EPDP News

ወድ–ሸሪፈይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ትርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከባ ንእሽቶ ከተማ እያ። ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ ንክንድዚ ዓመታት ዝኣክል᎓ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ከይሰልከየት ብትግርኛን ዓረብን ኣገልግሎት ክትህብ ዝገብራ ብልጫታት᎓ እኩብ ድምር ናይዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እዩ። ንሳቶም ድማ፤ ተወፋይነት መማህራና ᎓ ናይቶም ዘይሕለሉ ኣባላት ኣሰ Association Suisse Enfance-Erythrée (ASEE) ጻዕርን᎓ ምትሕብባር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላን᎓ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ሰሜን ኣመሪካን᎓ መሓዙት ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ ኣብ ሽወደንን ግዱሳት ውልቀሰባት ኣብ መላእ ዓለምን እዩ።

ወድ–ሸሪፈይ ብቤት ትምህርቲ ድኻታት ዝብል ቅጽል ስም እያ ትጽዋዕ᎓ እቲ ምኽንያት ካኣ᎓ ተመሃሮ ዝኸፍልዎ ዓመታዊ ክፍሊት ምስ ካልኦት ብምዝማድ ኣዝዩ ትሑት ብምዃኑን ተመሃሮ ኣብ ነብሲ ወከፍ ካልኣይ ዓመት ብነጻ ዝዕደልዎ ዩኒፎርምን እዩ። ካብቲ ብተማሃሮኣ ዝረአ ጽቡቕ ውጽኢት ተመርኩሶምውን ሰበስልጣን ክፍሊ ትምህርቲ መንግስቲ ሱዳን᎓ ነታ ቤት ትምህርቲ ናይ ታሽዓይ ክፍሊ ትምህርቲ (ማእከላይ ደረጃ) ዘይትህበሉ ምኽንያት የልቦን እዮም ዝብሉዋ። ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ነዚ ክዉን ንምግባር᎓ ዘድሊ ፋይናንስያውን ንዋታውን ንምድላው ምስ መሓዙቶም ኣብ ምርድዳእ ይርከቡ።

Students of Wed Sheifey School 1

እታ ንመበል 35 ዓመታት ኤርትራዊ ካሪክለም እናተኸተለት ንስደተኛታት ቆልዑ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ከተወፊ ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ ሕጂውን ከምቲ ልሙድ ብዕለት 23 ሰነ ናይ 2019–2020 ዓመታዊ መደብ ትምህርቲ 686 ተመሃሮ ብምምዝጋብ እያ ስራሓ ጀሚራ ዘላ። ብመሰረት መምርሒ ክፍሊ ትምህርቲ መንግስቲ ሱዳን᎓ ኣከደሚካዊ ትምህርቲ ኩለን ቤት ትምህርትታት ሱዳን᎓ ካብ ወሒ ሓምለ ክሳብ ወርሒ መጋቢት እዩ ዝወሃብ።  

ከም ዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ ወቕተ–ትምህርቲ፤ ዝተፈላለዩ ባህርያዊ ዕንቅፋታት ከም ዕልቕልቕ ናይ ዝናብን ተላጋቢ ሕማምን ስለዘጋጠማ  ስሩዕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብግቡእ ከተካይድ ተጻጊማ ጸኒሓ እያ። ብተወሳኺ ድማ ብሰንኪቲ ከጋጥም ዝጸነሐ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት᎓ ባንክታት ሱዳን ብግቡእ ክሰርሕ ብዘይምጽንሑ᎓ ደሞዝ መማህራን ኣብ ግቡኡን ዕለቱን ክወሃብ ስለ ዘይተኻእለ᎓ ኣብ መነባብሮ መማህራን ሃስያ ኣስዒቡ እዩ። እተን ስሩዕ ትምህርቲ ዝወሃበለን ግዜታትውን እንተኾና ካብ ክቱር ዋዒ ተማሃሮ ይኹን መማህራን ብኣድማዕነት ክዋስኡ ከምዘይክእሉ ርዱእ እዩ። ነዚ ሽግርዚ ንምቅላል ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ፤ ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ናይ ምስሓብ ፍቓድ ኣብ ምውጻእን ምስ ተኾናተርቲ ኣብ ዝርርብ ይርከብ።

ብኢድሪስ እስማዒል   

 

By Idris Ismael, School Supervisor

The Wad-Sherifey School for Eritrean refugees, located near the Eritrean border in Eastern Sudan, started another new academic year on 23 June 2019 with 686 refugee children.

