EPDP News

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ ይምዕብል ብዛዕባ ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ህጹጽ መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ኣዲስ ስታንዳርድ ፖስት ሓቢራ። እቲ ሕብረት ኣብ መጸዋዕታኡ “ዓሚቕ ስኽፍታ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡  ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ብህጹጽ፡ ነቲ ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ዘይርጉእን ነቲ ናይ 2022 ስምምዕ ንድሕሪት ዝመልስን ኩነታት ዝዓግት ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ኣትሪሩ ጸዊዑ።

ኣብዚ ብ30 ማዝያ 2026 ብናይቲ ሕብረት ወጻኢ ጉዳያት ወሃቢ ቃል ዝወጸ መጸዋዕታ፡ እቲ ሕብረት  ኩሎም ወገናት ካብ ዝኾነ ይኹን ተኹታዂ ስጉምቲ ክቑጠቡ ኣዘኻኺሩ፡ ነቲ  ህውከት ጠጠው ምባል ብቐጻልነት ከውሕስ ብ2022 ኣብ ፕሪቶርያ  ዝተበጽሐ ስምምዕ ንከየፍርስዎ ኣትሪሩ ኣጠንቂቑ። ኣተሓሒዙ ድማ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሓድሽ ግጭት ካብ ዘእቱ ተግብራት ክቁጠቡ’ውን ኣዘኻኺር።

መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብሓይሊ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካዊ ዘተ ንክፍታሕ ኣመልኪቱ። ካብዚ ሓሊፉ ክፍጠር ዝኽእል ግጭት ኣዕናዊ ከም ዝኸውን ኣሚቱ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ንክልተ ዓመታት ኣብ ውግእ ጸኒሑ፡ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዕረፍቲ ረኺቡ ዝጸንሐ ከባቢ ብምጥቃስ፡ ሳዕቤኑ ብደረጃ ዞባ እውን ዝልክም ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽል ኣዘኻኺሩ። እዚ መግለጺ መጠንቀቕታ ዝወጸ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝያዳ ዝዓርግ ዘሎ ናይ ውግእ ሓደጋ ተኸቲሉ ምዃኑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልኡኽ ኤምባሲ ኣሚሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝርዝሩ’ኳ እንተዘይተገለ፡ ክልተ ናብ መቐለ ከም ዝተመላለሰ ጠፍሊጡ

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ እቲ 6 ዓመታት ዝሓለፎ እሞ ዝተመርጸሉ መስርሕ ኣብ ፕሪቶርያ ዘይሕጋዊ ዝተባለ ባይቶ ክልል ትግራይ ናብ መድረኽ መጺኡ ንሌተናል ጀነራል ታደስ ወረደ ዝትክእ ፕረሲደንት ንምምራጽ ይሸባሸቡ ኣብ ዘለውሉ ናይ ወጥሪ ግዜ እዩ። ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ እቲ ፕረሲደንትነት ክወስድዎ ከም ዝኽእሉ፡ እንተኾነ ነቲ መስርሕ ስለ ዘይድግፎ ሰላማዊ ምርኽኻብ ስልጣን ከም ዘይገብር ይገልጽ ኣብ ዘለወሉ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሉ ጥንቀቓ ንክገብሩ ዘተሓሳብ መልእኽቲ ብ27 ማዝያ 2026 ከም ዘውጸአ፡ በርሚንግሃም ላይቭ  (Birmingham Live) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። እቲ መጠንቀቕታ ኣብዚ እዋንዚ ንክሕደስ ዘድለየ፡ ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ናይ ሓደሽ ግፋን ናይ ዕቑር ሰራዊት ምብርባርን ይረአ ብምህላዉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ናይዚ ጥንቂ ከኣ እቲ ኤርትራ ኣብ እትርከበሉ ዞባ ዝረአ ዘሎ ሓፈሻዊ ዘይምርግጋእ ምዃኑ ኣስፊሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ጸጥታዊ ስጉምትታት ከም ዝውሰዱ ዝጠቐሰ እቲ መጠንቀቕጣ፡ ገያሾ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኾነ ምዕባለ ምስቲ ዝዕቆብሉ ኣካልን ዘንቀሶም ትካልንብቐጻሊ ክወኻኸሱ ከም ዝግበኦም ምዒዱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ዜጋታቱ ካብ ጸጥታውን ወተሃዳራውን ትካላት ክርሕቑ ድሕሪ ምምካር ከኣ ብዛዕባ ክፍጠር ዝኽእል ምዕባለ ኣፍልጦ ምስ ዘለዎም ወገናት ምውኽኻስን ሓበሬታ ምልውዋጥን ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ መጠንቀቕታ ብፍላይ 25 ኪሎሜተር ብኹሉ መሬታዊ ዶብ ኤርትራ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ፍሉይ ጥንቃቐ ንክገብሩ ጠቒሱ፡ ሃንደበት ለውጢ እንተደኣ ተፈጢሩ እቶም ዜጋታት ናብ ሃገሮም  ናይ ምምላስ ኮነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ ዝጽገሞም ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ፡

