EPDP News

ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ7 ታሕሳት 2025 ኣኼባ ከም ዘካየደ ካብቲ ቤት ዝሕፈት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብ መኸፈቲ እቲ ኣኼባ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ሓላፊ መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳን ብጻይ ክብሮም ዓንዶም ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።

ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ምስ መንእሰያት፡ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ተራኺቡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሉላውነት ሃገርን ሓለዋኡን  ንምዝርራብ ዘይተቖጠበ ጻዕሪ ከም ዘካየደን ኣብ መጻኢ እውን ክቕጽሎ ምዃኑን ንተሳተፍቲ ብሰፊሑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ሰዲህኤ ኣብ 2025 ዝጀመሮም መደባት ኣብ 2026 እውን ከም ዝቕጽሎምን ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውዳበታት ብምርኻብ ጻዕሩ ንክቕጽል ድልዊ ምህላዉ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ኣብ ቀጻሊ ዝገበር ጻዕሪ ምዕቃብ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ከይተወደቡ ኣማዕድዮም ዝዕዘቡ ዘለዉ መንእሰያት ከም ዝውደቡ ምግባርን፡ ምኽባር ሃገራውን ህዝባውን በዓላትን ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዝወሃቦም ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ 2026 መዓልቲ ናጽነት ናይ ምኽባር መደብ ከም ዘለዎም  ገሊጹ።

ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ኣብ መጻኢ ብዘለዎም ዓቕሚ፡ ብመንጽር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መትከላትን ሰልፎም ህዝብን ሃገርን ዝማእከሉ ቃልሲ ከካይዱ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቃልሲ ብሪገድ ንሓመዱ ዝረአ ዘሎ ምዕብልናታት፡ ሃገራውን ህዝባውን ቀይሕ መስመር ጥሒሱ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ከየውድቕ፡ብትሪ ኣተሓሳሲቦም ክብል እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ። 

ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ፡ ዝወደቦ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ዝመርሖን  ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍዎን ኣኼባ ብ6 ታሕሳስ 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ ዓመተ 2025 ኣብ ኩሉ መዳያት ሰልፋዊ ምንቅስቓስ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን መዳያት ዝተራእዩ ምዕባለታትን ምስ ግደ ሰልፊ ብምትሕሓዝ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መጻኢ ዓመት 2026 ክዕመሙ ብዛዕባ ዝግበኦም እውን ኣሚቱ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብ መግለጺኡ ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት ካብ ዝተዓሙ፡ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያልን ዝሓሸ መንገዲ ንምኽታልን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣተኲረን መጽናዕቲ ዘካይዳ ሽምግለታት ቆይመን ኣብ ስራሕ ከም ዘለዋ ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ  ኣብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዝተኻየደ ስረሓት ኣመጒሱ፡ ኣብ ዜናዊ ስረሓትና ዝረአ ዘሎ ዕቤት ብምጥቃስ ከኣ ዝያዳ ንምስፍሑ ከም ዝስራሕ ኣመላኺቱ። ኣብ ቀጻሊ ዓመት ድማ ነቲ ኩለ-መዳያዊ ጻዕሪ ዝያዳ ንምብራኽ ከም ዝስራሕ ሓቢሩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰዲህኤ ብቤት ጽሕፈተን ኣቢለን፡ ካብ ፖለቲካዊ መዳይ ሓሊፈን ነገራዊ ዓቕሚ ሰልፊ ኣብ ምዕባይ ክገብረኦ ንዝጸሓ ጻዕሪ ጠቒሱ፡ ውደባዊ ዓቕሚ ንምሕያል ድማ ኣባላት ሰልፊ ንምስሳን ክግበር ንዝጸንሐ ጻዕሪ ዘኪሩ። ኣብ ቀጻሊ ዓመት ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣብዚ መዳይ ተዋፊሩ ኣድማዒ ውጽኢት ንከመዝግብ ጸዊዑ። ዓመት 2025 ምንቅስቓስ ሰልፊ ንምልላይን ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝቐነዐ ወፈራ ኢትዮጵያ ንምቅላዕን ኣብ ሓያሎ ማሕበራዊ መድያታት ሓበሬታ ክህብ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ።