Thanks to the uninterrupted generosity of friends of the school, both charities and individuals, this is the 36th academic year for Wad-Sherifey School to give hope and a better future for children and families who fled home in search of safety.

Per guidelines  of Sudanese education authorities, academic years in the country extend between July and March each year in both private and public schools.

The Wad Sherifey School, teaching in Eritrean curriculum, and using both Arabic and Tigrigna in the elementary classes, was founded and is still administered by the Eritrean Red Cross-Crescent Society (ERCCS). Each year, the school enrolls up to 700 students, with about equal number of boys and girls. Students of Wed Sheifey School 1

During the previous academic year that ended last March, the school faced various challenges that included damage on school buildings due to heavy rains; interruption of classes due to insecurity in the Sudan as well as an infectious epidemic caused by so-called chikungunya virus, and lack of air conditioning facilities. The school administration is in contact with the city council to acquire the necessary legal permission for power supply.  

ብ11 ሓምለ 2019፡ ዝተጋበአ መበል 41 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንክከታተላ  ኣናዊሑለን።

ዊ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ እተን ፈቓደን ዝተሓደሰለን ውይዘሮ ናብ ኤርትራ ኣትየን ዘድሊ ሓበሬታ ንክረኽባ ተማሕጺኑ። ኣብ ርእሲዚ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት እዘን ወይዘሮ ንኤርትራ ዝምልከት ኣድላይ ሓበሬታ  ዝረኽባሉ ኩነታት ክሰርዓለን እሞ፡ ኣብ ናይ 2020  ኣኼባ ናይቲ ባይቶን፡ መበል 75 ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራትን ናይ ቃልን ጽሑፍን ጸብጻበን  ከቕርባ ዝኽእላሉ ኩነታት ክፍጠረለን ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት እቲ ፈቓድ ናይተን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ክከታተላ ዝምደባ፡ኣብቲ ስራሕ ናይ ምቕጻል ፈቓደን ብናይ ተሳተፍቲ ምሉእ ደገፍ እዩ ክሕደስ ጸኒሑ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግና ኤርትራ ብዝተወሰኑ፡ ናይ ኣፍሪቃ፡ ዓረብን ካለኦት ጨቆንቲ ሃገራትን፡ ምውካላ ስለ ዘተባብዐ፡ ዝተፈለየ ኩነታት ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ባይቶ እዘን ሓላፊት ኣብ ምክትታል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንክቕጽላ፡ 21 ሃገራት ደጊፈንአን። 13 ተወከልቲ ከኣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ወጊኖም ኣድሚጾም። 13 ተወከልቲ ድማ ካብ ምድጋፍ ኮነ ምቅዋም ተዓቂቦም።.

The 41st Session of the UN Human Rights Council on 11 July voted to extend the mandate of the Eritrea Rapporteur for Human Rights, Ms Daniela Kravetz.

Besides urging Eritrea to cooperate fully with the UN expert on human rights and to give her access to the country, the Council also decided to ask the UN Secretary General to provide the Special Rapporteur with all the information and resources necessary to fulfill the mandate, and Ms Kravetz to present oral and written reports during Council meetings in 2020 and also present her repot to the UN General Assembly during its 75th Session.

For the past six years, the mandate was being renewed by unanimous vote. It was made different this year when Eritrea asked for open vote encouraged by several favourable votes from African, Arab and authoritarian states. There were 21 votes for the motion for extended scrutiny on Eritrea while 13 votes supported Eritrea. Other 13 states abstained from voting.

