ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ልኡላውነትን፡ ምስቲ ዝነበረ ትንፋስ ዘይህብ ጥምጥማት ብዙሓት መስተንክራት ተሰሪሖም እዮም። ውግኣትን ዓወታትን ምሕራር፡ ካብ ዓሊግድር ጀሚርካ ክሳብ ከረን። ብኡ ኣቢልካ ናብ መንደፈራ፡ ዓዲዃላን መረብን፡ በቲ ካልእ ኣቕጣጫ ድማ ካብ ናቕፋን ኣፍዓበትን ክሳብ ደምቀምሓረን ካልኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረ ከባቢታትን ብዙሕ መስተንክራት ተሰሪሑ እዩ። ምሕራር ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ከኣ ኣካል ናይዚ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ጀግንነት ዝፈጸምሉ ስርሒታት እዩ።
ኣብዚ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ዝተጠቐሰ ናይ ጅግንነት ውዕሎታት ዋጋ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዮም። ኣብዚ ናይ ዓወት ሜዳታት ናይቲ ወርትግ ዘይስልክዮ ህዝቢ ኤርትራ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ መወዳድርቲ ኣይነበሮን። እዞም ጀጋኑ ተጋደልትን ህዝብን ነዚ ክቡር ዋጋ ክኸፍሉ እንከለዉ ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ኣዝዩ ረዚን ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ሸቶ ነይርዎም። እዚ ሸቶ “ናጽነትን ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን” ኢልካ ጥራይ ዝጥቀስ ዘይኾነ ናብ ምሉእ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝሕመረቱ ነባሪ ራህዋ ዝቋመት እዩ ነይሩ።
ከምዚ ኣብዚ ሰሙን ክንከታተሎ ዝጸናሕና ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ቅድሚ 28 ዓመታት ዝተፈጸመ ስርሒት ፈንቅል ክዝክር ቀንዩ። እዚ ስርሒት ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ዝተፈንቀለሉን ዝተሓግሓገሉን ስለ ዝኾነ ምዝካሩ ግቡእ እዩ። “ኪኖ’ቲ ምፍንቃል ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ፡ እቲ ንሱ ዝግልገለሉ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባኸ ምስኡዶ ተፈንቂሉ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል ሕቶ ሃሰስ ምባሉ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ፈንቅል ምስ ሓፈሻዊ ትጽቢት ህዝቢ አርትራ፡ ሓደ ስጉምቲ ናብ ዓወት እምበር፡ ናይ መወዳእታ ዓወት ከምዘይነበረ ኣብዚ ሎሚ ድሕሪ 28 ዓመት ናይቲ ስርሒት ኮይና ክንርእዮ እንከለና ዘተዓዛዝብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ክቃለስ እንከሎ ብኣካል ንምልጋሱ ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ ዕላምኡስ እቲ ሓይልታት መግዛእቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባታት ዳግማይ ከምዘይሰርር በንቊስካ ንምድራብይ እዩ ነይሩ። እሞ ሎሚኸ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ግዳም ዘመልክቶ እንታይ እዩ። ብርኢቶና ጀግንነት ፈንቅል ኮነ፡ ካልኦት ስርሒታት ጌና ናብ መሰላትን ሓርነታትን ህዝቢ ኤርትራ ኣይተሸርፈን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እዮም ብዙሓት ኤርትራውያን “ካብ ግዜ መግዛእቲ ሎሚ ድሕሪ ናጽነት’ኳ ዝያዳ ይኸፍኣና” ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ኣበሃህላ ከም ምግናን እንተወሲድናዮ፡ “ኤርትራ ብመንጽር፡ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዝፍለ ህይወት የብላን” ዝብል ሚዛን ግና ብትኽክል ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ዝውክል እዩ።
ወየን ቀደም ኣብ ግዜ ቃልሲ “ደቅኽን ኣብዚ ቦታዚ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸላኢ ከምዚ ዓይነት ጀግንነት ፈጺሞም” ዝብል ብምስጢር ዝዝርጋሕ ብስራት ሰሚዐን ዝሕበና ዝነበራ ኣዴታት ኤርትራ፡ እነሆ ሎሚ “ደቂ ስዉኣት ደቅኽን ኣብ ባሕሪ ሚዲትራንያን ሃሊቖም” ዝብል ቀጻሊ መዓንጠአን ዝኹምትር መርድእ ይሰምዓ ኣለዋ። ከምቲ ቀደም ውላደን ከም ዝተሰወአ ምስ ዝፈልጥ፡ ሓይሊ መግዛእቲ “ኣደ ወንበደ” ኢሉ ከየሳቕየን፡ ብወግዒ ምስ ቤተሰብ ዘይኮነ ንበይነን ንውሽጢ ዝነብዓ ዝነበራ፡ እነሆ ሎሚ እውን ብሰንኪ ጥልመት ናይቲ ብዙሕ ሓርነታት ከውሕስ ዝተጸበየኦ ጉጅለ ህግደፍ፡ ውላደን ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ሞይቱ ወይ ናይቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዘጻወድዎ መፈንጠርያ ብበደዊን ተቐንጺሉ ክሰምዓ እንከለዋ ኣብዘይንቡር ናይ ሓዘን ኩነታት እህህህ ይብላ ኣለዋ። እቲ ቀደም “ኣብ ማርያም ግቢ ተኣሲሩ” ዝብል ዝነበረ ኣሰንባዲወረ ሎሚ ከኣ “ኣብ ዓዲ ኣብዮቶ ተኣሲሩ” ብዝብል ምትክኡ’ውን መለሳ የብሉን።
ጉጅለ ህግደፍ ከም ፈንቅል ንዝኣመሰለ ስርሒታት ዝዝክረሉ ጎራሕ ምኽንያት ኣለዎ። እቲ ዝኽሪ “ሕድሮም ንዘይምጥላምዩ” ምባሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ወዮ ነቲ “ህዝብና ብሳላ መስዋእትና ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ከይሕረሞ ሓደራ” ዝበልዎ ከም ዝተጠልመ ንርኢ ስለ ዘለና። ስለዚ ህግደፍ ነዚ ዝዝክርሉን ውሕዳት ሕድሪ ስዉኣት ዝጠለሙ ደገፍቶም ዘሳዕስዕሉን ምኽንያት ኣካል ናይቲ ንህዝቢ ኣብ ሕሉፍ መሊስካ ጅሆ ናይ ምሓዙ ጉርሖም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ደቁ ጅግንነት ክዝከረሉ ዝብህጎ’ኳ እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ዘድልዮ ግና፡ “ትማሊ ከምዚ ይገብር ነይረ፡ ጽባሕ ከኣ ከምዚ ክገብር እየ” ዝብል ምስምስ ዘይኾነስ “ሎሚ ከምዚ ይገብር ኣለኹ” ዝብል ግብራዊ ቃል ጥራይ ምዃኑ ክርዳእ ንዝደሊ ብሩህ’ዩ። ህዝቢ ንዝተወሰን ግዜ እምበር ንሓዋሩ ክዕሸው ስለ ዘይክእል፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ጭቆና በቲ ኣብ ፈንቅልን መሰል ዝኽርታትን ዘንብሮ ዕንበባታትን ዘሰልፎ ኣረጊት ኣጽዋርን “የዕሽዎ ኣለኹ” ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑ ድሕሪት ተሪፉ ኣሎ።
ስለዚ ነቶም ኣብ ምሕራር ምጽዋዕን ካልእ ከባብታትን ንሓይሊ መግዛእቲ ዝፈንቀሉ ክብርን ሞጐስን ይብጸሓዮም። እንተኾነ ብፍላይ ብመንጽር ኣተሓሳስባ ክረአ እንከሎ ካብ መግዛእቲ ፈሊኻ ዘይረአ፡ ጸረ-ሰላም፡ ጸረ-ልምዓትን ጸረ-ደሞክራስን ኣርዑት ናይ ምፍንቃል ዕማም ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ከም ዘሎ ኣይንዘንግዕ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኮነ ኢሉ ነዞም ህዝብና ድሕሪ ናጽነት ክረኽቦም ዝግበኦ ዝነበሮ ጸጋታት ይነፍጎ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ እውን ካብኡ ዝጽበዮ ፍታሕ የለን’ሞ እቶም ንለውጢ እንቃለስ ዘለና ክንነቕሓሉ ዝግበኣና ዕማም እዩ።
ዞባ ሰዲህኤ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ስሩዕ ዞባዊ ጉባኡ የካይድ። ቦታን ግዜን ናይ ጉባኤ ብዞባዊ መሪሕነት ይውሰን። ህጹጽ ጉባኤ ዞባ ብጸዋዒት መሪሕነት ዞባ ወይ ሓደ ሲሶ ካብ መላእ ኣባላቱ፤ ወይ ፈጻሚ ሽማግለ፤ ብዝወሰኖ መሰረት ክካየድ ይኽእል፤ (5፡10፡1)፡ ኣርማ ሰዲህኤ፣ ብሕንጻጽ ዝርአ ዝተጣመረ ኣእዳው ፡ ንባይታኡ ዝምልከት ፍሉይ ሕብሪ የብሉን። ትርጕሙ ከኣ፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራን ልዕላውነቱን ኢዩ (1፡2፡2)። ጉባአ ሰዲህኤ ካብ ኣባላቱ 33 ቀወምትን 4 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ይመርጽ፡ (5፡13፡4)። ማእከላይ ባይቶ፡ ካብ ኣባላቱ፤ ትሽዓተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ የቕውም (6፡1፡14)። ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፤ 9 ኣብያተ-ጽሕፈታት ይህልዉዎ። (6፡2፡3)” (እዚኣቶም ካብ ዕላዊ ሰነድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወስዱ ዓናቕጽ እዮም)
ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እቲ ሓያልን ጸዋርን ጻዕሪ ዘካየድሉ፡ ልዑል ትጽቢት ዝተነብረሉን ሰልፋዊ ሕግን ኣሰራርሓን ተኸቲሎም ከም ዘዕወትዎ ዝተገመተን ፍሉይ ጉባአኦም ብ27 ጥሪ 2018 ኣካይደምዎ። ብ30 ጥሪ 2018 ብዘውጽእዎ መግለጺ ድማ ኣበሲረሙና። ንሕና ከኣ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተነበረ “ኣገናዕ” ንብሎም። እዚ ህጹጽ ጉባአ ዞባ ከም ተራ ጉባአ ዝረአ ዘይኮነ፡ ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝበሃል ንባህግን ንትጽቢትን ኣኽበርቲ ሕግን ንቅድሚት ኣማዕደውትን ዘለምለመ ስለ ዝኾነ፡ ፍሉይ ግምትን ቦታን ዝወሃቦ እዩ።
ኣካላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ከከም ዝጥዕሞ ትዕቢቱን ኣነነቱን ከርኢ ዝደሊ፡ የማነ ጸጋም ዘላኽዖም ዘይኮኑ ብጉባአ ዝተቐየሰ ሕጋዊ መስርዕ ሒዞም ዝጐዓዙ እዮም። ዝኾነ እዚ ሕጋዊ መንገዲ ዘይማእመኦ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ክሰርዕ ዝደሊ፡ ህርፋኑ ኣርጒዱ፡ ብትዕቢትን መን ከማይነትን ክዕምጽጾም እንተፈተነ፡ ኣሕሊፎም ዘይህቡን ዘይልወዩን ምዑታት ከም ዝኾኑ እዚ ውጻእ መዓት ዕዉት ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መስካሪ እዩ። ከምቲ ወለድና “ኩሉ ካብ ሓቁ ኣይሓልፍን እዩ” ዝብልዎ፡ ዝተባህለ እንተተባህለ ዝተጻሕፈ እንተተጻሕፈ፡ መንዩ በሃሊኡን ጸሓፊኡን ብዘየገድስ፡ ምእንቲ ሓቂ ንዝተሰለፈ ኣካል እቲ ሕጋዊ መንገዲ ኣይልወጥን እዩ። ነዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ረዘንቲ ዓናቕጽ ዘነጽሮ፡ ሕጋዊ ቀይድታት ዘለዎ ሰልፋዊ ኣካይዳ ብዝኾነ መንገዲ ምናልባት ከተዕንቅፎም እምበር፡ ከተውድቖ ኣይከኣልን እዩ። ንበበይኖም ነናቶም ባህርን መምዘንን ዘለዎም ሰባት ሓደ ዓይነት ስም እንተ ሃብካዮም ሓደ ሰብ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ኪኖቲ ናይ ሓባር ስሞም ነንገዛእ ርእሶም ዝግለጽሉ መንነት ኣለዎም። ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ዓናቕጽ ከኣ ንሓቀኛ መንነትን ሕጋውነትን ሰዲህኤ ዝውክሉ፡ ዝተኾመረ ቃላት እንተተኾመረ ኣብ ማእከል ጐልገል ዘይጠሓሱ ዋና ዘለዎም ዓናቕጽ እዮም።
ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ካብዚ ሕጋዊ መንገዶም ንከላግሱ ኣንጻሮም ኣዝዩ ጽዕጹዕ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎም እዩ። እንተኾነ ነቲ “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ኣብቲ ጥምጥም ስለ ዘጽንዕዎ እነሆ ተዓዊቶም። እዚ ንዓኣቶም ሓበንን መጎስ ኮይኑ፡ እንተ ኣስተብሂለምሉስ ንካለኦት ከምዚ ዓይነት ፈተና ዘጋጥሞም’ውን ትምህርርትን ኣብነት ጽንዓትን እዩ። ሕቡናት ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ዝጸንሐ ብዙሕ ግና ዝጭበጥ ዘየብሉ ኣሉታዊ ስንብራት ዝገደፈ፡ ህቦቡላን መንደራጉሕን እንሆ ስዒረምዎ። እዚ ዓወት ናይ ነፍሲ ወከፎም ዕጉስ መኸተን ኒሕን፡ ውሕሉል ኣተሓሕዛ መሪሕነትን መሰረታትን መላእ ሰልፊ ውጽኢት ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ከኣ እቲ ዝረገጽዎ ባይታ፡ ሕጋዊ፡ ስርዒታዊ፡ ርትዓውን ድልዱልን ምንባሩ ዝምስክር እዩ። ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መትከላት ሰዲህኤ ኣንጻሩ ብዙሕ ብምዝራብን ብምጽሓፍን ዘይብሕጎግ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣመጻጸኣ፡ ርዝነትን ሕጋውነትን ከም ዘለዎ ዘነጸረ እዩ። ክብደት ናይዚ ዓወት ኣብቲ ዞባ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ምእንቲ ሕግን ሕጋውነትን ዝሕለቕ መወከሲ ዝኸውን ተመኩሮ እዩ። ብዓብይኡ ድማ ሰልፍና ካብቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከም ዝደሓነ ካብ ዝምስክሩ ምልክታት ሓደ ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ።
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እነሆ ሕጋውን ስርዒታውን ህልውናኡ መሊኡ መሊሱ ኣሎ። ድሕሪዚ ናይ ሰባት ዘይቅዱስ ህርፋን ዘይኮነ ሰልፋዊ ሕጊ ብዝፈቕዶ፡ ናብ ስሩዕ ጉባአ ገጽካ ናይ ምጉዓዝ ንቕሎ ክህልዎ እዩ። ከምቲ ኣብ መግለጺኡ ጠቒስዎ ዘሎ፡ ካልእ ሰልፋዊ ዕማማት እውን ኣለውዎ። መደብ ምሕዳስ ሰልፊ፡ ምስ ካለኦት ሓይልታት ተቓውሞ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእል ባይታ ምፍጣርን ዝኣመሰሉን። ብመንጽርቲ ሕጂ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ህልውና ሰልፊ ናይ ምውሓስ ዓወት፡ ኣብቲ ዝተረፈ’ውን ከም ዝዕወት ውሁብ እዩ። ዞባ ሰሜን ኣሚሪካ ሰዲህኤ፡ ከምቲ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሶም እዚ ዓወትዚ ዞባዊ ጥራይ ዘይኮነ ሰልፋዊ’ውን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ መላእ መሪሕነትን ኣካላትን ሰልፊ ምእንቲ እዚ ግዳይ ንክኸውን ተፈሪዱ ዝነበረ ዞባ ንክድሕንን ክዕወትን ስኖም ነኺሶም ክቃለሱ ዝጸንሑ።
እዚ ዓወት እዚ ኣዚሩ ንዝርእን ዝብሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝበሃሎ’ውን ክሰምዕ ክፉት ሕልና ንዘለዎ ኣካል ዘመሓላልፎ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ። ሕግን ሕጋውነትን ከምቲ “ክውዕየካ ብማንካ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ” ዝበሃል፡ ንርኢቶኻ ዘዳምቕ ክኸውን እንከሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህርፋንካ ዝድርት ክኸውን እንከሎ’ውን ከተኽብሮ ዝግባእ ግቡግ መስመር ዘትሕዝ ልጓም እዩ። ኣብ ሕጋውን ስርዒታውን ኣሰራርሓ ኣጠርሚምካ፡ ከም ዑፍ ቀውዒ ዘዝሸወተ ምሽምጣጥ ግና ቅቡል ኣይኮነን።
ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል
Saturday, 03 February 2018 08:02 Written by ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሽወደን ጨንፈር 1ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኢደወነኖም ዝሰሓቡ ውሑዳት ውልቀሰባት ሽማግለ ኣቝሞም ንሕና ኢና ሰዲህኤ ብምባል ነብሶም የዕሽዮም ንኻልኦት፣ድኻም ሰዲህኤ ከምረብሓ ጌሮም ዝቖጽርዎ እከያት'ውን ምእንቲ ከደናግሩ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዖም ወፈረኦም ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ስለዘቕንዑ፣ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብዕለት 15 ጥሪ 2018 ኣብ'ቲ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሰዲህኤ ሓርነት.ኦርግ” መግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብዛዕባ’ቲ ብስም ሰልፍና ኣብ መስከረም.ነትዝወጸ ጽሑፍ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ዘሎ ክዉንነት መብርሂ ከምዝሃበ ንዅሉ ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ብሩህ ኢዩ። እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወ፣ሓደ ሰብ ብተዳጋጋሚ ንሓቂ ዘየንጸባርቕ መሰረት ኣልቦ ጽሑፋት ክነዝሕ ሓንጎፋይ ኢልካ ብዘይገለ መረጋገጺ ኣብ ወብ ሳይትካ ምእንጋድ'ውን ንረብሓ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ምስትብሃል ከምዘድሊ ዘየማትእ ኢዩ።
ሰዲህኤ ኣብ'ቲ ዝተበገሰሉ ተልእኾ ማለት ክብርታት ህዝብና ዝሓለወት ቅዋማዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኢዩ ቀንዲ ዕማማቱ። መለለይኡ ድማ እቲ ኣብ ዓንቀጽ 3 ናይ ቅዋሙ ሰፊሩ ዘሎ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገር ክድፈር ዘየፍቅድ፣ቅዋሙን ፕሮግራሙን ኣብ ጉባኤታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘጽድቕ፣ ትግርኛን ዓረብኛን ከምወግዓውያን ቋንቋታት ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑ ዝሰርሓለን፣ ናይ ሓሳብን ርእይቶን ናጽነት ዘኽብር፣ ቅዋም ሰልፊ ዘይደፍር ውሽጣዊ ፍልልያት ዝጻወር፣ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሰልፊ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ናይ ምሕላፍ ልምዲ ዘለዎ ኢዩ። ዝበዘሐ ግዝያቱ ድማ ነዚ ንምዕዋት ኢዩ ከይተሓለለ ጸኒዑ ዝቃለስ፣ ይዅን እምበር ዘረግቲ ኣብ ዘለዉሉ ጽሩይ ማይ ኣይስተን ከምዝበሃል፣ ነዚ ብተደጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ ዘምባዕን ንኽዉንነት ዘየንጸባርቕን ጽሑፋት ኣድላዪ መአረምታ ክገብረሉ ግዴታኡ ኢዩ።
ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል ካብ ዝብል ስንኩፍ ኣበሃህላ ተበጊስካ ኣካደምያዊ (academic) ይዂን ዓቕመ ኣእምሮኣዊ (intelectual) ደረጃኻን ጭውነትካን (integrity) ኣብ ዋጋ ዕዳጋ (compromise) ዘእቱ መሰረታዊ ስነመጎት ዝሰሓተ ሃበስቀደስ ዝተወንዘፈ ጽሑፋት ወገሐ-ጸብሐ ክትዝርግሕሲ ንረብሓ መን'ዩ?
ትዕድልቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ እቲ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ዘጋጥም ዘሎ ዕንወትን ጭቆናን ከይኣክል፣ ድኻም ኩሉ ናይ'ቲ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከውድቕ ይቃለስ ኣለዅ በሃላይን፣ ይእርም ኣሎዅ እንዳበለ እንተስ ብግርህነት እንተስ ብተንኮል ንተቓወምቲ ንምድኻም ዝተዋፈረ ኣካላት ወሲኽካ ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ኣእትዩ ካብ ዘሎ ቀንዲ ረቛሒታት ኢዩ።
ሓንካስ ዘውረዮስ ፈረሰኛ ነይመልሶ ዳኣ ኮይኑ እምበር እቶም ንሕና ኢና ሰዲህኤ በሃልቲ እሞ ከምመራሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ግደኦም ኣብ ሰዲህኤ እንታይ ከምዝነበረን ብኸመይ ካብ ሰዲህኤ ከምዘግለሉን ንሳቶም ከይተረፈ ዝምስክርዎ ምዝጉብ ሰነድ ኣሎ፡ንኣብነት። ኣንቶንዮ ተስፋይ ክሳብ ዕለት 24 መስከረም 2017 ኣባል ሰዲህኤ ኮይኑ ከገልግል ዝጸነሐ ሰብ ኢዩ።ካብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሩ ካብ ሰዲህኤ ኣባልነቱ ስሒቡ ከምዝተሰናበተ ካብ'ዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ስንብታ ደብዳቤኡ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ናይ ዕለት 19 ነሓሰ 2017 ዝተገብረ ናይ ጨንፈር ጉባኤ ዝተዘርበ ምኽንያት ብምግባር ኢዩ ጽሒፉ።ኣንቶንዮ ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ኣኼባታት ጨንፈር ክሳተፍ ስለዘይጸነሐ ካብ ካልኦት ኣባላት ነቲ ናቱ ሓሳብ ዝድግፉ ምስኣኑ ንዑኡ ዝገረሞ ይመስል፣ ንዓና ግን ብዙሕ ክትዓት ዘካየድናሉ ጉዳይ ስለዝነበረ ንሱ ንድሕሪት ክመልሰና ምፍታኑ እምበር ካልእሲ ኣይገረመናን። ኣብ'ቲ ጉባኤ ውዒሉ ሓዳስ ሽማግለ ኣብ ምምራጽ ተሳቲፉ ክንሱ ነዚ ናይ ምስንባት ደብዳቤኡ ናብ'ታ ዝምልከታ ሽማግለ ዘይመስደዲኡ ምኽንያት ባዕሉዝምልሾ ኢዩ።
ናይ'ቶም ካልኦት ከምመራሕቲ ኮይኖም ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ'ውን ተመሳሳሊ ሰነዳት ኣሎ።እቲ ጉዳይ ኣይትቃወሙ ወይ ሰልፊ ኣይትፍጠሩ ዘይኮነስ፣ ንሕና ኢና ሰዲህኤ ምባሎም ኢዩ። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰዲህኤ 37 ዝኣባላታ መሪሕነት ተመሪጻ፣ ካብኣቶም 5 ተፈልዮም ንሕና ኢና ሰዲህኤ ክብሉስ ናይ ዘይተባላሓትነት ድዩ ወይሲ ናይ ጸይቂ? እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብግርህነት ናይ ጸለመ ወፍሪታትኩም ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ሰንዚርኩሞ ኣለዅም፣ካብዚ ናታትኩም ተዋስኦ ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ኣለዎ ዝብል ኣረዳዳኣ እንተሃልዩኩም ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ፣ ይዋእኪ ኤርትራ ዘብል ድማ ኢዩ።
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሽወደን ጨንፈር 1
ስቶክሆልም 2 ለካቲት 2018
ናብ ኣቦ መንበር ጨንፈር ቁ 1 ሰዲህኤ
ስቶክሆልም
ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ጨንፈር ቁ 1 ሰዲህኤ ስቶክሆልም
ዶር/ ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን
ዝኸበርኩም ሽማግለ ጨንፈር
ብመጀመርያ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ብምቅጻል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሰልፍና ዘጋጠመ ጸገማት ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ውሑድ’ኳ እንተአይተባህለ ማዕረ’ት ዝተኻየደ ድኻምን ጻዕርን ፍርያት ሓድነት ሰልፊ ዝሕለወሉ ኣገባብ ተኻይዱ ዝብል ርእይቶ የብለይን። እዚ ዕግበተይ ኢዩ። ነዚ ጉዳኡ ብቀረባ ንምርኣይን ንምዝታይን ዝገበርክዎ ጻዕሪ’ውን ዘገርም ጉዳይ ሓደ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ጨንፈር እዩ። ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ጨንፈር ቁ 1፡ ነዚ ብዝምልከት ብመሪሕነት ጨንፈር ዝቀረበ ዛዕባ ወይ ኣጀንዳ፡ ካብ ቀዳማይ ቦታ ኣልጊሱ 3 ግዜ ተቀያይሩ ኣብ መወዳእታ ከኣ ጉባኤ ቅድሚ ምዝዛሙ 45 ደቂቕ ክተርፎ ከሎ ምልዓሉ ብወገነይ ክርእዮ እንከለኹ ነቲ ጉዳይ ከም ውዱእ ተወሲዱ ክንዛተየሉ ዘየተባብዕ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከም ኣብ ውሳኔ መሪሕነት ብምድራቕን ኣነ ዘይፈልጦ ኣገባብ ዝተዓዘብኩሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ብሓባር ዝመረጽናዮ መሪሕነት ከም መሪሕነት ነቲ ደጋፊ ውሳኔ ዝዀነ ኣባል ጥራሕ። ነቲ ሰልፊ’ውን ከምኡ ክዝረብ ምስ ሰማዕኩ ብሓቂ ንመጀመርያ ግዜ ዘስደምምን ዘደንጽውን ምንባሩ ምግላጸይ፡ ከምሰብ ርእይቶይ ዝሃብኩሉ ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ ኣውንታዊ ሓሳብ ንጥርናፈ ዝቃለስ ደገፍ’ውን ዘይጽበየሉ ኣይኮነን። እንተዀነ እቲ መልሲ ተጻይን ክዕጸፍን ክምለስን ዘይከኣል ምንባሩ፡ ንዓይ ሓድሽ ባህሪ ኣብ ቃልሲ ምንባሩ ክሓብኦ ኣይደልን። እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ኣኼባ ዝበልክዎ ኣንጻር ዕግብተይ ክቅጽል፡ ንዓይ ከም ውልቀ ኣብ ሰልፊ’ውን ከም ኣባል ከምዚ ክኸዶ ዝጸንሐ ኮይኑ ቅኑዕ ኮይኑ ስለዘይተሰምዓኒ ኣባልነት ሰዲህኤ ስሒበ ምህላወይ ክገልጽ እፈቱ። እዚ ጠቂሰዮ ዘለኹ ግን መወዳእታ እምበር ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ክግበርን ክስራሕን ዝጸንሐ ብዓኒ ነቀፌታ ዝርእዮ መጀመርያ ኣይኮነን። ከም ሰብ ኩሉ ክጋገ ይኽእል። ከም ሰብ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተጋገኽዎ እንተሃለወ ከኣ ይቕሬታ እንዳሓተትኩ መልእኽተይ ኣብዚ ይዓጹ።
ብጻይኩም
ኣንቶንዮ ተስፋይ
24 መስከረም 2017
في الثاني عشر من يناير 2018م اطلعنا بموقع مسكرم علي بيان ينتحل اسم حزبنا، لذا وجب علينا التوضيح.
حزب الشعب الديمقراطي الارتري لا يجيز دستوره ولا برنامجه السياسي وأهدافه، كما لا ينتخب أو يقيل قيادته إلا من خلال مؤتمراته. وفي مؤتمره الثاني المعقود في يوليو 2015م أجاز برنامجيه السياسي والتنظيمي، وانتخب بطريقة ديمقراطية قيادة تتكون من 33 عضواً عاملاً و4 مناوبين. من هؤلاء السبع وثلاثين عضواً بالمجلس المركزي للحزب خمس فقط تقدموا باستقالاتهم وانضموا الي المجموعة المنشقة صاحبة البيان المنتحـِـل لاسم الحزب.
