EPDP News

ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበርን ሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡  ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ዞባናን ምስ ሬድዮ ኤረና ቃለ መተጠይቕ ኣካይዶም። ኣብዚ ቃለ መጠይቖም ኣቐዲሞም ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ በፖሓኤ “ንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ፡” ብዝብል ብዝተፈላለዩ  ቋንቋታት ንዝወጸ  እዋናዊ  መግለጺ ብንባብ ኣቕሪበምዎ። ቀጽሊኦም ድማ ነቲ ኣዋጅ  ዝምልከትን ተዛመድትን  ሕቶታት መሊሶም።

ካብቲ ሕቶ ቀሪብሎም ዝመለስዎ ጉዳያት፡ ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ብብልጽግና ዝምራሕ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይንካ፡ ኣብ ኤርትራ መንገስቲ ንምውዳቕ ዝምድና ምግባር ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ምስቲ መንግስቲ ንምትሕብባር ካብቲ ካብ ተጠቃምነት ወደብ ሓሊፉ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ግሂሱ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምውናን ኣብ ሓሶት ተመስሪቱ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብ፡ ብእዉጅ ክሳብ ዘይሰሓበ ምዝማዱ ከምዘይከኣል ኣስሚረምሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ኣንጻር ምግሃስ ልኡላውነት ሃገርና ክንሓብር ከም ዝግባእ ጠቒሶም፡  ብተግባራት ህግደፍ ኣቖጢዑካ ንዓኡ ዘርከብካ መሲሉካ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ከየገደሰካ  ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ምስ ዘሎ ዓመጸኛ መርገጽ፡ ምስኡ ምትሕብባር ዘዋጽእ ኣይኮነ ኢሎም፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ምርጫ ዘለዎም ወገናት ከሎ ጋና ኣብቲ ምርጫኦም ዳግመ-ግምት ንክገብሩ ጸዊዖም። ኣብ ርእሲዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶኡ ብወደብ ዓሰብ ክጥቀም ዝብል እንተዝነብር፡ ረንሓኡ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ስለ ዝኸውን ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዘፍቅዶ ምትግብራሩ ዝጽላእ ኣይመኾነን ኢሎም።

እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ውግእ መጎት፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ንህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ብምጥቃስ ብደረጃ ዞባ እውን ሰላምን ምርግጋእን ዝኸልእ ኣብ ክንዲ ፍትሕን ሕግን ልዕልና ሓይሊ ዘንግስ ሕማቕ ኣርኣያ ስለ ዝኸውን ህዝቢ ኢትዪ እውን ክቃለሶ ከም ዝግበኦ ኣመልኪቶም።

ነቲ ብወገን ኤርትራን ትግራይን ተደጋጊሙ ዝስማዕ ዘሎ ጐስጓስ “ጽምዶ”  ኣብ ዝምልከት እውን ሓሳቦም ሂቦም። ኣብቲ ዝሃብዎ ርኢቶ እዚ ጽምዶ ኣብ ተመኩሮ ውድባት ኤርትራን ትግራይን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እምበር፡ ሓድሽ ከምዘይኮነ ጠቒሶም፡ ክልቲኡ ህዝብታት ክራኸብን ብዝሓለፈ ምፍሳስ ደም ክድበስን ጽቡቕ እዩ ኢሎም። እንተኾነ ሓቀኛን መትከላውን እንተዝኸውን ብግሉጽነት ክካየድ መተገለጸ’ሞ ንምድጋፉን ምቅዋሙ መጠዓመ ኢሎም፡ ምናልባት ናብ ውግእ ዘእትው ከይከውን ከም ዘስግእ ጠቒሶም።

ንምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መደባት ራድዮ ኤረና ናይዚ  ዕለት ምክትታል ይካኣል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ፡ ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተረድኦ  ምስ ኢትዮጵያን ግብጽን ኮይና እንደጋና ናይ ምምዛኑ መደብ ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ሃገሩ ምስ ሳዑድያ  100 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ኣቕሪባ ከምዘላ ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ተመልሰ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ምስ ሳዑዲ ዓረብያ ዝካየደ 100 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ 100 ፕሮጀክትትታት ኣብ ኣብ ጸጋታት ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ዝካየድ እዩ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ምስ ኢትዮጵያን ግብጽን ኮይኖም ዘካይድዎ ገምጋም  ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ጉድኣትን ዕንወትን ከድሕን ዝኽእል እዩ ኢልዎ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብዛዕባ ውሽጣዊ ቅልውላው ሃገሩ ኣብ ዝጠቐሶ ድማ ኣብ ከተማ ኢል ፋሸር-ዳርፎር ተዓጽዮም ናብ ዘለዉ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ነፈርቲ ናይ ምውራድ መደብ ከም ዘለዎም ጠቒሱ፡ ኣብዚ መስርሕ ዝኾነ ኣካል ኢድ ኣእትዩ ከየዕንቅፍ  ኣጠንቂቑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካሚል ከምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታ ዝሃበ፡ እቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ናብታ ከተማ ሰብኣዊ ረዲአት ከይኣቱ ኣብ ዝኸልከለሉ ኩነታት እዩ። ናይ ሱዳን መንግስታዊ ኣካላት ናይ ምቁጽጻር መሰል ሕልዊ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣቀራርባ ረዲአት ናብቶም ኣብ ዕጽዋ ዘለዉ ምስ ዓለምለኻዊ ትካላት ከም ዝተሰማምዑ’ውን ሓቢሩ።

ቀጺሉ ድማ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ክሳብ ተኹሲ ጠጠው ምባልን ሰራዊት ሕመቲ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ምውጻእን ዝበጽሕ ናይ ሰላም እማመ፡  ብብዙሓት ወገናት ደሕን ተቐባልነት ይረክብ ከም ዘሎን ኣብ መጻኢ ንዝግበር ናይ ሰላም ልዝብ መንጸፍ ከም ዝኸውንን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ጠቒሱ።

ሱዳን ኣብ ጉዳይ ዓብይ ሓጽቢ ኢትዪጵያ ዳህሳስ ናይ ምግባር ሓሳብ ተቕርብ ዘላ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን በዚ ጉዳይ ኣብ ዝለዐለ ምስሕሓብ በጺሐን ኣብ ዝሃለዋሉ ምዃኑ ይዝከር።

ካብ ማሕበራዊ መድያ ዝተወስደ

ኣብ ልዕሊ ካብ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ እናተጓዕዙ ዘጋጠሞም ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ፡ ካብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከብዎም፡ 368  ሰባት ዝሃለቕሉ ሓደጋ ደሴት ላምፓዱሳ ኢጣልያ ኣብቲ ዕለቱ 3 ጥቅምቲ 2025 መበል 12 ዓመት ተዘኪሩ። ኣብዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ዝኽሪ፡ ቤተሰብ ግዳያት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ናይቲ ከባቢ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝመጹ ሰብኣውነት ዘገድሶም ሰባትን ትካላትን ኣብቲ ስነስርዓት ከም ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ማሕበራዊ መድያታት ካብቲ ቢታ ሓቢረን።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ጸሎት ተኻይዱ፡ ሽምዓታት ንዝኽሮም በሪሁ፡  ናእሽቱ ናይ መርከብ ምስልታት እውን ኣብ ትሕቲ ሓወልቶም ከም ዝተቐመጣን ናይ ገለ ካብቶም ግዳያት ኣስማት ካብቲ ኣብቲ ሓወልቲ ዝሰፈረ ዝርዝሮም ከም ዝተጸወዐ ተፈሊጡ።