ኣተሓሒዙ ድማ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ ዘተባብዕ ደረጃ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ፡ ጽላል ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክግበር ዝጸንሐ ዘተታት’ውን ክንድቲ ትጽቢትና’ኳ  ዛጊት ውጽኢት እንተዘየመዝገበ፡ ዝተመሃርናሉ እምበር ዝኸሰርናሉ ከምዘይነበረ  ሓቢሩ።  ኣብ መጻኢ ከኣ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ጉባአኡ ንሰፊሕ ጽላል ዘሕይል ውሳነ ክውስን ዘለዎ ተስፋ ብምጥቃስ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምርምርን ሓበሬታን፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ተቐራሪቦም ሓቛፊ ጽላል ንክምስርቱ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ውጽኢታዊ ንክኸውን ዘለዎ ተስፋ ኣስፊሩ።

ህልዊ ኣህጉራውን ዞባውን ምዕባለታት ኣብ ዘልዓለሉ ዛዕባ ኣቦመንበር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝረኣዩ ዘለዉ ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕግታትን ዘርዚሩ። ኣብዚ ከባቢና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዝረኣዩ ዘለዉ ኣሰከፍቲ ምዕባለታት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝለዓል ዘሎ ወስታ ምኹኑይ ንክመስል ብዝሕግዝ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያን ካለኦትን ንረብሓ ህዝብናን ሰላም ሃገርናን ዘዕንቅፍ ምዃኑ ኣብሪሁ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኸዶ ዘሎ ክሳብ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣፍልጦ ዝነፍግ ዓመጸኛ ሃቐነ ከኣ ብኹሉ መለክዒ ተቐባልነት ዘየብሉን ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዘየርብሕን ብምዃኑ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላት’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክእደብ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ  ጸዊዑ።

ድሕርቲ ዓሚቕ መብርሂ ኣቦ መንበር፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብዚ መወዳእታ 2025ን ድሮ 2026 ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ምፍጣሩ ንኢዶም፡ ኣብ መጻኢ ዓመት ድማ ቀጻሊ ንክኸውን ዘለዎም ተስፋ ኣንጸባሪቖም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ መግለጺ ዝተዋህበሉ ዛዕባታት ከኣ ተወሳኺ መብርሂ ብምሃብ፡ ሕቶታት ብምሕታትን ንዝያዳ ኣድማዕነት ይሕግዙ ዝበልዎም ርኢቶታት ብምቕራብን ነቲ ኣኼባ ኣህብቲመምዎ።

ኣቦመንበር ኣብ መወድእታ ኣኼባ፡ ተሳትፎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝነኣድ ምጽንሑ ደጊሙ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎዝተፈላለዩ ገጻት ዘለዉዎ ብደሆታት ዝምክት ኣበርክቶኦም ከሕይሉ ብምዝኽኻር ኣኼባ ደምዲሙ።

ናይቲ ርክብ ተሳተፍቲ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ

ኣብ ዋና ከተማ ባህረን ማናማ ብ3 ታሕሳስ 2025 ዝተጋበአ፡ መበል 46 ርክብ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ፡ ኣብ ሱዳን ተፈጥሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሰላም ብሳዑድ ዓረብያን ኣሚሪካንንዝቐረብ መፍትሒ እማመ  ብልቢ ከም ዝቕበል ኣብ መፈጸምታ ርክቡ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዝለዓለ ርክብ ወሽመጥ፡ ሳዑዳዊ ልኡል  ብሱዳናውያን ዝምራሕ ናይታ ሃገር ሓድነትን ጸጥታን ዘውሕስ ንዝበሎ እማመ ብትሪ ክድገፍ ዝግበኦ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

እቲ መግለጺ ንሱዳን ኣብ ዝምልከት ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦም ነጥብታት፡ ህጹጽ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ድሕነት ሲቪል ዜጋታት ምርግጋጽን ብዘይገደብ ናብቶም ጽጉማት ሓገዝ ዝቐርበሉ ኩነታት ምፍጣርን ምዃኖም ኣብቲ መግልጺ ተጠቒሱ። እቶም መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ፡ ልኡል ሳዑዲ ዓረብያ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ጉዳይ ሱዳን ኣጀንዳኡ ገይሩ ብምንቅስቓሱ ኣመስጊነምዎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ሳዑዲ፡ ኤመረትን ግብጽን ኮይኖም ክሰርሕ ቅሩብነት ብምርኣዩ ኣብቲ ርክብ ተመስጊኑ።