ጸገም እንተደኣ ኣጋጢሙ፡ ናይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ብኣካል ሓገዝ ምግባር ኮነ ካብ ኤርትራ ከም ዝወጹ ምግባር ዘይከኣል ክኸውን ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብ ገዛ ክወጹን ከም መግብን ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ነገራት ክሕዙን  መኺሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዛዕ ከም ሰዓታት እቶቶን ዝኣመሰሉን ብመንግስቲ ዝወጹ መምርሕታት ከኽብሩን ከባብያዊ መዲያትታት  ክከታተሉን ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።

ማእከላይ ኮሚተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ካብ 15 ክሳብ 16 ማዝያ 2026 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ እቲ ብ2020 ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣብ ዘይነበሮ ምርጫ ዝተመርጸ፡ ደሓር ድማ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረሰ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ናብ ቦታኡ ክምለስ ወሲኑ። እቲ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ ብዘይካዚ ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ወገናትን  ህዝቢ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝምድናኡ ንምድልዳል ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ብዝሓየለ ንክቕጽል  ምውሳኑ ብ19 ማዝያ 2026 ብዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ድሕሪቲ ኣኼባ  ምድምዳሙ  ድማ እቲ ማእከላይ ኮሚተ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ብኣባልነት ዝርከብዎን “ኮንስል ኣመራርሓ ዓቕምታት መኸተ ትግራይ”  ብዝብል ዝፍለጥ ኣካል፡ ብ17ን 18ን ማዝያ 2026 ርክብ ብምግባር እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ዝተዘራርበሎም ኣጀንዳታትን ዝወሰኖም ውሳነታት መግለጺ ከም ዝሃበ እውን ኣብቲ ዝወጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ህወሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ዝወሰድ ዘሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንቐጻሊ ሓደ ዓመት  ፕረሲደንት ግዝያዊ  ክልላዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኑ ንክቕጽል   ምስ ኣናወሓሉ እዩ። ህወሓት ነቲ ግዜኡ ዝሓለፈ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ናብ ሓላፍነት ዝመልስ ዘሎ፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ ንምትካኡ ብምሕሳብ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣቐዲሙ በቲ ዝተናወሓሉ ናይ ሓደ ዓመት መስረት ኣብ ኣስልጣኑ ከም ዝቕጽል ዘረጋገጸ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ድሕሪቲ ንፕረሲደንትነቱ ዝነጽግ ውሳነ ማእከላይ ኮሚተ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ነዚ ውሳነ ዝምልከት ርኢቶ ተጋሩ ዝተኸፋፈለ ኮይኑ፡ ከምቲ ደገፍቲ ዘለዉዎ፡ ብኣንጻሩ እቲ ቤት ምኽሪ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝፈረሰ ኣብ ርኢስ ምዃኑ፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ክልል ትግራይ ከኣ ሓሙሽተ ዓመቱ ኣሕሊፉስ 6 ዓመት ስለ ዝገበረ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቅቡልነት የብሉን ዝብል ርኢቶ የቃልሑ ኣለዉ። ኣብ ርእሲኡ ምፍራስ ውዕል ፕሪቶርያ ዘመልክት ብምዃኑ ውግእ ከም ምዕዳም ስለ ዝውሰድ ዝቃወምዎ ኣለዉ።

