ብሰንኪ ሕማም ኮረና ዘጋጠመ ቁጠባዊ ለውጢ የለን” ክብሎ ኣይሓፈረን። ከምቲ ልሙድ ምትላሉ ከኣ “ቁጠባና ዝዓብየሉ ኩነታት ንምፍጣር ጽላት ብጽላት ንመዝንን ቀዳምነታትና ንሰርዕ ኣለና” ይብል እሞ “ብሚኒስትሪ ንግዲ ዝምእከል ኣካል ተመዚዙ ኣብዚ መዳይዚ ይሰርሕ ኣሎ” ኢሉ። ዘገርም እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ካብቲ ቀደም “ፖሊሲ ጥሙር ሕርሻ”  ዝበሃል ዝነበረ እሞ ዝፈሸለ  ጀሚርካ ክንደይ ሓይሊ ዕማማት ተመስሪተን ብዘይፍረ ከም ዝፈረሳ ንዝፈልጥ ህዝብስ ሎሚ እውን ብኸምዚ ዓይነት “መወዳእታ ዘየብሉ ናይ ቃላት ተስፋ” ክሽፍጦ ምፍታኑ ናይ ጥዕና እዩ ክትብሎ ዘጸግም እዩ።

ኢሳያስ ነዚ ቃለ መጠይቕዚ ክህብ እዩ ምስ ተባህለ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ነናቶም ግምት ነይርዎም። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ነቒሉ ካብ ኢሳያስ ተስፋ ስለ ዝቖረጸ፡  “ሓድሽ ነገር ኣየምጽእን እዩ” ዝብል ግምት ነይርዎ። ገለ ወገናት ግና ምስዚ ዝረአ ዘሎ ንኤርትራ ኣዝዩ ዝጸሉ ኢትዮጵያውን ዞባውን ምዕባለን ሰራዊት ኤርትራ ዝተሳተፈሉ ውግእ ኣብ ትግራይ ይካየድ ምስ ምህላዉን “ብዛዕባኡ ገለ ይብል ይኸውን” ዝብል ትጽቢት ዝነበሮም እውን ነይሮም። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ምህላዉ ብብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ብመራሕቲ ጸለውቲ ሃገራት፡ ብላዕለዎት ወተሃደራውን ሲቪላውን ሰብ መዚ ኢትዮጵያን  ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ብዓብይኡ ከኣ ብህዝቢ ኤርትራ መረጋገጺ ዝወሃበሉ ዘሎ እዩ።

ስለዚ ቅድም እውን ብዛዕባቲ ኢድ ኣእታውነት ብወገን ኤርትራ ድምጺ ክስማዕ ትጽቢት ካብ ነበረ፡ ብዓብይኡ ኢሳያስ ኣብ ዘካይዶ ቃለ መጠይቕ ኣይክዝለልን እዩ ኢሎም ዝግምቱ ብዙሓት ነይሮም። ኢሳያስ ሆየ ግና ቀንዲ ደጋፊ ናይቲ ኣብቲ ውግእ ተዓዊተ ዝብል ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ’ኳ በቲ “ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ግቡእና ንገብር ኣለና” ዝበሎ’ኳ እንተተኣመነ፡ ብዛዕባ ግደ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ግና ብንጹር ዋላ ሓንቲ ኣይበለን። ጓስይዎ ምሕላፉ ምናልባት ክሓብኦ ደልዩ እንተኾይኑ ከምቲ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ወይ “ድሕሪ ጌጋ ምኽሪ ይርከብ ድሕሪ ጥራጥ እግሪ ይእከብ” ዝበሃል  እዩ። ብዘይጥርጥር ግና ናይ ኢሳያስ ስቕታ ኣብቲ ውግእ ኣትዩ ይመውት፡ ይቖስልን ከም ወራርን ሰራቕን ይኽሰስን ንዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ብንጹር ዘርኢ እዩ።

እምበኣር ህዝብና  ካብ ኢሳያስን ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለን ፍታሕ ክረክብ “ዘይነበሮን ዘይጠፈኦን” ስለ ዝኾነ፡ ዝጽበዮ የብሉን። እዚ ናይ ሎሚ ቃለ መጠይቕ ከኣ ከምቲ ልሙድ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። እቲ መልእኽቲ ከኣ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት ዘርእን ብመወዳእታ ዘየብሉ ናይ ቃላት ተስፋ ክቕሽሽን እምበር ፍታሕ ከምጽእ ዘይተዓደለ ምዃኑ እዩ።

Last modified on Thursday, 18 February 2021 23:09