እቶም መራሕቲ ንሰላም ሱዳን ብዝምልከት ክሳብ ሎሚ ንዝተገብሩ ተበግሶታት ኣመጒሶም፡ ብኣባል ሃገራት ወሽጥ ናብ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ክካየድ ንዝጸንሐ ረዲአት ንኢዶም ንክቕጽል ጸዊዖም። እቲ ርክብ ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ሱዳን ዝግበር ዝኾነ ተበግሶ፡ ነጻን ሲቪላውን መንግስቲ ክምስረትን ሕሉፋትን ገበነኛታት ውግእን ዘየሳትፍ  ዝኸውን ኣብ ምግባር ጻዕሪ ንክግበር  ጸዊዑ።

ኣብቲ ርክብ እቶም ተሳተፍቲ መራሕቲ ብዘይካ ጉዳይ ሱዳን፡ ብዛዕባ ሕብረትን ሓባራዊ ቁጠባዊ ምትሕብባር ኣብ ሕድሕዶምን ከምኡ እውን ብዛዕባ ምስ ናይ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር  ዝተተሓሓዘ ዛዕባታት ከም ዝተዘራረቡ ተሓቢሩ።

ነቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ብተዓዛብነት ዝተሳተፈትሉ ናይ ክልተ መዓልታት ርክብ ዝመርሖ ንጉስ ባህረን ሓምድ ቢን ዒሳ ኮይኑ መጻኢ መበል 47 ርክብ ድማ ኣብ ሱዕድ ዓረቢያ ከም ዝጋባእ ኣብቲ መግለጺ ተገሊጹ።

ጉራዊ ጸብጻብ ሰላም (Global peace index) ዝተባህለ ትካል፡  ብ3 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኦ ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሕደስ ዘሎ ግርጭት ነቲ ብዓንተብኡ ተሃዋሲ ዝኾነ ዘይርጉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ክወስዶ ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ብናቱ መዕቀኒ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ዘይርጉኣት ካብ ዝበሃሉ ከባብታት ሓደ ከም ዝኸውን ገይርዎ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። እቲ ኩነታት  ትካላዊ ጀኦ ፖለቲካዊ ጸገም ዘስዕብ ኮይኑ ምህላዉ’ውን ጠቒሱ።

ኢትዮጵያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ዘቕርበቶ ቀጥታዊ ሕቶ፡ ነቲ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ከሕድሶን ዝያዳ ከዕርጎን ከምኡ እውን ምስ ኤርትራ ኣብ ሓያል ምስሕሓብ ንክእቱ ከም ዘገደደን ከኣ ኣስፊሩ። ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ናይ ህልውና ጉዳይ ኮይኑ ምቕራቡን ገለ ሓለፍቲ ናይታ ሃገር ደቡባዊት ወደብ ኤርትራ ዓሰብ ብሓይሊ ክንወስዳ ኢና ይብሉ ምህላዎም’ውን ኣቃሊዑ። እዚ ድማ ውጽኢት ውድቀት ኣብ ዲፕሎማሲ ዘመልክት እዩ ኢልዎ።

ኣብቲ ከባቢ እቲ ዝፍራሕ ዘሎ ውግእ እንተተኸፊቱ ኣብቲ ብብዙሕ ቅልውላው ክሕመስ ዝጸንሐ ዞባ፡ መጐዓዝያ ባሕሪ ኣተዓናቒፉ፡ ኣገልግሎት ወደባት ዘሪጉ፡ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ትሕተ ቅርጻ ዘዳኽም ከም ዝኸውን ዘለዎ ስግኣት ድማ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይቲ ብ2020-2022 ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ድሕረ-ባይታ ከም ዘለዎ ድማ  ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ ብወግዒ ኤርትራ ኣንጻረይ ንውግእ ትዳለው ኣላ ብዝብል ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝኸሰሰት ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ኩነታት ንምዝራግ፡ ምስ  ጸረ መንግስቲ ኢትዮጵያዊ ጉጅለታት ተሻሪኻ ኣንጻር መንግስቲ ተስልፍ ኣላ ምባሉ ከኣ ሓቢሩ። እዚ ኩነታት ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘይተለምደ ወጥሪ ይፈጥር ከም ዘሎ ከኣኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ’ሎ። ኩሎም እቶም ዝረኣዩ ዘለዉ ምዕባለታት ናብ ኣርሒቕካ ዘይተሓስበሉ ስጉምትታት ከየምርሑ ዝግኣት ከም ዘለዎ ከኣ ኣጠንቂቑ።

