ታሪኽ ይድገምዶ ኣይድገምን ኣብ ኢድና’ዩ

2020-01-04 10:14:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2883 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“From the point of view of justice, the opinion of the Eritrean people must receive consideration. Nevertheless, the strategic interest of the US in the red sea basin and consideration of security and world peace make it necessary, that this country has to be linked with our ally Ethiopia. /ብመንጽር ፍትሒ፡  ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ መተገበአ። እንተኾነ ኣብ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ እስትራተጅያዊ ረብሓ ኣሜሪካን ናይቲ ከባቢ ድሕነትን ናይ ዓለም ሰላም ኣገዳስነትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ መሓዛ ኣሜሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ክትቁረን ኣለዋ።/” (ሽዑ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምበሳድር ኣሜሪካ ዝነበረ፡ ጆን ፎስተር ዳሉስ ብ1952 ካብ ዝበሎ።)

@@@@@@@@@@

“1) ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸየደ 19 ሺሕ መንእሰያት ዝተሰውእሉ ዳሕረዋይ ውግእ ኣይከሰርናን፡ 2) ነቲ ልዕሊ 60 ሺሕ ዝተሰውእሉ፡ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት፡ ሰለስተ ወለዶታት ኣባኺንና፡ 3) ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ`ዩ ዝብል ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጥ`ዩ” (ኢሳይያስ ኣብ መገሽኡ ናብ ኢትዮጵያ ዝበሎ)

ከምቲ “ትውሕጦ እንተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓድሽ ዕርክነት ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ብዙሓት ኣገረምትን ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉን ቃላት ክድርቢ ጸኒሑ እዩ። መብዛሕትና ኤርትራውያን’ኳ እዚ ረብሓ ህዝቢ ዘይረብሓኡ ዲክታቶር፡ ከምኡ ክብል ካብ ግምትና ወጻኢ እንተዘይነበረ፡ ውሑዳት “ደገፍቱ ኢና” በሃልቲ ውልቃውነት ዝዓንደረሎም ግና፡ ነቲ ቅድም ኣብ ፈቐዶ መድረኻት፡ ኮነ ኢሉ ዝበሎ ክነሱ፡ ከም ምላቕ ቆጺሮም “ድሕሪ ሕጅስ ኣይክደገሞን ግዲ ይኸውን” ዝብል ግምት ነይርዎም። ንሱ እቲ ጽሉልን ዘራግን ሰብኣይ ግና፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ ናይ ብሄር ኦሮሞ ባህላዊ ክዳን ምስ ለበሰ፡ ከም ኣመሉ ብዘይርጉእ መንፈስ፡ ነቲ ህዝብና ተቓሊሱ ክንዲ ነጻነትን ልኡላውነትን ዝኣክል፡ ክቡር ኣኽሊል ዝደፈኣሉ መዋእል “ሰለስተ ወለዶታት ኣባኺንና” ብዝብል ልቢ ናይቶም ንነጻነት ኤርትራ ተሳዒሮም እምበር፡ ፈትዮም ዘይተቐበልዎ ኢትዮጵያዊ ወናገት ብዘረስርስ ላዛ ክገልጾ እንከሎ ሰሚዕናዮ። እዚ ምስቲ ኣብቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይከሰርናን ምባሉ ደሚርካ ክምዘን እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ይርሕቕ ምህላዉ ምግማት ኣየጸግምን፡

ወዮ በቲ ገለ ኤርትራውያን ምዃኖም ዘጠራጥሩ ወገናት፡ ነቲ ናይ 30 ዓመታት ህዝባዊ  ቃልስና፡ ተራ  ሽፍትነት፡ ናይቶም ናይቲ መስርሕ ስዉኣት ከኣ ተራ ምዉታት’ዮም፡ ብምባሎም ቆሲሉ ዘሎ፡ ናይቲ ደቁ ዝገበረ ህዝቢ ኤርትራ ልቢ፡ እዚ ዲክታተር መሊሱ ጐዲኡ ኣድምይዎ እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ “ካብ ዓበቕካስ ተቖናደፍ” ዝበሃል፡ መሊሱ ነቲ ናይ ጥልመት መንገዱ’ዩ ዘጋድዶ ዘሎ። ወዮም “ኮንደኾን ናብ ልቡ ይምለስ” ዝብል ተስፋ ዝነበሮም ተደናገጽቱ፡ ደጊም  ካብዚ ዲክታቶር ተስፋ ቆሪጾም ኣብ መስርዕ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ክጸንዑ ዝጽውዕ’ውን እዩ።