ብምኽንያት ዕረፍቲ ወይዘሮ ዓይሻ ዑስማን ኢድሪስ፡ በዓልቲ ቤቱ ንስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንነፍስሄር መንግስተ-ሰማይ የዋርሳ፡ ንቤተ-ሰባን ደቃን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ጠሉን ምሕረቱን ድማ የውርደሎም እናበለና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

10 ሓምለ 2019

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) መላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ጭቆናን ግፍዕን ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ልዑላውነት ኤርትራ ዕሽሽ ኣብ ዝበለሉን ኲነታት ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ቅሳነትን ተሓሪምዎ ኣብ ዝሕመሰሉን ዘሎ እዋን፡ እዩ ካብ ዕለት 29-30 ሰነ 2019 ምዱብ ሓሙሻይ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ካብ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዝቐረበ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ጸብጻብ ሰሚዑን ተመያይጡን።

ማእከላይ ባይቶ፡ ነዞም ጸብጻባት ዘድሊ መአረምታን ምምሕያሽን ድሕሪ ምግባር ኣብ’ቲ ቅድሚ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ ኣባላት ሰዲህኤ ኣውሪዱ ክመያየጠሉን ናይ መወዳእታ መዛዘሚ ክገብረሉን ምዃኑ ወሲኑ ኣሎ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ 4 ዓመታት ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ እተኸናወኑ ጕዳያት ኣዝዮም ብዙሓትን ዕዉታትን ምንባሮምን እኳ እንተመዘነ፡ ሰዲህኤ ዝሓለፎም ውሽጣዊ ቅልውላዋትን ብዝተበገሶ ናህሪ ንኸይቅጽል ዘጋጠሞ ማሕለኻታትን ሃሰያታትን ቀለልቲ ከምዘይነበሩ ገምጊሙ። ሳላ ጽንዓትን ተወፋይነት ኣባላቱን ግን፡ ንዅሉ ሰጊሩ፡ ኣብ ልዳት ናይ 3ይን ሓባራውን ጕባኤ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ምብጽሑ ከምዘሐበኖ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ማእከላይ ባይቶ ን3ይ ሓባራውን ጕባኤ ንምክያድ ብኣባላት ክልቲኡ ውድባት ዝተገብረ ወፈያ፡ ክብ ዝበለ ምስጋናኡን ናእዳኡን ኣብጺሑ። ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ጕባኤን ንሓጻዪት ሽማግለን ድማ፡ ዕዉት ጕባኤ ንምክያድ ዝገብርኦ ዘለዋ ምድላዋት ኣድናቖቱን መጐሱን ገሊጹ። ከምኡ’ውን፡ ነዚ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ውድባት እተበጽሐ ስምምዓት ክውን ንምግባር ከይሰልከዩ ዝጻዓሩ ኣባላት ሽማግለ ልዝብ ክልቲኡ ውድባትን መሪሕነታቱን ምስጋናኡ ገሊጹ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ነቲ ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ተጀሚሩ ዘሎ ልዝብ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ካብኡ ዝጥለብ ጻዕርታት ከበርክት ድልዊ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ክርአ ዝጸንሐን ዘሎ ምዕባለታትን ውን ዳህሲሱ። እቲ ኣብ መንጐ ስርዓት ኢሳያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን እተገብረ ውዕል ሰላም ኰነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝገበሮ መብጽዓ ምፍጻም ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ካብ መብጽዓ ሓሊፉ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ መዚኑ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ብመራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ክውሃብ ዝተሰምዐ መግለጽታትን ብጽሖታትን ንልዑላውነት ኤርትራ ዝግህስ፡ ንምጥራር ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕሽሽ ዝብል፡ ንናይ ግዳም ሓይልታት ምትእትታው ዕድል ዝህብ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ድማ ንኽስደድ ዘገድድ ኣስጋኢ ኵነታት ፈጢሩ ምህላዉ መዚኑ። “ይኣክል” ዝብል ኣብ ወጻን ኣብ ውሽጥን ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ ድማ ግብረ-መልሲ ናይ’ዚ ኣሰካፊ ክስተታት’ዚ ምዃኑ ድሕሪ ምግንዛብ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ዘጃጀወን መቐጸልታ ናይ’ቲ ቅድሚኡ ክካየዱ ዝጸንሑ ተቓውሞታት ምዃኑን ገምጊሙ። እዚ ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ኵሎም ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝነብርሎም ከተማታት ክቕጽልን ንውሽጢ ኤርትራ ክልሕዅን ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ነዚ ምንቅስቓስ’ዚ ንምእላይ ዝግበር ፈተነታት ኵሉ ዘየዐዉት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግሃድ ዘሎ ሞት፡ ምፍንቓልን ስደትን ብሓፈሻ፤ ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ብ22 ሰነ 2019 ዝተኸስተ ቅትለታት ድማ ብፍላይ፡ ጕድለት እርኑብን ውሁድን ኣተሓሕዛ ዘስዓቦ፡ ንኢትዮጵያን ህዝባን ናብ ዘይተፈልጠ መጻኢ ዘምርሕ ሓደገኛ ቃራና መንገዲ ኣብጺሕዋ ምህላዉ ተገንዚቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ምብትታትን ነቲ ዞባ ብምሉእ ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ መግለጺ ዘየድልዮ ብሩህ ጕዳይ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ብሰንክ’ቲ ብ22 ሰነ 2019 ዘጋጠመ ናይ ሕድሕድ ምቅትታል፡ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን መንግስተ-ሰማይ የዋርሶም፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ጽንዓት ይሃቦ እናበልና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክንገልጽ ንፈቱ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታትን  ብመሰጋገሪ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ዝውሃብ ዘሎ ጐነጻዊ መልስን ብትዅረት ተመልኪትዎ። ሰዲህኤ፡ ነቲ ዘይምኽኑይ ጎነጻዊ መልሲ ወተሃደራዊ መሰጋጋገሪ ባይቶ ሱዳን ቅኑዕ መፍትሒ ኢዩ ዝብል እምነት ስለዘይብሉ ብትሪ ይነጽጎ። ብሰንኪ እዚ ጉጉይ መልሲ እዚ ሂወቶም ንዝሰኣኑ ንጹሃት ዜጋታት ኣመልኪቱ ድማ፡ ንህዝቢ ሱዳን ጽንዓት ይሃብካ ይብል። ህዝቢ ሱዳን ፍትሒ፡ ብልጽግናን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ መጐሱ ይገልጽ። መንግስቲ ኤርትራን መሓዝቱ ዝዀኑ መለኽቲ መንግስታትን ንረብሓታቶም ክብሉ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ሱዳን ዝገብርዎ ዘለዉ ምትእትታው ደው ከብሉ ድማ ይጽውዕ። 