ጀነራል ዳግቪን ኢንደርሰን ካብ ዝገበሮም ርክባት ሓደ (ኣብ ሶማሊላንድ)

ኣዛዚ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ጀነራል ዳግቪን ኢንደርሰን ኣብ ዝሓለፈ ሱሙን ዑደቱ ብቕርኒ ኣፍሪቃ ጀሚሩ። ኣብቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጉዕዘኡ  ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊላንድን ፑት ላንድን ከም ዝበጸሐ ከኣ  ኣብ መዛዘሚ ጉዕዘኡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምሕባሩ ሲኤንኤን (CNN) ሓቢራ።

ጀነራል  ዳግቪን ኣብቲ መግለጺኡ፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ሳሕልን ገማግም ምዕራብ ኣፍሪቃን ናይ ፈጠርቲ ራዕዲ ምንቅስቓስ ስግኣት ከም ዘሎ ጠቒሱ መፍትሒኡ ከኣ ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት ኮይንካ ምምካቱ እዩ ኢሉ። ዕላማ መገሻኡ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ኣልሸባብን ኣይሲሲን ሓያል ተጽዕኖ ምፍጣር ምዃኑ ድማ፡ ናይቲ ኣሚሪካዊ ኣዛዚ ኣብ ኣፍሪቃ  ህዝባዊ ርክባት ሓቢሩ። ዑደቱ ኣካልቲ ፕረሲደንት ትራምፕን ወተሃደራዊ ጸሓፊ ኣመሪካን ንጸጥታዊ ኩነታት ኣፍሪቃ ቀዳምነት ምስረዖም ምዃኑ’ውን  እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ መግለጺኡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ናይተን ዝበጸሐን ሃገራት ዝገበሮ ርክባት፡ “ኣነ ነዚ ዞባ ሓድሽ ኣይኮንኩን፡ ኩሉ ምዕባለታት ይርደኣኒ እዩ፡ ቀንዲ መምጽእየይ ከኣ ምስ መሓዙትና ሃገራት ኮይንካ ኣብቲ ናይ ሓብርና ጸጥታና ሓቢርና ንክንሰርሕ ንምትብባዕ እዩ” ከም ዝበለ እውን ተሓቢሩ። ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ጀነራል ብርሃኑ ጁላን፡ ኣብ ሶማሊላንድ ምስ ፕረሲደንት ዓብደራሕማን ከምኡ’ውን ኣብ ፑትላንድ ምስ ምክትል ፕረሲደትን ሊያስ ዑስማ ዝገበሮ ርክባት  ዘተኮረሉ ዛዕባታት ሓደ ዓይነት ኮይኑ፡ ብዛዕባ  ከባብያዊ ምርግጋእ ዘተኮረ ጥራይ ምንባሩ ብቲ መግለጺ ተነጺሩ። ንኹሎም ዘተሓሳሰቦም ከኣ ኣንጻር ፈጠርቲ ራዕዲ ምቅላስ ናይ ሓባር ዕማም እምበር ሓንቲ ፍልይቲ ሃገር እትስከሞ ጽዕነት ከምዘይኮነ እዩ።

እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ናይቲ ጀነራል ዑደት እዚ ዝተጠቕሰ ክነሱ፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ልኡላውነት ኤርትራ ንምግሃስ ተካይዶ ዘላ ወፈራ ኣተሓሒዝካን ስሙ  ብምጥቃስ “ንናይ ኢትዮጵያ ሃቐነ ምድፋር ልኡላውነት ኤርትራ  ደጊፍዎ” ዝቓንኡ ክዝርጋሕ ዝጸንሀ ዜናታት ሓቅነት የብሉን።

