ዓሚ፡ ሎም-ዘበንን ንዓመታን

2019-12-29 22:42:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2566 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ናይ ዓሚ፡ ሎምዘበንን ንዓመታን ምቅብባል፡ ብማንም ዘይድንጉን ዘይቅልጥፍን ብናቱ ሕጊ ዝምራሕ ቀጻሊ መስርሑ ሓልዩ ዝኸይድ ጉዕዞ እዩ። ናይዚ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ዝቀባበል ናይ ግዜ መለክዒ ዓመት ንውሓት ማዕረ 12 ኣዋርሕ እዩ። ዝኾነት ዓመት ናታ ማዕረ ትዕድልቲ ዘለዋ ክትከውን እንከላ፡ ኣብታ ዓመት እንታይ ተሰሪሑን እንታይ ኣይተሰርሐን ግና ብኣና በቶም ኣብኣ እንዋሳእ ኣካላት ክቀያየር ዝኽእል እዩ።

ሓንቲ ዓመት ናይ ሰላም ኮይና እታ ካልእ ናይ ህውከት፡ ሓንቲ ዓመት ናይ ዓወት ኮይና እታ ካልእ ናይ ስዕረት፡ ሓንቲ ዓመት ናይ ሃብትን ጽጋብን ኮይና እታ ካልእ ከኣ ናይ ጥምየትን ጸገምን …… ወዘተ ንክኾና ተፈጥሮኣዊ ጽልዋ የብሉን እኳ እንተዘይተባህለ፡ እቶም ቀንዲ ቀየርቲ ንሕና እቶም ብዓመት እንዳተለከዐ ናይ ግዜ ጸጋ ዝውሃበና ሰባት ኢና። ከምቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝበሃል፡ ወዲ ሰብ፡ ካብቲ ሰብ ዘብሎ ካብቲ  ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ንመጻኢ ብዝሓሸ ክጥቀመሉ ክበቅዕ እንከሎ እዩ። ንኣብነት ካብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመተ- 2019 ተመኩሮና ተማሂርና፡ መጻኢት ሓዳስ ዓመት 2020፡ ዝሓሸ ዓወት ከነመዝግበላ ክንበቅዕ ኣብ ቅድሜና ከቢድ ሓላፍነት ኣለና። ኣይግበሮ እምበር፡ ናይዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመት ኣበርክቶና ካብታ ዝሓለፈት ዓመት ዘይማዕበለ ምናልባት እውን ዝተሓተ እንተኮይኑ ከኣ ዘይዕግበትና ንምንጽብራቕ “ክላእ ዓሚ ይሓሽ” ኮይኑ ክብንል ክንግደድ ኢና። በዚ ኣጋጣሚ ካብ ንቕድሚት እንዳኸደ ብኣተሓሳስባ ንድሕሪት ምምላስ ወጺእና መጻኢት ሓዳስ ዓመት 2020 ኣብ ኩሉ መዳያት ዝሓሸ ኣስተዋጸኦ እነመዝግበላ ክትከውን ተስፋና ልዑል እዩ። ተስፋና፡ ተስፋ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ከኣ፡ ማዕረ ትምኒትናን ተስፋናን ንቕድሚት እንምርሽ ኮይና ክንበቅዕ ረዚን ሓላፍነት ኣብ እንርከበሉ ግዜ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ብሃውሪ ዘይኮነ፡ ዓቕምኻ ኣብ ግምት ኣእቲኻን ቀዳምነትካ ኣለሊኻን መደብ ብምትላም ዝዕመም ዕማም እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኮይና፡ ከነመዓዱ እንከለና፡ ቀንዲ ቆላሕታና መጻኢ ሓድሽ ዓመት ክኸውን ከም ዝግበኦ ርዱእ ኮይኑ፡ ናይ ዝሓለፈን መጻእን ዘንተ-ምትእስሳር ንምዕቃብ ብዛዕባዛ ነፋንዋ ዘለና ተመሊሳ ዘይትመጽእ  ዓመት እውን ንሕና ሓይልታት ለውጥን  ወጻዒ ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግዲፍን ገጽንገጽ ከመይ ከም ዘሕለፍናያ ሓደ ሓደ ጉዳያት ምትንካፍ ኣገዳሲ እዩ።

ብመንጽር እዚ ኣብ 2019፡ ኣብ ደንበ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ናይ “ይኣክል” ማዕበል መሊሱ ዝነደረላን ውዱብን ዘተኣማምንን መልክዕ ንምትሓዙ ተስፋ ዝህብ ጻዕሪ ዝተኻየደላ ዓመት ነይራ። ብዘይካዚ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ሓደ ብዘይ’ቲ ካልእ ከም ዘየድምዑ ተገንዚቦምን ሓቛፊ ኣተሓሳስባ ኣጥርዮምን ምቅርራቦም ዘሕየሉላ ዓመት እውን ነይራ። ካብዚ መንፈስ’ዚ ዝተበገሰ ድማ’ዩ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ተሰላሲሉ ኣብ ሓደ ሰልፊ ዝመጸላ ዓመት ዝኾነት።  ኣብ ርእሲዚ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራዊ ደንበ ለውጢ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ከሳቕዮም ዝጸንሐ ብሓባር ክትሰርሕ ናይ ዘይምብቃዕ ሃጓፍ ንምምላእ ሓያል ጻዕሪ ዘካየድላን ናብቲ ንጽበዮ ፍልልይ ዝሓቁፍ ሓድነት ዝወስድ ኣንፈት ምትሕግጋዝ፡ ምጽውዋርን ምትሕብባርን ዝሓዙላ ዓመት ነይራ። እዚ ኩሉ ኣንፈታት ውንዙፍ ኮይኑ ኣብዛ ንቕበላ ዘለና ዓመተ-2020 ኣብ ኣድማዒ ውጽኢት ምእንቲ ክበጽሕ ድልዉነትና ኣብ እነሕድሰሉ ድሮ ሓዳስ ዓመት ንርከብ ኣለና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ በቲ ሓደ ወገን ዝተወደበን ዘይተወደበን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎን ኣብ  ወጻኢ (ዲያስፖራ) ዝነብርን ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ደንበ ለውጢ ዝምዕብል ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ተሓጊዙ ክናበብ ዝጀመረላ  ዓመት ነይራ።