ምልኪ ንምፍራስን ፍትሒ ንምንጋስን ሓቢርና ንቃለስ

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

6 ሓምለ 2019  

ወይዘሮ ዳኒኤላ ክራቨትዝ ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብ2 ሓምለ 2019   ኣብ ቀዳማይ ዓመታዊ ጸብጻበን ንኤርትራ ዝምልከት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብጽሑፍ ኣቕሪበን። ኣብዚ ጸብጻበን መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ሓድሽ ናይ ሰላም ስምምዕ ምግባሩን ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምጽንባራን፡ ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል  ዘይምምሕያሹ  ዝሓደረን ሻቕሎት ገሊጸን። ኣስዒበን ድማ ኤርትራ ኣብቲ ኩነታት ከተመሓይሽ ትኽእል እያ ኢልካ ንምግማት ዘኽእል ዋላ ሓንቲ ምልከት ከምዘየለ ሓቢረን።

እተን ክኢላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ብብዝሒ ሃገሮም ራሕሪሖም ይስደዱ ኣለዉ ኢለን። ወይዘሮ ክራቨትዝ ኣብዚ ኣጋጣሚ ብጀርመናዊ ዲፕሎማት ንዝቐረበን ሕቶ ክምልሳ እንከለዋ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ሶማላውያን ስደተኛታት እውን፡ ካብቲ ዘለዉዎ መደበር ወጻኢ ክራኸቡ ስለ ዘይፍቀደሎም፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሮም ካብ ኤርትራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ይሃድሙ ኣለዉ ኢለን፡ ናይ ህድማኦም ጠንቂ ከኣ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ስለ ዘይተስመዖም እዮም ክብላ ገሊጸን።

እዘን ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ወይዘሮ ክራቨትዝ፡ ኣብ መእተዊ ጸብጻበን፡ እቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ቀጻሊ ኣሎ  ምስበላ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ 21 ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትካላት ጥዕና ብመንግስቲ ኤርትራ ምምንዝዐን ሓደ ምልክት ምዃኑ  ኣስፊረን። ኣስዒበን ከኣ በዘን ትካላት ክጥቀም ዝጸንሐ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ብሰንክዚ ስጉምቲ ክሳቐ እዩ ኢለን።

መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ጸብጻብ ምስተገንዘቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቡ እቲ ዝተሓተ ተገዳስነትን ፍቕርን ብዘይምርኣዩ ዝሓደሮም ሻቕሎትን ስንባደን ኣንጸባሪቖም።

ልኡኽ ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ከምቲ ልሙድ ነቲ ዝቕረበ ጸብጻብ “ዘይቅቡል” ኢልዎ። ከምኡ እውን ከም ቬንዙዋላን ኢራንን፡ ዝኣመሰላ ሃገራት ምስ ልኡኽ ኤርትራ ወጊነን። ካብኡ ሓሊፈን ቀጻልነት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣየድልን ክሳብ ምባል በጺሐን።

UN Human Rights Rapporteur for Eritre, Ms Daniela Kravetz, presented on Tuesday, 2 July, her first written annual report to the UN Human Rights Council and expressed deep concern and regret on Eritrea’s failure to improve the situation of human rights in spite of the peace accord with Ethiopia a year ago and Eritrea itself joining the Human Rights Council as a new member. She said there are not even “signs to suggest” that Eritrea is willing to change course any time soon.

The UN expert also reported that Eritreans still fleeing the country in big numbers. While answering to a question by a German diplomat, Ms Kravetz confessed that even Somali refugees in Eritrea were denied contact outside their camp and are, since last December, escaping to the neighboring countries because “they no longer feel free and safe to stay in Eritrea.”

In her introductory remarks, Ms Kravetz stated that the acts of human rights violations are continued to this day, and the listed recent incidents that included incarcerations and seizure of private properties like the 21 health facilities of the Catholic Church in the country. She said needy people in the rural areas will suffer the consequences of the unwarranted actions of the government.

 (See her full report: https://reliefweb.int/report/eritrea/report-special-rapporteur-situation-human-rights-eritrea-ahrc4153).

Majority of the speakers at the session expressed alarm and dismay about what is taking place in Eritrea and blamed the authorities of not showing the most minimum “care and love” for their own people.

As usual, the Eritrean delegate, Mr. Tesfamichael Gerhatu, found the reprt “unacceptable.”  Also as usual, countries like Venezuela and Iran took side with the Eritrean envoy and even suggested that the mandate of the UN Human Rights Rapporteur for Eritrea should be terminated now.

ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕን ብይን ኮሚሽን ዶባት ሕቡራት ሃገራትን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኢየ ምስ በለ፤ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንዅሉ’ቲ ማሕላኡን ጣሕላኡን ገዲፉ፡ ሕጂ መራሒ ረኺብና፡ ንሕና ድማ ክንክተሎ ኢና፣ ኣይከሰርናን፣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ`ዩ ኢሉ ዝዛረብ  ድሕሪ ሕጂ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ ኢዩ፣ ካብ ጕዳይ ዶብ ዝዓቢ ዞባዊ ጕዳያት ኣሎና፣  ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እግሪ ክሳብ ዝተክል ዕድል ክንህቦ ኣሎና፣ ዝብሉ ናይ ክድዓትን ጥልመትን መደራጉሕ ፈነወልና። እዚ ጥራሕ ከይኣክል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ናይ ፍቕሪ ፍሽኽታ፡ ምድንፋቕን ዓይኑ ንብዓት ቍጽርጽር እናበሎ ኣፍልቡ እናሃረመ ኣብ ኵለን እተን ዝበጽሐን ከተማታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ልባዊ ፍቕሩ ክገልጽን ሕግብግብ ክብልን ተራእየ። ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወኪላ ምስ ወጻኢ ሃገራት ክትውዓዓል ድማ ማዕጾ ኣርሓወላ።

እዚ፡ ምስ’ቲ ብለካቲት 1991 ዓ.ም ንኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዋዊሱ ናይ ምምራሕ ዝነበሮ ባህግን መደብን፤ ከምኡ’ውን፡ ገማግም ኤርትራ ናይ ስዑዲ ዓረብ ትመርሖ ልፍንቲ ሃገራት ኣዕራብ መንሃርያ መደበር ምግባሩ ተደማሚሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ከቢድ ሻቕሎትን ጥርጣረን ፈጠረሉ። እቶም ንስርዓት ኢሳያስ ዝቃወምዎ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዙሓት ካብ’ቶም ኣብኡ እምነት ዝነበሮም እውን ክጸርዎን ክከላኸልሉን ኣብ ዘይክእልሉ ኵነታት ወደቑ።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዝተበገሰ ናይ “ይኣክል” ጻውዒት፡ ናይ ኵሎም ፖለቲካውን ማሕበራውን ክፍልታትን ሃይማኖታትን ተቐባልነትን ደገፍን ረኸበ። ኣብ ደገ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዘዝነብረሉ ቦታታት ኰይኑ፡