ካብ መዛግብ ሰዲህኤ ዝተወስደ ምስሊ

ናጽነት ኤርትራ ዋጋ ክቡር መስዋእቲ ህዝባን ተጋደልታን ኢዩ። ከምቲ ገለ ህርፋን ውግእ ዝሓደሮምን ደቆምን ነብሶምን ኣብ ውግእ ዘየሰልፉ ህልቂት ህዝብታት ዝሓልሙ ኢትዮያውያን ዘጉባዕብዕዎ ዘለዉ፡  ነጻነት ኤርትራ ብግጉይ ኣተሓሕዛ ምምሕዳር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝለዓለ ደረጃ ዝመርሖ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኢህወደግ ብዘርኣዮ ግጉይ ኣተሓሕዛ ዝተጋህደ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ርእሲቲ  ዝነበሮ ሕጋዊ፡ ታሪኻውን ፖለቲካውን ባይታ፡ ብናይ 30 ዓመታት መሪር ውግእን ቃልስን ከምኡ ድማ ብዝለዓለ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራን ዝተረጋገጸ እዩ።

ኣብ 1970 ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ፡ ሰለስተ ክፍለ ሰራዊታት ነይረነኦ። እተን ክፍለ ሰራዊታት ቀዳመይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ 2ይ ብስም የሰሜን እዝ ኣብ ኤርትራ 3ይቲ ድማ ኣብ ሃረር ዝዓስከራ እየን ነይረን።  ቅድሚ 55 ዓመታት ናይታ ኣብ ኤርትራ ሰፊራ ዝነበረት ክፍለ ሰራዊት ኣዛዚ፡ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ይበሃል ነበረ። እዚ ጀነራል ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ22 ሕዳር 1970 ኣብ መንገዲ ኣስመራ-ከረን ጥቓ ዒላብርዕድ፡ ብፍሉይ ኣብ መንጎ ሃብረንቃቓን ባልዋን ብዘካየደኦ ተባዕ ስርሒት ተቐቲሉ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ በቲ ዕዉት ስርሒት ሰራዊት ሓርነት ብዝሓደሮ ራዕዲ፡ ከምቲ “ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ”  ዝበሃል፡  ነቲ ኣቐዲሙ ዝተለሞ ‘ዓሳ ንምጥፋእ ማይ ምንጻፍ’ ዝብል ዕላማኡ ንምትግባርን ናይቲ ጀነራል ሕነ ንምፍዳይን ኣብታ ሓንቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ “ጸላም መዓልቲ” እናተባህለት እትጥቀስ፡  30 ሕዳር 1970 በስከዲራ ኣብ እትበሃል ዓዲ፡ ዝኸፈአ  ህልቂት ብምፍጻም ሓደ ሺሕ ሰቪል ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ቤት ክርስትያን ኣጒዱ ብናይ ጠያይት ዝናብ ታሪኽ ዘይርሰዕ  ህልቂት ፈጺሙ። ንጽበሓይቱ 1 ታሕሳስ ድማ ነቲ ጨፍጫፍ ኣብ ዖና ብዘይንሕስያ ደጊምዎ።

ብምስዚ ጨፍጫፍን ህልቂትን ዝተተሓሓዘ ብዙሓት ስድራቤታት ተበቲነን፡ ትካላት ህዝቢ ክፈርሳ እንከለዋ፡ መንበሪ ኣብይቲ ድማ ኮነ ኢልካ ብሓዊ ተቓጺሉ ዓድታት ነዲዱን ባዲሙን። እዚ ኩለ-መዳያዊ ህልቂት፡ ካብ ተዘክሮ ኤርትራዊ ዘይሃስስ ኮይኑ ዝተመዝገበ እዩ። እዚ ከም ናይ ርሑቕ ግዜ ፍጻመ ዝዝንቶ ዘይኮነ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እውን እዩ እሞ፡ ንኤርትራውያን ዘተክዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ኢትዮጳውያን እውን መልኽቲ ዘመሓላልፍ ዘስካሕክሕ ፍጻመ እዩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ካብዝነበሮ ሰፊሕ መረዳእታ ናይ መስዋእቲ ዋላዃ ምስ ሓያሎይ ኤርትራውያን ውድባት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ እንተዘይተኻእለ፡ ንባሕቲ ታሕሳስ ከም መዓልቲ ሰማእታት ክትዝከር ብ1987 ኣውጁ  ዘብዕላን ዘኽብራን ዝነበረ ከኣ፡ ብመንጽርዚ ምዃኑ ይዝከር።

ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱኡዳን ራምታነ ላማምራ፡

ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱኡዳን ራምታነ ላማምራ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ናብ ፖርት ሱዳንን ኣዲስ ኣበባን ክበጽሕ ምዃኑ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። ኣብቲ ምብጻሑ ኣብ ውግእ ምስ ዘለዉ ኣካላትን ዞባዊ ሰብ ብጽሕትን ከም ዝራኸብ እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ፡ ስተፈን ዱጃሪክ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ላማምራ ቅድሚ መገሻኡ ብዘይስሩዕ መንግዲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ርክባት ብምክያድ፡ ናብ ሓላፍነታዊ ልዝብ ክቐርቡ ከተባብዕ ምጽንሑ  ኣብቲ መግለጺኡ ወሲኹ ጠቒሱ። እቲ ልኡኽ ምስ ዞባዊ ኣካላት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ሊግ ሃገራት ዓረብን ናይ ምርኻብ መደባት ክሰርዕ እዩ። እቲ ልኡኽ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ዝገብሮ ዘተ መሪሕ ኣጀንዳኡ ምክልኻል ሲቪል ሱዳናውያን ከም ዝኸውን እቲ ወሃቢ ቃል ኣመልኪቱ።

ጐኒንጐኒ ናይዚ ዋና ጸሓፊ ተበግሶ፡ ኣመሪካ፡ ሳዑድ ዓረቢያ፡ ግብጽን ኤመረት ዝርከበኦ ኣካል ብወገኑ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዲፕሎማሲያዊ ቃልሶም የስፍሕ ኣሎ። እዚ ኣሜሪካ ዘላቶ ኣካል ጉዳይ ሱዳን ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ፡  ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ እማመ ሓንጺጹ፡ ቅድም 3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ሰብኣዊ ተኹሲ ጠጠው ኣብ ምባል ክብጻሕ፡ ድሕሪኡ ድማ ብቐጻሊ ተኹሲ ጠጠው ናብ ምባል ዘብጽሕ ሰፊሕ ዘተ ዝካየደሉ ኩነታት ክፈጥርን ብኡ ኣቢሉ ድማ ብናይ 9 ኣዋርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ኣቢልካ ናብ ቀዋሚ ሲቪላዊ መንግስቲ ዘብጽሕ ኩነታት ንክፍጠር ይጽዕር ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ኣቀራርባ ክልቲኦም ወገናት ዝመርጽዎ መንገዲ ይፈላለ እዩ። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተታሕዘ መደብ፡ ምስ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ኮይንካ ብሱዳናውያን ዝምእከል ቀዳምነታቱ ዘነጸረ ዘተ ምክያድ ዝብል እዩ። እቲ ናይ በዓል ኣሜሪካ ተበግሶ ከኣ፡ ናይ ተዓዘብትን ኣዛተይትን ድፍኢት ክሕይል ኣለዎ ዝብል ርኢቶ እዩ ዘለዎ። ነዚ ክልቲኡ ተበግሶታት ናብ ሓደ ምምጻእ ቀሊል ከም ዝኸውን ከኣ ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።

ሪካ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሓለዋኣ ብዝተፈጸመ ተኹሲ፡ ብዝሓደራ ስግእት ኤርትራ ናይ እትርከበን  19 ሃገራት ናብ ኣሚሪካ ኣትዮም ቀዋሚ መንበሪ (green card) ናይዝረኸቡ ዜጋታት ዳግማይ ምርመራ  ንከተካይድ፡ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኢሚግረሽን ናይታ ሃገር ትእዛዝ ከም ዝሃበ ሲኤንኤን (cnn) ሓቢራ።

ኣብቲ ንኢሚግረሽን ኣሜሪካ ዝተዋህበ ጥቡቕ መምርሒ፡ እቲ ምጽራይ ኣብቶም ካብ ዘጠራጥራ ሃገራት ዝመጹ እሞ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎም ዜጋታት ክግበር ምዃኑ፡ ጆ አድሎው ዝተባህለ ዳይረክተር ዜግነትን ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ኣሜሪካ ብ27 ሕዳር 2025  ኣብ ዘመሓላልፎ መምርሒ ሓቢሩ። እቲ ዳይረክተር እተን እዚ ምጽራይ ዝምልከተን ሃገራት ኣየኖት ምዃነን ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2025 ፕረሲደንታዊ ውሳነ ተወሲንወን ዝነበራ ምዃነን ጠቒሱ።

