“ኣለናልኪ ኤርትራ” ንበላ

2020-02-27 06:56:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2808 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“…ሎሚ ልዕሊ ዕስራን ሾመንተን ዓመት ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት፣ ኤርትራ ሃገርና ልዑላውነታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፡ ቁጠብኣ መሬት ዘቢጡ፣ ምልክታት ናይ ዝፈሸለት ሃገር ኣንጸላልዩዋ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ። እቲ ኣፍራይ ዝብሃል ሓይሊ ኤርትራ፡ ኣውራ ድማ እቲ ንቐጻልነት ሃገር ዘውሕስ ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ፡ ካብ ንቡር መነባብሮኡ ተፈናቒሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ብጅምላ ክስደድን ክበታተንን ተገዲዱ ንሓደጋታት ምድረበዳን ባሕርን ካልእ ኢሰብኣዊ ተግባራትን ይቃላዕ ኣሎ።…” (ካብ መቕድም፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

ኤርትራዊ ንሃገሩ ኤርትራ በጃ ከም ዝሓልፈላ ንምግላጽ ተጽዕኖ መግዛእታዊ ሓይልታት ከይገደቦ፡ ዘሚሩላ፡ ገጢሙላ፡ ደሪሱላን ደሪፉላን። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝነበረ ብዝምድናዊ ኣገላልጻ ዘይጐነጻዊ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንሳላሳ ዓመታት ከም ሓንቲ መዓልቲ ክቡር ዓጽሙ ከስኪሱላ ሓፊስ ደሙ ኣፍሲሱላ። ናይ ዝኾነ ሃገር ዜጋ ነንሃገሩ ከም ዘፍቱን ከም ዘፍቅርንኳ ርዱእ እንተኾነ “ኤርትራውያን ፈተወቲ ሃገሮም እዮም” ዝብል ቅጽል ኣብ ቅድሚ ዘይኤርትራውያን ወገናት እውን ቅቡል እዩ። እዚ ካብ ዘብርሆ ጉዳያት ሓደ ከኣ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለላ እምበር ከም ገጸ-በረኸት ዘይተዋህበት ምዃና እዩ። ነዚ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ክብሪ ናይ ምቕጻሉ ብደሆ ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እዩ።

መግዛእቲ ተሳዒሩ ኤርትራ ብሳላ ደቃ ናጻን ልኡላዊትን ምስ ኮነት፡ ትጽቢት ኤርትራን ኤርትራውያንን፡ ናይ ቀደም ዛንታ ጅግንነት እንዳዘከርካን እንዳስተንተንካን ምንባር ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ነቲ ዝተመዝገበ ቅያ ከም መንጠሪ ወሲድካ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ን30 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኾሊፉ ዝጸንሐ ልምዓት ንምምላስ፡ ዝያዳ ጉያ፡ ኣብ መዳያት ሰላም፡ ልምዓትን ህንጸትን፡ ዲሞክራስን ምኽባር መሰረታዊ መሰላት እዩ ነይሩ ህርፋን ኤርትራውያን። ብኻልእ ኣገላልጻ ቃልሲ ዘስዓቦ ስንብራት ኣብ ክንዲ ምሕካኽን መመሊስካ ምጉዳእን ንዓኡ ምሕዋይ እዩ ነይሩ ድሌት ኤርትራውያን። እንተኾነ ብሰንኪ ናይቲ ንኤርትራዊ ጸጋታትን ህርኩት ዓቕሚ ህዝባን ኣሳንዩ ናብ ሃገር ናይ ምሕዋይን ዳግመ-ህንጻን ደረጃ ናይ ንምድያቡ ሓላፍነት ዝነበሮ ኣካል ቅሩብ ብዘይምንባሩን ክሳብ ሕጂ ዘይምዃኑን፡ እነሆ ባህጊ ኤርትራን ህዝባን በቲ ዝተጸበይዎ ኣቕጣጫ ክስጉም ኣይከኣለን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ከምዚ ዝኾነ፡ እቲ ሎሚ ተሓቚኑ ተሓቚኑ “ህግዲፍ” ናብ ዝበሃል ዘይጥዑይ ጉጅለ ጽዕዩ ዘሎ ኣካል፡ ኣንጻር ባህጊ ሃገርናን ህዝብናን ዘቕነዐ፡ ዓቕሚ ስኢኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ናይ ምጽናትን ሃገር ናይ ምዕናውን መንገዲ ስለ ዝመረጸ እዩ።

