EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ 4ተ ዓመት ሓደ ግዜ ጉባአ የካይድ። ኣብዚ ጉባአኡ ከከምቲ ጉባአ ዝካየደሉ ግዜ ብዙሓት ዓበይቲ እዋናዊ ኤርትራውን ከባብያውን ዛዕባታት ይለዓሉ፡ ይዝተየሎምን ውሳነታት ይወሃቦምን። ብዝያዳ ከኣ እቲ ሰልፊ ኣብ መንጎ ክልተ ጉባአታት ከዕውቶ ዝቃለሰሉን ዝልለየሉን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ኣካላቱ ዝምርሕሉ ቅዋምን የጽድቕ። ካብዚ ሓሊፉ ሓጋጊ ኣካል ማእከላይ ባይቶ ይመርጽ። እዚ ባይቶ ከኣ ኣብ ስሩዕ ኣኼባኡ መደባት ዘተግብር ፈጻሚ ሽማግል ይመርጽ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ስሩዕ ኣኼባ የካይድ። ኣብዚ ኣኼባኡ ናይቲ  መደባት ሰልፊ  ከፈጽምን መዓልታዊ ህይወት ሰልፊ ክከታተልን ሓላፍነት ወሲዱ ክመርሕ ዝጸንሐ ትካል ፈጻሚ ሽማግለ ዓመታዊ ጸብጻብ ተቐቢሉ ይመዝንን የጽድቕን። ኣብ መጻኢ ዓመት ክዕመሙ ናይ ዝግበኦም ስረሓት ኣቕጣጫን ፖሊሲን ከኣ ይስእል። እዚ እቲ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኮይኑ፡ እዚ ሓጋጊ ኣካል ሰልፊ ከከም ኣድላይነቱ ፍሉያት ኣኼባታት እውን የካይድ እዩ። እቲ ኣብዚ ነፍሲ ወከፍ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝምረጽ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ወርሒ ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ። ከከም ኣድላይነቱ ፍሉይ ኣኼባታት እንዳካየደ  ክሳብ ስሩዕ ኣኼባኡ ክጸንሑ ዘይክእሉ ህጹጻት ጉዳያት ይርእን ይመዝንን። ትካላዊ ኣሰራርሓ ሓደ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብታ ብህግዲፍ እትምራሕ ኤርትራ በዂሩ ዘሎን ናይቲ ጸገማት ቀንዲ ጠንቂ ምዃኑን ኩልና እንርደኦ እዩ።

ብመሰረዚ ትካላዊ ኣሰራርሓን ባህልን ሰዲህኤ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ብ15-16 ነሓሰ 2020 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ኣብ ዝሓለፈ ዓምት ዝተዓሙ ስረሓት መዚኑ፡ ኣብ መጻኢ ዓመት ክዕመሙ ዝግበኦም መደባት ኣመልኪቱ ከኣ፡ ንዝርዝራዊ ኣተገባብራኦም ነቲ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባ ዝተመርጸ ፈጻሚ ሽማግለ ሓላፍነት ሂቡ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ነቶም ብዝተፈላለዩ ትካላት ሰልፊ ዝተዓሙ ኣውንታዊ ሰረሓት ንኢዱ፡ ምትዕርራይ ዘድልዮም ኣሚቱ፡ ኣብ መጻኢ ካብኡ ዝያዳ ክስራሕ ዘኽእል መደባት ሰሪዑ። እዚ መድረኽዚ ሓጋግን ፈጻምን ትካላት ሰልፊ ዝተሓሳሰብሉን ድላይነት ተሓታትነት ዝረኣየሉን እዩ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ናብ ዝሓሸ ለውጢ ይብርኽ ከም ዘሎ ተረዲኡ። ንኹሎም ሓቢርካ ዘቃልስ ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ቅሩብነት ዘርኣዩ ወገናት ኣመጒሱ። ሰዲህኤ ጉጅለ ህግዲፍ ንምስዓርን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ሓቢርካ ምቅላስ መተካእታ ከምዘየብሉ ብምርዳእ በብደረጃኡ ማለት፡ ካብ ኣብቲ ዘረዳድኣካ ሓቢርካ ምስራሕ ክሳብ ፍጹም ሓድነት ዘለዉ መማረጽታት ንምትግባር ቅሩብ ብምዃን ክስረሓሉ ከም ዝጸንሐ ተገንዚቡ።  ኣብ መጻኢ እውን ነዚ መሰረታዊ ዕማም  ብምሉእ ዓቕሙ ከም ዝደፍኣሉ ቅሩብነቱ ኣሕዲሱ።

ብጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝሓዘ በደል ዝያዳ ይገድድ ከም ዘሎ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል፡ ተላጋቢ ቫይረስ ኮቪድ-19 ተወሲኽዎ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ናይ ጥምየት ሓደገኛ  ኩነታት ከም ዘሎ ተረዲኡ። ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ቃልሲ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ክሕይል ኣብ ዝድለየሉ ዘሎ እዋንን፡ ንጉጅለ ህግዲፍ ምድጋፍ ከም ነውሪ ክውሰድ ኣብ ዝግበኦ ግዜን እቲ ጉጅለ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናብ  ጸድፊ እንዳተጓዕዘ፡ “ኣጆኻ” ዝብልዎን ዘይግበኦ ሚዛን ሂቦም ዝንእድዎን ኤርትራዋያን ኮኑ ዘይኤርትራውያን ወገናት ናብ ልቦም ክምለሱ ኣትሪሩ ኣተሓሳሲቡ።

ኩሉ ከም ዝርደኦ ኣብዚ እዋንዚ ገበናት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ሕገመንግስታዊ፡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ምምሕዳርን ትካላዊ ምትሕስሳብን ብምንፋግ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ካብዚ ብዝገደደ ህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝለዓለ በደልዩ ዝፍጽም ዘሎ። ኣኼባ ባይቶ ነዚ ገበንን ጥልመትን ኮኒኑ፡ ንመጻኢ እውን እቲ ጉጅለ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ስለ ዘይምለስ፡ እቲ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ነዚ ሓደጋ ቀዳምነት ሰሪዑ ብሓባር ንክቃለሶ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ። ካብ ብዙሓት ጠንቅታት ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዘየብሉ፡ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ምውዳቑን ኢደ-ወነናዊ ኣካይዳ ምስዕራሩን እዩ።

ኣብ ርእሲዚ ከምቲ ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባ ዝወጸ “መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ” ዝተመልከተ፡ ባይቶ ዝመዘኖ ካልእ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢናን ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍን ዘይቅሱንን ምዕባለ፡ ሓድሽ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይን እዩ። እዚ ምዕባለ ሰፊሕ ዝርዝርን ብዙሓት ተዋሳእትን ዘለዎ እዩ። እቲ ቀንዲ ንኤርትራውያን ዘገድሰና፡ ዘሰክፈናን ብፍሉይ ቆላሕታ ክርእዮ ዝግበናን ከኣ ዲክታተር ኢሳያስ ብጉልባብ ምሕዳስ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ፡ ብልኡላውነትና ዘርእዮ ዘሎ ምዕልባጥ እዩ። ባይቶ ነዚ ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ፡ ሰዲህኤ ንውሳነታት ጉባአ ሰልፊ መሰረት ገይሩ ኣብዚ መዳይዚ ዝምረሓሉ ናይ ዝምድና ፖሊሲ ኣጽዲቑ። ከም ነጸብራቕ ናይዚ ፖሊሲኡ ከኣ፡ ብዓብይኡ ዲክታቶር ኢሳያስ በቲ ዋጋ ብዙሓት ሓርበኛታት ዝኾነ ልኡላውነትና ከይጣላዕን ንሱ ብዝኸፈቶ ናይ ጥፍኣት ኣፍደገ ኣትዮም፡ ኤርትራዊ ልኡላውነትና ንድሕሪት ንምምላስ ዝደናደኑ ወገናት ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ብሕቲ ንብረት ከምዘይኮነት ተረዲኦም ኢደ-እግሮም ክእክቡ ኣተሓሳሲቡ። ብኣንጻሩ ኤርትራዊ ልኣላውነቱ ኣብ ዝተዓቀበሉ፡ ኣብ ሰላም፡ ናይ ሓባር ረብሓን ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝተሰረተ ፍትሓዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንክፍጠር ንዝሰርሑ ፍትሓውያን  ወገናት ኣተባቢዑን ንኢዱን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግዲፍ ቀዳምነቱ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይኮነ፡ ብተደጋጋሚ ነጊሩና እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ብግብሪ በቲ ጉጅለ ዝረአ ዘሎ እውን ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። እቲ ጉጅለ ከምዚ ዓይነት ምርጫ ምውሳዱ፡ ንጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ተገዲስካ መፍትሒ ምርካብ ስለዘይክእል ድዩ ወይስ ስለዘይደልን ዘይሓልን?፡ ንዝብል ሕቶ ዝተፈላለዩ ኣካላት ነናቶም መልሲ ከም ዝህልዎም ርዱእ ኮይኑ፡ ብመሰረቱ ግና ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውህሉል ተመኩሮ፡ “ብኤርትራን ህዝባን ስለ ዘይግደስ እዩ” ኢልካ ምጥቕላል ዘጸግም ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ጉጅለ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ኣገዲስዎስ ናተይ ኢሉ ክምልስ ብዝህልዎ ውሱን ዓቕሚ እውን ስለ ዘይፍትን። ብኣንጻሩ ተመኩሮ ናይዚ ጉጅለ፡  ነቲ ብህዝቢ በብግዜኡ ዝቐርብ ዝርዝር ጸገማት መሊስካ ኣብ ምግዳድን ነቲ ህዝቢ  ካብ ሃገራዊ ጉዳዩ ኣብ ምግላሉን ምርሓቑን ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ።

እዚ ጉጅለ ብህዝቢ ኤርትራ ዘይምግዳሱ፡ ናይ ዓቕሚ ጉዳይ እንተዝኸውን፡ ኣብ ኤርትራ እዚ ዘይበሃል መልሲ ዝሰኣነ ሕቶታት ህዝቢ እንዳሃለወ፡ ኣፉ መሊኡ “ደጊም ብዛዕባ ኣርባዕተ፡ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብዛዕባቲ ልዕሊ 400 ሚልዮን ህዝቢ ከባቢና ኢና እንሓስብን እንግደስን ኣይመበለን። ስለዚ “ብጉዳይ 400 ሚልዮን ህዝቢ እየ ዝሓስብ” ዝብል ኣካል፡ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ዘይምግዳሱ ናይ ዓቕሚ ዘይኮነ ዘይምግዳስ ምዃኑ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ብንጹር ንምስፋሩ እቲ ጸገም ብጉዳይ ከባቢ ምግዳሱን ምሕሳቡን ዘይኮነ፡ ከምቲ “ቅድሚ ፈረስ ዓረብያ” ዝበሃል፡ ንጉዳይ ኤርትራ ከምዘይናትካ ጓሲኻ ቀዳምነትካ ናብ ዘይኮነ ጠለውጠለው ምባል እዩ። እንተ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ሃገራት ናይ ርሑቕን ቀረባን ምጽልላው ሰማይ ዝዓርገሉ እዋን፡ ንዝምድና ምስ ከባቢና ሃገራት ምግዳስ ብዝምልከት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እውን፡ ኣብቲ መደብ ዕዮኡ 10.2 ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፡” ብዝብል ኣነጺሩ ኣስፊርዎ ዘሎ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ግን ንህግዲፍን ሳዓብቱን መንቀሊኦም ኣይኮነን።