ናይቶም ግዳያት ቀረብን ብኣጋጣሚ ካብቲ ህልቂት ካብ ዝተረፉ 150 ውጻእ መዓትን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ናይቶም ግዳያት ሕልፈት ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣእምሮና ኣሎ” ከም ዝበሉ’ውን ተጠቒሱ። ተረኽቦ ላምፓዱሳ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ ከም ዝጥቀስን ብፍላይ ኣብቲ ዘጋጠመሉ ግዜ ብደረጃ ዓለም ኣዝዩ ዘሰንብድ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝነበረን እዩ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ዝገብሮ ከኣ፡ ብሰንኪ ኣብያ ጉጅለ ህግደፍ ኣስከሬኖም ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓዶም ክዓርፍ ዘይምኽኣሉ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋ ቀጻሊ ምህላዉን ክሳብ ሎሚ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ግዳይ ናይ ዝኾኑ ሰባት ቁጽሪ ኣማኢት ኣሸሓት ከም ዝበጽሕን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሱ። ጉዳይናን ግቡእናን  ኢሉም ኣብቲ ዝኽሪ ተረኺቦም ሙያውን ዜግነታውን ግቡኦም ንዝፈጸሙ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ማሕበራዊ መዲያ ምስግና ይግበኦም።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ “ድሕሪ ሕጂ ንተግባራት ብሕታዊ መድያታት ዝጻወር ትዕግስቲ የብለይን” ከም ዝበለ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ።  እተን መድያታት ከፋፈልትን  ናይ ጸላኢ መሳርሕን ኮይነን ብዝብል ዘጠንቀቐት ናይቲ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕጋውነቱ ዝተሰረዘ፡ ውድብ ህወሓት ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ወ/ሮ ፈትለወርቂ ገ/እግዘኣብሄር ምዃና እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እዚ መጠቀቕታ ኣብተን መዲያታትን ጋዜጠኛታተንን ዓብይ ስግኣት ኣሕዲሩ ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ።

እቲ መጠንቀቕታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፈትለወርቅ ኣብ መቐለ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ ክኸውን እንከሎ፡ ዝርዝር መርተዖን ኣስማት መዲያን ብዘይምቕራብ “መሳርሒ ንውድብ ናይ ዝኸሓዱ  ወገናትን ጽውላእትን ከይነን” ዝብል ነተን መዲያተት ከም ዝኸሰሰተን ከኣ ተፈሊጡ። እታ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ህውሓት እተን መዲያታት ኣብ ምክፍፋል ውድብ ኢድ ስለ ዝጸንሀን፡ ውድብን ሰራዊትን ኣብ ምቁጽጻረን ብሓባር ከም ዝሰርሑ ምጥቃሳ እውን ተሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ነቶም ዝኸሰሰቶም ጋዜጠኛታት “ገሊኦምሲ ተጋሩ ምዃኖም’ውን የጠራጥሩ” ብዝብል ጠቒሳ፡ ኣብ ልዕሊ ምሁራት፡ ፖለቲከኛታትን ኣብ መዲያ ዝሰርሑን ተጋሩ “ድሕሪ ሕጂ ተጸዋርነትና ናብ ዜሮ ወሪዱ እዩ” ብዝብል መጠንቀቕታ ሂባ።

ሓለፍቲ ብሕታዊ መዲያ ብወገኖም፡ እዚ ተግባር መራሕቲ ህወሓት ኣንጻር መዲያ ዘለዎም ኣሉታዊ መርገጽ ኣብቲ ዝኸፈአ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ዘመልክት እዩ ኢሎም። “ትዕግስትና ኣብ ደረጃ ዜሮ  በጺሑ” ዝብል ኣገላልፋ፡ ኣብ ትግራይ ነጻ ፕረስ ናይ ምጉዕጻጽ ምልክት እዩ ክብሉ እውን ገሊጸምዎ። ብዓብይኡ ከኣ ጋዜጠኛታትን መዲያታትን ንምዕፋን ዘንቀደ መልእኽቲ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣኛታት ክረአ ዝጸንሐ ምፍርራሕ፡ ኣጸሊምካ ካብ ህዝቢ ምንጻልን ሓበሬታ ከምዘይረኽቡ ምግባሮምን ቀጻሊ ጐስጓስ ክካየደሉ ምጽንሑ  ሓደ ካብ  ሓለፍቲ መደብ ተለቪዥ ቲቢኤ (TBS TV) ኣቃሊዑ።

ኣብ ትግራይ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ በቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነጻነት ረኺቡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ ፕረሲደንትነት ጀነራል ታደሰ ወረደ ግና ከንቆልቁል ዝጸንሐ ምዃኑ ንብዙሓት ከዛርብ ዝጸንሐ እዩ።