1.   ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብህጹጽ ይጠረር፤

2.   ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ውዕላት ኣይንቕበልን፤

3.   እምቢ ንምልኪ፤ እወ ንፍትሒ

4.   ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንምብትታን፡ ይኣክል ንስደት፡ ይኣክል ንደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት….

…ዝብል ድምጽታት ኣጋውሐን ሰላማዊ ሰልፍታትን ሰሚናራትን ኣጋብአን። ነዚ ምንቅስቓሳት’ዚ ብቃለ-መሓትትን ዜናን ኣሰንዩ፡ ብረድዮን ብተለቪዝንን ናብ ውሽጢ ኤርትራ ብምዝርጋሕ ንስርዓት ኢሳያስ ዘጃጀወ ዓቢን ኣድማዒን ምንቅስቓስ ፈጸመ። ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ከይተረፈ ብዝተፈላለየ ስልትታት ዝተሰነየ “ይኣክል” ዝብል ጽሑፋት ኣብ ምዝርጋሕ ተዋፊሩ ይርከብ። እዚ ማዕበል’ዚ ንስርዓት ኢሳያስ ቅድሚ ሕጂ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ራዕድን ምሽቝራርን ኣሕዲርሉ ኢዩ። ነዛ ቆርበቱ ንምድሓን ምስ ናይ ከባቢና መለኽቲ ስርዓታት ብምምሕዛው ነቲ ኣብ ሱዳን ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ሕፍር ከይበለ ክጻረርን ክቆጽን ይህቅን ምህላዉ ድማ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ናይ “ይኣክል” ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ምክልኻል ሓይልታቱን ንምልዕዓልን ንምጽላውን ምስ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዝሳነ ኣገባብን ስልትን ብምኽታል ጻዕርታቱ ከዛይድን ክቕጽልን ይግባእ።

ስለ’ዚ፡ እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሕጂ ኢዩ ዝጅምር ዘሎ እምበር ዕማሙ ኣይወድአን። እዚ ዝተገብረ ቀዳማይ ማዕበል ኢዩ። ካልኣይ፡ ሳልሳይ እናበለ ዝሓየለ ማዕበላት ክስዕብ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ዘዘለናዮ ሃገር፡ ንጽልዋ ናይ ምልካዊ ስርዓት ንምድኻም ምቅላስ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ዕማም ኢዩ። ስለ’ዚ ተሓጋጊዝና ነቲ ስርዓት ንምንብርካኽን ናይ ህዝቢ ድሌት ንኽፍጸም ምግባርን ከድልየና ኢዩ።

መሰረታዊ ሕቶ ድማ፡ ዶብና ምሕንጻጽ፡ ልዑላውነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ምርግጋጽ፡ ምልኪ ኣልጊስካ ሰላምን ፍትሕን ዝነግሰላ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝኽበረላ ስርዓት ምህናጽ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንዝኣተዎ መብጽዓ፡ ማለት ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕል ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት ከምዘለዎ ከዘኻኽር እፈቱ።

ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ከም ፖለቲካዊ ውድባት ብቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዝምርሑን ዝግዝኡን ኣይኰኑን። ኣባልን ዘይኣባልን ዝብል መስፈሪ እውን የብሎምን። ህዝቢ ኣብ ውሱናት ጕዳያት ተሰማሚዑ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝዝንቢ ዘሎ ሓደጋ ንምእላይ በብዝኽእሎ ኣገባብን ዓቕምን ዝዋስእሉ መድረኻት ምፍጣር ኢዩ ዘድሊ። ስነ-ኪነታውያን ብጽሑፍኦም፡ ስእልታቶምን ሙዚቃኦምን፣ ምሁራት ብትምህርቶም፡ መጽናዕቶምን ኣመራርሓኦምን፣ ሃብታማት ብገንዘቦም፣ መንእሰያት ብጉልበቶምን መሃዝነቶምን፣ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ብልቦናአን ናይ ምምሕዳር ክእለተንን ወዘተ … ኮታ ኵሉ ዜጋ በብዓቕሙ ዝጐየላን ተዋሃሂዱ ዝሰርሓላን ዕማም ክትህልዎ ይግባእ።