ኣብ እንዳ ጉጅለ ህግዲፍ ብኣንጻሩ፡ እቲ ጉጅለ፡ ኩሉ ህዝቢ ከታልለሉ ዝጸንሐ መሕብእታት ኣገልግሎቱ ወዲኡ ፈሪስዎ፡ ኣብ ጐልጐል ከም ዝወገሖ ዝብኢ ቁሊሕሊሕ ዝበለላ ዓመት ነይራ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ይትረፍዶ ዝማዕበለት ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ከበርክት፡ ንቀንዳ ነታ ልኡላዊት ኤርትራ እውን ኣብ ሓደጋ ናይ ምውዳቕ ድጉል ሕልሚ ከም ዝነበሮ ብንጹር ዝተቓለዓላ ዓመት ነይራ። እቲ ጉጅለ ካብዚ ባዕሉ ዝዛረብ ተንኮሉ ንክሃድም ብዙሓት ሓሶታት ሰኒዑ ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ዝሰኣነላ ዓመት ከኣ ነይራ። ህግዲፍ ካብቲ ንሓያሎ ዓመታት ተዓጽይዎ ዝነበረ መዳጐኒ ዝወጸ ከምስል፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘይቅጽሎ ዝምድናታት ክገብር ፈቲኑ ምኽኣል ስኢንዎ ዘዕለበጠላ ዓመት ነይራ ምባል’ውን ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከባቢኡ ብነገራዊ ጠቕምን ስልጣንን ኣህጢሩ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” እንዳበለ፡ ኣኪብዎም ዝጸንሐ መዳኸርቱ ሓድነት እውን መእሰሪኡ ተፈቲሑ ዘልሓጥሓጥ ኣብ ዝበለሉ ደረጃ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኮታ ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት እቲ ካብ ቀደም እውን ናይ ቁልቁል ኣቕጣጫ ሒዙ ዝጸንሐ ጉዕዞ ህግዲፍ በቲ ዝሓዞ ኣንፈት ቅልጣፈ ወሲኹ ዝተነቑተላ ዓመት እያ ነይራ። ወዲቑ ምህላዉ ስለ ዝተገንዘበ ድማ’ዩ መድሕን ያኢ መሲልዎስ ንኣብይ ወራስ ዓራት ክኾኖ፡ ኣብይ እንተልዩ ኤርትራ ክትድሕን ከምእትኽእል ዝተተስፈወ።

ኣብዛ ንርከባ ዘለና ሓዳስ ዓመት እምበኣር፡ ንሕና ደንበ ለውጢ ብሓፈሻ ነቲ ሒዝናዮ ክነስና ኣብ ድማዕ ዘየብጻሕናዮ ጉዕዞ፡ ብሓድሽ መንፈስን ኣተሓሳስባን ንቕድሚት ምድፋእ ቀንዲ ስራሕና ክኸውን እዩ። ብፍላይ ከኣ ነቲ ንቕድሚት ክንጐዓዝ ወይ ኣብ ዘለናዮ ጠጠው ኢልና መፍቶ ህግዲፍ ክንከውን ዝውስን ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝያዳ ክንወፍረሉ ናብ ዝግበኣና ዓመት ንኣቱ ከም ዘለና ብጽሞና ንረዳእ። ነቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብል ረዚን ምስላ ነስተውዕሎ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮና እንተተመሊስና ነዊሕ ግዜ ኣባኺንና ብዙሕ ዕድላት እውን ሓሊፉና እዩ። ሎሚ ግና በቲ ባኺኑ ዝሓለፈ ግዜን ዕድላትን ጣዕሳና እንጽብጽበሉ ዘይኮነ፡ ንዓኡ ከይንደግሞ ኢና ክንጥንቀቕ ዝግበኣና። እንተ ህግዲፍ ደጊም ንቁልቁል ናይ ምንቋት እምበር ናብ ላዕሊ ናይ ምብራኽ ዕድሉ ኮነ ተስፋኡ ተዓጽዩ እዩ። ኣብዚ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኮይና እምበኣር፡ ነቲ ህግዲፍ ክደክም እንከሎ ሓቢርካ ናይ ምድካም ዘይንቡር ኣካይዳና ቀይርና፡ ህግዲፍ እንዳደኸመ ክኸይድ እንከሎ፡ ንሕና ብኣንጻሩ እንሕይለሉ ሓድሽ ምዕራፍ ከነውሕስ ንበገስ።

Last modified on Sunday, 29 December 2019 23:54