“ኤርትራዊ ልኡላውነት ብቃልሲ ህዝቢ ዝተረጋገጸ፡ በዕጽምቲ ስዉኣት ዝተነደቀን ብደሞም ዝተለሰነን ነባሪ መዘክርን ታሪኽን ስለ ዝኾነ፡ ብድሕሪ ሕጂ ብዘይ ድሌትን ፈቓድን ህዝቢ ብኢደወነናዊ ወስታ፡ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ፡ ዝብል መደምደምታ ኩልና ኤርትራውያን እንሰማመዓሉ እዩ። እንተኾነ ዝሓለፈ ተመኩሮናን ሎሚ ንርእዮ ዘለና ዘይጥዑይ ምልክታትን በቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መደምደምታ ጥራይ ተኣማሚንና ኣብ እነራጥጠሉ ኩነታት ከም ዘየለና ክንርዳእ ከድልየና እዩ። ታሪኽና ከም ዝሕብረና፡ ኣብ ሓደ መድረኽ፡ ጉዳይና ንድሌት፡ ምርጫን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ጓስዩ፡ ናይ ሓያላት ከባብያዊ ረብሓ ኣቐዲሙ ስለ ዝተቓነየ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቕና ንሕና ኤርትራውያን ንዝክሮ ኢና። እዚ ተመኩሮዚ ሎሚ እውን ነቒሕናን ተወዲብናን እንተዘይዓቂብናዮ ዘይድገመሉ ምኽንያት የብሉን። ናይ ኢሳያስ  ኣፈወርቂ ወልደፍደፍን ናይ ግዳም ኣዕንገልቱ  ውጥም ቅልቅልን ከኣ ከነቕልበሉ ዝግበኣና መጠንቀቕታ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ኩሉ’ቲ ዘራጊቶ ኢሳያስ ዝገብሮ ተዋሰኦታት መዳህለሊ ኮይኑ፡ ሓቀኛ ዕላማኡ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ጥራይ እዩ። ናይ መራሒ ሱዳን ዝነበረ፡ ዑመር ኣልበሽር ዕድል ከመይ ከም ዝኾነ እንዳረአየ፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቀሉ ኣፍደገ ክኸፍት ባህርያዊ ኣይኮነን። ኢሳያስ ነዚ ዓይኑ ዘይሓስየሉ፡ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ሕልሙ ብጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ህዝቢ ኤርትራ ክረኽቦ ዝነበሮ ዕድል ከም ዝሃደሞ ይፈልጥ እዩ። ምኽንያቱ ግብሩ ስለ ዝፈልጥ። ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ብዘይካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ካልእ መተካእታ ካብ ዘይሃለዎ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ነዚ ህጣራ ድሌቱ ብፈቓድ ህዝቢ ኤርትራ ከውሕሶ ዘይክእል ምዃኑ ካብ ተረድአ፡ ካልእ ነዚ ጻምኡ ኣብ ምርዋይ ዝሕግዞ ሓይሊ ዳምዳም ክብል ባህርያዊ እዩ።

ኢሳያስ ኩሉ መደርኡ፡ መገሻኡን ስምምዓቱን ናብዚ ዘቕነዐ እዩ። እቶም ነዚ ጥሙሑ ኣብ ምውሓስ ዝሕግዝዎ ወገናት ንጽድቂ ዝሰርሑን ዘስንቑን ዘይኮኑስ፡ ኣብቲ ብዋጋ ልኡላውነትና ከረጋግጽዎ ዝብህጉ ከባብያዊ ረብሓ ይሕግዝ እዩ ኢሎም ስለ ዝኣመንሉ እዩ። እቲ ኢሳያስ ኣብ ፈቐዶ መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ድዩ ካለኦት ሃገራት ከይዱ፡ ዘስምዖ ዘይርጡብ መደረታት እምበኣር፡  ክልተ ብልሒ ዘለዎ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ንህዝቢ ኤርትራ ይጠልሞ ከም ዘሎ ክመላኽት እንከሎ፡ በቲ ካልእ ገጽ ከኣ፡ ነቶም ዞባዊ ረብሓና ኤርትራዊ ልኡላውነት ብምኽላስ እዩ ዝረጋገጽ ዝብሉ ወገናት ከኣ ተኣማንነቱ እዩ ዝገልጸሎም ዘሎ።

እቶም ኢሳያስ ከምቲ ዝለኣኽዎ ዝኾነሎም ዘሎ ናይ ግዳም ወገናት፡ ክንእድዎ፡ ከቀባጥርሉን ኣዋርቕ ክሽልምዎን እዮም። ምናልባት እውን ካልእ ዘይበልዖ ናይ ሕልሚ እንጀራ ይሓልምሉ ይኾኑ። ንሕናኸ? ንሕና ከኣ “በቲ ካልእና ደኣ ንግበር እምበር፡ ኤርትራዊ ልኡላውነትናስ ኣይክኹለፍን’ዩ” ብዝብል ዕግበት ከየራጠጥናን ከየስተርሓናን፡ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ውዲት ትኩራት ኮይና ክንቋመቶ ይግበኣና። እዚ ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ፡ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ስለ ዝኾነ፡ በቲ መጻኢት ኤርትራ ከመይ ትመራሕ ዝብል ዘለና ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ከይተሻበብና፡ ብሓደ ቃልን ስሙር ቅልጽምን ክንቃለሶ ይግበኣና። ኣብዚ ደጋፍን ተቓዋምን ስርዓት ዝበሃል የለን። ምኽንያቱ እቲ ኣጀንዳ ልዕልቲ ኣብ ህልውቲ ኤርትራ ዝንጸባረቕ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዝስራዕ ስለ ዝኾነ። ግደና ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነት መሰረታዊ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ታሪኽ ይደገምዶ ኣይድገምን ኣብ ኢድና’ዩ” ንብል ዘለና።

Last modified on Saturday, 04 January 2020 11:20