በዚ መሰረት እተን ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ በርማ፡ ቻድ፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡  ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊቢያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ቡሩንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሰራሊዮን፡ ቶጎ፡ ቱርኩሚስታንን ቬንዙዋላን እየ።

በቲ ብ27 ሕዳር 2025 ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ መግለጺ መሰረት፡ ኣብቲ ዝግበር ምጽራይ ካብተን 19 ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ኣሉታዊ ጸብጻብ ዘመዝገበት፡ ምሉእ ብምሉእ ዕድል ኣይክወሃባን እዩ። እቲ ክሳብዚ መገለጺ ክወጽእ ዘገደደ ኣንጻር ኣባላት ሓለዋ ዝተኻየደ ተኹሲ ብዝምልከት፡ እቲ ፈጻሚ ራህማኑላህ ላካዋል ዝተባህለ ኣፍጋኒስታዊ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ኣሜሪካ ዘቤታዊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ  ኩሎም ኣብ ግዜ ባይደን ዝጸደቑ  ንኢምግሬሽን ዝምልከቱ ጉዳያት ከም ብሓድሽ ክጻረዩ እዮም’ውን ኢሉ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንዜጋታት ኣፍጋኒዝታን ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ናይ ኢሚግረሽን ዛዕባታት ንዘይተወሰነ ግዜ ጠጠው ክብል ከም ዝተወሰነ፡ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እቲ ካልእ ዘገርም ከኣ ቢቢሲ ከም ዝጠቐሰቶ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ካብተን ሃገራት 3ይ ዓለም ዝብለን ዝኾነ ስደተኛን ሓታቲ ዑቕባን ኣሜርካ ንዘይምቕባል መደብ ዘለዎ ምዃኑ እዩ።

መራሕትን  ርእሳነ-ብሄራትን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ብ24ን 25ን ሕዳር 2025 ኣብ ዋና ከተማ ኣንጎላ ሉዋንዳ 7ይ ሓባራዊ ርክብ ኣካይዶም። ነቲ ኣኼባ ብሓባር ዝመርሕዎ፡ ጃዎ ማኑኤል ፕረሲደንት ኣንጎላን ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣንቶኒዮ ኮስታ ፕረሲደንት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕረት ኣፍሪቃን ኡርሱላ ቮን ለየር ፕረሲደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳን ምዃኖም በቲ ዘውጽእዎ ኣዋጅ  ተሓቢሩ።

እቲ ኣዋጅ ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ 7ይ ርክብ እቲ ናይ ሓባር መድረኽ ብ2000 ኣብ ከተማ ካይሮ ካብ ዝጅመር መበል 25 ዓመቱ ስለ ዝኾነ፡ ታሪኻዊ እዩ። 6ይ ርክብ ኣብ ብሩሰልስ ብ17-18 ጥሪ 2022፡ ከምኡ እውን 3ይ ርክብ ሚኒስተራት ኣብ ብሩሰልስ ብ21 ጉንበት 2025 ከም ዝተሳለጡ እቲ ኣዋጅ ኣብ መእተዊኡ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ኣዋጅ ከም ጽማቕ ናይቲ ዘካየድዎ ሰፊሕ ዘተ፡ 49 ነጥብታት ምስ ኣገዳሲ መግለጺ ተዘርዚሮም። ኣብ 4ይ ነጥቢ  ዝሰፈረ ከኣ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግን ኣብ ሕጊ ዝተሰረተ ኣድማዒ ሓባራዊ ተጠቃምነትን ዓለም ለኻዊ ስርዓትን ኣብ ምኽባር ዘለና ጽኑዕ ቅርቡነት ነረጋግጽ። ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ኣገዳስነቱን ከምኡ ከኣ ንኣህጉራዊ ደክለረሽን ሰብኣዊ መሰልን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትንን ንምዕቃብ ዘለና ቅሩብነትን ደገፍን ነረጋግጽ።