ናይ ቅድም ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ ውሳነ ብዝምልከት  ሰፊሕ ዝርዝር ዝሓዘ ተጻራሪ ግብረ መልሲ ከውጽእ እንከሉ፡ ብሓጺሩ “ኣዝዩ ዘስግእን ዘሰክፍን ግጉይ ስጉምቲ እዩ” ኢልዎ።  ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተል፡ ጋዜጠኛ፡ ደራስን ተመራማርን ማርቲ ፕላውት ብወገኑ፡ ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ “ነቲ ዝጸንሐ ወጥሪ መሊሱ ዘጋድድኩ እዩ” ኢልዎ። ኣብዚ እዋንዚ እዚ ወጥሪ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ናብ ኣዕናዊ ውግእ ከይምዕብል ኣብ ተጋሩ ከቢድ ስግኣት ተፈጢሩ’ሎ።

እስራኤል ሚካኤል ሎትርም ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣምበሳደር ኣብ ሶማሊላንድ ገይራ ከም ዝመዘዘት ኣልጀዚራ ሓቢራ። እስራኤል ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2026 ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ እዩ። እስራኤል ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደት ናብ ቀይሕ ባሕርን መጻብቦ ባብኤልመንደብን ዝህልዋ ናይ ምቁጽጻር ድሌት ንምርግጋጽ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ህርፋና ንብዙሓት ወገናት ዘሰክፍ ኮይኑ ዘሎ ምዕባለ እዩ።

ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ዓብደራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ድሕሪ ምምዛዝ እቲ እስራኤላዊ ኣምበሳደር፡ ንናይ ሃገሩ ሓባራዊ ኣኼባ ፓርላማ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እስራኤል ነቲ ዝኣተወትሎም ቃል ብግብሪ ከም ዘረጋገጸቶ ኣፍሊጡ ሓጐሱ ገሊጹ።

ብካልእ ወገን ድማ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንተግባር እስራኤል ኣትሪሩ ኮኒኑ፡ ነቲ ተግባር ብግህዶ ናይ ሶማሊያ መቃድሾ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ምግሃሳ ዘርኢ እዩ ኢልዎ።

እስራኤል ነታ ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣፍልጦ ክትረክብ ትጽበ ዘላ ኣፍልጦ ምሃባ ብዝተፈላለየ ኩርነዓት ዝለዓለ ተቓውሞ ዘጋጠማ ኮይኑ፡ ብፍላይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ምትሕግጋዝ ሃገራት ኣስላምን ሕብረት ኤውሮጳን ካብቶም ነቲ ተግባር ብትሪ ዝተቓወምዎ እዮም።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ እስራኤል ጌደዎን ሳኣር ብወገኑ ኣቐድም ኣቢሉ ሃግርጌሳ ኣብ ርእሲ ምብጽሑ፡  ብሚኒስተር ማይ ዝምራሕ ሽማግለ ልኢኹ ንክኢላታት ሶማሊላንድ ብክኢላታት እስራኤል ብዛዕባ ምምሕዳር ማይ ኣስተምህሮ ከም ዝወሃብ ገይሩ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢማራትን ዘሎ ዝምድና መዝሚዙ ነቲ ዘለዎ ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ክጥቀመሉ ይንቀሳቐስ ኣሎ  ዝብል ናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን “ቀይሕ ባሕሪ ካባና ሓሊፉ ንመን” ብዝብል ቅኒት መልክዕ ቀይሩ፡ ኣድላይነት ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንቑጠባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንጸጥታን ምርግጋእን ናይቲ ዞባ ወሳኒ ኣምሲሉ ከቕርቦ ዝፍትኖ ዘሎ ሓደገኛ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መተሓላለፊ ኣፍደገ ክትረክብ እትኽእል፡ ብመንገዲ ሰላማዊ ዘተን ዞባዊ ርግኣትን ጥራይ ምዃኑ፡ ኣምበሳደር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላስ ሲማርድ ምግላጹ፡  ጋዜጣ ኢትዮጵያን ሄራልድ (Ethiopian Herald)  ሓቢራ። እቲ ኣምበሳደር ነዚ ዝገለጸ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ምጅማር ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ካናዳን ኢትዮጵያን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዘተ መድረኽ  ምዃኑ ተሓቢሩ።  ኣምበሳደር ኒኮላስ ኣብ መስርሕ ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ጻዕሪ፡ ሃገሩ ተሳቲፋ  ከተበርክት ቅርብቲ ምዃና ኣብቲ መድረኽ  ምጥቃሱ’ውን እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