እንተኾነ ናይ ህግዲፍ ብኤርትራን ህዝባን ዘይምግዳስ፡ ዝለመዐት፡ ብሕጊ እትመሓደር፡ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትን ነጻነት  እምነት ህዝባን ዝተሓለወላ፡ መንእሰያታ ዓዶም ዝሃንጹላ…… ወዘተ ሃገር ክትከውን ብዘይምግዳሱ ጥራይ ከም ዘይግለጽ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ብዓብይኡ ንዘለዋ ጸገማት ዘይኮነ፡ ምስ ዘለዋ ጸገማት ንህልውነኣ ከም ሃገር እውን  ዝፈታተን መንግዲ ጥፍኣት ይሕዝ ስለ ዘሎ። ብቐረባ’ኳ ኣብ ጉዳይ ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ንህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዘየርብሕ ውልቃውን ዘይግሉጽን መርኣያ እዩ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ዘይብሱል ዝምድናኡ በይኑ ፈሊኻ ዝረአ ዘይኮነ፡ ምስቲ ንከም ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ዝኣመሰላ ካዝነአን ብዶላር ዘህጠራ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ፈቒዱለን ዘሎ ወተሃደራዊ መደበራት ደሚርካ ዝረአ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መሰልጠንታት ኤርትራ ከም ዝረኣዩ ብሰፊሑ ዝዝረብ ዘሎ እዩ። ናይ ኤርትራ ናይ ስለያ ኣባላት ኣብ ኢትዮጵያዊ ጉዳይ ይዓዩ ኣለዉ፡ ዝበሉ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያታት ሓበሬታ እውን ብዙሓት እዮም። ነዚ ሓበሬታታት ምስቲ ኢሳያስ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና እንሕውሰሉ እምበር፡ ስቕ ኢልና እንርእዮ ኣይኮነን” ዝበሎ ኣስተብሂልካ  ብደቂቕ ተኸታቲልካ እተጽነዕ እምበር “ እዚ ሓሶት እዩ” ኢልካ እትሓልፎ ኣይኮነን።  እነሆ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መደበር ክትከፍተለን መዲባተን ካብ ዘላ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ ሓንቲ ምዃና ብማዕከናት ዜና ይጥቀስ ኣሎ።

ወሃብ ቃል ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝበሎ፡ ብናይ ቀረብ (ሎጂስቲክስ) ማእከል ኣማኻንዩ፡ ነቲ ናይ ሩስያ ምኽፋት ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ሃገርና ክኽሕዶ ፈቲኑ። እዚ ምስ ተመኩሮ ናይቲ ድሕሪ ዕጻይምጻጻይ ደሓር እቲ ጉጅለ ዝተኣመነሉ ናይ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ኣጀማምራ ወተሃደራዊ መደበር  ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ዝመሳሰል እዩ። ካብዚ ጉጅለ ህግዲፍ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ደገደገ ምምዕዳው፡ እቲ ዲክታቶር ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይበጽሕ ነገራዊ ረብሓን ዝናን ከም ዝረኸበሉ ተዓዚብና ኣለነና። ብግብሪ ወርቂ መዳልያታት ክስለም፡ ሚልዮናት ዶላር ክቕበልን ከም “ናይ ሰላም መልእኽተኛ” ክምጐስን ተዓዚብና ኣለና።

ብዘይካዚ መራሒ ጉጅለ ህግዲፍ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዓዲ ሃሎ ተኾርምዩ፡ ከንጸላልዎ ዝጸንሐ፡ ተነጽሎን ናይ ህልውና ስግኣትን ወጺኡ መዛምድትን መጋይሽትን ክረክብ ዘኽኣሎ እዩ። ብኣንጻሩ እዚ ህግዲፍ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ተመሳጢሩ ዝኸፍቶ ዘሎ ወተሃደራዊ መደበራትን ዝፍሕሶ ዘሎ ተንኮላትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ቁጠባዊ ራህዋን ማሕበራዊ ቅሳነትን ዝረኽበሉ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ውዲታትን ዘይቅዱስ ምትእስሳራትን ንሓዋሩ ንኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ የመንን ሊብያን ዝረአ ዘሎ ጸላእቲ ዝዕድመላን ኣብ ቀረባ እውን ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥን ሓደጋ ዝሓቖፈ እዩ። ዶሮ’ኳ ሓያሎ  ኣተሓሕዛ ህግዲፍ ኣብ ጉዳዮም ባህ ዘይበሎም ኢትዮጵያውያን ወገናት ዲክታቶር ኢሳያስን ጉጅለኡን ካብ ጉዳዮም ኢዶም ከልዕሉ ስምዕታታት ከቕርቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ዒራ ደኣ ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍን “ከብድን ሕቖን” ኮይኖም ከም ዘለዉ ካብዞም ኢትዮጵያውያን ዝተሰወረ ኣይኮነን እምበር፡ እዚ ናይ “ካብ ጉዳይና ኢድኩም ኣልዕሉልና” ስምዕታ ኣብ ህግዲፍ ዝድረት ዘይኮነ ናብ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝመጣጠር እዩ። ካብዚ ብዘይተፈልየ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እውን፡ ህዝቢ ኤርትራ እንተኾነ ንህግዲፍ ከእድቦ፡ እንተዘየለ ከኣ ኣደዳ ናይቲ ንሱ ዝኣጉዶ ሓዊ ከይከውን ብቐጻሊ ይጽውዕ ኣሎ።

ስለዚ ንሕና ናይ ልኡላውነትና ቀጻልነትን ናይ ህዝብና ድሕነትን ዘገድሰና ኤርትራውያን፡ ምስቲ ካልእ ኣንጻር ህግዲፍ ንቃለሰሉ ዛዕባታት፡ “ሃገርና መዋፈሪትን መዋግኢትን ሓያላት” ከይትኸውን፡ ነዚ ንናይ ግዳም ሓይልታት መሬት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እንዳቆረሰ  ወተሃደራዊ መደበራት እንዳከፈተ ዝጣላዕ ዘሎ ኣዕናዊ ሓይሊ ኣምሪርና ክንቃለሶ እውናዊ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ትማሊ ንኹሉ ኣንጻሩ ዝእለም ዝነበረ  ናይ ርሑቕን ቀረባን ውዲታት ስዒሩ ሳላ ዝተቓለሰ ናጽነቱ ጨቢጡ እዩ። ምእንቲ ዓለም ኣጸቢቓ ክትኣምንን ኤርትራዊ ልኡላውነት ወግዒ ክለብስን ከኣ መስርሕ ረፈንደም ተኻይዱ፡ 99.83% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳዕዲዑ፡ “እወ ንናጽነት” ዝብል ሰማያዊ ካርዱ መዚዙ። እዚ መስርሕ ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ግዳም ይኹን ንናይ ውሽጢ ኣዕለበጥቲ፡ ኣብ ልኡላውነቱ ዝኾነይኹን ምጥርጣር ከምዘይብሉ ዘረጋገጸሉ ኣዝዩ ድሙቕ ማሕተሙ ዘንበረሉ  እዩ። ኣብቲ መድረኽ’ቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ደጊኡ ገዲፍካ “ውሽጡ እንታይ ይሓስብ ነይሩ?” ምስቲ ሎሚ ዘርእዮ ዘሎ ወለቕዘለቕ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብቲ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘካየድናዮ፡ ነዊሕን ኩርኳሕ ዘይተፈልዮን ጥምጥም ኣንጻር ሓይሊ መግዛእቲ፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን እውን ብዙሓት ዘቀሓሓሩና፡ እንተኾነ ንመስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጻ ኤርትራ ዘይዓገቱ፡ ኣጋጣምታት ከም ዝነበሩ ኣብ ሕልና ኩልና ዘሎ እዩ። ምቅሕሓር ጥራይ ኣይኮነን፡ ከምቲ ሓደ ለባም ኤርትራዊ ኣቦ “ኤርትራውያን ጸባ ሓንቲ ላንምን እቶት ሓደ ዓውድን ኢና” ዝበልዎ፡ ኣሕዋትን ሰብ ሓደ ዕላማን  ክንስና ተጓኒጽናን ክኽፈል ዘይነበሮ ዋጋ ከፊልናን ኢና። እዚ ናይ ሽዑ ጐንጽና ንገዛእትና እንተዘይኮይኑ፡ ነቶም ናይቲ ጐንጺ ተዋሳእቲ ዝነበርና ኣካላት ኮነ ንህዝብና  ፋይዳ ከምዘይነበሮ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህን ከይድገም መምሃሪ ክኸውን ዝግበኦን ምዃኑ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍና ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ናይተን ኣብ ሕድሕደን ዘይቃደዋ ዝነበራ፡ ውድባት ድሕረ-ባይታታት ዘለና ኤርትራውያን፡ ነቲ ናይ ሽዑ ምስሕሓብና ንታሪኽን ንተመራመርቲ ታሪኽን ገዲፍና፡ ኣብ ንቕድሚት ዘማዕዱ ሓባራዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ መስርሕ ክንስለፍ ምብቃዕና ዓብይ ስጉምቲ ንቕድሚት ኣብ ምሕጻር ዕድመ ጉጅለ ህግዲፍ እዩ። ነዚ ብሓባር ምስላፍና ኣስጢምና ሒዝና ከነማዕብሎን ነቲ ናይ ሓባር ሸቶና ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ  ከነብጽሖን ከኣ ዕዙዝ ሓላፍነት ኣለና። ኣብቲ ግቡእ ናይ ሓባር መስርዕ ምእታውና ቅኑዕ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብቐዳምነት ዝስራዕ ምውጋድ ህግዲፍ እንተዘየብጺሕናዮ ግና፡ ምጅማርና ንበይኑ ትርጉም የብሉን። ምጅማርን ኣብቲ ክትበጽሖ ዝግበኣካ ምብጻሕን እንተዘይተናቢቦም ተነጻጺሎም ዝህብዎ ውጽኢት ትርጉም የብሉን።

እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእን ሓድነት ህዝብና ናይ ምዕቃብን ሓላፍነት፡ ናይ ኩልና ለውጢ እንብህግን በቲ ዝረጋገጽ ለውጢ እንሕበንን ኤርትራውያን እምበር፡ ብናይ ውሱናት ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ማሕበራትን ጻዕሪ ጥራይ ዝዕወት እዩ ኢልካ ዝግደፍ ኣይኮነን። ናይዞም ኩሎም ሰብ ዋኒን ኣበርክቶ በበቲ ዝጥዕሞም ኣገባብ ዝብገስ’ኳ እንተኾነ፡ ናብ ሓደ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ ፈለግ ከም ዝውሕዝ ምግባሩ ግና ኣገዳሲ እዩ።  ኩሉ ብሰንኪ ጉጅለ ህግዲፍ ደም ዝነብዕ ዘሎ ኤርትራዊ፡ እንተላይቲ ብረት ዓጢቑ ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣካል ናይቶም ናይ ለውጢ ተዋሳእቲ ኤርትራውያን እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እቲ ደጋዊ ለቢስዎ ዘሎ ወተሃደራዊ ክዳንን ተዓጢቕዎ ዘሎ ኣጽዋርን እምበር፡ ውሽጣዊ ኣተሓሳስባኡስ ናይቲ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣካል ምዃኑ  ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ንጹር እዩ። ንሱ እውን ኣብ ምምሕዳር ህግዲፍ ዝያዳ ዝጭቆን ዘሎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለ ዝኾነ። ህግዲፍ እውን ርእዩ ከምዘይረኣዮ ክሓልፎ እንተዘይኮይኑ ኣተሓሳስባዚ ኣካልዚ ናበይ ገጹ ምዃኑ ዝስሕቶ ኣይመስለናን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ መቕድም’ቲ ኣብ ዕዉት 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ  ዘጽደቖ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ኩሎም  ዜጋታት ብዘይ ገለ ተጽዕኖን ደረትን ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገሮም ብምስታፍ፡ ብህዝባዊ ምርጫ ብሓላፍነት ዘገልግሉ ተሓታትነቶም ንህዝቢ ዝኾኑ  መንግስታውያን ኣካላት ከቑሙ መሰሎም ምዃኑ ይኣምን።” ኢልዎ ዘሎ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዝያዳ ዘዕዝዝ እዩ።