ኣብ ምዕራብ ለንደን፡ ኤምባሲ ፍልስጤም ብ22 መስከረም 2025 ባንዴራ እናተሰቕለት

ኤርትራ ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ካብ ዘይሃባ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃናን፡ መሰነይተኣ ከኣ ካሜሩን ከም ዝኾነት ካብ ኒው ዮርክ ብዛዕባ መበል 80 ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ሓቢሩ። ጉጅለ ህግደፍ  ኣብዚ ልኡላውነት ኤርትራ ኣዛራቢ ኣጀንዳ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ጉዳይ ፍልስጤም ስለምንታይ  ስቕታ ከም ዝመረጾ  ዝተፈልጠ የለን።

ከም ጸብጻብ ወርሒ መስከረም 2025፡ ካብ 193 ናይቲ ውድብ ኣባል ሃገራት፡ 157 ሃገራት ንሃገርነት ፍልጤም ኣፍልጦ ከም ዝሃባን እዚ ብሚእታዊት 80% ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ከም ዝውክልን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ።  

ካብተን ኣብ መድረኽ መበል 80 ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣትሪረን ሃገርነት ፍልጤም ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት፡ ፈረንሳ፡ ሉክዘምበር፡ ማልታ፡ ሞናኮ፡ ኣንዶራ፡ በልጅም፡ ካናዳ፡ ኣወስትራሊያ፡ ፖርቱጋል ከምኡ’ውን ዓባይ ብሪጣንያ  ይርከበአን። ካብተን ብኣንጻሩ ኣትሪረን ዝተቃወማ ከኣ፡ ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ ፍልጤም ክዝረብ እንከሎ ወንበረን ጥራዩ ዝገደፋ  እስራኤልን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ይርከበአን።

ፍልስጤም ነዚ ኣፍልጦ ትረክብ ዘላ፡ እስራኤል ኣብ ፍልጤም ናይ ምስፍሕፋሕ ተግባራ ቀጺላ፡ ዌስት ባንክ ንምሓዝን ኣብ ጋዛ ህልቂት ንምፍጻምን  ትንቀሳቐስ ኣብ ዘላትሉ እዩ።  ናይ ሃገራት ኣፍልጦ ምሃብ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ኣብነት ዓባይ ብሪጣንያ ደገፍ ካብቲ ባልፎር ደክሌረሽን” ዝወጸሉ ጀሚርካ፡ ናይ 100 ዓመታት ዕድመ ከምዘለዎ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ።

እዚ ካብ 193 ሃገራት ንቫቲካን ወሲኽካ ናይ 157 ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ምርካብ፡ ፍልስጤም  ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ዝህልዋ ቦታ ዘሕይል ኮይኑ፡ ሓለፍቲ  እስራኤል ብሰንክ’ቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ጐበጣን ጭካነን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተቲ ኣብ ምግባሮምን ሃገራት ምዕራብ  ህላወ ክልተ ሃገራት” ዝብል መፍትሒ ንክትግበር ዘተባበዕ ምዃኑን እውን ኣብቲ ዜና  ብሰፊሑ  ተገሊጹ።

ማርቲን ግሪፊትዝ ዝተባህለ፡ ዳኢረክተር ዓለምለኸ ጉጅለ መንጎኝነት፡ ብዛዕባ’ቲ ንፍልስጤም ዝወሃብ ዘሎ ኣፍልጦ፡ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ናይ ሃገራት ኣፍልጦ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነቲ ምዕባለ ናይቲ ኣገዳሲ ዛዕባ መእተዊ እምበር፡ መፈጸምታ ከምዘይኮነ ጠቒሱ፡ ከም ዓባይ ብሪታንያ ንዝኣመሰላ ተሰማዕነት ዘለወን ሃገራት ጻዕረን ብመንገዲ ዓለምለኻዊ ፍትሓዊ ቤት ፍርዲ ኣቢለን ከይተረፈ ጻዕረን ንክቕጽላ ጸዊዑ። ፍልስጤም ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 2012 ጀሚራ ብዘይኣባልነት ተዓዛቢት ኮይና ዝጸንሐት እያ።

ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል (Human Rights Watch)፡ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ነሃሰ 2025 ጀሚራ ተካይዶ ዘላ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ክኢላታት መዲያን ንከተቋርጽ ካብ ናይሮቢ ብዝዘርግሖ መግለጺ ጸዊዑ። እቲ ትካል ኣተሓሒዙ፡ እቶም ሓሳብካ ብናይ ምግላጽ መሰሎም ስለ ዝተጠቕሙ ጥራይ ተኣሲሮም ዘለዉ ብህጹጽ ንክፍትሑ’ውን ጸዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኹሉ “ሱቕ ንምባል” ንዝወስዶ ስጉምትታ፡ “ምክልኻል ጸጥታ ሃገር” ዝብል ጉልባብ ከም ዝህቦ እውን፡ ምክትል ሓላፊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣፍሪቃ ከም ዘፍለጠ ኣብቲ ዜና  ተጠቒሱ። እቲ ምክትል ሓላፊ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣፍሪቃ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታትን ክኢላታትን መዲያን ዒላማ ማእሰርቲ ካብ ምግባር ክቑጠቡን እቶም ብዘይፍትሒ ተቀይዶም ዘለዉ ከኣ ብህጹጽ ንክፍትሑን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ብ3 መስከረም 2025 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣባላት ፍደራል ፖሊስን ሲቪል ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታን፡ ትዕግስቲ ዘሪሁን፡ ምንታምር ጸጋውን እሸተ ኣሰፋን ዝተባህሉ ሰራሕተኛታት ብሕቲ ኤፍኤም ሬድዮ ከም ዝኣሰሩ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ መእሰሪኦም ድማ ብዛዕባ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ሓለዋ ጥዕና ምድላው ብምቕራቦም ምዃኑ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ኣብ 13 ነሃሰ 2025 ድማ ብረት ተዓጢቖም ገጾም ዝሸፈኑ ኣባላት ጸጥታ፡ ዮናስ ኣማረ ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዳላዊ ብሕታዊት ጋዜጣ ሪፖርተር፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ከም ዝተኣስረ’ውን እቲ ትካል ኣብቲ  ጸብጺቡ ኣስፊሩ። ኣብቲ ዝተኣሰረሉ እዋን ፖሊስ ብዛዕባቲ ኩነታት ተሓቲቱ ስለ ዝኸሓደ፡ ሃለዋት ናይቲ ግዳይ ዝኾነ ጋዜጣኛ ከይተፈልጠ ክሳብቲ ዝተፈትሓሉ ዕለት 22 ነሃሰ 2025 ከም ዝጸንሐ ድማ ኣቃሊዑ።

እቲ መጠንቀቕታ መልእኽቲ፡ ብመንጽር ናይ ኢትዮጵያ ኮነ ዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ ሓደ ሰብ ምስተኣስረ ኣበይ ከም ዘሎ ምሕባእ፡ መግለጺ ምግሃስ መሰረታዊ መሰል ምስዋርን ምዃኑ ኣፍሊጡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ሰብ ምስተኣሰረ፡ ጥንቁቕ፡ ነጻን ግሉጽነት ዘለዎን ምጽራይ ከም ዝካየድ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም ኢሉ። እቲ ዘይምኽኑይ ማእሰርቲ ኣብ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ክኢላታት መዲያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ክልል ሶማሊያ ንዝካየድ ተመሳሳሊ ማእሰርቲ ከም ኣብነት ኣስፊሩ።

ልእኽቲ ህግደፍ ጻዕዳ ሓሶት እናስመዐት

ኣብቲ ጐኒንጐኒ እቲ ዝካየድ ዘሎ መበል 80 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝተጋበአ ዝኽሪ ብመል 30 ዓመት “4ይ ዓለም ጉባአ ደቂ ኣንስትዮ” ኤልሳ ሃይለ ብዝተባህለት ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ህግደፍ ከም ዝተሳተፈ ብናይ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ  ገጻት ፌስቡክ ተገሊጹ።  እዛ ዓይና ብጨው ተሓጺባ ኣንጻር ደቃን ኣሓታን ናይ ሓሶት መግለጺ ዝሃበት፡ “ዲረክተር ዓለም ለኻዊ ትካላት”  ዝብል መዓርግ ዝሓዘት ኤልሳ፡ “ኣብ ኤርትራ ጾታዊ ማዕርነት ብዘይጭበት ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብተግባር ተረጋጊጹ እዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ቃል ብምስመዓ፡ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ መዛረቢ ኮይና’።