እቲ ኣምበሳደር ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳይ ካናዳ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ዝተመስረተ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኦም ከደልድሉ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነቲ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ግቡእ ክብደት ከም ዝህቦ ኣብቲ ኣጋጣሚ ጠቒሱ። ኣንበሳድር ኒኮላስ ብዛዕባቲ ብኢትዮጵያ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ዝካየዱ ምይይጣት ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ሃገሩ ኣብቲ ዲፕሎማሲያውን ሰላማውን መስርሕ ተሳታፊት ክትከውን ቅሩብነት ከም ዘለዋ ኣነጺሩ።

እቲ ካናዳዊ ዲፕሎማት ሃገሩ ንዞባዊ ሰላም ቀዳምነት ከምእትህብ ጠቒሱ፡ እዚ ኢትዮጵያ ተርእዮ ዘላ ክቱር ድሌት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ግሉጽን ቀጻልን ምይይጥ ብምክያድ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል ኢሉ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከም ዝተላዕለ፡ እቲ ብምይይጥ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ ረብሓኡ ቁጠባዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀጻሊ ሰላም ዘውሕሱ ኣዕኑድ ምትካል ከም ዘኽእል እውን ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ ናይቲ መድረኽ ዘተ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ካናዳን ዝጸንሐ ዓሚቕን ታሪኻውን ዝምድና ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዘካየዱን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ንግድን ዞባዊ ጸጥታን ክቕጽል ይግበኦ ከም ዝበሉ እውን፡ እቲ ካብ ጋዜጣ ኢትዮጵያን ሄራልድ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (Committee to Protect Journalists)፡ ማነጂንግ ዲይረክተር መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳር ጋዜጠኛ ሚልዮን በየነ ንክፍታሕ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጸጥታ ኢትዮጵያ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ጋዜጠኛ ሚልዮን ብ16 ማዝያ 2026 እዩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እታ መርበብ (መንነቶም ብይተፈልጡ) ክትብል ብዝገለጸቶም ከም ዝተኣስረ ኣፍሊጣ። ድሕሪ ምእሳሩ ሃለዋቱ በታ ዝሰርሓላ መርበብ  ኮነ ብቤተሰቡ ከምዘይተፈለጠ ድማ ዋና ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበሬታ ኢንሳይደር ኢትዮጵያ ብወገኑ ሓቢሩ።

20 ዓመታት ናይ ጋዜጠኝነት ተመኩሮ ዘለዎ ሚልዮን በየነ፡ ቅድሚ 4 ዓመታት ናብ ኣዲሲ ስታትንዳርድ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ኣብ ትካል ዋልታ ኢንፎርመሽን ማእከልን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያን ከም ዝሰርሐ ተፈሊጡ። እዚ ኣብቲ መርበብ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ክሰርሕ ዝጸንሐ ማነጂንግ ዲረክተር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሲኤምሲ ካብ ዝርከብ ናይቲ ዝሰርሓሉ ትካል ዋና ቤት ጽሕፈት ተወሲዱ ከም ዝተኣስረ ከኣ ተሓቢሩ።

ናይቲ መርበብ ኣሕታሚ ኣካል ዝኾነ ጃኬን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ማሕበር  ብወገኑ ድሕሪ ማእሰርቲ ሚልዮን በየነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቅድሚ ምእሳር ናይቲ ጋዜጠኛ ዝተወሰኑ ኣካላት ኣከዳድነኦም እናቐያየሩ ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ጽሕፈት ስለያዊ ምንቅስቓስ የካይዱ ከም ዝነበሩ ኣቃሊዑ።

መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ተደጋጋሚ ተጽዕኖታት ክፍጠር ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ማዝያ እውን ኣብ ልዕሊ 3 ኣባላቱ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ተወሲዱ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።

ነቲ ኩነታት ዝተኸታተለ ኮሚተ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ መንነቶም ዘይተፈልጡ ብዝተባህሉ ኣካላት ዝተኣስረ ሚልዮን ብህጹጽ ክፈትሕዎ ጸዊዑ። ነታ ሚልዮን ክሰርሓላ ዝጸንሐ መርበብ ንምዕጻው እውን እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ብዝምልከቶም ሓለፍቲ ተጽዕኖታት ክግበር ከም ዝጸንሐ  እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከባቢ ሳብ ሳህራ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ጋዜጠኛታት ካብ ዝኣስራ ሓንቲ ኮይና ከም ዝጸንሐትን ጋና ናብ ፍርዲ ዘይቀረቡ እሱራት ጋዜጥኛታት ዘለውዋ ሃገር ምዃና ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኣብ በርሊን ይካየድ ናብ ዘሎ ንሱዳን ዝምልከት  ኮንፈረንስ: ውግእ ሱዳን 4ይ  ዓመት ምሓዙ  ብዝምልከት  ብቪድዮ  መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ። ኣብቲ መልእኽቱ እቲ ውግእ ኣዝዩ ኣዕናውን ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ ቅልውላው ዝተራእየሉን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ 34 ሚልዮን ሱዳናውያን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጽበዩ ምህላዉ ኣስፊሩ። ብሰንክቲ ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ዝተጀመረ ውግእ ልዕሊ 4,5 ሚልዮን ሱዳናውያን  ከም ዝተሰዱ ሓቢሩ።

ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣተሓሒዙ፡ በቲ ናብ ራበዓይ ዓመቱ ዝሰግር ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ሱዳን፡ እቲ ጥሜት ኣብታ ናይ እንጀራ መሶብ ትበሃል ዝነብረት ሃገር ኣጋጢሙ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ናይ ሓደ ትውልዲ ህጻናት ናይ ትምህርቲ ግዜ ዝተሓሸሸሉ እዩ፡ ክብል ነቲ ኩነታት ኣምሪሩ ገሊጽዎ። ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮ ደቀንን ብሰንኪ ግሉጽን ሜላውን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተሃስያ ከኣ  ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ።

ብዛዕባ ኣቕርቦት ገንዘብ ንሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ዝጠቐሶ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ዝድለ 40% ጥራይ ከም ዝተረኽበ ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ እኹል ዘይምዃኑ ብዙሓት ሱዳናውያን ንስእነት መግቢ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን መሕወይ ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝተቓልዑ ጉተረዝ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ድሌት’ኳ ዝውስኽ ዘሎ እንተኾነ፡ እቲ ገንዘባዊ ቀረብ ግና ኣብዚ ዓመት ካብቲ ዝሓለፈ ዝያዳ ዘንቆልቁል ዘሎ እዩ።  ገንዘብ እንተዝርከብ እውን በይኑ ሰላም ክኸውን ስለ ዘይክእል፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ብተኹሲ ጠጠው ብምባል ኣቢልካ ቀጻሊ ሰላም ዘውሓስ መስርሕ ምኽታል እዩ ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ዘተኣማምን መንገዲ፡ ናብ ኣሳታፊ ሲቪላዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ብምእታው ጥራይ ባህጊ ህዝቢ ሱዳን ከም ዝወሓስ ኣስሚርሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ነቲ ምስ ካርቱም ብዘይምውኽኻስ ዝተሰርዐ ዝበሎ ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ዝካየድ ዘሎ ኮንፈረንስ፡ “መግዛእታዊ ኣተሓሕዛ እዩ” ብዝብል ኣገላልጻ፡ ምዕራባውያን ኣጀንደአን ንምጽዓን ዝመሃዘኦ እዩ ብዝብል ኣይተቐበሎን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ወደብ ጅቡቲ ታጁራ 60% ብጽሒት ቁጠባዊ ተጠቃምነት ንክህልዎ ዝቐረበሉ ጻውዒት ከም ዝተሓሰመ ሶማሊያ ቱዳይ (Somalia Today) ካብ ጅቡቲ ሓቢራ። እቲ መሕሰሚኡ ምኽንያት ናይ ተጠቃምነት ዘይኮነ፡ ናይ መተሓላለፍን ምምሕዳርን (corridor arrangement) መሰል ክህልወኒ ኣለዎ ዝብል ምዃኑ እውን ሶማሊያ ቱደይ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ድሕሪ ኣዕሚቕ መጽናዕቲ ብናይ ጅቡቲ ምምሕዳር ወደባትን ናጻ ዞናን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