حزب الشعب الديمقراطي الارتري ليس حزباً يتيماً يبحث عن أب كما زعم موقع مسكرم، بل حزب حي ونشط يملك كافة مقومات الشرعية والاستمرارية، فهو يتمتع بامتلاك النصاب الشرعي الذي يلبس كافة قراراته ثوب الشرعية السياسية والقانونية حيث تضم هيئته التشريعية أكثر من ثلثي عضوية القيادة، مالياً له حسابات بنكية تتمتع بالحصانة المصرفية، اعلامياً له جهاز اعلامي ضخم يضم كافة الوسائل السمعية والبصرية، تنظيمياً يتمتع بعضوية وفروع مترامية الأطراف قائمة بنشاطاتها وواجباتها التنظيمية والسياسية علي أكمل وجه، دبلوماسياً يملك أنشطة وهيئات وبعثات دبلوماسية تغطي جميع أصقاع العالم.
حزبنا لا يعترف بمسرحيات تلك الطغمة غير المستندة الي أي شرعية ولا بما يترتب علي نشاطها التضليلي وما تنتحله أو ترتكبه باسمه من أنشطة اعلامية أو سياسية غير مسنودة بأي مبررات شرعية تخولهم تمثيل الحزب في أي منبر من المنابر.
نريد أن نوضح لشعبنا أن معظم من شاهدنا صورهم بالموقع المذكور والذين يدَّعون أنهم قيادة الحزب قلة قليلة نصبت نفسها قيادة غير منتخبة من مؤتمر، يقيم معظم أتباعها بامريكا، وبعد أن ظلت لفترة طويلة تعكر صفو الحياة الحزبية المنضبطة ها هي اليوم قد اختارت الانقسام بعد أن يئست من تحقيق أهدافها المريضة، ولا يحمل هؤلاء المنشقون من سمات الانتماء لحزبنا سوى كونهم أعضاء سابقون بالحزب.
نحن لا نود الحديث عن 21 عضواً زعموا أنهم أعضاء مجلسهم المركزي لأننا لم نتعرف عليهم بعد.
حزب الشعب الديمقراطي الارتري وإن كان لا يعترض طريق من ترك الحزب طواعيةً وأسس أو انضم الي حزبٍ آخر واختار له الاسم الذي يروقه، إلا أنه في الوقت ذاته يرفض بشدة أن يقوم ذلك الشخص أو الكيان بنشاطات تضليلية وغير شرعية منتحلاً صفة الحزب أو اسمه أو اسم أي جهاز من أجهزته الرسمية.
من جهتنا نناشد الشعب الارتري الصامد أن ينبذ ويدين مثل هذه التصرفات الصبيانية الملتوية والمخالفة للقوانين والقيم الفاضلة وأن يصطف خلف القوى الساهرة علي المبادئ الديمقراطية ويساندها بكل ما يملك.
لا نصر ولا مكسب يتحقق بالانقسام
منقستئاب اسمروم
رئيس الحزب
15 يناير 2018م
መግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብዛዕባ’ቲ ብስም ሰልፍና ኣብ መስከረም.ነት ዝወጸ ጽሑፍ
Monday, 15 January 2018 20:51 Written by መንግስተኣብ ኣስመሮምብ12 ጥሪ 2018 “መግለጺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)” ዝብል ጽሑፍ ኣብ መስከረም.ነት ከምዝወጸ ርኢና።
ሰዲህኤ፡ ዕላማታቱ፡ መደብ ዕዮታቱን ቅዋማቱን ኣብ ጕባኤታት ዘጽድቕ፣ መሪሕነቱ ብጕባኤታት ዝመርጽን ዘውርድን ሰልፊ ኢዩ። ኣብ’ቲ ኣብ ሓምለ 2015 ዘካየዶ 2ይ ውድባዊ ጕባኤኡ ድማ፡ ፖለቲካውን ውድባውን መደብ ዕዮኡ ኣጽዲቑ፡ 33 ቀወምትን 4 ተጠባባቕትን ዘለዉዎ መሪሕነት ድማ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ካብ’ዞም 37 ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት፡ ካብ ኣባልነቶም ዝሰሓቡን ምስ’ዚ መግለጺ ዘውጽአ ተፈንጫሊ ሸነኽ ዝርከቡን 5 ጥራሕ ኢዮም።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ምሉእ ሕጋዊ ቍጽሪ መሪሕነቱ (ልዕሊ ክልተ-ሲሶ)፣ ናይ ቍጠባ (ባንክን ሕሳባቱ)፡ ዜናን (ወብሳይት፡ ረድዮታት፡ መጽሔታት) ውደባን (ብዞባታትን ጨናፍን ተወዲቦም ዘለዉ ኣባላቱ) ናይ ዲፕሎማስያዊ ትካላቱን ዝቕጽል ዘሎ ህያው ሰልፊ ኢዩ።
እዞም፡ ነንሓድሕዶም ተመራሪጾም፡ ብስም “ሰዲህኤ” ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ፡ ንህዝቢ ንምድንጋር እንተዘይኰይኑ፡ ንሰዲህኤ ክውክሉ ዘኽእሎም ሕጋዊ መቆሚታት ስለዘይብሎም ሰልፍና ኣይፈልጦምን ብዝገብርዎ ተዋስኦታት ድማ ኣይሕተትን ኢዩ።
ኣብ መስከረም.ነት ዝርኣናዮም፡ ኣብ ጕባኤ ዘይተመርጹ ኣባላት መሪሕነት ኢና ዝብሉ ዝርከብዎም፡ ምስ ቍንጣሮን መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡን ሰዓብቶም፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክዘርጉ ፈቲኖም ስለዘይተዓወቱ፡ ክፍንጨሉ ዝመረጹ ኣባላት ሰዲህኤ ነበር ምዃኖም ንህዝብና ከነፍልጥ ንፈቱ። እቶም 21 ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝብልዎም ድማ፡ መን ምዃኖም ስለዘይተፈልጡ ሕጂ ብዛዕብኦም ንምዝራብ ኣይከኣልን ኢዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንዝዀነ ይኹን ኣካል ብወለንታኡ ካብ ሰልፊ ወጺኡ ካልእ ሰልፊ ከቕውም ይኹን ዝደለዮ ስም ክመርጽ ክኽልክል ኣይክእልን ኢዩ፡ ብስሙ ንዝግበር ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስን ምድንጋርን ግን ኣትሪሩ ከምዝቃወሞ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክንሕብር ንፈቱ።
ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ንኸም’ዚ ዝኣመሰለ፡ ካብ ሕግን ሞራልን ወጻኢ ዝዀነ ስነ-ምግባር ክዅንንን ንዲሞክራስያዊ ውሳኔን ኣሰራርሓን ክጣበቕን ንጽውዕ።
ብምፍንጫል ዝረጋገጽ ዓወት የለን
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
15 ጥሪ 2018
بيان تقييمي من الحزب حول التوترات في منطقتنا واصطفافات القوى الاقليمية
Saturday, 13 January 2018 07:10 Written by منقستئاب أسمروم
منذ أحقاب طويلة ظلت شعوب منطقة القرن الافريقي تعاني من سوء الإدارة والجفاف والحروب، وَمَن تشرَّدَ واختار المنافي بالملايين من شعوب هذه المنطقة يقف خير مثال علي هذه الحقيقة.
الشعب الارتري ومنذ حقبة الطليان والي يومنا هذا يعيش مآسي الحروب وتبعاتها، وخلال سنوات الاستقلال العجاف زجَّ بهذا الشعب البريء في عدة حروب عبثية مع دول الجوار المباشر وغير المباشر، وكذا الحال في دولة جنوب السودان. كما تعيش منطقتا القرن الافريقي والشرق الأوسط أجواء حرب ودمار لا توحي باستراحة محارب لشعوبها.
اليمن تخوض حرب وكالة نيابة عن السعودية وإيران، ولم تلبث ارتريا أن انخرطت في تقديم كل التسهيلات الممكنة للحلف الأول بما في ذلك قاعدة عسكرية في جنوب دنكاليا. كما ذكرت مصادر عليمة أن نظام اسمرا قد بعث بقوات له لدعم حلفه بقوات برية، وبذلك أصبحت ارتريا جزءاً من الحرب الاقليمية الدائرة في شرق البحر الأحمر، الأمر الذي مكن نظامها من استحلاب واستجلاب النقود والوقود من الخليج، مما أطال عمره ورجح كفته في الصراع بينه وبين الشعب الارتري الأسير.
مصر أيضاً تساند حلف الخليج، هذا فضلاً عن دخولها في حربٍ صامتة مع اثيوبيا جراء إقدام الأخيرة علي بناء سد ضخم (سد النهضة) علي النيل الأزرق، المصدر الرئيس لمياه النيل، السودان بدوره صار جزءاً من الصراع المصري الاثيوبي بوقوفه مع الاثيوبيين نكايةً بمصر التي تحتل جزءاً من أرضه (مثلث حلايب). أضف الي ذلك بين نظامي القاهرة والخرطوم ما صنع الحداد إذ يأخذ السودان علي مصر انقلاب السيسي العسكري علي صديقها في الأيديولوجيا محمد مرسي رئيس مصر المنتخب، أيضاً مصر تأخذ علي كلٍّ من تركيا وقطر صداقتهما العميقة للسودان وإيواءهما معارضيها من الإخوان المسلمين، كما تتهم تركيا مصر بمساندة المحاولة الانقلابية الفاشلة ضد الرئيس التركي أر دوغان، لذلك مصر قلقة للغاية لسماح السودان لتركيا بموطئ قدم في ميناء سواكن.
