ሓደ ኢልካ’ዩ ክልተ ዝበሃልን ዝቕጽልን

2019-12-21 09:26:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2147 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሰዲህኤ፡ ኣብ መንጐ ውድባት ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ዘይምቅዳው ከጋጥም እንከሎ፡ ነቲ ፍልልይ ብዘተ ምፍታሕን ምምሕዳሩን ብኡ ኣቢልካ ድማ ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተመስረተ ጥዑይ ዝምድና ብምምስራት፡ ጸጋታትና ኣብ ምልዕዓልን ምውዳብን ህዝቢ ክቐንዕ ዝከኣል ጻዕርታት ክገብር እዩ፤” (ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

ከም ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ካብ እንብህጎምን እናበሃግናዮም ዘይከኣልናዮምን ሓደ፡ ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ረጊጽና ዘሰማመዓናን ዝፈላልየናን ኣለሊና ኣንጻር ህግዲፍ ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና እዩ። እዚ ወርትግ ከሻቕለና ዝጸንሐን ዘሎን ሕጽረትና እዩ። እንተኾነ ናይ ሓቢርካ ክትሰርሕ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ዕዙዝነት ዘይስገር ስለ ዝኾነን ካልእ መተካእታ ሰለ ዘይብልናን ኣብዚ ዛዕባዚ ተስፋ ከይቆረጽና ንጽዕት ምህላውና ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ነቲ ብደገፍቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ኣማሓዳርን ጋዜጠኛን ተለቪዥን ኣሰና ኣቶ ኣማንኤል ኢያሱ ዘጋጠም ናይ መጥቃዕቲ ሃቐነ ንምቅዋም፡ ነቲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካለኦት ዜጋታትን ዝወስዶ ዘሎ ግህሰት ሰብኣውነት ንምውጋዝ፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ካብ ባህልናን ልማድናን ወጻኢ ዝኾነ ጨካን ምቅትታል ዓገብ ንምባብ በብኹርናዑ ዝተራእየ ብሓባር ድምጽኻ ናይ ምስምዕ ተበግሶ ከምቲ “ሓደ ኢልካ ክልተ ዝበሃልን ዝቕጽልን” ንዓበይቲ ሓባራዊ ስረሓት ኣፍደገ ዝኸፍትን ምትእምማን ዝፈጥርን ስለ ዝኾነ ክተባባዕ ዝግበኦ እዩ።

ሓደ ካብቲ ናይ ሓባር ተበግሶታት፡  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሓፍ)፡  ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓዲለ)፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር  (ኤሃግ)፡ ዝርከብዎ  እዩ።  እተን ኣንጻር ኣካያዲ ተለቪዥ ኣሰና ንዝተፈጸመ ዓመጽ ዝኹንን ሓባራዊ መግለጺ ዘውጸኣ፡ ባይቶታት ይኣክል፡ ካናዳ፡ ሕመኣ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ደንማርክን እውን ንተበግሶአን ኣብ ህዝባዊ ሓባራዊ ዕማም ኣገዳሲ መንጸፍ ጌርና ኢና እንወስዶ። ቅድም ቀዳድም እዚ ተበግሶታት እዚ ህግዲፍ ነንዘሳወሮ ሓዊ ንምጥፋእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ፡ ዜናዊ፡ ዲብሎማስያውን ካልኦት ሰክተራትን ናይ ሓባር ተበግሶ ንምውሳድ እውን ክቕጽል ይግበኦ። ምኽንያቱ እዚ ብሓባር ምስራሕ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ሰማዒ እዚ ከም ዝረክብን ናይ ህዝብና ተስፋ ዘለምልምን ምዃኑ ዘመልክትን ንዝዓበየ ሓባራዊ ዕማም ባይታ ዘንጽፍን ስለ ዝኾነ። ካብዚ ሓሊፉ ናይዞም ዝጠቐስናዮም ሓሙሽተ ጽላላት፡  ሰልፍታትን ውድባት ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ናይ ምስፍሑ ጻዕሪ እውን ክቕጽል ይግበኦ።

ብመሰረቱ ኣብ ቃልሲ ብሓባር ምስራሕ ኣድላይነቱ መሰረታዊ እዩ። ከምቲ እንደልዮ ደኣ ኣይተዓወተን እምበር ብሓባር ክትሰርሕ ናይ ምጽዓር ተመኩሮና ነዊሕ ዝዕድሚኡ ምዃኑ ነዚ እዩ ዘመልክት። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብኽልተ መሰረታዊ ምኽንያታት ኣድላይነት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ኣዝዩ ዝዓዘሉ መድረኽ ኢና እንርከብ። በቲ ሓደ ወገን ብጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ በደልን ጭቆናን ኣብቲ ኣዝዩ ዝኸፈአ ጫፉ ዝበጸሓሉ ግዜ ስለ ዝኾነ ኣገዳስነት ሓቢርካ ህዝብኻን ሃገርካን ምድሓን ብኽንድኡ ደረጃ ክብርኽ ናይ ግድን እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ኩሉቲ ካብ ህዝብና ሓቢእዎ ዝኸይድ ዝነበረ መንነቱ ተቓሊዑ መታለሊ ሓሩጩ ኣብ ዝወደኣሉ ግዜ ይርከብ ስለ ዘሎ፡ ሓቢርካ ናይ ምቅባጹ ኣገዳስነት ዝያዳ ኩሉ ግዜ ናይ ቀዳምነትና ቀዳምነት ኮይኑ ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ ኢና ዘለና።