ኤልሳ “ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዘይንቕነቕ ዓንዲ ነይረን” ዝበለቶ’ኳ ዘይከሓድ እንተኾነ፡ እዚ ግደኣን ሎሚ እውን ኣብ ዕቤት ሃገር መሪሕ ቦታ ሒዙ ምህላወን ከተመልክት ዝፈተነትሉ  ቃል ግና ጻዕዳ ሓሶት ኮይኑ፡ ንገዛእ ርእሳ ዘቃለዓ ኮይኑ። ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ “ማዕርነት ብተሳትፎ” ዝብል ጭረሖ ህያውን ግብራውን ከም ዘሎ ኣምሲላ ከተቕርቦ ምፍታና ከኣ፡ ምስቲ ዝድህሰስ ሓቂ ዝጻጸር እዩ።

ኣብቲ ሓሶታ ንምርጓድ ኣብ ባይታ ዘየለ ኣሃዛት ዝዘርዘረትሉ ቃላ፡ ምናልባት ካብተን ሰብኡተን ናብ ውግእ ተገዲዶም ምስ ዝኸተቱ፡ መተካእታ ስኢነን ናብ ሕርሻ ዝወፍራ ደቂ ኣንስትዮ ብምምዝማዝ፡ ሓደ ሲሶ ንጥፈት ሕርሻ ብደቂ ኣንስትዮ ከም ዝውነን ኣምሲላ ዝጠቐሰቶ ከኣ ዘገርም ኮይኑ፡ ኣብታ ልዕሊ 300 ንጹሃት ተዳጒኖም ዝሳቐዩለን ኣብያተ-ማእሰርቲ ዘለዋኣ ሃገር  ስሉጥ ዕቤት መስርሕ ፍትሒ ይረአ ከምዘሎ ኣምሲላ ምቕራባ እውን ካልእ ንሰማዒኡ ዘገርምዩ።

እዛ ሕልና ዘየብላ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ከምኣ ከም ዘለዋ ዝመሰላ ልእኽቲ ህግደፍ፡ ኣብቲ ብዙሓት ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መዳርግቲ ዘየብሉ ብሓፈሻ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብፍላይ ከኣ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ካብኣ ንላዕሊ ዝፈልጡ ተሳተፍቲ ዝተረኽብሉ ትዛረብ ምንባራ ዘስተውዓለት ኣይትመስልን። መሰረታዊ መሰል ኩሉ ኤርትራዊ  ክሳብ ክንደይ  ዝተጣሕሰ ምዃኑ ብደረጃ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብደቒቕ መጽናዕቲ ኣብ ዝተረጋገጸላን “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ስም ኣብ ዝተዋህባን ሃገር በቲ ዝበለቶ ደረጃ፡ “ጾታዊ ማዕርነት ብግብራዊ ተሳትፎ ዝተረጋገጸ እዩ” ምባላ ክሳብ ክንደይ ምግንዛብ ዝጐደላ ምዃና ዘርኢ እዩ።  

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብዛዕባቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ኣብ ዝምልከት ሒዝዎ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣቕጣጫ መግለጺ ውጺኡ። ፖሓኤ ኣብ መእተዊ ናይቲ መግለጺኡ፡ እዚ መግለጺ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምርግጋጽን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነትን ሓርነትን መሰሉ ክዉን ንምግባር ዝውሰድ ዘሎ-ሕጋዊ መርገጽን፣ ታሪኻዊ ናይ ሓድነት ጻውዒትን፣ መጻኢ ዕጫ ኤርትራ ዝውሰን ከኣ ብህዝባ ጥራይ ምዃኑ ደጊምካ ንምእዋጅን እዩ”  ዝብል ኣስፊሩ።

ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምዕቃብን መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምላስን ንምቅላስ ዘለዎ ድልውነት ክገልጽ እንከሎ ከኣ ፖሓኤ፡ ምሉእ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብኣህጉራዊ ሕግን ብድሌት ህዝባን ዝተረጋገጸ ምዃኑ፡ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንልዑላውነትና ዝበቅዕ ፍትሕን ናጽነትን ሓላፍነታዊ ምሕደራን ዘውሕስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክመጽእ።ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ኩለን ሃገራትን ዝግበር ዝምድናታት፣ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመስረተ ሰናይ ጉርብትና ክኽውን፡” ክብል ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተመስረተሉ ኩሉ ረቛሕታት በብሓደ ብምዝርዛር፡ ብሓፈሻ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ክቕየድን  ካብ መንገዲ ዓመጽን ሓይልን ክወጽእን ውግእ ካብ ምጽሕታር ወጺኡ፡ ናይ ወደብ ተጠቃምነቱ ብመንገዲ ኣህጉራዊ ሕግታት ጥራይ ክትግበረሉ ክሓትት  ጸዊዑ።

ኤርትራውያን ብዘለዎም ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ከይተረሓሓቑ ልኡላውነት ሃገሮምን ሓድነት ህዝቦምን ኣብ ምርግጋጽን  ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ብሓባር ክስጉሙን ዝጽውዕ ዝርዝር’ውን  እቲ መግለጺ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላት፡ በቲ ሓደ ወገን ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምውሓስ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምላስ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ግደኦም ከበርክቱ ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ “ልኡይላውነት ኤርትራ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወርድን ንዝብል መሰረታዊ መልእኽቲ ኣስሚሩሉ።

ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝጸውዖ ወርሓዊ ኣኼባ ኣባላት (ሰዲህኤ)፡ ብ20 መስከረም 2025 ተኻይዱ። ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ “ዲጂታላዊ ቁጠባ” ዝብል ኮይኑ፡ ብዛዕባዚ ዘመናዊ ቁጠባዊ ተርእዮ ሰፊሕ ኣገዳስን ኣስተምህሮ ዝሃበ ናይቲ ዛዕባ ክኢላ  ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ኣቦመንበር ዞባ ሰሜን  ኣሜሪካ ሰዲህኤ እዩ።

ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ብዛዕባቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎን በብግዜኡ ቀልጢፉ ዝቀያየርን   “ክሪብቶንን ምስኡ ዝተሓሓዙ ምህዞታትን  ኣብ ቁጠባዊ ወፍሪ ዘርእዮ ዘሎ ዕቤትን” ሰፊሕን ዝተጸንዐን መብርሂ ሂቡ። ብዘይካዚ ባዛዕባ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ገንዘብን  ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ዘርኣዮ ለውጥታትን ዝምልከት መግለጺ’ውን ሂቡ። ቅድሚ ገንዘብ ናብ መድረኽ ዕዳጋ ምምጽኡ ብነገራዊ ናይ  ምልውዋጥ ዕዳጋ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ ብጻይ ደስበለ፡ ንግደ ገንዘብ ኣብ ዕቤት ዕዳጋ ክገልጽ እንከሎ ድማ “ናይ ዕዳጋ መራኸቢ” ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰንዩ ብቐሊሉ  ኣብሪህዎ።