إذاً وضعت اصطفافات القوى الاقليمية ارتريا ضمن الحلف المصري والسودان في الحلف الاثيوبي، فبينما طار رئيس ارتريا أفورقي الي الإمارات طار رئيس الوزراء الاثيوبي هيلي ماريام دسالنج الي قطر العدو اللدود للإمارات. وبوصول قوات ومعدات عسكرية مصرية الي ارتريا فضلاً عن خبراء عسكريين ورجال استخبارت مصريين علي مستوىً سياسيٍّ وعسكريٍّ عالٍ للقيام بتدريب وتسليح وتموين جيش ارتريا ومعارضة السودان واثيوبيا وما أعقب ذلك من تسارع السودانيين الي اتخاذ إجراءات عسكرية واستخباراتية واحترازية (قفل الحدود) مشددة بل والعمل بتشريعات طوارئ داخل وخارج ولاية كسلا الواقعة علي بعد عدة كيلو مترات من الحدود مع ارتريا، كل ذلك يضع بلادنا علي فوهة بركان وشيك الانفجار.
السودان عضو فعال في الحلف السعودي في حرب اليمن ويحتفظ في ذات الوقت بعلاقات طيبة مع تركيا ذات العداوة التقليدية مع السعودية. لقد عكست تلك الائتلافات والاختلافات أبعاداً دينية وأيديولوجية، فحتى داخل المعسكر السني هناك خلاف أيديولوجي يتمثل في اتباع السعودية للمذهب الوهابي واتباع كلٍّ من تركيا والسودان وقطر لأيديولجيا الإخوان، مما أسفر عن صراع نفوذ ل أتـَـى بتركيا البعيدة جغرافياً عن المنطقة لتؤسس قاعدتين عسكريتين بكلٍّ من السودان والصومال. وهذا بدوره يؤجج قلق البلاد العربية من ما تعتبره محاولة تركية جديدة لاستعادة أمجاد وسيادة الامبراطورية العثمانية علي العالم العربي والبحر الأحمر، مما يخشى منه تعريض هذا البحر شرقاً ومغرباً أو ضفتيه الافريقية والآسيوية الي حروبٍ وأخطارٍ جمة. وإذا تواصل وجود ذلك الخطر بهذه المنطقة فسوف يتعرض خط سير التجارة الدولية الي خطر عظيم بل قد تتوقف التجارة عن المرور بهذا الخط.
إن التحالفات الجارية في منطقتنا بالإضافة للتجاذبات الواقعة بين وداخل أقاليم العالم المختلفة مثل حلف تركيا، روسيا، إيران من جهة وحلف امريكا واسرائيل من جهة أخرى يضع في رأينا كحزب معنيٍّ بالمنطقة اقليمنا وأقاليم أخرى علي حافة متاهة من الحروب والأزمات يصعب التكهن بمآلاتها.
اعتراف الرئيس الامريكي دونالد ترمب بالقدس عاصمةً رسمية لإسرائيل وجد معارضة معظم المجتمع الدولي وأجج مشاعر الغضب لدى كافة شعوب وحكومات العالمين العربي والاسلامي، مما يحيل المنطقة الي برميل بارود لا ينقصه إلا عود ثقاب.
انطلاقاً مما تقدم ذكره من حقائق عالمية واقليمية نتوجه بالنداء الوطني المسئول الي دول المنطقة بحل نزاعاتها سلمياً وأن تخلي أوطانها من القواعد العسكرية الأجنبية بأقصى سرعة ممكنة، كما نناشدها الخروج من تلك التحالفات والاستقطابات غير المبنية علي مصالح الشعوب.
كذلك ندعو الشعب الارتري وقواه السياسية المعارضة الي النظر الي الأمور بأفق واسع ومن ثم إدراك أن التقاعس عن تأدية واجباتنا الوطنية واجترار الخلافات القديمة قد يضع قضايانا الوطنية خارج سيطرتنا لتفرض علينا الوصاية الاقليمية أو الدولية أو كلاهما معاً.
في الختام نناشد الجهات الدولية والاقليمية المعنية الوقف الفوري للحرب في اليمن وتسهيل طرق توصيل المساعدات الإنسانية الي مستحقيها في جميع أنحاء البلاد.
تهانينا الحارة بقدوم العام الميلادي الجديد
منقستئاب أسمروم
رئيس الحزب
8 يناير 2018م
“ሰዲህኤ፡ ነቲ ንሃገርና ካብ ዓለም ነጺሉ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓታትና ዝሰርሕ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲታት መላኺ ስርዓት ጨሪሱ ብምሕካኽ፡ ምስ ሃገራት ዓለም፡ ኣውራ ድማ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታትን መንግስታትን፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ምርድዳእን ዝተሰረተ ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ክኽተል እዩ። ….. ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ።” (ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ንወጻኢ ዝምድናታት ካብ ዝምልከት ዓንቀጽ ዝተወስደ)
ብዛዕባ’ታ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣሻቓሊ ዜና ዘይፍለያ ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ዝውረ ዘሎ’ውን ዘደቅስ ኣይኮነን። ጐረቤት ሱዳን “ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዶብ ዓጽያ” ዝብል ወረ ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ይስማዕ ኣሎ። ንመሰረታዊ ትሕዝቶ፡ ተልእኮን ጠንቅን ምዕጻው ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ብዝምልከት ብዝተፈላለዩ ወገናት ሓበሬታታት ይወሃብ ኣሎ። እቶም ወገናት ነቲ ሓበሬታት ከከም ዘለዎም ሕሳባትን ዝንባለታትን ስለ ዝቕምርዎ፡ ኣፍካ መሊእካ “ከምዚ እዩ” ኢልካ ምድምዳም የጽገም። እዚ ድማ መርኣያ ናይቲ ንኤርትራ የመሓድር ኣለኹ ዝብል ኣካል ዘይግሉጽነትን ዘይሓላፍነታውን ባህሪ ዘርኢ እዩ። በቲ ኮነ በዚ ግና እቲ ዜና ንህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተወሳኺ ቁጠባዊ ኮነ ማሕበራዊ ጸቕጥን ቅልውላውን ዘሕድር ዘይቅርዑይ ዜና እዩ።
ንርከበሉ ዘለና ግዜ ዓለማውነት (globalization) ስለ ዝኾነ ሓንቲ ሃገር በይና ተነጺላን ማዕጾኣ ዓጽያን እትነብረሉ ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ሃገራት በብደረጃኡ ካብ ጐረቤት ጀሚረን ኣብ ርሑቕ ክሳብ ዘለዋ ሃገራት ዝምድና ክገብራ እንከልዋ ቀንዲ ማእከለን ናይ ገዛእ ርእሰን ሃገራዊ ረብሓ ምውሓስ እዩ። ናትካ ሃገራዊ ረብሓ ከተውሕስ እንከለኻ ናይቲ መዛምድኻ ረብሓ እውን ብሚዛናውነቱ ምሕላው ከም ዘድሊ ክሰሓት ዘይግበኦ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝምድና ቀጻልነት ስለ ዘይህልዎ። ኣብዚ ሃገራዊ ረብሓ ክንብል እንከለና ብዓይኒ ብቑጠባውን ወፍርን ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ናይ ህዝብኻ ድሕነትን ሰላምን ኣጉሊሕካ ብምቕራብ ምዃኑ ምስትውዓል ዘድልዮ ቁምነገር እዩ። ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰሉ ስግንጢር ኣካላት ግና ኣብ ዝምድና ማእከሎም እቲ ካብ ጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ህዝቦም ዘይረኸብዎ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ብናይ ግዳም ሓይልታት ሓገዝ ምርግጋጽ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሕገመንግስቲ ደጊፍዎ ወይ ህዝቢ ኤርትራ መሪጽዎ ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈልጥን ንመጻኢ እውን ናይ ህዝቢ “ይኹነና” ከም ዘይረክብ ስለ ዝፈልጥ ንእስትራተጅያዊ ተደላይነት ሃገርና መዝሚዙ ብናይ ግዳም ኢደበይዛነትዩ ከረጋግጾ ዝሕልን። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ሱዕድያ ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚረይት፡ደሓር ከኣ ናብ ግብጽን ዝጻፋዕ ዘሎ ከኣ ምእንቲ እዚ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ግና “ኣብዚ ከባቢና ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ’’ ኢሉ ኣይሓበሮን። እዚ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብቐጻሊ ከርእዮ ዝጸንሐ ንዕቀት እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ውግእ ኣንጻር የመን 1995 ጀሚሩ፡ ክሳብዚ ናይ ሎሚ ውዲታት ምስ በዓል ሱዕድያ፡ ኢመረይትን ግብጽን ምእታው ዝመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ንውሽጣዊ ኤርትራዊ ጸገም ብናይ ግዳም ምስሕሓባት ንምኽዋል እዩ እምበር፡ እቲ ክፍጠር ዝጸንሐን ዘሎን ምስሕሓባት ኣብዚ “እንተ ንምፍልላይ እንተ ንምስምማዕ እቲ ዝመረጽ መንገዲ ዘተን ሕጋዊ ኣገባብን እዩ” ኣብ ዝበሃለሉ መዋእል እንተስ ብልዝብ እንተስ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ክፍታሕ ዘይክእል ግድል ስለ ዘጋጠሞ ኣይኮነን። እዚ ሰይጣናዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብቲ ንህዝቢ ዘርብሕ እዩ ካብ ህዝቢ ዘርሕቕ እምበር፡ ኣብቲ ስልጣኑን ዝናኡን ንምብራኽ ዝኣጉዶ ሓውስ ብህይወት ደቂ’ቲ ፍትሕን ራህዋን ዝብህግ፡ ግና ዘይሰመረሉ ህዝቢ እዩ ዝቋመር። ኣብ ኩሉ’ቲ ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ዝተቛመሮ ቁማራት ዝጠፍአ ህይወትን ዝዓነወ ንብረትን፡ ዝተደወነ ምስልን ናይ ኤርትራ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዓው ኢሉ ዝዛረብ ኤርትራዊ ድምጺ ስለ ዘይሰመዐ ከኣ እነሆ መመሊሱ ይሻድን።
እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ነቲ ዓለም ዝፈለጦ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ንደጋግመሉ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ሃገርናን ህዝባን ነሕልፎ ዘለና ህይወት ብኹሉ መልክዑ ብሓደ ቃል “ኣዝዩ ሕማቕ” ኢልካ ዝግለጽ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝተበሃለ ኩልና ኤርትራውያን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ውን ወሲኽካ ናብ ዝሓሸ ክንመልሶ ዝግበኣና ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ቅድሜና እንከሎ፡ ናብቲ ዝሓመቐ ከይንኸይድ ከነስተብህል ይግበኣና። ጉጀለ ህግደፍ ንሃገርና ዝዕድመላ ዘሎ ከም ናይ የመን ናይ ሓያላት መዋግኢ ዓውዲ ናይ ምዃን ሕማቕ ዕድል እዩ። ንሕናኸ? ህዝብናኸ? እንታይ ንጽበ ኣሎና። ስለዚ ከምቲ ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ነዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ጐረባብትናን ዘድበንብን ዘሎ ጥፍኣት ኣመልኪቱ ብ8 ጥሪ 2018 ኣብ ዘውጸኦ መገልጺ “ህዝብን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራ ድማ፡ ካብ ሓጺርን ጸቢብን ኣጠማምታ ወጺኦም፡ ናይ ኤርትራ መጻኢ ብኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዞባውያንን ኣህጕራውያንን ሓይልታት እውን ዝጽሎ ምዃኑ ክግንዘቡን ካብ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዘይመሰረታውን ንኣሽቱ ፍልልያትን ንዝዓበዩ ብድሆታት ክጥምቱን ኣርሒቖም ክሓስቡን ከነዘኻኽር ንፈቱ።” ዝበሎ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ምድሓን እጃምና ከነበርክት መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።
መግለጺ ሰዲህኤ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከባቢና ዝኸይድ ዘሎ ወጥርን ኣሰላልፋ ሓይልታትን
Monday, 08 January 2018 11:13 Written by መንግስተኣብ ኣስመሮምኣህዛብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንነዊሕ እዋን ግዳይ ሕማቕ ምሕደራ፡ ግዳይ ድርቅን ውግእን ኰይኖም ጸኒሖምን ኣለዉን ኢዮም። ኣብ ዓለም ተሰዲዶም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሱዳናውያንን ሶማልያውያን ድማ ነዚ ሓቂ’ዚ ዘረጋግጹ ህያው ምስክርነት ኢዮም።
ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ካብ ወራር ጣልያን ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ብውግእን ሳዕቤናቱን እናተሳቐየ ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ኤርትራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 26 ናይ ናጽነት ዓመታት ጥራሕ እኳ ምስ የመን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ውግእ ምእታዋ ኣብ መዛግብ ታሪኽ ሰፊሩ ዝርከብ ሓቂ ኢዩ። ደቡብ ሱዳን እውን ካብ ናጽነት እተጓናጸፈትሉ ዕለት ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይ ሕድሕድ ውግእ ኢያ ተሸሚማ ትርከብ።
ሕጂ እውን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝዝንቢ ዘሎ ሓደጋታት ብርሰትን ዕነወትን እምበር ምልክታት ናይ ሰላምን ርግኣትን ብልጽግናን ኣይኰነን።
ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናይ ስዑዲን ኢራንን ውግእ ብውክልና ኢዩ። ኢራን ንሓይልታት ሖትይን ክትድግፍ ከላ፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድማ ንፕረሲደንት የመን፡ ዓብዱሮቦ መንሱርን ይድግፉ ኣለዉ።
ኤርትራ ድማ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ኣብ ገማግም ደንካልያ፡ ኣንጻር ሖትይን ዝግልገለሉ ወተሃደራዊ መደበር ኣፍቂዳትሉ ኣላ። ካብኡ ሓሊፉ እውን ኤርትራ ገለ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ናብ የመን ልኢኻ ኣብ ውግእ ትሳተፍ ምህላዋ ዝዛረቡ ምንጪታት ኣለዉ። በዚ ድማ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ምብራቓዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኰይና ኣላ። ኣምሳያ ናይ’ዚ ኣበርክቶ’ዚ ከኣ፡ ኤርትራ ብሚልዮናት ዝቝጸር ዶላራትን ነዳድን ትረክብን ዕድመ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከተናውሕን ክኢላ ኣላ።
ግብጺ ከኣ፡ ኣካል ናይ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ኢያ። ግብጺ ብምኽንያት ምህናጽ ግድብ ትንሳኤ ኣብ ፈለግ ኒል፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትያ ትርከብ። ሱዳን እውን፡ ካብ ኣብ ፈለግ ኒል ዘለዋ ረብሓን ካብ’ቲ ምስ ግብጺ ዘስሓሕባ ናይ ዶብ ሕቶ (ሓላይብ)፡ ተበጊሳ ኣብ ጐድኒ ኢትዮጵያ ኢያ ደው ኢላ ዘላ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ናይ እኽዋን ኣልሙስልሚን (እስላምዊ ሕውነት) ስነሓሳብ ዝኽተል መንግስቲ ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን (ኢንቃዝ) በቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ስነ-ሓሳብ መሓዛኡ ዝዀነ ፕረሲደንት ሙርሲ ብፕረሲደንት ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ እተኻየደ ዕልዋ ሕጉስ ኣይኰነን። ግብጺ እውን፡ ቱርክን ቀጠርን ንኣባላት ኣኽዋን ሙስልሚን ናይ ግብጺ ዑቝባ ምሃበን ሕጕስቲ ኣይኰነትን። ኣንጻር ፕረሲደንት ኣርዱኻን ናይ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዕልዋ ፈተነ እውን፡ ቱርኪ ንግብጺ ኢድ ኣለዋ ኢላ ትኽሳ ኢያ። ስለዚ፡ ወተሃደራዊ መደበር ቱርኪ ኣብ ሰዋኪን ምህላው ንግብጺ ዘቕስን ኣይክኸውንን ኢዩ።
ስለ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኣሰላልፋ ናይ ሓይልታት፡ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ሓደ ሸነኽ፤ ኢትዮጵያን ሱዳንን ድማ ኣብ’ቲ ካልእ ሸነኽ ኣለዋ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ዓራብ ዓማራት ብጽሖት ክገበር እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ቀጠር ኢዩ በጺሑ። ላዕለዎት ወተሃደራት ግብጺ ናብ ኤርትራ ይመላለሱ ምህላዎም፡ ኣብ መደበር ሳዋ ንተቓወምቲ ውድባት ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ዘጠቓለለ ናይ ስልጠና መደባት ንሰራዊት ኤርትራ ክህቡ ምጅማሮምን ካልእ ወተሃደራዊ ሓገዛት ምሃቦምን ምስ ተሰምዐ፡ ሱዳን ብኡ ንብኡ ኣብ ኣውራጃ ከሰላ ናይ ህጹጽ ኵነት ኣዋጅ ምእዋጃን ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታታ በሽሓት ዝቝጸር ተወርዋሪ ሰራዊታ ብምልኣኽ ምዕጻዋን እቲ ሓደጋታት ኣብ ኣፍደገ ገዛና በጺሑ ምህላዉ ዝሕብር ምልክት ኢዩ።