ስለ’ዚ፡ ኣብ ዘዘለናዮም ከተማታት፡ ከም ኤርትራውያን ዜጋታት ተኣኪብና ነዚ ስርዓት’ዚ ክሳብ ዘልግስ ሓቢርና ነድምጽን ሓቢርና ንስራሕን።

ዓወት ድማ ናይ ህዝቢ ኢዩ!!

ምልኪ ይፍረስ፡ ፍትሒ ይንገስ!!

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

27 ሰነ 2019

In a timely appeal addressed to the UN Secretary General as well as to the UN Security Council and copied to all heads of delegations to the 41st Session of UN Human Rights Council opened in Geneva today, 24 June, the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) urged the UN to act upon its pledges, including the so far “forgotten” conclusions of its own Commission of Inquiry on human rights abuses in Eritrea which were believed to be “crimes against humanity.

The message, issued by the EPDP Chairman Menghesteab Asmerom, took note of the growing “Enough is Enough” wave of protests by Eritreans everywhere,  and urged  the UN system to kindly help a smooth change in Eritrea by putting more pressure on the reckless regime in Asmara. The 41st Session of the UN Human Rights Council was also urged to follow up on the conclusions of its own commission of inquiry. (Full text of the relatively short EPDP message is printed below).

EPDP Reminds the UN System of Its 2016 Inquiry Findings in Eritrea 2

UN Security Council has the duty to act upon findings of the commission of inquiry on Eritrea

To: H.E. Mr. Antonio Guterres,

UN Secretary General, New York

CC: Member States of the UN Security Council,

  1. Heads of Delegations to the 41st Session of

The UN Human Rights Council,

Geneva                                                                                      

 

Dear UN Secretary General Guterres,

Dear UN Security Council Members,

As the 41st Session of the UN Human Rights Council opens in Geneva today, 24 June, the vast majority of Eritreans, who are now rallying for democratic change under the slogan of “Enough is Enough,” deserve the attention of your esteemed offices. Eritreans still hope that UN system, which faltered on Eritrean issues several times in the past,  may now help in finding a  peaceful resolution for its current problems before the already disastrous situation gets much worse, trailing it very bad consequences on the region as a whole. Acting now, even belatedly, on the 2016 recommendations of the UN Commission of Inquiry on Eritrea could be a helpful first step to end the human suffering in small and still poor Eritrea.

Dear SG and Madams/Sirs,

The international community is well aware that the UN Commission of Inquiry on human rights in Eritrea concluded in its report of June 2016 that it had reasonable grounds to believe that “crimes against humanity” have been committed in Eritrea since 1991. It listed the crimes to have included enslavement, imprisonment, enforced disappearance, torture, other inhumane acts, persecution, rape and murder. The commission affirmed  that without substantial legal and institutional reform, Eritrea is not capable of providing accountability to these crimes and violations. It therefore recommended that “the [UN] Security Council refer the situation in Eritrea to the Prosecutor of the International Court [of Justice] for consideration, and that the States Members of the United Nations exercise their obligation to prosecute or extradite any individual suspected of international crimes present on the territory.”

It is now three years since the conclusions and recommendations of the UN Commission of Inquiry on Eritrea have been submitted for further action of the UN Secretary General and the Security Council. Sadly, the Eritrean people have not yet heard a word on this from both.

Your Excellencies,

All recent reports confirm that nothing is changing in the Eritrean situation.  On the contrary, everyone is watching it worsening by the day, probably until it eventually becomes a real cause of instability in the Horn of Africa region and beyond.

We therefore call upon the esteemed offices of the Secretary General and the Security Council to pick up the forgotten report of the UN COI on Eritrea and act upon its pertinent conclusions and recommendations without further delay.

In the meantime, the current 41st Session of the UN Human Rights Council is urged to consider asking again the UN Secretary General and the Security Council to act upon those recommendations for action on Eritrea.   

Respectfully  yours,

 Menghesteab Asmerom, Chairman,

The Eritrean People's Democratic Party (EPDP) in exile.

24 June, 2019