ጉጅለ ህግዲፍ፡ ኣብ ህድማ’ዩ ዝነብር!

2019-06-12 07:12:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2571 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህግዲፍ ንኹሉ ሓቅታት ናይ ሓሶት ድራማታት ብምህንዳስ እናሸፈነ ዝነብር ሃዳሚ ጉጅለ እዩ። ህድማኡ ዝግለጸሉ ሜላታት ብዙሕ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቢእካዮ ዘይሕባእ ባዕሉ ዝዛረብ ክትኣምኖ ዘጸግም ዘስካክሕ ኩነታት ክትደፍን ምፍታን እዩ። ኣብ ኤርትራ “ሕገመንግስቲ የለን፡ ምርጫ ተኻይዱ ኣይፈልጥን፡ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ህዝቢ ጠሊሞም ኣብ ስልጣን ዝተኾየጡ ባዕላውያን እዮም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣይክበርን እዩ……ወዝተ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን  ሓረጋት ህግዲፍ ከም ቁርን ኣሳሓይታን ዝፈርሖም ሓቅታት እዮም። ጠንቂ ፍርሑ ድማ ኣብ ናይ ፊትንፊት ግጥም ሓቅን ሓሶትን ንሱ ከም ዝርታዕ ስለ ዝፈልጥ እዩ።

እቲ ካልእ ንመህደሚ ዝጥቀመሉ መደናገሪ ጉልባብ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕዮ-ገዛ ዝዓመሉ ዓቕምን ባህርን ዘየብሉን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዓርቀን ክነሱ፡ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ምትሕብባር ዞባናን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ክዋሳእ ዝገብሮ ውጥም ቅልቅል እዩ። ኢሳያስ ዞባዊ ዛዕባታት ዘልዕል ዞባዊ ዓቕምን ተሰማዕነትን ሃልይዎ ዘይኮነ፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘየደቅሶ ሓቂ ከም መህደሚ ክጥቀመሉ ስለ ዝደሊጥራይ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ እቲ ዘራጊ ባህሪኡ ምስኡ ስለ ዝገይሽ ኣብ ዞባዊ መድረኽ እውን ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝለመዶ ዝዘርግ እምበር ዘዕሪ ውጽኢት የብሉን። ናብዚ ዝወድቕ ከኣ ኩሉ ሕልምታቱ ንጉዳያት ናብቲ ንሱ ኣብ ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ዘርጊ ክስሕቦ ስለ ዝፍትን እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ ከኣ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኣብ መጽሓፉ “ዘራጊቶ” ዝብል ናቱ ዝሃቦ።

ብዛዕባ ዞባዊ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ክንዛረብ እንከለና፡ ኣብ ሃገሩ ዘየድመዐ ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰል ኣካል፡ ኣብ ዞባዊ መድረኽ ከድምዕ ማለት ዘበት እዩ። ምናልባት ኣደናጊሩ ድዩ፡ ሓላዪ መሲሉ ኣብቲ ምትሕብባር እንተ ኣተወ’ውን ናይቶም ሓቒ መሲልዎም ድዩ፡ ወይ ተገሪሆም ዘዋስእዎ ወገናት ሰከም  ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዕድል የብሉን። ሰከም ምዃን ጥራይ ዘይኮነ ከም ጉጅለ ህግዲፍ ዝኣመሰለ ኣብ ሸፈጥን ጭውያን ዝነብር፡ ዝሕግገሉ፡ ዝፍጽመሉ ኮነ ዝፈርደሉ ትካል ዘየብሉ፡ ምስኡ ዝግበር ምሕዝነት ድዩ ምትሕግጋዝ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ኣዝዩ ጸቢብ ምናልባት እውን ዘይከኣል እዩ። ቀንዲ ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ዝግበር ስምምዕ ድዩ ምሕዝነት ውልቃዊ እምበር ትካላዊ ስለ ዘይኮነ እዩ።

ንሕና ኤርትራ፡  ልኡላውነታን ክብራን ኣብ ዝተሓለወሉ፡ ትካላዊ ውሕስነት ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘትከለ፡ ኢድ ኣእታውነት ዘየፈቅድ፡ ረብሓ ህዝቢ ዝሕመረቱ ዝምዳና ኣይኮነንዶ ምስ ጐረባብታ፡ ምስ ዝኾነት ሃገር ክህልዋ ብዘይውልውል እንድግፎ ጥራይ ዘይኮነ እንቃለሰሉ’ውን እዩ። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተሰረተ ዝምድናን ውዑልን እዩ፡ ምስ ዝሓልፍ ስርዓት ኣብ ክንዲ ዝሓልፍ፡ ናይቲ ነባሪ ህዝቢ ዓንዲ ሕቖ ኮይኑ ክነብር ዝኽእል። ብኣንጻሩ ምስ ጉጅለ ኢሳይያስ እሞ ከኣ ካብ ህዝቢ ተሓቢካ ዝግበር ዘይትካላዊ ውዑላትን ስምምዓትን እቲ ጉጅለ ክሓልፍ እንከሎ፡ ብህዝቢ ተወሪሱ ክቕጽል ውሑስ ዕድል የብሉን። ኢሳይያስ ክዛመድ እንከሎ ዝመርጾ ኣገባብ ኣርሒቑ ዝጠመተ፡ መሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይኮነ፡ ንዕድመ ስልጣኑ ጥራይ ዝተዓቀነ ኣብ “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ዘኹድድ እዩ። ክሳብ ክንድዚ  ኣርሒቑ ስለ ዘይርኢ እዮም ከኣ ብዙሓት ተዓዘብቲ ንተግባራት ህግዲፍ “ኣነ እንተመይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ብዝብል ዘየናሕሲ ኣበሃህላ ዝነቕፍዎ።

ንጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራን ህርኩት ህዝባን ብሂጎም፡ ምስ ዲክታተር ኢሳይያስ ስምምዓት ክገብሩ ዝደልዩ ወገናት፡ ኢሳይያስ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ከም ዘየብሉ  ክርድኡ ይግበኦም። ካብዚ ዝዓቢ ከኣ ሕገመንግስታዊ ልጓም ኣብ ዘየብሉ ፊን ከም ዝበሎ ዝጋልብ፡ ዝነቕለሉን ዝዓርፈሉን ዘይፍለጥ ፍኑው ምዃኑ ከስተብህሉ ይግበኦም። እዚ ክግደስሉ ዝግደድሉ ምኽንያት ነቲ ባዕሉ ክገብሮ ዝግበኦ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንምሕላው ዘይኮነ፡ ኣብ ሰንፈላል ዝነብር ጉጅለ፡ ምናልባት ኣብ ውሱን ጉዳያት ንውሱን ሸቶ ይለኣኾም ይኸውን እምበር፡ ውሑስ ቀጻልነት ከረጋግጸሎም ስለ ዘይክእል እዩ።

ምስ ኢሳይያስ ናይ ሕጽኖት ግዜኡ ኣብ ምውዳእ ዝበጽሐ ዝመስል ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ከቕልበሉ ይግበኦ። ካለኦት ንህግዲፍ ኣሚኖም ክዛመድዎ ዝሓስቡ’ውን ከምኡ። ጉጅለ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ’ኳ ዘይኮኖ ንዓኣቶም ከሕንድየሎም ክሓስቡ ኣይግበኦም። እዚ ማለት ምስ ኤርትራ ዝምድና ኣይገበር ማለት ዘይኮነ፡ ተዛመድቱ ቅድሚ ዝምድና ጉጅለ ህግዲፍ ናብ ንቡር ክመጽእ ከገድድዎ ይግበኦም ንምባል’ዩ። ከምኡ እንተዘይገይሮም ግና እቲ ውጽኢት ቀለሙ ከይነቐጸ፡ ዘጣዕሶም ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ።

ከምቲ “ንሰፍላላስ ይፈጥረላ” ዝበሃል፡ ወያ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝጸንሐት ወዛሕዛሕን ምልፍላፍን፡ ኣብ ዝቐምሰለትሉ፡ ኣብ ሱዳን ከኣ ኢሳይያስ ዝስዕሰዓሉ ጓይላ ተተኺሉ’ሎ። ኣብ ሱዳን ዝእጐድ ሓዊ ንፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ከንድዶ እንከሎ፡ ንዲክታቶር ኢሳይያስ ከም ዝሽልብቦ፡ ኢሳይያስ ከኣ እቲ ሸልባቢ ሃፈጽታ ናብ ዝህምኾ ሃልሃልታ ከይበጽሕ ናይ ነፍሰ-ምክልኻል ጸፋዕፋዕ ከርኢ ባህርያዊ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ሱዳን ሰላምን ሲቪላዊ ምምሕዳርን ምእንቲ ከይትረክብ፡ ሰብ ሰፊሕ ከባብያዊ ረብሓ ጸሚዶም ክሓርስዎ ወጢኖም ቅርቡነቱ የርኢ ኣሎ። ምስ ግብጺ፡ ሳዑድ ዓረብን ኢምሬትን ኢድን ጓንትን ኮይኑ፡ ናይቲ ኣለሳሊሱ ስልጣን ክብሕት ትንዕምንዕ ዝብል ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ደጋፊ ኮይኑ ኣሎ። ኢትዮጵያ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተወሲዱ ዘሎ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል ኣባልነታ ምድስካሉ ክትድግፎ እንከላ፡ ኢሳይያስ ግና ይቃወሞ ኣሎ። ቀንዲ ምኽንያቱ ከኣ ሎሚ ህዝቢ ሱዳን ብቓልሱ ሲቪላዊ ስርዓት እንተተኺሉ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ናይ ምድጋሙ ዕድል ልዑል ምዃኑ ስለ ዝርዳእ እዩ። በዚ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ፕረሲደንቲ ዑመር ኣልበሽር ክወርድ እንከሎ ኢሳይያስ ዘይሕጉስ ጥራይ ዘይኮነ ሰንቢዱ ከም ዝነበረ ዘረድእ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ጉጅለ ኢሳይያስ ክሳብ ዘይተወገደ  መህደሚ ምኽንያታት ካብ ምምሃዝ ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ እንብል።

Last modified on Wednesday, 12 June 2019 09:30