ከዘጋጥም ዝኽእል ኣህጉራዊ፡ ዞባውን ሃገራውን ብደሆታት ንናይ ሓባር ረብሓ ክውዕል ብዝኽእል መንገዲ ንምትዕርራይ ዓለም ለኻዊ ትካላት ንድግፍ። ንልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነት ናይ ሃገራት ሓዊስካ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሕግታትን መትከላትን ንምዕቃብ ቅሩባት ኣለና። እዞም መትከላት እዚኣቶም ናብ ዘተ ወይ ዋጋ ዕዳጋ ዝቐርቡ ኣይኮኑን። ብመንጽርዚ ተረድኦ ሓላፍነት ኩለን ሃገራት ኣብ ምምስራት ዝምድና፡ ኣብ  ብሓይሊ ተጠቒምካ ምፍርራሕ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዘየብሉ ንድግፍ” ይብል።

ኣብ መበል 43 ድማ “ካብ ግህሰት መሰል፡ ግርጭታትን ምስቓይን ፈሪሖም ሃገሮም ንዝለቁ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝመዛበሉ ሰባት ክንሕግዝ ቅሩባት ኢና። ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን እነመሓድረሉ ብልሓትን ኣገባብን ብመንጽር ዘለና ኣህጉራዊ ሓላፍነት ከነሕይሎ ኢና። እዚ ድማ ምስ ምቕሉል ኣቀባብላን ብቑዕ ሓለዋን ምድላው ከምኡ እውን  ምስ ሕብረተሰብ ዝተሓዋወስሉ ኩነታት ምስ ምፍጣር ዝኸይድ እዩ።” ክብል እቲ ናይ ሓባር ኣዋጅ ኣስፊሩ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር፡ ብ23 ሕዳር 2025 ኣብ ዝሓለፈ 12 ሺሕ ዓመታት ዘይተረእየ ዝተባህለ እሳተ-ጐመራ ከም ዘጋጠመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን። እቲ “ሃይሊ ጉቢ” ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ዘጋጠመ ነትጒ፡ ካብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሓሊፉ ናብ የመንን ዑማንን ዝውርወር ከቢድ ሓሙሑሽቲ ከም ዘኸተለ ተሓቢሩ። ናይቲ ሓሙኹሽቲ ብናን ጸሊም ሕብሪ ክሳብ ሰሜናዊ ቀላይ ዓረቢያ ከም ዝተራእየ እውን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ ጥቓ ኣፍዴራ ዝርከባ ዓድታት፡ እቲ  ነትጒ እሳተ-ጐመራ ብዘኸተሎ ሓያል ደሮና  ተሸፊነን ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡  ናይቲ ነትጒ ድምጺ ክሳብ ከባቢ ኣርታዕለን ኣፍዴራን ከም ዝተሰምዐ እውን ተገሊጽ። እቲ ነትጒ ካብ ኣርታዕለ ንወገን ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 15 ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዝሸፈነ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ።

ከም ገምጋም ቪምለንዱ ጅሃ ዝተባህለ ፈላጥ ስነ-ከባቢያዊ ጉዳያት፡ ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ እሳተ-ጐመራ ዝበነነ ሓሙኽሽቲ  ኣብ ልዕሊ ከም ጉጅራት፡ ራጃስዛንን ደልሂን ዝኣመሰሉ ከባብታት ህንዲ ዘንብዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝንሳፈፍ ደሮና ከም ሳልፈር ኦክሳይድን መስትያትን ዝኣመሰሉ ንጥረ ነገራት ኣብ ደበና ብብዝሒ ከም ዝተራእዩ እቲ ናይ ከባቢያዊ ኩነታት ክኢላ ኣፍሊጡ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዘኸተሎ ጉድኣት’ኳ እንተዘየለ ንቀጻሊ ግና ምክትታል ከም ዘድልዮ  እቲ ክኢላ ምኽሩ ለጊሱ። 

እቲ ብናን ኣብ ህንዲ ናይ ነፈርቲ በረራ ዕንቅፋት’ኳ ፈጢሩ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ካብ ሰሜን ህንዲ  ንወገን ቻይናን ፓስፊክን ተጓዒዙ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ። እዚ ካብ ዶብ ኤርትራ ብዙሕ ዘይርሕቕ ቦታታት ክልል ዓፋር ተደጋጋሚ  ምንቅጥቃት መሬት እውን ካብ ዘይፍለዮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።