ሱዳን ዋላ እኳ ብወግዒ ኣካል ናይ’ቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ እንተዀነት፡ ብግብሪ ግን ምስ ቱርኪ ዘለዋ ዝምድናታት ከተደልድል ኢያ ትርአ ዘላ። እቲ ዝግሃድ ዘሎ ምትእኽኻባትን ምፍልላያትን ሃይማኖታውን ስነ-ሓሳባውን ትሕዝቶ ዘለዎ ውን ኢዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ሱኒ ዝዀነ እስላማዊ ዓለም፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ናይ ውሃብይን ሃይማኖት ተኸታሊት ክትከውን እንከላ፣ ቱርኪ፡ ሱዳንን ቀጠርን ድማ ናይ እኽዋን ኣልሙስልሚን ተኸተልቲ ኢየን። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ’ዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዝኸይድ ዘሎ ቅድድም ናይ ጽልዋታትካ ምስፋሕ፡ ቱርኪ ኣብ ወደብ ሰዋኪን ናይ ሱዳንን ኣብ ሶማልያን ወተሃደራዊ መደበር ክትምስርት ትርአ ኣላ። እዚ ድማ፡ ንሃገራት ዓረብ፡ ናይ ቀደም ዑስማናዊ ንግስነት ናይ ቱርኪ ናብ ባሕሪ ዓረብ ዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ ይመጽእ ኣሎ ዝብል ስግኣታት ይፈጥረለን ኣሎ።
ስለ’ዚ፡ ሓደጋታት ናይ ውግእ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ክፋላት ማለት ምብራቓውን ምዕራባውን ወይ ኣፍሪቃውን እስያውን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኢዩ ዝዝንቢ ዘሎ። ክልቲኡ’ዚ ዞባ’ዚ ሰላም እንተደኣ ስኢኑ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓለፍ ንግዲ እውን ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ኢዩ።
ነዚ ኣብ ዞናና ንርእዮ ዘሎና ምቛም ናይ ምሕዝነታት፡ ምስ’ቲ ሩስያ፡ ቱርክን ኢራን ብሓደ ሸነኽ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ድማ ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘካይድኦ ዘለዋ ውድድራት እንተደኣ ኣጣሚርናዮ፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍጠር ውሽጣዊ ቅልውላው፡ ናብ ዓቢ ዞናዊ ባርዕ ክሰጋገር ዝኽእለሉ ዕድላት ሰፊሕ ምዃኑ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይመዝን። ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንየሩሳሌም ከም ርእሰ-ከተማ ናይ እስራኤል ምፍላጡ፡ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ብሓፈሻ፡ ካብ እስላማውን ዓረባውን ዓለምን ድማ ብፍላይ ብርቱዕ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ምስዓቡ፡ እቲ ተደጕሉ ዘሎ ሓዊ ንኽባራዕ ክርቢት ጥራሕ ዝጽበ ዘሎ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር።
ካብ’ዚ ገምጋምን ሚዛንን ብምብጋስ ከኣ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጐአን ዘሎ ግርጭታት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሓ፡ ኣብ ሃሃገረን ዝርከብ ናይ ግዳም ሓይልታት ወተሃደራዊ መደበራት ብቕልጡፍ ከውጽኣን ካብ’ዚ ኣብ ረብሓ ናይ ኣህዛብ ዘይተመርኰሰ ምሕዝነታት ክወጻን ንጽውዕ።
ህዝብን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራ ድማ፡ ካብ ሓጺርን ጸቢብን ኣጠማምታ ወጺኦም፡ ናይ ኤርትራ መጻኢ ብኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዞባውያንን ኣህጕራውያንን ሓይልታት እውን ዝጽሎ ምዃኑ ክግንዘቡን ካብ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዘይመሰረታውን ንኣሽቱ ፍልልያትን ንዝዓበዩ ብድሆታት ክጥምቱን ኣርሒቖም ክሓስቡን ከነዘኻኽር ንፈቱ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዙሕ ዕንወትን ህልቂትን የስዕብ ስለዘሎ ብቕልጡፍ ደው ክብልን ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ዝበጽሓሉ መገዲታት ክፉት ክኸውንን ንጽውዕ።
ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና
መንግስተኣብኣስመሮም
ኣቦመንበርሰዲህኤ
8 ጥሪ 2018
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ካብ ሓደ ብርኪ ናይ ግዜ ናብ ካልእ ክትሰጋገር እንከለኻ፡ ብፍላይ ከኣ ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣፋኒኻ ናብ መጻኢ ሓድሽ ክትሰጋገር እንከለኻ፡ “ዓመት ናብ ዓመትየ ይዕቆረና” ምምርራቕ ዝተለምደ እዩ። እዚ ብፍላይ ኣብ ግዜ ዮሃንሰ-መስቀለ ብመሳጢ ዜማ ደቂ ኣንስትዮ ይስነ እዩ። እነሆ ከኣ ዓመተ 2017 ኣፋኒና 2018 ኣብ እንቕበለሉ በጺሕና እሞ “ዓመት ናብ ዓመትየ ይዕቆረና” ንብል። ካብቶም ብናይ ዝኾነ ተጽዕኖ ካብቲ ልሙድ ኣካይደኦም ዝያዳ ዘይቅልጥፉ ወይ ዘድንጉዩ ብናቶም ናይ ዑድት ሕጊ ዝግዝኡ መስረሓት ግዜ ሓደ እዩ። ግዜ ናጻ እዩ። ኣብቲ ባህርያዊ ቦታኡ ይወግሕ ይዓርብ። ይመውቕ ይቖርር። ይዘንብ ይጻሒ። ወዲ ሰብ ከኣ ግዜ ናብኡ ክመጽእ ከምዘይክእል ስለ ዝርዳእ ምስቲ ግዜ ዘምጸኦ ምዕባለታት ክመሳሰል ይግደድ። ስለዚ 2017ን 2018ን ምርኽኻብ ስለ ዝፈጸማ፡ 2018 እንዳበልና ክንቆጽር ቅሱባት ኢና። ነዚ ናይ ግዜ ሓያልነት ስለ እንርዳእ ኢና ድማ ሓደ ሓድሽ ምዕባለ ከጋጥመና እንከሎ “ግዜ ወይ ዘበን ኣምጸኦ” እንብሎ።
ግዜ ኣብ ህይወትና ፈጣሪ ተጽዕኖ ምዃኑ ስለ እንርዳእ፡ ሓደ ክፋል ግዜ ንኣብነት ዓመት ክሓልፍ እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዝመጽእ ሰናይ ትምኒትና ክንገልጽን መብጸዓታት ክንኣቱን እንከለና፡ ንግዜ ዘለና ክብሪ ንገልጽ ምህላውና ብሩህ እዩ። ኣይኮነንዶ ንናይ ዓመት ምቅይያር ንናይ ወርሒ መጀመሪ ባሕቲ እውን ትርጉም ንህቦ ኢና። እዚ ከኣ ካልእ ንክብሪ ግዜ ዘመላኽት እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ ናይ ክልተ ዓመታት ናይ ሓላፍነት ምርኽኻብ “እንኳዕ ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም” ተተበሃሃልና ተዘይንኢሱና ኣይዓብየናን እዩ። ስለዚ “ርሑስ ዓድሽ ዓመት 2018 ይኹነልና”። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ግና ብምምናይና ዘይኮነ፡ ትምኒትና ኣብ ምትግባር ብቑዓትን ትጉሃትን ኮይና እንተቐሪብና ጥራይ እዩ።
ከምቲ ኣብ ኩሉ ተረኽቦታት ኣድህቦናን ኣቓልቦናን ናብቲ ዝሓለፈ ዘይኮነስ ናብ መጻኢ ዝያዳ ከማዕዱ ይግበኦ እንብል፡ ዓመት ሓሊፉ ሓድሽ ዓመት ክትካእ እንከሎ እውን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ክንዓሞ ዝግበኣና ብዘይምዕማምና እነስቆርቁርን እንጠዓስን፡ ናብቲ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ክንዓሞ ዝግበኣና ዝያዳ ከነድህብ ይግበኣና። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመኩርና ክንመሃረሉን ክንውከሶን ግና ናይ ግድነት እዩ።
ኣብ ጉዳይና ክንምለስ እንከለና ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት 2017 ክንዓሞ ዝግበኣና ከምቲ ትጽቢትና ከምዘይዓመምና ፍሉጥ እዩ። እቲ ምኽንያታት ከኣ ገሊኡ በዓል ቤታዊ ገሊ ከኣ ወድዓዊ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ ውጽዓ ህዝብና ዘይተወገደ ጥራይ ዘይኮነስ ትስፉው ኣንፈት’ውን ክሕዝ ዘይከኣለ። ከምዚ ብምዃኑ እዩ ከኣ እዚ ኣጋጣሚ እንዳስሓቐ ዘሕዝን ዝኸውን። ኣብ ሓድሽ ዓመት ብምጻሕና ንሕጐስን ንስሕቕን፡ ዓሚ ክንዓሞ ኢልና ዝኣመትናዮ ክንዓምም ብዘይምብቃዕና ከኣ ንትክዝ። ምስዚ ኩሉ ግና መጻኢ ምርኽኻብ 2018ን 2019ን ከምዚ ናይ ሎሚ ጐበጨረ ዘይኮነስ ምሉእ ብምሉእ ትስፉዋት ናብ እንኾነሉ ክንቅይሮ ክንጽዕት ይግበኣና። ነቲ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ክንዲ ትጽቢትና’ኳ እንተዘይኮነ ጉጅለ ህግደፍ ይድፈር ከም ዘሎ ዘመልክት ቁልዒ ግሁድ ተቓውሞ ናብ ሃልሃልታ ክንቅይሮ ክንጽዕት ይግበኣና።
ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ወጽዓ ህግደፍ ብትሕዝቶ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ነይሩ። ኣብቲ ዝርዝራቱ ከኣ ዝያዳ ገዲዱ። ቁጠባዊ ጸገማት ህዝብና ዝያዳ ዓሪጉ፡ ምጥፍፋእ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ከኣ ዝያዳ ሳዕሪሩን ዶብ ሰጊሩን። ጉጅለ ህግደፍ ሓድሽ ብልኡላውነት ሃገርን ሃብታን ናይ ምጥላዕ ምዕራፍ ከፊቱ፡ ስደት መንእሰያት እንተዘይወሲኹ ኣይነከየን። ስርዓት ህግደፍ ሃይማኖታዊ ትካላት መሳርሒኡ ክገብረን ኩሉ መሰላት ክገፍፍን ዝወጠኖ ውጥን መመሊሱ ይገድድ ኣሎ። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ስደት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት ጌና ይብእስ ኣሎ። ብኣንጻሩ ናይቶም ነዚ ኩነታት ንምቕያርን ናብ ራህዋ ንምስግጋሩን እንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢ፡ ብቑዕ ውጥን ህግደፍ ዝዓጽፍ ዓቕሚ ክንከውን ኣይከኣልናን። እቲ ዝያዳ ከተሓሳስበና ዝግበኦ ከኣ ህግደፍ ናይ ባህሪ ጉዳይ ኮይንዎ፡ ወጽዓኡ ኣብ ህዝብና መመሊሱ ምጽንዑ ዘይኮነ፡ ካብ ነብስና ንምጅማር ንሕና ክንገብሮ ዝግበኣና ክንገብር ዘይምብቃዕና እዩ።