ከምቲ ግቡእ ብናይ ትማሊ ጌጋታት ተኣሲርና፡ ካብ ናይ ሎምን ጽባሕን ኣድማዒ ምንቅስቓሳትና ጅሆ ክንሕዝ ኣይግበናን። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና “ሰባት በቲ ሎምን ጽባሕን ክሰርሕዎ ዝግበኦም ጥራይ  ዘይኮነ፡ በቲ ትማሊ ክሰርሕዎ ዝግበኦም ዝነበረ’ሞ ዘይሰርሕዎ እውን ክሓስቡ ይግበኦም” ዝብል ሓሳብ ኣይንዝንግዖን ኢና። እዚ  ነቲ ናይ ትማሊ ሕጽረት ሓሊፉ ክነሱ፡ ናብ ሎሚ ኣምጺእና ክንቅይሮ ንኽእል ኢና ማለት ግን ኣይኮነን። ናይ ሎሚ ስራሕና ካብኡ ዝሓሸ ምእንቲ ክኸውን ነቲ ናይ ትማሊ ሕጽረትና ክንመሃረሉ ከም ዝግበኣና ግና ኣይንዘንግዕ። ትማሊ ዘካየድናዮ ዘየርብሓና ናይ ሕድሕድ ጐንጺ ኣሕሊፍና ኢና። ካብኡ ብዘይምምሃር፡ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት መድረኽ ቃልሲ’ውን ሰኣን ምክእኣልን ምጽውዋርን ብሓደ ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ዝነበረ ወርቃዊ ንህግዲፍ ናይ ምስዓር ግዜ ከም ዘባኸና ክንእመን ይግበኣና። ካብቲ ዝሓለፈና ዕድል  ክንመሃር ግና ሕጂ’ውን ቅኑዕ እዩ። ነቲ ካብቲ ዝሓለፈ ኣሉታ ክንመሃሮ  ዝግበኣና እንተ ኣጽኒዕናዮ ዳግማይ ጌጋ ኣይክንፍጽምን ኢና። ነዚ እንተዘይበቒዕና ግና በቲ ኣብ መጻኢ ክንትግብሮ ዝጽበየና ዕማም ዘይምትግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ክንመሃረሉ ዝግበና ብዘይምምሃርና’ውን ክንጣዓስ ኢና።

ሎሚ እነርእዮ ናይ ትግሃት፡ ሓልዮትን ምክእኣልን ብቕዓት ናይቲ ጽባሕ ዝጽበየና ዕማም ምዕዋት ኣመላኻቲ እዩ። ሎሚ ኣብ ዘይመድመድናዮ ባይታ ናይ ጽባሕ ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ክስረትን ክዕወትን ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ። ዕላማና ሎሚ ንህግዲፍን መላኺ ኣተሓሳስባኡን ኣወጊድና ጽባሕ ኣብ ክንድኡ፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታውን ህዝባውን ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ዘመልክቶ ከኣ፡ እቲ ናይ ጽባሕ ኣርሒቑ ዝጥምት ናይ ራህዋ ሸቶና፡ ብናይ ሎሚ ኣተሓሳስባናን ግብራዊ ስጉምትናን ኣዝዩ ዝጽሎ ምዃኑ እዩ። ሎሚ ካብ ሕዱር ቂም ወጺእና፡ ቀዳምነታትና ብንጹር ሰሪዕና፡ ሕድገትን ምክእኣልን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነት ዓጢቕና እንተዘይተሰሊፍና፡ ኣብ ዘይብሩህን ዘይምትእምማንን መጻኢ “ከምዚ ክንገብር ኢና” እንተበልና፡ ተቐባልነትና ኮነ ተዓዋትነትና ምሉእ ከም ዘይከውን ምግንዛብ የድልየና። ምስዚ ኣብ ዝዛመድ  ምሁራት  “እቲ ዘርብሕ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፍካዮ ንውሓት ግዜ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዘሕለፍካዮ ግዜ ዘመዝገብካዮ ቁምነግር እዩ” ንዝብልዎ ምርዳኡ ኣገዳሲ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ብቋንቋ ትግርኛ ቃለ መሓትት ኣካይዶም። ዕላማ ቃለ መሓትቶም ነቲ ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ በቲ ዝመልኮ ቋንቋ ካብ ምጽላዉ ሓሊፉ፡ ካልእ ከምዘይከውን ምግማት ይከኣል። እዚ ህዝቢ’ዚ ከኣ ኣብ ውሱን ከባብታት ኤርትራን ትግራይን ዘሎ እዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሰፍሐ ግዜኦም ንኩነታት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ መንጐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰልፎም ብልጽግናን ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድናን ኣብ ዝምልከት እዮም ኣሕሊፈምዎ። ነቲ ነዚ ብዝምልከት ዝሃብዎ መብርሂ ዝተኸታተሉ ወገናት ከከም ሚዛኖም ገሊኦም “ናይ ልቦም እዮም” ገሊኦም ከኣ “የለን ናይ ልቦም ዘይኮነስ መዳህለልን ንምክፍፋል ዝዓለመን እዩ” ይብልዎ ኣለዉ። ናትና ቆላሕታ ግና ዋላ ውሱን እንተኾነ ናብቲ  ንዝምድናኦም ምስ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከብርሁ ተሓቲቶም ዝበልዎ መስደመም ሚዛን ዘቋመት እዩ።

እዞም ቀዳማይ ሚኒስተር ነታ ባዕልና እንፈልጣን ብሰንኪ ዘላትሉ ዘሕዝን ኩነታት ደም እንነብዓላን ካብቲ ዘላቶ ደልሃመት ከነናግፋ ንቃለሰላን ዘለና ሃገርና ኤርትራን ሕድሪ ህዝብናን ሰማእታትናን ዝጠለመ ዲክታተርን ኣብ ዝምልከት ዝበልዎ “ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ምሉእ ዓለም ዝፈለጦን ዝኣመነሉን ጕዳይ ኢዩ። ዝመንፈሱ ሓሳብ ይርከቦ። እቲ “ዓለም ኣብ ኤርትራ ሰላም ከም ዘሎ እያ እትኣምን” ዝበልዎ፡ ብዛዕባታ ንሶምን ኢሳያስን ጥራይ ዝፈልጥዋ ናይ ሕልሚ ዓለም  ዝዛረቡ ዘለዉ እንተኮይኖም ንዓኣቶም ዝምልከት እዩ። እንተ እታ ሓቀኛ ዓለም ግና ክንድቲ እትብሎን እትኣምነሉን ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ምምሕዳር ህግዲፍ ኣድላይ ስጉምቲ ብዘይምውሳዳኳ ዘይንሕጐሰላ እንተኾና፡ ህግዲፍ ወጻዕን ጸረ ህዝብን ብዛዕባ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ድምጻ ኣስሚዓ እያ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ናይ ሰላም ሓይሊ እዩ ምባል ግና ብደዐ እዩ። ኣብ ሃገሩን ህዝቡን ሰላም ዘየስፈነ መራሒ  ከቶ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ንሰላም ክዓይ  ዘይሕሰብ እዩ። ክፍትን እንተተራእዩ ግን ንውዲት ጥራይ እዩ።

እዞም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብማዕዶ ዝፈልጥዋ ዘይኮኑ፡ ነቶም ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ተዓዚቦም መፍትሒ ከቕርቡ ንዝደልዩ ከም ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዞባውን ዓለም-ለኻዊ ዘይሻራዊ ትካላት ዝተዓጽወ ኣፍደገ ኤርትራ ተኸፊትሎም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና በጺሖም ዝተዓዘቡ እዮም።  ከምቲ ግቡእ ኣይኮነንዶ እዚ ዕድልዚ ረኺቦም፡ ኣብታ ዘመሓድርዋ ሃገር ኮይኖም እውን፡ ኩነታት ኤርትራ ካብቲ “ከምዚ እያ ትበሃል” ዝበልዎ፡ ብተጻራሪ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘላ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ከም ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናልን ሁማንራይት ዎችን ዝኣመሰላ ትካላት፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ፈቐዶ ስዉርን ግሁድን ኣብያተ-ማእሰርቲ ግዳይ ቫይረስ ኮቪድ-19 ከይኮኑ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ከም ዘለዋ ሓበሬታ ኣለዎም። ብዙሓት ወገናት ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ እሱራት ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ፡ ህግዲፍ እውን ከም ሓደ መንገዲ ኣብ ምምካት ኮሮናቫይረስ እሱራት ክፈትሕ ተማሕጺነምዎ ዕጭ ሓንፈፍኩ ከም ዝበለ ኣይስሕትዎን እዮም። ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስቲ ከም ዘየለ፡ ልዕልና ፍትሒ ከም ዘየለ፡ ኩሉ መሰል ዜጋታት ከም ዝገሃስ፡ ምኽንያቱ ብዘየገድስ ዝተኣስሩ ግዳያት ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀርቡ፡ ኮታ ብዛዕባ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክፋእን ወጽዓን ክሳብ ዓንቀሮም እንዳፈለጡ እዮም ንዲክታቶር ኢሳያስ ከመላኽዑ ክብሉ  ኤርትራ ትሓልፎ ዘላ ስቓይ ዝሽፍኑ  ዘለዉ።

ከምቲ ብዙሓት ዝብልዎ እዞም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ከተማ ኣስመራ ብመኪና ከኹድዱ እንከለዉ፡ ኣብቲ ጐደናታት  በይኖም ምዃኖም ርእዮምኳ፡ ምስክርነት መሃቡ። እቲ ውቁብ ጐደናታት ኣስመራ ተበናቒሩ፡ ማይ ጃሕጃሕ ነጺፉ፡ እቲ ስሓቢ ዝነበረ ህንጻታታ ዋና ስኢኑ ይፈርስ ምህላዉ ተዓዚቦም ጥራይ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ከምዘላ ምመስከሩ። ኣብ ክንዲ ዘየለ ምምሃዝ፡ ሓቂ ምዝራብ ምስ ዓርኮም ከየባእሶም ፈሪሖም ስቕ እንተዝብሉ’ውን መምሓረሎም።

ናይ ሰላም ምህላውን ዘይምህላውን ብተኹሲ ምስማዕን ዘይምስማዕን ጥራይ ከምዘይግለጽ  ይጠፍኦም እዩ ምባል ዘጸግም እዩ። እንተኾነ ጸገሞም ነቲ ሓቂ ዘይምፍላጡ  ዘይኮነ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ  ዝድህሰስ ሓቂ ምርዓም ንዲክታተርን ኣተሓሳስባኡን ዘይግበኦ ሕብሪ ቀቢኦም ከጸባብቑ ከም ዝመረጹ ዘርኢ እዩ። ቀዳሞት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንሃገርና ኣብ ዝምልከት ሚዛኖም “ኤርትራ ተሃራፊ መሬታ እምበር፡ ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ይብሉ ከም ዝነበሩ ብሰፊሑ ዝዝንቶ እዩ። ዶ/ር ኣብይ ከኣ “ኤርትራ፡ ኢሳያሳን መሬታን እምበር፡ ህዝባ ኣየድልየንን እዩ” ናብ ዝብል ከማዕበልዎ ዝደልዩ እዮም ዝመስሉ። ከምኡ እንተዘይከውን ኣብዚ እዋንዚ ተጠሊዕም “ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ምሉእ ዓለም ዝፈለጦን ዝኣመነሉን ጕዳይ ኢዩ።ኣይመበሉን።  እዚ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ዘለዎም ኣሽካዕላል ሚዛን “እምበርዶ ኣብ ሃገሮምከ ንልዕልና ህዝቢ ኣቐዲሞም ዘመሓድሩ ዘለዉ እዮም” ዘየብሎም ኣይኮነን።

ብዘይካዚ ወዮ ደኣ “ሕማም ሕርሲ ተረሰዓይ” ከም ዝበሃል  ኮይከውን እምበር፡ ኢሳያስ ዘይነበሮ  ጠባይን ፖለቲካዊ ባህርን ሕጂ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ተሸሚቱ ክወሃቦ እንተዘይኮይኑ፡ ዓለም ንኢሳያስ ብጻሕታርነት ናይ ውግእን ጸረ ሰላም ተግባርን ከም እትፈልጦ መዝገብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከመይ ገይሮም ረሲዐሞ?  ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ደቂቕ ምጽራይ ንኢሳያስ ብምጽሕታር ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ሓላፍነት ስለ ዘሰከሞምዶ ኣይኮነትን ኤርትራ ንኢትዮጵያ ናይ ኲናት ክሳራ ክትክሕስ ዝበየነ። ነዚ ዘንጊዖም ይዛረቡ እንተልዮም ብህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ከሕትቶም ከም ዝኽእል ነተንብሃሎም። ምናልባሽ እውን “ብሰሪ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ተጻዒኑ ዝነበረ ዕዳ ምሒርና” ዝብል  ሓደ ካብቲ ዘይተነግረ ስምምዖም ክኸውን ይኽእል።