ጉጅለ ህግዲፍ ክሳብ ክንደይ ዕርቃኑ ወጺኡ ከምዘሎ’ኳ ብሩህ እንተኾነ፡ ኣግሂዱ ኣላሽ ኣብ ክንዲ ምባል የድሕነኒ’ዩ ዝብሎ ኣእማን ካብ ምፍንቃልን ውዲት ካብ ምእላምን ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሱዳንን እስራኤልን ዘጋጠሙ’ሞ ብሓባር  ዝኾነናዮም ጸይቅታት ኢድ ኣለዎ። እንተኾነ ነዚ ኮነ ኢሉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከርዕድ ዝመሃዞ ፋይዳ ኣይረኸበሉን። እቲ ዝኣረገ ናይ ሓሶት መዛግብቲ እንዳገንጸለ፡ መርበባት ጸጥታ ኣሜሪካን እስራኤልን ካብ ስልጣን  ክዓልዋኒ መደብ ነይርወን፡ ኳታር ተቓወምተይ ትድግፍ ኣላ …… ወዘተ ክብሎ ዝቐነየ ከኣ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝ ዝመሃዞ እዩ። እዚ እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዝተወሃቦ ኣይኮነን። እንተኾነ ናይ  ምንባርን ዘይምንባር ስለ ዝኾነ፡  ህግዲፍ ክሳብ ሕልፈቱ ካብዚ መንገድዚ ኣይክወጽእን እዩ።

ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ምስራሕ ኣብ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዕማም ኣይኮነ። ነዚ ኣምር እዚ ኩሉቲ ሎሚ ብጉጅለ ህግዲፍ ዝግፋዕ ዘሎን ናይዚ ጉጅለ ሕልፈት ዝብህግን ክኽተሎ ዝግባእ  እዩ። ብፋላይ ከኣ ከምቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ሓደ ኣባል ሰዲህኤ፥ “ግደ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣብ ለውጢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእቲ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፉ ዝበሎ፡ ኣብ ዓድን ኣብ ወጻእን ዝነብር ኤርትራዊ ክናበብን በብጽሒቱ ከልዕልን ይግበኦ። ዝተወደበን ዘይተወደበ እውን ከምኡ። እንተላይ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዘሎን ኣብ ሲቪላዊ ማሕበራት ዘሎን። ከምቲ እቲ ወጽዓ ንኹልና ኤርትራውያን ዘረኻክበልናን ዘቐንዝወናን ዘሎ፡ ድሕሪ ህግዲፍ ዝመጽእ ራህዋ ከኣ ንኹልና እዩ። ንኹልና ክርህወና ግና ኩልና ከከምቲ ኩነታትናን ከባቢና ዘፍቅደልና እንዳተናበብናን እንዳ ተመላላእናን ከነብርክት ናይ ግድን እዩ። ኢደ-እግርኻ ኣጣሚርካን ነብስኻ ካብቲ መስርሕ ኣርሒቕካን ብኣበርክቶ ካልኦት ለውጢ ምጽባይ ግና ውጽኢት ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ህግዲፍ ዕድመ መግዛእቱ ንከናውሕ ክንኮነሉ ከም ዝብህጎ ምዃን እዩ።

ስለዚ እቲ ተውዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ኣካላት በበይንኻ ምውፋር ገዲፉ፡ ብሓባር ምስራሕ ክቕጽል ናይ ግድን እዩ። ብሓባር ምስራሕ ጸጸግዕኻ ሒዝካ ብዝወጽእ መግለጽታትን ኣዋጃትን ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ብሓባር ምስራሕ ካብ ሕዱር ቂም ወጺእካ፡ ምትእምማን ኣጥሪኻን ኣብ ክንዲ ብናይ ርሑቕ ሕሳብ ምርሕሓቕ ኣብ ህልዊ ዝድህሰስ ዘሰማምዓካ ዛዕባ ኣትኪልካ ብምስራሕ እዩ ዝረጋገጽ። ሓቂ እዩ ብሓባር ምስራሕ ማዕረቲ ኣገዳስነቱ ጻዕርን ኣበርክቶን ዝሓትት እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝሓቶ ዋጋ ግና፡ ዝከኣል ስለ ዝኾነ ክንክእሎ ክንበቅዕ ይግበኣና። በበይንኻ ምውፋር ከምዘየዕውት ተመኩሮና ኣርእዩና እዩ። በቲ ዘየዕወተካ መንገዲ ምቕጻል ከኣ ናይ ሕመቕ መግለጺ እዩ። ከምቲ ብርሃን እንተብሂግካ ብጸልማት ምሕላፍ ግድን ዝኸውን፡ ናብቲ ናይ ዓወትና ምስጥር ዝኾነ ሓቢርካ ምስራሕ ንምብጻሕ ከኣ ብድሆታት ክንሰግር ቅሩባት ክንከውን ግድን’ዩ።

Last modified on Saturday, 21 December 2019 10:29