ጅቡታዊ በዓል መዚ ምምሕዳር ውደባትን ናጻ ዞናን ኣቡበከር ዑመር ሃዲ ነዚ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ዝበዘሐ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ክወሃባ እኳ እንተ ወሰነት ኢትዮጵያ ግና ነቲ እማመ ኣይተቐበለቶን። እቲ በዓል መዚ ጅቡቲ ንሕና ንጹራትን ግሉጻትን ኢና ኢትዮጵያ ግና ካብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ንላዕሊ ናብ ምውናንን ምምሕዳርን መተሓላለፊ እያ ተማዕዱ ዘላ ኢሉ።

ሃዲ ኣተሓሒዙ ጅቡቲ ንሓቢርካ ምስራሕ ቅርብቲ ኮይና፡ ንመንግስታዊ ኮነ ብሕታዊ ግዳዊ ንጥፈታት ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ጥጡሕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ድልውቲ ኮይና  ክትቅጽል እያ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናይታ ኣስታት 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ግና ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኢትዮጵያ ልዕሊ 95% ንግዲ ዝወጽእን ዝኣቱን ብወደብ ጅቡቲ ምዃኑ ሃዲ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላኡ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ከም ድላያ ንግዳዊ ንጥፈታት ከተካይደሉ እትኽእል 60% ብጽሒት ትቃወመሉ ዘላ መሰረታዊ ምኽንያት ኣብ መንጎ ተጠቃምነትን ምውናንን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። እዚ ድማ ሕቶ ኢትዮጵያ ኪኖ ንግዳዊ ተጠቃምነት ዝኸይድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ክብል እውን እቲ ጅቡታዊ ሚዛኑ ኣስፊሩ። ኣብቲ ጉዳይ ርኢቶ ዝሃቡ ኣካላት ብወገኖም ኢትዮጵያ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝሰኣነቶ ዋንነት ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ክትቅበሎ ዘይምኽኣላ ዘርኢ ምዕልባጥ እዩ ኢለምዎ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስ ጀነራላቱ

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሕያሎ ጀነራላት ጡረታ ከውጽእ እንከሎ; ንዓኣቶም ዝትክኡ ሓድሽ መዓርጋት ከም ዝሃበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢራ። እቲ ዜና ነቲ ስጉምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡   ኣተሓሒዙ እቶም ጡረታ ዝወጹ 21 ኮይኖም፡ መዓርጎም ከኣ መጀር ጀነራል ምዃኑ ጠቒሱ። ካብቶም ጡረታ ዘወጹ ጀነራላት፡ ዲያብ ባድር ዲያብ፡ ካልድ ኣልቃዲ፡ ቃንዲል በሽርን ካሊድ ኣቤል ምታኣን ፍሉጣት ምንባሮም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።

ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓደስቲ ናብ ዝለዓለ መዓርግ ንምድያብን ነባራት ጡረታ ንምውጻእን ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ ኣፍሊጡ። እቲ ዜና ብተወሳኺ እቲ ምዓርግ ምሃብን ጡረታ ምውጻእን ብናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን መሰረት ገይሩ  ዝተተግበረ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ እዋናውነት ናይቲ ስጉምቲ ብእስላማዊ ኣካላት ናይታ ሃገር ከም ዝተነቐፈ ተፈሊጡ። እቲ ነቐፈታ ካብቶም ጡረታ ወጺኦም ዘለዉ፡ መብዝሕትኦም ኣብቲ ኣንጻር ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ክብሪ ውግእ ዓብይ ግደ ዝጸንሖም እዮም ብዝብል እዩ። እቲ ምትዕርራይ ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅመር ንኻለኣይ ግዜ ዝተኻየደ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ስጉምቲ ምስ ምኽባርን ዘይምኽባርን ወተሃደራዊ ስነ-ስርዓት ምትእስሳር ከምዘለዎ’ውን ተፈሊጡ።

ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ኣካላት ከኣ፡ ወተሃደራዊ ኩነታት ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን ኣብ ምርግጋእን ዳግመ ውደባን ኣትዩ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ ኢለምዎ።

ወዲ 78 ዓመት ፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ ን6ይ ግዜ ተወዳዲሩ፡ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከም ዝሰዓረ ቢቢሲ ሓቢራ። ካለኦት ተቓወምቲ መወዳድርቱ ካብቲ ምርጫ ክስሕቡ እንከለዉ፡ ምስ ዑመር ገለ ዝተወዳደረ መሓመድ ፋራሕ ሰመተር ድማ 2 ካብ ሚእቲ ድምጺ ከም ዝረኸበ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።

ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዑመር ገለ፡ ኣብዚ ብ10 ማዝያ 2026 ዝተኻየደ ምርጫ ኣይክሳተፍን እዩ  ዝብል ትጽቢት’ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ካብ ወዲ 75 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ምርጫ ኣይወዳደርን ዝብል ዝነበረ ናይታ ሃገር  ሕገምንግስታዊ ዓንቀጽ ኣመሓይሹ ከም ዝተወዳደረ ተፈሊጡ።

ዑመር ገለ ኣብ ድሮ ምርጫኡ ወፈራ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝጐስጐሰሉ ዝነበረ፡ ጐረባብቲ ጅቡትን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝለዐለ ቅልውላውን ስግኣትን ክህልዋ እንከለዋ፡ ንሱ ግና  ንጅቡቲ  ብርግኣትን ሰላምን ከመሓድራ ምጽንሑ ዝገልጽ እዩ ነይሩ። ዑመር ገለ ጅቡቲ ብ1977 ካብ ፈረንሳ ናጻ ካብ እትወጽእ ዝመርሓ ዘሎ 2ይ ፕረሲደንት እዩ። ከም ዳሂር ኣሕመድ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፖለትከኛታት ናይታ ሃገር ካብ 2016 ጀሚሮም እዮም እቲ ዝስዕር መን ምዃኑ ብምርዳእ ካብቲ ምርጫ ክስሕቡ ጸኒሖም።

እቲ ፕረሲደንት ድሕሪቲ 80 ሚእታዊት ካብቶም ዝተመዝገቡ መረጽቲ ዘድመጽሉ መስርሕ ምርጫ ምዕዋቱ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዓወት ናቱ ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሃገር ምዃኑ ምግላጹ ተጠቒሱ።  እቲ ዝተሳዕረ መወዳድርቱ ግና ብዛዕባቲ ኩነታት ዝሃቦ መግለጺ የለን። ናይቲ ምርጫ ውጽኢት ዝገለጸ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክኸውን እንከሎ፡ ቅድሚ ዑመር ገለ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ  ብቤት ፍርዲ  ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር።

ጅቡቲ ብዘለዋ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡  ናይቲ ብደረጃ ዓለም ጻዕቂ ምንቅስቓስ  ካብ ዝረኣየለን ሓንቲ  ዝኾነት  ወሽመጥ ባብኤልመደብ ቀንዲ መራኸቢት እያ። ርግኣት ጅቡቲ ሳላ ናይተን ኣብኣ ወተሃደራዊ መደበራት ዘለወን ሓያልት ሃገራት ዝተፈጥረ እዩ ዝብል ናይ ምዙሓት ግምት እዩ።