ምናልባት ናይቲ ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ካብ ንቡር ውጻኢ  “ደጊም ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ዝበሎም፡ ንሶም እውን ኢድ ነሲኦም “ደጊም ኣብ ወጻኢ ብስም ኤርትራ ክምድርን ክኽትምን እንከለኹ ከይገርመኩም ፡ ብወዲ ኣፎም ውክልና ተዋሂቡኒ እዩ” ዝበልዎ እሞ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብግብሪ ዘርእይዎ፡ ሞሳ ንምምላስ ደኾን ይኸውን ዝብሉ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። እዚ ትዕዝብቲ ብዙሓት፡ ነቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘርእይዎ ዘለዉ ንዕቀትን ድፍረትን ኣብ ግምት ዘየእቱ ኣበሃህላ ኣይኮነን።

ከምቲ “ንስኻ እንተዘይትደፍኣኒ መንዶ መጽደፈኒ” ዝበሃል፡ ነዚ ኩሉ ውርደትን ንዕቀትን ኣሕሊፉ ዝህበና ዘሎ፡ ዲክታቶር ኢሳያስ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ መፍትሒኡ ከኣ ንዓኡን ኣተሓሳስባኡን ምውጋድ እዩ።  እዞም ንኢሳያስ ከሕጉሱን ንኣተሓሳስባኡ ከስርጹን ኣብ ዘይጉዳዮም ኣትዮም ግጉይ ምስክርነት ዝሃቡ መራሒ እውን ብውሕዱ “ዓገብ፡ እዚ ብደዐኹም ማስጣ ኣለዎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይትዝረይዎ፡ ህግዲፍ ተወጊዱ መሬት ምስ ወገሐ ከየጣዕሰኩም፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ከምቲ ማይን ሕጻን መታርፍቲ ዝበሃል ነበርቲ እዮም” ክበሃሉ ግቡእ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ክጅመር እንከሎ፡ ሸቶኡ ምውሓስ ናጻ፡ ልኡላዊትን ራህዋ ዝዓሰላን ሃገር እዩ ነይሩ። ኣብዚ ውጥንን ትጽቢትን ኣብ ኤርትራውያን ፍልልይ ኣይነበረን። እቲ ሸቶ ሓደ ኮይኑ ኣብ ኣተገባብራኡ ግና መሰረታዊ ዘይኮነ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ነይሩ። እዚ ፍልልያት ከኣ ኣብቲ ተወዲቡ ዝቃለስ ዝነበረ ኣካላት ተንጸባሪቑ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣብ መስርሕ ዝተንጸባረቐ ፍልልያት፡ ነዚ ሎሚ’ውን ኣብ ቃልሲ ዘሎ ወለዶ ትምህርቲ ክኸውን ዝኽል ተመኩሮ ተራእዩ። እሞ ነቲ ተመኩሮ ክንመሃረሉዶ በቒዕና  ኣይበቓዕናን ብውልቂ ይኹን ብውዱብ ደረጃ ክንሓስበሉ ዝግበኣና እዩ።

እቲ ናይዚ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ቃልሲ ናብ ናጻ  ኤርትራ ወሳኒ ተዋሳኢ ዝነበረን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ቃልሲ እውን ቦታኡ ዘይለቐቐ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ “ክዕወት ድዩ ኣይዕወትን?” ኣዘራራብን ናይ ብዙሓት ሰብ ረብሓ ኣጀንዳን ዝነበረ ቃልስና ክኣቱ እንከሎ፡ ኣማዕድዩ ዝርእዮ ብሩህ ትጽቢት ነይርዎ እዩ። ካብቲ ትጽቢታቱ፡ እታ ብቃልሱ ዳግማይ እትውለድ ኤርትራ፡ ልዕልና ህዝቢ ብዘንጸባርቕ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት እትመሓደር፡ ናይ ግዜ ቃልሲ ኩለ-መዳያዊ ቁስሊ ህዝቢ ኤርትራ እተሕውን፡ ንብዓት ኣደታት ስዉእ እትሕብስን እትድብስን ክትከዉን ባህጉ ነይሩ። መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰል ኤርትራውያን እተኽብር፡ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዝሰፈናን ደቂ ሓርበኛታት ተማሂሮም ሕድሪ ኣቦታቶም ዘተግብሩላ ብሓርበኝነት ወለዶም ዝሕበኑላን ክትከውን እውን ኣብ ዝርዝር ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ነይሩን ኣሎን። ኤርትራውያን ብሰንኪ’ቲ ውግእ ምእንቲ ናጽነት ዝተኾልፈ ቁጠባ ሃገሮም ንምሕዋይ ዓቕሞምን ንብረቶምን ኣውፊሮም ብጸጋታት ሃገሮም ማዕረ ተጠቀምቲ ዝኾኑላ፡ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ጐረባብታ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ኢድ ዘይምትእትታውን እተሰረተ ሰላምን ልምዓትን ብዝማእከሉ ዲፕሎማስያዊ ቅዲ እትምራሕ ኤርትራ ምርኣይ ትጽቢት ህዝብና ነይሩ።

እቲ ድሕሪ ኤርትራ ብሳላ ደቃ ምብጃዎም ኣኽሊል ናጽነትን ልኡላውነትን ምድፍኣ ብግብሪ ዝተራእየ፡ ሕጂ ከኣ መመሊሱ ዝብእስ ዘሎ ኣካይዳ ጉጅለ ህግዲፍ ግና ምስቲ ብኸፊል ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ትጽቢታት ህዝቢ ኤርትራ ዝጻረር እዩ። ዘይሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ዝሳዕረረሉ፡ ውልቀ ዲክታቶር ልዕሊ ሕጊ ምዃኑ ከም ንቡር ዝተወሰደሉ፡ ሕድሪ  ስዉኣት ትርጉም ዝስኣነሉን ብመስዋእቲ ደቀን ዘይተደበሳ ኣደታት ንደቂ ስዉኣት ደቀን ኣብ መንገዲ ናብ ስደትን ኣብ ዓዲ ስደትን ብዘጋጥሞም ሓደጋታት ዳግማይ  ዝሓዝናሉ ኩነታት ካብ ዝህሉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ወዮ ኤርትራዊ ንክቃለሰ ቀንዲ ደፋኢ ዝነበረ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምግሃስ ሓሊፉ ኣብ ዝተረሰዓሉ፡ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ጐዲሉ ዘይኮነ ፈጺሙ ኣብ ዘየለወሉን መንእሰያት ኩሉ መዳያት ህይወት ጸልሚትዎም ሃጽ ኢሎም ሃገር ኣብ ዝለቅሉ ደረጃ ካብ ዝበጽሑ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት ትንፋስ ክሰኩዕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቁጠባ ኤርትራ ብሰንኪ ስስዐ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝደኸመሉ ዘይኮነ ትንፋሱ ኣብ ዝሓለፈሉ፡ ሰማእታቶም ብልምዓትን ቁጠባዊ ቀጻልነት ክኽሕሱ ተዓጢቖም ዝነበሩ ኣውፈርቲ ደቂ ሃገር ኣብ ሃገሮም ተስፋ ቆሪጾም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም እንዳማቶም ሃገራት ክሃንጹ ኣብ ዝተገደድሉን ኤርትራ ኣብ ዞባና ከም ጻሕታሪ ህውከት ኣብ እትጥቀሰሉን ኣንጻር ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኣካይዳ ህግዲፍ ኣብ ዝተሸኽለትሉ ኢና ንርከብ ዘለና።

ከምቲ “እተጽግበኒ ቅጫስ፡ ካብ መቑለኣ እፈልጣ” ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ህግዲፍ ናቱ ከምዘይኮነ ካብ ዝርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህግዲፍ’ውን ከምኡ ኣካይዳኡ ንባህጊ ህዝብና ከምዘየንጸባርቕ ስለ ዝፈልጥ ንህዝብና ካብ ልቡ ካብ ዘውጸኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ በብግዚኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክወርድ ዝጸንሐ ማእሰርትን ግህሰታትን ከኣ ናይዚ ኣብነትዩ።  ህዝቢ ኤርትራ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ነቲ ኣንጻር ትጽቢቱ ዝኸይድ ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ምውጋዱ ምዃኑ ተገንዚቡ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝግለጽ ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑ እዩ። እቲ ቃልሲ ሎሚ እውን እኳደኣ ብዝሓየለ መልክዑ ቀጻሊ ኣሎ። ንመጻኢ እውን ክሳብ ዓወት ህያው እዩ። ህልውና ኤርትራዊ ፖለቲካዊ፡ ሰልፋዊ ውድባዊ፡ ሲቭላውን ህዝባውን ተቓውሞታት ኣካል ናይዚ ለውጢ ንምምጻእ ኣንጻር ህግዲፍ ተሰሊፉ ዘሎ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይዚ በብኹርናዑ ዝቃላሕ ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ድምጺ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ምዕዋት ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ዘይተርፍ እዩ።

ህግዲፍ ነዚ ዘይተርፍ ህዝባዊ ዓወት ኣሜን ኢሉ ክቕበል ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ፡ ክሳብ መወዳእታ ዕርበቱ ነቲ ምዕልባጥ ክቕጽሎ እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ተረቲዑ ክነሱ  ኣይተረታዕኩን ንምባል እነሆ ሎሚ’ውን፡ ንኤርትራዊ ዛዕባ ረጥሪጡ ቀዳምነቱ ኣብ ዘይኮነ፡ ህዝብና ኣብ ዘይርበሓሉን ዋናታቱ ኣብ ዘለዉዎን  ኣጀንዳታት የላኽዕ ኣሎ። ህግዲፍ ኣብ ኤርትራዊ ሜዳ ክጨንቆ እንከሎ መዕገሲ ገይሩ ዝወስዶ፡ ጽልኢ ጻሕቲርካ ኣብ ጐንጺ ምእታው’ዩ። ኤርትራ ኣብ ግዜ ህግዲፍ፡ ኣንጻር፡ ሱዳን በተደጋጋሚ፡ ኣንጻር የመን፡ ኣንጻር ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ውግኣትን ዘኸተልዎ ጉድኣትን ብመንጽርዚ ዝረኣዩ እዮም። ህግዲፍ ሕጂ እውን በዚ መንገዲዚ እንተቐጸለ ንዓኡ ንቡር እዩ። “ ሕጅስ ኣብዚሕካዮ ደጊም ይኣኽለካ” ኣብ ክንዲ ምባል ንዘዝበሎ እንዳደገሙ ሎሚ’ውን “ንኺድ ጥራይ” ዝብልዎ ኤርትራውያን እንተልዮም እቲ ጸገም ናይቲ ዲክታቶር ጥራይ ኣይክኸውንን’ዩ።

እስኪ ኩሉ ገዲፍና ሓደ ጉዳይ ንውሰድ። ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማታት ዝነብር ዝብላዕ፡ ዝስተን ካልእ መሰረታዊ ቀረብን ኣብ ዘየብሉ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ። ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ፍርቂ ጐኑ ኣብ ሃገሩ ስለ ዘሎ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸበባ ክሳብ ክንደይ ዘሻቕል ምዃኑ ምርግጋጹ ዘጸግሞ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኣካይዳ ህግዲፍ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምንጽብራቕ ዕላማ እንተዝህልዎ፡ ምስ ሱዳን ከምቲ ብማዕከናት ዜና ዝንገር ዘሎ፡ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነትን ምኽፋት ዕላምኡ ዘይተነጸረ ወተሃደራዊ መደበራትን ኣይመኾነን። ብኣንጻሩ ብዛዕባ ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ናብ ኤርትራ ቀረብ ዝኣትወሉ ኩነታት ምፍጣርን ክኸውን መተገብኦ። ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እምበኣር ምስቲ ናይ “ህዝብና ህይወት ናይ ምድሓን ትጽቢት” ዘሳኒ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ናይ ህዝብና ህልቂት ዝዕድምን ኤርትራዊ ክብርና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን መንገዲ እዩ። እሞ ኣየንኡ እዩ ክዕወት? ናይ ህዝብና ናይ ራህዋ ትጽቢትዶ ወይ ናይ ህግዲፍ ኣዕናዊ ኣካይዳ? እዚ ብቃልሲ ህዝብና ዝውሰን ኮይኑ፡ እቶም ውዱባት ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣካላት ከኣ እጃምና ንውሰድ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ኣስመራ ወግዓዊ ርክብ ዝገበርሉ ኣጋጣሚ፡ ናይ ብዙሓት ቀልቢ ስሒቡ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐነኦ። ብዙሓት ፖለቲከኛታት ከኣ ክኢላዊ ግምታቶም ሂበምሉ። እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ግምታት ከከም ኣፍልጦ ናይቶም ገመቲ ብዛዕባዚ ከባቢ ዝተፈላለየ ነይሩ። ምስዚ ኩሉ ግና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክመርሕ’ዩ ዝብል ግምት ናይ ብዙሓት ነይሩ። ናይ ብዙሓት ንመንነት ኢሳያስን ዝበለየ ኣተሓሳስባኡን ብቐረባ እንፈልጥን ኣንጻሩ ክንቃለስ ዝጸናሕናን ኤርትራውያን ግምት ግና ከምናይቶም ነቲ ጉዳይ ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ኣይነበረን። ምስቲ ድሒሩ ብግብሪ ዝተራእየ ምዕባለ ከኣ ንዲክታተር ኢሳያስ እውን ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ከም ዝኾኖ ምግማት ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ብክልቲኡ መንግስታት “ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምቲ ዝደለናዮ ክኸውን ኣይካኣለን” ክብሉ እውን ተኣሚኖም ኢዮም።

ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ኤርትራ፡ ንጸገማት ህዝቢ ኣለልዩ ፈቲሑ ብዝድህሰስ ተግባር ዘይኮነ፡ ብናይ ደገደገ ሃተምተም’ዩኡ ከናውሖ ዝደሊ። እንተኾነ እዚ ግልቡጥ ኣተሓሳስባኡ ኣብ ብዙሕ ንውሽጢ ገዲፉ ንደገ ዝጥምት ተመኩሮኡ ፈቲንዎ ከዕውቶ ኣይከኣለን። ካብዚ ዘየዕውት ኣካይዳኡ ክመሃር  ባህሪኡ ስለ ዘይፈቐደሉ ከኣ ይደጋግሞ ኣሎ። ብግብሪ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩምራ ጸገም ደፊኑ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሸኾርተት ብምባል ከህደኦ ዝነበሮ ህርፋን ኣይሰርሐን። እዚ ከም ዘይሰርሐ ከኣ ካልእ ዝርዝር ገዲፍካ ኣብቲ ብ7 መስከረም 2018 ዶብ ሰንዓፈ-ዛላንበሳን ክኽፈት እንከሎ፡ እቲ ተዘሪዑ ዝጸንሐ ንኢሳያስ “ፎእ ጨርቅኻ፡ ፎእ ወርቅኻ” ኢሉ ናብ ትግራይ ኣትዩ ናይ ዝተመልሰ ብዝሒ ኤርትራዊ ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ። ወዮ ክሃድእ ዝተሓስበ ህዝቢ ካብ ኢሳያስ ናይ ምህዳም ማዕበል መሊሱ ከም ዝገደደ ከኣ ሓላፍ መንገዲ ዘይኮነ፡ ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት እውን ኣብቲ እዋኑ መስኪረንኦ እየን። ኣዚሩ ንዝሓስብ ሓላፍነታዊ መራሒ ከኣ ካብ ህዝቢ ገዲፉካ ምኻድ ዝዓቢ ውድቀትን ምቅላዕን የለን።

ናይ ብዙሓት ደድሕሪቲ ርክብ እንታይ ከም ዝስዕብ ግምት፡ ኣብ ዙርያቲ ቀንዲ መረሓሓቒ  ኮይኑ ዝጸንሐ፡ መዓልቦ ዘይረኸበ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ ነይሩ። ኢሳይስ ኣብቲ ናይ ኣይውግእ ኣይሰላም ዓመታት “ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ከይምለስ ዝዕንቅፍ ዘሎ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ስለ ዘይተተግበረ’ዩ” ይብል ከም ዝነበረ ክከታተልዎ ስለ ዝጸንሑ፡ እቲ ስምምዕ ምስ መጸ  “ጉዳይ ዶብ ተወዲኡ’ሎ ማለትዩ” ዝብል ግምት ነይርዎም። ገለ ወገናት ግና ከሎ ጌና፡ ጭረሖ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ዘእቱን ዝኸፋፍልን ምንባሩ ኣስተብሂሎም፡ “ምናልባት እቲ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዶብ ኢሳያስ ብህልኽን ሕነ ምፍዳይን ተሳዒሩ መልክዑ ቀይርዎ ከይከውን” ዝብል ግምት ነይርዎም። ኢሳያስ  ካብ ቅድም’ውን ንጉዳይ ዶብ ብልቡ ዘይኣምነሉ ክነሱ፡ መፈከሪ ክገብሮ ጸኒሑ ከይከውን ዝብል ግምት ዝነበሮ’ውን ነይርዎም።

እቲ ግምታት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይነበረን። ኢሳያስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም፡ ብስምዒት ዘይኮነ ብልበይ እየ ዶ/ር ኣብይ እዩ ዝመርሓና ዝብል ዘለኹ” ዝብል ዝርከቦ፡ ንብዙሓት ኣእዛኖም ምእማን ዘጸገሞም መደረታት ኣስሚዑ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከኣ ከም ሓደ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክመልሳ ዝመጸ ጀግና፡ ምስ’ቶም ፈደረሽን ኣፍሪሶም ባንዴራኣ ኣውሪዶም ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝሓወስዋ ኤርትራውያን  እንዳመሳሰሉ ኣዕዚዞም ንኢደምዎ። ከም ግነዖ ከኣ ኣግማል፡ ኣፍራስ፡ ዋልታ፡ ኲናት፡ ጋብን  ኪሎታት ቡንን ኣበርኪተሙሉ። ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ኢትዮጵያውያን ናይ ባህልን ሃይማኖትን መራሕቲ ከኣ ተደቢሩ ተመሪቑ። ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ከኣ “ለካስ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕራ ስኢና ዝጸንሐት ብሰንክ’ቶም ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃቡ ኢትዮጵያውያን እምበር ብኢሳያስ ኣይኮነትን ከይዳ ጸኒሓ” ክብሉ ተሰሚዖም። ብሰንኪዚ ናይ ኢሳያስ ተንበርካኺ ቃል ከኣ ናይ ብዙሓት ብሄራት ኢትዮጵያ ሕቶ መሰል ርእሰ-ውሳነ ከም ነውሪ ክውሰድ ጀሚሩ። እዚ ኩሉ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስምዒታት ክገማዳሕ እንከሎ፡ ብዘይካ ርዒምካዮ ምጽቃጥ ብመንግስቲ ኤርትራ ኮነ  ኢትዮጵያ መእረምታን መብርህን ክህብ ዝደፈረ ኣይነበረን ክሳብ ሎሚ’ውን የለን።

ሰዲህኤ ግና ብዘይካቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከቕርቦ ዝጸንሐ ስምዕታታት ብ12 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ዘውጸኦ ናይ ፈጻሚ ሽማግለኡ መግለጺ “ጉጅለ ህግዲፍ ዝኽተሎ ዘሎ  ክብርን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድን ዘንዕቕን ኣካይዳ ዳህሲሱ ዘለዎ ተቓውሞን ቁጠዐን መዚኑ። ኣብ ርእሲዚ፡ ምስ ኩሎም ኤርትራዊ ሰልፍታትን ውድባትን ብሓባር ኮይንካ ኣዕናዊ ኣካይዳ ናይቲ ጉጅለ፡ ዝምከተሉ ኣገባብ ርእዩ።” ብዝብል ዘፈሮ ምጥቃ ይከኣል

ኢሳያስ በዚ ብዘይካ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ፡ ካልእ ምስጢሩ ዘይፍለጥ ስምምዕ ኣቢሉ ክዓብጦ ዝፈተኖ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ከም ዘይተዓወተሉ ተራእዩ እዩ። ብኣንጻሩ ዘይተጸበዮ ሳዕቤን ከም ዘምጸኣሉ ምስ ገመተ፡ ነቲ ብወገን ሰንዓፈ-ዛላንበሳ፡ እንዳገርግስ-ራማን ኦሞሓጀር-ሑመራን ዝነበረ ኣፍደገታት ረጊጥዎ። እቲ ብዝተሓተ ኣውንታ ዝረአ ዝነበረ፡ ናይ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኣዝማድ ምርኻብን ካብን ናብን ኤርትራን ትግራይን ክንቀሳቐስ ጀሚሩ ዝነበረ መሰረታዊ ነገራትን ከኣ ተቛረጸ። እዚ ብኢሳያስ ዝተወስደ በይነኣዊ ምዕጻው ናይቲ ዶባት፡ እቲ ርክብ ክጅመር እንከሎ’ውን ብዘይካ ናይ ሓጺር ግዜ፡ እሞ ዘይተዓወተ ተልእኮ፡ ኣርሑቑ ዝጥምትን ናይ ህዝብታት ቀጻሊ ረብሓ ኣብ ግምት ዘየእተወን ምንባሩ ዘረጋገጸ ነይሩ። ኢሳያስን ድ/ር ኣብይን ከም ክልተ መራሕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ናይቲ ድራማ ናይ ድሕሪ መጋረጃ ደረስትን ስትራተጅካውያን ተጠቀምትን ኣዋርቕን መዳልያታትን ተቐቢለምሉ። እዚ ናይ ኣደባባይ ኮይኑ ናይ ውሻጠ ሕርጓቶ ከም ዝነበሮ ከኣ ካብቲ ክምስምሶም ምርዳእ ይከኣል። ብፍላይ ንኣቶ ኢሳያስ  እቲ ካብ ቀደሙ እውን ኣስናን ዘይነበሮ ማዕቀብ ተላዒልሉ። ዶ/ር ኣብይ ከኣ እቲ ደሓር ብዙሕ ዘዛረበ ናይ ሰላም ኖበል ስልማት ተቐቢልሉ።

በዚ ክልተ ዓመቱ ኣሕሊፉ ዘሎ ሕጂኳ ዳርጋ ካብ ምምልላስ ሓሊፉ፡ ዝረኤ ውጽኢትስ ትረፍ፡ መዛረቢ ኣብዘይኮነሉ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ዝመስል ዝምድና፡ እቲ ደላይ ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት  ኣይተጠቕመን። እቲ በዚ ስምምዕ ኣቢልካ ክሃድእ ዝተደልየ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ኣብ ክልቲኡ ወገን እንዳ ሓደረ ናብ ዝላዓለ ጥርዚ ኣሉታ  ይዓርግ ኣሎ። እቲ ብዙሓት ወገናት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ኣቕጣጫኡ ኣጥፊኡ ዘሎ ለውጢ  ናብ ኤርትራ ጽልዋ ከሕድርዩ ዝብል ዝነበረ ግምት፡ ግምት ጥራይ ኮይኑ እዩ ተሪፉ። ብኣንጻሩ እቲ መበቆል ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ዝኾነ ዲክታቶርያዊ ፖሊሲታት፡ ብውሱን ደረጃ ናብ ኢትዮጵያ ዝዘሩቕ ዘሎ እዩ ዝመስል። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ነዓና ዘገንዝበና ከኣ፡ ኢሳያስ ናቱ መንገዲ ጥልመት ካብ መረጸ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርናን መጻኢ ዕድል ህዝብናን ብኣና በቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለናን ህዝብናን ዝውሰን ምዃኑ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ዝሐለፈ ወርሒ ሰነ 2020 “ሓባራዊ መግለጺ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝብል ናይ ህዝብና ሃንቀውታ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ብስራት ኣዋጅ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ። ከምቲ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ ሃገርና ኤርትራ መዳርግቲ ብዘይብሉ መስዋእ ናጽነታን ልዑላውነታን ዘውሓሰት ሃገር እነተዀነት፣ እቲ ብኢደ ወነኑ ኣብ ስልጣን ተወጢሑ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይቅዋምን ሕግን ንህዝብና እናድመየን እናበታተነን ክገዝእ ዝጸንሐን ዘሎን ስርዓት፡ ሃገርና ናብ ጐደና ጥፍኣት ይመርሓ ምህላዉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።” ኢሉ ዝጀመሮ፡ ኣብዚ ጭቆና ህግዲፍን ኮሮናቫይረስን ኣንጻሮም ሓድነት ዝፈጠርሉ እዋን፡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኣጨናቒ ደረጃ ከም ዘለዉ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። እዚ መግለጺ ደንጉዩ ዝወጸኳ እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን “ክንብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን” እዩ እሞ፡  እምብዛ ግዜ ዝሓለፎ ናይ ተስፋ ደወል ኣይኮነን።