ኣብቲ መብርሂኡ ዝምድና ገንዘብን ወርቅን እውን ዝጠቐሰ ብጻይ ደስበለ፡ ገንዘብ ካብ ላዕሊ ብውሳነ መንግስታት  እናተሓትመ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ዝነበረ ምዃኑ ሓቢሩ፡ እቶም ንዓኡ ንምትካእ ዝመጹ ከም ክሪፕቶን ዝኣመሰሉ ዘመናዊ ዲጃታላዊ ምህዞታት  ግና ካብ ታሕቲ ዝነቕሉ ኮይኖም፡ ካብ ገንዘብ ዝያዳ፡ ግሉጽነት፡ ዘይምእኩል ኣጠቓቕማ፡ ስሉጥነትትን ውሑስን ምትሕልላፍ ዘተኣታተዉ ምዃኖም ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ተጠቃምነት እዚ ዲጂታላዊ ዘበናዊ ገንዘብ ይሰፍሕ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ናይተን ኣብዚ መዳይ መሪሕ ግደ ዝጻወታ ዘለዋ ሃገራት ኣስማተን ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ሓያል ውድድርን ከም ኣብነት ዘርዚሩ። እቲ ሓድሽ መስርሕ ተጠቃምነት ክሪፕቶን ምስ ዘመናዊ ምዕባለ ንምስጓም ዘኽእል ኮይኑ፡ ክሳራ ንከይጋጥም ቅድሚ ናብ ተግባር ምእታው መጽናዕቲ ምክያድ፡ ጥንቃቐ ምዝውታርን ምስ ቅልጡፍ ለውጥታት ምስጓምን ከም ዘድሊ እውን ኣገንዚቡ።

ድሕሪቲ መበገሲ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ እቲ ምዕባል ሓድሽ ምስ ምዃኑ ብዛዕባ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሕድሮ ስግኣትን ፍርሕን ምስ ተመኩሮታት ብምስናይ  ሕቶታት ሓቲቶም፡ ብኣቕራቢ ከኣ ሰፊሕ መብርህታት ተዋሂብዎም።

 “ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)” ዝተባህለ ውድብ፡ ብ20 መስከረም 2025 ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝተመስረተ ናይቲ ምምስራት ግዝያዊ ኣተሓባባሪ ኣቶ ጉዕሽ ግዳይ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ትግራይ ሓቢረን።  እቲ ብ31 ሓምለ 2025 ካብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበ ዝሓበረ ውድብ፡ ኣብዚ መስራቲ ርክቡ ዝምረሓሉ ቅዋምን ማንፌስቶን ከም ዘጽደቐን  ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን ከኣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን66 ወተሃደራዊ መኮነናት ናብ ዝተፈላለዩ ደረጃ መዓርግ ጀነራልነት ኣደይቡ።

ንውድብ ወለዶ ትግራይ ዝምስርቱ ዘለዉ ተጋሩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ኣካልቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ዝነበሩ እዮም። ብዘይካዚ ካብቶም መስረቲ መብዛሕተኦም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊው ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሕታት ምምሕዳር ትግራይ ተመዲቦም ዝነበሩ በቲ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ሓለነቶም ዝተመንዝዑን ድሕሪኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክኸዱ ተገዲዶም ዝነበሩን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣቶ ጉዕሽ ግዳይ ኣብቲ መስራቲ ጉባአ፡ ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ናይ ለውጢ ባህጊ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ውድቦም መንእሰይ ትግራይ ነቲ ባህጊ ኣብ ግብሪ ንከውዕል ኩነታት ንከጣጥሕ ዕድል ዝኸፍት እዩ ኢሉ። እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ መስርሕ ምምስራት ከም ዘሎ ዝጠቐሰ፡ ውድብ ስምረት ትግራይ ተፈልዩ ንገዛእ ርእሱ ዝውድብ ዘሎ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ህወሓት ብወግዒ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣቶ ጉዕሽ ግደይን ናብ ዝምርሑ ሰለስተ ኣካላት ከም ዝተኸፍለ ዘመልክት እዩ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ናብቲ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ብዝምልከት ዘልዕሎ ዘሎ ዓመጸኛ ዛዕባ ብዘድሃበ፡ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስትን ሓይሊ ሕማምን ዝበለን ኣካላት ምምስራቱ ተሓቢሩ። ብ20 መስከረም 2025 ድማ፡ ጐኒንጐኒ’ቲ ናይ ውግእ ፕሮፓጋንዳኡ፡ 4 ናይ ምሉእ ጀነራልነት፡ 2 ናይ ሌፍትናንት ጀነራልነት፡ 17 ናይ ሜጀር ጀነራልነትን 43 ናይ ብሪጌደር  ጀነራልነትን ብድምር ን66 ወተሃደራዊ መኮነናት ዝለዓለ መዓርግ ከም ዝሃበ ብወግዒ ኣፍሊጡ።