ሎሚ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ ዝኾነ ሴክተር ጠቒስካ ክትግምግም እንተጀሚርካ፡ እቲ መደምደምታ “ኣሉታዊ” ጥራይ እዩ። መዳያት ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ሰላም፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ……. ወዘተ ኣልዒልካ ብዛዕባኡ ናይ ቀረባ ዳህሳስ እንተካየድካ፡ መደምደምታኻ ኣብ ኤርትራ “መድሃኒት የለ፡ ቤተሰብና ኣበይ ከምዝተኣስሩኳ ኣይንፈልጥን፡ ማይን መብራህትን የለን፡ ናቕፋ ተሳኢኑ፡ ዘይሰራሕናሉ ግብሪ ክፈሉ ንበሃል ኣለና፡ ቤት ትምህርቲ ፈሪሱ ኣብ ደገ ኢና እንምህር” ዝብሉ ተደሚሮም ገዚፍ “ኣሉታ” ዝሰርሑ ቃላት ኢኻ እተዋህልል።

ድሕርቲ ክጅመር እንከሎ ንብዙሓት ሓቀኛን ትካላዊ ዋና ዘለዎን ዝመስል ዝነበረ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝጸንሖም ጽምኢ ሰላም ሃዊጽዎም፡ ብብዝሒ ናብ ኤርትራ ኣትዮም። ኣብቲ መገሻኦም እታ ሓንቲ ከም ሓሙስ “ኣውንታ” እትበሃል፡ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ቤተሰብን ወላድን ውሉድን ምርእኣዮም እያ። እቲ ካልእ እቶም ገያሾ ምስተመልሱ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዘላቶ ሃለዋት ንምፍላጥ፡ በታ ክልተሻብ ትረአ ዘላ፡ ናይ ትማሊ ጻዕዳ ሎሚ ግና ጸላም ኣስመራ ምጅማር ልሙድ ስለ ዝኾነ “ኣስመራ ጻዕዳ ከመይ ኣላ?” ክትብሎም እንከለኻ፡ ብዛዕባ ጐደናታት፡ ነባራት ህንጻታታ፡ ደረጃ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላታ፡ ዝህቡኻ መልሲ፡ ካልእ ካብኡ ዝሓሸ ቃል እንተዘይተሳኢኑ ኪኖ “ኣሉታዊ” ዝኸይድ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝኖም ከኣ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ንዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ስደት ብግቡእ ስለ ዘይገልጾ፡ “ፍልሰት” ክንብሎ ዝጸናሕና ኣስመራ፡ ኣይኮነንዶ ብለይቲ ብቐትሪ “ተወር” ዝብል ሰብ ዘይብላ ጽምዋ ምዃና እዮም ዝገልጽዋ።

ሰብ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ንቡር ህይወት ወሳኒ ባእታ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ የብላን ማለት ኩሉ የብላን ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ድሕሪኡ ኩነታት ገጠር ኤርትራን ናይተን ካብ ኣስመራ ዝነኣሳ ከተማታትን ዝገደደ ከም ዝኸውን ርዱእ ስለ ዝኾ፡ ኣይትሓተሉን ኢኻ። በዚ ጽምዋ ስለ ዝሰንበዱ ካብቲ ዝሓሰብዎ ግዜ ቀልጢፎም ነናብ ዝመጽዎ ዝምለሱ ገያሾ ብዙሓት እዮም። ክሳብ ጫፍ ገጠራት ከይዶም ቤተሰብ ሓቲቶም ክምለሱ መደብ ዝነበሮም በቲ ኣብ ዋና ከተማ ኣስመራ ዝረኣይዎ ኩነታት ውድቀት ተስፋ ቆሪጾም ካብ ኣስመራ ዝምለሱ ብዙሓት እዮም። ብሓፈሻ “ድሕሪ ሕጂ መገሻ ናብ ኤርትራ ይኣኽለኒ” ዝብል እምበር፡ “ናብ ኣስመራ ክመላለስ እየ” ዝብል ሳሕቲ ኢኻ እትሰምዕ። ብሓጺሩ ብሓፈሻ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣስመራ መሰታ ቀዳሞት ነይረንስ መሰታ ዳሕረዎት ኣብ ዝኾናሉ ደረጃ እየን ዘለዋ።

እዚ ኩሉ ዘርእየና፡ እምበኣር ጉጅለ ህግዲፍ ንኤርትራ ብምልእታ ኮነ፡ ንከተማ ኣስመራ፡ መንበሪ ዝጥቀመለን እምበር ዘመሓድረን ከምዘይኮነ እዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ፡ ህግዲፍ ንኤርትራ ደይመደይ ኢሉ፡ ከም ዝጠለማ ዘርኢ እዩ። ኤርትራ ግና ናትና ናይ ኤርትራውያን ሃገር እምበር፡ ናይ ህግዲፍ ብሕታዊት ትካል ስለ ዘይኮነት፡ ንሕና ኣብ መስርዕ ለውጢ ተሰሊፍና ዘለና፡ ብግብሪ ዓው ኢልና “ንሕና ኣለናልኪ ኤርትራ “ ክንብላ ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ እዋን ኢና ዘለና።

Last modified on Thursday, 27 February 2020 08:08