እዚ ስምምዕዚ ናብቶም ክመጸሎምን ከይመጾምን ብሓጐስን ስግኣትን ክጽበይዎ ዝጸንሑ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግዲፍን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። እቲ ክመጸሉ ክጽበዮ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ስምምዕ ተስፋኡ ከም ዝጥጥዕን ናይ ቃልሲ ንያቱ ክብ ከም ዝብልን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እቲ ሓድነትና ከይስስን ከም ቁርን ኣስሓይታን ክፈርሖ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግዲፍን መዳምቕቱን  ከም ዝስንብዱን እተተኻኢልዎም  ክኾልፍዎ፡ እንተዘይከኣሉ ከኣ ከደናጉይዎ ብምሉእ ዓቕሞም ካብ ምሕላን ንድሕሪት ከምዘይብሉ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና እንግምቶን እንጽበዮን እዩ። ኣብዚ ጥምጥምዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መዋጸኦ  ዝርህርህ ልቢ ንዘየብሉ ጉጅለ ህግዲፍ  ልቢ ክሰኩዕ ምጽባዩ ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ዓቕሚ ደሊብካ ምስዓሩ ጥራይ እዩ። ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ድልዱል ባይታ ክረግጽ ምብቅዑ ከኣ ካብቲ ቀንዲ ነቲ  ካብ ምፍልላይና ዝዕንገል ንሓድነትና ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ  ርጉም ሓይሊ እንስዕረሉ መሳርሒና እዩ።

እዚ ፖለቲካዊ ውድባትና በጺሐምዎ ዘለዉ  ናይ ሓቢርካ ኣንጻር ህግዲፍ ምቅላስ ስምምዕ፡ ነቲ ዝተርፈና ሓባራዊ ዓቕምኻ ናይ ምትርናዕ ዕማም መሰረት ዘንጽፍ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ኣብቲ እንደልዮ ንምብጻሕ ዝሓተና መጻኢ ተወፋይነትን ጻዕርን ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝኸፈልናዮ ዝበዝሐን ዝኸበደን እንተዘይኮይኑ ዝቐለለን ዝወሓደን ከምዘይኮነ ዘንጊዕና ከነራጥጥ ኣይግበኣናን። ናይቲ ቅድሚዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ስምምዕ ዝነበረ ብሓባር ናይ ምስራሕ ተመኩሮታትና ናይ “ስርሕ-ፍንጥሕ” ኣካይዳ ምንባሩ ተኣሚንና ክንመሃረሉ እምበር ንዓኡ ናፊቕና ንድሕሪት ከነማዕዱ ኣይግበኣናን። ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ክንመሃረሉ ዝግበኣና ዝሓለፍናዮ መንገዲ ስንኩፍነት ኣብ ዘይድልዱል፥ ዘይሓላፍነታውን  ኩነታት ኤርትራ ብኹሉ መዳያቱ ብግቡእ ዘይዳህሰሰን ባይታ ይድኮን ስለ ዝነበረ እዩ። ሎሚ ክንሓስቦም እንከለና ዘጣዕሱናን ክንመሃረሎም ዝግበኣናን ተዘክሮታት ኣለዉና። ናይቲ ናብዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ስምምዕ ንምብጻሕ ዝተኸደ መስርሕ ንውሕ ዝበለ ግዜን ዓሚቕ ትዕግስትን ምሕታቱን ኣብ ቀጻልነት ናይዚ ስምምዕ እምነትን ተስፋን ከነሕድር ዘተባብዓና እዩ።

እቲ ናይ ቅድም ምፍልላይና ኮነ እዚ ሎሚ ኣብ ዘሰማምዕ ምብጻሕና ካብ ውልቃዊ ኮነ እኩብ ኣተሓሳስባና እዩ ዝነቅል። እዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ስምምዕ ተተግቢሩ ናብ ክብ ዝበለ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ደረጃ ከደይበና ተስፋ እነንብረሉ፡ ኣብ ኣተሓሳስባና ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ካብቲ ዝጸንሐ ዝሓሸ ለውጢ ኣምጺእና ኣለና ካብ ዝብል እዩ ዝነቅል። ኣብ ኣተሓሳስባና ለውጢ እንተዘየጥሪና ግና እዚ ናይ ሎሚ ስምምዕና እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ምኹላፉ ዕድል ክፉት እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣጥሪና ኣለና ክንብል እንከላና፡ ናይ ሸቶታት ቀዳምነትና ኣነጺርና፡ ፍልልያትናን ስምምዓትናን ተገንዚብናን በብደረጀኦም ኣመሓዲርናን። ካብዚ ሓሊፍና ኪኖ ውልቃዊ፡ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ህልውና ኣማዕዲና፡ ህልውናን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ከም ዝቕድም ኣስተውዒልና ኣለና ማለት እምበር፡ ካልእ ተኣምር ሰሪሕና ማለት ኣይኮነን።

መስርሕ ሓድነት ብሓደ ኩበዖ ዝብጻሕ ዘይኮነ፡ ብመስርሕን ደረጃታትን ዝምዕብል እዩ። ብመንጽር’ዚ  በጺሕናዮ ዘለና ተወሃሂድካ ኣንጻር ህግዲፍ ናይ ምቅላስ ቅሩብነት፡ መበገሲና ኮይኑ፡ ናብ ቀጻሊ ዝሰጠመ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ዘመዓዱ እዩ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ስምምዕ፡ ከምቲ ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ዘሎ ኣብ ባይታ እንተ ኣድሚዕናሉ፡ ናብቲ ዝለዓለ ብርኪ ሓድነት ክንበጽሕ ውሕስነት ዝህብ እዩ። ኣብቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ከየድማዕና፡ ናብቲ ብመስርሕ ክንበጽሖ ዝግበኣና ምምጥጣር ግና ትምኒት ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

እቲ ስምምዕ ከምቲ ተኸቲምዎ ዘሎ ክትግበር ዕማምን ሓላፍነትን ናይተን ዝኸተማ ግንባራት፡ ሰልፍታትን ውድባትን ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ዘተኣማምን ምሉእነት ንክህልዎ ግና፡ ከምቲ ብብዙሓት ወገናት ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ፡ ኣበርክቶን ምትብባዕን ኤርትራዊ ማሕበራት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ዝተፈላለዩ ውዱባት ኣካላትን ኣገዳሲ ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ዝተፈላለዩ ወገናት ነዚ ብኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዘሕይል፡ ደገፍን መተባብዕን ብምቕራብ እምበር ንድሕሪት ብዝመልስ ቅኒት ከይርእይዎ ሓላፍነት ኣለዎም። እዘን ስምምዕ ከቲመን ዘለዋ ኣካላት እውን “ኩሉቲ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ዳህሲስና ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምጥን ውዱእ ስምምዕ በጺሕና ኣለና” ኢለን፡ ኣፍደገ ኣብ ክንዲ ምዕጻው ሃናጺ ሓሳባት ናይ ምቕባል ድልዉነትን ትዕግስትን ክውንና ናይ ግድን እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከምቲ ኣብ ናይ 2017 ናይ ሓቢርካ ምስራሕ መጸዋዕታ እማመኡ “1፡ ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ 2፡ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፡ 3፡ ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፡ 4፡ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል።” ዝብሉ መሰማምዒ ይኹኑ እዮም ዝበሎም ሓሳባት ሒዙ ዝነቐሎ፡ ነዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ኣብ ምትግባሩን ናብ ዝበረኸ ደረጃ ምድያቡን ብዘለዎ ዓቕሚ ክጽዕት ቅሩብ ኣሎ። ብሓባር ምስራሕ ብድሌትን ጻዕርን ናይ ዝተወሰነ ኣካል ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም’ቶም ሰብ ጉዳይ ኣበርክቶ ዝሓትት እዩ። ሰዲህኤ ነዚ ብምርዳእ ናብቲ እንደልዮ ንምብጻሕ ናይ ኩሎም ፈረምቲ ኣካላትን ኣብ ለውጢ ዝግደሱ ኤርትራውያንን ቅሩብነት ከም ዝህሉ እምነቱ ልዑል  እዩ።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ስምምዕ ተኸቲሙ ድሕሪ ምባሉ፡ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣህዛብ ዓለምን ናይ ብሓቂ ሰላም ሰፊኑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መዳይ ልምዓት፡ ፍትሒ፡ ብልጽግናን ኣብ ጐደና ምኽባር ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ንቕድሚት ዝምርሻሉ መዋእል ክኽሰት’ዩ ዝብል’ዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እሱራት ክፈትሕ፡ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ምፍቃዱ፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ውዕልን ብይንን ኣልጀርስ ክፈትሕ ምቕባሉን ዶባት ናይ ክልቲኦም ሃገራት ምኽፋቱን ዓቢ ተስፋን ደገፍን ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ረኺቡ ነይሩ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣህዛብ ዓለም ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክውሰድ’ዩ፡ እሱራት ክፍትሑ ኢዮም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ክግበረሉ ኢዩ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ክወዳደሩ ዕድል ክውሃቦም’ዩ ተጸብዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ነቲ ተነቢሩ ዝነበረ ተስፋ ዘጸልምት እንተዘይኰይኑ፡ ተስፋ ዝህብ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ኣይተገብረን እኳ ደኣ እናበኣሰ ክኸይድ’ዩ ተራእዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ድማ ተቖጽዩ፡ ስእነተ-ሰላም ሰፊኑ፡ ዓሌታዊ ጐንጺ፡ ምፍንቓል፡ ሕድሕድ ምቅትታል፡ ማእሰርቲ ብጅምላ፡ ናይ ህጹጽ ኵነት ኣዋጅን  ውግእን ወረ ውግእን ዕለታዊ መነባብሮ ህዝብታት ኢትዮጵያ  ኰይኑ።

እቲ ንሓጺር እዋን ተኸፊቱ ዝጸንሐ ዶባት ተዓጽዩ። ናይ ናቕፋን ብርን ሸርፊ ምምጥጣን ምስ ተገብረ፡ ሰብን ኣቝሑትን ብሕጋዊ ኣገባብ ዝንቀሳቕስሉ ቅጥዕታት ምስ ተዳለወ ዶባት ክፍታሕ ኢዩ ዝብል ናይ ሓሶት ወረ እውን ተዘርግሐ። ብግብሪ ዝተራእየ ከኣ እሞ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ …..ናይ ወያነ ጕዳይ game over ኰይኑ’ዩ: ንሕና ኢድና ኣጣሚርና ስቕ ኢልና ኣይንርእን ኢና…ወዘተ እናበለ ክፍክርን ሰራዊቱ ንወያነ ንምህዳድ ናብ ዶባት ከጓዓዕዝን ኢዩ ተራእዩ። ብተረድኦና ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ’ቲ ቅድም ዝነበሮ ኣይሰላም ኣይውግእ ኵነታት ዝተቐየረ የለን። እታ ሓንቲ ተቐይራ ዘላ፡ ጕጅለ ኢሳያስ፡ ከምኡ’ውን እቶም ዓቕሚ ዘለዎምን ፍቓድ ስርዓት ኣስመራ ዝረኸቡን ውሑዳት ኤርትራውያን ዜጋታትን ካብን ናብን ብነፈርቲ ክመላለሱ ምኽኣሎም ጥራይ ኢዩ። እንተዘይኰይኑ፡ ህዝቢ ዳግማይ ውግእ ከይኽፈት ብምስጋእ ብፍርሒ መዓንጡ ሒዙ’ዩ ዝጽበ ዘሎ።