እምበኣር ሓደስቲ “ከምዚ ክንገብር ኢና” በሃልቲ’ኳ እንተዘይኮንና ሕጂ እውን ኣብዚ ፍሉይ ግዜኡ ሕልዩ ዝመጽእ ኣጋጣሚ ቃል ምእታው ቀጻልነት ምእማት ስለ ዝኾነ፡ ቃል ክንኣቱ ግድን እዩ። ካብቲ ጐዲሉና ዘሎ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ሓድነትና ኣጽኒዕናን ፍልልያትና ኣመሓዲርናን ክንስጉም ቃል ክንኣቱ ይግበኣና። ምኽንያቱ ከምቲ “ዝነቐዐ እንቋቁሖ መጻወቲ ሃመማ ይኸውን” ዝበሃል፡ ንሕና ከኣ ሓድነትና እንተዘየረጋጊጽና መፍቶ ጉጅለ ህግደፍ ከም እንኸውን ኣይንረስዕ።
ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ሓድነት ናብ ምድኻም ዝመጣጠር ተጻብኦ ሳላ ተወፋይነት ኩሎም ኣካላቱ መኪቱ፡ ሓድነቱ ምስ ኣውሓሰ፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዘስርሕ ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት ዘኽእል ናይ ዘተ እማመ ኣቕሪቡ ኣሎ። ነዚ እማመኡ ብመደብ ምሕዳስ ሰልፊ ከሰንዮ ወጢንዎ ዘሎ ዕማም ኣብዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመት’ውን ብዘሎ ዓቕሙ ክሰርሓሉ ምዃኑ የረጋግጽ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ እዚ ዕማም’ዚ ናይ ሓደ ውሱን መሪሕነት ወይ ሰልፊ ዕማም ስለ ዘይኮነ፡ ኣባላቱ ኮኑ መሓዙት ውድባት ኣብ ምዕዋቱ ንምርብራብ ዳግማይ ቃሎም ክሕድሱ ጸዋዒቱ የቕርብ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ኣብ ሓራ ደሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ምንጪ ስልጣን ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታትን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” (ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)
ኣብ ከምዚ እነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ እቲ ቀንዲ ዋና ቃልሲ ህዝቢ ምዃኑ እንገልጸሉ ምኽንያታት ብዙሕ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ዝውጻዕን በቲ ለውጢ ዝጥቀምን ንሱ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ናይቲ መዐወቲ ናውቲ ወናኒ’ውን ንሱ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ ኢልካ ምጥቕላል ይከኣል። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ኩልና ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ብኻልእ መልክዕ ዝተሰለፍና ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ባእታታትን ወርትግ ውክልናናን ተሓላቕነትናን ናይ ህዝቢ ምዃኑ እነነጽርን እነቃልሕን።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ግና ድማ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝካየድ ንቕሎን ዝቃላሕ ጭረሖን ኩሉ ቅኑዕ ዘይክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ናይ ህዝቢ ዝመስል ግና ድማ ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ወፍርታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል ህዝቢ ነቲ ምስ መሰረታዊ ድሌቱ ዘሳንን ዘየሳንን ኣተኲሩ ናይ ምልላይ ንካልእ ኣሕሊፉ ዘይህቦ ሓላፍነቱ እዩ። ኣተኲርካ ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ነየናይ “ቅኑዕ” ነየናይከ “ግጉይ” ትብል ናይ ምውሳን ሓላፍነትን እውን ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮን ብቓልሱ ከረጋግጾ ዝጽዕተሉን እንታይ እዩ ዝብል፡ ናብ ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዝወስደና ፍሉጥ እዩ። ብውሕዱ ግና ሓድነቱን ሓድነት ሃገሩን ዘውሕሰሉ፡ ኣብ ጉዳዩ ኣብ ዝበረኸ ናይ ምውሳን ደረጃ ዝቕመጠሉ፡ ኩሉ መሰላቱ ዝረጋገጸሉን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝወጸሉን ኩነታት ምርግጋጽ ከም ዝድግፍ ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ይከኣል።
ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ መቑሓዊ ኣመሓዳድራ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ኣፍ ኣውጺኡ ክዛራብ ኣብ ዘይክእለሉ ዓባሲ ኩነታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ካብ መቑሕ እቲ ጉጀል ዝወጸሉ ኩነታት ርሑቕ ከምዘይከውን ዘመላኽቱ ምዕባለታት ከኣ ኣለዉ። ናይዚ ቀረባ ግዜ ተረኽቦ ኣኽርያ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ትንዕምነዓት ደሚርካ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ’ቲ “ምእንታኻ’የ” ዝብሎ ካብኡ ርሒቑ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ውዳበታት እውን ወረን ሓበሬታን የብሉን ማለት ስለ ዘይኮነ፡ ብዛዕብኡ ከሎ ጋና ንጹር ሓሳብ ክህልዎ ይግባእ። ምኽንያቱ ጽባሕ ካብዚ ንጹር ሓሳብ ዝነቅል ተግባር እዩ ዝድህሰስ ውጽኢት ዝርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ክበቅዕ ክዕቅቦም ካብ ዝግበኦ ጸጋታት ቀንዲ እቲ ብዝተፈላለዩ፡ ኣስማት ዝቐያይሩ ወገናት፡ ብውሽጥን ብወጻእን ዝህደድ ዘሎ ሓድነቱ እዩ። ሓድነቱ ንዝህድዱ ኣተሓሳስባታት፡ ሎሚ ብሓሳብ ጽባሕ ድማ ብተግባር “ኣይደልዮምን” ክብሎም ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ውጽዓ ኣብ ሓድነቱ ዘየደልደለ ህዝቢ እዩ ዝሰፍር። ምድልዳል ሓድነትን ምዕዋት ኣንጻር ወጽዓን ፈላሊኻ ከምዘይረኣዩ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ተመኩሮ’ውን ስለ ዝኾነ።
እቶም በጃ ህዝቢ ኢና እንብል፡ ግና ድማ ብኣካል ካብቲ ህዝቢ ርሒቕና ንነብር ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ህዝብና ቀንዲ ዋሕስ ቃልስና ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ክንሕግዞ’በር ክንትከኦ ኣይኮነን ዓላማና። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ እንምረሓሉ ናይ ቃልሲ ጭረሖ ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብግቡእ ዘንጸባርቕ እምበር ንናይ ውሱን ውዳበ ስምዒት ሒዙ ዝዕንድር ክኸውን የብሉን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ሓቀኛ ህዝቢ ዝውከል ርኢቶን ኣተሓሳስባን ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ክጻፈፍ ዝኽእል ከምዘይኮነ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ጽባሕ ብናይ ህዝቢ ቅዋማዊ ውሳነ ናይ መወዳእታ መልክዑ ብዝሕዝ ፍልልይ ሎሚ ኣይንረሓሓቕ እንብል።
ፍልልይ ምስ ህዝቢ ኮነ ኣብ ሕድሕድ ውድባትን ሰልፍታትን ናብ ጽልኢ፡ ባእስን ተረሓሒቕካ ምንባር ዝመርሕ ክኸውን ከምዘይግበኦ ብሓሳብ ደረጃ ኩልና ንሰማመዓሉ ኢና። ብተግባር ግና ኣይከምቲ ብሓሳብ እንረዳድኦን። ገለ ወገናት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ካብ ሰባት ስለ ዘይፍለ ዳርጋ ተፈጥሮኣዊ ገይሮም ይወስድዎ እዮም። እዚ ፍልልያት ኣብ ሕድሕዱ ተፈሓፊሑ ዝወልዶ ናይ ሓባር ሓሳብ ከኣ እቲ ምሩጽ ዘሳኒ ሓሳብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ዝርጋሐ ምሕደራ፡ ግደ ቋንቋታትን ባህልታትን ,,, ወዘተ ዓብዪ ናይ ሓባር ጸረ ህዝቢ ጸላኢ ኣቐሚጥና ምስሕሓብ መግለጺ ዘይምክእኣልና ተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን። ምክእኣል ከኣ ሓቢርካ ናይ ምንባር ወርቃዊ ሜላ እዩ። እዚ ክከኣኣል ዝግበኦ ሓሳባት ተፈራሪሑ ድዩ ተነዓዒቑ ከካብቲ ዘለዎ ሳናዱቕ ወጺኡ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ተራኺቡ ተፈሓፊሑ ማእከላይ ሃናጺ ሓሳብ እንተዘይወሊዱ ከኣ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ።
ስለዚ “ዋና ናይቲ ቃልሲ፡ ወትሩ ህዝቢ እዩ፡ ለውጢ ከኣ ብህዝቢ ንህዝቢ እዩ” ክንብል እንከለና፡ መሲልካ ንምቕራብን ንመሕብእን ዘይኮነ እንግዘኣሉ መትከል ክኸውን ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ በታ ዘላቶ ውስንቲ ዕድል እውን እንተኾነ፡ ክሳብ ጽባሕ ሓሳቡ ብሰላማዊ ሰልፍን መሰል ናይ ኣደባባይ መድረኽን ዝገልጸሎ ዕድል ዝፈጥር መን እንታይ ይብል ኣሎ ምክትታሉ ክገብር ይግበኦ።
ርሑስ ክልቲኡ ናይ ልደት ኣጋጣምታትን ሓድሽ ዓመት 2018ን