ጕዳይ ዶብ ከኣ’ሞ ካብ ቀደሙ እውን ንኢሳያስ ዘገድሶ ጕዳይ ከምዘይነበረ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ብጉዳይ ዶብ ከምዘይነበረ ሎምስ ቍልጭ ኢሉ በሪሁ ኢዩ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሕልሙ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ምምራሕ ስለዝነበረ ካብ ብጒሓቱ …..ንዓይ እኳ እዚ ዶብ ዝብሃል ነገር ትርጉም የብሉን፡ ኣይርድኣንን ኢዩ፤ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ትርጕም ዘይብሉ ብርኪ ክንቅይሮ ኢና፤…. ክብል ዝስማዕ ዝነበረ። ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ናይ ሰላም ስምምዕ ውዕል ምስ ከተመ ከኣ እሞ፡ ስምዒታቱ ምቍጽጻር ስኢንዎ፡ ንሕልምታቱ ሓንቲ ከይገደፈ፡ ኣብ ጽርግያ ኵዕው ኵዕው ከብሎ’ዩ ተራእዩ። ….ኣብዪ ሓወይ ክሳብ እግሪ ዝተክል ናይ ዶብ ጕዳይ ከነሰጋግሮ ኢና፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢዮም ኢሉ ዝሓስብ ሓቂ ዘይፈልጥ ኢዩ፡ ንህዝቢ ኣምሓራ ከይተረድኣኒ በዲለዮ ኢየ፡  ኣይከሰርናን ኵሉ ንብረትና ተመሊሱልና ኢዩ፡ ንኣብዪ ክመርሓና ወኪለዮ ኣለኹ ኣነ ድማ ተኸታሊኡ ክኸውን’የ…… ብምባል ንሃገርናን ልዑላውነታን ኣሕሊፉ ክህብ ዓለም ብዓለማ ዝተዓዘበቶ።

ነዚ ዘሕንኽ ጥልመታት’ዚ ንምምልኻዕን ካብ’ቲ ሸታሕታሕ ኢሉ ዝተሸመመሉ ዓዘቕቲ ንምውጻእን ተባሂሉ’ዩ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት፡ …ሰለስተ ወለዶታት ከም እተኸስረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ን80 ዓመታት ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ  ከም እተቓለሰ… ክገልጸልና ዝፈተነ። ህዝቢ ግን፡ ሽዓ ከምዝተጠልመ ብግልጺ ስለዝበርሃሉ፡ ይኣክል ኢሉ ሓሪኑ ነቲ ስርዓት ካብ ሱሩ ክብንቁሶ’ዩ ተበጊሱ ዘሎ። ነዚ ዝተረድአ የማነ ቻርሊ ድማ፡ ኣሰር ናይ ጐይትኡ ተኸቲሉ "ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ትርጉማት ኣሎዎ። 1ይ. ደድሕሪ ናጽነት ዝስራዕ፡ ዳግማይ ዓወት'ዩ። 2ይ. ሰላም ምስታ ን50 ዓመታት ብደገፍ ዓበይቲ ሓይልታት ኩናት ዘካየደትልና፥ ን80 ዓመታት ኣብ ግጭት ዝጸመደትና ጎረቤት" ብምባል፡ ኣብ’ዚ ዝኽሪ ናይ 2ይ ዓመት ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብትዊተር ከቃልሖ ዝሰማዕናዮ። እታ ጥልመት  ብቻርሊ ትጽገን ወይ ትዕረ ጌጋ ኣይኰነት። ክትምለስ ብዘይትኽእለሉ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ኤርትራ በጺሓ’ያ።

እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ዝዀነ ይኹን ምምሕያሽ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ኣይግበርን ኢዩ ዝብል ዝነበረ ስርዓት ኣስመራ፡ መበል ካልኣይ ዓመት ውዕል ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝዝክረሉ ዘሎ ኣጋጣሚ፡ ሎምስ ለሚዶሞ’ዮም ግዲ ኢሉና ኰይኑ፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተሓንጸጹ 2 ዓመት ምግባሩ ብዓይኒ ታሪኽ ክርአ እንከሎ ነዊሕ ግዜ እኮ ኣይኰነን ክብለና ተሰሚዑ። እወ፡ ንሰበስልጣን ኤርትራ፡ 2 ዓመታት ሓጺር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ካብ መረበቱ ዝተፈናቐለ፡ ዝተሰደ፡ ዝተሰውአን ግን፡ ክሳብ ክንደይ መሪርን ነዊሕን ምዃኑ ይስቆሮም’ዶ እምበር’ዩ። በማእት ኣሽሓት ዝቝጸር ህይወትን ንብረትን ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ከይበረሰ፡ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ከይተፈናቐሉን ከይተሰደዱን ከለዉ ዋላ ንሓሙሽተ ዓመታት ይኹን ካብኡ ንላዕሊ ዝነውሕ ግዜ ብህድኣትን ብሰላምን ነቲ ጐንጺ ክትፈትሕ ምጕያይ’ዶ ኣይምሐሸን ነይሩ!!!!? ሽዓ ደኣ፡ ከመይ ኢላ ኢያ መሬት ጸቢባቶም ንክልኢት ትኸውን ግዜ እውን ዕድል ከይሃቡ ናብ ፈኽራን ከበሮ ውግእ ምህራምን ዘምርሑ።

የማነ ቻርሊ ቀጺሉ …. "ምስ ሱዳን፡ ሶማል፡ደቡብ ሱዳንን ምትሕግጋዝና ክነዕቢ፥ ንዞባዊ ምትሕባብር ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ክንተግህ ኢና። ተጻብኦ ገና ንዘይበለየሎም፡ ሰላምና ዕረ ዝጠዓሞም፡ ኤርትራ ዲል ከይትረክብ ድቃስ ንዝስእኑ፡ በቲ ፍቱንን ዕዉትን መገድና ክንምክቶም ኢና" ኢሉ……። ተጻብኦ ዘይበልየሉ መን’ዩ? ንጅቡቲ ካብ ሱዳን፡ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን  ዝርከብኦ ዞባዊ ምትሕብባር ቀርኒ ኣፍሪቃ ከውጽኣ ዝጽዕር ዘሎ መን’ዩ? እቲ ጌና ተጻብኦኡ ንጅቡቲ ዘይበለየሉ ስርዓት ኤርትራ’ዶ ኣይኰነን? ብኸም’ዚ መንፈስ ናይ ምትህልላኽ’ከ ከመይ ጌርካ’ዩ ደራኺ ናይ ዞባዊ ምትሕብባር ክትከውን ትኽእል።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ዓለምና ሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ኣብ ዝተቀራረበትሉ ኩነታት ከም ዘላ ፍሉጥ እዩ። ናይ ሃገራት ስግረ-ዶባዊ ረብሓ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጸሓሉ እዋን ኢና እንርከብ ዘለና። እዚ ንመላእ ዓለምና ዝገዝኣ ጽልዋ ኮይኑ፡ ብዘለዎም ኣቀማምጣን ቁጠባዊ ረብሓን ዝያዳ ተበሃግትን ንውድድር ተመረጽትን ከባብታት እውን ኣለዉ። ሃገርና እትርከበሉ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ካብቲ ውዑይ መወዳደሪ ከባብታት ሓደ እዩ።

ንሕና ሃንደበት’ዩ እንብሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ግና ሃንደበት ዘይኮነ ንነዊሕ ግዜ ብድሕሪ መጋረጃ ዝተሓስበሉ ኣብዚ ከባቢና እስትራተጅያዊ ረብሓ ዘለዎም ሓይልታት ዝሃንደስዎ ዝብል ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ምዕራቕ፡ ኣካል ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ጸላዊ ከባቢ ናይ ምሽማው ወፈራ እዩ። እንተኾነ ኣካይዳ በዓል ኢሳያስ ምናልባት ደኣ በቶም መጻኢ ዕድል ህዝብናን ሃገርናን ዘይኮነ፡ ረብሓኦም ዘገድሶምን ዘቐድሙን ለኣኽቶም ተመጒሱ ይኸውን እምበር፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ኣይረኸበን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻር መገሻ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያን ኣብ መአግሻኡ ዘቃልሖ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ መርገጻቱ ሓያል ማዕበል ይኣክል ዘኸተለ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ እውን ብፍላይ ሕጂ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ምምልላስ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ንሓድነት ናይታ ሃገር ዝሃሲ ስለ ዝኾነ ተቐባልነቱ እንዳሃሰሰ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዘልዕል ዘሎ እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ በይና ደሴት ኮይና ክትነብር ምሕሳብ ካብ ህልዊ ኩነታት ምውጻእ እዩ። ስለዚ ምስ ሃገራት እትገብሮ ዝምድና ብድፍኑ ዝኹነን ኣይኮነን። እንተኾነ ኤርትራ ብሕገመንግስቲ ኣብ ዘይትመሓደረሉ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝተሓሳሰቡ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ብዘይብሉ ጉጅለ ኣብ እትምረሓሉ፡ ብጠቕላላ ህዝቢ ብዘይፈልጦን ግሉጽነት ብዘይብሉን ጉጅላዊ ኣዋጃትን ብዘይመረጾ ኣካልን ኣብ ዝመሓደረሉ ግዜ ዝግበር ዝምድና ስግኣት እምበር ምትእምማን ሒዙ ዝመጽእ ኣይኮነን።

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብዚ ጸጸግዕኻ ናይ ምድላይ ሸበድበድ ተዋሳኣይ ምህላዉ ተደጋጋሚ መገሻኡ ናብ ኢትዮጵያ ሓደ ምልክት እዩ። ኣብቲ ኣካይዳኡ ኤርትራዊ ረብሓ ኣብ ክንዲ ዘቐድም፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዋና መሓርን ቀታልን ኮይኑ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” ምባሉ ከኣ ኣነቓቕልኡ፡ ኣብ ህልኽ ዝተመስረተ ንህዝቢ ኤርትራ መዓት ዝጐተሉ ምዃኑ ብሩህ እዩ። መራሒ ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንሓደ ከባቢ ካብታ ንሱ ዝመርሓ ሃገር ኢሳያስ ከም ዝጠፈአት እንዳ ኣወጀ ምጽቃጡ ነቲ እንጥርጥሮ ዘይቅዱስ ውዲትን ተለኣኣኽነት ኢሳያስን ዘብርህ እዩ።  ናይቲ ዲክታተር በተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ፡ መስኖታትን ናይ ኢንዱስትሪ ፓርክታትን ብምዕዛብ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዝሓዘሎ ሓደጋን ናይ ግዳም ተልእኾን ከም ዘለዎ ክነስተብህል ይግበኣና። ኢሳያስ ኣብ ሓደ ቃለ-መጠይቑ ነዚ ሎሚ ምምራሕ ሃገር መትሓዚኡ ጠፊእዎ ዘሎ ፕረሲደንት ኣሜሪካ “ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ዘበላሸዉዎ እዩ ዘዕሪ ዘሎ፡ ንሕና እውን ክንተሓጋገዞ ኢና” ዝበሎ መስርዑ ኣበይ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

መራሕቲ ሃገራት ምሕዝነታትን መኻይድን ኣብ ዝመርጽሉ ግዜ ረብሓ ሃገሮምን ህዝቦምን ቀዳምነት ክሰርዑን ናይቲ መዛምድቶም ረብሓ እውን ኣብ ግምት ከእትዉን ንቡር እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ዝምድና ዲክታቶር ኢሳያስ ግና  ስግኣት ኣብ ርእሲ ስግኣት ዝድርዕ እዩ። እቲ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ምሕላቕን ዘይምሕላቕንስ ይትረፍ እሞ፡ ብመሰረቱ እውን ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ኢሳያስ ብፖሊሲ እንካን ሃባን ኣብ ገለ ካብ ኤርትራዊ ረብሓ ሕድገት ገይሩ፡ ገለ ረብሓ ክኸስብ ዘይኮነ ንብምልእታ ሃገር ከረክብ እዩ ዝደናደን ዘሎ። እዚ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ኣብ ኤርትራ ከዳኽሮ ዝጸንሐ እምበር፡ ሎሚ ዘንቅሎ ዘሎ ሓድሽ ባህሪ ከምዘይኮነ ከነተኩረሉ ዝግበኣና እዩ።

ናይ ኢሳያስ ሃገር ናይ ምጥፋእን ምሕማስን ሃነፍነፍ በቲ ምስ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝጸንሐን ጋና ዝቕጽሎ ዘሎን ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ምስቲ ንበዓል ሕቡራት ኢመራት ብምስጢር  መሬት ሂብካ ወተሃደራዊ መደበራት ክምስርታ ምፍቃድን ግነዖት መዳልያታት ምቕባሉን ኣዛሚድካ ዝረአ እዩ። ኢሳያስ ናይዘን መሬት ኤርትራ ወሲደን መዳልያ ዝሃበኦን ብኣኡ ዝዓገባ ዘይመስላን ሃገራት ድሌት ንምርግጋጽ ክሳብ ኣብ ጉዳይ ሊብያን የመንን ዘርእዮ ዘሎ ተለኣኣኽነት እውን ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ምስቲ ብዶ/ር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሽራኽ “ናይ ጸጥታን ወተሃደራውን ኣሰልጠንቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኹ ኣሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራት ከኣ ስም መሰልጠኒ መደበራት እንዳተጠቕሰ ኣብ ኤርትራ ይስልጥኑ ኣለዉ” ዝብሉ ሓበሬታታት ምጽራይ ደኣ የድልዮም እምበር “ክላእ እዝስ ዘይከውን እዩ” ኢልካ ዝስገሩ ኣይኮኑን።

ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ወገናት ነቲ ንዓለምና ኣዝዩ ኣሻቒልዋ ዘሎ ኮቪድ-19 ኮሮናቫይረስ መዝሚዞም ፖለቲካዊ ጸወታታት የካይዱ ከም ዘለዉ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ገሊኦም ምርጫ የናውሑ፡ ገሊኦም ሕገመንግስቲ ይቕይሩ። ኢሳያስ ከኣ ካብ ቀደሙ ንሓደ ጉዳይ ብሓደ ተረኽቦ ደፊንካ ናብቲ ትደልዮ ኣቕጣጫ ናይ ምኻድ ሃብታም ናይ ምልኻዕ ተመኩሮ ኣለዎ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልእ ብዝገደደ፡ ዝኾነ ቀረብ ኣብ ዘየብሉ ንዝተወፈየ ገንዘብ ብዘይተቖጻጻሪ  ኣብ ጅባኡ እንዳመለአ፡  ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ኣደዳ ጥምየትን ጽምእን ኮይኑ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት ናብ ዝኾነት ስድራቤት ሓቲትካ ክረጋገጽ ዝኽእል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽቡ ተሃወስቲ ጸጥታውን ወተሃደራውን ወረታት ይቀላቐሉ ምህላዎም ከኣ ኢሳያስ ብድሕሪ ወጥሪ ኮሮና-19 ተሓቢኡ ነቲ ቅድም ዝፈሓሶ ውዲት ዝያዳ የኽርሮ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋ ጸብጺብና፡ ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓትን ፍቕሪ ሃገርን ተኣማሚና፡ “ኢሳያስ ዝገበረ እንተገበረ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣይንቕነቕን እዩ” ምባልናኳ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እንተዘይኮነ፡ በዚ ከየራጠጥና “ከምቲ ኢሳያስ ዝሓልሞ ዘሎ እንተኾነኸ?”፡ ኢልና ክንጥርጥርን ንኹሉ  ኣብ ግምት ኣእቲና ክንዳሎን ናይ ግድን እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ምእንታኻ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ዝተሓተ ጽቡቕ ንዝወዓለልካ እውን ምምስጋንን ኣመስጊንካ ንኣመሰንገንቲ ምሃብን ግቡእ ስለ ዝኾነ ሰማእታትና ክንዝክሮም ግድን እዩ። ነቲ ምእንቲ ክብርኻ ዝሐለፈ፡ ኣበይን መዓስን ክዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ከኣ ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም ዝቃወም የለን። ምእንቲ እቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት ኣብ ልቦና ኩሉ ክሓድርን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዘማእክልን ንከኸውን፡  ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕሉ ምኽንያታዊ መዓልቲ ምግባሩ ከኣ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቅዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ  ዛዕባታት ሓደ ክኸውን ከኣ መተገበኦ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ኣብ ካልእ ጉዳያት መድረኽ  እሂንምሂን  ዘይተፈጥረ ኣብዚ’ውን ኣይተራእየን።

ዘይሩ ዘይሩ ግና እቲ ዛዕባ ረዚን ስለ ዝኾነ፡ መንን ስለምንታይ ወሲንዎ ብዘየገድስ፡ ሰማእታትና ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት ጥራይ ዘይኮነ ወትሩ ኣብ ሕልናና ስለ ዘለዉ 20 ሰነ ጓይላን ጃህራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሮም ምዝካራ ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሰዉኡ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ሂቦም ዝሓሰብሉ ዝሰማምዕሉ እዩ። እቶም ናይ ድሕሪ ናጽነት ሰማእታት ክውሰኽዎ እንከለዉ ከኣ’ሞ እቲ ኣሃዝ ኣበይ ከም ዝበጽሕ ርዱእ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ እቲ መዳለዊ ባህሪኡ ኣብ ኩሉ መዳያት ስለ ዝንጸባረቕ ባዕሉ ናይ ዝቐንጸሎም ሰማእታት መርድእ ንቤተሰቦም ኣይተነግረን። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት እውን፡ ብዘይካ ውሱናት ከምኡ ኣብቲ ጉጅለ ህግዲፍ ዝቐለሶ ዝርዝር ሰማእታት ኣይሰፈሩን። እንተኾነ ኣብ ዝርዝር ህግደፍ’ኳ እንተዘይሰፈረ፡  ታሪኽ ኩሎም ሰማእታት ኣብ ሕቑፊ ሃገሮምን ህዝቦምን  ህያው ኮይኑ ክነብር እዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ  ስዉእ ዘይወደቐላን ቅያ ዘይተሰርሓላን መዓልቲ ኣይነበረትን። ስለዚ ብግብሪኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ኩሉሳዕ መዓልቲ ሰማእታትዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይከውንን።

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽባሕ ውድቀት ስርዓት ደርግ ብ20 ሰነ 1991 ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ዘስመዖ መደረኡ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ውድባት ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ዝብል መርዚ ይርከቦ። እቲ ንህዝቢ ምክፍፋል ከቢድ ገበን’ዩ ዝበሎ፡ መልእኽቱ ንናይ ምውዳብ መሰረታዊ መሰል ዝሕርም፡ ካብቲ ንሱ ዝመርሖ ውድብ ወጻኢ ምስ ካልእ ምስላፍን ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ምስጓምን እዩ። እዚ ከኣ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝገደደ  ዝቕጽል ዘሎ ጥልመቱ  ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ሰማእታት ወግዓዊ  መግለጺኡ ነይሩ።

ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ኣእዋም ብምትካል፡ ዓመት ተጸቢኻ ሽምዓ ብምብራህ፡ ንቤተሰቦም ብህዝቢ ካብ ዝተለገሰ ቁንጣሮ ናቕፋ ብምሃብ፡ ታሪኽ ጅግንነቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብምቅላሕን ብዘሕቆቅንቁን ዜማታት ንቤተሰቦም ብምንባዕን ጥራይ ዝጥበር ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰረታዊ ትሕዝቶ ሕድሮምን ለበዋኦምን፡ ኣብታ ብዋግኦም ርእሳ ዘቕነዐት ኤርትራ፡ ሕገመንግስታውን ኣብዘሓ ሰልፋውን ስርዓት ክትከል፡ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደልዲሉ ረጊጹ ኣብታ ሓላል መሬቱ ብዘይስኽፍታ ዝባኑ ቀሊዑ ክልምዕ፡ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ፡ ኮታ ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ንሰማእታቱ ሃገር ብምህናጽ ዝኽሕሰሉ ዘተኣማምን ሃዋህው ክፍጠር እዩ ነይሩ።

እቲ ብግብሪ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ዋላ ሓንቲ ካብ ሕድሮም ዘየኽብር ኩነታት ከኣ፡ ሓደ ጸረ ህዝቢ ባህርን ጸቢብ ረብሓን ዝኣከቦ ጉጅለ፡ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙን፡ ልዕሊ ህዝብን ሕግን ዘሽካዕልለሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ኣጽኒዑ ተማሂሩ ሃገሩ ክሃንጽ ዝነበሮም መንእሰያት ደቂ ስዉኣት፡ ገለን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ዝጠፍኣሉ ገለን ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ኣደዳ ብዙሕ ስቓያት ዝኾነሉ ኩነታት ኢና ንዕዘብ ዘለና። ብዙሓት ኤርትራውያን ወለዲ ሰማእታት፡ ደቆም ከፊሎም ብደቂ ስዉኣት ደቆም ዝሕብሓብሉ ዕድሎም ዝመኸነሉ፡ ኢሳያስ ሕሉፍ ሓሊፉ ጥልመቱ ሰማይ ዓሪጉ፡ ነታ ዋጋ ሰማእታት ዝኾነት ልኡላዊት ኤርትራ ክጣለዓላ ትንዕምንዕ ዝብለሉ፡ ኮታ ወያ ሳላ ደቃ ህይወቶም ከይበቐቑ ዝተወፈዩላ፡ ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝነበረት ኤርትራን ህዝባን፡ ናይ ኩሉ ሕማቕ ምምሕዳርን ድኽነትን ኣብነት ኮይና ኣብ እትጥቀሰሉ ቀራና መንገዲ ኢና ንርከብ ዘለና። ካብዚ ንላዕሊ መግለጺ ጥልመት ሕድሪ ሰማእታት ከኣ የለን።

“መራሒ ሃገር እየ” ስለ ዝበለ፡ ናብ ክሕደት ጉጅለ ህግዲፍ ዝያዳ  ከነድህብ ንቡር እዩ። እንተኾነ ተረካቢ ሕድሪ ሰማእታትና ህግዲፍ ከም ጉጅለ ዘይኮነ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ከኣ ብፍላይ ተረከብቲ  ሕድሪ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። ሰማእታት “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ” እንዳበሉ ነታጒ ረጊጾም ቡንባ እንዳደርበዩ፡ ካብ የማነ-ጸጋሞም  ዝሓለፉ፡ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ መቓልስቶም ዝያዳ ተረከብቲ ሕድሪ እዮም። ነዚ ረሲዖም ኣብ ጐኒ ህግዲፍ ኮይኖም፡ ብገንዘብን ጹሩራን ተዓሽዮም፡ ሕድሪ ሰማእታት ዘዕብሩ ዘለዉ  ውሑዳት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ህግዲፍ ዘለዉ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብዛዕባቶም “እቶ” እንዳበሉ ዘሰውእዎም ጀጋኑ፡ ነብሶም ክሓቱ ይግበኦም። ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እቲ ረጊጽኩምዎ ዘለኹም መሬትን ጨቢጥኩምዎ ዘለኹም ዕጥቅን ካብ ሰማእታት ዝተረከብኩምዎ ምልክት ጽንዓቶም እዩ እሞ ሕድሮም እንተ ጠሊምኩም ዓጽሞም ከይወግኣኩም ሕሰብሉ። ውላዶም ወይ ናይ ቀረባ ሰቦም ምእንቲ ሃገር ሞባእ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ስድራቤታት፡ ምእንቲ ሓላፊ ጠቕሚ፡ ምስቲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመ ጉጅለ ክትመሓዘዉ እንከለኹም ክሳብ ክንደይ ካብቲ ሓቂ ርሒቕኩም ከም ዘለኹም እተስተብህልሉን ናብ ልብኹም እትምለስሉን ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣይትዘንግዑ። 

ጉጅለ ህግዲፍ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡  ናብ ልቡ ተመሊሱ ንቡር መንገዲ ሒዙ ሕድሪ ሰማእታት ከኽብር  ክንጽበዮ ዘይኮነ ክንቀብጾ ይግበኣና። ስለዚ ሕድሪ ሰማእታትና መኺኑ ከይተርፍ፡ ብቃል ዘይኮነ ብግብሪ “ሰማእታትና ንሕና ኣለናልኩም ቅሰኑ” ናይ ምባል ሓላፍነትና  ከነሕይል ይግበኣና። 20 ሰነ ክንዝክር እንከለና ከኣ ነቲ “ንሕና ንሓልፍ ኣለና፡ ንስኻትኩም ከኣ ሓደራ ንሕድርና ቀጽልዎ” ዝብል ቃሎም ድምጽና ኣበሪኽና ከነቃልሖን ብግብሪ ከነሰንዮን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ረዚን ዘይስገር ግቡእና እዩ። ነዚ ሕድሮም ዝጠለመ ህግዲፍ ነወግድ ክንብል እንከላና፡ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ፡ ሕድሪ ሰማእታትና ንኽብር ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ከኣ ንጽባሕ ንጽበየሉ ዘይኮነ ሎሚ ቃልና ከነሕድሰሉ  ዝግበኣና ሓላፍነት እዩ።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!